ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ብ5 ሕዳር 2017 ናይ ኣባላት ሰልፊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ዝርከቡ ኣባላት ሰልፊ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ጉዳያት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ካብቶም ዝያዳ ቆላሕታ ዝሃቦም ዛዕባታት፡ ተሳትፎ ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብመድረኽ ተጸዊዑ ኣብ ፍራንክፈርት ዝተኻየደ ኮንፈረንስ፡ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘካየዶ 8ይ ምዱብ ኣኼባኡ ዘተኮረሎም ዛዕባታትን ዝወሰኖም ውሳነታትን፡ ከምኡ እውን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታትን ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ዝጐሃሃር ዘሎ ተቓውሞታትን ዝብሉ ይርከብዎም።

ኣቦ መንበር ኣብዚ መብርሂኡ፡ ኣብ ፍራንክፈርት ዝነበረና ተሳትፎ ነቲ ሰልፍና ኣቐዲሙ ዘውጸኦ ናይ ብሓባር ምስራሕ ናይ ዘተ እማመና  ንምንጽብራቕን ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት ምልውዋጥ ሓሳብን ዝሓገዘ ምንባሩ ጠቒሱ፡ ንመጻኢ እውን ነቲ “ምስ ኩሎም ኤርትራዊ ወገናት ተራኺብካ ብሓባር ዘስርሕ መዋጸኦ ምርካብ” ዝብል ርኢቶና ብዘንጸባርቕ ክንቅጽሎ ከም ዝግብኣና ጠቒሱ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን  ሰዲህኤ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘካየድዎም ምዱባት ኣኼባታት ዘተኮርሎም ነጥብታት ጠቒሱ፡ ብዛዕባ ዘስፈርዎም ቀዳምነታት ሓቢሩ፡ ኣባላት ሰልፊ ሎሚ’ውን ከም ወትሩ ንኹሉ ዕንቅፋታትን ብደሆታትን ብጽንዓትን ተወፋይነትን እናሓለፉ ኣብ ምትግባር እቲ ዝተተለመ መደባት ሰልፊ ከም ዝተግሁ እምነቱ ዝለዓለ ምዃኑ ኣብሪሁ። ኣብዚ ንህልዊ ጥሕሰት መሰላትን ጸረ ህዝቢ ግህሰታትን ጉጅለ ህግደፍ ንምቅዋም ዝካየደ ዘሎ ምልዕዓላት ከኣ ኣባላት ሰዲህኤ ከከም ኩነታት ከባቢኦም ተሳትፈኦም ከሕይሉ ኣተባቢዑ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ድሕሪ ዝርዝር መብርሂ ኣቦ መንበር ብምስማዕ፡ ኣብቶም መብርሂ ዝተዋህበሎም ዛዕባታት ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣቕሪቦም ግቡእ መልሲ ተዋሂቦም። ኣብዚ ኣዝዩ ስኒት፡ ምርድዳእን ዘነኣድ ተሳትፎን ዝነበሮ ኣኼባ፡ ተሳተፍቲ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ተሃዋሲ መድረኽ፡ ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝወጸ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ እማመና ምስ ዝኾነ ቅሩብ ኣካል እንገብሮ ርክብ ጥንቅቑን ካብ ዝሓለፍናዮ ተመኩሮታት ዝመሃርን ክኸውን ከም ዝግበኦ ኣንጸባሪቖም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ እቲ ቀንዲ ኣትኩሮና ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያትና ክኸውን ርዱእ ኮይኑ፡ ምስ ካልኦት ከማና ደለይቲ ለውጢ ሓቢርካ ምስራሕ’ውን መተካእታ ዘይብሉ ዕማም ስለዝኾነ፡ እዞም ክልተ ዕማማት ተመላሊኦም ዝኸድሉ ኣገባብ ምኽታል ከም ዘድሊ ብዙሓት ተሳተፍቲ ብተገዳስነት ኣንጸባሪቐምዎ።

