ከመዓልኪ ወርሒ 5 ወርሒ ግንቦት !
ራሕሲ ጠሊ ተስፋ ዓዃይ ንሓረስቶት፡
ጸሓይ በሪቃ ብፍስሃ ተቀልቂላ ብመስኮት
ሕጻናት ብማይ ክጨናጓጉዑ ብዝሑል ልዙብ ምቆት
ማላውቲ ይዕንድሩ ዕያዊቲ ምራኹት ጥቦት
ፍትውቲ ወርሒ ተስፋ ኣዝመራሰናይ ክራማት።
ሰላም ንዓኺ ወርሒ 5 ወርሒ ግንቦት !!
ባሕቲ መዓልትኺ ናይ ሪሂጸ በላዕ ንግደት፡
ፍረ ቃልሱ ዝጭራሓላ ብስጡም ሓድነት
ቀጻሊ ጥምጥሙ ዝእውጀላ ኣንጻር መዝማትነት
ኣርማኡ ገቲሩ ዝሕብረላ ኣህጉራዊ ምሕዝነት።
ድርብ ክብርን ዝኽርን ኣዓኺ ወርሒ ግንቦት !!!
ዕለት 24 ተወሲኻ ነጻነት ናይ ዕሸል ሃገርና ልደት፡
ሳላ ጀማሪ ሰራዊት ሓርነት ደምዳሚ ህዝባዊ ሰራዊት
ብድርብ ቃልሲ ህዝብና እኩብ ድምር ዓወት ፡
ድሕሪ 30 ዓመታት ሲዒሮሞ ንገዛኢ ባዕድነት
ልዕላውነት ለቢሳ ኤርትራና ወጺኣ ነጻነት።
ተሻቂለ ኣነስ ወርሒ 5 ወርሒ ግንቦት !!!!
ብደስታ ክንዝክረኪ ብዓቢ ፍስሃ ብኽብረት
ብፍናን ሓረስታይ ኣብዑሩ ዘይሃሲ ፈኲስ ስበት ፡
ኣህጉራዊ ምሕዝነት ንግርማ መሰል ሃገራውነት
ኩልና ደቅኺ ተደሲትና ብሓባር ክንዲ ንጻወት ፡
መንጎ መንጎ ኮይኑና ብድርብ ዝኽርኺ ከይንድሰት
ገቲኡና መላኺ ስርዓት ህግደፍ ቀይርዋ ባርነት ።
27 ዓመቱ ኮይኑ ዲሂኹ የእትዩና ኣብ ደልሃመት !!!
ንሃገርና ሽማ ኣባላሹ ጌሩዋ ንጽልቲ ቁሸት ፡
ምስ ኩሎም ጎረባብትና ኣመል ገርዎ ክናቆት
ህዝብና ብሕሰም ገጹ ተደዊኑ መሲሉ ሕመት
ብራዕዲ ብሂወቱ እናረኣየ ገርዎ ከም ዝዕመት
ትሕቲ ምድሪ መቊሕዎ ከይዛረ ከይሕተት
ሕድሪ ስዉኣት መብጽዓ ህዝቢ ተረጊጹ ይዝመት
ኣረሚን ስርዓት ደፊኣኡ ኣኽሊል ጥልመት።
ሰሚዕኪ ዶ ወርሒ 5 ወርሒ ግንቦት ?
እዚ ትምክሕተኛ ብዱዕ ተዓዛዚርዎ ንዕቀት
መፍትሒ ሓብሪ ኣሎኪ ናይ ሰውራ ሙኩር መሰረት
ንዒ እባ ገለ ግበሪ ኣንቲ ተቃላሲት ወርሒ ግንቦት
ኣበግስዮ ሰውራ ሸቃላይ ዝገንፈሎ ጭቆና ምረት
ይኣኽለካ በልዮ ንዉልቀ ምልኪ ግበርሉ ነባሪ ደረት
ክድሕን መንእሰይ ካብ ሰሃራ ሲናይ ቀለብ ዓሳ ህልቀት።
ነባሪ ክብርን ዝኽንር ንጀጋኑ ሰማእታትና !!!
