ዑመር ኣልበሸር ኣብ ካርቱም ናብ ቤት ፍርዲ ንምቕራብ ካብ መኪና እናወረደ ኤኤፍፒ)

ናይ ቀደም ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽርን ካለኦት 3 ላዕለዎት ሓለፍቲ ሱዳን ነበርን፡ ካብቲ ተዳጒነምሉ ዝነበሩ ወተሃደራዊ መደበር፡ ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ሱዳን ናብ ዝርከብ ሆስፒታል መረወ ከም ዝተወስዱ መርበብ ሓበሬታ “ሱዳን ትሪቡን”  ኣፍሊጣ። እዚ ስጉምቲ ዝተወስደ ናይዞም ናይ ቀደም ሓለፍቲ ጥዕናዊ ኩነታት ስለ ዘንቆልቆለ ምዃኑ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

እቶም ወዲ ሰይድና ካብ ዝበሃል ወተሃደራዊ መደበር ናብቲ ሆስፒታል ዝተወስዱ ናይ ቅድም መራሕቲ ሱዳን፡  ዑመር ኣልበሺር ፕረሲደንት፡ ዓብደልርሒም መሓመድ ሑሴን ሚኒስተር ምክልኻልን መሓመድ ሑሴን ሚኒስተር ስፖርትን መንእሰያታን ዝነበሩ ምዃኖም ጠበቓ ኣልኣሚን ሰይድ ሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢሉ ድማ ምክትል ፕረሲደንት ዝነበረ በክሪ ሑሴን ሳልሕ ብተመሳሳሊ ኩነታት ናብቲ ሆስፒታል ከም ዝተወስደ እቲ ጠበቓ ጠቒሱ።

ናይዞም ናይ ቅድም መራሕቲ ጥዕናዊ ጸብጻብ ተዓዚቡን ኣብቲ ወተሃደራዊ መደበር እኹል ሕክምና ከምዘየለ ተረዲኡን ናብቲ ሆስፒታል ንክውሰዱ ስጉምቲ ዝወሰደ፡ “ብጾት ኣብ ሰራዊት” ዝተባህለ ወተሃደራዊ ጉጅለ ምዃኑ እቲ ዜና ኣፍሊጡ። እቲ ጠበቓ ከም ዝጠቐሶ ዑመር ኣል በሺርን እቶም ካለኦት ሓለፍትን  ምስ ብዕድመ ምድፍኦም ተተሓሒዙ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ከም ዝሳቐዩን ናይ ወጻኢ ሕክምናን ቀጻሊ ምክትታልን ከም ዘድልዮምን ገሊጹ።

ጠበቓ ኣልኣሚን፡ ዑመር ኣልበሺርን እቶም ካለኦት ናይ ቀደም ሓለፍትን፡ 5 ዓመትን ፈረቓን ስለ ዝተኣስሩን ወተሃደራዊ ደህንነት ሱዳን ንክፍትሑ ወሲኑ ስለ ዝነበረን ብናይ ሰብ ዋሕስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንክወጹ ጸዊዑ።

በሺርን መተኣስርቱን ብ2019 ካብ ስልጥን ምስ ወረዱ፡ ኮበር ኣብ ዝበሃል ቦታ ተኣሲሮም ምስ ጸንሑን ኣብ ወርሒ ማዝያ 2023 ውግእ ምስ ተኸፍተ ድማ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሞም ከም ዝነበሩን እቲ ዜና ጠቒሱ።

ጋዜጣኛታት፡ በቃሉ ኣላምረውን በላይ ማናየን

ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈጥሑ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት በቃሉ ኣላምረውን በላይ ማናየን ካብ ሃገሮም ከም ዝተሰዱ ባዕላቶም ንመርበብ ሓበሬታ “ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ሓቢሮም። ንድሕንነቶም ክብሉ ኣብየናይ ሃገር ጠዓቚቦም ከም ዘለዉ ዘይገለጹ፡ በቃ ኣላምረውን በላይ ማናየን፡ ድሕሪ ማእሰርቲ ክስደዱ ዝተገደዱ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህይወቶም ዘስግእ ምፍርራሕን ምክትታልን ስለ ዘጋጠሞም ምዃኑ ኣፍሊጦም።

