ሓፈሻዊ  ሌላ ከተማ ኣልጀርስን ዞባታታን

ኣልጀርያ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ፡ ብሰሜናዊ ምብራቕ ምስ ቱኒዝያ፡ ብምብራቕ ምስ ሊቢያ፡ ብደቡባዊ ምዕራብ ምስ ማሊን ናጀርያን፡ ብደቡባዊ ምዕራብ ምስ ማውሪታንያን ምዕራብ ሰሃራን፡ ብምዕራብ ምስ መረኮ ከምኡ ድማ ብሰሜን ምስ ባሕሪ መደትራንያን እትዳወብ ሃገር እያ። ስፍሓት መሬታ 2, 381 741 ትርብዒት ኪሎሜተር ክኸውን እንከሎ፡ ብዝሒ  ህዝባ ከኣ 43.9 ሚልዮን እዩ።

ኣልጀርያውያን ካብ 1954 ክሳብ 1962 ግንባር ሓርነት ኣልጀርያ ብዝበሃል ውድብ እናተመርሑ ኣንጻር መግዛእቲ ፈረንሳ ተቓሊሶም ነጻነቶም ጨቢጦም። ኣልጀሪያ 13 ኣውራጃታትን 37 ከባብያዊ ምምሕዳራትን ኣለወኣ። ኣልጀርያ ካብ ፈረንሳ ነጻ ምስ ወጸት ብ1963 እያ ሕገመንግስቲ ኣጽዲቓ። እታ ሃገር ብኣብዘሓ ሰልፋዊ ስርዓት እትምራሕ ኮይና፡ ኣብ ናይ 2021 ምርጫ ካብተን 54 ሰልፍታት እተን 44 ተሳቲፈን ነይረን። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ገዛኢ ሰልፊ፡ ሃገራዊ ሓርነታዊ ግንባር ኣልጀርያ እዩ። ዕላዊ ናይ ስራሕ ቋንቋታት ኣልጀርያ ዓረብን ታማዚትን እየን። ገንዘባ ከኣ ዲናር ይበሃል።

ኣልጀሪያ ነጻ ምስ ወጸት ድሕሪ 40 መዓልታት ጀሚራ ኣባል ዓረብ ሊግ እያ። ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ከኣ ካብተን መስረቲ  እያ። ካብ ህዝቢ ኣልጀርያ እቲ 99% ዓሌት ዓረብን በርበርን እዩ።

ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተመርሐ ሰውራ ኤርትራ፡ ብ28 ጉንበት 1965 ብዝወሰኖ መሰረት ዝተኸተሎ  ምምስራት ወተሃደራዊ  ክፍልታት፡  ካብ ተመኩሮ ሰውራ ኣልጀርያ  ዝተቐድሐ እዩ ዝብል እውን ይስማዕ እዩ።

ኣልጀርስ ናይ ኣልጀርያ ማእከል ፖለቲካ፡ ባህልን ቁጠባን ኮይና፡ ዋና ከተማ ናይታ ሃገር እያ።  ብዝሒ ህዝባ ኣስታት 4 ሚልዮን ምዃኑ ይንገር። ስፍሓታ ከኣ 1,190 ትርብዒት ኪሎሜተር እዩ። ኣብታ ከተማ ብስፍሓት ዝዝረቡ ቋንቋታት፡ ዓረብ፡ በርበርን ፈረንሳን እዮም። ከተማ ኣልጀርስ ኣስታት 16 ኪሎሜተር ገማግም ባሕሪ መዲተራንያ ስለ ዘለዋ ብበጻሕቲ ሃገር ተበሃጊት  እያ። ኣብ ኣልጀሪያ ካብ ዘለዋ 114 ዩኒቨርሲታት እተን 23 ኣብ ከተማ ኣልጀርስ ይርከባ።