ባሕቲ ግንቦትን 24 ግንቦትን ንወትሩ ክበራ !!!
ውድቀት ንዉልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ።
ጸሃየ ቀለታ ... 2006 >>>>>> >>>>>> 2018
ወዲ ሰብ ካብ ግዜ ህጻንነቱ ጀሚሩ እዩ ኩነታት ስድራቤቱን ከባቢኡን ክፈልጥን ክመሃርን ዝኽእል። ካብዚ ነቒሉ ብዕድመ እናደፍአ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ከኣ ካብቲ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ምስቲ ማሕበራዊ መስርሓት ይኹን ወይ ትምህርቲ ዝረኽቦ ተመክሮ ኣብ ኣተዓባብያኡን፥ ኣተሓሳስባኡን እንተስ ብኣውንታ ወይ ብኣሉታ ክጽሎ ምዃኑ ዘይተርፍ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ፍትሓዊነትን ቅንዕናን እትኣምን ሓንቲ ስድራቤት፥ ብመንጽር ለይትን መዓልትን እትቆያቑን እትበኣስን ስድራ ቤት ዝወለድ ቆልዓ እንታይ ዓይነት ባህርያት ከም ዝህልዋ ክንግንዘብ ንኽእል ኢና። ልክዕ እዩ ወዲ ሰብ ንዓቕሚ ኣዳምን ህይዋንን ምስ በጸሐ መኻይዱ እንተዘየነጸረ፡ ወይ ኣብ ደልሃመት ወይ እውን ኣብ ስልጣኔ ገጹ ክኸይድ ምዃኑ ዘካሕድ ኣይኮነን። ከምቲ”መን ምዃንካ ክነግረካስ ምስ መን ከም እትኸይድ ንገረኒ” ዝበሃል ኢዩ ነግሩ::
ቀዳሞት ወለድና ብፋላይ ንጓለንስተይቲ ዝምልከቱ ብርክት ዝበሉ ሕግታት ኣመዝጊቦም ኢዮም። ሓደ ካብኡ ንጓልንስተይቲ ብዝኾነ ይኹን ናይ ዓመጽ ኢድ ከየንብረላ ዝብል ሕጊ ነይሩ። “ስለምንታይ እዮም ወለድና ከምኡ ሓጊጎም?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን እዩ። እቲ መልሲ ጓለንስተይቲ ብፍጥረታ ድኽምቲ እያ። እዚ ማለት ብሓንጎል ዘይኮነስ ብኣካል ማዕረ ወዲ ተባዕታይ ሓይሊ የብላን ካብ ዝብል ብሂል እዩ ዝነቅል። ስለዚ እቲ ሓይላን ዝከላኸለላን ሕጊ እዩ ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ እዩ።
ሎሚ ኤርትራውያን ናብራ መሪሩናን ፖለቲካዊ ቅሳነት ብምስኣናን፥ መሰላትና’ውን ብምግፋፉ፥ ናእሽቱናን ዓበይትናን ሃገርናን ህዝብናን ጠንጢና ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ብምስዳድና ነቲ በቦታትና ዘጽንሐ ሕጊ እናጠሓስና ንኸይድ ኣሎና። ንክብረት ጓለንስተይቲ እውን ኣብ ግምት ንእቱ የለናን። ስለዚ ኣካላዊ ይኹን ዘለና ኤርትራውያን በደል ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊት ሓብትና ምፍጻም ቅኑዕ ወይ ቅቡል ኣይኮነን። ሎሚ ኣብ ስደት ብምህላውና እቲ ሕጊ ዓድና እንተዘይኣኽበና፥ ጽባሕ ዓድና ርህይዋ፡ ቅዋማ ኣጽዲቓ ስርዓታ ምስ መስረተት ግና ወይልኡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ በደል ይኹን ጉድኣት ወይ ዝኾነ በደል ዝፈጸመን መሰላ ዝገሃሰን።