እዞም ጋዜጥኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣስሩ፡ ብምኽንያት እቲ በቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡  ከም ኣድላይነቱ ከኣ ኣብ ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያ ንክትግበር ተባሂሉ ዝተኣወጀን ኣብ ወርሒ ጉንበት 2024 ዘብቀዐን ኣዋጅ ፍሉይ ኩነታት እዩ። መስራትን ኣካያድን “ኣልፋ መዲያ” ዝነበረ በቃሉ ኣላምረው እቲ ፍሉይ ኩነታት ምስተኣወጀ ድሕሪ 2ተ መዓልታት ዝተኣስረ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከብ “ኣዋሽ ኣርባ” ኣብ ዝበሃል ወተሃደራዊ መደበር ኣብ ዝተደኮነ ጽንኩር ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተሳቐየ ገሊጹ።

በላይ ማናየ እውን ከም በቃሉ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ  ዝቓይ ዘጋጠሞ ኮይኑ፡ መስራትን ኣካያድን “ኢትዮ-ኒውስ” ዝተባህለ ትካል መድያ ዝነበረ እዩ። በላይ እውን ኣብቲ ማእሰርቲ ኣዝዩ ከቢድ ስቓይ ከም ዘሕለፈን ክሳብ ናይ ኣካል መጉዳእቲ ከም ዘጋጠሞን ንመርበብ ሓበሬታ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ሓቢሩ።

እዞም ካብቲ ስሩዕ ቤት ማእሰርቲ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ምስጢር ቦታትን መደበራት ፖሊስን ብዝተፈላለዩ ናይ ጸጥታ ኣካላት ይሳቐዩ ከም ዝነበሩ ጠቒሶም፡ ንክስደዱ ዘገደዶም ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣይኮነንዶ ናብቲ ዝፈትዉዎ ናይ መድያ ክእለቶም ክምለሱ፡ ብህይወት ክነብሩ ከምዘይክእሉ ስለ ዝተረድኡ ምዃኖም ካብቲ ዘለዉዎ ቦታ ኣፍሊጦም።

ጋዜጠኛ በቃሉ ኣላምረው ቅድም “ኣውሎ” ኣብ ዝበሃል መዲያ፡ ደሓር ድማ ኣብ “ኣልፋ ሜድያ፡ ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ውግእ ዝካየደሉ ዝነበረ  ግዜ፡ ርትዓውን መሳጥን ዜናታትን ትንትናታትን ብምቕራብ ገኒኑ ዝነበረ ብተደጋጋሚ ዝተኣስረ መንእሰይ ጋዜጠኛ እዩ።

Saturday, 21 September 2024 23:49

Dimtsi Harnnet Sweden 21.09.2024

Written by

Read on blog or Reader

Site logo image

Martin Plaut

Read on blog or Reader

 

By Martin Plaut on 21/09/2024

On September 21, 2024, at 4:00 p.m., a march for the human rights of the Eritrean people will be held in Bologna, an awareness-raising event that aims to bring serious human rights violations in Eritrea to international attention. The march will start from the historic Church of San Luca and will pass through the city's porticoes to end in Piazza Nettuno at 6:30 p.m.

The protagonists of the initiative will be young Eritreans who, along the route, will share stories and testimonies of journalists who are prisoners of conscience, illegally detained in Eritrean prisons for over twenty years. These media professionals, arrested in 2001 for exercising their right to freedom of expression, were unjustly accused of conspiracy with Ethiopia and treason, without ever having been formally tried.

Among the detained journalists are internationally renowned figures such as Dawit Isaak, awarded the Golden Pen of Freedom in 2011 and the UNESCO/Guillermo Cano World Press Freedom Prize in 2017, and Amanuel Asrat, recently awarded the International Courageous Writer Award.

The main purpose of this march is to raise awareness among institutions and the public about the dramatic state of human rights in Eritrea, a country where there are no independent media and where freedom of speech is violently repressed. The demonstration aims to urge the intervention of international organizations to put an end to these serious violations and to obtain the immediate release of prisoners of conscience.

The event will see the participation of various city entities and illustrious guests, united in the common goal of giving voice to those who, for too long, have been forced into silence.

About the organizer

The event is organized by the Eritrean Provisional Committee for Freedom and Justice, an organization committed to defending human rights and promoting freedom of expression in Eritrea and around the world.