ኣብ መወዳእታ ኣቦ መንበር፡ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብዚ ኣኼባ ኮነ ኣብ ኩሉ ዕለታዊ ሰልፋዊ ተግባራት ንዘርእይዎ ተሳትፎን ተውፋይነትን ንኢዱ፡ ኣብ መጻኢ እውን መሪሕነት ከምዚ ዓይነት መድረኻት እንዳፈጠረ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ምዕባለታትን መደባት ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለን መብርህታት ክወሃብ ምዃኑ ሓቢሩ ኣኼባኡ ደምዲሙ። ኣብዚ ኣጋጣሚ ተሳተፍቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ንዝተሰወአ ውፉይ ተቓላሳይ ነፍስሄር ኪሮስ ወልደኣብ ፍሰሃየ ዘኪሮም።

November 4, 2017

RIYADH (Reuters) – The Saudi government on Saturday announced the arrest of at least 10 members of the ruling royal family, four current ministers and tens of former ministers in what it called an effort to reign in corruption, and a cabinet reshuffle that removed the strongest potential rival to likely future king Crown Prince Muhammad bin Salman.

Among the detained princes was Alwaleed bin Talal, one of the world’s richest men and a top investor in media giant NewsCorp, Twitter and other major companies, according to the Wall Street Journal and the New York Times.

The arrests were carried out by a new anti-corruption committee chaired by Prince Muhammad, according to state-owned Al Alarabiya TV.

The cabinet reshuffle saw Prince Miteb bin Abdullah replaced as minister of the National Guard by Khaled bin Ayyaf, while Economy Minister Adel Fakieh was removed in favor of his deputy Mohammed al-Tuwaijri, according to a royal decree carried by state-run media.

Prince Miteb, the preferred son of the late King Abdullah, was once thought to be a leading contender for the throne before the unexpected rise of Prince Mohammed two years ago.

He had inherited control of the National Guard, an elite internal security force built out of traditional tribal units, from his father, who ran it for five decades.

Prince Miteb was the last remaining member of Abdullah’s branch of the family to hold a position in the upper echelons of the Saudi power structure.

The move consolidates Crown Prince Mohammed’s control of the kingdom’s security institutions, which had long been headed by separate powerful branches of the ruling family.

The alleged targeting of Prince Alwaleed is especially striking because he is one of the most visible Saudi power players not directly under Prince Mohammed’s control. He has gained further attention in recent years because of his criticism of President Donald Trump, who’s built close ties with Prince Muhammad and hours before the announcements of the arrests unexpectedly tweeted about Saudi Arabia’s plan to publicly float part of its state-owned oil company for the first time.

Prince Mohammed, the king’s 32-year-old son, already serves as defense minister and was named heir to the throne in a June reshuffle that sidelined his older cousin, Prince Mohammed bin Nayef who had also served as interior minister.

He has been responsible at the same time for running Saudi Arabia’s war in Yemen, dictating an energy policy with global implications and behind the plans for the kingdom to build a future after oil.

Prince Mohammed, who has pledged to go after graft at the highest levels, will now also head up the new anti-corruption body, which was given broad powers to investigate cases, issue arrest warrants and travel restrictions, and freeze assets.

“The homeland will not exist unless corruption is uprooted and the corrupt are held accountable,” the royal decree said.

NEW ECONOMY MINISTER

The country’s new economy minister, Tuwaijri, is a former Saudi air force pilot and former chief executive of HSBC’s Middle East operations who has led the economy ministry’s program to privatize some $200 billion of government assets.

He replaces Fakieh, who served as the point man for the kingdom’s wide-ranging economic reforms since his appointment as economy and planning minister in 2015.

A former food executive with a reputation for pushing through politically sensitive reforms, Fakieh had previously served as labor minister, health minister and mayor of Jeddah.

Fakieh faced down fierce opposition from the business community as labor minister when he established quotas for foreign workers to boost jobs for Saudis.

Under Prince Mohammed, Fakieh led the development of a national transformation plan and privatization drive launched last year to end the kingdom’s vulnerability to an unpredictable oil market. His replacement comes as the kingdom makes adjustments to that plan, a process dubbed NTP 2.0.

The royal decree did not say whether Fakieh would hold any other government position. Former ministers often serve in advisory roles after leaving their posts.

