ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ2 ለካቲት 2025 ፍሉይ ኣኼባ ብምክያድ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ዛዕባታት ብምዝታይ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ። ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባ  ዝተመያየጠሎም ዛዕባታት ብደረጃ ሃገርናን ከባብናን  ዝረኣዩ ዘለዉ ኩለ-መዳያዊ ቅልጡፋት ምዕባለታት፡ ፖለቲካዊ ተርእዮታትን ዝገሃዱ ዘለዉ ናይ ኣሰላልፋ ለውጥታትን ዝምልከት ዳህሳስ ኣካይዱ።

ኣብቲ ዘካየዶ ዳህሳስ እቲ ምዕባለታት እንታይ መልክዕ ይሕዝ ከምዘሎ ብምግምጋም መዋጸኦ ዝበሎም መፍትሒ ሓሳባት እውን ኣለልዩ። ብፍላይ ከኣ ህግደፍ  በብኩርናዑ የጋጥሞ ካብ ዘሎ ተጽዕኖታትን ሓዲርዎ ዘሎ ስግኣታትን ንምውጻእ ዝተፈላለዩ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ኣብ ግምት ዘየእተዉ ዝምድናታትን ምዕልባጣትን የርኢ ከም ዘሎ ኣኼባ ተረዲኡ። 

ካብዚ ሚዛኑ ብምንቃል ድማ ህግደፍ ዝወስዶም መመሳመሲ ወስታታት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ተሳትፎ ክሳብ ዘየረጋገጹን መሰረታዊ ሕቶኡ ዘይመለሱን ተቐባልነት ከምዘይህልዎም  ብምርዳእ ህዝብን ሓይልታት ለውጥን ኤርትራ  ቃልሶም ኣንጻርቲ ጉጅለ ብኣድማዒ መልክዕ ንክቕጽሉ ፈጻሚ ሽማግለ ከም ወትሩ ጸዊዑ። 

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ተጠቃምነት ወደባትን ኣፍደገ ባሕርን ኤርትራ ብተደጋጋሚ የልዕሎ ብዛዕባ ዘሎ ሕቶታት ቆላሕታ ሂቡ መዚኑ። ኣብቲ ሚዛኑ ናይ ወደብ ኣጠቓቕማ፡ ኤርትራዊ ልኡላውነት ብዘይግህስ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ብዝፈቕዶን ንክልቲኦም ወገናት ብዘርብሕን ጥራይ ክኸውን፡ ካብኡ ወጻኢ ዝኽየድ ግና ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ከምዘይከውን ደጊሙ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ብርጌድ ንሓመዱ ብ27 ጥሪ 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ዘካየዶ ኣኼባ  ፈጻሚ ሽማግለ ተመያይጡ። ኣብ ምይይጡ፡ ኣብ መስርሕ እቲ ኣኼባ ዝተራእዩ ሕጽረታት ኣብ መጻኢ ከይድገሙ ብምዝኽኻር፡ እቲ ተበግሶ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ እቲ ህዝባዊ ማዕበል ከካይዶ ናይ ዝጸንሐ ምንቅስቓሳት ገይሩ ከም ዝወስዶ ርእዩ። ብመሰረት እቲ ሰዲህኤ ኣብ 4ይ ሰልፋዊ  ጉባአኡ  ንህዝባዊ ማዕበል ብሪጌድ ንሓመዱ ብዝምልከት፡ “ምንቅስቓስ ብሪጌድ ንሓመዱ ንለውጢ፡ ንልዕልና ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ ዘካይዶ ቃልሲ ኣብ ዲያስፖራ ጥራይ ከይተደረተ፡ ንክሰፍሕን ናብ ውሽጢ ኤርትራ ንክኣቱን ኩሎም  ዝምልከቶም ግዱሳት ኤርትራውያን ግደኦም ክጻወቱ ይግበኦም” ዝበሎ፡ ነቲ መቃለሲ ቦታ ናይ ምስፋሕ ተበግሶኡ ኣተባቢዕዎ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ብሪጌድ ንሓመዱ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ካልእ ኣካል ዝገብሮ ዝምድና፡ “ኣብ ምዕቃብ ልኡላውነትን ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራን ዘትከለ፡ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ዘየፍቅድ ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ምትሕብባርን” ዝምስረት ንክኸውን ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ ኣዘኻኺሩ።

ኣኼባ ኣብ መወድእታ ኩሎም ኣብ ከባቢና ዝረአዩ ዘለዉ ምትፍናናትን ናብ ውግእ ከይምዕብሉ ዘስግኡ ተርእዮታትን ተወጊዶም፡ ናብ ሰላም፡ ምትሕግጋዝን ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ዝወስድ መንገዲ ንክሕዙ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሰዲህኤ ግደኡ ክጻወት ድልዊ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራሲያዊ ምባለን ንቃለስ!