ኣልጀርስ ድሕሪቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ፡ ካብ ክልቲኡ ወገናት ኣስታት 170 ሽሕ ወተሃደራት ከም ዝተጎድእሉ  ዝንገረሉ ውግእ፡ ቅድም ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ደሓር ድማ ቀጻሊ ሰላማውን ሕጋውን መስርሕ ብምኽታል ነቲ ዘዋግአ ዝነበረ ጸገም ምዕለቢ ንምግባር  ስምምዓት ዝተኸተመላ ከተማ እያ። እቲ ቀዳማይ ስምምዕ ብደረጃ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ክልቲኤን ሃገራት ዝተፈረመ ኮይኑ፡ እቲ ካለኣይ ስምምዕ ድማ ብደረጃ መራሕቲ ሃገራት ዝተኸተመ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ካብ ዝምምዕ ኣልጀርስ ዝነቐለ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ፡ ጋና ኣብ መሬት ተመልኪቱ ኣይተዛዘመን። በዚ መሰረት ከተማ ኣልጀርስ ሎሚ’ውን መዛረቢት ኤርትራውያን  ካብ ምዃን ኣይወጸትን።

ካብታ ኣስታት 23 ሺሕ ህዝቢ ከም ዝነብረላ ዝንገር  ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ 61 ኪሎሜተር ንወገን ደቡብ ብ23 ሕዳር 2024  4.4 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑን 10 ኪሎሜተር ዝዕምቆቱን  ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ፡ ቮልካኖ ዲስከቨርይ (volcano discovery) ዝተባህለ ትካል ሓቢራ። ኣብቲ ከባቢ ዝቕመጡ ነበርቲ በቲ ምንቅጥቃጥ ንኡስ ስምዒት ከም ዝሓደሮም ከኣ እታ መርበብ ሓቢራ። ኣብታ ካብቲ ምንቅጥቃጥ ዘጋጠመሉ ቦታ 127 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኣስመራ እውን ንኡስ ስምዒት ኣሕዲሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘለዋ ግምት  ቮልካኖ ዲስካቨር ጠቒሳ።

ናይቲ ኣብ መሬት ዝፍጠር ምንቅጥቃጥ  ደረጃ ዝዕቀን፡  ብክብደትን ዕምቆትን ናይቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝፍጠር ነውጺ ኮይኑ፡ ናብቲ እዚ ዘጋጠመሉ  ቦታ ዘሎ ርሕቀትን ቅርበትን እውን ናቱ ተጽዕኖ ኣለዎ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለትን ሰዓትን ኣብ ዓፋር ኢትዮጵያ ካብታ ኣስታት 37 ሺሕ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ኣዋሽ 6 ኪሎሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ ቦታ፡ 4.6 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅትቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ ተሓቢሩ። እዚ እውን ኣብታ ካብቲ ምንቅጥቃጥ ዘጋጠመሉ ፍሉይ ቦታ 151 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ኣዲስ ኣበባ ከይተረፈ ኣዝዩ ንኡስ ስምዒት ከም ዝተፈጥረ ተፈሊጡ።

ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት፡ በቲ ምንቅጥቃጥ ጉድኣት ከም ዝውረደ ዝሕብር ጸብጻብ ዘየለን ኮይኑ፡ ኣብ መጻኢ ግና ኣብቲ ዝተጠቕሰ ከባብታት  ከቢድ ምንቅጥቃጥ ከየጋጥም ከም ዘስግእ ይጥቀስ።

ብሰንኪ ውግእ ተመዛቢሎም ዝጸንሑ፡ ካብ መጀመርያ ወርሒ ሓምለ 2024 ናብቲ ናይ ቅድም መረበቶም ከባቢ ጸለምቲ ዝተመልሱ ተጋሩ፡ ብዝተፈላለዩ ብደሆታት ይጽገሙ ከም ዘለዉ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ብዕምቆት ዘቕረበቶ ሰፊሕ ጸብጻብ ሓቢሩ።

