“ሕጂኸ ናበይ?”፡ ሎሚ’ውን ክምለስ ዝግበኦ ሕቶ

2019-09-28 17:24:25 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2760 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ቃልሲ ከም ሓደ ኣገዳሲ መስርሕ፡ ኣብቲ ዝተዓለመሉ ሸቶ ንምብጻሕ ብቐጻሊ ዝካየድ ጉዕዞ እዩ። ቃልሲ ከም ስሙ ዕላማ ዘለዎን ናብቲ ዝሓሰብካዮ ንምብጻሕ ዋጋ ዘኽፍል ሓጐጽጐጽ ዘይፍለዮ እምበር፡ ደራኺ ምኽንያት ዘይብልካ ንዊንታ ዝካየድ ኣይኮነን።ቃልሲ ብሓንሳብ ኣብቲ ዝደለኻዮ ናይ ግዜ ገደብ፡ በቲ ዝመረጽካዮ ኣገባብ ዝብጻሕ ዘይኮነ፡ ብምዕራፋት ዝተኸፋፈለ፡ ካብ ትጽቢትካ ወጻኢ ብደሆታት ዘጋጥመሉ ብውረድ ደይብ ዝስነ መስርሕ እዩ። ከምዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ጉዳያት ኣብ ቃልሲ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምቁጽጻር ሓደ ወገን ዝውሰኑ ዘይኮኑ ናይቲ ኣንጻሩ እትቃለሶ ኣካል ኩነታት እውን ኣብ ግምት ዘእቱ ስለ ዝኾነ እዩ።

መስርሕ ቃልሲ ኣብ ናይቲ ኣንጻር ወጽዓ ዝቃለስ ወገን ኣተሓሳስባን ኣተሓሕዛን ጥራይ ዝድረት ጌርካ ምውሳድ ኣብ ጌጋ ዘውድቕ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ብዛዕባቲ ንስኻ ክትገብሮ ዝግበኣካ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዛዕባቲ ኣንጻሩ እትቃለሶ ወገን እውን ኣፍልጦ ምሕዳር ኣገዳሲ ዝኸውን። ብዛዕባቲ ኣንጻሩ እትቃለሶ ወገን ዘለካ ኣፍልጦ ኣብ ጽፉፍ መጽናዕቲ ዝተሰረተ ምዃኑን ዘይምዃኑን ከኣ ኣብ ዓወትካ ዓብይ እጃም ኣለዎ። ኣብ ጉዳይና እንተመጺእና “ኣንጻር ወጽዓ ህግዲፍ ብኸመይን ምስ መንን ክንቃለስ ኣለና” ኣብ ዝብል ምእንቲ ከነድምዕ፡ ብዝዕባ ህግዲፍን እከይ ተግባራቱን እውን ክንፈልጥ ናይ ግድን እዩ። ኣብቲ መስርሕ “ሕጂኸ ዝብል ሕቶ ክንምልስ እንከለና እምበኣር ናይቲ ጨቛኒ ስርዓት ባህርያትን፡ ናትና ጭቆና ናይ ምዕጻፍ ዓቕምን ቅሩብነትን እዩ ኣብ ግምት ዝኣቱ።

ኣብ ከምዚ  ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶን ዘካይዶ ዘሎን ቃልሲ እቲ መስርሕ ብምዕራፋት ዝተኸፋፈለ እዩ። ምስቲ ብምዕራፋት ዝተኸፋፈለ ምዃኑ ኣብ ሕድሕድ እቲ ምዕራፋት ዘሎ ምትእስሳርን ምጽልላውን ብግቡእ ክተሓዝ ዝግበኦ እዩ። እዚ ናይ ምዕራፋት ምትእስሳር እንተዘይተዓቂቡ እቲ መስርሕ ኣብ ኩሉ ግዜ ጀማሪ ምዃን እቲ ዝመጽእ ናይቲ ዝሓለፈ ጸጋን ውርሻን ዘይምጥቃምን እዩ ዝኸውን። ምስዚ ኩሉ ግና እቲ ቀንዲ ጠመተ ናብ መጻኢ ምምዕዳው ክኸውን ከም ዝግበኦ ምዝንጋዕ ኣይግባእን። “ንሕሉፍ ኣይንረሰዓዮ፡ እንተኾነ መጻኢ ከነማዕዱ እንከለና ናይቲ ዝሓለፈ እሱራት ኣይንኹን” እንብል ከኣ ምእንቲዚ ኢና።