ኣብ ስደት ኣብ ዓዲ ጓና ኰይንና ንደቂ ኣንስትዮ ኣሕትና ክንብድል ቅኑዕ ስነምግባር ኣይኮነን። ንጓለ ንስተይቲ ዝውጽዕ ወይ ዝብድል ወይ’ውን ኣካላዊ ማህሰይቲ ዘውርድ ስልጡን ዘይኮነስ ኣዝዩ ናይ ክፍለዝመና ንድሒሪት ከምዘሎ እዩ ዝእምት። እዚ ኣብ ስደት ዝፍጸም በደል ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ እትፍጽምዎ ዘሎኹም ግፍዒ ናይ ብሓቂ ጸረ-ምዕብልናን ስልጣነን ምዃኑ ክትግንዘቡ ይግበኣኩም።
ኣብ ኤውሮጳ፥ ኣመሪካ፥ እስራኤል፥ ዩጋንዳ፥ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኮታ ኣብ ኩሉ ክፍለ ዓለማት ዝርከቡ ኤርትራውያን ደቂ ተባዕትዮ ክሳ ክንደይ ኢዮም ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ኣኽብሮት፥ ምሕብሓብን፥ ምትሕግጋዝ ጠባይ ዘለዎም። ክንደይከ እዮም ፍትወት ነፍሲ ኣጥቂዕዎም፥ ነታ ሓወይ፥ ረደኣየይ፥ ከዋንየይ ኢኻ ኢላ ብእምነት ዝተጸገዓቶም ኤርትራዊት ዘጨንቕዋ፥ ገንዛባ ክዘምቱን፥ ካብኣ ወሊዶም ዝኽሕዱን። ወረ ክሳብ መቕተልቲ ዝበጽሑስ ናይ ብሓቂዶ ሕልና፡ ፈሪሃ እግዚኣብሄርን ሕግን ኣሎዎም ድዩ ዘብል እዩ።
ዝተቖጠዐን ተስፋ ዝቖረጸን በዓል ሓዳር ብፍላይ ብተባዕታዊ ጸብለልትነት ዝተጠቕዐ እንተ ኮይኑ ጎዳእን ጭካኔ ዝመልኦ ሕልና ዝውንን ክኸውን ስለዝኽእል፡ እታ ሕያወይቲ ጓለንስተይቲ ብእምነት ዝቐረበቶ የዋህ ጓለንስተይቲ ክመጻ ዝኽእል ሳዕቤን ስለዘይትፈልጥ ክትጥቃዕ ምዃና’ኳ እንተተረደአት ክተምልጠሉ ዘይትኽእል ኩነት የጋጥማ ከምዘሎ ናይ ኣደባብይ ምስጢር እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ መጀመርያ ዝነበረ ጽቡቕን ምውቕን ፍሽኽታን ሓልዮትን ዝመልኦ ዝምድና ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ሃንደበት ናብ ምብራዝ ገጹ ይድይብ። ኣብ መንጎ ጓለንስተይትን ወዲተባዕታይን ዝነበረ ፍቕሪ ድሮ ኣብ ምህሳስ ይበጽሕ እሞ እቲ ኣጆኺ ክብላ ዝግባኦ ሓዋ ናብ ክፍኣትን ተንኮልን ገጹ ይጓዓዝ። እዚ ከኣ ፍትሓውን ርትዓውን ካብ ምዃን ወጺኡ ስሰዐ፥ ፍትወት ነፍሲ፥ ሕማቕ ልምድን ባህልን ምዝውታር ዝወልዶ እዩ። ብፍላይ ድማ በቲ “ንጓል ኣንስተይቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርካ ዘይተእቱ እንተዀንካ ልኡኽ ሰበይ ኢኻቲ” ዝበሃል ኣጉል ፍልስፍና ዝግዛእ፡ መወዳኣትኡ ናብ ሓደጋ እዩ ዘቃልዕ። ስለዚ ኣማን ብኣማን ሓውካ ኣይበድልካ እዩ’ሞ ሓውካ ኣይበድልካ እዩ ነገሩ።