For more information This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 

Thursday, 19 September 2024 23:57

Dimtsi Harnnet Kassel 19.09.2024

Written by

ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሓላፊ መደብ ስፖርት ዝነበረ ጋዜጠኛ ተስፋልደት መብራቱ (ቶፖ)፡ ንህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ሃገር ነርወይ ፖለቲካዊ ዕቑባ ከም ዝሓተተ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ጋዜጠኛ ዑቕባ ዝሓተተ ካብ ኤርትራ ናብ ኣብ ፓሪስ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሃሰ 2024  ዝተኻየደ መበል 33 ኦለምፒት ንምስታፍ ካብ ኤርትራ ምስ ወጸ እዩ።

ጋዜጠኛ ተስፋልደት መብራህቱ፡ ብዛዕባ ኣብ ነርወይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ምሕታቱ መግለጺ ዘይምሃቡ፡ ንድሕነቱ  ብምስጋእ ምዃኑ፡ ብቐረባ ዝከታተልዎ ዘለዉ ቀረቡ ኣፍሊጦም። እዞም ብዛዕባኡ ዝሓበሩ  ንድሕረ-ባይታኡ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ 2ይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኣስመራ ወዲኡ፡ ብ1999 ኣብ 9ይ ዙር ሳዋ ተሳቲፉ፡ ድሕሪኡ ብ2003 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብጋዝዜጠኝነት ብቀዳማይ ዲግሩ ከም ዝተመረቐ ዘርዚሮም።

 ተስፋልደት ኣብ ተለቪዥንን ሬድዮን ኤርትራ ከምኡ’ውን ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ከም ኣዳላውን ኣቕራብን መደባት ስፖርት፡ ዶክተራት ኣብ ስቱዲዮን ካላኦት ምድላዋትን፡ ን20 ዓመታት ዘገልገለ ክኢላ እዩ። ብዘይካ’ዚ ብውልቁ፡  ብቶፖ ኤሪ-ኢንተርተይመንት ኣብ እትፍለጥን ካልኦት ዝተፈላለያ ቻነላትን ምስ  ብርክት ዝበሉ ህቡባትን ጸለውትን ሰነጥበበኛታትን፡ ከምኡ’ውን ከም ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ቱር ዲ ፍራንስ 2024 ቢንያም ግርማይ፡ ኦሎምፒካዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን ካልኦትን  መደባት ስፖርት ብምቕራብ  ዓቢይ ዝና  ዝረኸበ ምዃኑ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ጠቒሱ።

ተስፋልደት ኣብ ኣስመራ እንከሎ፡ ኣብ ዩቲብን ካልኦት ማሕበራዊ መራኸብን ጸገም ኤርትራውያን ስፖርተኛታት ኣብ ዘቃልሓሉ ካብ ኣባላት ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ጸቕጥን ምፍርራሕን የጋጥሞ ከም ዝነበረ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።

ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ፡ ሓደሓደ ግዜ ዘይተጸበኻዮ ፍጻመ ኮይኑ  ትረኽቦ። ካልእ ግዜ ድማ  ዝተጸበኻዮ ዘይምዃኑ የጋጥም። እዚኦም ክኽሰቱ እንከለዉ ኣገረምትን ኣዛራብትን ክኾኑ ልሙድ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ትጽቢትን ተግባርን ፍልልያት ዘርእዩ ስለ ዝኾኑ። ኣብ 2018 ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ፡ ከምቲ ዘይንርስዖ ኣፍልቡ ልቡ እናወቕዐ፡ በቲ ዘይለመዶ ዘይትካላዊ ዕንደራ፡ ንዶክተር ኣብይ “ድሕሪ ሕጂ  ንስኻ ኢኻ ትመርሓና” ክብሎ እንከሎ፡  ክሳብ ክንደይ ንብዙሓት ምእማኑ ዘጸግም ዘይተጸበይዎ ኮይንዎም ከም ዝነበረ እንዝክሮ እዩ። እዚ ተርእዮ ዝያዳ ኣብ ሃንደበታዊ ናይ ዝምድና ምቅይያራት ዘጋጥም እዩ።

