ኮሚሽነር ሙሳ ፋቂ መሓመት
ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመት፡ ብ16 ነሃሰ 2023 ንህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኦም። እቶም ኮሚሽነር ኣብቲ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ምስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ጐንጺ ብዝተተሓሓዘ ንኩነታት ኢትዮጵያ ብዝለዓለ ተገዳስነትን ስኽፍታን ይከታተልዎ ከም ዘለዉ ኣፍሊጦም።
ኣቦመንበር ሙሳ ፋቂ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዞባዊ ሰላምን ርግኣትን ንምርግጋጽ፡ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር፡ ሓድነት ግዝኣትን ልኡላውነትን ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ክዕቀብ ዘለዎ ዘይቅየር መርገጽ ዳግማይ ከም ዘረጋግጽ ኣስፊሮም። ኣተሓሒዞም ድማ ኩሎም ኣብቲ ውግእ ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት፡ ተኹሲ ጠጠው ከብሉ፡ ውሕስነት ሲቪል ሕብረተሰብ ከረጋግጹን ሰላማዊ መፍትሒ ንምርካብ ኣብ ዘተ ክኣትዉን ጸዊዖም።
እቲ መግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሰላምንን ህድኣትን ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ኢትዮጵያዊ ተበግሶ ክሕግዝ ቅሩብ ምዃኑ ኣረጋጊጾም።
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ትግራይ ንዝያዳ ክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍታሕ ዕዙዝ ብጽሒት ከም ዝነበሮ ዝዝከር እዩ።
Eritrea Liberty magazine Issue Nr.80
Written by EPDP Foreign Relation Affairsኢትዮጵያዊ የማናይ ኢድ ህግደፍ ሃዲሙ: ፖለቲከኛታት ኣምሓራ ይእሰሩን ይቕተሉን ኣለዉ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣዳርጋቸውን ኣብይን መኻርን ተመካርን እንከለዉ
ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽገ ዝተባህለ፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ናይ 50 ዓመታት ተሳትፎ ከም ዘለዎ ዝንገረሉ፡ ናይቲ ብብርሃኑ ነጋ ዝምራሕ ዝነበረ ውድብ ጉንበት 7 ዋና ጸሓፊ ኮይኑ፡ ኢህወደግ ንምቅዋም ኣብ ኤርትራ ዓመታት ዝተቐመጠ ምስ ህግደፍ ጥቡቕ ዝምድና ዝነበሮ፡ ብ11 ነሃሰ 2023 ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝሃደመ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ኣረጋጊጹ።
ኣንዳርጋቻው ተቓዋሚ እንከሎ፡ ካብ ኤውሮጳ ናብ ኤርትራ እናተጓዕዘ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ብጸጥታ ኢህወደግ ተጨውዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሩ ምስ ጸንሐ፡ ምስ ናይ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምጻእ ዝተፈትሐ እዩ። ድሕሪ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምውጻኡ ናብ ኣስመራ ኣቕኒዑ ንኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ዘራኸበ ምዃኑ ባዕሉ ዘረጋገጸ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብይ ኣሕመድ ዝምረሓሉ ሰነድ ኣዳሊና ዝሃብናዮ ንሕና ኢና ካብ ዝብሉ’ውን ሓደ እዩ።