እታ መርበብ ሓበሬታ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2024 ኣስታት 56 ሺሕ ብሰንክቲ ን2 ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ካብ ዞባታት ሰሜናዊ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ተመዛቢሎም ዝጸንሑ ተጋሩ፡ ናብቲ ናይ ቅድም መረበቶም ምምላሶም ዝሕብር ጸብጻብ ከም ዘቕረበ ብተወሳኺ ኣስፊራ። ካብኣቶም እቶም 34,971 ናብ ወረዳታት ጸለምቲ፡ ላዕላይ ጸለምትን ማይጸብርን ዝተመልሱ ምዃኖም’ውን ኣብቲ ሰፊሕ ጸብጻብ ተጠቒሱ። እንተኾነ ካብ ዝምለሱ ድሕሪ ኣዋርሕ እውን ነቶም ተመለስቲ  ብመንግስትን ሰብኣዊ ትካላትን ቃል ዝተኣትወሎም ደገፍ ክረኽቡ እውን እንተዘይካኣሉ ሓድሽ ህይወት ክሰርዑ ይቃለሱ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ። ካብቲ ክቐርበሎም ዝነበሮ ግና ዘይቀረበሎም፡ ኣገልግሎታት ጥዕናን ትምህርትን ከም ዝርከቦ ይሕበር።

እታ መረበብ ሓበሬታ ካብቶም ተመለስቲ ብዛዕባ ኩነታቶም ዘዘራረበቶም ኣብቲ ከባቢ  ናይ መንግስቲ ሰራሕተናታት ዝነበሩ ፡ ምሉእ ብምሉእ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋጥሞም ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ብኩራት መሰረታዊ  ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ምንቅስቓስ ነጻነትን ካብቶም ዘስግእዎም ዘለዉ ብኩራታት ምዃኖም ገሊጾምላ። እተን ዝተመልሱለን ወረዳታት ብማእከላይ መንግስትን ክልላዊ ምምሕዳርን ስለ ዝተረሰዓ፡ ኣብ ትሕቲ ሓያል ጸቕጢ ከም ዘለዋ ኣፍሊጦም። ካለኦት እታ መርበብ ዝሓተተቶም ተመዛበልቲ ናይቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ብደሆታት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከም ዝገልጸሉ ከኣ ሓቢራ።

ኣብዚ እዋንዚ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኣገባብ ኣመላልሳ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ዝተፈላለየ ኣረዳድኣ ከም ዘሎ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝግለጽ ዘሎ እዩ። ገለ ወገናት ኩነታት ምሉእ ብምሉእ ናብቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበሮ ክመለስ ይግበኦ ክብሉ እንከለዉ፡ ካለኦት ወገናት ከኣ ተመዛበልቲ ይመለሱ፡ ናይ መሬት ዋንነት ግና ኣብ መጻኢ ብመሰረት ሕገመንግቲ ኢትዮጵያ ክፍታሕ ይግበኦ ዝብል ርኢቶ ኣለዎም። እቲ ፍልልይ ኣብ መንጎ ትግራይን ፈደራል መንግስትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ተጋሩ እውን ስሙር ኣረኣእያ የለን።

ህግደፍ ዝተኸተሎ መንገዲ፡ ግጉይን ህዝቢ ኣብ ግምት ዘየእቱን ዘይሓላፍነታዊ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ  ኣብ ዲፕሎምሲያዊ ዝምድናታቱ’ውን  ጐሊሑ ከም ዝረኣ ተመኩሮኡ ይምስክር። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ ኩሉ ዝምስርቶ ዝምድናታት ዕድመኡ ሓጺር፡ ውጽኢቱ ድማ ንህዝቢ ኣብ ናይ ውግእን ድኽነትን ዓዘቕቲ ዝነቑት። ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ኢትዮጵያን  ከካይዶ ዝጸንሐ ዝምድናታት  ድማ  ብመንጽርዚ ዝምዘን እዩ።

