ቃል ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ማሕበር ጀርመን ኣብ ፈስቲቫል ፍራክፎርት 2017
Written by Neguse Tsegaiዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽናን ተሳተፍቲ ናይዚ ፈስቲቫልን ብሓበራ፡
ዝኸበርኩም ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ,ኣቦ መንበር ሰደህኤ ፡
ዝኸበርኩም ኣቶ ሽተፋን ቫንገንሃይም ልኡኽ ሰልፊ ኤፍደፐ ፡
ዝኸብርክን ወ/ሮ ኣንገላ ሃኒሽ ወኪል ሰልፊ ግሩነን ፍራንክፎርት ፡
ዝኸበርኩም ተወከልቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ስቪክ ማሕበራትን ኤርትራ
ዝኸበርኩም ኣባላት ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫልን ኣባላት ኤደማን
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
ክቡር ግዜኹም ከፊልኩም ፡ ናይ ከባቢኹም ማሕበራዊ ጉድያት ኣጸጊዕኩም ፤ንዝተገበረልኩም ዕድመ ኣኽቢርኩም፡ ኣብዚ ኤርትራዊ ፈስቲቫል እዚ ብኣካል ምስታፍኩም ፡ ዝተሰማዓኒ ሓጎስ ድሕሪ ምግላጽ ፡ ብስመይን ብስም እቲ ልዕሊ 10 ኣዋርሕ ኣብ ምድላው ዝጸንሐ ፡ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል 2017 ፡ እንኻዕ ብደሓን መጻእኹም እናበልኩ ክብ ዝበለ ምስጋናን ሰላምታን የቕርበልኩም ።
ኤደማ ጀርመን ዓመት ዓመጸ ነዚ ፈስቲቫል እዚ ከአንግድ ከሎ ፡ ኣብ ምትህልላኽን ምፍልላያትን ዝተደኮነ ፡ ናይ ድያብሎስ ጸረ ማሕበራዊ ስኒትን ሰላምን ዘይኮነስ ፡ ጥዑይ መንፍስ ሰረቱ ዝገበረ ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘይ ኣድልዎ ከዋስእ ከም ዕላማ ኣብ ፕሮግራሙ ስለዝሰነደ ጥራሕ እዩ ። እዚ ድማ ካብቲ ዘለዎ ማሕበራዊ እምነትን ሰብኣዊ ሓልዮትን ተበጊሱ ንኤርትራዊ ስደተኛ ከገልግል ቀዳማይ ቦታ ስለ ዘትሓዞ እዩ ። ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ መላእ ክፍለ ዓለምና ዝርከብ ብዓል ውራይ ምዃኑ ኣስተውዒሉ ብዛዕባ ሃገሩን ህዝቡን ፡ ናይ ገዝእ ርእሱ ናይ ስደት ሃለዋቱን መሰረት ገይሩ ንኽላዘብ ፡ ዝተኸፈተ ማዕጾ እዩ ።
ውጽኢት ኣብ ሃገረ ኤርትራ ናይ ዘሎ ዘይቅዱይ ምሕደራ ፡ ኤርትራዊ ዜጋ ፡ ንዝፈትዎም ስድራቤቱን መታዓቢቱን ፡ ንትውልዲ ሃገሩን ንድሕሪት ገዲፉ ፡ ስደት ክመርጽ ከሎ ፡ ሰብኣዊ ክብሩ ስለ ዝተገፈ ፡ ናይ ምንባር ሂወቱ ስለ ዝዓጸቐ ፤ ሰላምን ምርግጋእን ስለዝሰኣነ እዩ ። ናይ ስደት ጉዕዝኡ ቀሊል ከም ዘይኮነ ነፍሲ ወከፍና እንፈልጦን እንከታትሎን ስለዝኾነ መግለጺ ዘድልዮ ኣይኮነን ።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡
ኤደማ ናይዚ ፈስቲቫል 2017 መሪጽዎ ዘሎ መዛረቢ ኣርእስቲ ፤ እቲ ዝበዝሕ ስደተኛ መንእሰይ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ትሑት ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎ ፤ ሞያዊ ምልመላ ዝጎደሎ ፤ ናይ ትምህርቲ ግዜኡ ኣብቲ ብወታሃደራዊ ኣገልግሎት ዝፍለጥ ደረት ኣልቦ ማሕዩር ተቆሪኑ ንዓመታት ዝጸንሐ ፡ ኣብቲ እግሩ ዝዓለበሉ ሕብረት ሰብ ከመይ ገይሩ እዩ ተወሃሂዱ ዝነብር ?? እንታይከ ክግበረሉ ኣለዎ ??እቶም ንዓመታት ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ሪዒሞም ዝጸንሑኸ ኣብ ልዕሊ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ምዃን ፡ እንታይ ዓይነት ምትሕብባር ከብርክትሉ ይግባእ???
ዝኾነ ስደተኛ መንእሰይ ፡ ንኩሉ ዓይነት ጸጋታት ናይታ ዑቕባ ዝሓተተላ ሃገር ብቑዕ ተቐማጣይ ኮይኑ ምእንቲ ክነብር እዚ ዝስዕብ ብቕደም ተኸተል ክማሃሮን ከማለኦን ይግባእ ፤ ንኣብነት ፤ኣብ ጀርመን ዝኣተወ እንተኾይኑ ???
- ምፍላጥ ቓንቛ ጀርመን- መሰረት ንህልውናኡ ዘረጋግጽ ፡ ሓሳቡ ንምግላጽ ዘብቀዖ፡
- ፈለግ መሰረተ ትምህርቲ ናብ ዝላዓለ ደረጃ ዘብጽሕ ፡
- ናይ ሞያ ምልመላ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ተዋፊሩ ንምንባር ዘኽእሎ ፡
እዚ ሰለስተ መሰረታዊ ነጥብታት ምስ ዘማልእ ንነብሱ ይናብን ካብ ተጸባዪ ምዃን ይድሕንን ።
ናብዚ ደረጃ እዚ ክበጽሕ ፡ ንሕናኸ ንነብስና ከም ተወሃሂድና ንነብር ዘሎና ከም ኣብነት እንታይ ክንገብር ንኽእል?/
- ድልዋት ንምሕጋዝ፤ ኣብ ምትርጓም ምሕጋዝ ምስ ሓኻይም ኣብ ዝግበር ቆጸራታት፡ኣብ ቛንቛ ምምሃር ምትብባዕ፡ ምስ ዕዳጋታት ናይቲ ከተማ ምልላይን ኣብ ምሽማት ምትሕብባር፡ ኣብ ገዛ ኽራይ ምድላይ ምትሕብባር፡ ኣብ ከባቢና ምስ ዝርከቡ ኣሲል-ክበባት ምልላዮም ወዘተ ርኡይ ዝኾነ፡ ምስ ሃለዋቶም ዘሳኒ ሓገዝ ምፍጻም የድሊ ።
- ምስ መንግስታውያን ድርጅታት ኣብ ዝግበር ቆጸራታት ኣብ ምትርጓም ምትሕብባር። ኣድላይ ምስ ዝኸውን ምስ ጠበቓታት ከም ዝራኸቡ ምግባር።
- ምስ ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ማሕበረት (ስፖርት) ከም ዝሳተፉ ምግባርን ኣድራሻታት ምሃብን፡ ምስ ሓለፍቲ ናይቲ ክለባት ከም ዝላለዩ ምግባርን።
- ምስ ጎረባብቶም ምሕዝነት ከም ዘጥርዩ ምምዓድ ፡ ወዘተ
እዚ ዝስደድ ዘሎ መንእሰይ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕሳባት ዘለዎ ፡ ኩሉ ዓይነት ማሕበረዊ ጸገማት ተሸኪሙ ዝተሰደ ስለዝኾነ ብቐዳምነት ኣብ ናይ ምንባር ሕቶኡ ዘርገኦ ምትሕብባር የድልዮ። ንኣብነት ኣብ ከባቢና ትርሓስ ኣማኒኤል ኮነ ኣነ ከምኡውን ካልኦት ናብዚ ዝተጠቕሰ ዕላማ ዘድሃበ ዝተኸተልናዮ መስርሕ ሞራላዊ ምጽንናዕ ፍሬኡ ንዑስ ኣይኮነን። ስለዚ ምጽእ ምስ በለ ፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ቁርቁሳት ክሳተፍ ምጽባይን ናብኡ ምድፍፋእን፥ ንሱ መርሕ ግደ ክጻወት ኣለዎ ኢልካ ምምዳርን ብዙሕ ዘድምዕ ኣካይዳ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። በቲ ሓደ ሸንኽ ድማ ፖለቲካዊ ስደተኛ ኣይኮነን፡ ንገንዘብ ኢሉ ዝተሰደ እዩ ዝብል፡ ተጻበኦ ዝፈጥረሉ ኣካል፤ ውላዱ ሓቚፉ እናሓደረ፡ ናብ ደረት ኣልቦ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ንውላዱ ክሰድድ ፍቓደኛ ዘይከውን ከም ዘሎ ምልላዩ ኣገዳሲ እዩ ።
እቲ መሰረታዊ ጸገም ኣብ ዝሕለፈ ካብ 35 ክሳብ 40 ዓመት ዝግመት ንአርትራዊ ስደተኛ ዝሓቁፍን ዝሕለቕን ጥርኑፍ ማሕበር ዘይምህላዉን እዩ ዘሪኤና ።
ኤደማ ነዚ መደብ ፈስቲቫል እዚ ከዳሎ ከሎ ፡ ዝኮዖ ገንዘባዊ ዓቕሚ ስለዘለዎ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብ ጻዕርን ተውፋይነትን ኣባላቱ ተኣማሚኑ ዝትግበር ሃገራዊ ውራይ እዩ። ስለዚ ክናኣድን ክምስገንን ዝግበኦ ኣባል ኤደማ ን ኣባላት ሰደህኤ ኣብ መላእ ኤውሮጳን እዮም ። ኩሉ ተጠቃሚ ናይዚ ፈስቲቫል እዚ፡ ካብ ውልቀ ሰብ ክሳብ ሰልፍታትን ማሕበራትን ዝደመረ ፡ እዚ ማሕበር እዚ ንዝህቦ ዘሎ ኣገልግሎት ቆላሕታ ክትገብርሉ ንእግረ መንገደይ እጽውዕ ፤ነዚ ዘሕልፎ ዘለኹ ጸዋዒት ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓሉ ሓላፍነት ናይ ነፍሲ ወከፍና እዩሞ። ኣብ ማህደር ልብኹም ኣስፊርኩም ሞራላውን ነገራውን ሓገዝኩም ከተወፍዩ የዘኻኽረኩም።
እዚ ኤርትራዊ ፈስቲቫል እዚ ተግባራዊ ንክኸውን ዘኽእሎ ሰናይ ድልየት ምምሕዳር ከተማ ፍራንክፎርት ስለ ዝተሓወሶ እዩ።ብጠቕላልኡ ሃገረ ጀርመን ሰብኣዊ መሰላት ዘኽብርሉ ሕግታትን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን ስለዝውንን : ተጠቀምቲ ናይዚ መሰላት እዚ ክንከውን ኪኢልና። ኣብ ሃገርና እዚ ስለዝቦኸረ ኢና ውገሐ ጸብሐ ብኽንደይ መሪር ጸገማት ናብ ስደት እንውሕዝ ዘሎና ።
ስለዚ ብክብ ዝበለ ድምጺ ናብ ከንቲባ ፐተር ፈልድማን ክብ ዝበለ ምስጋና ብስም ማሕበርናን ተሳታፋይ ናይዚ ፈስቲቫልን ነሕልፍ።ምስጋናና ዋላውን ብኣካል ምሳና ኣይሃልዉ ደኣምበር ፡ ብድምጽን ብጠቓዒትን ነሰንዮ።
ኤደማ ፡ ነጻነት ማሕበራዊ ልዝብ ኣብ ሃገሩ ንዝተሓሮሞ ህዝቢ፡ ብጉዳዩ ክዛተ ዕድል ምኽፋትና ከም ዓቢ ህያብ ኢና እንቆጽሮ ። ብሓባር ዝተላዘበ ህዝቢ ናይ ሓባር ራኢ ሒዙ፡ ንናይ ሓባር ጸላኢኡ ክምክት ይኽእል እዩ ዝብል ዕግበት ስለ ዘሎና ፤ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ፤ ብጉዳይ ናይ ሓባር ማሕበራዊ ጸገማቱ ብስኒትን ብምክብባርን ኮፍ ኢሉ ክላዘብን ፍታሕ ከናድየሉን መሰረታዊ ሃንቅውታና ስለዝኾነ መልእኽትና ካባኹም ጀሚሩ ኣብ ኩሉ ክባጻሕ ንጽውዕ ።ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ንኹሉ ዓይነት ጸገማቱን ፍልልያቱን ሸኒኑ ፡ ማሕበራዊ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ንረብሑ ክሰርሕ ግዜ ይጠልቦ ኣሎ ።
ዝተፋላለየ መደባት ተዳልዩ ስለዘሎ ተጠቀምቲ ክትኮኑ እሕብር። ብተውሳኺ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫልና ንዓኻትኩም ንምእንጋድ ዘዳለዎ ሽሻይ ስለ ዘሎ ባዕልኹም ንነብስኹም ክትዕንገሉ የዘኻኽር ። ብሩኽ ምጅማርን ምውዳእን ፈስቲቫል ይግበረልና ። ጽን ኢልኩም ብምስማዕኹም የቐንየለይ ።
ተስፋማርያም ክብራኣብ
ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል 05.08.2017
ኣገዳሲ ቁምነገር ዝተንጸባረቐሉ ፈስቲቫል 2017 ፍራንክፈርት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ብዓወት ተዛዚሙ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤኩሉ ኣባላ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዞባ ኤውሮጳ፡ ወከልቲ ዕዱማት ኣሓት ውድባትን ህዝብን ኣብዚ ኣብ 4ን 5ን ነሃሰ ኣብ ፍራንክፈርት ኤርትራ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ተሳቲፎም። ብዘይካዚ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ኣቦመንበር ሰልፊ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝመርሖ ናይ ኣባላት ሰልፊ ጥራይ ኣኼባ ተኻይዱ። ንዲሞክራሲ ካብ ዝሕለቑ ንጡፋት ወ/ሮ ሳልዋ (ኡምሪታል) ካብ ወሽመጥ ዓረብ ዝመጸትን ኣምንበሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ካብ በርሶሎና ስፐይን ካብ ኤርትራዊ ፈስቲቫል ጀርመን ፍራንክፈርት ከይተርፍ ነዊሕ ተጓዒዙ ተሳቲፎም።

