

ሬድዮ ድምጺ ሓርነት
ዕዙዙ ዝኽሪ ናይ ፍትውቲ ሃገርና ዝኽሰረቶም ሓርበኛታት ተቃለስቲ ተጋደላይ ስዉእ ስዩም ዑ/ሚካኤል ሓረስታይ ብ17 ታሕሳስ 2005 ዝተሰዋኣላ መዓልቲ ንመበል 15 ዓመታት ተዘኪራ ዊዒላ። ራዲዮ ድምጺ ሓርነት እውን ነዛ ጸላም መዓልቲ ከም ኩሎም ህልዋት ተቃለስቲ ንዝለዓለ ክብሪ እናዘከርናያ ንዕላማታትን ንቁሕ ራኢ ብጻይ ስዩም ኣምነ መሰረት ብምግባር ንምትግባሮም ቃልስና ነሕድሰላ ምዃና ንገልጽ። ብዝያዳን ብፍሉይን ብቀረባን ብሓባር ዝተቃለስናዮ ክዝክር ከሎኹ ዝስምዓኒ መሪር ሓዘን፡ ክርስዖ ዘይክእል ሓያል ታሪካዊ ተረኽቦታት ገለ 3ተ ክጠቅስ።
ድሕሪ እቲ ብዕዉትን መስተንክርን ስሪሒት ምዑታት ተጋደልቲ ፈዳይን ተሓኤ ሓራ ምውጻእ እሱራት ሰንበልን ዓዲ ኳላን ኣነ ካብቶም 7 ተባዓት ብጾት ናይ ሰምበል ናይ 12 የካቲት 1975 ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት ሓደ ኣብ ገዛይ ባርጂማ ተራኺብና ንነብሰሄር ሻምበል ወልደሃይማኖት ኣምጺእና ጅግና ስዉእ ኣብርሃም ተኽለ መደብን ኣገባብን ሓቢሩ ኣፈረሞ ስድራቤቱ ከኣ ምሳና ኣብ ዉሑስ ቦታ ከምዘሎዉ ሓበሮ። ነቶም 6 ተጋደልቲ ናይ ፖሊስ ዶጋና ክዳውንቲ ተኸዲኖም ሓጺር ልምምድ ተዋህቦም። 17፡30 ኣብ ኣፍደገ ሰንበል ቤት ማእሰርቲ 6ቲኦም ሓደ ዓቢ ጀንቢል ፍሩታ ዝተሸፈነ 5ተ ተዓጻፊ ካላሽን ሒዞም ሻምበል ተቀቢሉ ከእትዎም ውዲእና፡ ኣነን ተኽለ ማርናዮን ኣብቲ ጀራዲን ክንቅበል ተረዳዳእና። ብዘይ ክሳራን መስዋእትን ሙሉእ ንብረት ሰነዳት ቤት ማእሰርትን ንዘይክእልሉን ኣብ ማኪና ጺዒና ሓደ ናይ ሓንጎል ጸገም ዝነበሮ መንደቅ ይስቀል ይውርድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ገዲፊናዮ ሃዘጋ ኣቶና።
ምስ ብ/ስዩም ንመጀርታ ገጽገጽ ኣብ ሃዘጋ ተራኺብና። ኣብ 1976 ኣብ ጉባኤ ጠቅላል ማሕበር ሰራሕተኛታት ጠቅላል ሰክረታርያ ተመሪጸ። ብ/ስዩም ከኣ ኣቦ ወንበር ማሕበር ሓረስቶ ኣብ ሓራ ከተማ መንደፈራ ጉባኤ ማሕበር ሓረስቶት ዝተመርጸሉ ኣነ ሰክረትርያ ናይቲ ጉባኤ ዝነበርኩሉ ካልኣይ ርክብና ኮነ። ጸኒሕና ድሕሪ ስምምዕ ካርቱም 1977 ናይ ስምረት ሽማገለ ምስ ህዝባዊ ግንባር ህዝባውያን ማሕበራት ተሓኤ 8 ዝኣባላት ስዩምን ተወልደን ካብ ሓረስቶት፡ ኣነን መሓመድ ሸክን ካብ ማሕበር ሰራሕተኛታት፡ ስዉእቲ ኣድሓነት ዓንዱን ኤልሳ መስፍንን ካብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓይለኣብ ዓንዱን ገረዝጌር ኤልያስን ካብ መንእሰይ ተመሪጽና። ካብ ህዝባዊ ግንባር ከኣ ስብሓት ኤፍረም፡ ኣማኔል ዑቅባይን ሙሳ ረባዕን ኣብ መዓስክር ህግሓኤ ንዘተ ተራኺብና። ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ሃይለ ድሩዕ ተቀቢሉ ሻሂን ቁርስን ተቀረበ። ቁርሲ ብፊኖ ዝተሰርሔ 2 ሕምባሻ መን ይቁረሶ ተባህለ። ድሩዕ ንስዉእ ስዩም ጋሻ ንስኻ ቁረሶ ኢሉ የቕርበርሉ ስዉእ ስዩም ንወየን ሕንባሻታት ጎቦ ጎበኤን ቆሪሱ ነተን ናይ ማእከል ገደፈን ፡ ድሩዕ እንታይ ድኣ እዚኤን ገዲፍካየን በሎ። ስዩም እዚኤንሲ ናትኩም እየን በሎ። ምኽንያቱ ዓወት ንሓፋሽ ተጻሒፉወን ስለ ዝነበረን ንብለኩም።
ሃይለ ሓረቐ ንሕና ምስ ኣድሓነት ዓንዱ ብሰሓቅ ክርትም በልና። ካልኣይ ኣገዳሲ ታርኻዊ ዝኽሪ ዘይተዘርበሉ ከም መሪሕነት ህዝባውያን ማሕበራት ኣብ ተሓኤ ሰፊሕ ሓይልን ተሰማዕነትን ስለ ዝነበረና፡ ካብ 1978 ኣትሒዝና ኣብ ዉሽጢ ተሓኤ ዝከይድ ዝነበረ ድኽመታት ዘይምዕሩይ ምሕደራ ኣብ ወጻእን ሜዳን ስለ ንነቅፍን ትዕዝብትና ንህብን ስለ ዝነበርና፡ ን3ይ ኣኼባ ሰውራዊ ባይቶ ኩሉ ጉድለታት ጠቂስና ተሓኤ ኣብ ሓደጋ ከም ዘላ፡ ን9 ቤት ጽሕፈታት ፈጻሚት ሽማገለ ንጹር ሰነዳዊ ነቅፈታ ጺሒፍና ንኣቦ መንበር ኣሕመድ ናስር ሂብናዮ። ነዚ ንምድላው ብጻይ ስዩም ዝነበሮ ኣረኣእያ ብሓቂ ሓያል ደራኺ ከም ዝነበረ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሓንጎለይ ተሰሚሩ ኣሎ። ሳልሳይ ምስክርነት ከኣ ብትብዓት ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ ነብሰሄር መለስ ዜናዊ ወያኔ ዝገበርዎ ጉጉይ ኣተሓሕዛ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ዉድባት ብድፍረት ነቀፈታ ዘቅረበ ተባዕ መራሒ እዩ። ስዉእ ስዩም ኣዋዳድቃ ቃላትን በቲ በርቃዊ ንጹር ገላጺ ድምጹን ኣብ ራዲዮ ተሓኤ ካብ ኡንዶርማን ካርቱም ዉርይቲ ታሪካዊት ግጥሙ ሰይ ኮታ ሰይ ኮታ … ንዓይ ነደ ሰውራስ ኣብ ሎቆታ…ገለ ንስማዕ…. (ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሓርነት ምስማዕ ይከኣል)
Source: Reuters
Internal conflict in Ethiopia has driven more than 50,000 refugees into Sudan in just over a month, triggering a complex aid operation in an impoverished region of Sudan.
And fears of unrest in Ethiopia’s northern Tigray region spilling into Sudan were fuelled when several Sudanese soldiers were killed on Tuesday, in what Khartoum called an “ambush” by Ethiopian forces and militias inside its borders.
Ethiopian officials did not immediately respond to requests for comment on the incident.
Sudan has boosted its military presence near its eastern frontier since the conflict between Ethiopian federal forces and the Tigray People’s Liberation Front (TPLF) started on Nov. 4.
But forces from Ethiopia’s Amhara ethnic group, which back the government of Prime Minister Abiy Ahmed, have also expanded their activity, leading to other incidents in long-disputed farmlands near the border where refugees have been crossing, Sudan’s information minister Faisal Salih told Reuters.
“The tensions increased and some skirmishes took place recently,” he said.
Amhara farmers claim rights to lands in the al-Fashqa plain also claimed by Sudan, and clashes sometimes flare during planting and harvest seasons.
Tigrayan refugees now hosted in eastern Sudan hold Amhara forces responsible for much of the violence they fled since early November.
Prompted by security concerns, Sudan’s Prime Minister Abdalla Hamdok flew to Ethiopia on Sunday with what senior Sudanese officials said was a proposal to mediate.
Ethiopia, which declared victory over the TPLF on Nov. 29, said the offer was unnecessary. The TPLF has said it was continuing to fight.
Accounts are difficult to verify because most communications to the region have been down throughout the conflict.
Hamdok and Abiy agreed to revive a commission to settle their border dispute, which dates back to colonial times, and made progress over stalled three-way talks with Egypt on a giant hydropower dam Ethiopia has built on the Blue Nile, said Salih.
A diplomatic source in Sudan said Ethiopia’s ambassador had been summoned over the troop deaths on Tuesday, but Abiy struck a conciliatory tone, tweeting: “Such incidents will not break the bond (between) our two countries as we always use dialogue to resolve issues.”
Some people in Sudan are concerned that the fighting in Tigray, in which regional diplomats and humanitarian aid workers believe thousands of people have died, poses a threat to a volatile region.
The United Nations estimates that 950,000 people have been displaced by the crisis .
“The conflict area in Ethiopia is a border area, and it’s close to Sudan, Eritrea, and South Sudan. It can impact the whole region, and the Red Sea region,” said Mervat Hamadelnil, head of a Sudanese civil society initiative that has pushed for Sudan to take an active stance on the Tigray war.
Some also worry about the strain that refugee arrivals are placing on Sudan, which is trying to recover from decades of its own internal conflicts that displaced several million people.
An economic crisis has deepened since the overthrow of former president Omar al-Bashir in April 2019, causing fuel and bread shortages and pushing inflation to more than 250%.
When the first refugees arrived last month, local communities in eastern Sudan welcomed them, residents and officials say.
But the influx has also pushed up the prices of basic goods, and aid agencies are struggling to source food, water and healthcare for refugees.
Sudan’s government has told many civil servants to work from home following a rise in coronavirus cases, complicating logistical operations. The head of Sudan’s refugee commission died from COVID-19 earlier this month.
One pressure point is that Sudanese authorities, supported by the United Nations, are keen to move refugees quickly away from the border to camps, partly for fear that Tigrayan forces could use Sudan as a rear base, said a staff member of an aid organisation working in the area.
Some refugees are reluctant, hoping to return to Ethiopia to recover relatives, possessions and crops.
Three decades ago, Sudan backed Tigrayan forces that toppled Ethiopia’s Marxist Derg rulers in a conflict that sent previous waves of refugees fleeing west over the border.
Sudan’s transitional authorities, grateful for Ethiopia’s mediation between the Sudanese military and civilian groups after Bashir’s overthrow last year, now have no interest in playing a similar role against an Abiy government with international standing, said Suliman Baldo, a policy adviser for The Sentry, a Washington-based research group.