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ምስ ህግደፍ ምስጢራዊ ርክብ ይገብር ኣሎ ዝብል ግና  ዝይተረጋገጸ፡ ወረ ካብ ዝነፍስ ኣዋርሕ ኮይኑ’ሎ። እንተኾነ ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ 4ተ ዓመታት ኣብ መንጎኦም ብዝጸንሐ ናይ “ዓይንን ሓመድን” ዝምድና ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ነቲ ወረ ብዙሕ ቀልቢ ኣይተዋህቦን። ደሓር ግና እቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ብዝፈጠሮ ወጥርን ምክሳስን ብላዕለዋይ ሓላፊ ናይቲ ውድብ፡ ብውሳነ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት፡ ምስ ህግደፍ ብምስጢር ክራኸቡ ከም ዝጸንሑ  ብምጥቃስ፡ እቲ ዘይከውን ዝመስል ዝነበረ ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።

ዝምድና ህግደፍን ህወሓትን “ብናይ ምፍቓርን ምበኣስን ውረድ-ደይብ” ክጐዓዝ ዝጸንሐ ካብ ሜዳ ክሳብ ከተማ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ እዩ። ካብቶም ሓቢሮም ዝሰርሕዎም ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ስርዓት ደርጊ ዘመዝገብዎ ወተሃደራዊ ዓወት ብኣውንታ ዝተመዝገበሎም እዩ። ብኣንጻሩ ከኣ ክልቲኦም ወገናት ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ኣዳኺምካ ካብ ሜዳ ቃልሲ ንምውጻእ ዘካየድዎ ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ወፈራን ደሓር በብቑሩብ ክቕልዑ ዝጸንሑ፡ ህዝቢ ዘይፈልጦም ስምምዓቶምን ኣብ ታሪኽ ዝምድናኦም ዝፈጸምዎ ተጣዒስካ ዘይምለስ “ጌጋን ክሕደትን” ኮይኑ ብጸሊም ዝተመዝገበ  እዩ።

ኣብ ርእሲኡ ከምቲ “ክቱር ፍቕሪ ክቱር ጽልኢ ይፈጥር” ዝበሃል፡ ብዘይካ’ቲ ሓሓሊፉ ዘጋጥሞም ዝነበረ ድምጹ ዘይስማዕ፡ ምኩርራይ፡ ምስሕሓብን ምጥልላምን ቅድም ኣብ 1998-2000 ብዘይንጹር ምኽንያት፡ ቀጺሉ ድማ ኣብ  2020-2022ን ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣዝዩ መሪርን ኣህላቕን ውግኣት ኣካይዶም ዓለም ዘስደመመ፡ ህልቂት ህይወትን ዕንወት ንብረትን ኣውሪዶም፡ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ህዝብታት   ብቐሊሉ ዘይርሳዕ ኣሉታዊ በሰላ  ኣሕዲሮም እዮም። ከም ሳዕቤን ናይዚ “ናይ ሓሶት ኣስማት” ዝተዋህቦ ውግኣት ኣብ ሕድሕዶም ክካየድ ብዝጸንሐ መሪር ናይ ፕሮፖጋንዳ ምቅንጻልን ምጽልላምን ኣይኮነንዶ ተመሊሶም ኣብ ሓጺር እዋን ክዛመዱ “ዓይኒንዓይኒ ክርእኣዩ እዮም” ኢልካ ዝግመት ኣይነበረን። 

ብዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዝምራሕ ምንቅስቓስ 2018፡ “ምድማር ዝብል ዝጭረሖኡ”  ኣምሪሑ ኣብ ኢትዮጵያ “ለውጢ ኣምጺአ ኣለኹ” ምስ በለ፡  ብብዙሓት ደለይቲ ለውጢ ተስፋ ተነቢርሉ ደገፍ’ውን ረኺቡ ነይሩ። ግዜ ከይወሰደ፡ ብሃታሃታ ምስ ህግደፍ ዝምድና ፈጢሩ ምስ ህወሓት “ከብድን ሕቖን” ኮይኑ ኣብ ምትህልላኽ ምስ ኣተዉ ግና፡ ከምቲ “መን ምዃንኳ ክነግረካ ምስ መን ከም እትኸይድ ንገረኒ” ዝበሃል፡ ብሰንኪ ዝምድናኡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብፍላይ ኤርትራዊ ወገን እቲ ንብልጽግና ዝነበሮ ደገፍ ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣቱ ግዜ ኣይወሰደን። ምኽንያቱ “ምስቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ስርዓት ህግደፍ ምዝማድ ንህዝቢ ኢትዮጵያኸ እንታይ እዩ ከርበሖ?” ንዝብል ሕቶ ዝወሃብ መልሲ ንጹርነት ስለ ዘይነበሮ፡ እቲ ዝምድና ዝተሓታትት ክኸውን ናይ ግድን ስለ ዝነበረ። ህግደፍ በቲ ናይ ኢትዮጵያ ለውጢ ተጸልዩ ነብሱ ካብ ዝልውጥ፡ ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ለውጢ ንድሕሪት ምምላስ ከም ዝመርጽ ከኣ ናይ ብዙሓት ኣምነት ነይሩ ብግብሪ ከኣ ከምኡ ኮይኑ። ብልጽግና ናቱ ስንኩፍ ኣተሓሕዛን ብኩለ-መዳያዊ ተመኩሮ ዘይምድላብን ተወሲኽዎ፡ ድሕሪ ምስ ህግደፍ ምዝማዱ መንገዱ ናይ ህውከትን ውግእን ስለ ዝኾነ ብፍላይ ድሕሪ ሓቢሮምም ኣብ ኣንጻር ትግራይ ምውግኦም፡ ክሳብ ሎሚ’ውን ኣይቀሰነን። መጻኢኡ እንታይ ከም ዝኸውን ድማ ብሩህ ኣይኮነን።

እቲ ዘገርም፡ ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮኡ ምስ ህግደፍ እናጸብጸበ፡ ብሰንኩ ዘጋጠሞ ክሳራታት እናዘርዘረ ንዝምድና ምስ ህግደፍ “ክጽየፎ ዝጸንሐ” ውድብ ህወሓት፡ እናሰማዕካዮስ ምእማኑ ብዘጸገም፡ ዝርዝር ናይቲ ፍጻመ፡ ቦታን ፈጸምቱን ጠቒሱ፡ “ምስ ህግደፍ ብምስጢር ተራኺብና ኢና”  ኢሉ። ወዮ ኣብ ዲፕሎማሲ “ቀዋሚ ጐረቤት እምበር ቀዋሚ ፈታውን ጸላኢን የለን”  ዝበሃልሲ ክሳብ ክንድዚ ድዩ ዝተዓጻጸፍን ዝምጠጥን?፡ ኢሎም በቲ ርክብ ዝግረሙ ዘለዉ ኣካላት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ትማሊ ተጠሊዖም ንህግደፍ ያሒት ገበናት እናሰከሙ፡ “ዓይንኻ ይፍሰስ” ዝብልዎ ዝነበሩ ሓድሓደ ወነንቲ ሚድያን ነጠፍትን፡ ነቲ “ብምስጢር ተራኺብና” ዝብል ሓበሬታ እናጸባበቑ ድሮ ንህግደፍ ከመላኽዕዎ ክፍትኑ  ክትዕዘብ እንከለኻ ድማ “ወይ ሰብ ደቀይ” ዘብል እዩ።

እቲ ቀንዲ ዘገድስ ጉዳይ “ናይቲ ርክቦም ኣጀንዳን ኣብኡ ዝተላዕሉ ዛዕባታትን እንታይ እዮም?” ዝብል ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ዶር ደብረጼን ገ/ሚካኤል “ሳላ ርክብ ዝገበርና ኣብ ዶብ ዝነበረ ናይ ሰብን እንስሳን ምጭዋይ ነኪናዮ ኣለና። እዚ ድማ ንሰላምና ኣውንታዊ ስለ ዝኾነ እንቕጽሎን እዩ”  ዝብል መንፈስ ብዘለዎ ቃል ኣስሚዑ። “ብወገን ህግደፍከ እንታይ ኣልዒሉ እንታይከ ከሲቡ?” ዝብል ግና ኣይተሰምዐን። እዚ ርክብ ብዝምድናዊ ዓይኒ ህግደፍ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ኣብ ዝሃለወሉ ዝካየድ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ‘ንእሽቶ ሂቡ ዓብይ ክወስድ” ከም ዝደሊ ኣየጠራጥርን። ብውሕዱ ህወሓት ካብቲ ኣብ ግዜ ውግእ ፈጺምዎ ኢሉ ክኸሶ ዝጸንሐ “ኢደ-እግሩ ክእክበሉ” ከም ዝደሊ ከይደቀስካ ዝሕለም እዩ። ኣብ ርእሲኡ’ውን መንእሰያት ንምህላቕ  ኣብ መጻኢ ኣንጻር ብልጽግና ድዩ ካልእ ኣካል ከካይዶ ንዝሕልን ውግእ ኩነታት ዘጠጣሓሉ ባይታ ክፈጥር ይደሊ ይኸውን።