እዚ ዝስዕብ ናይቲ ምዕሩግ ፈስቲቫል ፍጻመ ጽማቝ እዩ። (ናይቲ ፍጻመ ምሉእ ሓበሬታን ትሕዝቶ ናይቲ ዝቐረበ መደረታትን ብኤርትራዊ ቋንቋታትን እንግሊዝን ክስዕብ እዩ)
ፍጻመታት ቀዳማይ መዓልቲ
ዓርቢ 4 ነሃሰ 2017 ደድሕሪ መእተዊ ቃል ኣቶ ብተስፋማርያም ክብረኣብ ኣቦመንበር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር (ኤዲማ) ቀሪቡ። ስዒቡ ኩሉሎም ኣጋይሽ ኣብ ዝተጋብእሉ፡ መደባት ናይ ቀዳሊ ቀዳመሰንበት እንታይ ከም ዝኾነ ተሓቢሩ። በዚ መሰረት ኣብዚ ዕለት ሰለስተ ተግባራት ተፈጺሙ።
እቲ ናይ መጀመርያ ፍጻመ ናይዚ ዕለት ብምስሊ ዝተሰነየ ኤርትራዊ ናይ ናውቲ ገዛ ኣወጋግና ዘርኢ ብጭረሖታት ዝተስነየ ብቕዓት ኤርትራዊት ኣገደ ንገዛእ ርእሳ ካብ ድርብ ወጽዓ ናጻ ንምውጻእ ዘርኢ ኢደ-ጥበባዊ ስራሕ ነይሩ።
ናይዚ ዕለት 2ይ ፍጻመ ንግንዛብ ኣገዳስነት ዲሞክራስን ግዝኣተ ሕግን ዝምልከት፡ ብክልተ ላዕለዎት ካድራት ሰዲህኤ ኣሕዋት ድራር መንታይ ካብ ኔዘርላንድን ጎይተኦም መብራህቱ ካብ ዓባይ ብሪጣንያን ዝተመርሐ ዓውደ-መጽናዕቲ ነይሩ። መደቦም ኣብቲ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣብ ሃገር ነርወይ ራፍት ፋውንደሽን ብዝተባህለ ትካል ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ንምትብባዕ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ እሞ ብኣካል ዝተሳተፍዎ መሰሰረት ገይሩ ዝተሰናደአ እዩ።