“Sudan needs to be very careful. They cannot afford now to be hosting opposition leaders and opposition armed groups,” he said.
ኤርትራውያን ቀዳምነትና ኤርትራዊ ዋኒን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ብፍላይ ከኣ እቶም ምእንቲ ለውጢ ንቃለስ ዘለና ቀንዲ ቀዳምነትናን ኣንፈትናን፡ ነቲ ብሰንኪ ህግዲፍ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ተጻዒኑ ዘሎ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኣርዑት ወጽዓ ኣወጊድካ፡ ራህዋ፡ ቅሳነትን ዕቤትን ምርግጋጽ እዩ።
ኣብቲ ኤርትራ ኣኽሊል ናጽነትን ልኡላውነትን ንኽትደፍእ ዝተኻየደ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልስና ብዙሓት በብእዋኑ ብቐዳምነታት ዝስርዑ መድረኻት ከም ዝሓለፍና ስኑድ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ቅድም ንፖለቲካውን ሕጋውን መድረኻት ቀዳምነት ሂቡ ተቓሊሱ። በዚ ከም ዘይዕወት ምስ ኣረጋገጸ ከኣ፡ ብሂግዎን ሃሪፉዎን ዘይኮነ ብዘይካ ኣብ መግዛእቲ ምንባር፡ ካልእ ምርጫ ስለ ዘይነበሮ፡ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ወፊሩ። እዚ ብረታዊ ቃልሲ እውን ብብዙሓት ነናቶም ቀዳምነት ብዝነበሮም ምድረኻትን ኣንፈታትን ሓሊፉ እዩ ተዓዊቱ። ጉዳይ ረፈረንደም እውን ከምኡ ኣብ ግዜኡ ቀዳምነት ሒዙ ተኻይዱ።
ኣብቲ ዘካይድናዮ ቀዳማይ ምዕራፍ ኮነ፡ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ምዕራፍ ቃልሲ ጸገማትና ብዙሓት ነይሮም ሎሚ እውን ከምኡ ብዙሓት እዮም። ብመሰረቱ ነቲ መስርሕ “መሪር ቃልሲ” እንብሎ እውን፡ ብብድሆታት ምሕላፍ ናይ ግድን ስለ ዝኸውን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅድሜና ካብ ዘለዉ ብደሆታት፡ ናይ ህግዲፍን ህዝብን ሃገርን ጓዕጺጽካን ሕድሩ ጠሊምካ ክትነብር ናይ ምሕላን እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ፈሊጥና ዝኣተናዮ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ዘዛርብ ኣይኮነን። እቲ በብግዜኡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ በደላት እውን ኣቐዲምና ካብኡ እንጽበዮ እምበር ሃንደበት ዝመጽእ ኣይኮነን።
እቲ ቀንዲ ብደሆና ናይቲ ንሕና እነካይዶ ቃልሲ ምዕራይን ዘይምዕራይን ጸገም እዩ። ኣብ መስርሕ ቃልስና ዘጋጥም ጸገማትን ዕንቅፋታትን፡ ገሊኡ ሰኣን ክእለትናን ዓቕምናን ዘጋጥም፡ ገሊኡ ከኣ ናይ ምግባሩ ዓቕሚ እንዳሃለወና ብድኽመትና ነባኽኖ ዕድልን ግዜን እዩ። ብዙሓት ከም ዝሰማምዕሉ ቀዳምነትካ ብግቡእ ዘይምስራዕን ኣብቲ ዝመረጽካዮ ኣንፈትካ ዘይምጽናዕን ከም መርኣያ ድኸመትና ዝቐርብ ሕጽረትና እዩ። እዚ ጸገምና ምዃኑ እንዳተረዳእና ብግብሪ ግና ኣይነእርሞን። ቀዳማይ፡ ካለኣይ፡ ሳልሳይ እንዳበልና ብሓሳብ ቀዳምነታትና እንተሰራዕና እውን ኣብ ምትግባር ግና ነቲ ዝሰራዕናዮ ነዘባርቖ፡ ነቲ ዝተለምናዮ ኣንፈት እውን ኣቕጣጫኡ ነስሕቶ እሞ ኣብ ዕንክሊልን ዘይተደላይ ግዜን ዓቕምን ምብኻን ንወድቕ። እቲ ተቓሊስና ከነወግዶ ዝግበኣና ሓደገኛ ወጻዒ ጉጅለ ከኣ በዚ ድኽመትና እንዳተዓንገለ ዕድሜኡ ይነውሕ። ክንድቲ ምንዋሕ ዕድሜኡ ድማ ወጽዓኡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይኸብድን ይመርርን።
ካብቶም ኣብቲ ዝሰራዕናዮ ቀዳምነትን ዝኣመትናዮ ኣንፈትን ጸኒዕና ቀጥ ኢልና ከይንቕጽል፡ ዝዕንቅፉና፡ ንሓንሳብ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ንድሕሪት ነዊሕ ተመሊስካ ምሕሳብን ምጽብጻብን፡ ንሓንሳብ ድማ ኣብ ሎሚ ኮይካ ናይ ሎሚ ከይወገንካ ቅድሚት ከይድካ “ ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና” ብዘብል፡ ንናይ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ቀዳምነት ሂብካ ምውጣጥ ምዃኑ ብሩህ እዩ። እዚ ኣተሓሕዛ ቅኑዕ ኣይኮነን ማለት ግና ንናይ ትማሊ ፈጺምና ንጠንጥኖ፡ ወይ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይንገምት ማለት ኣይኮነን። እንያታይ ደኣ፡ ቀዳምነትና ሎሚ ክዕመም ዝግበኦ ምዕማም ምዃኑ ክንስሕት ኣይግበኣናን፣
ቀዳምነትና ኤርትራዊ ዋኒን እዩ፡ ኣንፈትና ከኣ ነዚ ዋኒና ምስላጥ እዩ፡ ክንብል እንከለና፡ ካብ ከባብያዊ ጽልዋታትን ምዕባለታትን ተዓጺና ወይ ተገሊልና፡ ከም ፈረስ ተሸቢብና ንቕድሚት ጥራይ እንዳረኣና ንጐዓዝ ማለት ኣይኮነን። ናይ ርሑቕን ናይ ቀረባን ከባብታት ምዕባለታት እውን ኣብ ግምት ነእቱ። ክንሕግዞን ክንድግፎን ዝገባኣና ከባብያዊ ምዕባለ ክህሉ እንከሎ ዓቕምና ንገብር። ዝሕግዘና ክንረክብ እንከለና ከኣ ኣብቲ ንዓና ዝምልከት ሕዙእ ጉዳይና ኢዱ ከየእተወ፡ እጃሙ ከበርክት ኣፍደገና ኣይንዓጹን። ምስዚ ኩሉ ግና ካብታ “ቀዳምነትናን ኣንፈትናን፡ ከይሰሓትና” እትብል ሽኻል ከይንወጽእ ጥንቁቓት ክንከውን ናይ ግድን እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ንኤርትራዊ ዛዕባና ገሊኦም ብኣውንታ ገሊኦም ድማ ብኣሉታ ዝጸልዉዎ ምዕባለታት የጋጥሙ ኣለዉ። ኣብ ብዙሓት ጐረባብትና ሃገራት እውን ምዕባለታት ኣሎ እሞ፡ እቲ ኣብዚ እዋንዚ ጐሊሑ ዘሎ ጸላዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ እዩ። ጉዳይ ኢትዮጵያ ከኣ ኣይኮነንዶ ከምዚ ሎሚ ሒዝዎ ዘሎ መልክዕ ሒዙ፡ ካብ ቀደሙ እውን ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና ታሪኻዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ጸላዊ ባህሪ ዝጸንሖ እዩ። ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ምንባራ፡ ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ናይ ሓደ እዋን ክቱር ፍቕርን ናይ ሓባር ወፍሪ ኣንጻር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ሎሚ ድማ ተመሊሶም ዓይንን ሓመድን ምዃንን፡ ናይ ኤርትራን ናይ ኢትዮጵያን ኣብ ባድመ ዝጀመረ “ናይ ዶብ ውግእ”፡ ናይ መራሕቲ ህደግፍን ብልጽግናን ሃንደበታዊ ፍቕርን ሓቢሮም ኣንጻር ህወሓት ምሕንሓንን፡ …. ወዘተ፡ ኩሎም ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ምስ ትግራይ ተጸላላዊ ምዃኑ ዘርእዩ እዮም። ግና ምስዚ ኩሉ ምትሕልላኽ እውን፡ ክንዛረብ፡ ክንመዝን፡ ክንድግፍ፡ ክንቃወም፡ ዓገብ ክንብልን ክንመሓዞን እንከላና ነታ “ቀዳምነትናን ኣንፈትናን፡ ከይሰሓትና” እትብል ከይዘንጋዕና ደኣ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ይካየድ ብዘሎ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸም ዘሎ በደል ከሻቕለና ባህርያዊ እዩ። እቲ ቀዳምነትና ግና ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ በደልን ካብዚ ንምንጋፉ እነካይዶ ቃልስን ምዃኑ ዘይምስሓት። ንኣካይዳ ህወሓት ኣብ ትግራይ ኮነ ንኣተሓሕዛ ብልጽግና ኣብ ኢትዮጵያ መዚንና ክንድግፍ ወይ ክንነቅፍ እንከለና ቀንዲ ቀዳምነትና ግና ንጉጅለ ህግዲፍ ምቅላዕን ብህዝባዊ ቃልሲ ምውጋዱን ምዃኑ ከይንርስዕ ምጥንቃቕ ናይ ግድን እዩ። በቲ ብሰንኪ ትግራይ ዓውዲ ውግእ ምዃና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ኣብኡ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራን ክንሓስብን፡ ክንሓዝንን ንራህዋኡ ክንሕለቕን ናይ ግድን እዩ። እንተኾነ ቀንዲ ተሓላቕነትና ንህዝቢ ኤርትራን መሰረታዊ ረብሓኡን መሰሉን ምዃኑ ኣጽኒዒካ ምሓዝ ከድልየና እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ከየድማዕና፡ ኣንፈትና ስሒትና ካልእ ቀዳምነት እንተሒዝና ኣብኡ እውን ኣይከነድምዕን ኢና። ከምቲ ብተደጋጋሚ ንኢትዮጵያውያን “ኢሳያስ ንኤርትራን ህዝባን ዘይኮነ፡ ንዓኻትኩም እውን መከራ ክጐተልኩም እንተዘይኮይኑ ኣይክጠቕመኩምን እዩ” እንብሎም እዩ ከኸውን። ሐደ ከነስተብህለሉ ዝገባኣና ዓብይ ጉዳይ ከኣ፡ ኣብ ምምዛን ቀዳምነትና ዘይኮነ ብዛዕባ ዘጋጥመና ፍልልይ፡ ኣብቲ ቀንዲ ኤርትራዊ ጉዳይና ብሓባር ከይንቃለስ ክዕንቅፈና ዘይግበኦ ምዃኑ እዩ።
KHARTOUM (Reuters) - Sudan’s armed forces said on Wednesday that a number of its officers had been ambushed by “Ethiopian forces and militias” during a security patrol of the border region.
“During the return of our forces from combing the area around Jabal Abutiour inside our territory, they were ambushed by Ethiopian forces and militias inside Sudanese territory, as a result of which lives and equipment were lost,” the army said, adding the attack took place on Tuesday.