ንሕና ኣብ ኣምስተርዳምን ከባቢኣን እንርከብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ነቲ ብተባዕ ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር ዝተባርዐ ህዝባዊ ናዕቢ እናደገፍና ፥ ነቦና ሓጅ ሙሳን ነቶም ኣውሃሃድቲ ህዝባዊ ሰልፍን፡ ንዝገበርዎ ናይ መሰል ሕቶ ብትብዓት ፥ ኣድናቖትናን ደገፍናን  ንገልጽ።

ስርዓት ህግደፍ ነዚ ሕጂ ተላዒሉ ዘሎ ሕቶ መሰል ዘበገሶ ህዝባዊ ናዕቢ፥ ከም ኣመሉ መእዝኑ ንከስሕቶ ኰነ ኢሉ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ርዱእ እዩ ። ልክዕ ከምቲ ምንቅስቓስ ናይ ፎርቶ ክገብሮ ዝፈተነ ፡ ሕጂ’ውን ነዚ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ፡ ሃይማኖታዊ ጸጊዕ ከምዘለዎ ገሩ  ከቕርቦ ይህቅን ኣሎ።

መራሒ ህግደፍ ኣቶ ኢሰያስ ፣ ናይ ጥፍእት መሃንድስ ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ፣ ህዝቢ ንመሰሉ ምስዝሓትት ፣ ዝተፈላልለየ ሽም እንዳሃበ ፣ ሓንሳብ ኣውራጃውያን ፣ ሓንሳብ ሃይማኖታውያን እንዳበለ ንህዝቢ ኤርትራ ብምእሳርን ፣ ብምፍርራሕን ፣  ጸቒጡ ረጊጽዎ ይርከብ ኣሎ።

ሕጂ ግን መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ነቒሑሉ ኢዩ ። ይኹን እምበር ገለ ማሕዮታት፥ ገና ኣብ ውልቃዊ ጠቕሚ አእምሮኦም ዝደስከለ ክሳብ ሕጂ ከአ ሐንጎሎም ዘይተበራበረ ፣ ዜጋታት ከምዘለዉና  ክንዝንግዕ አይግብአናን።

እዚ ሕጂ ተላዒሉ ዘሎ ተቓውሞ ፥ ህዝባዊ  ተቓውሞ እዩ። ንዘልኣለም ተጨቊኑን ተረጊጹን ዝነብር ህዝቢ የለን። መዓልቱ ምስ ኣኸለ ፡ እቲ ጨቛኒ ስርዓት’ውን ከም ቀደሙ ክገዝእን ክጭፍልቕን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ምስ ዝበጽሕ ፥ ህዝቢ ይኣክል ብምባል ህዝባዊ ናዕቢ ከምዘልዕል ካብ ታሪኽ ዝተመሃርናዮ ሓቂ እዩ። እዚ ኸኣ እዩ እዚ ሕጂ ኣብ ኣስመራ ዝተጀመረ  ህዝባዊ ናዕቢ ናብ ካልኦት ዞባታት’ውን ክልሕም ዝኽእል። እዚ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ሃይማኖታዊ ፡ብሄራዊ ወይ’ውን ቀቢላዊ ( ኣውራጃዊ ) ኣይኰነን ። ጭቆና ዝወለዶ ህዝባዊ ዓመጽ እዩ። እቲ ሕቶ መሰል ፡ ሕቶ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ፡ ንሃገራዊ ነጻነትይ ክብል ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ  ተላዒሉ ሰፍ ዘይብል ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ ነጻነቱ ዝጨበጠ ፥ ሕጂ’ውን ከም ትማሊ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተላዒሉ ሰብኣዊ መሰሉን ሃገራዊ ሓርነቱን ከውሕስ ኣለዎ። ሰብእዊ መሰላትና ከነውሕስ ፥ ሃገራዊ ሓርነትና ክንጓናጸፍ እንታይ ክንገብር ኣሎና ?