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ

2 ለካትቲ 2025

 ኤርትራ: “ተቐባልነት ዘይረኸቡ” ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ኤርትራውያን  ስደተኛታት  ክትቅበል ፈቓደኛ ስለ ዘይኮነት፡ መንግስት ስዊዘርላንድ፡ ክህባ ዝጸንሐ ሓገዝ ከም ዝቋርጾ ቢቢሲ ናይታ ሃገር ማዕከናት ዜና ብምጥቃ  ሓቢራ። እቲ ንኤርትራ ክወሃብ ዝጸንሐ ሓገዝ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ዜጋታታ ንክትቅበል ንምትብበዓ ከም ዝነበረ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ ኣብዚ መዳይ ቅርብቲ ንክትከውን ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ስለ ዘይተዓወተ እቲ ናይ ምቁራጽ ስጉምቲ ንክውሰድ ከም ዘገደደ እቲ ዜና ኣፍሊጡ ።

ቢቢሲ ሬድዮ ስዊዘርላንድ ብምጥቃ ከም ዝሓበረቶ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣስታት ሸውዓተ ሺሕ ግዝያዊ ተቐባልነት ዝረኸቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክህልዉ እንከለዉ፡ ክልተ ሚእቲ ድማ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝተወሰኖም እዮም። ምስዚ ብምትሕሓዝ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ንኤርትራ ነዚ ናይ ልምዓት ሓገዝ ምሃብ ዝጀመረ ካብ 2017 ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጉንበት ድማ ክቋረጽ እዩ።

ናይቲ ክወሃብ ዝጸንሐ ደገፍ ቀንዲ ዕላማ፡ መንእሰያት ተክኒካዊ ብቕዓት ከም ዝህልዎም ብምኽኣል   ቁጠባዊ ዓቕሞም ከም ዝዓቢ ንምሕጋዝ ምንባሩ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ናይታ ሃገር ማይክል ስታይነር  ንመደባት ሬድዮን ተለቪዥንን ስዊዘርለንድ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ህላወ ናይ ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣዝዩ ዝተደረተ ስለ ዝኾነ፡ እቲ መደብ  ክዕወት ኣይከኣለን።

እቲ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ማይክል ስታነር፡ ምስ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝተበጽሐ ስምምዕ ስለ ዘየለ ድሕሪ ሕጂ ምስ  ስደተኛታት ናብ ሃገሮም መሊስካ እግሪ ምትካል ዝተሓሓዝ ሓገዝ ከምዘይውሃባ ኣፍሊጡ። ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሎሚ እውን ኣብ ፖለቲካ ስዊዘርላንድ ተጽዕኖ ዝፈጥር ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይታ ሃገር ፓርላማ ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምትሕልላፍ መደብ ዝነበሮ ኮይኑ ተቐባሊት ሃገር ብዘይምርካብ ከም ዘይተዓወተ እውን እቲ ናይ ቢቢሲ ዜና ሓቢሩ።

ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ “ለበዋ ናብ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ናብ ምሁራት ትግራይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል፡ ብ3 ለካቲት 2025 ብቋንቋ ትግርኛ ወግዓዊ መልእኽቲ፡ ኣመሓላሊፉ። ኣብ መልእኽቱ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ብሰላም ንክፍታሕ ኣብ ዘመሓላለፎ መጸዋዕታ፡ እቲ ህዝቢ ካብ ተደጋጋሚ ውግእን ግጭትን ዝረኸቦ መኽሰብ ከምዘየለ ጢቒሱ።