እዚ ካብ ተሳተፍቲ ሓሙሽተ ጉጅለታት ዝተሳተፍዎ ኣውደ-መጽናዕቲ፡ ብሓጺር መግለጽን ሓባሪ ምልክታትን ብትግርኛ ዝተሰናደአ እዩ። እቲ ናይዚ ዕለተ-ዓርቢ ካልእ ፍጻመ ከኣ፡ ሓጺር ግና ድማ ሰሓቢ ብወናማት መንእሰያት ዝተመርሐ ሙዚቓን ሳዕሳዒትን ነይሩ።
ፍጻመ 2ይ መዓልቲ
ቀዳም እቲ ዝዓበየ ናይ ኣቦመንበር ሰዲህኤ መደረን መልእኽቲ ምሕዝነት ኣሓት ውድባትን ዝቐረበሉ ናይቲ ፈስቲቫል ናይ ዘተ ዕለት ነይሩ። እቶም ቃሎም ምሕዝነት ዘስምዑ ኣቶ ዓምደልዓዚዝ ኣንዋር ካብ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ኣቶ ኢድሪስ ሑመድ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣቶ መንግስተኣብ ኣፈወርቂ ካብ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡

ኣቶ ሰመረ በያን ካብ ግንባር ደሞክራስያዊ ሓድነት ኤርትራ፡ ኣቶ ክብረኣብ ምስግና ካብ ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፡ ኣቶ ካሕሳይ ብርሃነ ካብ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ኣቶ ገብርሂወት ክፍለ ካብ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጥን ወ/ሮ ኣልጋነሽ ይስሃቅ ካብ ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ሰዲህኤን እዮም። ኣብዚ ናይ ቀዳም መደብ ጓይላን ሳዕሳዒት’ውን ቀጺሉ።

3ይ መዓልቲ ፈስቲቫል
ዝዓበየ መደብ ናይ ሰንበት ኣባላት ሰልፊ ጥራይ ዝተሳተፍዎ ብኣቦመንበር ሰልፊ መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝተመርሐ ብዛዕባ ፈስቲቫል ዝተኻየደ ኣኼባ ነይሩ። እዞም ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሃገራት ኤውሮጳ፡ ዓባይ ብሪታንያ፡ ኔዘርላንድስ፡ ነርወይ፡ ሽወደን፡ ጀርመን፡ ስዊዘርላንድ፡ ኢጣልያ፡ ከምኡ’ውን ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ዝተሳተፈ ኣባላት ሰዲህኤ ንእግረመንገዶም ናይ ሓባር ድራርን ዕላልን ኣካይዶም።
Eventful 3-Day Eritrea Festival 2017 Conducted with Notable Success in Frankfurt This Weekend
Written by EPDP Information OfficeAll-Europe Zone members of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP), invited sister organizations and the general public attended on 4 and 5 August eventful Eritrea Festival days in Frankfurt while an only-members assembly was held Sunday afternoon led by the EPDP Chairman Menghesteab Asmerom. Among the inspiring addresses heard on Saturday were the ones presented by two Eritrean pro-democracy activists: Ms. Salwa Nur (Umreetal), who flew in from the Arab Gulf, and Ambassador Andebrhan Weldegiorghis who made a detour flight from a duty sojourn in Barcelona, Spain, in order not to miss the Eritrea Festival in Germany.

Following are excerpts of the colourful festival events. (Full reportage on the events and content of the speeches will follow in major Eritrean languages and in English).
Events of Day-One:
Following an introductory opening statement on Friday, 4 August, by Mr. Tesfamariam Kibreab, chairman of the Eritrean Democratic Association (EDA) that hosted the festival, invited guests were informed on details of the programme for the weekend which included three events held on Day One of the festival.

The first was an invitation to visit a side-display of Eritrean handcrafts/artifacts and home appliances surrounded by slogans expressing the determination of the Eritrean woman to struggle for self-emancipation from double oppression.
The day's second event was an awareness workshop on democracy and the rule of law led by two senior EPDP cadres, Dirar Mantai of the Netherlands, and Goitom Mebrahtu of UK. Their presentations were based on an intensive course they attended earlier this year at programme organized by the Raft Foundation of Norway for the promotion of democracy and human rights.