 

  • ተበታቲንካን ፡ ተጐጃጂልካን ዝግበር ቃልሲ ኣየዕውትን እዩ ። ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ብዘይ ዝዀነ ኣፈላላይ ፥ ሓቢሩ ንመሰሉ ክቃለስ ኣለዎ ። ብፍላይ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ደላይ ፍትሒ ኣብ ዝነብረሉ ሃገር ዝቕመጠሉ ከተማ ክጥርነፍ (ክውደብ)  ኣለዎ።

በዚአጋጣሚ ክንብሎ እንደሊ ሐይልታ ምክልኻል ኤርትራ፣ መሰረታዊ ዕላማኡ መባእታዊ መሰል ህዝብን ክብርታቱን ንምሕላው ስለዝዀነ አብ ጐኒ ህዝቢ ተሰሊፎኩም  ሞትን ስደትን ህዝብና ሐንሳብን ንሐዋሩን ንኸብቅዕ ፥  ምስ  ህዝቢ ተሰሊፍኩም  ሃገርን ህዝብን ንከተድሕኑ ታሪኻዊ ሓላፍነትኩም እዩ ። ሓይልታት ምክልኻል ፥ ነቲ ስልጣኑ ንምንዋሕ ፥ ህዝቢ ኤርትራ ንምብትታን ስርሐይ ኢሉ  ሒዝዎ ዝጸንሐን ዘሎን  ናይ ጥፍእት ስርዓት መሳርሒ ንኸይከውን ነማሕጽን ።

 

ሰብእዊ መሰላትናን ሃገራዊ ሓርነትናን ንምውሓስ ብጽንዓን ሓድነትን ንቃለስ !!

ምልኪ ይፍረስ ፥ ሕጊ ይንገስ  !!!

ዓወት  ንህዝቢ ኤርትራ  !!!!

ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን

እዚ ብዕለት 4 ሕዳር 2017 ካብ ሰዓት 8.00 ምሸት ክሳብ 10.00 ምሸት ብናይ በርሊን ግዜ ዝተኻደ ኣኼባ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጒዳያት ኣብዞም ዝስዕቡ ዛዕባታትን ሓበረታ ሰልፋዊ ጉዳያትን ተዛሪቡን ውሳኔ ንዘደልዮም ድማ ወሲኑን ኣሎ።

ብመጀምርያ ዓመታዊ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ንገንዘብን ንብረት ዝምልከት ዝወስኖምን ንፈጻሚ ሽማገለ ዝሃቦ መምርሕን ብሓፈሻ ድሕሪ ምርኣይ: ብፍላይ ድማ ፈጻሚ ሽማገለ ነዚ ናይ ስራሕ ዓመት መደብ ዝመርሕ ዘቖሞ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጒዳያት: ብኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳይ ንዘቕረበ ዓመታዊ ንድፊ ስራሕ ብፈጻሚ ሽማገለ ድሕሪ ምጽዳቕ፡ ናብ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ  ዝተማሓላለፈ ውሳኔ ዓመታዊ መደብ ስራሕን: ሓደ ብሓደ ብምርኣይ ነቲ 6 ዓናቕጽ ዝሓዘ ውጥንን ኣብ ግብሪ ኣወዓዕልኡ ድሕሪ ምዝታይ: ንናይ ነብሲ ወከፍ ክፍሊ ዕማም ርእዩ ንኣተጋብርኦም ዝምልከት ድማ መምርሒ ሰሪዑ። ብተወሳኺ ጠቕላላ ተቛጻጻሪ ሰልፊ ዕማማቱ ኣብ ምስላጥ ዝሕግዝ መስኖ ከጣጥሕን ኣብ ኩሉ ትካላት ሰልፊ ዝህልዎ ናይ ስራሕ ምውህሃድን ድሕሪ ምዝታይ: ካብ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት ዝሕተት ቐረባን ቅልጡፍን መስመር ኣሰራራሐ ንከማልእ ድልዊ ምህላዉን ከምዝጥቀምን ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ምምሕዳር ተመልኪቱ።

ገንዘባዊ ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ ንሓድሽ ኣባል ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳይ ሓው ጸሃየ መሓሪ ንናይ መጀመርያ ስርሑን  ኣኼባኡ ኣብዚ ምምሕዳርን ኲሎም ዝጸንሑ ኣባላት ምምሕዳር ብኽብሪ ብምቕባል ንቕጻሊ ንናይ ሓባር ስራሕ ሰልፊ ዘለዎም ጽቡቕ ምንዮት ብሓጎስ ብምግላጽዮም ስርሖም ጀሚሮም ዘለው። ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ብፍላይ ኣብ ኣተሓሕዛን ምምሕዳርን ገንዘብ ዝጸንሐ ሓላፍነትን ምሉእ ስነ ምግባርን ተኣማንነትን፡ ፍልጠታውን ስራሕ ንዝነብሮ ሓው ብርሃነ ኣድሓኖም ዘለዎ ዓቢ ኣድናቖት ብምዝካር: ናይ ምርኽኻብ ስራሕ ንሓድሽ ተወካሊ ገንዘባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሓው ጸሃየ መሓሪ: ሓው ብርሃነ ኣድሓኖም ዝሃቦ ምኽርን ተሞክራዊ ትምህርትን ብምልላይ ኣባላት ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ምምሕዳር ኣብ ሓው ብርሃነ ኣድሓኖም ዘለዎም ክብርን እምነትን ብሰፊሑ ኣልዒሎም ድሕሪ ምዝርራብ ምስጋንኦም ድማ ኣቕሪቦም።