እንዳርጋቸው ጽገ እንግሊዛዊ ዜግነት ስለ ዘለዎ ፍሉጥ መንግስታዊ ሓላፍነትኳ እንተዘይነበሮ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ካብ ዘማኽሩ ቀዳማይ ዝስራዕ ኮይኑ፡ ህግደፍ እውን ካብ ኣብይ ንላዕሊ እምነት ዘንብረሉን ተልእኮኡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘፈጽመሉን እዩ ነይሩ። ንዶር ኣብይን እንዳርጋቸውን ካብ ዝፈላለዮም እቲ ቀንዲ ምኽንያት ኤርትራ ኣብ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ተሳታፊት ክትከውን ነይሩዋ፡ ኢትዮጵያ ምስ ክልል ትግራይ ተዓሪቓ ንኤርትራ ከተቐይማ ኣይነበራን ዝብል መርገጽ እንዳርጋቸው ምዃንኑ ባዕሉ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክንጸባርቖ ዝጸንሐ እዩ። ንናይ ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ምእታው ምኽኑይ ገይሩ ዘቕርብ እውን ነይሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ርእሲ’ቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ይእሰሩ ምህላዎም ዝንገረሎም ኣምሓሩ፡ ኣቶ ክርስትያ ታደለ ኣባል ፓርላማ፡ ዶር ካሳ ተሻገር ኣባል ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣቶ ዮሃንንስ ባያለው ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራን ምስ ምጅማር ውግእ ክልል ኣምሓራ ተኣሲሮም።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ “ብዕጡቓት ተቐቲሎም” ካብ ምባል ሓሊፉ፡ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ላዕለዎትን ማእከሎትን ሓለፍቲ ምምሕዳራትን ኣዘዝቲ ፖሊስን ናይቲ ክልል ብብዝሒ ይቕተሉ ኣለዉ።
ኣብ ኤርትራ በዂሩ ዘሎ፡ ሰላም፡ ዲሞክራስያዊ ምምሕዳርን ዕቤትን፡ ውጽኢት ናይቲ ህግደፍ ኮነ ኢሉ ዝፈሓሶ ተንኮልን ዝተኸተሎ ዘይህዝባዊ ኣንፈትን እዩ። ህግደፍ ኣብዚ ስሱዕን ዘየናሕስን ኣካይዳኡን ጭቆናኡን ተሓቢኡ ንምንባር ካብ ዝጥቀመሎም መንገድታት ሓደ፡ ህዝቢ ብኤርትራዊ ኣጀንዳኡ ንከይሓስብ ምድህላሉ እዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ንውሽጣዊ ዋኒኑ ከምዘይናቱ ርእዩ በቲ ህግደፍ ዝፈጥረሉ ኣጀንዳታት ተደሪኹ፡ ናብ ደገ ንከማዕዱ ይሰርሕ። ካብ ዕላማታት ናይቶም ኢሳያስ በብግዜኡ ብማይ ቀጠነ፡ ምስ ናይ ግዳም ሓይልታት ዝፈጥሮም ጐንጽታትን ዘሳውሮም ውግኣትን ሓደ ከኣ ኣቕጣጫ ህዝቢ ምስሓት እዩ።
ኢሳያስ ንኤርትራዊ ዛዕባ ኣብ ርእሲቲ ክሓብኦ ዝፍትኖ ከነኣእሶ እዩ ዝደሊ። ሓደ ሓደ ወገናት “ኢሳያስ ኤርትራ ንምምራሕ ትንእሰኒ እያ” ዝብል ጣዕሳ ኣለዎ ዝብልዎ ድማ ካብዚ ነቒሎም እዮም። “ከምቲ ዝተጸበዮ ኣይኮነሉን እምበር ብዓባያ ንኢትዮጵያ ናይ ምምራሕ ህርፋን ነይርዎ እዩ” ኢሎም ዝምስክሩ’ውን ብዙሓት እዮም። ኢሳያስ ነቶም ኤርትራዊ ኣጀንዳ ንምሕባእ ዝህንድሶም ዛዕባታት እዩ ዘተዓባብዮም። ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብታ ንእሽቶን ውሑድ ዝህዝባን ኤርትራ ዘየድመዐስ፡ ኣብ ፈቐዶ መድረኻት፡ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ስቕ ኢልና ንዕዘቦ ዘይኮነ ኢድና እነእትወሉ እዩ፡ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ 5 ሚልዮን ብዘይመልእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዛዕባቲ ኣስታት 400 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክንሓስብ ይግበኣና፡ ካብኡ ሓሊፉ ኣንጻር፡ ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኔቶን ክንዋጋእ ኢና ……ወዘተ” ዝብሎ ጽላለ ናይዚ መርኣያ እዩ።