The Sudanese army did not specify how many officers were killed. Local residents said that reinforcements were being sent to the area, which is part of the Fashaqa locality where some Ethiopian refugees have been crossing into Sudan.
Fighting erupted on Nov. 4 between Ethiopia’s government and the then-governing party in Tigray, the Tigray People’s Liberation Front (TPLF). Thousands of people are believed to have been killed and more than 950,000 displaced, some 50,000 of them into Sudan, according to United Nations estimates.
Sudanese Prime Minister Abdalla Hamdok visited Ethiopia briefly on Sunday and relayed his concerns about threats to Sudan’s security along its border with Tigray.
Additional reporting by Alaa Swilam in Cairo; Writing by Nadine Awadalla; Editing by Aidan Lewis and Rosalba O’Brien
قال رئيس الوزراء الإثيوبي أبي أحمد أنه يتابع الحادث الحدودي مع السودان، مشيرا إلى أن لن يؤثر بالعلاقات مع الخرطوم.
وأعلن الجيش السوداني، الخميس، أنه أرسل تعزيزات كبيرة للحدود مع إثيوبيا بعد مقتل عدد من جنوده، كما تقدمت الخرطوم بشكوى للاتحاد الإفريقي ومنظمة "إيغاد" بشأن الاعتداءات الإثيوبية.
وقال الجيش السوداني، في بيانه، إنه يتم التواصل مع أديس أبابا لوقف الاعتداءات من ميليشيات وقوات إثيوبية، مشددا: "سنتصدى بقوة لأي محاولات عسكرية لاختراق حدودنا".
ونقلت مواقع سودانية عن جنود عائدين من المعارك الحدودية قولهم، إنهم تعرضوا لقصف من الجيش الإثيوبي، وأن الجيش فوجئ بقصف مدفعي إثيوبي أثناء عملية تمشيط حدودية، مؤكدين أن الهجوم الذي تعرض له الجيش مصدره قوات منظمة وليس ميليشيات.
وكانت القوات المسلحة السودانية قالت، الأربعاء، إن قواتها "تعرضت لكمين من القوات والميليشيات الإثيوبية" خلال دورية أمنية بالمنطقة الحدودية.
وأضافت في بيان "أثناء عودة قواتنا من تمشيط المنطقة حول جبل أبو طيور داخل أراضينا تعرضت لكمين من القوات والميليشيات الإثيوبية داخل الأراضي السودانية، نتيجة لذلك حدثت خسائر في الأرواح والمعدات"، مشيرة إلى أن الهجوم وقع أمس الثلاثاء.
ولم يحدد الجيش السوداني عدد أفراده الذين قتلوا.
واندلع قتال في الرابع من نوفمبر بين الحكومة الإثيوبية والجبهة الشعبية لتحرير تيغراي - الحزب الحاكم السابق - في الإقليم الواقع في شمال إثيوبيا.
ومن المعتقد وفقا لتقديرات الأمم المتحدة بأن آلافا قتلوا ونزح أكثر من 950 ألفا، نحو 50 ألفا منهم إلى السودان.
وزار رئيس الوزراء السوداني عبد الله حمدوك إثيوبيا لفترة وجيزة، الأحد، ونقل لمسؤوليها مخاوفه بشأن التهديدات لأمن السودان على طول حدوده مع تيغراي.
“There are multiple credible reports that there are Eritreans fighting in Tigray”
Source: Lord David Alton
Dec 16, 2020
Following concerns expressed in the House of Lords about the plight of people being caught up in the horrors of war, Parliamentarians who have been following events in Tigray and Ethiopia have been asking some searching questions of the UK Government and the international community.
In a recent meeting with senior members of the Foreign, Commonwealth and Development Office, Members of the Lords and Commons were told the following points:
ሎሚ መዓልቲ ኣብዚ ንርከብ ዘሎና፡ ነቲ ናይ ሎሚ 10 ዓመት ናብ ናይ ዘልኣለም መዕረፊ ዘፋነናዮ ጂግና ሓውናን ብጻይናን ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ንምዝካር ኢዩ። 10 ዓመታት፡ ብሰዓታት ብመዓልታት ብሰሙናት ብኣዋርሕ ክንቆጽሮ ከሎና ነዊሕ ኢዩ ዝመስል፣ እንተኾነ ግን ስራሓቱን ኣሰራት ቃልሱን ኣማዕዲዩ ዝጥምት ኣተሓሳስባኡን ኣብ ናይ ሎሚ ሃለዋትና ዓቢ ቦታ ሒዙ ስለዘሎ ትማሊ ኮይኑ ኢዩ ዝስመዓና። ኣብ ስዩም ዘሎና ዝኽሪታት ዘይሃስስ፡ ወትሩ ሓዲሽ ኢዩ። ንክቡራት ስድራ ቤት ስዉእ ስዩም፡ ነዚ መዓልቲ ዝኽሪ 10 ዓመት ኣዳሊዮም፡ ንሃገራዊ ኣበርክቶ ስዩም ከነኽብርን ሂያው ክንገብርን ዘኽኣሉና ምስጋና ይብጻሓዮም።
ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት፡ ካብዚ ቦታ ዚ ንሓርበኛ ስዉእ ስዩም፡ ንዑኡ ዝግባእ ክብሪ ሂብና ኢና ኣፋኒናዮ። ኣብቲ መዓልቲቲ ሆላንዳውያን ባዕላቶም ከምዝገልጽዎ ንሓያለይ ዓመታት ከምኡ ዝኣመሰለ በረድ ክወርድ ርእዮም ከምዘይፈልጡ ኢዩ። መሬት ኩሉ ብበረድ ሻሽ መሲሉ ኣስከሬን ሓርበኛ ስዩም ብሞተር ዝዝውሩ ፖሊስ ተዓጂቡ ኔሩ ኣብ መካነ-መቓብር ዝበጽሐ። ካብ ሙሉእ ሃገራት ኤውሮጳን ካብ ሰሜን ኣመሪካን ኢትዮጵያን ዝመጹ ፈተውቱን ቤተሰቡን ናይ መጨረስታ ሰላምታ ሂበሞ። ብወሓይዝ ንብዓት ጠልቅየን ዝነበራ ኣዒንታትና ንምቕባሉ ዘይከኣላ ሬሳ ጅግና እናረእያ፡ ብከቢድ ጓህን ሓዘንን ዝተመልአ ልብና፡ ነመስግነካ ስለ እቲ ጽንዓትካ እናበልና ኢና ኣፋኒናዮ። ምፍናው ጥራይ ውን ኣይነበረን፡ ኣገዳሲ መልእኽቲ ተመሓላሊፉ ኢዩ - ንሕና ኤርትራውያን፡ ክርስትያንና ኣስላምና፡ ኣበየናይ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ማሕበር ኔርና ብዘየገድስ ንኣበርክቶ ሓርበኛ ስዩም ኣብ ሃገራዉን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ብልቢ ከምዝኣመንናሉን፡ ዓቢ ኣኽብሮት ኣብ ልዕሊ ስዉእና ከም ዝነበረናን ዘመስከርናሉ መዓልቲ ኢዩ ውን ኔሩ።
ሓርበኛ ስዉእ ስዩም ዕቕባሚካኤል ሓሚመ፡ ደኺመ ዘይፈልጥ ዘይስልኪ ተስፋ ዘይቆርጽ ንህዝቢ ነፍሱ ዘወፈየ ተጋዳላይ ኢዩ ኔሩ። ብጻይ ስዩም ቅድም ምእንቲ ናጽነት፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ምእንቲ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ብተወፋይነትን ጽንዓትን ተቓሊሱ።፡ ሓርበኛ ተጋዳላይ ስዩም ኣብቲ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ክሳብ ዕለተ-መስዋእቱ፡ ዘየቋረጸ ናይ ቃልሲ ዋሕዚ፡ ኣብ እምነቱ ብዝነበሮ ጽንዓት፡ ኣርሒቑ ኣብ ምጥማት፡ ንዝኣምነሉ ተሪሩ ኣብ ምምካት፡ ሰሪሑ ዘይደክም ጻዕረኛ ብሩህ መጻኢ ተስፋ ምምዕዳው፡ ተወፋይነት፡ ገለ ኣብነታት ካብ መለለይ ጠባዩ ምዃነን ኣረጋጊጹ ኢዩ። ስዉእ ስዩም ኣብ መትከላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሮ እምነት ተሪር ኔሩ ኢዩ። እዚ መትከላትዚ ኣብ ዝተጋህሰሉ እዋናትን ምፍንጫላት ኣብ ዝተኸስተሉ መድረኻትን ግምባር ቀደም ኮይኑ ተቓሊሱ ኢዩ። ጽኑዕን ውፉይን ሓላዋይ መትከላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኔሩ ክበሃል ዝከኣል ኢዩ። ስዩም ሓያል መካቲ- እቲ ዝበልሐ ጫፍ ኣብ ምምካት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኔሩ። ስዩም ናይ ሓደ ሰብ ስራሕ ጥራይ ዓሚሙ ዝኸይድ ኣይነበረን። ኣብ ዝኾነ ውድባዊ ስራሕ ኣትዩ ከድምዕ ዘኽእሎ ብቕዓታት ኔርዎ። ስዩም ብዙሕ መሊኹ ዝዛረበሉ ቋንቋታት ስለዝነበሮ ሙሉእ ዕጥቂ ዝወነነ ፖለቲካዊ መራሕን ዲፕሎማትን ኢዩ ኔሩ። ሓያል መዳራይ ሓያል ጸሓፋይ ሓያል ገጣማይ ሓያል ጎስጓሳይን ወዳባይን ክኸውን ተዓዲሉ ኔሩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ስዩም ተዋዛያይ፡ መስሓቕ ብዕላል ኣውዒሉ ዘሕድር ኢዩ ኒሩ። መደረታቱ፡ ጸብጻባቱ ክንዲ ኣየናይ ይንውሑ ብዘየገድስ፡ ፍሉይ ኣቀራርባን ዝሕውሰሎም ጣዕምታትን ስለ ዘለዎም ክሳብ ዝውድኡ መሰጥትን ኣዘናጋዕትን ኮይኖም ኢዮም ዝቕጽሉ ኔሮም።
