ኣብዚ ዝሓለፈ  እዋን፡ “ምፍጣጥ ኣሜርካን እስራኤል ኣንጻር ኢራን ናብ ውግእዶ ይዓርግ ይኸውን?” ዝብል ኣካታዒ ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። ገለ ወገናት ናይ ኣሜሪካ ሰራዊትን ዕጥቅን ናብ ማእከላይ ምብራቕ ምጉራትን ናይ ትራምፕ ስምዒታውነትን ተገንዚቦም፡ “ውግእ ዘይተርፍ እዩ” ክብሉ እንከለዉ፡ ካለኦት ብወገኖም  ከኣ ኣንጻር ኢራን ውግእ ምኽፋት ምኽኑይ ስለ ዘይኮነ፡ ውግእ ኣይክካየድን እዩ ክብሉ ጸኒሖም። ብ28 ለካቲት 2026 ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዝወሰደኦ ናይ ሓባር መጥቃዕቲ ድማ እቲ ክትዕ መዕለቢ ረኺቡ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ሰጊሩ።

ኣብዚ እዋንዚ እቲ ኩነታት ነቲ “ውግእ መእተዊኡ እምበር መውጽኢኡ ብሓደ ወገን ዝውሰን ኣይኮነን” ዝብል ኣብ ዘረጋግጽሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ናይ ፕረሲደንት ትራምፕ መውጽኢ ንምርካብ ውጥይጥይ ምባል ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ። ኣሜርካን እስራኤልን ርሑቕ ከይከዳ ነቲ ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩኩረይንን ዝካየድ ዘሎ መዕለቢ ዘይተረኽቦ ኣዕናዊ ውግእ ክመሃርሉ መተገበአ። እንተኾነ ብፍላይ ፕረሲደንት ኣሜሪካ በቲ ኣብ ቬንዝዋላ ዝወሰዶ ዓመጸኛ ስርሒት ክሰክር እምበር፡ ካብቲ ዝተናውሐ ውግእ ሩሲያን ዩክረይንን ሳዕቤኑን ክመሃርን ስሩዕ መንግስታዊ ኣሰራርሓ ክኽተል’ኳ ትዕግስቲ ኣይነበሮን።

ክንዲ መራሒ ዓባይ ሃገር ዝኣክል ፕረሲደንት፡ እቲ ውግእ ብናቱ ድሌትን ሓያልነትን ጥራይ  ዝውሰን መሲልዎ፡ ብተደጋጋሚ “ኣብ መዓልታትዶ ኣብ ሳምንታት ክውደኦ እየ” ክብል ተሰሚዑ እዩ። ሳዕቤኑ ከኣ  ኣብቲ ዝጥቃዕ ኣካል ዝደረት ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዘጥቅዕ’ውን ዘሕድሮ መዘዘ ከም ዘሎ ዘይምርድኡ እቲ ናይ ቅድሚ ውግእ ጃህርኡ መስካሪ ነይሩ። ብግብሪ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝወረደ እዚ ዝጐድሎ ዘይበሃል ኩለ-መዳያዊ ዘስካሕክሕ ብርሰት ምግማቱ ዘጸግም ኮይኑ፡ ንኣሜርካን ደገፍታ ኣብቲ ዞናን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ እስራኤል   ቅሳነት ሒዝሉ ዝመጸ  ኣይኮነን።

ኣብ ዋሽንግተን ዝመደበሩ ጉጅለ ሓሰብቲ (think tank) ብዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኣሜሪካ ኣብ ውግእ ኢራን መዓልታዊ ልዕሊ 890 ሚልዮን ዶላር ተውጽእ ኣላ ዝበሎን፡ ካልእ ተመራማሪ ብወገኑ እቲ ውግእ ጠቕላላ ዝያዳ 95 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ክሓትት እዩ ክብል ዝጠቐሶን ቁጠባዊ መልእኽቱ ናብ ኣሜሪካ እንታይ ምዃኑ ምርዳእ  ኣጸጋሚ ኣይኮነን።

