ካብቶም ግዳያት ብኸፊል

ካብ ኬንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኡጋንዳ ክኣትዉ ፈቲኖም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 218 ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብሓይልታት ጸጥታ ክልቲአን ተዳወብቲ ሃገራት ከም ዝተዓገቱ ቢቢሲ ሓቢራ። ጸብጻብ ፖሊስ ናይተን ሃገራት ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ግዳያት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጉጅለታት ተኸፋፊሎም እንከለዉ እዮም ኣብ ዶባዊት ከተማ ኡጋንዳ ሞሮቶ ተታሒዞም።

ኣብታ ብ2 ሓምለ 2025 ዝታሕዘት ጀልባ፡ 74 ኤርትራውያን ክተሓዙ እንከለዉ፡ ንጽባሒቱ ኣብ ናይ ሓንቲ ቁሸት ኣጓዱ ተሓቢኦም እንከለዉ ዝተታሕዙ ከኣ 13 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 36 ምዃኖም እቲ ዜና ኣስፊሩ። ብተመሳሳሊ ኩነታት ብ5 ሓምለ ሎኪቶንያለ ኣብ ዝበሃል ቦታ ኣብ ከባቢ ዶብ ኣሰጋገርቶም ገዲፈምዎም ዝሃደሙ 13 ህጻናት ዝርከብዎም 108 ኤርትራውያን ካብቶም ብፖሊስ ዝተታሕዙ ግዳያት ምዃኖም ቢቢሲ ፖለስ ኬንያ ብምጥቃስ ኣብቲ’ቲ ዜና ኣስፊራ።

ኢንደፐንደት ዝተባህለት ጋዜጣ ኬንያ ብወገና፡ ብፍላይ ነቶም 108 ብምጥቃስ፡ ናይዞምም ህጽናትን ኣደታትን ዝርከብዎም ኤርትራውያን ግዳያትን ኣሰጋገርቶምን ጉዳይ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣላለ ኣብ ዝተባህለ መደበር ፖሊስ ኣብ ትሕቲ መርመራ ከም ዝርከብ ሓቢራ።

እዚ ናይ ኤርትራውያን ብኬንያ ኣቢልካ ናብ ኡጋንዳ ምእታው፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ዝተለምደ መስመርኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ምስቲ ኤርትራውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያን ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ ዘጋጥሞም ዘሎ ተጽዕኖን ማእሰርትን ከምኡ እውን ተገዲድካ ናብ ኤርትራ ምምላስ ዝያዳ ዝጋደድ ዘሎ እዩ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ብጉዳይ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣመክሊቱ፥ ንመሓመድ ዓብዱሰላም ባብክር፡ ፍሉይ ተኸታታሊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ሒዝዎ ዝጸንሐ ዕማም ወይ ሓላፍነት ክቕጽሎ ምውሳኑ፡ ዓወት ንደለይትን ተጣበቕትን ንፍትሒ ብሓደ ሸነኽ፥ ዓቢ ጽፍዒት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራን ኩሎም ብራዕድን ጭቇንን ንህዝቦም ዝገዝኡ ዲክታቶርያውያን ስርዓታት ዓለምን ከኣ ብኻልእ ሸነኽ ኢዩ ኰይኑ።

እዚ ከኣ፡ ንተጠባበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ንዲሞክራስያውያን ሃገራትን ከካይድዎ ዝጸንሑ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ዘተባብዕን ንኹሎም ኣንጻር ጭቆና ክቃለሱ ዝጸንሑ ሸነኻት ብሓፈሻ  ዓቢ ዓወት ክኸውን እንከሎ፥ ብኻልእ ገጹ ከኣ፡ ኣብ ግዳም ንዘለዋ ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ሓይልታትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ከጋጥመን ንዝጸንሐ ብድሆታት ተጻዊረን ናብ’ዚ ዓወት’ዚ ምብጽሐን ዓቢ ብስራት ኢዩ።  

እዚ ተበግሶ’ዚ ዓቢ ኣህጉራዊ ደገፍ ንኽረክብ፡ ናብ 26 ኣባላት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀና ሃገራት፡ ንተመዚዙ ዝጸንሐ ወኪል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ሓላፍነቱ ከሐድሳሉን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኤርትራ ከኣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከመሓይሽ ጸቕጥታት ክገብራን ዝጽውዕ ወግዓዊ መልእኽትታትን መጸዋዕታን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ወሳኒ ግደ ተጻዊቱ ኢዩ።