እቲ ዘሕዝን ከኣ ናይቲ ብሰንክዚ ግጉይን ኣርሒቑ ዘይርእን ተበላጺ ዝምድናታት ናይቲ ጉጅለ ዘጋጠም ኩለ-መዳያዊ ዕዳ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብተን ህግደፍ ዝምድና ኣፍሪሱ ዝበኣሰን ሃገራት ዝነብር ኤርትራዊ ክኸፍሎ ዝጸንሐን ዘሎን ምዃኑ እዩ። እቲ ኢሳያስ ባዕሉ ከይተረፈ፡ ደጋጊሙ ናይ ዶብ ከምዘይነበረ ዝተኣመነሉ ውግእ 1998-2000 ዝተኻየደሉ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብር ዝነበረ ኤርትራዊ ዘጋጠመ ምክልባትን ምርሳይን ምብኻንን ዓመታት ሰሪሑ ዘጥረዮ ንብረትን ዘሕደሮ ኣሉታዊ በሰላ  ዝርሳዕ ኣይኮነን። ኤርትራውያን ኣብ ድሮ እቲ ውግእ ዝነበረ ኩነታት ስለ ዘስገኦም፡ ህግደፍ ከሎ ግና ንክሓስበሉ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝነበረ ኢምባሲኡ  ብመልክዕ ኣኼባ የቕርብዎ ዝነበሩ ናይ “ከይኮነ ንጠንቀቕ” መተሓሳሰቢ ተገዲሱ ዝሰምዖ ኣካል ኣይነበረን። ኣብዚ ዳሕረዋይ ውግእ ትግራይ እውን እቲ ደቁ ዝሰኣነ ህዝቢ እዩ ተበዲሉ እምበር፡ እቲ ጉጅለ ከምቲ ኩሉ ግዜ ከይሓፈረ ዝብሎ “ኣይከሰረን።”

ካብ ኢትዮጵያ ብምስጓጎም ዝተበደሉ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ እቶም ኣይኮነንዶ ኣባላት ህግደፍ ክነብሩ፡ ንሃገሮም ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት’ውን ርእየምዋ ዘይፈልጡ ዘይተጸበይዎ ሓደጋ ዘጋጠሞም፡  ንተግባራት ሓይልታት ጸጥታ  ኢትዮጵያ ከማርሩ ጸኒሖም። ናይቲ ጉጅለ ድፍኢትን ተንኮልን እናተወሰኾ ክሳብ ሎሚ መሊኡ ኣይተሰግረን። እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ በደልን ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዘይሰብኣዊ   ኣተሓሕዛ ናይቲ ተረኽቦን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ እዞም ዝተሰጉ ግዳያት እንተማረሩ ዝተሓዞም ኣይኮነን። እንተኾነ “ንስኻ እንተዘይተፍኣኒ መን መጽደፈኒ” ከም ዝበሃል፡ እቲ ጠንቂ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ከኣ ክዝንግዕዎ ኣይግባእን።ኣብ መጻኢ  መምሃሪ ተመኩሮ ክኸውን እውን ይግበኦ።

ህግደፍ  ኣብ 2018 ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸኾርተት ክብል እንከሎ፡ እቲ ቅድም ዝነበረ ክቱር ፍቕሪ ህግደፍን ህወሓትን  “ክቱር ፍቕሪ ክቱር ጽልኢ ይፈጥር”  ከም ዝባሃል፡ እሞ ናብ ውግእ 1998  ዝተቐየረ፡  ዘኪሮም፡ ስኽፍታ ዝሓደሮም ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይነበሩን። እቲ ዝምድና “ግሉጽነትን ትካላውነትን ዝጐደሎ፡ ናበይ ገጹ ከም ዘምርሕ  ዘይፍለጥን ስለ ዝነበረ፡ ብህድኣት ክርኣይ ይግበኦ፡” ንዘበሉ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካለኦት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታትን፡ ጉጅለ ህግደፍ “ሰላምና ምስ ኢትዮጵያ ዘሕመሞም ሓሳዳት እዮም” ስለዝበሎ፡ ደድሕሪኡ ዘዳመቑ ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይነበሩን።  ነቲ ኩነታት  ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ ሚኒስተር ዝነበረ፡ ነፍስሄር ብርሃነ ኣብረሀ ኪዳነ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኮይኑ ብትብዓት፡ ንዲክታተር ኢሳያስ“ነቲ ግቡእ ኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራን ባይቶን ዘየብሉ ክነሱ፡ በይንኻ ምስ ሃገራት ተካይዶ ዘለኻ ናይ ተብተብ ዝምድና እስትራተጅያዊ ረብሓ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስለ ዝኾነ ጠጠው ኣብሎ” ከም ዝበሎ ዝዝከር እዩ።