እቲ ህግደፍ ኣዳዕዲዑ ዝተሳተፈሉን ክሳብ ሕጂ ኢዱ ብዘይምስሓቡ ዝኽሰሰሉ ዘሎን ውግእ ትግራይ፡ ብውሳነ ናይቶም ብቐጥታ ዝምልከቶም ሰብ ጉዳይን ብምሕጽንታ ዝተፈላለዩ ደለይቲ ሰላም ወገናትን ናብ ካልእ ምዕራፍ ምስተሰጋገረ፡ በቲ ስምምዕ ካብ ዘይተሓጐሱ ቅድሚት ዝስራዕ ህግደፍ ምዃኑ ባዕሉ ብዘይሕብእብእ “ኮሊፎሙንና” ብዝብል ቃና ኣረጋጊጽዎ እዩ። ተኾሊፉ ክዓርፍ ዘይኮነ ካልእ ናብ ውግእ ዝኣትወሉ ኣእማን ክፍንቅል ምዃኑ ከኣ ርዱእ ነይሩ። ኣብቲ ናይ ትግራይ ውግእ ቀንዲ ቀጥታዊ ተዋሳእቲ ዝነበሩ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ፡ ሓይሊ ፋኖ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን እዮም። ድሕሪ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ጐኒቲ “ተኾሊፍና” ብዝብል ኩራኡ ዝኣወጀ ህግደፍ ዝተሰለፈ ድማ ፋኖ ነይሩ። ምኽንያቱ እቲ ዝተበጽሐ ውዕል እቲ ግዝኣተይ ዝብሎን ዝተዋገኣሉን ከባብታት ወልቃይትን ራያን ብመሰረት ውዕል ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ኢዱ ከም ዝወጽእ ስለ ዝተረደ። ህግደፍ ነዚ ናይ ውግእ ሸውሃቱ ዘይዓጸፈ ሓይሊ ፋኖ ኣብ ጐኑ ኣሰሊፉ ከም ዘታትዮ ርዱእ ነይሩ። ከምኡ ብምግባር ንጉዳይ ኢትዮጵያ ይሓላልኾ ከም ዘሎ ድማ ኢትዮጵያውያን ይምስክርዎ ኣለዉ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ኩሉ ሽንኮለል እውን ኤርትራዊ ኣጀንዳ ንምዕባጥ ኮይኑ፡ ትግራይ ምስ ወጻኢ ብወገን ሱዳን ዘራኽባ ኣፍደገ ከይትረክብ እሞ፡ ሓደ እዋን ሓይላ ከይትመጾ ስግኣት ከም ዝህልዎ ከኣ ግምት ዝወሃቦ እዩ።
እዚ ኣብ ከባቢና ኣንጠልጢሉ ዘሎ ሓደገኛ ደበና ህውከት ንክፍጠርን ህድኣት ከይዓስልን ካብ ዝሰርሑ ሓደ ብኢሳያስ ዝምራሕ ህግደፍ ኮይኑ፡ ንዓኡ ዘተባብዑ ምዕባለታት እውን ብዙሓት እዮም። ዝተሓላለኸን ብደማዊ ውግእ ዝስነ ዘሎን ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ሓደ እዩ። ኣብዚ ሓድሽ ኣሰላልፋ ኢትዮጵያውያን ብልጽግናን ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖን ሕድሕዶም ይዋግኡ ኣለዉ። እቲ ወትሩ ኣብ ዘዝተኣጉደ ሓዊ ካብ ምስሓን ድሕር ዘይብል ህግደፍ ከኣ ኣብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝቕጽል ዘሎ፡ ሓደገኛን ንኢትዮጵያ ከይብትና ዘስግእን ውግእ ኣብ ጐኒ ፋኖ ተሰሊፉ የዳኽር ከምዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ ኣሎ። እዚ ምስቲ ኢሳያስ “ንኢትዮጵያውያ ናይ 100 ዓመታት ዕዮ ገዛ ክንህቦም ኢንና” ኢሉ ዝበሃል ዝተሓሓዝ እውን እዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ጐኒ ብልጽግና ከይስለፍ ከኣ፡ ካልእ ንዲክታተር ኢሳያስ ስግኣት ዘሕድረሉ እዩ።
ብልጽግና ኮነ ፋኖ “በዚ ውግእ ከነረጋግጾ ኢና” ዝብልዎ ትጽቢታት ኣለዎም። ናይ ህግደፍ ትጽቢት ከኣ ነቲ ውግእ ሓላሊኽካን ዞባዊ መልክዕ ኣትሒዝካን ጉዳይ ኤርትራ ቀዳምነት ዝሕዝ ኣጀንዳ ከምዘይከውን ምግባሩ እዩ። እቲ ዘገርም ከኣ ገለ ካብቶም ንኢሳያስን ምምሕዳሩን ዝቃወሙ ኤርትራዊ ወገናት እውን ቅድሚ ወይ ማዕረ ኤርትራዊ ዛዕባ ዝሰርዕዎ ናይ ጐረቤት ኣጀንዳ ዘታትዩን ብሰንኩ ኣብቲ ቀንዲ ዋኒኖም ዝፈላለዩን ምህላዎም እዩ።