ተወሲዱ ዘሎ ውሳኔ፡ ብስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዝፍጸሙ ዓበይቲ ግህሰታት ንምክትታልን ንምምዝጋብን ክቕጽል ብሓደ ሸነኽ፥ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም ንዝነጥፉ ኤርትራውያን ተዋሳእቲ ድማ ዋሕስነቶም ንምርግጋጽ ዝሕግዝን ክኸውን ኢዩ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

8 ሓምለ 2025

ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት እውን ግዳይ ህግደፍ ኮይኑ፡ ብትሕዝቶኡ ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ዘይፍለ ህይወት ዘሕልፍ ዘሎ ምዃኑ ርኡይ እዩ። ምረትን ክብደትን ናይቲ ኣብ ልዕሊኡ ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን ባዕሉ ዝሓልፎ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡  ናይ ካልእ ኣካል መብርህን ምስክረነትን ዝደልየሉ ኣይኮነን። ሕብርተሰብ ዓለም እውን ንኩነታት ኤርትራ ብቐረባ ተኸታቲሉ ንተግባራት ህግደፍ ከውግዞ  ዝጸንሐን ዘሎን ስለ ዝኾነ ብዛዕባኡ ከም  ሓድሽ ተርእዮ ክንገሮ ዝጽበ ኣይኮነን።

ኣብ ኤርትራ ብህዝብን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውዳቤታቱን ምንቅስቓሳቱን  ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ሓደ ካብ መልእኽታቱ፡ ንኤርትራን ህዝባን ኣደዳ ግዳይ ህግደፍ ካብ ምዃን ንምድሓኖም እዩ። ምኽንያቱ ፡ ኣብ ኤርትራ ውሑስ ሓርነት  ከይተረጋገጸ ህዝቢ ምሉእ ብምሉእ  ግዳይ ህግደፍ ካብ ምዃን ስለዘይድሕን።  ናይቲ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ውዳበን ኣተሓሳስባን  ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዓቕምታት፡ “መጻኢት ኤርትራ ከመይ ትኹን?” ኣብ ዝብል፡ ነናቱ እማመታት ከም ዝህልዉዎ ርዱእ ኮይኑ፡ ቅድሚ ኩሉ ግና ህዝብን ሃገርን ግዳይ ህግደፍ ካብ ምዃን ምድሓን  ናይ ኩሎም ማእከላይ እምንቶን ተልእኮን እዩ ክኸውን ዝግባኦ። ስለዚ ድማ እዩ፡ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ጭቆና ህግደፍ ናይ ምንጋፍፉ ዕማም ሓባራዊ እምበር፡ በበይንኻ ብዝካየድ ወፍሪ ዝዕመም ከም ዘይኮነ፡ ኣብ ተመኩሮና ብግብሪ ዝተጋህደ። እቲ ናይ ለውጢ ኣካላት ዝፈላልዮን ዘሰማመዖን ኣለሊዩ፡ ብውሕዱ ብንኡስ መደባት (minimum program) ብሓባር ብሰንኪ ዘይምስጓሙ ኣብ ልዕሊ ህግድፍ ከድምዕ ዘይምኽኣሉ፡ ድሕሪ ሕጂ ክማሃረሉን ከእርሞን ዝግበኦ ተመኩሮ እዩ።  

ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ዝገብሮ ዘሎ፡ በቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክንድቲ ዝደልዮ ከይስጉምን በቲ ዝኣምነሉ ከይሓስብን ዘሪዕዎ ዘሎ ጥራይ ዝግለጽ ኣይኮነን። ኣብ ወጻኢ እውን ነቲ ብሰንኩ ዝተሰደ ኤርትራዊ  እናሰዓበ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዝበደሎ፡  ግዳይ ካብ ዝገብሮ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ነቲ ኣብ ስደት ብዝረኸቦ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ነጻነትን ዲሞክራሲያዊ መሰልን ተጠቒሙ “እምቢ ግዳይካ ኣይከውንን እየ”  ዝበለ ኤርትራዊ መንእሰይ ክሳብ ክንደይ የጨንቖ ከምዘሎ፡ ነቲ ካልእ ነውራምን  ዘሰክፍን ዝርዝር ገዲፍካ፡ ሬሳኡ ኣብ ሃገሩ ሓመድ ከይለብስ ክሳብ ምኽልካል ዝበጽሕ እኩይ ተግባር እዩ።