ብዕለት 1.05.2018 ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይቲ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳን ዝዳሎ ፈስቲቫል/ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ፍራንክፎርት 2018 ካልኣይ ኣኼባኣ ኣካይዳ። ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ካብ ዘሎው ትሽዓተ ኣባላት ማሕበርን ሰልፍን ዝቆመት ሽማግለ ኮይና፡ ቀንዲ ዕማማ ድማ፡ ነቲ ብሓልዮት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጅርመንን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን፣ ኣብ ፍራንክፈርት ህዝብን መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባትን፡ ሰልፍታትን፡ በርጌሳውያን ማሕበራትን ብምርኻብ ሃገራውን ህዝባውን ጉዳያት ንምርላዛብን ሓሳባቶም ንምልውዋጥን ዝካየድ ዓምታዊ በዓል ኤርትራ ንምዕዋት ድሮ ስርሓ ጀሚራ ትርከብ።
እዚ ብዕለት 01 ጉንበት 2018 ዝተኻየደ ኣኼባ ሽማግለ፣ ብኣቦ-መንበር ሽማግለ ኣቶ ተስፋማርያም ክብርእብ ተኸፊቱ። ኣኼባ ንኣጀንዳታቱ ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምርኣይ፣ ክሳብ’ቲ ዕለት’ቲ ዝተሰላሰሉ ዕማማት ገምጊሙ። ድሕርዚ ንዝትረፉ ዕማማት ንምስልሳልን ኣብ ምሉእ ፍጻመ ፈስቲቫል ንምብጻሕን ሽማግለ ኣብ ውሽጡ ነብሰ ስርዕን ኣርባዕተ ክፍልታት ዝሓቖፈ ምምቅቃል ዕዮን ገይሩ፣ ናይ ስራሕ መደባቱ ሰሪዑ ተበጊሱ ምህላዉ ተሓቢሩ።
ፈስቲቫል ፍራንክፎርት፣ ሎሚ ዓመት እውን ኣብቲ ልሙድ ቦታ ኣብ ቦኮንሃይም ቫርተ ዝርከብ ኣደራሽ ናይቲ ዩንቨርስቲ ፡
Die Studierendenschaft der Johann Wolfgang Goethe – universität
Mertonstr. 26 – 28 60325 Frankfurt a. Main
ካብዕለት 03 ክሳብ 05 ነሓሰ 2018 (August 03 – 05.2018) ኣብዘሎ እዋን ክጋባእ እዩ።
ሽማግለ ፈስቲቫል 2018
Radio Dimtsi Harnnet 28.04.2018
Written by Radio voice of LIberty - SwedenEPDP Public Meeting in Israel - Part 3
EPDP Public Meeting in Israel - Part 2
EPDP Public Meeting in Israel - Part 1
More...