The workshop, which involved the participation of five-groups from among the audience, was prepared with brief explanations and illustrations prepared in Tigrigna. The third event on Friday was a short but lively folkloric music and dance led by young singers.
Events of Day-Two:
Saturday was the day of the major festival panel event which included the keynote address of the EPDP Chairman and solidarity messages of sister organizations. The speakers included Mr. Abdulaziz Anwar from the Eritrean Nahda Party; Mr. Idris Humed of the Eritrean Liberation Front (ELF); Mr. Menghesteab Afeworki of the Eritrean

Democratic Party EDP); Mr. Semere Beyane of the Eritrean Democratic Unity Front (Sagem); Mr. Kibreab Misghina of the Eritrean Revolutionary Democratic Front (Sedege'e); Mr. Kahsai Berhane of the Eritrean People's Unity Movement for Justice; Mr. Ghebrehiwet Kfle of the Eritrean Unity for Democratic Change; and Ms Alganesh Isaak of the EPDP office for women's affairs.
The Saturday events continued with folkloric dances and music till Sunday morning.
Third Festival Day:

The major event on Sunday was a members-only meeting led by EPDP Chairman Menghesteab Asmerom at the festival grounds. Party members coming from several European cities in UK, the Netherlands, Norway, Sweden, Germany, Switzerland, Italy, USA and Canada also seized the occasion for a joint dinners, side-chats and exchange of addresses.
ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን ዝተዳለወ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2017 ብዕለት 04. ነሓሰ መደባቱ ጀሚሩ ውዒሉ። ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ናይዚ ዝተጠቕሰ ማዓልቲ ንኣደራሽ ዝምልከት ዘድሊ ምድላዋት ኣብ ምስልሳል ኣንከሎ ብርክት ዝበሉ ብተመኩሮ ዝበሰሉ ኣባላት ሰልፍን መሪሕነቱን ኤርትራውያን ግዱሳት ደቂ ሃገርን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ቦታ ፈስቲቫል ክበጽሑ ጀመሩ።
ብዘይካዚ፡ ኣቲ ንነዊ ዓመታት ብዛይምቁራጽ ብናይ ቃልሲ ወኒ ኣብ ፈስቲቫላት ጀርመን ካብ ምስታፍ ተሪፉ ዝይፈልጥ ብጻይ ጸሃየ ኣርኣያ መሓሪ እውን ካብ ችካጎ ኣመሪካስ ደበኽ ዳኣ በለ። ምስዚ ኣነ፡ መሓዙትን መጋድልትን ናይቲ ግርማ ፈስቲቫልን ተቓላሳይን ዝነበረ ስዉእ ወላድየይ ክረክብን ወግዖም ክካፈልን እደሊ ኣለኹ ዝበለ መንእሰይ፤ ወዱ ንስዉእ ኣስጎዶም ወዲ ባሻይ እውን ካብ ዓዲ ጣልያን ካብ ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ኮይኑ ኣሎ።
ድሕሪ ናይቲ ዕለት ምቕባል ኣጋይሽ ምስልሳል፡ ኣቦ መንበር ኣሳናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል ሓው ተስፋማርያኣም ክብራኣብ ሓጺር ናይ ምስጋናን ሌላን ቃል ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ድሕሪ ምቕራብ መደባት ፈስቲቫል ብስሩዕ ንምጅማር መድረኽ ንመምህር ድራር መንታይን ጎይትኦም መብራህቱን ኣረከበ።