ኣብ መወዳእታ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ገንዘባዊ ጉዳያት ሰዲህኤ ኲነታት ሰልፍን ዞባታቱን ማለት ኤውሮጳ: ሰሜን ኣመሪካ ንካናዳ ዝሓወሰ: ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ (ሱዳንን ኢትዮጵያን) ኣውስትረልያን ማእከላይ ብምራቕን ዘሎ ምዕባለታትን ጸብጻባትን ርእዩ: ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኣብ ዝገብሮ ኣኼባኡ ዝያዳ ናይ 6 ወርሒ ንጥፈታት ብምርኣይ ስርሑ ክግምግም ምዃኑውን ተመልኪቱ ኣሎ።

 

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ንጽሃት ዘጋታትና ግፍዕታት ምግባር ይቅጽል። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ተመሃሮን ስድራበታትን ቤት ትምህርቲ ኣልድያዕ ኣል እስላሚያ ነቲ ብህግደፍ ዝተመደበ ምትእትታውን ምውራስን ቤት ትምህርቲ ከምኡውን ነቶም ዝተእስሩ ኣምሓደርቲ በትትምህርቲ ይፈትሑልና ብማለት ተቓውሞኦም ንምርእይ ሰለማዊ ሰልፊ ዝገበሩ ተመሃሮን ስድራቤታትን ብዘይ ንሕስያ ብጥይት ሃዲኑ ብብዝሒ ከምዝቀተለን ከምዝቐሰሉን ከምዝገበረ ኩላትና ኣብ መዲያ  ንከታተሎን ንሪኦን ንርከብ።

ነዚ ኣረመናዊ ተግባራት ንምቕዋምን ነቶም ጀጋኑ ተመሃሮን ስድራን ኣመሓደርትን ቤት ትምህርቲ ኣልድያዕ ኣል እስላሚያ ኣልዒሎሞ ዘለው ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ጎድኖም ከምዘለና ንምግላጽን ከምኡውን ንዓለም ቀጻሊ ሽግራትና ንምሕባርን ኣብ ፍራንክፈርት ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ብደርጃ ጀርመን ክንገብር መዲብና ከምዘለና  ንሕብር።

ሰላማዊ ሰልፊ ዝገበርሉ : ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ኮይኑ ካብ ሃውትባንሆፍ ጀምሩ ብሃውትቫኸ ገሩ ኣብ  ሮመር ፕላትስ ክበጽሕ እዩ።

(Frankfurt Hauptbahnhof à Hauptwache à Römerplatz)

መራኸቢ ቦታ : ፍራንክፈርት ሃውብት ባንሆፍ (Frankfurt Hauptbahnhof)

ዝግበርሉ መዓልቲ : ቀዳም ዕለት 11.11.2017

ዝግበርሉ ሰዓት : ካብ ሰዓት 11:00 ክሳብ ሰዓት 15:00 (ሰዓት 12:00 ጉዕዞ ይጅመር)

ኩሉ ደላይ ፍትሒን ሓላይ ህዝቡን ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብዚ ሰለማዊ ሰልፊዚ ሕልናን ሓቦን ብምጥራይ ዝገደፈ ገዲፉ ክርከብ ኣጥቢቕና ንላቦ።

Demonstration in Frankfurt / M am 11.11.2017 gegen Erschießung von Demonstranten in Asmara / Eritrea

Uhrzeit: 11:00 bis 15:00 Uhr

Treffpunkt: Hauptbahnhof Frankfurt (vor dem Haupteingang)

ጸዋዕቲ ሰላማዊ ሰልፊ ህዝባውያን ሽማግለታት ጀርመን

ከተማ ፍርንክፈርት : ከተማ ሽቱትጋር : ከተማ ኮሎን : ከተማ ካስልን: ካልኦት ከተማታት ጀርመንን

Eritrean Global Solidarity-EGS and Eritreans

for Facilitating National Dialogue- EFND

PRESS RELEASE:

It is all about Freedom of Religion !!