ስለዚ ኤርትራውያን፣ ንናይ ቀረባ ግዜ ስንኩፍናን ጥልመትን ዘንጊዕካ፡ ደድሕሪ ህግደፍ ምዕንዳር ባዕልኻ ምውጻኡ ናብ ዘጸግም  መጻወድያ ምእታው ምዃኑ ክንግንዘብ ምተገብአ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብተን ቅድሚ ምኽታም ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝነበራ ውሑዳት  ዓመታት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ክረአ ዝጸንሐ ወደኽደኽ ገለ ኤርትራውያን ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ። ዲፕሎማሲያዊ ፖሊሲ ህግደፍ ኣብ ሓጺር በይናዊ ተጠቃምነት ዘተኩር እምበር፡ ኣርሒቑ ዘይጥምት ብምዃኑ፡ ድሕሪ ስምምዕ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያ ምኽታሙ ብዘርኣዮ ዘይምርግጋእ ተቓሊዑ እዩ። ኣብዚ እቶም ተዓሽዮም ደድሕሪኡ ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም፡ ወደኽደኽ ክብሉ ዝጸንሑ ደገፍቱ ጥራይ ዘይኮኑ፡ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ’ውን ሰቲ ነስኒሱ ብጫ ምንጻፍ ዘርጊሑ “መጺእካለይዶ ክጽበያካ” እናበለ ባዕሉ ብዝጐተቶ ተመን ግዳይ ካብ ምዃን ኣይደሓነን።

ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሸምጠጠ ምስ ሸምጠጠን ክቕጽል ከምዘይክእል ምስተረደአን ድሮ ንኣብይ ኣሕመድ ሕቖኡ ሂብዎ። በዚ ከይተወሰን ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ካለኦት ኪዳን ክሳብ ምምስራት በጺሑሎ። በዚ ዝተቖተዐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ብዘይካቲ ብዛዕባ ውደብዶ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ክዛረብ ዝውዕሎ  ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ ከይተረፈ፡ ደጊም “ብሕጊ ዝዛመደና እምበር፡ ንግዜኡ ዝብለጸልናን ኤምባሲ ከፊቱ ዶላር ክእክብ ምስ ዝውዕል ኣካል ክንዛመድ ኣይንደልን ኢና” ዝበሎ ናብ መን ዘቕነዐ  መልእኽቲ ምዃኑ ምርድኡ ዘጸገም ኣይኮነን። ነዚ ምጥልላም ኣብ ርእሲቲ ኢሳያስ ደጋጊሙ ክምድሮ ዝጸንሐ፡ ጸሓፊ ህግደፍ ነበር ነፍሰ-ሄር ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ ኢሪ-ቲቪ ምስ ጋዜጠኛ ይስሓቕ መሓሪ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሓትት፡ “ኢትዮጵያ ንከይትገማማዕን ከይትብተንን ጉዳያ ክትፈትን ከምኡ ድማ ወያነ ናብ ስልጣን ከይትምለስ ክንሰርሕ እዩ እምነተይ እዩ፡ እዚ ድማ ናይ መንግስትና እምነት እውን ክኸውን እየ ዝደ”  ዝበሎ፡ ክውሰኾ እንከሎ ኣዝዩ  ዘገርም ምግልባጥ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ እቶም ካብ ተመኩሮ ዘይተማህሩ፡ ፍቕሪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ንድሕሪት ኣይክምለስን’ዩ ዝብል ግጉይ ግንዛበ ኣሕዲሮም፡ “ዝትንክፈና የለን” ብዝብል ኣጉል ጉርሒ ክሳብ ምውናን ትካላት በጺሖም ዝነበሩ ኣብ ወጥሪ ከም ዝኣተዉን እቲ ናይ 1998 ከይድገም ከም ዘስግእን ብዝተፈላለዩ መድያታት ይቃላሕ’ሎ። እዚ ዘተዓዛዝብ እምበር፡ “ፈትዮም ስለ ዝኣተዉዎ ባዕላቶም ይፈልጡ” ምባሉ ኣጸጋሚ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ቅድሚ 25 ዓመታት ብሰንኪ ዘይምስትውዓል ዝተወስደ ንቑጽን ርሑስን ዘይፈለየ ስጉምትን ሳዕቤኑን ዘኪሩ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወስዶ ስጉምቲ ሓላፍነታዊ ንክኸውን ምዝኽኻሩ  ኣገዳሲ እዩ። 