ኣብ መጸዋዕታኡ፡ "እቲ ዘሕዝን ህዝቢ ትግራይ ናይ ትማሊ ቁስሉ ከይሓወየ ገና ሕጂ’ውን ሰላምን ራህዋን ረኺቡ ሰሪሑ ከይኣቱን ከየልምዕን ኣብ ፍርሒ፡ ራዕድን ወረ ውግእን ተሸሚሙ ዝነብር ዘሎ እዩ" ክብል ኣስፊሩ። ኣብ ትግራይ ኣብ መንጐ ኣዘዝቲ ሓይልታት ጸጥታን ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳርን ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ኣብቲ ክልልን ሃገርን ስግኣት ፈጢሩ ምህላዉ ገሊጹ።  ጠንቂ ናይቲ ወጥሪ፡ ኣብ መንጐ ላዕለዎት መራሕቲ ውድብ ህወሓት ዝተፈጥረ ምግምማዕ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ምስቲ ብዶ/ር ደብረጼን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት ብምውጋኖም ሕድሕድ ውግእ ከየኸትል ዝሓደሮ ስግኣት ኣንጸባሪቑ።  

ንወገን ጌታቸው ረዳ ከም ዝድግፍ ዝግመት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ብሰላም  ከም ዝፍታሕ ንዝኾነ ዝስወሮ ኣይኮነን’ውን ኢሉ። ኣብ መዳያት ንግዲ፡ ጸጥታ፡ ኣካዳምን መዲያን ተዋፊሮም ዘለዉ ተጋሩ፡ ቅድም ኣብ ሕድሕዶም ዘሎ ፍልልይ ብኢህን-ሚህን ክፈትሑ፡ ካብኡ ሓሊፉ ምስ ፌደራልን ካለኦት ወገናትን ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ብሕገመንግስታውን ዲሞክራስያውን ኣገባብ ንክፍታሕ ጽልዋኦም ከሕይሉ ተላብዩ።

ዶ/ር ኣብይ ኣብቲ መጸዋዕታኡ፡ "ብወገን መንግስቲ ፌደራል ኣብ ኩሉ ጉዳያት ዝፍጠር  ፍልልይ  ከም ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ብምውሳድ፡ ኣብ ዘረዳድኡና ሃገራዊ ጉዳያት ብስኒት ክንሰርሕ ዘኽእለና ኩነታት ምህላዉ ብምግንዛብ፡ ህዝቢ ካብ ስግኣት፡ ኣዴታት ድቃስ ካብ ምስኣን፡ መንእሰያት ድማ ካብ ስደት ኣብ ምድሓን ክትሰርሑ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ህዝቢ ናብ ልምዓቱን ሕውየቱን ንክምለስ ሓቢርና ክንሰርሕ ደጊመ እላቦ፡" ኢሉ።

ኣብ መንጎ ደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ፡ ኣብ 2 ሕዳር 2022 ብውዕል ሰላም ፕሪቶርያኳ ጠጠው እንተበለ፡ ኣብ ኣተገባብራኡ ዝፍጠር ብዘሎ ፍልልያት ኣስጋእነቱ መመሊሱ ይዓርግ ከም ዘሎ ዝረአ ዘሎ እዩ።

ናይቲ ደብዳብ ግዳያት

ጅቡቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ክልል  ዓፋር ኢትዮጵያ፡ ብ30 ጥሪ 2025 ናይ ድሮን ደብዳብ ከም ዝፈጸመት፡ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። በቲ ሲያሩ ኣብ ዝተባህለ ቀበሌ ብለይቲ ብተደጋጋሚ  ዝተፈጸመ ደብዳብ፡ ልዕሊ 8 ሰባት ሞይቶም፡ 4 ድማ ተወቒዖም ናብ ሆስፒታል ዱብቲ ከም ዝተወስዱ ተፈሊጡ። ካብቶም ዝሞቱ ነፍሰ-ጾራትን ክልተ ኣሕዋትን ከም ዝርከብዎም  እቲ ዜና ሓቢሩ።