“ዓርኪ ሰባር ነቓዕ” ከም ዝበሃል፡ ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስተራ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ህግደፍ ዕርክነት ምስ ጀመረት፡ መጻኢኣ ዘቕስን ከምዘይከውን፡ ናይ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ግምት ነይሩ። ንዓና እውን ከምቲ ብዓንተብኡ ዘተንባህናዮ፡ ከምኡ ከም ዝኸውን ካብ ግምትና ወጻኢ ኣይነበረን። መራሕቲ ኢትዮጵያ ግና ከምቲ “ብዕራይሲ ንግዜኡ ዝበልዖ ሳዕሪ እምበር ዝጽበዮ ገደል ኣይረኣዮን” ዝበሃል ኣርሒቖም ብዘይምሕሳብ፡ “ጉዕዞ ምስ ኢሳያስ ብርሃንዩ” ብዝመስል ተረድኦ ብዙሕ ኣሻህሪተምዎ። ኣተሓሕዛ ዝምድናኦም ብዓብይኡ ንዓኣቶም ዝጐደአ ኮይኑ፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እውን ዘቕስን ኣይነበረን። ኢትዮጵያ ናታ ውሽጣዊ ጸገምኳ እንተነበራ፡ ናይ ኢሳያስ ኢድ ኣእታውነት ተወሲኽዎ እነሆ ናብ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ተገማጊማ። ኤርትራና ኮነ ከባቢና ከኣ በቲ ፍርስራሳ ናይ ምህሳዮም ዕድል ዕጽዊ ኣይኮነን። እቲ “ኣብ ከባቢና ኣንጠልጢሉ ዘሎ ደበና” ዝበልናዮ ከኣ ንሱ እቲ ሓደጋ እዩ።
ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሶማልን ተወሲኽዎ ኣብ ከባቢንና ዝምዕብል ዘሎ ተርእዮታት ገለን ብናታቶም ሕሳብ ገለን ድማ ተዓዲሞም ካብ ቀረባን ርሑቕን ኣድብዮም ዝዕዘብዎ ዘለዉ ኣካላት ብዙሓት እዮም። ካብቶም ናይ ርሑቕ ሓይልታት ዓደምቲ ሓደ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምዃኑ ባዕሉ ደጋጊሙ ካብ መድረኻት ሩሲያን ቻይናን ዝነገረና እዩ። ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሃገራት ምዕራብን “ወይለኹም”፡ ምስ ሩሲያን ቻይናን ድማ “ኣጀኹም” ዝበሃሃሎ ዘሎ ከኣ ናይዚ መረጋገጺ እዩ። እቲ እንታይ ከም ዝዘንብ እንግምቶ፡ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዞባና ኣንጠልጢሉ ዘሎ ጸሊም ደበና ከኣ ናይዚ ውጽኢት እዩ። እቲ ደበና፡ እቲ ንቃለሰሉ ዘለና፡ ሰላም፡ ዲሞክራስን ኩለ-መዳያዊ ዕቤትን ንከዘንብ ኣበርክቶ ክህልወና ናይ ግድን እዩ። ኣስተዋጸኦና ኣብዚ መዳይዚ ኣድማዒ ዝኸውን ድማ ብሓባር ሓሲብና ብሓባር እንተሰጒምና ጥራይ ምዃኑ ብልቦና ንገንዘቦ።
ባህግና Bahgna 162፣ ቃለ መሕተት ምስ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ተጋዳላይ ገረዝጊሄር ተወልደ 15.08.2023
Written by Bahgna MediaMedia
ምስሊ ካብ ቢቢሲ/BBC
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ግፋ ቀጻሊ ከም ዘሎ ምግላጹ ቢቢሲ/BBC ሓቢራ። እቲ ኮሚሽን እቲ ግፋ ኣዝዩ ከም ዘሰክፎ ብ14 ነሃሰ 2023 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ እዩ ሓቢሩ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ካብቶም ዝግፈፉ ዘለዉ ሓተቲ ዑቕባ ከም ዝርከብዎም ተገንዚቡ፡ ንቤተሰቦም ከም ዘዘራርበ እንተኾነ ምስቶም ግዳያት ግፋ ክራኸብ ከምዘይተፈቕደሉ ኣረጋጊጹ። ቢቢሲ ብወገና ኤርትራውያን ኣዘራሪባ እቲ ግፋ ሰፊሕ ምንባሩ ከም ዘረጋገጽት ሓቢራ።
ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክዚ ግፋ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ገዛውቶም ንምውጻእ ተጸጊሞም ከም ዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት በቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተገፊፎም ብዘይድሌቶም ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ሓተቲ ዑቕባን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ዝርከብዎም ኣስታት 200 ኤርትራውያን ዝሓደሮ ሻቕሎት ብምጥቃስ ኣብ ወርሒ ሰነ 2023 መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ እዩ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ብሰንክቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ እቶም ኣብ ወረዳ ዳባት መደበር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ተዓቚቦም ዘለዉ፡ ካብተን ኣብ ትግራይ ዝነበራ ብሰንኪ ውግእ ዝፈረሳ 4ተ መደበራት ዝመጹ ኤርትራውያን ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ናይ ድሕንነትን ሕጽረት ቀረብን ጸገም ከም ዘለዉ እውን ኣብቲ መግለጺኡ ኣፍሊጡ።
ባህግና Bahgna 161፣ ሰሙናዊ ዜናታትን ጉባኤ ናይ መወዳእታ ዕላማ ኣይኮነን ዘርእስቱ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ 13.06.2023
Written by Bahgna MediaMedia
ኣምበሳደር ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች
ጀነራል ዳይረክተር ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኤርትራ፡ 10 ነሃሰ 2023 ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ፈጻሚ ጉዳይ ዓባይ ብሪታንያ ብወግዒ ንመብርሂ ከም ዝጸውዖ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣፍሊጡ። እቲ ፈጻሚ ጉዳይ ዝተጸውዐ፡ ብዛዕባቲ ኣምበሳድር ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ብ10 ነሃሰ 2023 ኣብ ከተማ መቐለ ብዝሃቦ ንህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝምልከት ንዝገለጾ፡ መብርሂ ንክህብ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ኣምበሳደር ዓባይ ብሪታንያ ዳረን ወልች ናብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ዝኸዱ ኣባል ናይቲ ብፍልይቲ ልእኽቲ ብሪታንያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምራሕ ልኡኽ ኮይኖም እዮም።
ኣምበስዳር ዳረን ዌልች ኣብ መቐለ፡ ምስ ማዕከናት ዜና ትግራይ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቕ፡ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ኣለዎ፡ ከም ኣካል ናይዚ ስምምዕ ድማ ሰራዊት ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ካብ ትግራይ ክወጽእ ናይ ግድን እዩ ዝብል መወጸዋዕታ ኣቕሪቦም። ኣተሓሒዞም ከኣ መንግስቶም እውን ናይ ኤርትራ ሰራዊት ካብ ትግራይ ምውጻእ ከም ዝድግፍ ብተወሳኺ ኣረጋጊጾም። ብዘይካዚ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ ሰብኣዊ ግህሰታት ከም ዝፈጸመ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝድገፍ ኮሚሽን ኮነ ብካለኦት ብዙሓት ትካላት ሰብኣዊ መሰል ዝተረጋገጸ ምዃኑ’ውን ጠቒሶም።
ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ግዝያት ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ገበናት ብምፍጻም ብቐጻሊ ዝኽሰስ ዘሎ ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
More...