ኤርትራውያን’ውን፡ ከምቲ “ቀዳማይ ስሕታን ካለኣይ ግና ዕብዳን” ዝበሃል፡ ካብ ዕብዳኖም ተመሊሶም፡ ክሳብ መዓስ ኢና ናይቲ “ግጉይ ምርጫ ህግደፍ ከፈልቲ ዕዳ ንኸውን?” ኢሎም፡ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት’ኳ ከድሕንዎ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ እንተበጽሐ፡ ኣብ ካለኦት ሃገራት ካብ ምድጋሙ ክዕቀቡ ይግበኦም።

ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ዝወሃበሉ ኣብ ብሉ ናይል ዝርከብ መደበር ትካል መግቢ ዓለም

ናይ መደበር ሓላፊ ዝርከቦም ሰለስተ ሰራሕተኛታት ትካል መግቢ ዓለም (WFP)፡ ኣብ ሱዳን ግዝኣት ብሉ ናይል ኣብ ሰዓታት ለይቲ ኣብ መደበሮም ብ19 ታሕሳስ 2024 ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትሉ ቢቢሲ ንምንጭታት መንግስቲ ሱዳን ብምጥቃስ ሓቢራ።

ብመሰረት ካብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ሱዳን ዝወጸ መግለጺ፡ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ያቡስ ኣብ ዝበሃል፡  ከባቢ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ዘሎ ናይቲ ትካል መደበር ብዝተኻየደ ናይ ለይታዊ መጥቃዕቲ እቶም ሰራሕተኛታት ከም ዝሞቱ ኣፍሊጡ። ዳይረክተር ትካል መግቢ ዓለም ሲንዲ ካይን ብወገኑ እቲ ቅትለት ከም ዘጋጠመ ብምርግጋጽ፡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ትካል ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ምቅለዖም  ከም ዘሕዝኖ ምሕባሩ ሱዳን ትሪቡን ብወገና ተቒሳ።

ናይቲ ሚኒስትሪ መግለጺ ሞት ናይቶም ሰራሕተኛታት ከም ዘሕዝኖ ገሊጹ፡ ኣብቲ ከባቢ ናይ መንግስቱ ወተሃደራዊ ህላወን ምንቅስቓስን ከም ዘየለ ኣመልኪቱ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ሱዳን ንይቲ ቅትለት ተሓታቲ መን ምዃኑ ንምፍላጥ፡ ምጽራይ የካየዱ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ሱዳን ዝንቀሳቐስ ዘሎ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ወገን ኣብዚ ጉዳይ ርኢቶኡ ክህብ ትጽቢት ይግበረሉ ከም ዘሎ  እቲ ዜና ቢቢሲ ኣመልኪቱ።