ናይ ድራር ምሸት: ንኣብ ከሰላ (ሱዳን ) ዝነብሩ ናይ ሓርነት ውግኣት ንምሕጋዝ
Written by ሽማግለ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኣብ ሆላንድናይ ድራር ምሸት ፣ ሓገዝ ንናጽነት ኤርትራ ክዉን ዝገበሩ ውጉኣት ሓርነት
ንኣብ ከሰላ (ሱዳን ) ዝነብሩ ናይ ሓርነት ውግኣት ንምሕጋዝ
ልዕላውነት ሃገርና ኤርትራ ብከቢድ መስዋእትን ስንክልናን ከምዝተረጋገጸን ፥ ክንዕቅቦ ዘሎና ክቡር ታሪኽና ምዃኑ ዘማትእ ኣይኰነን። ንክቡራት ስዉእትና ሞጐስ ፥ ነዞም ንናጽነት ሃገር ንምውሓስ ሕይወቶም ብስንክልና ዝኸፈሉ ጀጋኑ ድማ ኣለናልኩም ክንብሎም ኤርትራዊ ሕልና እዩ ። ምስዚ ልዕሊ 40 ዓመት ዕድመ ዝገበረ ናይ ኣካል ስንክልና ተደረብቲ ሕማማት ከም ሕማም ሽኮር ፣ ብዝሕን ጸቕጢ ደምን ካልኦት ናይ ውሽጣዊ ክፍለ ኣካላትን ሽግራትን እናሕለፉ ዝነብሩ ዘለዉ ጀጋኑ ስንኩላን ብጾት ከምዘለዉና ክንዝክር ናይ ነፍስ ወከፍ አርትራዊ ዜጋ ሓላፍነት ምዃኑ ኣይትዝንግዕዎን ንብል።
ኣብ ሆላንድ እንነብር ጉዱሳት ኤርትራውያን ንጸገማቶም ብምርዳእ ብወግዒ ዝተመዝገበን ዝነጥፍን ማሕበር ካብ ዝቐውምን ዓመታት ዘለዎ ጥራይ ዘይኰነስ በብእዋኑ ካብ ኣባላቱን ካብ ኤርትራውያን ሰብ ሕልናን ዝተዋጽኤ ሓገዝ ፣ ኣብ ናብራ ኣካለ ስንኩላን ዓቢ ተራ ዘለዎ ዓቕሙ ዝፈቕዶ ክሕግዝ ዝጸንሐን ዘሎን ማሕበር ኣሎና። ሽማግለ ማሕበር ንዕለት 27 ግንቦት 2018 ናይ ድራር እንግዶት ብምድላው ዓቕምናን ሕልናና ዝፈቕዶ ሓገዛት ንምግባር ብኽብሪ ንዕድመኩም ።
ብሂል ለባማት ኣቦታትና፥ “ ሓሙሳ ለሚን ንሓደ ሰብ ሸከሙ ፡ ንሓሙሳ ሰባት ድማ ጨነኦም “ ከምዝበሃል ኩልና ሰብ ሕልና ዓቕምና ብዘፍቅዶ፥ ኢደይ ኢድካ እንተዳኣ ኢልና ፥ መጀመርያ ቅዱስ ግብረ ሰናይ ስለዝኾነ ንሕልናና ነቕስን። ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ንኹልና ኤርትራውያን ሓደ ዝብጹሑና ንሃገርናን ህዝብናን ክብሉ ዝሰንከሉ ዜግነታዊ ግደታና እዩ ።
ብዝተፋላልየ ምኽንያት ኣብዚ መዓልትን ግዜን ክጥዕመኩም ዘይክእል ብሕሳብ ባንክ ክትልእኩ እንተደሊኹም፥ ናብዚ ሕሳብ ባንክ ክትሰዱ ትኽእሉ።
STG. ERITREAN DISABLED FOUNDATION IN THE NETHERLAND
BANK : NL20INGB 0005169954 ጌርኩም ክትሰዱ ትኽእሉ
ዕለት 27 ግንቦት 2018. (27-05-2018)
ጊዜ ሰዓት 14:00 ድሕሪ ቀትሪ
ቦታ Derde Oosterparkstraat 159
1092 CW Amsterdam.
መጓዓዝያ Amsterdam CS Metro 53 ,51 , 54 ኣብ (Wibautstraat) ትወርዱ
ንኣድላይ ሓበሬታ ፥ 06 863 582 78 ተወከሱ
ብድሓን ምጽኡ !!!