እቲ ምስዚ ምስጢራዊ ርክብ ተተሓሒዙ ካብ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ጀሚርካ ብዝተፈላለዩ ወገናት ክለዓል ዝኽእል፡ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ሕጋውን ሕቶታት እቶም ተራኸብቲ ባዕላቶም ዝምልስዎ ስለ ዝኾነ ናብ ዝርዝሩ ኣይንኣቱን። እንተኾነ ኣብ ርእሲ’ቲ ባዕሉ ዝፈልጦን ክምኮሮ ዝጸንሐን ህወሓት ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝጠለመ ህግደፍ “መንገዲ ጥፍኣት እምበር ደሓን”  ንከይጽበ ነዘኻኽሮ።

ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ከኣ ናይ ሓባር መድረኽ ቃልሲ ፈጢርና፡ ኣካል ናይዚ ብቕልጡፍ ዝቀያየር ዘሎ ናይ ቀረባን ርሑቕን ኣሰላልፋን ማዕበል ለውጥን ምዃንና ተረዲእና፡ ብጽሞና ኣጽኒዕናን መዚናን፡ መስርዕና ከነለሊ ይግበኣና። ምስዚ በቲ ሓደ ወገን ረብሓን ድሕነትን ኤርትራን ህዝብን ምርግጋጽ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ ጐረባብትና ሃገራት ምዕቃብ  ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

ንምቛም ሓባራዊ ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ  ከተማ ቪስባደን ሃገር ጀርመን ካብ 5-8. 2024 ብኣካልን ዙምን ኣሳቲፉ ሰለስተ ውድባት፤ ሰደህኤ፣ ኤስሃግ፣ ደውዓቀባ ዝተኻየደ ዋዕላ፤ ብዓወት ተዛዚሙ። ብኣሰናዳዊት ሽማግለ ዝቐረበ ንድፊ ቻርተራት ኣጻፊፉ ብምሉእ ድምጺ ዘጽደቖ መስርሕ ድሕሪ ምስታፍና። ኣብቲ ካብ 9-11 ነሓሰ ብሓባር ዘዳለዎ ድሙቕ ፈስቲቫል ‘ውን ድሕሪ ምስታፈ፡ ምስ ብርክት ዝበሉ መሓዙትን መቃልስትን ምርኻበይ ዓብዩ ዕድል ነይሩ። ኣብዚ ከይተደረተ ብገለ ብጽሖታትውን ኣሰንየዮ።

 ዕለት 24 ነሓሰ 2024 እዩ፣ ንስድራቤት መቓልስትና ስዉእ ሓርበኛ ተስፋማርያም ክብርኣብ ንምድባስ ኣብ ከተማ ሮይትሊንገን ብጾት ገረዝግሄር፣ ተስፋይ ደጊጋ፣ መንግስትኣብ ኣስመሮም፣ ጅምዕ ኣሕመድን ፍስሃየ ሓጎስን ኮይና  ኣብ ገዝኦም ውዒልና። ምምጻእና ብኣጋጣሚ ዝፈልጡ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ብቤተ ሰብን መሓዙትን ሕርይቲ ተኪኤ፤  ዝተቐረበልና ሽሻይ እንዳተቛደስና ሓቢርና ከነዕልል ውዒልና። 