ሓርበኛ ስዩም፡ ንነዊሕ ዓመታት ዝተቓለሰሉ ዲሞክራስያዊ ራእይ ከውን ከይገበረ ኢዩ ኣብ ዘይእዋኑ ተቖጽዩ። ኣብ ነዊሕ ዓመታት ቃልሱ ዘኻዕበቶ ተመክሮን፡ ሓያል ጻዕሪ እናገበረ ብርእሰ-ኩስኮሳ ዘማዕበሎ ፍልጠትን ብቑዕ መራሒ ናይዚ እዋንዚ ክኸውን ኣብቂዕዎ ኔሩ ኢዩ። እዚ ብቕዓትዚ ኣብ ዝወነነሉ እዋን ምስውኡ ድማ ኢዩ፡ ንመስዋእቱ ዝያዳ ኣሕዛኒ ዝገብሮ።
ስዩም መን ኔሩ
ስዩም ጥሪ 1946 ካብ ኣብኡ ሰርጊንቲ ዑቕባሚካኤል ራእሱ ካብ ኣዲኡ ወ/ ሂወት ባህታ ኣብ ወረዳ ሸውዓተ ደቂ-ድግና ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ድማ ዓቢዩ።
ናይ መባእታውን ማእከላይን ደረጃታት ትምህርቱ ኣብ ስታውያንን ኣብ ፕሪንቺፐን ተማሂሩ፡ ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቱ ድማ ኣብ ልኡል መኮነን ካብ 1961-1965 ተኸታቲሉ።
ስዩም ጌና ብንእሽትኡ ከሎ ርሱን ፍቕሪ ሃገር ስለዝሓደሮ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ተመሃራይ እንከሎ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ሃገር ክሳተፍ ጀሚሩ። በዚ መሰረት ሓደን ቀንድን ካብቶም ብሕቡእ ማሕበር ምንቅስቓስ ተመሃሮ ዝጀመሩን ዝመርሑ ዝነበሩን መንእሰያት ነይሩ። ኣብዚ ታሪኻዊ እዋን ምስ ስዩም ኣብቲ ምንቅስቓስ ካብ ዝሳተፉ ዝነበሩ ናይ ሓደ ቤት-ምህርቲ ተመሃሮ፡ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሃይለ ወልደትንስኤ (ድሩዕ) ሚካኤል ጋብር፡ ወልደሱስ ዓማር፡ ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ዓብደልራሕማን ሓሰን ምህሪ፡ ገረዝጊሀር ተወልደን ዓብደላ ሓሰንን ከምኡ ውን ካልኦት ይርክብዎም።
ስዉእ ስዩም፡ ብ1965 ናብ ሚዳ ቃልሲ ወጺኡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ንስተወሰነ ግዜ ኣብ ሜዳ ድሕሪ ምጽንሑ ድማ፡ ኣብ ናይ ከተማታት ውሽጣዊ ስርርዕ ምእንቲ ክሰርሕ ምስ ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን መምሪሒታት ሒዙ ብሕቡእ ናብ ከተማ ኣስመራ ብነሓሰ 1965 ኣተወ። ኣብ ናይ ከተማ ውሽጣዊ ስርርዕ ዝነኣድ ስራሓት ከምዝፈጸመ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብቐረባ ዝፈልጥዎ ብጾት ይምስክሩሉ። ስዉእ ስዩም ኣብ ውሽጢ ከተማ ገድላዊ ስራሑ እናካየደ ከሎ፡ ምስጢራዊ ምንቅስቓሱ ብጸላኢ ስለ ዝተፈልጠ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ባዕዳዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ናይ ቃልሲ ብጻዩ፡ ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገንን ካልኦት ናይ ውሽጢ ከተማ ተሓባበርትን ተኣስረ። ስዩምን ወልደዳዊትን ንዝሰርዕወን ሚስጢራዊ ጉጅለታት ንከቃልዑ ብመርመርቲ ቢት ማእሰርቲ ከቢድ መርመራ ተኻይድሎም። እንተኾነ ግን፡ንኹሉ ስቓይ ተጻዊሮም ንዝሰርዕወን ሚስጢራዊ ጉጅለታትን ምስኦም ተኣሲሮም ንዝነበሩን ንምድሓን በይኖም ሓላፍነት ወሰዱ። በዚ ምኽኒያት ከኣ ድሕሪ ማእሰርቶም ዝነበረ ስርርዓት ከይተናወጸ ገድላዊ ስራሑ ክቕጽል ከኣለ።
ስዉእ ስዩም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዝካየደሉ ዝነበረ ኣሰቃቒ መርመራታት ኣይረዓደን ኣይተጻዕደን። ብኣንጻሩ ግን፡ እቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊኡ ዝካየድ ዝነበረ ኣሰቃቒ ተግባራት ንሃገራዊ ስምዒቱ ኣንሃሮ። ኣብ ዕላምኡ ንዝነበሮ እምነት ኣደልደሎን ኣበርትዖን። ኣብ ቤትማእሰርቲ ኮይኑ ነቲ ቃልሲ ምስ ብጾቱ ቀጸሎ። ብዝተፈላለየ ምኽኒያት ተሓቢሶም ንዝመጹ ዝነበሩ መንእሰያት ኣብ ቃልሲ ሃገር ክሳተፉ ከምዝኽእሉ እገብር ነበረ። ኣብ ውሽጢዚ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ናይ ማእሰርቲ ግዜ ንኣስታት 25,000 ዝኾኑ ተኣሲሮም ዝመጹ ዜጋታት ሃገራዊ ምንቕቓሕ ምስ ብጾቱ ኮይኑ ከካይድ ከኣለ። ቤት ማእሰርቲ ንስዩም ሓዲሽ ናይ ቃልሲ ቦታ ኮነሉ። ስዩም ሓደ መዓልቲ ካብቲ ቀይድዎ ዝነበረ ናይ ጸላኢ መቑሕ ስዒሩ ከምዝወጽእ ይፈልጥ ብምንባሩ፡ ነዚ ክዉን ንምግባር ምስ ኣብ ግዳም ዝነበሩ ናይ ቃልሲ ብጾቱን፡ ኣብ ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ ተዋፊሮም ዝነበሩ ሃገራውያን ጥንቁቕ ዝምድና እናገበረ ጻዕርታት የካይድ ነበረ። በዚ መሰረት ድማ ጻዕርታቱን ሕልሙን ጋህዲ ኮይኑ፡ ሓይልታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ በቲ ንሱ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ፡ ዓቢ ግደ ዝተጻወተሉ ስርሒት፡ ብ12 የካቲት 1975 ኣብ ሓደ ሰዓት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣስመራን ዓዲዃላን ስዩምን ወልደዳዊትን ሃይለ ድሩዕን ዝርከብዎም ከባቢ 1000 ዝኾኑ እሱራት ብሙሉኦም ሓራ ኮኑ።
ስዉእ ስዩም፡ ካብ ማሰርቲ ተሳሒሉን በሊሑን ኢዩ ወጺኡ። ብዘይካቲ ዘማዕበሎን ዘስፍሖን ፖለቲካዊ ፍልጠቱ፡ ብዙሕ ቋንቋታት ውን መሊኹ ክዛረብ ይኽእል ኔሩ። ኣብ ልዕሊቶም ኣብ ትምህርቲ ዓለም ከሎ ዝተማህሮም ጣልያን፡ እንግሊዝ ኣምሓርኛ ኣብ ውጢቲ ቤት ማሰርቲ ኮይኑ ብሓርኮትኮቱ ዝተማህሮም ቋንቋታት ድማ ፈረንሳይ፡ ስፓንያ ዓረብኛ ኔሮም።
ስውእ ስዩም፡ ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ሕማቕ ናይ ማእሰርቲ ኩነታት ጸኒሑ ምስ ወጸ፡ ከም ሰብ ዕረፍቲ መድለዮ ኔሩ፡ ቤተ-ሰቡ ክርኢ መድለዮ ኔሩ። ኣብ ቅድሚ ስዉእ ስዩም ግን፡ እቲ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዝስራዕ ቃልሲ ንሃገርን ህዝብን ኢዩ ኔሩ። (ኣብ ሙሉእ ቃልሲ ሂወቱ ነዚ ኣስራርዓዚ ከይቀየሮ ብመስዋእቲ ተፈልዩ።) ከምኡ ስለዝነበረ ድማ፡ ብቀጥታ ኣብ ሃገራዊ ስራሑ ተጸሚዱ። ኣብቲ ብ1975 ዝተኻየደ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ተሓኤ ድሕሪ ምስታፉ፡ ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ከም ፖለቲካዊ ወኪል ተመዲቡ ክሰርሕ ሓዲሽ ምዕራፍ ናይ ቃልሲ ጀሚሩ። ድሕሪዚ ድማ ከም ኣቦ መንበረ ሃገራዊ ማሕበር ሓረስቶት ኤርትራ ኮይኑ ሰሪሑ። ስዉእ ስዩም ኣብዚ ከም ኣቦ መበር ሓረስቶት ኮይኑ ዝሰርሓሉ እዋን፡ ኣብ ሓረስቶት ኤርትራ ዘለዎ ተገዳስነትን ሓልዮትን ምስ ተራእየ ኢዩ “ሓረስታይ” ዝብል ቅጽል ስም ክጠብቆ ዝኸኣለ። እወ ስዩም ብሓቂ ተጣባቓይ ውጹዓት ሓረስቶት ኤርትራ ኢዩ ኔሩ።
ስዉእ ስዩም ኣብ ዝተፈላለየ ቤት-ጽሕፈታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርታራ-ሰውራዊ ባይቶ ላዕለዋይ ሓላፍነት ሒዙ ሰሪሑ ኢዩ። ከም ሓላፊ ኣህጉራዊ ጉዳያት ቤት-ጽሕፈት ኮይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ ግዚያት፡ መትከላትን ዓላማታትን ውድቡ ምስ ዓለም ምልላይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝፍጸም ዝነበር ግህሰታት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ኣብ ምቅላዕ ዓቢ ግደ ዝተጻወተ ሓርበኛ ኢዩ ኔሩ።
ሓርበኛ ስዩም፡ ካብ 2002 ክሳብ ዕለተ-መስዋእቱ፡ ከም ኣቦ-መንበር ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ መሪሕ ግደኡ ተጻዊቱ። ኣብ ዝነበራ መጨረስታ ኣዋርሕ ናይ ቃልሲ ሂወቱ፡ ነቲ ናይ ዓወት ስትራቲጅና ኢሉ ዝጽውዖ ዝነበረ ናይ ውድቡ (ሰውራዊ ባይቶ) መደባት ሒዙ ብጻዕቂ ተንቀሳቒሱ። እቲ ናይ ዓወት ስትራተጂ ኣብ ኣርባዕተ መዳያት ዘትኮረ ኔሩ፡
ኣብ ውሽጣዊ ውድባዊ መዳይ 2. ኣብ ጉዳይ ደምበ ተቓዉሞ 3. ኣብ ውሽጢ ኤርትራ 4. ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ
ኣብ ውሽጣዊ ውድባዊ መዳይ፡ ኩነታት እቲ ውድብ ክሕደስን፡ ኣወዳድብኡ ድማ ነቲ መድረኽ ቃልሲ ብዝሰማማዕ ኣገባብ ናብ ፓርቲ ክሰጋገርን፡ ስዉእ ስዩም ብዕቱብ ሰሪሕሉ።
ኣብ ደምበ ተቓዉሞ፡ ንክህልወካ ዝኽእል ፍልልያት ኣወንዚፍካ ብእትሰማማዓሉ ጉዳያት ሓቢርካ ምስራሕን፡ ንእትወስዶም ውሳኔታት ድማ እኹል መጽናዕቲ ጌርካ ክትበጽሖም ከሎኻ ኣተኣማማኒ ክኸውን ከምዝኽእል ይርኢ ኔሩ። ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝፍጠር ዝነበረ ዘይምርድዳእ ኣብ ደምበ ተቓውሞ፡ ብህዱእ መንፈስን ዕቱብ ኣቀራርባን ክፍታሕ ኣለዎ ካብ ዝብል ጽኑዕ እምነት ነቒሉ ተበግሶታት ይወስድ ኔሩ ኢዩ።
ብዘይ ተሳትፎ ህዝቢ ካብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ክወደቕ ከም ዘይክእል ብምእማን፡ ስራሕ ውድብ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ዘትኮረ ክኸውን መደባት ሓንጺጹ ንምዕዋቱ ይሰርሓሉ ኔሩ።