ካብቶም በቲ ደብዳብ ድሮን ዝሞቱ፡ መሓመድ ኣይዳህሲ፡ ዓሊ ኦርቢስ፡ ካኮ ኦርቢስ ዓሊ፡ ዓሊ መሓመድ ካኮን ዓይሻ ባዱል መሓመድን ዝበሃሉ ግዳያት ከም ዝርከብዎም ኣዲስ ስታንዳርድ ካብቶም ምንጭታት ዝረኸብኩዎ ኢላ ኣስፊራ። ነበርቲ እቲ ከባቢ እቲ ደብዳብ ኮነ ኢልካ ብመንግስቲ ጅቡቲ ከም ዝተፈጸመ ጠቒሶም ኣብ 2ተ ኣዋርሕ ንካለኣይ ግዜ ምዃኑ ከኣ ሓቢሮም። እቲ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ “ግንባር ምምላስ ሓድነትን ዲሞክራሲን ጅቡቲ” ዝበሃል ኣንጻር መንግስቲ ጅቡቲ ዝዋጋእ ዕጡቕ ኣካል ከም ዝተወስደ ጌርካ ይግለጽ  ከም ዘሎኣመልኪቶም።

ብዛዕባቲ ዘጋጠመ ደብዳብ ኣፍልጦ ኣለዎም ዝበሃሉ ካለኦት ወገናት ከኣ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብመንግስቲ ጅቡቲ ዝተወስዶ ኮይኑ፡ ምኽንያቱ ከኣ ነቶም ኣብ ዶብ ጅቡትን ኢትዮጵያን ዝሰፈሩ ዕጡቓት ተቓወምቱ ንምጥቃዕን ነቲ ኣብኡ ዝነብር ህዝቢ ሓይሊ ወሲኽካ ንምዝንባል እዩ ዝብል ግምቶም ኣስፊሮም።

በቲ ካልእ ወገን  ኣብ ጅቡቲ ዝንቀሳቐስ ሰብኣዊ ማሕበር፡ እቶም ዝሞቱ 14 ከም ዝበጽሑን ካብኣቶም 4 ደቂ ኣንስትዮን ቁጽሮም ዘይተጠቕሰ ህጽናትን ምዃኖም ብምቅላዕ፡ እቲ ለይታዊ ናይ ድሮን ደብዳብ ሰበኽሳግም ኣብ ዝርከብዎ ከባቢ ከም ዝቐጸለ ሓቢራ። እታ ሰብኣዊ ማሕበር ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ፡ ነቲ ተግባር ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ “ናይ ውግእ ገበን” ብዝብል ኮኒናቶ፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ነዚ ኣንጻር መንግስቲ ጅቡቲ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ኣካል ብምድጋፍ ተኸሲሱስ ኣሉታዊ መልሲ ሂቡ ነይሩ።  ብዛዕባዚ ዳርሕረዋይ ናይ ድሮን ደብዳብ ግና ክልቲኦም መንግስታት ዝሃብዎ መግለጺ የለን። እዚ ኩነታት ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዘይምትእምማን ከየጋድዶ እሞ ካልእ ዞባዊ ቅልውላው ከይፈጥር  ዘስግእ እዩ።

Saturday, 01 February 2025 20:25

Dimtsi Harnnet Sweden 01.02.2025

Written by

ብሪጌድ ንሓመዱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰሚናር ኣካይዱ ዝብል ዜና ኣብ ኤርትራውያን ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀንዩ። እዚ ፍጻመ ኣዛራቢ ዝኾነሉ ምኽንያት ናይ መጀመርያ ኣኼባ ብሪጌድ ንሓመዱ ስለ ዝኾነ ዘይኮነ፡ ኣብታ ምስ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ናይ ነዊሕ ግዜ ኣሉታዊ ምትእሳር ዝጸንሓ ጐረቤት ሃገር ዝተጋበአ ስለ ዝኾነ እዩ። ካብ’ዚ ብዘይፍለ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት  ተመኩሮ ቃልሲ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዘዘኻኽር ስለ ዝኾነ ‘ውን እቲ ካልእ ምኽንያት  ኣዛራብነቱ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ እቲ ዝፈርስ ዘይመስል ዝነበረ ዘይርጡብ ዝምድና ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ከም ዝፈሸለ ዝመልክት ምዃኑ’ውን ካልእ ኣዛራብነቱ’ዩ።