ኣብ መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምዋጭ ከባቢ ዳባት ኢትዮጵያ፡ ብ10 ነሃሰ 2023 ሓደ መንእሰይ ኣቐድም ኣቢሉ ድማ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብቲ መደበር ብዝኣተዉ ዕጡቓት ሓይልታት ብጥይቲ ተቐቲሎም። ተለቪዥን ኣሰና ምስ ሓደ ኣብቲ መደበር ዘሎ ስሙ ግና ዘይተጠቕሰ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ዝገበረቶ ሓጺር ቃለ-መሓትት፡ ኣብቲ ናይ ቅድሚ 4ተ መዓልታት ተኹሲ ካልእ ኤርትራዊ ስደተኛ ተወቒዑ ኣብ ሕክምና ተዓቚቡ ከም ዘሎ ኣረጋጊጻ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እታ ዝተቐትለት ጓለንስተይቲ ኩሉ መስርሕ ወዲኣ ናብ ኣሜሪካ ክትከይድ ተቐሪባ ዝነበረት እያ።
ናይቶም ናብቶም ናብቲ መደበር ኣትዮም ቅትለት ዝፈጸሙ ዕጡቓት ማንነት ዘይተነጸረ ኮይኑ፡ ኣካላት ፋኖ ምዃኖም ዝግመቱ። ናብቲ መደበር ዝኣተዉሉ ቀንዲ ምኽንያት ናይቶም ስደተኛታት ንብረት ንምዝማት ኮይኑ እቶም ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን ድማ ዓገብ ዝበሉ እዮም። ናይቲ መደበር ሓለዋ ዝነበሩ ዕጡቓት ድሕሪ ውግእ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን ምሕያሉ፡ ካብቲ ቦታ ከም ዝኸዱ እቲ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
እቲ ዝሓበረ ስደተኛ ከም ዝገለጾ፡ ኣብዚ እዋንዚ ዝነበሮም ጸገምን ስግኣትን ዛይዱ፡ ዝወሃቦም ዝነበረ ውሱን ናይ እኽሊ ሓገዝ ምቁራጹ፡ ብዝኾነ መንገዲ ዝተረኽበ እኽሊ ዝጠሓነሉ ዕድል ከምዘየለ፡ ቀረብ ማይ፡ ሕክምናን ኤለክትሪክን ምሉእ ብምሉእ ስለ ዝተቛረጸ እቲ ልዕሊ 15 ሺሕ ስደተኛ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ምህላዉ ተፈሊጡ።
ኣካላት ናይቲ ጉዳይ ስደተኛታት ናይ ምክትታል ሓላፍነት ዘለዎ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ውግእ ካብቲ ቦታ ጠቕሊሎም ስለ ዝኸዱ፡ እቶም ስደተኛታት ዋና ዘየብሎም ኮይኖም ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኤርትራውያን ብጉዳይ ስደተኛታት ናብ ዝምልከቶም ሰብኣዊ ትካላት ምሕጽንታ ንከቕርቡ እቲ ስደተኛ ጸዋዒት ኣቕሪቡ።
ትካል መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቋሪጽዎ ዝነበረ ምቕራብ ረዲአት እኽሊ ናብ ዝተወሰነ ከባቢታት ትግራይ ከቕርብ ከም ዝጀመረ ብ8 ነሃሰ 2023 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ኣብ መጀመርታ ዝቐረበ ረዲአት 15 ጽዕነት መካይን እዩ። በብደረጃ ክውስኽ ድማ ትጽቢት ኣሎ። እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት 2023 ምቕራብ ረዲአት ዘቋረጸ፡ ናብ ህዝቢ ክበጽሕ ዝግበኦ ዝነበረ ረዲአት ብዝተፈላለዩ ኣካላት ትግራይ ወስኽካ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኢትዮጵያ ከም ዝተሰርቀ ምስ ኣረጋገጸ እዩ።
እቲ ናብታ ልዕሊ 20 ሚልዮን ተጸበይቲ ረዲአት ዘለውዋ፡ ካብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ካለኣይ ደረጃ እትሕዝ ኢትዮጵያ ዝተቛረጸ ሓገዝ መግቢ ብትካል መግቢ ዓለም ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ትካል ረዲአት ሕቡራት መግስታት ኣሜሪካ እውን በተመሳሳሊ ምኽንያት ኣቋሪጹ እዩ ጸኒሑ። ትካል ረዲአት ኣሜሪካ ኣብ መጻኢ ረዲኤት ዘይስረቐሉ ኣገባብ ንምፍጣር ምድላወይ ኣይወዳእኩን ብዝብል ናብ ትግራይ ኮነ ብሓፈሻ ናብ ኢትዮጵያ ዘቋረጾ ሓገዝ ምቕራብ ኣይጀመረን።
ኣብ ትካል መግቢ ዓለም ናይ ሓደገኛን ህጹጽን ኩነታት ሓላፊ፡ ኣንሲ ከም ዝገለጽዎ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ውግኣትን ሕማቕ ኩነታት ኣየርን ልዕሊ 35 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ረዲአት ከም ዘለዉ ጠቒሶም፡ ናይ ትግራይ ካብቲ ዝገደደ ዝበሃል ከባቢ ምዃኑ ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መጠይቕ ሓቢሮም