Saturday, 21 December 2024 21:14

Dimtsi Harnnet Sweden 21.12.2024

Written by
Thursday, 19 December 2024 22:21

Dimtsi Harnnet Kassel 19.12.2024

Written by
Tuesday, 17 December 2024 20:36

Seyoum´s Speech 1999

Written by

ሱዳናዊ ራፖርተር፡ ዶር መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር

ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ቱርኪ ኤርትራውያን ኣገዲዳ ናብ ሃገሮም ምስጓጓ ግጉይ ምዃኑ ዝሕብር መልእኽቲ፡ ብ16 ታሕሳስ 2014 ከም ዝለኣኸላ ተሓቢሩ። እቲ ሰነድ እቶም ኣቐድም ኣቢሎም፡ ብመንግስቲ ቱርኪ ተገዲዶም ዝተሰጉ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ዝተፈላለዩ ግህሰታትን ስቓይን ከም ዘጋጥሞም ብምጥቃስ ዝሓደሮ ሻቕሎት ገሊጹ።

እቲ ብሰለስተ ላዕለዎት ራፖርተራት ሰብኣዊ መሰል ተዳልዩ ናብ ቱርኪ ዝተላእከ ሰነድ፡ ንቱርኪ ብዛዕባ ምእሳርን ኣገዲድካ ናብቲ ዝተፈላልዩ ሓደጋ ከጋጥሞም ዝኽእል ኤርትራ ምምላሶምን ዝምልከት መብርሂ ክወሃቦም ከም ዝሓትት’ውን ተሓቢሩ። እቲ ጸገም ናብ ዘጓንፎም ኤርትራ ኣገዲድካ ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ምስ መሰረታዊ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰል ዝጻረር ምዃኑ’ውን እቶም ራፖርተራት ከሲሶም።

እቲ ስጉምቲ ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕግን ስምምዓት ኣንጻር ምስቓይን ኣገዲድካ ናብ እተስግእ ሃገር ምስጓግን ኮይኑ፡ ቱርኪ ብ1988 ኣብቲ ሰነድ ዝኸተመት ሃገር ምዃና እውን ጠቒሱ። እቶም ራፖርተራት ኣብቲ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፡ ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራ፡ ስቓይን ከቢድ ሰብኣዊ ግህሰትን ከም ዘኸትል ጠቒሶም፡ ኣብ ርእሲኡ ንዝይተወሰነ ግዱድ ውትህድርናን ምስዋርን ዘኸትል ምዃኑ ከኣ ኣመልኪቶም።

እዚ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተገዲዶም ዝተሰጉ ኤርትራውያን ከም ዝተራእየ፡ እቶም ራፖርተራት ጠቒሶም፡ በዚ መሰረት ሕቡራት ሃገራት ኣይዲን ኣብ ዝተባህለ መእከቢ ማእከል ቱርኪ፡ 50 ዝኾኑ፡ ኤርትራውያን ግዳያት ሕጂ’ውን ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ተኣሲሮም ይውቅዑን ምስ ኣዝማዶምን ናይ ሕጊ ኣካላትን ከይራኸቡ ይኽልከሉን ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።

ድሕሪ ሕጂ ናይ ሰብኣዊ መሰል ክኢላታት፡ ቱርኪ ንመደባት ምስጓግ ኤርትራውያን ንከተቋርጾን መነባብሮ ናይቶም ሒዛቶም ዘላ ከተመሓይሽን ከም ዝጸውዑን ብወገን ቱርኪ ግና ቅልጡፍ መልሲ ከም ዘይተረኽበን ተፈሊጡ። ነቲ ናብ ቱርኪ ዝተለእከ ሰነድ፡ ናይ መወዳእታ መልክዕ ዘትሓዘ፡ ሱዳናዊ ዶር መሓመድ ዓብደልሰላም ባቢከር ፍሉይ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።

Page 25 of 607