ውግእ ዝወስዶ ግዜ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተላቢዑ ዝጸልዎ ስፍሓትን ዝጐዓዞ ርሕቀትን’ውን ኣቐዲምካ ምግማት እምበር ርግርጸኛ ኮይንካ ምድራቱ ኣይከኣልን። ብሰንክ’ዚ እቲ ውግእ ብዘይካ ኣብ ኣሜሪካ፡ እስራኤልን ኢራንን ብሓፈሻ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ኣብተን ወተሃደራዊ መደበር ኣሜሪካ ዝርከበን ጐረባብቲ ኢራን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ዘኸትሎ ዘሎ፡ ሰብኣዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ክሳራን ስግኣትን ኩሉ ዝርእዮ ዘሎ እዩ። ናይ ብዙሓት ሃገራት መጻረይ ነዳዲን ጋዝን፡ መንገዲ ኣየራትን ባሕርን ስራሕ ምቁራጹ ሳዕቤኑ ካብተን ሃገራት ሓሊፉ፡ ኣብ መላእ ዓለም ናይ መገሻን ቁጠባን ቅልውላው ይፈጥር ኣሎ። ብፍላይ ምስ ምዕጻው ኣብ ምትሕልላፍ ነዳዲን ካልእ ቀረባትን ዝጸዓና መራክብ ወሳኒ ግደ ዘለዋ መጻብቦ ሆርሙዝ፡  ብደረጃ ዓለም ዘጋጥም ዘሎ፡ ክብሪ  ነዳዲን መሰረታዊ ኣቑሑትን ኣብ ከመይ ዝኣመሰል ዘስግእ ደረጃ በጺሑ ከም ዝርከብ ምዝርዛር ዘድልዮ ኣይኮነን።

ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ኣሜሪካውያን ፖለቲከኛታትን ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕትን ቅድሚ ምጅማር ናይቲ ውግእ ይህብዎ ንዝነበሩ ምኽርን ስምዕታን ሸለል ኢሉ፡ ካብ ዝኣተዎ ውግእ ምውጻእ ምስ ጸገሞ ግና፡ ንሓንሳብ ብደረጃ ወተሃደራዊ ትካል ኔቶ ንሓንሳብ ብደረጃ ሕብረት ኤውሮጳ ካብኡ ሓሊፉ ብደረጃ ውልቀ-ሃገራት ናይ “ካብዚ ኣትየዮ ዘለኹ ጸበባ  ኣውጽኡኒ” መጸዋዕታ የቕርብ ኣሎ። እንተኾነ ብማእከላይ ገምጋም፡ ናይቶም ዝጸወዖም ኣካላት መልሲ “ኣብ ሰላማዊ ፍታሕ እምበር ኣካልቲ ምስ እስራኤል ኮይንካ ዝኣጐድካዮ ምስጢሩ ዘይንፈልጦ ውግእ ኣይንኸውንን ኢና”  ዝብል እዩ።

ሓላፊት ወጻኢ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ብሩሰልስ “ዝኾነ ኣካል ሃስያ ብዘውርደሉ ኣገባብ ኣብ ጉዳይ መጻብቦ ሆርሙዝ ኢዱ ኣይከእትውን እዩ፡ ነቲ መጻብቦ ንምኽፋት ውግእ ዘይኮነ ዲፕሎማሲያዊ መንገዲ ክንደልየሉ ኢና ንደሊ። ብምዕጻው እቲ መጻብቦ ብቐጥታ ናይ መግቢ፡ ድኹዕን ጸዓትን ምትሕልላፍ ጸገም የብልናን” ዝበለቶ፡ ናብ ፕረሲዳንት ትራምፕ “ከምታ ባዕልኻ ዝኣተኻያ ባዕልኻ ውጽኣያ” ዝብል መልእኽቲ  ዘመሓላልፍ  እዩ።