ብጻይ ስዩም ቃልሲ እቲ ዝመርሖ ውድብ ኮነ ህልውና ደምበ ተቓዉሞ ኣብ ሓደ ውሱን ኩርናዕ ተደሪቱ ንከይተርፍ ድኻሙን ጻዕሩን ከይጸብጸበ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ኣዉስትራሊያን ዝያዳ ድማ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ተደጋጋሚ ዑደታት ብምክያድ ዕዉት ዲፕሎማስያዊ ስራሓት ፈጺሙ ኢዩ። ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ሕድሕድ ምክብባር ዝተሰረተ ጽቡቕ ዝምድና ዋሕስ ናይ ሰላምን ሓባራዊ ዕብየትን ምዃኑ ኣጸቢቑ ስለዝኣመነ፡ ነዚ ጽቡቕ ዝምድናዚ ንምህናጽ ካብ ቀንዲ ተታሒዝዎም ዝነበሩ ጉዳያት ኢዮም ኒሮም። ኣብዚ ዝተመርኮሰ ዝርርባት ምስ ጠቕላይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነብስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ንምክያድ ተደጋጋሚ ርክባት ተገይሩ ኢዩ።
ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ሕዳር 2005 ናይ ሰውራዊ ባይቶ ላዕለዋይ ልኡኽ መሪሑ ንውድባዊ ስራሓት ናብ ኢትዮጵያ ከይድሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ኢዩ ብዕለት 17 ታሕሳስ ንውሑዳት ሰዓታት ድሕሪ ምሕማም ካብዛ ዓለም ተፈልዩ። ቁልጡፍ ዝግባእ ሕክምና እንተዝረክብ ክጸንሕ ምኽኣለ ኔሩ። ብዕለት 16 ታሕሳስ 2005 ድሕሪ ቀትሪ ስዩም ኣብ ቤት ጽሕፈት ውድቡ ነይሩ። ኣብዚ ዕለትዚ ምስ ብጾቱ ኣብ ቤት ጽሕፈት ብሓባር ተመሲሑ። ኣጋ ሰዓት 3፡30 ድሕሪ ቀትሪ ናብ ሆቴሉ ከዕርፍ ከይዱ። ክኸይድ እንከሎ፡ ጸኒሐ እንተመጺአ ክንራኸብ ኢና ተዘይመጺአ ድማ ጽባሕ ንግሆ የራኽበና ኢሉ ተፋንዩ ከይዱ። እንተኾነ ኣቐዲሙ’ውን ሰውነተይ ይኸብደኒ ኣሎ ይብል ስለ ዝነበረ ምሸት ኣይተመልሰን። እቶም ብጾት እውን ኣቀዲሙ ሓቢሩዎም ስለ ዝነበረ ብዘይ ምምጻኡ ብዙሕ ኣይተሻቐሉን።
ንጽባሒቱ ቀዳም ዕለት 17 ታሕሳስ ከባቢ ስዓት ሸውዓተ ናይ ንግሆ የሕምሞ ከም ዝነበረ፡ ቁሪቁሪ የብሎን ኣብ ኣፍልቡ ድማ ሸቕሸቕታ ይስምዖ ከምዝነበረ ንብጾቱ ገሊጽሎም። እዚ ድሕሪ ምስማዕ ብጾቱ ግዜ ከይወሰዱ ናብ ሕክምና ክወስድዎ ይውስኑ፡ ሓደ ካብኦም ድማ ሒዝዎ ይኸይድ። ኣብ ቀረባኦም ዝነበረ ሕክምና ምስ በጽሑ፡ ቅድሚ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ንግሆ ስለዝነበረ ምዱባት ሓካይም ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ክሳብ ሰዓት ኣኺሉ ሓካይም ዝመጹ ሓደ ኣብቲ ክሊኒክ ዝሓደረ ክኢላ ንግዜኡ ቃንዛ ዘዕግስ መርፍእ ንስዩም ወጊእዎ። እቲ ቃንዛ ውን ሃዲእሉ ኔሩ።
ሰዓት 8፡15 ናይ ንግሆ ኣቢሉ ይኸውን ሓኪም መጺኡ። ንስዩም እናመርመሮ ከሎ፡ እቲ ሓኪም ብኹነታት ስዩም ከም ዝሰንበደ ካብ ገጹ ይንበብ ነይሩ። እቲ ሓኪም መሳርሒታት እንዳቐያየረ ምስ ረኣዮ ክብደት ናይቲ ሕማም ተገንዚቡ ናብ ሆስፒታል ቤተ ዛታ ብኣምቡላንስ ከም ዝኸይድ ገበረ።
ኣብቲ ሆስፒታል ከይዱ ውን ሓካይም ንስዩም ከድሕንሉ ዝኽእሉ ክእለትን መሳርሕን ኣይነበሮምን። ኣብ ከባቢ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ልቢ ስዩም ስራሓ ከምዘቋረጸት ንብጾቱ ተነግሮም። ብከምዚ ድማ፡ እቲ ዕረፍቲ ዝበሃል ኣብ ሂወቱ ዘይፈልጥ ዝነበረ ስዩም ንዘልኣለም ዕረፍቲ ወሰደ።
ዜና መስዋእቲ ስዩም ምስ ተሰምዐ ዝኣመነ መቃልስቱ ኣይነበረን። ሽዑ እቲ ድሮኡ ዝነበረ መዓልቲ ክጎይ ዝረኣዮ ሰብ ከመይ ኢሉ ክኣምን? እቲ ንምዕዋት ሰላምን ፍትሕን ዲሞክራስን ዝገብሮ ዝነበረ ጉያ ብሕማም ዲዩ ብድኻም ፈጺሙ ክንኪ ኣይተራእየን። ንብጾቱ ወይ ንስድራ-ቤቱ ይጽላእኒ ኣሎ ወይ ይደኽመኒ ኣሎ ኣይበለን። እቲ ሓቂ ግን፡ ስዩም ከም ሰብ፡ ስጋ ኣዳም ዝለበሰ፡ ኣይሓምምን ኣይደክምን ኔሩ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቲ ሓሚመ ደኺመ ኢሉ ምዕራፍን ናብ ሓኪም ምኻድን ግዜ ናይ ቃልሲ ምብኻን ገይሩ ይርድኦ ስለዝነበረ ኢዩ። ኣብታ መወዳእታ መዓልቲ ናብ ሆስፒታል ተሰኒፉ ምስ ከደ ገለ ደቓይቕ ጥራይ ንክስዋእ ተሪፈንኦ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እቲ ኣትይዎ ዝነበረ ሆስፒታል ናይ ግሊ ምዃኑ ምስተረድአ “እዚ ድኣ ዋግኡ ክበዝሓና እንድዩ ናብ ዝሓሰረ ሕክምና ዘይትወስዱኒ” ኢሉ ምሕታቱ ቅድሚ ነብሱ ኣብቲ ቃልሲ ዘለዎ ሓልዮት ኢዩ ኣርእዩ። መስዋእት ስዩም ብምድግጋም ምስ ተነግርና ጥራይ ኢና ብሓዘን ስምባደን ተቐቢልናዮ። ኩሉ እቲ ንቓልሲ ብቐረባ ዝከታተል ዝነበረ ሰብ፡ እቲ ብኣመራርሓ ስዩም ጋህዲ ክኸውን ኢዩ ኢሉ ዝኣምነሉ ዝነበረ ለውጢታት ኣብቲ ውድብ ስንክልና ከየጋጥሞ ስግኣታቱ ገሊጹ ኢዩ ። እንተኾነ ግን ሕድሪ ዘይጠልሙ ብጾቱ፡ ነቲ ብጻዮምን መራሒኦምን ዝገደፎ ሃጓፍ ንምምላእ ንዝዓበየ ተወፋይነት ነብሶም ቀረቡ። ዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላራት ዝረኽቡሉ ዝነበሩ ርቡሕን ልዑልን ስራሓት ገዲፎም ኣብቲ ቃልሲ ብሙሉእ ግዜኦም ተጸሚዶም ነቲ መስመር ቃልሲ ቀጸልዎ።
ኣስከሬን ሓርብኛ ስዩም ጉዕዞኡ ናብ ሆላንድ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ናይ መፋነዊ መደብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዕለት 19 ተሰሪዑ ። ኣብዚ ሓጺር ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል ዝተነበሉን ንሓርበኝነቱ ዝገልጽ ግጥምታት ዝቐረበሉን ናይ ፈነወ ስነ-ስርዓት፡ ሓያሎ፡ ቤተሰቡን ፈተውቱን፡ መራሕትን ኣባላትን ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ኢትዮጵያውያንን ተሳቲፎም። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ስብሓት ነጋ ካብ ኢህወደግ፡ ኣንበሳድር ሱሌማን ካብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር፡ ኣንበሳደር ሃይለኪሮስ ገሰሰ ናይ ሽዑ ኣንበሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና፡ ኣቶ ሕቡር ገብረኪዳን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ፎረም ሰንዓን ካለኦትን ይርከብዎም። ኣስከሬን ስዩም ዕለት 20 ታሕሳስ ኣብ ሆላንድ ኣትዩ። ዕለት 30/12/2005 ድም ብክብሪ ኣብ ፍላርዲንገን ከባቢ ሮተርዳም ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።
እዚ ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት፡ ኩሉ ውልቃዊ ረብሓታት ራሕሪሑ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዝተቓለሰ ሓርበኛ፡ ሕልሚታቱ ብጋህዲ ክርኢን ብፍረ ቃልሱ ክሕጎስን ዝግብኦ ኢዩ ኔሩ። እንተወሓደ ውን ሓመድ ናይታ ንጽቡቓ ከርተት ዝበለላ ሃገር ክለብስ ኢዩ ዝግብኦ ዝነበረ። ነዚ ከይረኣዮ ይሕለፍ ምበር ከም ስዩም ዝኣመሰለ ተቓላሳይ ንህዝቡ ምበር ንነብሱ ዘይሓስብ ፍጥረት፡ እቲ ንዓመታት ዝተቓልሰሉ ሓቀኛ ዕላማ ንሱ ተዘይፈጸሞ ብድሕሪኡ ዝፍጽሙዎ ተቓለስቲ ከምዘለዉ እናኣመነ ኢዩ ተቓሊሱ። ከም እምነቱ ድማ እቶም ነቲ ንሱን ከምኡ ዝኣመሰሉ ተቓለስትን ዝተኸልዎ ፈልሲ፡ ኮስኲሶም ዘዐምብብዎን ኣብ ፍረ ዘብጽሕዎን ተቓለስቲ እናዓበዩን እናሰፍሑን ይኸዱ ኣለዉ። መንእሰያት ዝሳተፍዎ ቃልሲ ክኸውን ካብ ቀንዲ ድሌታትን ጻዕሪታትን ናይ ስዩም ዝነበረ እንሆ ሰሚሩ መንእሰያትና ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ይነጥፉ ኣለው።
ኣብ መደምደምታ ክበሃል ዝከኣል፡ ሓርበኛ ስዩም ንሙሉእ ሂወቱ ኣብ ቃልሲ ክውፈ ዝኸኣለ ንዕኡ ዘወፈይዎ ስድራቤት ስለ ዝነበሩ ኢዮም። ኣብ ክንዲ ናይ በይኖም ዝኸውን ንህዝቢን ሃገርን ክኸውን ስለዝፈቐዱ ኢዮም። ኩሎም ደቂ ስዩም ዓቢ ዋጋ ከፊሎም ኢዮም ብፍላይ ድማ፡ እቶም ዓበይቲ ደቁ ኣይዳ ስዩምን ጳውሎስ ስዩምን ምስ ኣዲኦም ወይ/ ኣዝመራ ሃይለ ኣብቲ ናይ ኣቡኦም ሓገዝ ክረኽብሉ ዝግባእ ዝነበረ እዋን በይኖም ኮይኖም ሂወቶም ምምርሖም ዓቢ መስዋእቲ ምኽፋል ኢዩ ኔሩ። እዚ ብስድራ ቤት ስዩም ዝተኸፍለ ዋጋ፡ ንቓልሲ ዝተኸፍለ ዋጋ ኢዩ። ከምቲ ቅድሚ 10 ዓመት ንስዉእ ስዩም ከነፋንዎ ከሎና ነመስግነካ ስለ ጽንዓትካ ዝበልናዮ፡ ንኩሎም ደቁ ውን ኩሉ ኪኢሎም ነቦኦም ጸኒዑ ክቃለስ ምግባሮም ዓቢ ምስጋና ይብጻሓዮም። ኣቦኦም ንህዝቢ ኤርትራ ብዝገበሮ ሙያ ዘይበርስ ውርሻ ገዲፍሎም ብምኻዱ ሕቡናትን ሕጉሳትን ኮይኖም ክነብሩ ዝተዓደሉ ኤርትራውያን ኢዮም።
ነዚ መዓልቲ፡ ብኣጋጣሚ መበል 10 ዓመት መስዋእት ጂግና ስዉእ ስዩም ዕቕባሚካኤል ክንዝክሮ ከሎና፡ ንኹሎም ኣብቲ ነዊሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዝተሰዉኡ ውን ብልቢ እናሓሰብና ኢና። ብፍላይ ውን ነቶም ምስ ስዩም ቀረባ ናይ ቃልሲ ዝምድና ዝነበሮም፡ ኣብቲ ቃልሲ ዓበይቲ ኣስተዋጽኦታት ዝገበሩ ድሒሮም ኣሰሩ ዝተኸተሉ ላዕለዎት ሓርበኛታት መራሕቲ፡ ስዉእ ኣሕመድ ናስር፡ ስዉእ ዓብደላ ኢድሪስ፡ ስዉእ ዶር/ በየነ ኪዳነ ንሃገሮምን ህዝቦምን ብዝገበርዎ ሙያ ካብ ዝኽሪታትና ዘይፍለዩ ኢዮም።
ስዉኣትና ንዘልኣለም ተኸቢሮም ይንበሩ!