The events unfolding in Asmara expose the unrestrained desire of the tyrannical regime to take over religious institutions and dismantle their leadership. The intensity of the interference has been accelerated in the last few months. 

The resistance against this evil agenda has been building and expanding. The open challenge exhibited by the Eritrean Moslem institution's leadership has galvanized all Eritreans to stand up and resist the unrestrained push by the regime. We stand with our hero and patriotic, Hajj Musa Mohammed Nur, and honor his selfless action in breaking the silence of our people. Because of his valor and resilience, the demonstration by the youth has elevated the struggle for Religious Freedom to a higher level. 

Everyone who deeply cares about religious freedom has to show unwavering solidarity with the heroes who took open stand and chose to march in open defiance of the regime's interference and oppression.

We resoundingly affirm our solidarity and pledge to expose the sinister plans of the Eritrean regime to the world to the best of our ability. We encourage all Eritreans, regardless of their organizational platforms, to unite and work to defeat the nefarious agenda of the regime to divide us on religious and ethnic line. 

It is time to put our minor differences aside and push to bring an end to this tyranny. This is our responsibly. We must own it and shoulder our responsibly. 

EGS / EFND

Africa, Eritrea, Horn of Africa

The document below – released by Sactism – is apparently from inside the Eritrean government’s security operation.

Martin


Members of 84th, 59th divisions and Support Forces and police were ordered to stop the demonstration on 31 October.

The National Security Agency has detained 17 members of the school committee and other Muslims; including hajji Mussa Mohamed Nur.

After the 31 October incident, a task force composed of General Filpos WeldeYohans, Brigadier General Sm’on WeldeDngl and Brigadier General Abrha Kassa was set up to prepare for any possibility of widespread unrest around the country.

The internal security department has also set up another task force composed of Colonel Yemane Afewerki, Colonel Yemane AndeMariam (Sokolov), Major TesfaLdet Zekarias.

Three clandestine teams have been set up to kidnap and jail any persons considered important in connection with the recent events. The teams are led by Bereket Guush, Yonas Zerai and ‘Wedi Keren’.

People jailed by the teams will be presented to Colonel Tesfaldet Zekarias, who will also be receiving all intelligence regarding the situation form the 10 sub-zones. The interrogators are: Major Kahsai Beyene, Major Fs’haZion, Tewelde (Rashaida), Tewelde Haile, Ftsum, Kflai and ‘Wedi Yosef’; all members of the National Security Agency.

Isaias has given the National Security Agency extreme powers to enable them to contain the present situation. Brigadier General Efrem Hadsh has been given the responsibility of ensuring security at Adi Halo (Isaias’ dam project and office) in addition to mosques and city entry checkpoints. Rapid Forces commander Brigadier General Ftsum GebreHiwet (Wedi Memhr) has been given orders to conduct intensive security measures around Adi Halo and Asmara entry points with the 22nd, 59th divisions and 525th commando division.

The National Security Agency’s 03 branch are sending out gossip saying that the uprising is an extremist fundamentalist movement funded by external forces to stage a coup d’état.

Orders have been given to ensure heavy security around secondary schools and colleges and on the students who had protested at Adi Halo and taken to the Naro plains (hot desert plains in north east Eritrea near the coast).

Orders have been given for the army not to give any clarifications about the incidents or hold meetings.