ህላወ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክንዲ ነጻነት ኤርትራ ዕድመ ኣለዎ። ብዛዕባ ኣኼባ ምክያድ ንዛረብ ስለ ዘለና ከኣ ኣኼባታት ደንበ ተቓውሞ ኣብ ኢትዮጵያ እውን ነዊሕ ዝርዝር ኣለዎ። ብዘይካ’ቲ ነፍሲ ወከፍ ውድብ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዝነበረ ሰሚናራትን ጉባአታትን ብደረጃ “ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ኤርትራውያን መንእሰያትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጥን” ዝተኻየዱ ጉባአታትን ኮንፈረንሳትን ተጠቀስቲ እዮም። ጎንደር፡ መቐለ፡ ሰመራ፡  ኣዲስ ኣበባ፡ ደረዘይቲ፡ ኣቃቅን ኣዋሳን ከኣ ካብተን ሰፋሕቲ ርክባት ኤርትራውያን ዝካየደለን ዝነበራ ከተማታት ኢትዮጵያ እየን። እዚ እዩ ከኣ ናይ 27 ጥሪ 2025 ኣኼባ ብሪጌድ ንሓመዱ መቐጸልታ ናይ ዝሓለፉ ኣኼባታት ተቓውሞ ኤርትራ እምበር፡ ናይ መጀመርያ ተርእዮ ኣብ ታሪኽ ተቓውሞ ኤርትራ ኣይኮነን ዘብሎ። ብመንጽር ብሪጌድ ንሓመዱ’ውን መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት  ከካይዶ ዝጸንሐ ኣኼባታት እምበር ሓድሽ ኣይኮነን።

እቲ ዝተጠቕሰ ናይ ቅድም ኣኼባታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደሉ ግዜን ሎምን ዘሎን ዝነበረን ኩነታት  ዝተፈላለየ ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣትው ዝግበኦ እዩ። እቲ ፍሉይ ኩነታት ነቲ በብግዜኡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ኣኼባ ኤርትራውያን ክጸልውዎ ባህርያዊ እዩ። እቲ ኩነታት ዝተፈላለየ ምዃኑ ንምብራህ ሓደሓደ  መነጻጸሪ ነጥብታት ምጥቃስ ከኣ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብቲ ቅድም ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኤርትራዊ ውድባት ብጉባአታት ዝጸደቑ መደብ ዕዮታትን ዝተመርጹ መሪሕነታት ዝነበሮም ኮይኖም፡ ብኣንጻሩ ብሪጌድ ንሓመዱ ኣብ ዝተፈላልያ ሃገራት ዝተዘርግሐ፡ ናይ ዝተፈላለያ ውድባትን ማሕበራትን ኣባላት’ውን ዝሳተፍሉ ህዝባዊ ማዕበል እዩ።

ኣብቲ ቅድም ኣብቲ ፖለቲካዊ መስርሕ መሪሕ ግደ ዝነበሮም ኤርትራውያን መራሕቲ ውድባት ድሕረ-ባይተኦም ብዘየገድስ፡ ገዳይም ኮይኖም፡ ብዛዕባቲ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ መሪሕ ጽልዋ ዝነበሮ ውድብ ህወሓት በሪኽ ኣፍልጦ ዝነበሮም እዮም። እቲ ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብቐረባ ዝዋሳእ ዝነበረ ኣካል መንግስቲ ኢህወደግ ዝነበረ ህወሓት ብወገኑ፡ ብዛዕባ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሰፊሕ ኣፍልጦ ዝነበሮ እዩ። እዞም ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣኼባ ዘካየዱ ኤርትራውያን ኮኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመርሑ ዘለዉ ሰብመዚ ከኣ፡ ብዛዕባቲ ዝሓለፈ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣፍልጠኦም ድሩትን ኣብ ሕድሕዶም ክንድቲ ዝድለ  ዘይፋለጡን  ክኾኑ ከምዝኽእሉ፡ ተመኩሮኦም ይኹን ኣመጻጽእኦም ናብ ቃልሲ ዘመልክቶ እዩ።