ዝተጠቕሱ ብጾት ነቲ ንነዊሕ ግዝያት ክዳለውሉ ዝጸንሑ ሕብስቲ ዲሞክራሲ ዘርእስቱ ኣስተምህሮ፡ ንተደላይነት ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ሓጺር መኣተዊ ድሕሪ ምቅራብ፡ ኣርባዕተ ጉጅለታት በብሓሙሽተ ወለንታያን ሰባት ሰሪዕም ግን ከኣ ንኩሉም ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ብዘዋስእ ኣገባብ ተግባር ዝተሓወሶ ኣስተምህሮ ኣቕሪቦም። ዝቀረበ ኣስተምህሮ ኣብ ኣብነታዊ ዛንታ ዝተሰረተን ዝተጻሕፉ ይኹኑ ዘይተጻሕፉ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዝግበሩ ውዑላት፡ ንምፍራሶም ዝድርኽ ኩነታት ኣብዝፍጠረሉ ግዜ ንምፍትሑ ክውሰዱ ዘለዎም ሓሳባትን ምብላሓትን ኣብ ምቅራብ ዝሕግዝ ዛንታ እውን ነይርዎ። ኣብዚ ተሳተፍትን ኣቶም ብጉጅለታት መልክዕ ዘቆምዎም ሰባትን ናይ ሓባር ይኹን ዝተፈልየ ርእይቶታት ኣብ ምቕራብ ይሕግዝ ብምንባሩ መደብ ኣስተምህሮ መሳጢ ነይሩ።
ጸኒሑ ሓንቲ ሓዳስ ሃገር ኣብ ምህናጽን ክስርዑ ዘለዎም ኣዕኑድ ዲሞክራስን ትካላቱን፡ መሰልን ግቡእን ዜጋታት ኣብ ምርግጋጽ ክስሩዑ ዘለዎም ነገራት ዘብርህ ሓንቲ ተምሳል ሕብስቲ ብዝተፈላለየ ግናዓት ብምልጋብ ንምስራዕ ዘመልክት ተግባር ዘሰነዮ ኣገዳሲ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦምን ጽሑፋት ዘርጊሖምን ቀዳማይ መደብ ተሰላሲሉ። ንሕናውን ንሎሚ ኣብዚ ዓጺና ኣለና፡ ዝስዕብ መደባትና ከነካታትለኩም ኢና።
ኤርትራውያንን ጀርመናውያንን ፖለቲካውያን መራሕቲ ናብ ፈስቲቫል 2017 ጀርመን ይመጹ ኣለዉ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኤርትራውያንን ጀርመናውያንን ፖለቲካውያን መራሕቲ፡ ከምኡ እውን ተሓለቕቲ ደሞክራሲ ሰቪላዊ ማሕበራት ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ዝካየድ ፈስቲቫል መልእኽቶም ናብ ህዝቢ ከቕርቡ ናብ ከተማ ፍራንክፈርት ይጐዓዙ ኣለዉ። እዚ ናይ ምይይጥን መልእኽቲ ምሕዝነት መትሕልላፍን መደባት ኣብ 5 ነሃሰ 2017 ካብ ሰዓት 13 ጀሚሩ መደብ ተሰሪዕሉ ኣሎ። ኣብ ርእሲ ተወከልቲ ጀርመናውያን ሰልፍታት፡ ናጻ ደሞክራስያዊ ሰልፊን ሓምላይ ሰልፍን፡ ካለኦት ኣቕረብቲ ጽሑፋት ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ካብ ሰዲህኤ፡ ኣቶ እድሪስ ሑመድ ካብ ተሓኤን ኣንበሳድር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ካብ መድረኽን ይርከብዎም።
ኣቦምንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ዘቕርቦ ጽሑፍ ኣብ እማመ ሓድነት፡ ኣንበሳድር ዓንደብርሃን ድማ ኣብ ቀጻሊ ኣስተዋጸኦ ንልዝብ ከምኡ እውን ብዛዕባ ምልምማድ ስደተኛታት ምስ ከባቢኦም ከተኩሩ ትጽቢት ይግበረሎም።
ካብ ምቕራብ ናይ ምሕዝነት መልእኽቲ ሽወደናዊ ፕረሲደንት ማሕበር ሽወደን ሰላምን ዕቤትን ቶማስ ማግኑሶን፡ ስዒቡ ቃሎም ዘስምዑ ኤርትራውያን ዕዱማት ኣቶ መንግስተኣብ ኣፈወርቂ ካብ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ሰልፊ፡ ኣቶ ዓብደልዓዚዝ ኣንዋር ካብ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ኣቶ ኣብረሃም ተወልደ ካብ ግንባር ደሞክራስያዊ ሓድነት ኤርትራ፡ ኣቶ ክብረኣብ ምስግና ካብ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፡ ወ/ሮ ኣልጋነሸ ገብረ ካብ ምትእስሳር ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ጀርመንን ኣቶ ያቆብ ኣብረሃም ካብ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን ንፍትሒ ክኾኑ እዮም።
ካልእ ፕሮግራማት ድማ መደባት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን መደብ ምዝንጋዕ ወጋሕ ትበል ለይትን ዝርከቦ ክኸውን እዩ።
እዚ ፈስቲቫል ብኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር እናተወደበ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዮሃን ዎልፍጋንግ ኣብ ከባቢ ቦክሀንሀይመር ቫርተ ፍራንክፈር ዝካየድ ዓመታዊ መደብ ዩ። መደባት ፈስቲቫል ዓርቢ ሰዓት 16፡ ላዕለዎት ካድራት ሰዲህኤ ኣሕዋት ድራር መንታይን ጐይተኦም መብራህቱን ብዛዕባ ደሞክራሲ ብመንጽር’ቲ ነርወጃዊ ትካል ራፍት ንሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት ዝሃቦ ኣስተምህሮ ብዝቐርብ መደብ ክጅመር እዩ።
(ምሉእ መደባት ፈስቲቫል 2017 ንምፍላጥ ኣብ www.harnnet.org ሰፊሩ ኣሎ).
Eritrean and German Political Leaders Are on Their Way to Eritrea Festival 2017 in Frankfurt
Written by EPDP Information OfficeEritrean and German political leaders as well as pro-democracy activists in the civil society are on their way to Frankfurt this weekend to present their messages to the public at the main Eritrea Festival Panel discussion scheduled to start at 13:00 hours on Saturday 5 August 2017. Besides German party representatives of the Free Democratic Party (FDP) and the Green Party, other presenters will include EPDP's Menghesteab Asmerom; ELF's Idris Hume, and Eri-Medrek's Ambassador Andebrhan Weldegiorghis.
The EPDP Chairman is expected to focus on a unity proposal and Ambassador Andebrhan on ongoing efforts for dialogue as well as the issue of refugee integration.
Following of reading of solidarity messages like one from the President of the Swedish Peace and Development Society, Thomas Magnusson, Eritrean speakers to be invited to the podium will include Menghesteab Afeworki of the Eritrean Democratic Party (EDP); Abdul-Aaziz Anwar of the Eritrean Al-Nahda Party; Abraham Tewelde of Sagem/the Eritrean Democratic Unity Front; Kibreab Misghina of Sedege'e/ Eritrean Revolutionary Democratic Front; Alganesh Ghebre of the Eritrean Women's Network and Yacob Abraham of the Eritrean Solidarity Movement for Justice.
Other major events of the day shall include programmes of EPDP's Women's and Youth Leagues as well as an all-night folkloric songs, dances and shows.
Organized by the Eritrean Democratic Association (EDA), the festival is once more taking place at the Johann Wolfgang Goethe –Universität in the Bockenheimer Warte region of Frankfurt. The festival events actually start Friday at 16:00 hours with presentations by EPDP senior cadres, Dirar Mantai and Goitom Mebrahtu, on democracy based on courses they studied under the sponsorship of the Norwegian Raft Foundation for Human Rights.
(Full Eritrea Festival 2017 programme is posted in www.harnnet.org).
ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ምስ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ትግርኛ ቃለ-መጠይቕ ኣካይዱ። ኣብዚ ብ27 ሓምለ 2017 ዝተቓለሐ ቃለ መጠይቑ ንነብሱ ምስ ሰማዕቲ ድሕሪ ምልላይ፡ ንዕላማ ዑደቱ ናብ ስሜን ኣሜሪካን ካናዳን ብዝምልከት ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ መገሻኡ ሰዲህኤ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዘውጸኦ እማመ ንሓባራዊ ስራሕ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራን ህልዊ ንጥፈታ ሰዲህኤን ንምብራህን ተዛመድቲ መልእኽቲ ንምትሕልላፍን ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብዚ ቃለ-መጠይቑ ትሕዝቶ እቲ እማመ ብሓጺሩ ኣብሪሁ። ኣተሓሕዚ ድማ ብመሰረቱ እቲ እማመ ናብ ፖለቲካዊ ውድባት ዘቕነዐ ምዃኑን ኣብቲ ዘካየዶ ኣኼባታት ግና ካብ ኩሉ ወገናት ክሳተፉ ከም ዝጸንሑ ጠቒሱ፡ ሰዲህኤ ነዚ እማመ ኣውጺኡ ናብ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ልኢኹ ስቕ ዝብል ዘይኮነስ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ቀሪቡ ክዛረበሉ ምዃኑ ሓቢሩ። ሓው መንግስተኣብ ጠንቂ ምፍልላይን ምፍንጫላትን ውድባት ኤርትራ እንታይ ምዃኑ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ብገምጋም ሰዲህኤ፡ ኣብ መሰረታዊ ዘይኮኑ ጉዳያት ምውድዳር፡ ቀዳምነታትካ ብጉቡእ ክትሰርዕ ዘይምብቃዕ፡ ህዝቢ እውን ነቲ ግጉይ “ግጉይ” ነቲ ቅኑዕ ከኣ “ቅኑዕ” ዘይምባሉ ከም መባእታዊ ዝጸንሐ ጠንቅታት ኣስፊሩ።
ኣቶ መንግስተኣብ ብዛዕባ ህልዊ ሓጐጽጐጽ ኣብ ሰዲህኤ ንዝቕረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ እቲ ጸገም ኣብ ውሱን ክሊ መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ተፈጢሩ ዝነበረን ብቅዋማውን ሕጋውን መንገዲ ዝእለ ዘሎን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ነቲ መሪሕነት ዕልዋ ኣካይዱ ዝበሃል ከብርህ እንከሎ ከኣ፡ መሪሕነት ኣብ ታሕቲ ወሪዱ ዕልዋ ከም ዘየካይድ፡ ብኣንጻሩ ንጉዳያት ብሕጋውን ስርዒታውን ኣገባብ ግቡእ መልክዕ ከም ዘትሕዝ ሓቢሩ።
እዚ ዘሎ ኩነታት ተቓውሞ፡ ንህዝቢ ተስፋ ዘቑርጾን ዘሻቕሎንዶ ኣይኮነን፡ ንዝብል ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ወጻኢ መብዛሕትኡ ኣብ ናይ ስቕ ደረጃ ከም ዘሎ፡ እንተኾነ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ወጽዓ ስርዓት ህግደፍን ኩነታት ተቓውሞን ብግቡእ እንዳበርሃሉ ከም ዝመጸ ገሊጹ።
ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2017 ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ናይ ኣባላት ሰልፍን ክፉት ናይ ህዝቢ ኣኼባታትን ከካይድ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።
EPDP Delegation Holds Public Meeting For Eritreans in Toronto, Canada
Written by EPDP Information OfficeA delegation of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP), consisting of party Chairman Menghesteab Asmerom and Chair Office Representative to North America, Mr. Gherezghiher Tewelde, held on 23 July 2017 a well-attended public meeting for Eritreans residing in the Canadian city of Toronto and its environs.