ሓደ ምዕራፍ ቃልሲ ኣሳሊጥካ ናብቲ ቀጻሊ ክትሰግር እንከለኻ፡ ዘሎ ብደሆ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብቲ መስርሕ ኣንጻርቲ ነቲ ቃልሲ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ኣሰጋጊሩ፡ ናብቲ ኣንዊሑ ዝጥምቶ ሸቶ ንምብጻሕ ዝቕጽል፡ ካብቲ ዘለዎ ናብ ካልእ ምዕራፍ ክቕጽል ዘይደሊ ኣካል የጋጥም እዩ። ኣብቲ ምቕጻል ዝሰማምዑ ኣካላት እውን እቲ ቀጻሊ ምዕራፍ በየናይ ኣቕጣጫ ይቐጽል ኣብ ዝብል ክፈላለዩ ልሙድ እዩ። ስለዚ ሓደ ምዕራፍ ወዲእካ ናብቲ ቀጻሊ ምስጋር ኩሉ ግዜ ልሙጽ ኣይኮነን። ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብናጽነት  መስተረጋገጸ ተዛዚሙ። ናብቲ ናይ ህዝብና ኣርሒቑ ዝጥምት ሸቶ ንምብጻሕ ግና ቀጻሊ ምዕራፍ ቃልሲ የድሊ ነይሩ። ንሱ ከኣ ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ ሰላማዊት፡ ዲሞክራስያዊትን ምዕብልትን እትኾነሉ ኩነታት ምውሓስ ነይሩ። እንተኾነ ነቲ ዝተረጋገጸ ህዝባዊ ዓወት ናብቲ ቀጻሊ ምዕራፍ ንምስግጋሩ ቀሊል ኣይነበረን ጥራይ ዘይኮነ ክሳብ ሕጂ እውን ቀሊል ኣይኮነን። ቀሊል ናይ ዘይምዃኑ ቀንዲ ጠንቂ ከኣ ህግዲፍ ነቲ ዝተመዝገበ ዓወት ናብ ቀጻሊ ምዕራፍ ኣብ ክንዲ ምስግጋር “እዚ ይኣኽለኒ እዩ” ዝብል ንባህጊ ህዝብና ዝጠለመ ምርጫ ስለ ዝወሰደ እዩ። እነሆ ከኣ እቲ ቃልሲ ኣብ መንጎ “ኣብዚ ይኣኽለና” ዝብልን “ኣይፋሉን እዚ ክሳብ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ዓወት መሰረታዊ ሸቶ ህዝብና ዘረጋገጸ ስለ ዘይኮነ ናብ ቀጻሊ ምዕራፍ ክሰጋገር ይግበኦ” ዝብልን ካብ ዝኸውን ናብ 30 ዓመታት ተገማጊሙ ኣሎ። ኣብዚ ሓደ ክዝንጋዕ ዘየብሉ እቲ ቀዳማይ ክሳብ ናጻናት ኤርትራ ዝነበረ ኮነ፡ እዚ ሕጂ ሒዝናዮ ዘለና ምዕራፍ ኣብ ውሽጦም ዝሕቆፉ ንኡሳን ምዕራፋትን ብደሆታትን ዘለዉዎም ምዃኖም እዩ።

እዚ ሎሚ ዘለናሉ መድረኽ ብብዙሓት ንኡሳን ምዕራፋት ክሓልፍ ጸኒሑ፡ ብይኣክል ደሚቑ ዘሎ ምዕራፍ ቃልሲ፡ ኣብቲ ዝዓለሞ ሸቶ ንክበጽሕ ክምክቶ ዝግበኦ ብደሆታትን ክምልሶ ዝግበኦ ሕቶታትን ኣለዎ። እቲ ሕቶ  ስለ ዘይተመለሰ ኢና ከኣ ”ሕጂኸ ናበይ? ሎሚ’ውን ክምለስ ዝግበኦ ሕቶ” ብዝብል ነልዕሎ ኣለና እምበር ሓድሽ ሕቶ ስለ ዝኾነ ኣይኮነን። እዚ ሕቶ’ዚ ግድን ክምለስ ዘለዎ እምበር ጓሲኻዮ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ነዚ ሕቶዚ መሊስና እንተዘይሰጊርና፡ እቲ ጸገም ክብደት ናይዚ ሕቶ ዘይኮነ፡ ናትና ነቲ ሕቶ ናይ ምምላስ ዓቕሚ ውሱንነት ምዃኑ ክንግንዘብ የድልየና። ናይዚ ሕቶዚ መልሲ ብናይ ውሱናት ወገናት ኣስተዋጸኦ ዘይኮነ፡ ብናይ ኩልና ንወጽዓ ህግዲፍ ኣወጊድና ራህዋ ከነውሕስ እንቃለስ ኣካላት ኣበርክቶ ዝረጋገጽ እዩ። ናይዚ ሕቶዚ መልሲ፡ ነቶም ክሳብ ሕጂ  ክሰዓሩ ዝከኣሉ ክንሶም ዘይሰዓርናዮም ዓንቀፍቲ ስምዒታት ምስዓር እዩ። ዘይምክእኣል፡ ዘይምትእምማን፡ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮኻ ዘይምምሃር፡ ናይ ጺብብ ሃይማኖታዊ ኣውራጃዊ  ስምዒታት ግዙእ ምዃን፡ ኣብ ክንዲ መጻኢ ምምዕዳው ኣብ ሕሉፍ ምጽብጻብ፡ ኣብ ክንዲ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ንኡሳት ኣጀንዳታት ምቕዳምን ካለኦት ጸቢብነታትን ምኹዳድ፡ ብሓጺሩ ንብዙሕነት ኣብ ክንዲ መሕየሊ መዳኸምን መረሓሓቕን ጌርካ ምውሳድ፡ እንተሲዕርና እቲ ሕቶ መሊስናዮ ማለት እዩ። ነዚ ሕቶ’ዚ ብግቡእ መሊስና ድማ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ቅኑዕ ኣቕጣጫ ሒዝና ኣለና ማለት እዩ። ቅኑዕ ኣቕጣጫ ዝሓዘ ቃልሲ ከኣ ናይ ምዕዋቱ ምናልባት ውሑስ እዩ።

Last modified on Sunday, 29 September 2019 14:23