ብኢህወደግ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዝምድናዊ ሚዛን፡ ዘቤታዊ ጉዳዩ ዝወገነን ሰላም ህዝቡ ዘውሓሰን ነይሩ።  ብኣንጻሩ፡ ሎሚ ኣኼባ ብርጌድ ንሓመዱ ክካየድ ዘፍቀደ ብብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ፡ ብሓፈሻ ኣብ ብዙሕ ኩርነዓት ናይታ ሃገር ውግእን ቁጠባዊ ቅልውላውን ኣብ ዝሳዕረረሉ፡ ብፍላይ ከኣ ምስታ ምስ ፖለቲካ ኤርትራ ናይ ነዊሕ ግዜ ዝምድና ዝጸንሐን፡ ነዊሕ ዝርጋሐ  ዶብ ዘለዋን ክልል ትግራይ ኣብ ዘይህዱእ ርክብ ዘሎ እዩ። ተጋሩ ፖለቲከኛታት ኣብ ሕድሕዶም ኣብ ኣዝዩ ዝለዓለ ወጥሪ ኣትዮም፡ ብዛዕባ ሓድሽ ናይ ኣሰላልፋ ሕርያ ብዙሕ ይውረዮም  ዘለሉ ኩነታት’ዩ።

መንግስቲ ኢህወደግ፡ ኣብ ምትግባር እቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን’ኳ ይዕንቅጽ እንተነበረ፡ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዘስግእ  መንግስቲ ኣይነበረን። ብብልጽግና ዝምራሕ ዘሎ መንግስቲ ግና ብዕሊ ክሳብ ምውናን ወደብ ዓሰብን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምህናጽ ወተሃደራዊ መደበር ዝመጣጠር ጠለባት ዘቃልሕ ዘሎ እዩ።

ስለዚ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ኮይንካ ዝግበር ቃልሲ፡ በቲ ኣብቲ ትዋሰኣሉ ቦታ ዝረአ  ፖለቲካዊ ምዕባለ ክጽሎ ስለ ዝኽእል፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ህርፋን ንጉዕዞ’ቲ  “ንወተሃደራዊ ምድላው እሸባሸብ  ኣለኹ” ዝብል  ዘሎ ብሪጌድ ንሓመዱ ከም ዝጽለው ብጽሞና ክሓስበሉ ናይ ግድን’ዩ። በዚ መሰረት ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ቅድሚኡ ብዙሓት ብደሆታት ከምዘለዉ ክግንዘብ ይግበኦ።

ብሪጌድ ንሓመዱ ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ተመኩሮ ቃልሲ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ፡ “ክመሃረሉ ቅሩብ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን?” ዝብል ተጸንዐን ኣርሒቑ ዝጥምትን መልሲ ዘድልዮ እዩ። ምኽንያቱ ዝሓለፈ ጌጋ ንዘይምድጋም ዝሕግዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ወለዶታት ቃልሲ ናይ ምቅብባል ኣካል’ውን  ስለ ዝኾነ።

እቲ ካልእ፡ ኣይኮነንዶ ኣብዚ ህግደፍን ብልጽግናን ዘይትካላዊ ዝምድናኦም መኺኑ፡ ኣብ ሓያል ምውጣጥን ምጽልላምን ዘለውሉ ተሃዋሲ መድረኽ፡ ኣብ ንቡር ኩነታት’ውን ኣብ መንጎ’ቲ መቃለሲ ባይታ ዘፍቅድ መንግስትን ፍቓድ ረኺቡ ዝንቀሳቐስ ወገንን ዝፍጠር ናይ ሓሳብ ምውጣት ክህሉ ርዱእ እዩ። ናይቲ ምውጣት ትርጉም፡ እቲ መንግስቲ ነቲ ዘዕቆቦ ተቓውሞ ረብሓኡ ዝረጋግጸሉ ልኡኽ ገይሩ ክልእኮ ክደሊ እንከሎ፡  እቲ ኣብዘይሃገሩ ኮይኑ ዝቃለስ ወገን ከኣ  ናይ ምውሳን ነጻነቱን ክብሪ ሃገሩን ኣሕሊፉ ንዘይምሃብ ክከላኸል ግድን እዩ።  እዚ ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ቃልሲ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ብብሩህ ዝተራእየ ቅድሚት ዝስራዕን ዝነበረ ብደሆ እዩ።

እዚ ብደሆ ሎሚ’ውን ከም ዝህሉ ርዱእ ኮይኑ፡ “ብሪጌድ ንሓመዱኸ ክሳብ ክንደይኮን  ተቐሪብሉ ይህሉ?” ዝብል  ክለዓል  ናይ ግድን እዩ። ኣብ ተመኩሮ ቃልሲ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ዝተራእዩ እሞ ክእረሙ ዝግበኦም ተመኩሮታት ሓደ፡ ፍልልያትካ ወጊንካ ዓቕምኻ ክትእክብ ዘይምብቃዕን ዘይግሉጽነትን ቅድሚት ካብ ዝስርዑ እዮም። እዚ ድኽመት  ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ኣብ 2013 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነዊሕ ግዜ ወሲደን ኣብ ዘካየደኦ ዓሚቕ ገምጋም ዝተረዳድኣሉ እዩ።