ኣሰፋው በርሀ
As we, old comrades-in-struggle of Patriot Seyoum Ogbamichael (Harestai) solemnly mark today, 17 December 2017, the 12th year of his sudden and untimely passing away in a poorly-equipped Addis Ababa hospital, we do remember him for so many vividly memorable deeds and events, some of them resonating well with the Akriya of 31 October 2017. Martyr Seyoum was present with his schoolmates at a meeting of student demonstrators in Akriya 55 years ago!! And, ironically, those schoolmates of Seyoum included Eritrea's autocrat, Isaias Afeworki, who is today against everything that his generation dreamt of.
Seyoum's schoolmates in May 1962 included: Woldedawit,
Michael Ghaber, Mussie Tesfamichael, Haile and Isaias.
As every genuine patriot worth his/her salt would confirm it - and forgetting the bla bla of revisionists of history and facts - Akriya was always a hotbed of nationalist politics inside Asmara, and a hiding place for freedom fighters. Even Martyr Seyoum Harestai spent a couple of nights in an ELF urban hideout rented inside Akriya in August 1965 upon his (and Woldedawit Temesghen's) return to the city to organize people. (This writer, who attended the Mai Anbessa meeting of 55 years ago, also had the honour of spending a night with the two ELF fighters in Akriya precisely 52 years ago). Hajji Mussa M. Nur, co-organizer with Martyr Tuku Yihdego and group of the ELM/Mahber-Shewate demonstration over a year earlier, and who provided shelter and logistics to heroic Saeed Hussein and his ELF Fedayeen team for the successful airport operation of 1963, was for sure in Asmara/Akriya in May 1962 and was no doubt proud of what the young students were doing. One would hope he will survive the PFDJ prison of today and tell us how he would compare the 31 October 2017 demonstration with the demonstration of May 1962!
Ustaz Beshir School/Akriya-inspired demonstration of 31 October 2017 and the
Prince Mekonnen SecondarySchool-initiated demo of May 1962
had similar messages: Natsinet/Harnet Delina, Hagizuna!
Sadly, we are in a period forcing one to say with absolute certainty that our Asmara of the 1960s was better in many ways than Isaias Afeworki's Asmara of 2017 where a 93-year-old grandfather, Hajji Mussa, is incarcerated simply because his speech allegedly "incited" students to try to demonstrate in a nation that has been obliged to delete the word "demonstration" from its dictionary.
For the sake of the new generation that may know very little about Seyoum Harestai and his era of student militancy, who are a tiny minority today, I will write a few more lines about who he was and why he was at that the Mai Anbessa/Akriya meeting of students way back in May 1962!!
Seyoum Harestai
Seyoum Ogbamichael, one of Eritrea's strong-willed generation of freedom fighters, died on 17 December 2005 at the age of 59 reportedly of heart failure while serving as chairman of the Eritrean Liberation Front - Revolutionary Council (ELF-RC) and while discussing issues related to the formation of the present-day EPDP. Seyoum joined the armed struggle in March 1965 following a big student demonstration and after six months returned to Asmara clandestinely to give organizational shape to urban sympathizer of the nationalist cause. On 31 August 1965, Seyoum and Woldedawit were arrested by the Ethiopian security while meeting people in a hiding place near Kidane Mihret at a tailor's shop of a son of Akriya, Siraj Ahmed, the martyr of Barentu in 1978.
Between their arrest in August 1965 and February 1975, Seyoum and Woldedawit spent ten years in prison until the ELF liberated them together with other 1,000 Adi Qualla prisoners. Seyoum was at one time chairman of the General Union of Eritrean Peasants during which he led ELF's land distribution plan to landless peasants, and thus earned the nick-name of "Seyoum Harestai." Needless to say, he was among those patriots who were denied the return back home after liberation in 1991. When he died while on mission in Addis, his remains were brought to Europe for burial in the Netherlands.
Now Back to the Story of Demonstrations..
In Eritrea's pre-liberation era, what became impossible after 1991 was to some extent possible and safe. During Emperor Haile Selassie's reign in the 1960s, people did not face what EPLF freedom fighters faced in 1993 when they asked for minimum rights for daily survival. Student protesters in the 1960s were not shot at or killed like what happened to the disabled EPLF veterans in 1994 for voicing for attention and minimum care. Nor were prisoners of that era condemned to "detention until death", as UN's Sheila Keetharuth would put it, bringing to one's mind the situation of G-11 prisoners and many of their likes who are languishing in regime dungeons for decades without a day at court.
Ethiopia's or any alien occupier's abuses and absolute denial of rights could have been considered normal, and not normal by a government of independent Eritrea. But PFDJ's lawless Eritrea is not a normal state. As noted, PFDJ is against almost everything that Seyoum Harestai and his generation's demonstrators stood for.
Student demonstrations were frequent in the Asmara of the '60s, but those demonstrators did not at any time face death intimidations in the form of massive live gunshots as what happened on 31 October 2017 for very simple demands: the right to continue their normal school life started way back in 1967.
On the other hand, Asmara demonstrators of half a century ago raised much bigger political issues than the demands of the attempted demonstration of last October that started from Akriya. The issues raised by the Asmara demonstrators of May 1962 were challenges to the Eritrean Assembly and to the Emperor of Ethiopia.
As my references show, the Eritrean Assembly was to meet in the third week of May 1962 to resume discussion started the previous year about one 1 million birr grant by the Emperor to cover a deficit in the Eritrean Government budget of 18 million birr for the year 1960/61. Some members of the assembly, the like of Misghina Gebrezghi and Estifanos of (Decamere), were rejecting the Emperor's grant. They were arguing that Ethiopia had to pay to the Eritrean Government the sum of 72 million birr as unpaid arrears in the form of customs and federal levies. Seyoum Harestai and schoolmates in the then Prince Mekonnen Secondary School believed and hoped - understandably, quite naively - that their demonstration during the Assembly's meeting would influence the 68 Eritrean legislators towards changing the status of Eritrea, including the return of young students' favourite Blue Flag that was lowered down in the autumn of 1958.
They were big, big demands by student demonstrators! Yet, no live shots were directed to intimidate Seyoum and his co-demonstrators of 23 May 1962 who passed running near the Eritrean Assembly building in the then 'combishtato' (Campo Citato), singing 'we ask freedom, help us' - Tigrilgna:
Natsinet Delina,
Hagizuna"!
Again, unlike what happened on 31 October 2017, there was no single gunshot heard that day 55 years ago except the threats of horse-riding police (Bolis Abay) carrying black rubber sticks. Some students were, for sure arrested, but the rest of them were scattered to northern directions, up to Akria and Biet Giorghis.
Mai Anbessa Meeting of Student Demonstrators
The issue for the next day's demonstration was the demand for the release of detained students. To organize it, students agreed to meet at short distance north of Akriya. We later learned that the location of the meeting place was called Mai Anbessa.
My classmate Seyoum and I were among those who attended that meeting at which a few students made "speeches" encouraging each other against the police threats and their use of the rubber batons. I vividly recall that one of the speakers at Mai Anbessa was a girl by the name of Minnia (whose name I retained for always because she carried the name of my sister). Seyoum, the latter-day eloquent orator, was not among the speakers; instead, it was me, whose Tigrigna was still Kerenite that counted among those who said something related to the demonstration. After a while, policemen were seen heading towards the meeting place brandishing their rubble sticks - no guns!! For sure, there were police beatings. Many took shelter in Akriya homes while others continued the run towards city Centre, making sort of a successful second-day "running demonstration", and partly achieving the objective of Mai Anbessa gathering. On the fourth day (or may be the fifth day), all students previously detained were released.
Naturally, the May 1962 demonstration did not bring immediate changes - and of course no restoration of the Blue Flag ... kkkkk.... yet, that event sent its big message across the land!!
Together with the student demonstrations of those years, including the remarkable March 1965 demonstration in the city and later beyond it, the May 1962 chant of demonstrators calling the people for action - Natsinet Delina, Hagizuna - was gradually received well and influenced many citizens' nationalist awareness. Young students started joining the liberation struggle, as Seyoum and Woldedawit did in early 1965.
They say that no one can stop an idea whose time has come. A momentous start or re-start can be initiated by anyone, anywhere - say by Seyoum and his schoolmates in May 1962, or by the young Akriya boys and girls of 31 October 2017 from Ustaz Beshir Private School.
Today's call from Ustaz Beshir School is Harnet Delina, Hagizuna. And it is loud and clear. This renewed message for action will gradually but surely reach every corner of the nation, including Eritrea's hapless diaspora dispersed all over the globe. This new momentum from student demonstrators in Asmara will hopefully realize the much deferred dreams of so many Eritrean generations.
Thank you Akriya of the old good days of Seyoum and his generation that helped awaken thousands for national struggle, and thank you Akriya of today - Akriya of Hajji Mussa M. Nur, Akriya of so many great patriots of this nation with unfulfilled dreams.