Untitled 1

ኣብቲ ውዕሎ እነፍቅሮ ብጻይና ተስፋማርያም ብህይወት’ኳ ኣይንበር እምበር፡ ብመንፈስ ግን ምሳና ነይሩ። ንሞያን ኣበርክቶን ጅግና ስዉእ ሓርበኛ ተስፋማርያም ክብርኣብ ንናጽነትን ፍትሓውነትን ኤርትራ ዘበርከቶ ቃልሲ ብምዝካር በዓልቲ ቤቱ ተቓላሲት ሕርይትን ቤተ ሰብን ናይ ምጽንናዕ ቃል በብተራ ብምግላጽ ኣካፊልና። ሕርይቲ ብወገና፤ ካብ ርሑቕን ቀረባን ተጓዒዝኩም ንኽብሪ ተስፋማርያምን ንዓና ንምጽንናዕን ምሳና ምውዓልኩም፣ ሕሰም ኣይትርከቡ፣ ክብረት ይሃብኩም ብምባል ልባዊ ስምዒታ ገሊጻ። ንምሸቱ ምስጋና ይኹኖም ብሩኻት ኣሕዋት ብመኻይኖም ነናብ’ቲ ንሓድረሉ ስድራታት ኣብጺሖምና።

Untitled 2

ኣብ ዕለት 25 ነሓሰ 2024 ኣብ ከተማ ቪስባደን ብጾት ገረዝግሄር፣ ተስፋይ ደጊጋ፣ መንግስትኣብ፣ ፍስሃየን ጅምዕን ምስ ብዶክመንታሪ ናይ  ታሪኽን ባህልን ሰናዲ ሓው ኣለምሰገድ ኣርኣያ ተራኺብና፣ ብዛዕባ ኩሉ ተኽእሎታት ናይ ሙዚቓ ዝተዓደሎ ህቡብ በሃር ገጣማይ፡ ሙዚቐኛን ደራፋይን ሓው ተወልደ ረዳ ዝምልከት ኣድናቖትናን ተዘክሮታትናን ብቪድዮ መልክዕ ሰኒዱ ኣሎ። ብዩትዩብ ሓቲሙ ክዝርግሖ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ። 

ድሕሪ’ዚ፡ ምስ ክቡር ሓው ተወልደ ረዳ ኣብ ስትድዮ ሓው ኣለምሰገድ ተራኺብና ኣብ ሰፊሕ ዕላል ኣቲና። ኣብ መጀመርያ 1965 "ሽገይ-ሃቡኒ" ካብ እትብል ሃገራዊ ናጽነት ዝጠለበት ኣባራባሪት ደርፉ ነቒልና ክሳብ’ቲ ናይ መጀመርያ ሰብዓታት ንብሉጻት ደረፍቲ ናይቲ እዋን’ቲ ዝተሳተፍዎ (ጸሃይቱ በራኺ፣ በረኸት መንግስትኣብ፣ በየነ ፍረ...ወዘተ) ኣወሃሂዱን መሪሑን ዘሕተምዎ ዲስክታት ኣመልኪትና ዘቕረብናሉ ሕቶታት ኣስፊሑ ገሊጹና። ካብቲ ዝገለጾ ንምጥቃስ፤ "ኣብቲ ጒጅለ ባህልና ጸሃይቱ በራኺ ንምስታፋ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ከይደ ኣምጺአያ። ክሳብ ዕማምና ነሳልጥ ኣብ ደሃብ ሆቴል ከተዕርፍ ኣእትየያ። ንዋና ሆቴል ወይዘሮ ደሃብ፤ ናይ መግባን መደቀሲኣን ሕሳብ ባዕለይ ክኸፍሎ እየ ምስ በልኩወን፣ ንዓይ’ውን ጋሻይ ስለ ዝዀነት ኣይክትኸፍልን ኢኻ በላኒ" ኢሉ ተዘክሮታቱን ናይ ኤርትራውያን ፍቕርን ልግስን ዘኪሩ አዕሊሉና። 

Untitled 3

ተወልደ ምስ ፍሉይ ክእለት ጊታሩ፣ ድሙቕ ድምጹን ዜማኡን ኣብ መድረኽ ደይቡ ክደርፍ ከሎ "ንጉስ ናይ መድረኽ king of stage" ዝብል ቅጽል ስም እዩ ዝወሃቦ ነይሩ። ኣብ ተራ ጊዜ ግን ከም ተራ ሰብ ምቕሉልን ሕዉስን ምንባሩ ገለ ካብኦም ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ረኺቦሞ ስለ ዝነበሩ ተገንዝቦኦም ኣካፊሎም።