ብርጌድ ንሓመዱ ምድላዉ ብመንጽር ኣካብነት ኣበየናይ ደረጃ ከም ዘሎ፡ ኣብ ጉዕዘኡ ካብ “ጽባሕ ነርክበሉ” ወጺኡ ብትብዓትን ጥንቃቐን ዝርእዮ ክኸውን ይግበኦ። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፡ በቲ ሓደ ወገን ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞ ኣበይ ይቃለስ ባዕሉ እምበር ህግደፍ ዘይውስነሉ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ኢትዮጵያ ኮነ ካልእ ጐረቤት ንህግድፍ ሓላል ንደንበ ተቓውሞ ከኣ ሓራም ከምዘይኮነ ዘርኢ ብጥንቃቐ ክተሓዝ ዝግበኦ ተረኽቦ’ዩ።  

ናይቲ ጉባአ ተሳተፍቲ ብኸፊል

ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና 31 ጥሪ 2025 2ይ ጉባአኡ ጀሚሩ። ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ፒያሳ ዝተሃንጸ ኣድራሻ ሚዝየም ዓድዋ ዝተኸፍተ ጉባአ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ሰልፊ፡ ወከልቲ መንግስታውን ሃይማኖታውን ትካላት ዓበይቲ ዓድን ከምኡ እውን  ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ናይቲ ሰልፊ ዝተመርጹን ኣስታት 50 ናይ ዝኾና ካብ ሃገራት ኣባል ብሪክስን ዝተፈላለያ ሰልፍታትን ዝተዓደሙ ኣብቲ መኽፈቲ  ተሳቲፎም። ኣብዚ ጉባአ ይሳተፉ ካብ ዘለዉ እቶም 1700 ናይ ምድማጽ መሰል ዘለዎም ምዃኖም’ውን ተፈሊጡ።

ኣብቲ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ምርኢታትን ሙዚቃዊ ድራማታትን ዝቐረብሉ መኽፈቲ፡  ፕረሲደንት ብልጽግና ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰልፍታት ጉባአ ታሪኽ፡ ናይ ኢትዮጵያ ብሄራትን ብሄረሰባትን ተወከልቲ ብ ዝሳተፍሉ ዝካየድ ናይ ብልጽግና ጥራይ እዩ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ድማ ጉባአ ብልጽግና ካብ ኩሉ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ብቕዓት ዘለዎም መራሕቲ ምምራጽ ዘኽእል መስርሑን ውጽኢቱን ዲሞክራስያውን  ኣሳታፍን ክኸውን እዩ ክብል ከም ዝገለጾ ብመግስታዊ ማዕከን ዜና ፋና ዝተዘርግሐን ብቐጥታ ብተለቪዥን ዝተመሓላለፈን ሓበሬታ ገሊጹ።

እቲ ዜና ኣተሓሒዙ እዚ ጉባአ ዝሓለፈ ኣተገባብራ ስራሕ ናይቲ ሰልፊ ዝግምገመሉን መጻኢ መደባት ዝትለመሉን ከም ዝኸውን እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ብመንጽርቲ ኢትዮጵያ ዘላትሉ ኩነታት ኣገደስትን ወሰንትን ውሳነታት ከም ዝውሰንሉ እውን ተሓቢሩ። ኣብዚ “ካብ ቃል ክሳብ ባህሊ” ብዝብል ጭረሖ እናተመርሐ ክሳብ 2 ለካቲት 2025 ዝጸንሕ 2ይ ጉባአ ብልጽግና፡ ድሕሪ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን እቲ ሰልፊ ዝምረሓሉ ሕግታትን ምጽዳቑ፡ 225 ኣባላት ማእከላይ ኮሚተን ኣባላት ኢንስፐክሽንን ቁጽጽርን ከም ዝመርጽ እውን ኣብቲ  ናይቲ ጉባአ ኣጀንዳ ተመልኪቱ

Page 22 of 609