ፕረሲደንት ኣሜሪካ ካብ ተመኩሮ ክመሃር ድልዊ እንተዝነብር፡ ናይ ካልኦት ሃገራት መዝገብ ከይገንጸለ ንተመኩሮ ሃገሩ ኣብ ውግእ ሶማልያ፡ ቬትናምን ካለኦት ዝተሳዕረትሎምን’ኳ ክውከስ መተገበኦ። እንተኾነ “ኩሉ ግዜ ፋስጋ” መሲልዎ ብውሕጅ ትዕቢተኛ ስርሒት ቬንዙዋላ እዩ ተወሲዱ። ንኩለ-መዳያዊ ኣካዋውና ቬንዝዋላን ኢራንን ብሓደ ዓይኒ ምርኣዩ ከኣ ናይ ጉዳያት ኣተሓሕዛ ስንክፍናኡ ዘመልክት ጌርካ ዝውሰድ እዩ።  እቲ ኣብ ዖማን ዝቐጽል ዝነበረ ዘተ ኣሚሪካን ኢራንን ኣብ መስርሕ እናሃለወ፡ ኣቋሪጹ ናብ ውግእ ምእታዉ ከኣ፡ ክሳብ ክንደይ ብህርፋን ውግእ ሰኺሩን ብስብከት እስራኤልን ሓበሬታ ሞሳድን ተመሲጡን ከም ዝነበረ ዘርኢ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ከም ናይ ዶናልድ ትራምፕ ብዝኣመሰለ ዘይምኽኑይ ውግእ ዝሰኸሩ እሞ፡ “ሎሚኸ ካብዚ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ውግእዶ ይመሃሩ ይኾኑ?” ኢልካ እትሓተሎም  መንግስታት  ኣለዉ። ነዚ ዝምልከት ካብዚ  ዞባና ኣብነት ንምውሳድ መንግስቲ ብልጽግና ኢትዮጵያ ኣንጻር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ወራር ንምፍጻም ዘወጣውጦ ዘሎ ተጠቃሲ እዩ።

ከምቲ ሳዕቤን ውግእ ኣብ ዝመረጽካዮ ከባቢ ጥራይ ኣይድረትን እዩ ዝተባህለ፡ ብልጽግና ኣብቲ ዝሓልሞ ከይበጸሐ፡ በዚ ውግእ ማእከላይ ምብራቕ’ውን ተጸላዊ እዩ። እቲ ጽልዋ ናይ ቀረባ መስነቒቱን መዕጠቒቱን ኢማራት ኣብ ወጥሪ ብምህላዋ ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ብእዋናዊ ውሽጣዊ ኣተሃላልዋኡ እውን ቀልጢፉ ብኣሉታ ንክጽሎ ዝተቓለዐ እዩ። ጌና ኣብ መጀመርታ ሰንቢዱ፡ ብሕጽረት ነዳዲ ክጣራዕ ጀሚሩ’ሎ።  ብመንጽርዚ ካብቶም ካብ ውግእ ኣሜሪካን እስራኤልን ኣንጻር ኢራን ተማሂሮም ስላሕ ኢሎም ኢደ-እግሮም ክእክቡ ዝግበኦም  መንግስቲ ብልጽግና ሓደ ንክኸውን ድማ ነዘኻኽሮ።  

الى الشعب الإرتري الابي أصالةً عن نفسي ونيابةً عن القوى  السياسية  الإرترية، اتقدم بأسمى آيات التهاني والتبريكات إلى جميع أبناء الشعب الإرتري عامةً، وإلى المسلمين خاصةً، بمناسبة عيد الفطر المبارك. ونسأل الله أن يعيده على الجميع باليُمن والبركة والخير.

يصادف هذا العام تزامن شهر رمضان المبارك مع الصوم الكبير، في وقت واحد، ونسأل الخالق أن يتقبّل صيام وقيام الجميع، وأن يرفع عن شعبنا الظلم و المعاناة الناتجين عن النظام الاستبدادي ، وأن تُغرس في وطننا شتلة العدالة، ويسود حكم الدستور، ويُبنى نظام ديمقراطي ينعم فيه شعبنا بالسلام والاستقرار. ولجعل هذه الأمنية حقيقة ينعم بها الوطن، أدعو الجميع إلى أن يقوم بدوره كما يجب، كما أتمنى أن يعمّ السلام والاستقرار العالم أجمع.