May your soul rest in peace, Seyoum, and May Hajji Mussa and co-prisoners survive their ordeal in PFDJ prisons and be able to see the realization of the deferred drams of our countless martyrs, both fighters and civilians!!
ከምቲ ወለድና “ንዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” ዝብልዎ፡ ነቶም ሕድሪ ኣረኪበሙና ዝሓለፉ ሓርበኛታት ክንዝክሮምን ሕድሮም ክንዕቅብን ናይ ግድን እዩ። ሰማእታትና፡ ዋላኳ ብሕልና ወትሩ ምሳና እንተኾኑ፡ ብፍላይ ኣብ ከም ዕለተ-መስዋእቶም ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ኣጋጣምታት ክንዝክሮም ግቡእ እዩ። ትርጉም ናይ ምዝካሮም ከኣ ንሳቶም ዝጀመርዎ ቃልሲ ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ቃልና ንምሕዳስዩ። ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ካብ ዝተበጀዉ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ሓደ ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል (ሓረስታይ) እዩ። እነሆ ከኣ ካብ ዝስዋእ 15 ዓመት (17 ታሕሳት 2005-17 ታሕሳስ 2020) ኮይኑ። ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ብ24 ጥሪ 1946 ካብ ወላዲኡ ሰርጌንት ዑቕባሚካኤል ራእሱን ወላዲቱ ወይዘሮ፡ ህይወት ባህታን ኣብታ በራኽ ዓዲ ሓሰር የልቦ’ዩ ተወሊዱ። ሓርበኛ ስዩም ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ በጸሐ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ሰታውያን መባእታዊ ትምህርቱ ጀሚሩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ፕረንችፐ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ትምህርቱ ምስ ወደአ፡ 2ይ ደረጃ ትምህርቱ ፈጺሙ፡ ትምህርቱ ከኣ ኣብ ናይ ሽዑ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ልኡል መኮነን ቀጺሉ።
ሓርበኛ ስዩም ዑ/ሚካኤል ራእሱ ጉዳይ ሃገር ድቃስ ከሊእዎ፡ ኩሉ ገዲፉ ኣብ ጉዳይ ሃገር ተጸሚዱ። ኣብዚ ምስጢራዊ ሃገራዊ ጉዳይ ናይ ምስትብሃሉ ተበግሰኡ በይኑ ኣይነበረን። ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሃይለ ወልደሚካኤል (ድሩዕ)፡ ሚካኤል ጋብር፡ ወልደየሱስ ዓማር፡ ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ዓብደልራሕማን ሓሰን፡ ገብረእግዝኣብሄር ተወልደ፡ ዓብደላ ሓሰንን ካለኦትን ምስኡ ነይሮም። ስዩም ኣብ ጉዳይ ሃገር ተባዕ፡ ኣብ መሃዝነት ከኣ ተወዳዳሪ ኣይነበሮን። ስዩም ብዘይካቲ ኣብ ፖለቲካዊ ሜዳ ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ተሳትፎኡ 10 ዓመት ዝተኣስረን ብሳላ ንሱ እውን ዘበርከተሉ ሓርበኛዊ ስርሒት ተሓኤ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲዃላ ካብ ዝወጹ ኤርትራውያን ባእታታት ቅድሚት ዝስራዕ እዩ።
ብዛዕባ ሓርበኝነትን ሃገራውነትን’ዚ ብ17 ታሕሳስ ተሰዊኡ ብ30 ታሕሳስ 2020 ኣብ ሃገር ሆላንድ ሓመድ ኣዳም ዝለበሰ ስዩም ዑቕባሚካኤል ኣብ ግዜ መስዋእቱን ድሕሪኡ ኣብ ዝነበሩ ኣጋጣምታትን ብዛዕባኡ ካብ ዝተባህሉን ካብ ዝተጻሕፉን ምእንቲ ዝኽሩ ከነስፍር ኢና።
ስዩም ዑቕባሚካኤል (ሓረስታይ) ኣብተን ናይ መወዳእታ ሰዓታት
(ዝኽሪ መበል 15 ዓመት)
16 ታሕሳስ 2005 ድሕሪ ቀትሪ ቅድሚ 15 ዓመታት ስዩም ዑቕባሚካኤል ናይ ሽዑ ኣቦመንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቤት ጽሐት ውድቡ ነይሩ። ስዩም ኣቐዲሙ ብ27 ሕዳር 2005 ብውድባዊ ስራሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኡ ዮርዳኖስ ኣብ ዝበሃል ሆቴል እዩ ዝድቅስ ነይሩ። ኣብዚ ዕለትዚ ምስ ብጾቱ ኣብ ቤት ጽሕፈት ብሓባር ተመሲሑ ኣጋ ሰዓት 3፡30 ድሕሪ ቀትሪ ናብ ሆቴሉ ከዕርፍ ከይዱ። ክኸይድ እንከሎ፡ “ጸኒሐ እንተመጺአ ክንራኸብ ኢና ተዘይመጺአ ድማ ጽባሕ ንግሆ የራኽበና” ኢሉ ተፋንዩና ከይዱ። እንተኾነ ኣቐዲሙ’ውን “ሰውነተይ ይኸብደኒ ኣሎ” ይብል ስለ ዝነበረ ምሸት ኣይተመልሰናን። ንሕና እውን ኣቀዲሙ ሓቢሩና ስለ ዝነበረ ብዘይምምጻኡ ብዙሕ ኣይተሻቐልናን።
ንጽባሒቱ ቀዳም እዩ ነይሩ። ካብ ቤት ጽሕፈት ሰውራዊ ባይቶ ናብቲ ምስ ውድባት ብሓባር ንሰርሓሉ ዝነበርና ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ንምኻድ እንዳተሰባሸብኩ፡ ስዩም ደዊሉ ንኽመጾ ሓቲቱኒ። ሰዓት 7 ንግሆ እዩ ነይሩ። ቤት ጽሕፈትና ናብቲ ንሱ ዝነበሮ ሆቴል ቀረባ ስለ ዝነበረ፡ ናብቲ ሆቴል ቀልጢፈ በጺሐ። ምስኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኡ ምስ ዝነበረ ኣቶ መንግስተብ ኣስመሮም ድማ ኣብቲ ስዩም ዝነበሮ ክፍሊ ተራኺብና። ስዩም ካብቲ ዓራት ወሪዱ፡ ኮበርታ ደሪቡ ኣብ ወንበር ኮፍ ኢሉ ጸኒሑና። ከም ዝሓመመ ድማ ነጊሩና። ከመይ ከም ዝገብሮ ክነግረና እንከሎ “ቁሪቁሪ የብለኒ፡ ኣብ ከባቢ ልበይ’ውን ውግኣት ይስመዓኒ፡ ክሕሸኒ ኢለ ተተሓጸብኩ ድማ መሊሱ ገዲዱኒ” ኢሉና። ግዜ ከይወሰድና ናብ ሕክምና ክንከይድ ወሲና ድማ ኣነ ሒዘዮ፡ ኣብ ቦሌ ሳይ ኣብ ዝበሃል ህንጻ ናብ እትርከብ ኣቀዲምና ብማዕዶ ናብ እንፈልጣ ክሊኒክ ከይድና። እንተኾነ እዛ ክሊኒክ ተዓጽያ ጸኒሓትና። በታ ዝሓዝናያ ታክሲ ድማ ኣብ መስመር ቀንዲ ጐደና ቦሌ ኦለፒያ ኣብ ዝበሃል ቦታ፡ ጥቓ ናይ ሽዑ ቤት ጽሕፈትና ናብ እትርከብ ክሊኒክ ቤተዛታ ከይድና። ንግሆ ብምዃኑ መካይን ስለ ዘይበዘሓ ቀልጢፍና ኣቲና። እንተኾነ ሰዓት 8 ስለ ዘይኣኸለ ምዱባት ሓካይም ክንረክብ ኣይከኣልናን። ክሳብ ሰዓት ኣኺሉ ሓካይም ዝመጹ ሓደ ኣብቲ ክሊኒክ ተረኛ ዝሓደረ ክኢላ ንግዜኡ ቃንዛ ዘዕግስ መርፍእ ንስዩም ወጊእዎ።
ሓኪም እንዳተጸበና፡ ንስዩም እቲ ዝተወገኦ መርፍእ ጠቒምዎ እንተኾይኑ ሓቲተዮ። “እወ ደሓን እየ። ግና ሓኪምስ ደንጉዩና ጋና ድዩ ሰዓት” ኢሉ መሊሱለይ። ሰዓት 8፡15 ናይ ንግሆ ኣቢሉ ይኸውን ሓኪም መጺኡ። ኣብቲ ክሊኒክ ቀዲመሙና ዝበጽሑ ሕሙማት ስለ ዘይነበሩ ቅድሚ ኩሉ ስዩም ተራእዩ። ኣነ እውን ምስኡ ነይረ። እቲ ሓኪም ብኲነታት ስዩም ከም ዝሰንበደ ካብ ገጹ ይንበብ ነይሩ። ኣነ እውን ወዮ ነቲ ሕማም ኣቕሊለ ዝርእዮ ዝነበኩ እንዳተቐየረ ብውሽጠይ ክፈርሕ ጀመርኩ። እቲ ሓኪም መሳርሒታት እንዳቐያየረ ክርእዮ ምስ ጸነሓ፡ ካብቲ ዝነበሮ ክፍሊ ኮረር ብዝብል መንበር ናብ ካልእ ክፍሊ ወሲድዎ። ካብዚ ጀሚረን እንተን ከይደን ዘይርብርባ ዝነበራ ኣእጋር ስዩም ስራሐን ኣቋረጻ። ፍርሐይ ድማ ማዕረ እቲ ቅልጡፍ ምቅይያር ኣብ ኩነታት ስዩም እንዳዓረገ መጸ። ቁሩብ ጽንሕ ኢሉ ድማ እቲ ሓኪም ንእሽቶ ወረቐት ጽሒፉ ሂቡ፡ ብኣንቡላንስ ካብ ክሊኒክ ቤተዛታ ኣብ ከባቢ ስታድየም ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ቤተዛታ ብህጹጽ ክንከይድ ምዃና ስግኣትን ፍርሕን ብዝጸለዎ ቃላት ነጊሩኒ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ጐረቤት ናይ ሽዑ ቤት ጽሕፈት ሰውራዊ ባይቶ እዩ ኢለ ኣለኹ። ኣነ ኣብዚ ሰዓትዚ ንግሆ ሒዘዮ ዝወጻእኩ ገንዘብ ስለ ዝወዳእኩዎ፡ ናብ ሆስፒታል ቤተዛታ ቅድሚ ምኻድና ብጉያ ናብ ቤት ጽሕፈት ከይድ ገንዘብ ሒዘ መጺአ፡ ስዩም ኣብ ዓራት ደቂሱ ሳልሳይና መራሕ መኪና፡ ሓያል ናይ ኣሕልፉኒ ድምጺ ጥሩንባ ብእተስምዕ ኣንቡላንስ ናብቲ ሆስፒታል ጉዕዞ ጀሚርና።