As delegation members joined at the podium Mr. Tuku Tesfai, EPDP Central Council member, and Mr. Yassin Ibrahim Nebrai, senior member of the Toronto branch, the former (Tuku) welcomed invited guests for their coming and made a power-point description of EPDP and its activities in the social sector as well as its notable performances throughout the years in the spheres of political awareness, mass media, diplomatic outreach and related fields of struggle.
The EPDP delegation received welcoming bouquets of flower by two young Eritrean ladies. Mr. Tuku Tesfai then gave brief background information about the delegation members as life-time devotees to the Eritrean cause for national liberation and democracy.

EPDP Chairman started his presentation by commending the Toronto branch for their efforts and warmly welcoming compatriots for attending the public meeting .

Mr. Menghesteab then explained the core mission and vision of the party followed by its ongoing activities in the current struggle to remove an evil regime and replace it by a system of democratic governance. He then dwelt in citing party activities in the various avenues of struggle including its little noticed involvement in the social service of vulnerable Eritreans in exile.
Some members of the audience, as elsewhere, were surprised to learn that the EPDP is since a long time administering and taking care, together with donor organizations, for the provision of elementary education to hundreds of Eritrean refugee children in Eastern Sudan, and striving to obtain sponsor parents from abroad for the education of children of parents who spent their entire lives in the still unfinished national cause. Needless to say, the party is in constant contact, including through memos, with governments and organizations speaking on behalf of the victimized Eritrean refugees dispersed everywhere.

The EPDP Chairman also explained the importance of EPDP's success to be a member of the four-year old Progressive Alliance with 150 member parties from all over the world. He said the message EPDP carries to the global conferences of the PA is that of the entire Eritrean opposition and this work will benefit all when we start to work jointly. In the public sphere, party branches exist in many parts of the globe and that they are actively involvement in organizing demonstrations and public diplomacy. They also run local radio broadcasts to mobilize Eritreans for collective action for democratic change.

The other major topic raised at the Toronto public meeting was the EPDP proposal for joint work among Eritrean political organizations. The details of the presentation followed the same pattern taken at the preceding public meetings he addressed in the North American cities of Oakland, San Diego, Chicago, Seattle and Winnipeg.
In the discussion and question and answer session that followed, the chairman was joined by Messrs Gherezghiher Tewelde and Tuku Tesfai in clarifying issues and answering timely questions related to the present situation in Eritrea and its political organizations.

Discussants urged political organizations in the opposition camp to find a working formula for a united action. They also expressed deep appreciation for the public discourse in Toronto and hoped that such events will be organized with increased frequency.
ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ 25 ሓምለ 2017 4ይ ጉባአኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከፊቱ። ኣብዚ ኣብ ትሕቲ “ሕድሪ ስዉኣት ሰውራና ብምሕንጋጥ፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ንምርሽ” ዝብል መሪሕ ጭረሖ ዝተኸፍተ ጉባአ፡ ብዘይካ መራሕትን ኣባላትን እቲ ምንቅስቓስ ወከልቲ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ተሳቲፎምን እውን ተሳቲፎም።
ናይቲ ምንቅስቓስ ኣቦመንበር ሓው በሽር ይስሃቅ ኣብቲ መኽፈቲ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኤርትራን ህዝባን ድሕሪ ነጻነት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሕሱም መነባብሮ ብዝርዝር ጠቒሱ፡ ኤርትራ ካብቲ ብዙሕነታ ዝገልጽ መምዘንታት ናይ ሓድኡ ዘይኮነትስ ብመንጽር ሃይማኖት ይኹን ብሄር ወይ ብመንጽር ከበሳን መታሕትን ንኹሎም ኤርትራውያን ማዕረ እትብጸሖም እያ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ከኣ ንኤርትራን ህዝባን ካብዚ ዘለዉዎ ሓደገኛ ኩነታት ንምድሓን፡ ናይ ሰባት ዘይኮነስ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከም ዘድሊ ገሊጹ። ነዚ ንምዕዋት ድማ ነፍሲ ወከፍ ምእንቲ ለውጢ ዝቃለስ ውድብ ይኹን ውልቀሰብ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ንምምጻእ ኩነታቱ መርሚሩ ከካብ ገዛእ ርእሱ ክጅምር ይግበኦ ኢሉ። ኣብዚ መኽፈቲ ስነስርዓት ናይቲ ጉባአ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቃል ተሰሚዑ፡ ውድባትን ሰልፍታትን ከኣ ገለን ብኣካል ገለን ድማ ብመልእኽቲ ናይ ምሕዝነት መልእኽተን ኣቕሪበን።
ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ንዓወት እቲ ጉባአ ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ምስ ገለጸ፡ “ሰዲህኤ ኣብዚ እዋንዚ ዝርዝር ትሕዝቶኡ፡ ናብ ኩሉኹም ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍናታትን ደምበ ተቓውሞ በጺሑ ዘሎ ንምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚት ዝሰርዓ፡ ኣብቲ ውሱን ንሰማመዓሉ ነጥብታት ዘትከለ ብሓባር ከስርሕ ዝኽእል ሰፊሕ ጽላል ንምፍጣር ንምዝታይ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ ኣሎ። እዚ መጸዋዕታ ካብቲ ኩልና ብዝተፈላለዩ መልከዓትን ኣጋጣምታትን ነቃልሖ ዘለና ናይ “ብሓብር ምስራሕ መተካእታ የብሉን” ጭርሖ ስለ ዝነቅል ከሰማምዓና ተስፋና ልዑል እዩ።” ዝብል ሓሳብ ኣንጸባሪቑ።
ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ) ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ወኪል ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ዝርከብዎ ልኡኽ፡ ብሰንበት ዕለት 23 ሓምለ 2017 ኣብ ከተማ ቶሮንቶ፡ ካናዳ፡ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም።
ቅድሚ ኣኼባ ምጅማሩ፡ ሓው ትኩእ ተስፋይ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፓወር ፖይንት ዝተሰነየ ንንጥፈታት ናይ ሰዲህኤ ዝምልከት መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣስዒቡ ድማ፡ ንዝኽሪ ናይ ሰማእታት ኣኼበኛታት ደው ክብሉ ጸዊዑ።

ሓው ትኩእ ተስፋይ ብምቕጻል፡ ንዕድመ ጨንፈር ሰዲህኤ ኣብ ቶርኖንቶ ኣኽቢሮም ዝመጹ ኣጋይሽ ኣመስጊኑ፡ ሕጽር ዝበለ ታሪኽ ህይወት ናይ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮምን ሓው ገረዝጊሄር ተወልደን ድማ ኣቕሪቡ።
ብድሕር’ዚ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮምን ሓው ገረዝጊሄር ተወልደን ብክልተ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ዝቐረበሎም ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም መግለጺ ዕታር ዕምባባ ተቐቢሎም። ብሓባር ድማ ንዝኽሪ ዝኸውን ስእሊ ተላዒሎም።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ መድረኽ ካብ ሓው ትኩእ ተስፋይ ተቐቢሉ፡ ንኣኼበኛታትን ነቲ ኣኼባ ዘዳለወት ጨንፈር ሰዲህኤ ቶሮንቶን ብምምስጋን ኢዩ መግለጺኡ ጀሚርዎ።