كل عام وانتم بخير

قرزقيهر تولدي
رئيس القوى السياسية الإرترية 

Saturday, 21 March 2026 21:44

Dimtsi Harnnet Sweden 21.03.2026

Written by

መንግስቲ እስራኤል ካብ 17 ሚያዝያ 2026  ጀሚሩ ኣስታት 8 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ናይ ምስጓግ መደብ ከም ዘለዎ፡ ሚድል ኢስት ኣይ (middle east eye)፡ ዝተባህለት ትካል ዜና፡ ጋዜጣ እስራኤል ሃረተዝ ብምጥቃስ  ሓቢራ።

እዚ ዜና ዝተዘርግሐ ዝተፈላለያ ዘይመንግስታዊ ሰብኣዊ ባሕበራት፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ነዚ ብ2024 እውን ተወሲኑ ዝነበረ ምስጓግ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንከቋርጾ መጸዋዕታ ድሕሪ ምቕራበን እዩ። እንተኾነ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፈርዲ ናይ እስራኤል ሚኒስትሪ ኢሚግረሽንን ህዝባዊ ጉዳያት ንዘውጸኦ መደብ ምስጓግ እዩ ደጊፉ።

ካብዞም ናይ መንበሪ ፈቓድ ሕቶኦም ተነጺጉ ዝስጐጉ፡ ኣባላት ሕብረተሰብ ፍላሻ ዘይኮኑ 8,000 ኢትዮጵያውያን እቶም ሓደ ሺሕ ዝኾኑ ተጋሩ ምዃኖም ተሓቢሩ። እዞም ተጋሩ መብዛሕተኦም ብሰንክ’ቲ ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ በብግዜኡ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ናብ እስራኤል ዝኣተዉ እዮም ተባሂሉ።

ፓሎምቦ ዝተባህለ ብሰብኣዊ መሰል ዝጣበቕ እስራኤላዊ ኣካል ብወገኑ፡  ኣብ ጉዳይ ህዝብን ኢሚግረሽንን ከምኡ እውን ኣብ ምምሕዳርን ምትሓዝ ስራሕን ወጻእተኛታት ዝግደስ በዓል መዚ መንግስቲ እስራኤል ፡ ድሮ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ እስራኤል ኣትዮም ዝተፈላለዩ ጥሕሰታት ሕጊ ፈጺሞም ዝበሎም ኢትዮጵያውያን ምእሳር ጀሚሩ ኣሎ ከም ዝበለ፡ ጋዜጣ ሚድል ኢስት ኣይ ብተወሳኺ ሓቢራ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ገለ ሰብኣዊ ትካላት ከም ሓድሽ፡ ኣንጻር እቲ ናይ ምስጓግ መደብ ናይ ምቅዋም ተበገሶ ክወስዳ ይዳለዋ ከም ዘለዋ’ውን ተፈሊጡ። እቲ ዜና ከም ድሕረ ባይታ ከም ዝጠቐሶ፡ ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ 2024 መሰረት፡ ልዕሊ 3.3 ሚልዮን ኢትዮጵያውን ብሰንክቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘሎ ዘይምርግጋእ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም ኣለዉ።

 

يصادف الخامس عشر من مارس - آذار   الذكرى 62 لمعركة "تقوربا" الخالدة؛ تلك الملحمة النضالية الثورية التي خاضها أشاوس جيش التحرير الإرتري بقيادة القائد الفذ الشهيد محمد علي " أبو رجيلة"في يوم 15مارس من عام  1964م.

تقع تقوربا في إقليم القاش،  بالجزء الجنوبي الغربي لمدينة هيكوتا؛ حيث كان جيش الإمبراطور "هيلي سلاسي" يتمركز في مدينة "هيكوتا" ومنها انطلق لمواجهة جيش التحرير الإرتري والقضاء عليه إلى الأبد.

بدأت المعركة عند بزوغ الشمس وإنتهت عند غروبها بتسجيل جيش التحرير الإرتري ملحمة بطولية هي فخر لكل الإرتريين.

كان جيش التحرير في بدايات تكوينه و قلة عدده وعتاده في مواجهة "الطور سراويت" ممثلة في الفرقة الثانية من الجيش الإثيوبي التي انطلقت من مدينة هيكوتا.