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሓገዝ ዘይምቕራቡ ዝሰዓበ ጥሜት፡ ከባቢ 1500 ሰባት ከም ዝሞቱ ካብቲ ክልል ዝወጹ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኩነታት ህጹጽ ግዜ ተኣዊጁ፡ ናብኡ ዝግበር በረራ ተቛሪጹ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤቤት ምኽሪ ምኒስተራት ኢትዮጵያ፡ ብ4 ነሃሰ 2023 ኣብ ክልል ኣምሓራ 6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኩነታት ህጹጽ ግዜ (STATE OF EMERGENCY) ኣዊጁ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ ብ8 ነሃሰ 2023 ናብን ካብን ክልል ኣምሓራ ዝግበር በረራታት ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተቋረጸ ኣፍሊጡ።
ነቲ ዝተኣወጀ ህጹጽ ኩነታት ኣብ ግብሪ ዘውዕል ላዕለዋይ ኣካል ብኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ዳይረክተር ሃገራዊ ጸጥታ ኢትዮጵያ ዝምራሕ ኮይኑ፡ 4ተ ናይ እዚ ከባብታት ከም ዝህልዉዎ ተፈሊጡ። በዚ መሰረት ኣብቲ ክልል “ዘይሕጋዊ ዕጥቂ ኣፍቲሕካ ኩነታት ሰላምን ዝፈረሰ ምምሕዳራዊ ትካላትን ናብ ንቡር ምምላስ” ብዝብል ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራ ፋኖን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት እቲ ክልል ደማዊ ውግእ ይካየድ ኣሎ።
እቲ ውግእ ኣብ ኩሉ ከተማታት እቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ጎንደር፡ ባህርዳር፡ ደብረማርቆስ፡ ድበረብርሃን፡ ኣጣየን ሽዋሮቢትን ዝካየዱ ዘለዉ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ከቢድ ዕንወት የውርዱ ከምዘለዉ ይሕበር ኣሎ። ክልቲኦም ወገናት ድማ ናይ “ኣነ እየ ተዓዊተ” ዜናታት ይዝርግሑ ኣለዉ። ብፍላይ ኣብ ደብረብርሃንን ከባቢኡን ዝካየድ ግጭት እቲ ውግእ ናብ ክልል ኦሮሞ ከይልሕም ኣስጊኡ ኣሎ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ርእስቲ ክልል ኣምሓራ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝራኽብ ናይ መሬት መጐዓዝያ ምዕጻዉ ምዃኑ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ ናብ ዝርዝር ምኽንያት ከይኣተወ፡ ካብ 8 ነሃሰ 2023 ጀሚሩ ካብን ናብን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘለዉ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ባህርዳር፡ ጎንደር፡ ላሊበላ፡ ኮምበልቻን ደበረማርቆስን ዝገብሮ በረራታት ምሉእ ብምሉእ ከም ዝቋረጾ ኣፍሊጡ።
ክልላዊ መንግስታት ኢትዮጵያ ነቲ ፈደራል መንግስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝኣወጆ ኩነታት ህጹጽ ግዜን ኣንጻር ፋኖ ዘካይዶ ዘሎ ውግእን ክድግፋ እንከለዋ፡ ብወገን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ግና ብወግዒ ዘውጸ መግለጺ የለን። እዚ ውግእ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ተመሳሳልነት ከም ዘለዎን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣባላት ፓርላማን ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ዝርከብዎም፡ ኣሸሓት ተወለድቲ ኣምሓራ ይእሰሩን ካብ መገሻ ይኽልከሉን ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
ብዙሓት እቲ ውግእ ንኢትዮጵያ ናብ ምብትታን ከይወስዳ ስግኣት ዝሓደሮም ወገናት፡ ውግእ ጠጠው ኢሉ ሰላማዊ መፍትሒ ክርከበሉ ይምሕጸኑ ኣለዉ። እንተኾነ ብዘይካ ፈደራላዊ መንግስቲ “ናይ ሰላም ኣፍደገ ዕጽዊ ኣይኮነን” ምባሉ ካልእ ዝተራእየ ተስፋ ሰላም የለን።