ኣስዒቡ፡ ሰዲህኤ መን’ዩ ዝብል ዛዕባ ኣልዒሉ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ። ማሕበራዊ፡ ዜናውን ህዝባውን መዳያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶም ንጥፈታት ብዝርዝር ሓቢሩ።
ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ፡ ሰዲህኤ፡ መስራቲ ኣባል ናይ’ቲ ልዕሊ 150 ዝዀኑ ሰልፍታት ዝኣባላቱ ገስጋሲ ምሕዝነት (Progressive Alliance) ምዃኑ ሓቢሩ። ከምኡ’ውን፡ ምስ መራሕቲ መንግስታትን ሰልፍታትን ዓለም፡ ምስ ኣህጕራዊ ትካላትን ብኣካል ብምርኻብን ብመዘክራትን ኣቢሉ ንሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ፥ ኵነታት ደምበ ተቓውሞን ምስ ወጻእተኛታት ንምፍላጥ ጽዑቕ ምንቅስቓሳት ከምዝገብር ኣረዲኡ። ጕዳይ ስደተኛታት ድማ፡ ሓደ ካብ’ቶም ቀዳምነት ሂቡ ዝንቀሳቐሰሎም መዳያት ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ድማ፡ ነቲ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ካብ 600-800 ዝዀኑ ህጻናት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምሃርሉ ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይ ናይ ምክያድ ምሉእ ሓላፍነት ተሰኪሙ ይጓዓዝ ምህላዉ ኣረዲኡ። ነዚ ሓላፍነት እዚ ምስ ኣሰን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ዝተባህሉ ዘይመንግስታውያን ትካላት ብምትሕብባር ከምዘካይዶ ድማ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ ነዚ ቤት ትምህርቲ’ዚ እግሪ ኣብ ምትካል፡ ሆላንዳውያን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ነፍስሄር ኣባ ማሪኖን ምሕዝነት ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራን ዝተጻወትዎ ተራ ዘኪሩ።
ኣስዒቡ ብመደብ ናይ ርሑቕ ወላዲ ዝጽዋዕ፡ ንዓቕሚ ዘይብሎም ኤርትራውያን ህጻናት ኣብ መደበራት ስደተኛታት ከምመጕዚት ወይ ወለዲ ኰይኖም ዝሕግዝዎምን ዘምህርዎምን ገበርቲ ሰናይ ዝዀኑ ኤርትራውያን ይኹኑ ወጻእተኛታት ውልቀሰባት ብምውዳድ ዝካየድ ንጥፈታት ከምዘሎ ሓቢሩ። ህዝቢ ድማ፡ ኣብ’ዞም መዳያት እዚኣቶም ተራኡ ክጻወት ተማሕጺኑ።
ብመዳይ ህዝባዊ ዕዮ ድማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ ዝርከብ ብደረጃ ጨናፍርን ዞባታትን ዝተሰርዑ ኣባላት ምህላዎምን ኣብ ዜናዊ መዳይ ሰልፍና ዝጥቀመሎም መሳለጢታትን ተራኦም ኣብ ምጕስጓስን ምጥርናፍን ብዝርዝር ገሊጹ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ዝተዛረበሉ ካልኣይ ኣርእስቲ ድማ፡ እቲ ኣብ ከተማታት ኦክላንድ፡ ሳንዲየጎ፡ ቺካጎን ስያትል፡ ዊኒፐግ ዘቕረቦ ንሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝምልከት እማመ ኢዩ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ፡ መድረኽ ንሕቶ፡ መልሲ፡ ርእይቶን ለበዋን ተኸፊቱ። ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደን ሓው ትኩእ ተስፋይን ድማ ተሓባቢሮም ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልስታትን ሂቦምን ካብ ህዝቢ ዝቐረበሎም ለበዋታትን ርእይቶታትን ድማ ሰሚዖም።