ሽማግለ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኣብ ሆላንድ
“ኤርትራን ህዝባን ከመይ ኣለዉ?” ዝብል ሕቶ ምስ እንሓትት፡ መልስና ሰፊሕን ብብዙሕ መዳያት ዝረአን ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። በቲ ኮነ በዚ ይረኣ ግና ከርሰ-ነግር መልስና “ኤርትራን ህዝባን ኣብ ኣዝዩ ኣሻቓልን እዚ ጐደሎ ዘይበሃልን ሕማቕ ዘበን ዘላ ሃገር” ዝብል ማእከላይ ስሕበት ከምዝውንን ፍሉጥ እዩ። እዚ ሓሳብዚ ንጉጅለ ህግደፍ ስለ ዝጸላእካዮ ንምጽላምን ጸለሎ ንምቕባእን ዝበሃል ዘይኮነ፡ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ነዚ ሕማቕ ምስሊ ስለ ዘመልክት እዩ። ንጉጅለ ህግደፍ ናቱ ርትዓዊ ሚዛን ንሃቦ እንተበልና’ውን ካብዚ ተሓታትነት ከነውጸኦ ኣይከኣልን።
ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራን ህዝባን ዘስምዕዎ ዘለዉ ድምጺ ናይቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ዘሎ በደል ቃንዛ ጥራይ ኣይኮነን። ካብዚ ዘለዉዎ ናይ ደልሃመት ግዜ ወጺኦም ናይ ራህዋ ብርሃን ምርኣይ ቀንዲ ባህጎም እዩ። እዚ ባህግዚ ናብ ሓደ ዘይድህሰስ ኣካል ዝለኣኽን ብትምኒት ጥራይ ዝመጽእን ስለ ዘይኮነ፡ ኣቕጣጭኡ ብሓፈሻ ናብ መላእ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ናብቲ ለውጢ ንምምጻእ ተወዲቡ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ኣካላትን ግዱሳትን ዘቕነዐ እዩ። ስለዚ ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኩልና ኢድና እንሕውሰሉ ህዝባውን ሃገራውን ሓላፍነት እዩ ኣብ ቅድሜና ዘሎ እምበር ሓደ ኣምጻኢ እቲ ካልእ ከኣ ተቐባልን ተዓዛብን እንኾነሉ እዋን ኣይኮነን። እዚ ክበሃል እንከሎ ጉጅለ ህግደፍን ውሑዳት መሳርሕታቱን እዚ ሓላፍነት ከም ዘይምልከቶም እኳደኣ ብኣንጻሩ ከምዝስሉፉ ብዘይምዝንጋዕ እዩ።
ጉዳይና ጉዳይ ኤርትራ፡ ዝተሓላለኸ፡ ኣይኮነንዶ ናትና ናይቶም ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን፡ ናይ ካለኦት ምእንቲ ፍትሕን ርትዕን ዝስለፉ ወገናት ፍትሓዊ ሓገዝ ኣብ እንደልየሉ መድረኽ ኢና ዘለና። ናይቲ ካልእ ሓገዝ ንክንረክብ ግና ቅድም ንሕና እቶም ኣብ ቀዳማይ መስመር እንስራዓ ሰብ ዋኒን፡ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ኩሉ ዓቕምና ጸንቂቕና ብፍትሓዊ ኣገባብ ክንጽዕት ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ ወጽዓ ኤርትራውያንን ጸረ ህዝቢ ተግባራት ህግደፍን ኣብ ዓለም መዛረቢ ኮይንሉ ዘሎ እዋን ድምጽና ክትሕት እንከሎ “ሓጋዚታ ተረኣየትስ መዲዳ ትሕባእ” ዝብል ምስላ ክምሰለና እዩ።
እቲ ቀንዲ ጠመተና ብዛዕባ ህልውቲ ኤርትራን ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ቅልውላው እትወጸሉ ጥበብ ሃሰስ ምባልን ከም ዝኸውን ዘዳዲ ኣይኮነን። ምስዚ ኩሉ ግና ሎሚ ካብ ትማልን ጽባሕን ነጺልካ ዝረአ ህላወ ስለ ዘይብላ፡ ንናይ ሎሚ መደባትና ብዘየዕንቅፍን ንድሕሪት ብዘይመልስን ኣገባብ ብዛዕባ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ክንሓስብ’ውን ንቡር እዩ። እቲ ንጽባሕ እንሓስቦ ግና እዚ ናይ ሎሚ ዕማም ምድፋእ ምስ ኣበየና ንመሕብኢ ድኽመትና ወይ መህደሚ ካብ ቃልሲ ዘይኮነ፡ ብመንጽር ታሪኽን ድሌት ህዝብን ኤርትራ፡ ዝቃነ ብዙሕነታ ዘበርኽ ክኸውን ይግበኦ። ዝያዳ ኩሉ ድማ ኣብ ክብራ፡ ልኡላውነታት ሓድነት ህዝባን መሬታን ዘይወላወልን መሊሱ ዘትርርን ምርጫ ክኸውን ይግበኦ።
ብኣንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ህግደፍ ልጓም ተሻቢቡ፡ ኣይኮነንዶ ብዛዕባ ናይ ጽባሕ ባህጉ፡ ናይ ሎሚ ቓንዝኡ ብዝምልከት እውን ድምጹ ከስምዕ ኣብ ዘይከኣለሉ ብስሙ “ከምዚ ይሕሾ” እንዳበልካ ንክውንነቱ ዘይውክል ፍታሕ ክትመርጸሉን፡ ኣብ ክንዲ ሓቀኛ ልሳኑ እትኸውን ንዘይድምጹ “ድምጽኻ እዩ” ክትብለሎን ሓላፍነታዊ ኣይኮነን። ዘይሓላፍነታዊ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ዘይትግበር ትምኒት’ውን እዩ። እዚ ነቲ ኣብ ቅድሜኻ ተገቲሩ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍን ናይ ጭቆና ትካላቱን ናይ ምውጋድ ዕማም ጓሲኻ፡ ብዛዕባ ሕቶ ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ኣግኣዝያንነት ወረ ክንደይ ሸጓሹግ “ወኻዕ” ክትብል ምውዓል ኣዝዩ ዘተዓዛዝብ እዩ። ዝተፈላለየ መፍትሒ ሓሳባት ተላዒሉ ህዝቢ ኤርትራ ናይ “እወ ወይ ኣይፋል” ብይን ኣይሃበሉ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ሓላፍነቱ ናይ ህዝቢ፡ ግዜኡ ከኣ ድሕሪ ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ፡ ውሕስነቱ ድማ ኣካል ናይቲ ብናይ ህዝቢ ዘይግዱብ ዲሞክራስያዊ ተሳትፎ ዝጸድቕ ቅዋም ምዃኑ ንምስትብሃል እዩ። “ክንብርኩት ዘይክንብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ” ናብ ምባል ዘብጸሓና ከኣ እዚ እዩ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ሎሚ ከም ሓድሽ ዝተጀመረ ዘይኮነ ካብ ቀደም ጀሚሩ ፈኸም ክብል ዝጸንሐ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ድምጺ ሰሚዕና። እቲ ብዛዕባ ዝነበረ፡ ዘሎን ኣብ መጻኢ ክኸውን ዝግበኦን ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ብዝምልከት ምስማዕን ምንባብን ልሙድ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ብሂላት ዋናታትን ምኽንያቶምን ብውሕዱ “ዓይንናን ዘይርእዮ ልብናንከ ዘይስሕቶ” ብዝብል ውሕልነት ምርዳኡ ዘጸገም ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ጉዳይ “ፈደረሽንዶ ኮንፈደረሽን” ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክጋማዳሕ ንሰምዕ ኣለና። ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ምምጽኡ ነቶም በሃልቱ ዝምልከት እምበር ከም ሓደ ተኣምር ዝውሰድ ኣይኮነን። ክልተ ነገራት ምስትብሃል ግና የድሊ። እቲ ቀዳማይ እዚ መሰልን ሓላፍነትን ውሑዳት ምሁራት ዘይኮነ ናይ ህዝቢ ጉዳይ ምዃኑ። እቲ ካለኣይን ቀንድን ከኣ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ቅሳነት ተሓሪምዋ፡ ብብዙሕ ኣሉታዊ መምዘንታት ኣብ ቅድሚት እንዳተሰርዐት፡ ኣብ ክንዲ “ብኸመይ ካብ ኢድ እቲ በላዕ ሰብ ጉጅለ ኣናጊፍና ናብ ንቡር ህይወታ መሊስና ኣብ ጽኑዕ ባይታ ከም እትረግጽን ንገብራ” ምባል ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ምስመንን ብኸመይ ኣገባብን ትዛመድን ንቕድሚት ምስራዕ ግጉይ ኣቀማምጣ እዩ ዝኸውን። እቲ ቀንዲ “ክንብርኩት ዘይክንብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዘብል ከኣ እዚ እዩ።
ዞባ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እስራኤል ስርሓቱ ከሰላስል ጀሚሩ
Written by EPDP Information Office in NAቤት ጽሕፈት ኤሚግረሽን ሽወደን ንኤርትራውያን ግዝያዊ ፓስፖርት ክህብ ኢዩ
Written by ቤት ጽሕፈት ኤሚግረሽን ሽወደንትርጕም:- ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ረቡዕ 25 ሚያዝያ 2018 ሰዓት 11.02
ውሳኔ ኤሚግረሽ
ቤት ጽሕፈት ኤሚግረሽን ነቶም ኣብ ሽወደን ምስ ዘለዉ ቀረቦም ንምጽንባር ዝተፈቕደሎም ኢርትራውያን ናብ ሽወደን ከግሾም ዝኽእል ግዝያዊ ናይ ወጻእተኛታት ፓስፖርት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰነድ ክህቦም ኢዩ።