እቲ ኣብ ኤርትራ ከም ቁርዲድ ምስ ህዝቢ ተላሒጉ ደም ዜጋታት ዝመጥጥ  ዘሎ ጉጅለ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብሰንኪ ዘባርዖ  ውግኣት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክወርድ ዝጸንሐ ጉድኣት፡ በቶም ኣብቲ ውግኣት ግዳይ ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊትን ሻቕሎት ስድራቤቶምን ጥራይ ዝርአ ኣይኮነን። ኣብተን  ህግደፍ ዝበኣሰን ሃገራት ዝነብር ኤርትራዊ እውን ክሳብ ክንደይ ግዳይ ክኸውን ከም ዝጸንሐ ናይ ካልእ ምስክርነት ዘይንሓተሉ ኣብ ሕልና ነፍሲወከፍና ዘሎ ቁስሊ እዩ።  ድሕሪቲ ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ 2020-2022 ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ተዓቚቦም ዝነበሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት ዝወረደ ሞት፡ ስቓይን ዳግማይ ስደትን ሓደ ካብ  መርኣያታት ህዝብና ግዳይ ህግደፍ ናይ ምዃኑ እዩ።

ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ እንተተነጺሉ፡ “ካብ ማይ ከም ዝወጸ ዓሳ” ከምዝኸውን ኣጸቢቑ  ስለ ዝርዳእ፡ ንኹሉቲ በይኑ ገዛ ዓጽዩ ዝኣልሞ ተንኮላትን ዝውጥኖ ውግኣትን “ምስ ህዝቢ ተማኺሩ ንረብሓን መሰልን ህዝቢ ዝኸፈሎ ዋጋ”  ኣምሲሉ ከቕርቦ ከምዘይሓፍር ብተግባር ዘርኣዮ’ዩ። ብኸምዚ ከኣ ነቲ ኣብ ግዜ ራህዋ ክንዲ ፈረ ኣድሪ ዘይርእዮ ህዝቢ፡  ኣብቲ ንዓኡ ዝድልዮ ኣጋጣሚታት ይብለጸሉ። “ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጻት እዮም” ንዝብል ናይ ሸፈጥ መዝሙር ከኣ ኣብቲ ዘድልዮ እዋን እዩ ዘበርኾ።  እቲ ሰንካም ጉጅለ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተዋሰኦ ዘኹድድ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ድላዩ ዝጥምዘዞ እምበር፡ “ኣነ የለኹሉን እሞ ብስመይ ኣይትዋገ” ኢሉ ከምዘየቃልዖ ስለ ዝድንድኖ እዩ። እዚ እውን ካልእ መልክዕ ነቲ ህዝቢ ግዳይ ናይ ምግባሩ ብደዐ እዩ።

ብሓፈሻ ኣብ ኩለን ህግደፍ በብግዜኡ ህውከት ዝፈጠረለን፡ ሃገራት ዝነብር ኤርትራዊ፡ ብፍላይ ድማ ብሰንክ’ቲ  ናይ 1998-2000 ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤትራውያን ዜጋታት፡’ ዝወረደ ክሳብ ሎሚ ስንብራቱ ዘይሓወየ፡ ግዳይ ዝኾነሉ ሕሱም ተዘክሮ እዩ። እንተ ህግደፍ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ነገራውን ስነ-ኣእምሮኣውን በሰላ ከይዓጠጦ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዝተፈጸመ በደል፡ ከም ናይ ፕሮፖጋንዳ ስራሓቱ መመላኽዒ እዩ ተጠቒምሉ።  እቲ ዘሕዝን ከኣ ናይዚ ተንኮላት ግዳያት ኮይኖም ክንሶም፡ ሎሚ’ውን ንህግደፍ “ክንሞተልካ ኢና” ዝብልዎ ውሑዳት ኣርሒቖም ዘይሓስቡ  ምህላዎም እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ነዚ በብግዜኡ እሞ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ግዳይ ዝኾነሉ ሕማቕ ተመኩሮ ንድሕሪት ተመሊሱ’ኳ ክቕይሮ እንተዘይከኣለ፡ ኣብ መጻኢ ንከይድገም  ክመሃረሉ ግና ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ’ውን ብሰንኪ ብዝሓለፈ ዘይምምሃርን በቲ ብተደጋጋሚ ዘጋገየካ ህግድፍ ብምዕሻውን ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ግዳይ ይኾኑ ኣለዉ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ   ኤርትራውያን ዘጋጥም ዘሎ ማእሰርቲ፡ ኣገዲድካ ናብቲ ጨካን ስርዓት ምምላስን ካልእ ስግኣትን ይፍጠር ምህላዉ ከኣ፡ መቐጸልታ ናይቲ  ዝጸንሐ  ግዳይ ህግደፍ ናይ ምዃን ሓደጋ እዩ። ኣብዚ ዘይሓላፍነታዊ ተግባራት ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ’ውን ከይጠቐስካዮ ዘይሕለፍ እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ብዛዕባቶም ነቲ ዘይእመን ጉጅለ ህግደፍ ኣሚኖም “ደገፍቲ” ኢና ክብሉ ዝጸንሑ ኤርትራዊ ወገናት ዝስማዕ ዘሎ ወረ ሎሚ’ውን ዘቕስን ኣይኮነን።