ኣኼበኛታት እውን በቲ ዑደት ይኹን ዝተዋህቦም መግለጺታት ሕጉሳት ምዃኖም ገሊጾም፤ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ብቐጻልነት ክካየድን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ብሓባር ክሰርሑን ተላብዮም።
More...
اللجنة التنفيذية تعقد اجتماعها الدوري
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريعقدت اللجنة التنفيذية لحزب الشعب الديمقراطي الارتري اجتماعها الدوري في السابع والثامن من مايو 2017م، في هذا الاجتماع الذي هو الخامس منذ انفضاض المؤتمر العام الثاني للحزب استمع المجتمعون الي تقارير دوائر اللجنة التنفيذية وناقشوها بعمق، وبعد إجراء التعديلات اللازمة واتخاذ القرارات التي تقتضيها تلك التعديلات أودعت التقارير أضابير وثائق الحزب.
بالإضافة الي التقارير ناقش الاجتماع عدداً من الموضوعات علي الأصعدة الاعلامية والحزبية والوطنية، علي رأسها الشؤون الداخلية للحزب وسير عملية تحديثه، تخبطات نظام الهقدف الخطيرة في تحالفاته المشبوهة بالمنطقة وما يترتب علي ذلك من نتائج وخيمة علي الشعب والوطن، قضية وحدة قوى المعارضة الارترية، دور الشباب والنساء، ممارسات الهقدف القمعية تجاه الشعب ونتائجها السلبية، النضال المثمر الذي تخوضه قوى التغيير بالخارج ضد النظام، الحكومة الاثيوبية وسياساتها الجديدة تجاه ارتريا وما أثارته من جدل بالإضافة الي تقييم مختلف القوى لتلك السياسات.
اللجنة التنفيذية أكدت مجدداً علي الموقف الوطني الثابت للحزب حيال القضايا المذكورة أعلاه، فبخصوص قضية وحدة قوى المعارضة الارترية والتي علي أهميتها لم تنل الالتفات اللازم، يؤكد الحزب علي السعي الدائم لتنشيط مساعي حل هذه القضية. وعلي ذات الصعيد أشاد الحزب بالحراك الارتري الخارجي المعارض الذي بدأ بهولندا ودعا الي مواصلته في جميع أنحاء العالم، أما فيما يتعلق بسياسات اثيوبيا الجديدة تجاه ارتريا لا يسع حزبنا إلا أن يؤكد علي أن تكون تلك السياسات حافظةً لأمن واستقرار القطرين وحريصةً علي السيادة الوطنية لارتريا.
في الختام قام الاجتماع بتقييم ما وصله من توصيات من شتى أجهزة الحزب في مختلف الشؤون، وحدد منها الشؤون التي يمكن للتنفيذية البت فيها وتلك التي تحال الي المجلس المركزي.
حسب المادة: 4, 2, 6 من دستور الحزب يعقد اجتماع اللجنة التنفيذية الدوري ثلاث مرات في العام.
1/ الرتب العسكرية الوسطى تواجه رعباً مهولاً
هذه الأيام يعاني أصحاب الرتب العسكرية الوسطى في الجيش الارتري من مخاوف أمنية بالغة، وحسب مصادر من اسمرا، تعود هذه المخاوف أن لدى ألئك الضباط معلومات من مصادر مقربة بأن السلطات تنوي اعتقالهم. وتضيف مصادر من أسر هؤلاء الضباط أن السلطات قد قامت ببث أعينها الاستخبارية في أوساطهم وكلفت من يتتبع حركاتهم وسكناتهم في جميع الأماكن والملاهي التي يرتادونها، مما اضطر معظمهم الي ملازمة بيوتهم حتى لا يكونوا عرضة للاعتقال بحجة التواجد في مواقع غير لائقة وغيرها من التهم والمبررات.
من جهةٍ أخرى أفادنا مزارعون من منطقة قاش قاجرو حيث تماس الحدود بين ارتريا، السودان واثيوبيا، أنه قد جرت مشادات أقرب الي العنف بين قدامى عناصر استخبارات الهقدف وجنود يعسكرون بالمنطقة، وأضافت المصادر أن سكان المنطقة قد بادروا بعقد جلسة تفاهم بين قائدي المجموعتين مما أسفر عنه هدوء مؤقت بين الطرفين بعد أن اقتربا بشدة من تبادل إطلاق النار.
وعلي صعيدٍ ذي صلة يقوم الهقدف بتوسيع وتنشيط مؤسساته الاستخبارية، حيث تنتشر عناصرها وسط المقاهي، المطاعم، الحانات، العائلات، صيوانات الأفراح والمآتم، المركبات العامة .....الخ. إدارات القرى بالريف هي الأخرى تبث وسط السكان من يعد أنفاسهم في الأسواق والبيوت. يذكر أن معظم من يختارون لهذه المهام الاستخبارية هم من قدامى عساكر الهقدف وتقاعدوا لمختلف الأسباب.
هذا وقد أفادت مصادرنا أن منتسبي قوة الاستخبارات الجديدة من متقاعدي العسكر يتقاضون رواتب شهرية تتفاوت حسب رتبهم العسكرية وتتراوح بين 250 – 1300 نقفة.
2/ الماء والمستشفيات في ارتريا: حالة متأخرة
أفاد قادمون من ارتريا أن تردي الخدمات الصحية قد وصل حداً بالغ السوء، حيث إن من تثبت التحاليل الطبية حاجتهم الي إجراء جراحة يطلب منهم دفع تكلفة تشغيل المولد الكهربائي أو الإتيان بآخر من عندهم. كما أضافت المصادر أن فرص الحياة لمن تعتمد حياتهم علي الأمصال والأدوية المنقذة للحياة باتت جد ضئيلة، علماً أن الأمراض من هذا النوع منتشرة هناك بصورة كثيفة للغاية والصيدليات فارغة بسبب الضرائب الباهظة ومتكررة الارتفاع.
وتضيف المصادر أن أزمة مياه حادة أيضاً تحاصر العاصمة أسمرا وبعض المدن الأخرى، وقد أدت الأزمة الي ارتفاع حاد في سعر برميل الماء الذي بلغ مئات النقفات، فضلاً عن افتقار تلك المياه الي درجة مطمئنة من الصلاحية للشرب.
3/ انتشار الغش والاحتيال في ارتريا
من الخبز الي الوقود كل شيء هناك يحتاج الي المقيل أو المبيت في الصف الذي قد ينتهي بك الي كلمة ( آسفين ) أو ما يعادلها بالعملة المحلية، وإذا حصلت علي شيء مما قضيت الساعات في انتظاره فالغش والسوق السوداء في انتظارك.
الي جانب المكاسب النقدية التي يجنيها الهقدف من عمليات الغش والخداع يفرض علي كل مواطن بالداخل دفع اشتراك شهري للحزب الحاكم (الهقدف) تحت دعوى أن كل ارتري بالداخل عضو حزب بالميلاد. ففي المدن يدفع الفرد ذكراً كان أو أنثى مبلغ اثني عشرة نقفة شهرياً، دعك عن هذا، بل حتى تبرعات رعايا الكنائس لكنائسهم باتتْ تــُــوَرَّد الي خزينة الحزب. وحسب دافعين لتلك الإتاوات فإن سكان الريف بدورهم يدفعون حسب دخولهم الزراعية، فيدفع أدناهم دخلاً مبلغاً يتراوح بين 75 – 80 نقفة وأعلاهم 80 – 160 نقفة. والعجيب في أمر هذه الإتاوات ليس فقط أنها إجبارية وغير قانونية بل لا يتلقى دافعها أية خدمات مقابلها من المدفوع له.
قادة الحزب يلقون محاضرات قيمة
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريفي السادس عشر من يوليو 2017م قام عضوا قيادة حزب الشعب الديمقراطي الارتري السيدان/ ولد يسوس عمار مسئول الشؤون الخارجية ورزني تسفاطين مسئول الشؤون المالية بإلقاء محاضرات قيمة علي عضوية الحزب استغرقت العديد من الساعات، كانت المحاضرات المعدة من قبل قيادة الحزب تتضمن الآتي: 1/ الديمقراطية وحكم القانون والعمل المؤسسي في حزبنا 2/ ما المطلوب لتحديث الحزب وما الذي بإمكاننا القيام به فعلاً؟
تضمنت الورقة الأولى العناوين الآتية: 1/ دستور الحزب وبرنامجه السياسي 2/ حزبنا وقضية الديمقراطية 3/ الديمقراطية والحق الديمقراطي 4/ حزبنا وحكم الأغلبية وحق الأقلية 5/ عدم إنفاذ الديمقراطية وقضية حرية الانسان.
أما الورقة الثانية فقد تضمنت المحاور التالية: 1/ المقصود بتحديث الحزب السياسي 2/ المصاعب التي تواجه نمو حزبنا وعموم معسكر المعارضة 3/ متى وما التغيير الذي يجب إجراؤه في حزبنا ليستمر حاضراً وقوياً؟ 4/ بعض جوانب ضعف حزبنا 5/ وأخيراً ما العمل؟
هذا وفي الختام تبادل الحضور والمحاضران الأفكار والتوصيات لإنفاذ ما ورد في المحاضرتين وما أدلى به الحضور من م
داخلات غنية بالتجارب ومدعمة بالأدلة والأمثلة.
الاجتماع المشترك لفروع الحزب بأستراليا مندوب
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريعقدت فروع حزب الشعب الديمقراطي الارتري بأستراليا اجتماعاً مشتركاً في الرابع عشر من مايو 2017م.
ناقش الاجتماع الأوضاع الحزبية والوطنية عامة ورفع توصياته الي قيادة الحزب، ومساهمةً من تلك الفروع في دعم الحزب مالياً قاموا بجمع تبرعات فورية وفردية بلغت 2500 دولار امريكي وتعهد الجميع بالاستمرار في جمع التبرعات. قام بدفع هذه التبرعات كلٌّ من:
1/ دستا تخلي: 1000 دولار
2/ بنيام هيلي: 500 دولار
3/ تكئي تسفو: 500 دولار
4/ هيلي:قبرو: 500 دولار.