ናይ 2020 ፈላሚ ኣኼባ ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ተካይዱ

2020-01-06 18:54:02 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1726 times

ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ፈአአፈናይ 2020 ዓ.ም ፈላሚ ኣኼባኡ ብዕለት 05.01.2020 ኣካይዱ። ጨንፈር ፍራንክፎርት ዘጥረዮ ዝምድናታት ብምዕቃብ ናይ ሓደ ዓመት ምሉእ ሰሌዳ ኣኼባ ሰሪዑ ኢዩ ኣኼባ ጀሚርዎ። ኣኼባ፡ ብናይ ኣቦመንበር ሰላምታን ናይ  ሓድሽ ዓመት ሰናይ ምንዮትን ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ንዕለቱ ኣብዝተታሕዘ ኣጀንዳ ተኣትዩ።

 ኣኼባ ንውሽጣዊ ኲነታት ሰልፊ ብፍላይ ድሕሪ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ንዳግመ ስርርዕ ዝኣንፈተ ኣተሃላልዋን ኣብ ዓውደ ተግባር ዝካየድ ዘሎ ዕማማትን ዝኣንፈተ ኣጀንዳ ቀዳምነት ካብዝሃቦ ምንባሩ ክዝከር ይካኣል። ብዘይካዚ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን በርጌሳውያን ምልዕዓላትን ምንቅስቓሳትን ብሓፈሻ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝርአ ዘሎ ንሓባራዊ ስራሓት ዘተባብዕ ኲነታት  ኣኼበኛ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታይ ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ በጺሑ። ኣኼባ ጨንፈር ነቲ ብ4 ጥሪ 2020 ዝተኻየደ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ናይ ፈጻሚት ሽማግለን ዝሃቦ ገምጋም ኣብ ህልዊ ዝምድና መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ‘ውን ናይ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ብምድጋፍ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ኩሉ ዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ንጥፈታትን ምጥርናፋትን ዘርእይዎ ንዘልዉ ተሳታፍነት ንኢዱ።

ኣብዚ እዋን‘ዚ ደምበ ተቓውሞን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝባዊ ንጥፈታትን ምጥርናፋትን፡ ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ጥልመትን ንልኡላውነት ሃገር ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ወስታታትን ብምቅዋም ዘርእዮ ዘሎ ናይ ይኣክል ማዕበል  እናነኣደ፡ ንዝርአ ንኣሽቱ ጉድለታት እናኣረምካ ሃገራዊ ማኣዝን ዘለዎ ውደባ ክሕይልን፡ ካብ ፈላላዪ ዝኮነ ሰልኵታት ስርዓት ህግደፍ ተጠንቂቕካ ምቅላስ ከም ዘድሊ ኣኼበኛ ርእዩ። ስርዓት ህግደፍ በዚ ህዝባዊ ንጥፈታትን ምጥርናፋት ደምበ ተቓውሞን ስለ ዝሰግአ፡ ንምብርዓኑ ማእለያ ዘየብሉ ወጻኢታት ሰሊዑ፡ ልኡኻቱ መዲቡ፣ ንምብታን ተቓውሞና ላዕልን ታሕትን እብልን የዕለብጥ ከምዘሎን ይረኤ ምህላዉ በሪሁ። ስለዚ ኣብዚ እዋንዚ ኩሉ ትሕቲ ሃገራውነት ዝኾነ ፈላላዪ ንጥፈታትን ኣተሓሳስባታትን ተወንዚፉ፡ ብቐዳምነት ህልውና ሃገርና ንምውሓስን ንምክልኻልን፡ ድሕነት ህዝብና ንምርግጋጽን ክንቓለስ ከምዝግባእን፡ ኣብዝመጽእ ግዝያት ክካየድ ኣብ መደብ ዘሎ ሓባራዊ ዕማማትን ተሳትፎና ክብ ክብል ከምዘለዎን ብምሕባር ኣኼባ ተደምዲሙ።

Last modified on Monday, 06 January 2020 20:00