ፍሳሃየ ሓጎስ 16.09

ኣብ ሃገር ሆላንድ ዝነብር ተወልደ፣ ኣብ ተሓኤ ተጋዲሉ ክሳብ ንኮረኮን- ታህዳይ፣ ሱዳን ብውዲታዊ ኲናት ተደፊእና ዝኣቶናሉ እዋን ዝነበረ  ጽኑዕን ተባዕን ተቓላሳይ እዩ። ተዘክሮታቱን ገለጻታቱን ንጹር ምህላዉ ተዓዚብና፤ ዕድመን ጥዕናን ድማ ንምነየሉ። 

ፍሳሃየ ሓጎስ

ተገደስትን ነጠፍትን ትካላት ሰብኣዊ መሰል፡ መንግስቲ እስራኤል ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ውግእ ጋዛ ንምምልማል ምውሳኑ፡ መዝማዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቶም ስደተኛታት ማሕበረ-ቁጠባውን ህይወትን ዘመዛብል ምዃኑ ኣጠንቂቖም።

መብዛሕትኦም ካብዞም እስራኤል ናብ ውትህድርና ክትምልምሎም ትሓስብ ዘላ ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ብሰንኪ ውግእ፡ ማእሰርቲ፡ ጥሕሰት መሰልን ፖለቲካዊ ጸቕጥን ምንባር ስኢኖም ካብ ሱዳን፡ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ዝተሰዱ ምዃኖም እቲ ካብ መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ። ኣብዚ እዋንዚ ንኣገልግለቶም ቀዋምን ሕጋውን መንበሪ ፈቓድ ክወሃቡ እዮም ብዝብል ግዳይ ይኾኑ ከም ዘለዉ እውን እቲ ዜና በተወሳኺ ገሊጹ።

 ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ንስደተኛታት መንበሪ ፈቓድ ብምሃብ ናብ ውትህድርና ንምውሳዶም ዝፈጸሞ ተግባር፡ ብዝተፈለላዩ ትካላት ሰብኣዊ መሰል ጥሕሰት ምዃኑ ብምጥቃስ ክነቕፍዎ ከም ዝጸንሐ እቲ ዜና ኣመልኪቱ። ቅድሚ ሕጂ ንዝተወሰኑ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ዘበርከቱ እንተዘይኮኑ፡ ኣብ ውትህድርና ንዘገልገሉ ስደተኛታት ዝተዋህበ ፍሉይ ደረጃ መንበሪ  ከም ዘየለ ከኣ ተጠቒሱ።

ነቲ ጉዳይ ምስ ናይ ኣሜሪካ ዝኣመሰለ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምፍጻምን ምርካብ መሰል ዜግነትን  ከዛምድዎ ዝፍትኑኳ እንተለዉ፡ ብኻልእ ወገን ከኣ ነቲ ተግባር፡ ዘይሞራላውን ጥሕሰት መሰልካ ናይ ምጥቃም  ናጽነትን ምዃኑ ይገልጽዎ ኣለዉ። ኣብ ርእሲዚ  እስራኤል ብጀኦግራፊ ንእሽቶ ብኣሰፋፍራ ህዝባ ድማ ተሃዋሲትን መሓዛ ዘየብላን ብምዃና፡ ነቲ ኩነታት ዝያዳ ኣሰካፊ ከም ዝገብሮ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ። 

እቶም ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዝግደሱ ኣካላት ከም ዝጠቐስዎ፡ እቲ መፍትሒ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ነቶም ኣብ እስራኤል ኣብ ጭንቂ  ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝሰግርሉ ኩነታት ምፍጣር ጥራይ እዩ። ካለኦት ወገናት ከኣ እስራኤል ናይቶም ኣብ ሃገራ ዘለዉ ስደተኛታት መሰል ናይ ምሕላው ግደታ ስለ ዘለዋ ሓላፍነቶም ክትወስድ ይግበኣ ዝብል ሓሳብ ኣንጸባሪቖም።

ነዚ ብዝምልከት ኣብ እስራኤል ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብዚ ኣንጻሮም ዝሕሰብ ዘሎ መጻወድያ ብኸመይ ከም ዝድሕኑ ንክሓስብሉ  ብዝተፈላለዩ ወገናት መጠንቀቓታ ይህቡ ከም ዘለዉ   ተፈሊጡ።

Page 36 of 606