إن المواجهة كانت غير متكافئة والمعركة غير مخطط لها من قبل الثوار بل أجبروا على التحدي والقتال ولكن أثبتوا بطولة نادرة يعتز ويفتخر بها كل الإرتريين.

سجل القائد الشهيد محمد علي "أبو رجيلة"، ونائبه عثمان أبو شنب، والمقاتلون الأشاوس من جيش التحرير الإرتري ملحمة تاريخية هي عزة و كرامة وفداء نادر.

 معركة تقوربا تعتبر سفر في سجل التاريخ الإرتري ، معركة فريدة أكّدت إصرار الشعوب في الذود عن حياضها وأوطانها.

استبسل مقاتلو جيش التحرير الارتري في هذه المعركة رغم قلة العدد وضعف التسليح وبدائية العتاد فغلبت إرادة الحق وأصحاب الأرض على جحافل الغزاة رغم كثرتهم وجودة وحداثة تسليحهم.

قاتل الثوار حتى غروب الشمس حيث نفدت الذخيرة مما اضطرهم إلى الانسحاب المنظّم

كانت نتيجة معركة تقوربا "الملحمة" هزيمة نكراء للجيش الإثيوبي حيث سقط منهم 84 قتيلاً من الجنود والضباط، و العديد من الجرحى بينما استشهد من الثوار 18شهيداً سقط معظمهم لحظة الانسحاب بعد نفاد الذخيرة، سُجّلت أسماؤهم بمداد الشرف على صفحات البطولةِ والإقدام، وهم:

1/ آدم إدريس فوجاج.

2/ عثمان إدريس هُمّد.

3/ إدريس محمد علي.

4/ عثمان محمد علي أفاددا.

5/ أحمد محمد عبد الله عنتر.

6/ الحسن حريراي حاج هُمّد.

7/ محمد عبد الله ود همبول.

8/ الناظر إدريس محمد علي دافؤت ( ناظر القودعاب)

9/ شريف شربوت.

10/ إسماعيل كنا.

11/ عثمان محمد الحسن.

12/ لباب محمد لباب.

13/ عثمان محمد نور.

14/ الحسين إدريس محمد شريف.

15/ صالح نور.

16/ علي إدريس جمع خير.

17/ هُمّد صالح أكد.

18/ محمود عمر.

قام الغزاة بعد انتهاء المعركة بالتنكيل بالشهداء؛ بتوزيع جثثهم في مختلف المدن حيث عُلقت في الساحات العامة، ومنع المواطنين من إنزالها حتى تمزقت. وقد عُلّقت جثث الشهداء في مدن تسني، وهيكوتا، وبارنتو، وأغردات، وكرن. كان هذا الفعل الشنيع مستفزاً للشعب الإرتري ولكنه حفز الشباب بالثأر للشهداء حيث التحق عددٌ كبيرٌ منهم  بالثورة.

      تُعتبر معركة تقوربا معركة مفصلية في أسلوب المواجهة التي كانت تعتمد على حرب العصابات حيث انتقلت بعد هذه الملحمة البطولية إلى مواجهة مباشرة مع الجيش الإثيوبي النظامي ورديفه من الكمندوس ، لذا تعتبر معركة تقوربا ملحمة إسطورية تاريخية تؤكد إرادة الشعوب المقهورة في الفداء والإنتصار.

 المجد والخلود لشهداء  معركة تقوربا وكل شهداء معارك الشرف الإرترية.

    

  

ንመላእ ኣመንቲ ምስልምና ብሓፈሻ: ብፍላይ ድማ ንኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንቋዕ ጾመ-ልጋም  ፈትሓልኩም እንዳበልና ናይ ሓጎስኩም ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ። ኣብዚ ዓመትዚ ክልቲኡ ዓበይቲ ሃይማኖታት ሃገርና ኣብ ሓደ እዋን ጾም ዝጀመረሉ ስለ ዝኾነ፣ ናይ መላእ ህዝብና ጾምን ጸሎትን ኣብ ሰማይ ዓሪጉ፣ ገባቲ  ስርዓት ወዲቑ፣ ፈልሲ ቅዋማዊ  ምሕደራ: ግዝኣተ ሕግን: ዲሞክራስን: ዝጥጥዓሉ ዓመት ክኾነልና ንምነ። ክዉን ንምግባሩ ድማ አእጃምና ከነበርክት በዚ ኣጋጣሚዚ ንጽውዕ።