ኣብ ጉዕዞና “ስዩም ከመይ ኣለኻ” ኢለ ሓቲተዮ። በቲ ምዑዝ ኣዘራርባኡ ድማ “እዋእ ደሓን እየ፡ እንተኾነ እታ ሸቕሸቕ ተብለንስ ኣየቋረጸትን” ኢሉኒ። ድሕሪኡ ካልእ ዘረባ ወሲኸ ከየድክሞ ዘረኣ ኣይወሰኽኩን። ኣነ ብውሽጠይ በይነይ ይዛረብ ነይረ። ስዩም እውን ከምኡ። እቲ ንኸዶ ርሑቕ ስለ ዘይነበረ ከኣ ቀልጢፍና ኣቲና። ነቲ ድምጺ ጥሩንባ ዝሰምዑ ናይቲ ሆስፒታል ሰረሕተኛታት መጺኦም ሓጊዘሙኒ፡ ንስዩም ካብታ ኣንቡላስን ኣውሪድና ኣብቲ ናይ ህጹጽ ረዲአት ክፍሊ ኣብ ዓራት ብጐቦ ኣደቂስናዮ። ቅድሚ ሓኪም ምምጻኡ ስዩም “እዚ ሆስፒታል ናይ መንግስቲ ድዩ ናይ ብሕቲ?” ኢሉ ሓቲቱኒ። ኣነ ድማ “ናይ ግሊ እዩ” ኢለ መሊሰሉ። ቀጺሉ “እሞ ወጻኢ ደኣ ክበዝሓና እንድዩ፡ ……… ናብ ሕስር ዝበለ መንግስታዊ ሆስፒታል ዘይንኸይድ” ኢሉኒ። ኣነ ድማ “እዚ ናይ ሕጂ ኩነታትካ ንርኣዮ እሞ እዚ ትብሎ ዘለኻ ደሓር ተረኣናዮ እዩ ዝሓይሽ” ኢለ ምስ መለስኩሉ፡ ድሕሪኡ ዘረባ ኣይቀጸልናን፡ ምኽንያቱ እታ ካብ ክሊኒክ ዝተዋህበትኒ ወረቐት ምስ በጽሓቶ ቀልጢፉ ዝመጸ ዶ/ር ዮናስ ስለ ዘቋረጸና። ዶ/ር ዮናስ ቅድሚ ስራሕ ምጅማሩ ካብቲ ክፍሊ ክወጽእ ኣዚዙኒ ወጺኣ። ድሕሪ እዚ ምስ ስዩም እነሆ ብኣካል ንሓዋሩ ተፈላሊና።
ዶ/ር ዮናስ ንስዩም ምስ ረኣዮ ብዝሃቦም ምልክት ብቕጽበት ኩሎም ናይቲ ሆስፒታል ሓካይም እንዳጐየዩ ናብታ ስዩም ዝነበራ ናይ ቅልጡፍ ረድኤት ክፍሊ ክኣትዉ ተዓዚበ። ወዮ ኣብ ቀረባ ዝጸንሐ ፍርሐይ ድማ ናብ ስንባደ ተቐይሩ። ንሕማም ሰጊረስ ብዛዕባ ሞት ክሓስብ ጀሚረ። በቲ ኣጸቢቆም ዘይዓጸውዎ ናይ መስኮት መጋረጃ ድማ ኩሎም እቶም ሓካይም ክኸብዎ ተዓዚበ። ካብቲ ምንቅስቓሳቶም ድማ ብውሕዱ ስዩም ትንፋስ ከም ዝሓጸሮ ተገንዘብኩ። ድሕሪ ዝተወሰነ ደቓይቕ፡ ከባቢ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ኣቢሉ ይኸውን ሕጂ ስሞም ዘይዝክሮ ናይቲ ሆስፒታል ሕክማናዊ ዳይረክቶር “ቤተሰብ ኣቶ ስዩም ዑቕባሚካኤል” ኢሎም ጸውዑ። ኣነን ናይ ስዩም ናይ ቀረባን ናይ ነዊሕ ግዜን ዓርኪ ኣቶ ገብራይ ገብረ እየሱስን ኮን ደኾን ተስፋ ንረክብ ብዝብል ትጽቢት ቀልጢፍና ቀረብናዮም። ዝሃቡና ሓበሬታ ግና “ኣቶ ስዩም ልቦም ስረሓ ኣቋሪጻ እያ። ናይ እግዚኣብሄር ደገፍ ተተወሲኽዎ ሓካይም ህይወቶም ንምድሓን ይቃለሱ ኣለዉ” ዝብል ቀዳማይ ደረጃ መርድእ ነገሩና።
ኣቶ ገብራይ ነቶም ሓኪም “ናብ ዝሓሸ ሕክምና ዋላ ናብ ወጻኢ ምውሳድከ ኣይከኣልን?” ኢሉ ሓቲትዎም። እቶም ሓኪም ድማ ወዮ ኲነታት ኣበይ በጺሑ ከምዘሎ ስለ ዝፈልጡ “ንሱ ሕጂ ዝግበር ኣይኮነን” ኢሎም መሊሰሙልና። ድሕሪዚ በብውሽጥና “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ” ኢልና። ደፊርና ግና ስዩም ክመውት እዩ ኢልና ክንዛረብ ኣይከኣልናን። ኣብዚ እዋንዚ፡ ኣሕዋት ገብሪህይወት ጸጋይ፡ ጅምዕ ኣሕመድ፡ መንግስተኣብ ኣስመሮምን ተኽላይ ተስፋጋብርን ብቕደም ተኸተል ናብቲ ሆስፒታል መጺኦምና ኣለዉ። እንደጋና ከባቢ ሰዓት 11፡30 ረፋድ እቶም ናይቲ ሆስፒታል ላዕለዋይ ሓላፊ ዶክተር ነዓይ ጸዊዖም “እዚኣ ኣብ ክፍሊ ገንዘብ ከፊልካ ምጻእ’ሞ ቅብሊት ሒዝካ ተመለስ” ኢሎም ናይ 194 ብር መእዘዚ ሂቡሙኒ። ከፊለ ቅብሊት ሒዘሎም ምስ ተመለስኩ በቲ ጭንቅና እንዳተጨነቑ “እምበኣር ጻዕርና ኣይሰመረን፡ኣቶ ስዩም ዓሪፎም እዮም” ኢሎም ኣርዲአሙኒ። በዚ ድማ ናይ መወዳእታ ናይ ስዩም ቃላትን ናይ ስዩም ዕረፍትን ቀዳማይ ሰማዒ ክኸውን ክኢለ። ብኡንብኡ ድማ ነቶም ኣብኡ ምሳይ ብስግኣት ተዋሒጦም ዝነበሩ ኣቐዲመ ኣስማቶም ዝዘርዘርኩዎ ኣሕዋት ኣርዳእኩዎም። ጸሓይ እቲ ባህርያዊ ብርሃን ናይ ምልጋስ ተግባራ ኣይቀየረትን። ንዓና ግና ንዝተወሰነ ግዜ ጸልሚቱና። ንደገን ንውሽጥን ድማ ከም ሕሱም ነቢዕና።
ድሕሪ እዚ ብጉዳይ ስዩም ዘይኮነስ ብዛዕባ ኣስከሬኑ ክንሓስብ ተገዲድና። ስዩም ድማ ድሮ ብዛዕብኡ እንዳተዛረብና ናብ ዘይዛረብ ኣይግዳዱ ተቐይሩ። ነናትና ስረሓት ክንሰርሕ ተቐሲብና። ገሌና ንላዕለዎት ሓለፍቲ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤምባሲ ሆላንድን ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ምሕባር ተዋፊርና። ገሌና ድማ ኣብ ምውጋን ኣስከሬን ናይቲ ሽዑ ዝተፈልየና ሓርበኛ ተጸሚድና። በዚ መሰረት ቅድሚ ኣበይን ብኸመይ ይቕበር ዝምልከት ውሳነ ምፍላጥና ኣስከሬኑ ክምርመር ናይ ግድን ስለ ዝነበረ፡ ገብረ እግዚኣብሄር ካብ ዝበሃል ትካል ኣስከሬን ኣትጸውር መኪናን ሳጹንን ኣምጺእና “ናይ ኣስከሬን ይመርመረልና” ጥርዓን ናብ ፖሊስ ኣቕሪብና ናብ ሚነሊክ ሆስፒታል ወሲድናዮ። ዕለቱ ቀዳም ስለ ዝነበረ ከኣ ሰኑይ ክንምለስ ቆጸራ ወሲድና። ንስዩም ምስ ከዛርብዎን ከዛርቦምን ዘይክእል ኣስከሬናት ገዲፍናዮ ተመሊስና። እዚ ኩሉ ወዲእና ከባቢ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤት ጽሕፈትና ተኣኪብና። ኣብዚ ኣኼባና ሓዘና ክኢልና፡ ነብስና ከፋፊልና ክንዓሞ ብዛዕባ ዝግበኣና ስረሓት ወሲና። ሰኑይ ንግሆ፡ ገሌና ጉዳይ መርመራ ኣስከሬን ክንከታተል፡ ገሌና ብዛዕባ ኣስከሬን ናብ ሆላንድ ዝጐዓዘሉ ኣገባብ፡ ምስ ናይታ ሃገር ኤምባሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ናይ ኢትዮጵያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትርን ርክባት ክንገብር ዝተረፍና ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮይና ገጾም ክኸድኑ ንዝመጹ ኣጋይሽ ክንቅበል ተሰማሚዕና።
ሰኑይ 19 ታሕሳስ 2005 ምስ ኮነ እቶም ጉዳይ ኣስከሬን ንከታተል፡ ንጉዕዞ ብዘኽእል ኣገባብ ብኩባዊት ክኢላ ኣመርሚርና፡ ንናይ ርሑቕ ጉዕዞ ዝምጥን ሳጹን ገዚእና ነቲ ኣስከሬን መዝሓሊ ናብ ዘለዎ ሆስፒታል ሓያት ወሲድና ዓቂብናዮ። እቶም ኣብ ካልእ ስረሓት ዝተዋፈሩ ኣሕዋት እውን ብተመሳሳሊ ስረሓቶም ኣሰላሲሎም። ኣስከሬን ሰሉስ 20 ታሕሳስ 2005 ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሆላንድ ክጉዓዝ ከም ዝኽእል ርግጸኛታት ምስ ኮይና ድማ ኣብ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦታ ኣትሒዝና።
ቅድሚ ኣስከሬን ጉዕዞ ናብ ሆላንድ ምጅማሩ፡ ሆስፒታል ሓያት ኣዳራሽ ፈቒዱልና ናይ መፋነዊ ፕሮግራም ሰሪዕና። ኣብዚ ሓጺር ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል ዝተነበሉን ንሓርበኝነቱ ዝገልጽ ግጥምታት ዝቐረበሉን ናይ ፈነወ ስነ-ስርዓት ንስዩም ዝምጥን እኳ እንተዘይነበረ፡ ሓያሎ፡ ቤተሰቡን ፈተውቱን፡ መራሕትን ኣባላትን ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ኢትዮጵያውያንን ተሳቲፎም። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ስብሓት ነጋ ካብ ኢህወደግ፡ ኣንበሳድር ሱሌማን ካብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር፡ ኣንበሳደር ሃይለኪሮስ ገሰሰ ናይ ሽዑ ኣንበሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና፡ ኣቶ ሕቡር ገብረኪዳን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰንዓ ፎረምን ካለኦትን ይርከብዎም።
ድሕሪ እዚ ምሸት በዚ ዕለት እዚ ክሳብ ሰዓት 10 ናይ ምሸት ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣስከሬን ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካእል ናብ ሆላንድ ብኣድራሻ በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ኣዝመራ ሃይለ ኣፋኒና ናይ ኣዲስ ኣበባ ሓዘና ዓጺና።
ደበሳይ በየነ