ናይ ወጻእተኛታት ፓስፖርት፡ ናይ ሽወደን ግዝያዊ ፓስፖርት ኰይኑ፡ ብቤት ጽሕፈት ኤሞግረሽን ናይ መንበሪ ፍቓድ ንዝረኸበ ግን ፓስፖርት ዘይብሉ ሰብ ዝውሃብ ፍልይ ዝበል ዓይነት ፓስፖርት ኢዩ።
መንነቶም ንኣብነት ብሰነድ ወይ ዲ.አን.አይ. ምርመራ (DNA-prov) ዘረጋገጹኤርትራውያን፡ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ናብ ሽወደን ዘእትዎም ናይ ወጻእተኛታት ፓስፖርት ክውሃቦም ኢዩ።
ቅድም ክብል፡ ኤርትራውያን መንነቶም ንምርግጋጽ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ከምጽኡ ብቤት ጽሕፈት ኤሚግረሽን ይሕተቱ ነይሮም። ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ግን ቤት ፍርዲ ጕዳያት ኤሚግረሽን ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን ንስደተኛታት ኣዝማዶም ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ፓስፖርት ክሓቱ ሓደገኛ ምዃኑ በጺሕዎ።
ኤርትራውያን ቤተ-ሰብ ናይ ስደተኛታት ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ከይዶም ንኣዝማዶም ዝኸውን ፓስፖርት ክሓቱ ሓደገኛ ኢዩ ካብ ዝብል ውሳኔ ቤት ፍርዲ ብምግጋስ፡ ቤት ጽሕፈት ኤሚግረሽን ሽወደን፡ እቲ ውሳኔ ነቶም ኣብ ሽወደን ኣዝማድ ዘለዎም ስደተኛታት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንዝዀነ ኤርትራዊ ናይ ቤተ-ሰብ ምትእኽኻብ ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ኣለዎ።
Migrationsverket ger eritreaner tillfälliga pass
Publicerat onsdag 25 april kl 11.02

Migrationsverket i Solna. Foto: Adam Wrafter/SvD/TT
Migrationsverket kommer att ge eritreaner som har rätt att återförenas med anhöriga i Sverige tillfälliga svenska så kallade främlingspass för att de ska kunna resa till Sverige.
Ett främlingspass är ett svenskt tillfälligt pass som Migrationsverket kan ge en person som fått uppehållstillstånd men som saknar pass.
Från och med nu är huvudregeln att eritreaner som har gjort sin identitet sannolik till exempel med hjälp av dokumentation eller DNA-prov, ska beviljas främlingspass för att kunna resa till Sverige.
Tidigare har Migrationsverket krävt att eritreaner bevisar sin identitet genom att visa upp ett eritreanskt pass men för ett par veckor sedan slog Migrationsöverdomstolen fast att det är farligt för anhöriga till flyktingar att be om pass på en eritreansk ambassad.
Det är med anledning av en ny dom i Migrationsöverdomstolen som slår fast att det är farligt för anhöriga till flyktingar att besöka en eritreansk ambassad för att be om ett eritreanskt pass.
Migrationsverket går längre än domstolen och anser att regeln ska gälla inte bara de som är anhöriga till en flykting utan samtliga eritreaner som har rätt att återförenas med anhöriga i Sverige.

