ዳግመ ርኽክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ.) ኣገዳሲ መግለጺ

2015-05-06 13:21:15 Written by  ዳግመ-ርኽክብ ገዳይም ተ.ሓ.ኤ Published in Community Center Read 5043 times

ካብ ነሓሰ 7- 9፡ ንራባዓይ ዓመት ክጋባእ ዝነበሮ፡ ዳግመ-ርኽክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ከተማ ኣትላንታ -ጆርጂያ ፡ ኣብ`ዚ ዓመት`ዚ ንዘይምግባሩ ተወሲኑ። ኣብ`ዚ ውሳኔ`ዚ ክንበጽሕ ሕማቕ እናተሰማዓና`ዩ። እንተኾነ ክስገሩ ዘይክእሉ ዝተፋላለዩ ምኽኒያታት፡ ናብ`ዚ ውሳነ`ዚ ክንበጽሕ ኣገዲዶም።

እቶም ምኽኒያታት፡ ዓበይትን ናኣሽቱን እዮም። ብሓፈሽኡ ግና እቲ ቀንዲ ምኽንያት፡ ክሳብ ሕጂ ዘድሊ ምቅርራባትን ምድላዋትን

ክንገበር ስለዘይሰለጠ`ዩ።  ንኹሎም፡ ኣብ`ዚ ዓመት`ዚ ክሳተፉ ወዲአምዎ ንዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ናይ 2015  ዳግመ-ርክብ

ብዘይምዕዋቱ እቕረታ ንሓትት። ናብ ዝመጽእ ዓመት ብዝጸፈፈን ዝደመቐን ክዳሎ እናተመነና  ድማ ንዓመታ ነቲ ንኽሳተፍዎ መደብ

ክገብሩ ብትሕትና ንዕድምን ነተባብዕን።

ኣብዞም ዝስዕቡ ኣዋርሕ ኣብ ምምዕባል ንዘሎ ወብ ሳይት ጌርና፡ ንዝህሉ ሓበሬታ ከነካፍለኩም ኢና።

ኣኽባሪኹም፡

ጸጋይ ነጋሽ

ብስም ዳግመ-ርኽክብ ገዳይም ተ.ሓ.ኤ

                                                        05/05/2015