The President’s Office, the Ministry of Information, the Ministry of Defense offices at Beleza, Bet Gergsh, and Balineki, and the Tract B area are being heavily guarded by the army

Source=https://martinplaut.wordpress.com/2017/11/04/eritrea-internal-security-instructions-on-the-asmara-protests/

እዚ ናይ ዕለት 3 ሕዳር 2017 ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ሽወደን ስቶክሆልም ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ብኣገባቡን ልዝበት ተኻፈልቱን ሓድነታዊ ባህሩን: ነቲ ኩሉ ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ጒጅለ ህግደፍ ብዝለዓለ ደረጃ ዝዓበየ ክሳብ 1000 ዝጋማገም ህዝቢ ዝተኻፈሎ ኮይኑ ዕላምኡ ዝወቕዐዩ ነይሩ።

ኣብ ሓጺር ግዜ ዝተጸወዐን ዝተዳላወን እኳ ይኹን እምበር ብዚሒ ተኻፍልቲ ዘኹርዕ ኮይኑ ንኹሉ ማሕበራዊ ክፍልታት ሕብረሰብ ዝወከለ ምንባሩ እቲ ኻልእ መልክዑዩ። ደቀንስትዮ: ደቂ ተባዕትዮን ልዕሊ ኹሉ ከኣ እቶም ተስፋ መጻኢት ደሞክራስያዊት ሃገረ ኤርትራ ዝኾነ መንእሰያት ብብዝሒ ምስታፎም ጥራይ ዘይኮነ: ኣብ መደረኦም ካብ ዝተሰምዐ ዘሐብን ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባረቐ ምንባሩዩ።

እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ነቲ ህግደፍን መሓውራት ጸጥትኡን ብሰሉስ 31 ጥቅምቲ 2017 ህዝቢ ኣስመራ ብሓፈሻ: ህዝቢ ኣኽርያን ከባቢኡን ድማ ብፍላይ: ተቛውምኡ ንምግላጽ ኣብ ዝወጸሉ: ወተሃደራት ህግደፍ ጠያይቲ ብምዝናብ ንዝገብርዎ ግፍዒ ንምቁዋምዩ። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ነቲ ህግደፍ ክገብሮ ዝጸንሐ ምድርቋስ እምነታት ሃይማኖትን ምዝማት ንብረቶምውን ዘኪሩዩ። ብተወሳኺ መደርቲ ሰላማዊ ሰልፊ ነቲ ብዘይ ኣፈላለይ ንኽብርታትን ባህልን ማሕበራዊ ሂወት ህዝቢ ኤርትራ ድሂኹ፣ ንህዝቢ ፋሕ ብትን ከም ዝብል ዝገበሮ ዘሎ ጽዩፍ ተግባራቱ ብምጥቃስ: ብነድሪ ኲነነኦም ንህግደፍን መሓውራት ጸጥጥኡን ኣስሚዖም። ልዕሊ ኩሉ ድማ ንሓድነት ኣመንቲ ዝተፋላለያ ሃይማኖታትን ተቛወምቲ ደሞክራስያውያን ሓይልታትን ኣብ ሓደ መኣዲ ኣኪቡ ኣንጻር ምልካውነት ብሓባራዊ ኣካልን ርእይቶን ደው ዝበለ ህዝቢ ምርኣይ: ዕድመ ምልካውነት ኣብ ኤርትራ  እናሓጸረ ይኸይድ ከምዘሎ ዘርኢ ፍጻመ ምንባርዩ።

እቲ መልእኽቲ ምሕዝነት ሰላማዊ ሰልፊ ንሰፊሕ ህዝብና ላዕላይ ቦታ ዝሃበ ኮይኑ ንጸበብኡ ኣብ መድረኽ ኣውጽኡ ንራህውኡ ብቐጻሊ ልዝብን ሓድነትን ኣንጻር ምልኪ ክቃለስ ድምጹ ዘቃለሐ ሰላማዊ ሰልፊ ምንባሩ ተኻፈልቲ ኣድናቐቶም ብምንባር ታሪኻዊ ፍጻመዩ ኢሎሞ ኣለው።

ልኡኽ ሓርነት ኦርግ ካብ ሽወደን።

Friday, 03 November 2017 22:10

Radio Demtsi Harnnet Kassel 02.11. 2017

Written by
Friday, 03 November 2017 18:44

Demonstartion of Eritreans In front of Downing Street

Written by

Pictures showing Demonstartion of Eritreans In front of Downing Street against the crack down of peaceful Demonstrators in Asmara through the use of live Ammunitions of the PFDJ government  
03/11/2017, 16:23:02

Downing ST 1Downing ST 2Downing ST 3Downing ST 4Downing ST 5Downing ST 6

























































EPDP Magazines