ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ ብጉዳይ መንእሰያት ዝዝቲ ኣኼባ ኣካይዱ

2017-02-25 19:50:26 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2892 times

ብዛዕባ መንእሰያት ዝዘተየ ብዞባ ኤውሮጳ ሰህኤ ዝተዓደመ ኣባላት ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኩሉ ኩርነዓት  ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ብ24 ለካቲት 2017 ኣብ ፓልቶክ ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ኣቦ- መንበር ሰልፊ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ንመንእሰያት ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብዚ ሰፊሕ መግለጺኡ መንእሰይ ዝበሃል ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣየናይ ምዃኑ ምስ ጠቐሰ ግደን ተመኩሮን ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ግዜ ሰውራ ዘርዚሩ። ኣስዒቡ ድማ መንእሰይ እቲ ደም ከፊሉ ናጽነትን ልኡላውነት ኢርትራ ዘውሓሰ ክነሱ፡ ሞሳ መስዋእቱ ዝተነፍጎ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሃገሩ ብሰላም ክነብር ዘይከኣለ ምዃኑ እውን ብመርተዖታት ኣሰንዩ ኣብሪሁ። ካብቲ ብዙሕ ሞሳ ቃልሱ ከም ዘይረኸበ ዘመልክት ኣብነታት፡ እዚ ብዋሕዚ ዝስደዶ ዘሎን ኣብቲ ጉዕዞ ስደት ንምግላጹ ዘጸግም ዘጋጥሞ ዘሎ መከራን ምዃኑ እውን ብዝርዝር ኣመልኪቱ። መንእሰይ ኣብ ስደት ኣንጻር’ቲ ናብ ስደት ዘብቀዖ ጸረ-መንእሰይ ብፍላይ ጥራይ ዘይኮነ ጸላኢ መልእ ህዝቢ ዝኾነ ዲክታቶር ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ብኸንድቲ ዝድለ ይሳተፍ  ከምዘየለ ጠቒሱ፡ ከምኡ ንክኸውን ዘገደድዎ ጉዳያት ጸብጺቡ።መማረጺ ኣብ ዘየብሉ  ኣዝዩ ኣግላሊ ፕሮፓጋንዳ ስርዓት ህግደፍ ምዕባዩ ቀንዲ ምኽንያት ምዃኑ’ውን ኣብሪሁ። ኩነታት ከምዚ ኢሉ ብዝሕቱል ተሳትፎ መንእሰይ እንተቀጺሉ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር ድማ ብወገን ሰህኤ ነዚ ሓደጋዚ ንምውጋድ ክስረሓሉ ዝጸንሓን ዘሎን ጻዕሪ ገሊጹ ጌና ዝተርፎ ከም ዘሎ ከኣ ኣተንቢሁ።

ኣብዚ ኣኼባ ዝነበረ ሓው መድሃኔ ብትዝጊ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት ሰህኤ ብጻይ መድሃኔ ህብትዝጊ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ ከኣ፡ ዞባ ኤውሮጳ ጉዳይ መንእሰያት ንሓደ ኣካ ሰልፊ ጥራይ ዝግደፍ ከምዘይኮነ ተረዲኡ ነቲ ኣኼባ ምስርዑ ኣመስጊኑ። ቀጺሉ ከኣ እቲ ንሱ ዝመርሑ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት፡ መንእሰይ ኣብ ቃልሲ ክሳተፍ ዘኽል ዝኽእል ኩነታት ንምፍጣር የካይዶ ዘሎ ጻዕርታት ዘርዚሩ እቲ ብዚ መዳይ ትጽቢት ዝግበረሉ ለውጢ ክመጽእ ተስፋኡ ልዑል ምዃኑ ኣብሪሁ። ኣብዚ ኣኼባ ንዝቐረበ ሃናጺ መገልጽን ርኢቶታትን ቤት ጽሕፈቱ ክሰርሕሉ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣቐድም ኣቢልሉ ሓው ይስሃቅ ወልደማርያም ኣቦ- መንበር ዞባ ኤውሮጳ ንተሳተፍቲ ምስጋናኡ ብምቕራብ፡ ነዚ ኣኼባ ክውድቡ ብዛዕባ ዝደረኾም ሓልዮት ጠቒሱ  ሓጺር መእተዊ ቃል ኣስሚዑ።

መድርኽ ሕቶን ርኢቶን ምስ ዝተኸፍተ ድማ ተሳተፍቲ ብዛዕባ ጉዳይ መንእሰያት ከምዚ ዝኣአመሰል ኣኼባ ምክያዱ ንኢዶም። ዝያዳ ዝተነባረቐ ካልእ ኣገዳሲ ሓሳብ ከኣ ጉዳይ መንእሰያት ከምቲ ኣብ ቃልሲ ዘለዎ መተካእታ ዘየብሉ  ግደ  ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ንምብጽሑ ከቢድን ቀጻልን ቃልሲ ስለ ዝሓትት  በብዓቕሞኻ ብውልቂ ኮነ ብሓባር ጻዕሪ ክገብርሉ ተሰማሚዖም። ብዘይካዚ ብዛዕባዚ ጉዳይ ዓሚቕ ኣፍልጦ ስለ ዘድሊ፡ ካብ ተሳተፍቲ ኣብ መጻኢ  ነዚ ዛዕባዚ ዝምልከት መጽናዕታዊ ጽሑፋት ሒዞም ክቐርብሉ ቃል ዝኣተዉሉ ኣጋጣሚ’ውን ነይሩ።

Last modified on Saturday, 25 February 2017 21:01