ኣብ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ብሰላም ዝዓርፍ ይግበሮ።

ሓጎስ፡  ቅሳነት፡ ራህዋን ሰላምን ዝመልኦ ቅነ-በዓላት ክኾነልና ብልቢ ንምነ።

ገረዝጊሄር ተወልደ 

ኣቦመንበር ፖሓኤ 

    

ኣብ መንጎ ፕረሲደንት ክልል ሶማሊያ መስጦፌ ኣሕመድን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ሓያል ምስሕሓብ ይፍጠር ከም ዘሎ፡ “ግሎባል ሳት (Global SAT)” ዝተባህለ ትካል ሓበሬታ ኣፍሊጣ። እቲ ወጥሪ ዝተፈጥረ ኣብይ ኣሕመድ ንሙስጦፌ ካብ ናይ ክልል ፕረሲደንትነት መዝነቱ ከውርዶ እዩ ዝብል ሓበሬታ ምስተሰምዐ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።

እዚ ሓበሬታ ዝበጽሖ ሙስጦፌ ኣሕመድ፡ ምስ ናይ ክልሉ ካቢነ ኣብ ዘካየዶ ዕጽዊ ኣኼባ፡ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡  “ኣብይ ነዓይ ካብ መዝነት ንምውራድ ዝሓስቦ ዘሎ ሓደገኛን ንኢትዮጵያ ዘፍርስን ክኸውን እዩ። እንተኾነ ቅድሚ ንሱ ኣብ ልዕለይ ስጉምቲ ምውሳዱ ነዛ ሃገር ከፍርሳ እዩ። ንሕና ክልል ሶማሊያ ከኣ ክሳብ ትፈርስ ንዕጸው ዘይኮና ምርጫና ክንወስድ ኢና” ዝበሎ ብድምጺ መሊቑ ከም ዝወጸን ኢትዮፎረም ብዝተባህለ ዩቱብ  ከም ዝተቓለሐን ትካል ግሎባል ሳት ብተወሳኺ ኣፍሊጣ።

 ፕረሲደንት መስጦፌ ኣብይ ኣኼባ ኣብ ዘስመዖ ተወሳኺ ቃል፡ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መስርሕ ዲሞክራስን ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ ንተቓወምቲ ዘግለለ ዘይግሉጽን ዘይፍትሓውን መስርሕ ምርጫን   እምነትን ዕግበትን ከምዘየብሉ ምጥቃሱን እውን ተሓቢሩ። ህዝቢ ክልል ሶማሊያ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት እቲ ዝጽበዮ ዝነበረ ባዕልኻ ንባዕልኻ ምምሕዳር ብሰላማዊ ቃልሱ ከም ዘረጋገጾ ብምጥቃስ፡ ሶማሊያ ናታ ናጻ መንግስቲ እንተመስሪታ፡ ኣብ ዞባ ደገሃቡር ከም ዝምረጽ ርግጸኛ ምዃኑ ከኣ ኣፍሊጡ።

ናይዚ ምስሕሓቦም ጠንቂ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ እኳ እንተኾነ፡ ናብዚ ደረጃ’ዚ ዝበጸሐ ግና ኣብይ ኣሕመድ ንሙስጦፌ ኣብ ናይ ሸውዓተ ዓመት ዕድመ ፕረሲደንትነቱ ካብቲ ኣብቲ ክልል ክዕመም  ዝነበሮ ስራሓት 2% ጥራይ እዩ ኣሳሊጡ ስለ ዝበሎ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ነቲ ፕረሲደንት ብከምዚ ዝገለጾ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ኣብ ከተማ  ጅጅጋ ምስ መራሕቲ ጅቡትን ሶማሊያን ኣብ  ዘካየዶ ኣኼባ ምዃኑ ከኣ እቲ ዜና ሓቢሩ።

Thursday, 19 March 2026 19:38

Dimtsi Harnnet Kassel 19.03.2026

Written by
Page 1 of 639