ቬንዙዋላ፡ መግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃን ግብረ-መልሲ ዝተፈላለዩ ወገናትን

2026-01-05 16:44:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 197 times

መራሒ ቬንዙዋላ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ

ኣሜሪካ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ መንጊአን  ዝጸንሓ  ምስሕሓብ፡ ብ3 ጥሪ 2026 ኣብ ልዕሊ ቬንዙዋላ ቅልጡፍ ወተሃደራዊ ስርሒት ፈጺማ፡ ንመራሒ እታ ሃገር  ኒኮላስ ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ኣሲራ ወሲዳቶም።

ሕብረት ኣፍሪቃ ንሱጉምቲ ኣሚሪካ ብዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ። እቲ ሕብረት ነቲ ኩነታት ብጽሞና ይከታተሎ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ምኽባር ዓለም ለኻዊ ሕጊ ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕቃብ ልኡላውነትን  ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራትን ናይ ህዝብታት ብዝመረጽዎ ናይ ምምሕዳር መሰል ዘለዎ ጽኑዕ እምነት፡ ኣብቲ መገለጺኡ ኣነጺሩ፡ ኣብ ቨንዙዋላ ዝጸንሐ ዝተሓላለኸ ኩነታት ቀጻልነት ሰላም ብዘውሕ ንምፍታሕ እቲ ዝሓሽመንገዲ ልዝብ ጥራይ ምዃኑ ኣስፊሩ። ካብዚ ሓሊፉ ብቐጥታ ንተግባራት ኣሜኢርካ ከውግዝ ኣይከኣለን።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ግብረ መልሲ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ንተግባራት ኣሜሪካ ኣብ ቬንዙዋላ ዝተኸፋፈለ ምዃኑ ተሓቢሩ። በዚ መሰረት፡ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኤውሪጳ ዩሱላ ቮን ለየን፡ ንኩነታት ቬንዙዋላ ንከተተሎ ኣለና ድሕሪ ምባል፡ ውግንናና ምስ ህዝቢ ናይታ ሃገር እዩ  ብምባል፡ ኣብ ሰላማዊ ናይ ስልጣን ምስግጋር ኢና ንኣምን ክብል ጽሑፉ።

ፈረንሳ ስጉምቲ ኣሚሪካ ዓለምለኻዊ ሕጊ ጥሒሱ ሓይሊ ዘቐደመ ብምዃኑ ኮኒናቶ። ኢጣልያ ብወገና  ብሓፈሻ’ኳ ኢድ ኣእታውነት ቅቡል እንተዘይኮነ፡ እዚ ኣሜሪካ ኣብ ቬንዙዋላ ዝወሰደቶ ግና ግቡእን ተቐባልነት ዘለዎን ናይ ምክልኻል ኢድ ኣእታውነት እዩ ብዝብል ከምእትድግፎ ሓቢራ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ድማ ብዛዕባቲ ስርሒት ኣሜሪካ ኣቐዲሙ ኣፍልጦ ከምዘይነበሮ ሓቢሩ፡ ኣነ ኩሉ ግዜ ብመንጽር ዓለምለካዊ ሕጊ ኣብ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን እየ ዝኣምን ኢሉ፡ ምስ ፕረሲደንት ትራምፕን ካለኦት መሓዙትን ብዛዕባቲ ተረኽቦ ክዛረብ እየ ክብል ጠቒሱ።

እቲ ብመርገርጽ ምፍልላይ፡ ኣብ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ  እውን ክንጸባረቕ ይረአሎ።  ንኣብነት ኩባ፡ ብራዚልን መክሲኮን ነቲ ተግባር ጥሕሰት ልኡላውነት ኢለን ብምግላጽ፡ ተሪር ተቓውሞ ከስመዓ እንከለዋ፡ ኣርጀንቲናን ፕራጉዋይን ዝርከበአን ከኣ ደገፍቱ እየን።

ቻይና ኣሜሪካ ካብቲ ተግባራ ከተቋርጽ ኣለዋ ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ኣሲራቶ ዘላ ማዱሮ ብህጹጽ ክትፈትሖ ጸዊዓ። ሩሲያ ድማ ነቲ ኣሜሪካ ኣብ ቨንዙዋላ ዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ፡ ኣዝዩ ዘሰክፍን ዝኹነንን ተግባር’ዩ ብዝብል ገሊጻቶ።

እስራኤል ብቐጥታ ናብ ኣሜሪካ ናይ “እንኳዕ ኣሕጐሰኩም” መልእኽቲ ናብ ፕረሲደንት ትራምፕ ከትመሓላልፍ እንከላ፡   ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ብኣንጻሩ ኣብ ተግባር ኣሜሪካ ተሪር ተቓውሞኣ ብምስማዕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸጥታን ሰላምን ናይ ምውሓስ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ብምጥቃስ፡ በቲ ጉዳይ ዝዘራረብ ኣኼባ ክካየድ መጸዋዕታ ኣቕሪባ።

እዚ ኣሜሪካ ኣብ ቬንዙዋላ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ዓለምና ናይ ሕጊ ዘይኮነት ናይ ሓይሊ ክትከውን ዘተባብዕን ንዓለምና ናብ እንኮ ቀጽራዊ ዝወሰዳ ከይከውንን ንብዙሓት የሰክፍ ኣሎ።

Last modified on Monday, 05 January 2026 17:52