ስለዚ ህግደፍ ኣብ መጻኢ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ግዳዩ ዝኾነሉ ምህዞታት ካብ ምፍጣር ንድሕሪት ከምዘይምለስ ብምግንዛብ፡ “ክሳብ መዓስ ግዳይ ህግደፍ ምዃን?” ክብል ዝግበኦ ህዝቢ  ባዕሉ እዩ እሞ፡ ግዜኡ ከኣ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ይኹን ንብል።

ስእሊ፡ ተመሃሮን ኣባላት ኣካለ ጽጉማንን

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትነብር፡  ጓል 26 ዓመት ኤርትራዊት መንእሰይ ራሄል ኣርኣያ፡  ንመኽባር ዕለተ-ልደታ ኣብ ዝጸወዓቶ ኣጋጣሚ፡ ናብ መእከቢ ልግሲ (fund raising) ንጽጉማን ብምቕያር፡ ካብ ዝኣከበቶ ህያብ ገንዘብ፡  40%  ኣብ ሱዳን ከሰላ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኣካለ ጽጉማን 60% ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ዋዲ ሸሪፎይ ከም ዝለገሰትን ድሮ ናብ ባንክ ሕሳብ ናይቲ ትካላት ምእታዉን  ዝበጻሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። በዚ ዝተገብር ሰናይ ተግባራ ድማ፡  ንራሄል ኣርኣያ ኣዝዩ ዕዙዝ ምስግና ይግበኣ።

 ራሄል ነዚ ዝለገሰት ብዛዕባዞም ዝተጠቕሱ ሓገዝ ኩሉ ኤርትራዊ ዘድልዮም ጽጉማት ኣካላት፡ ብዝነበራ ግንዛበን ብቤተሰባ ብዝተዋህባ ሓበሬታን ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ኩነታት ብተንቀሳቐሲ ምስሊ (vedio) ብዝተስነየ  ምስ ገለጸትሎም ዝለገሱ ናይቲ ኣጋጣሚ ዕዱማትን ማሓዙትን ከኣ፡ በቲ ሓላፍነታዊ ተበግሶን ተርግባርን ራሄል፡ ብዘርኣይዎ ልግስን ኣዝዮም ሕጉሳት ምዃኖም ገሊጸሙላ።  

እቲ በዚ ሰናይ ግብራ ዝተዋህበ ልግሲ፡ ዝህልዎ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ኣገዳሲ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡  ናብ ካለኦት ከም ራሄል ዝኣመሰሉን ዝኣመሰላን ኤርትራውያን መንእሰያትን ስድራቤቶምን ዘመሓላልፎ ናይ ሰናይ ተግባር መልእኽቲ’ውን ዕዙዝን ኣብነታውን እዩ።

ንጽጉማት ወገናትካ ዝግበር ልግሲ፡ ዓቐኑ ወይ ዋሕድን ብዝሕን ናይቲ ዝልገስ ዓይነት ዘይኮነ ተገንዚብና፡ እቲ ኣገዳሲ ቁም ነገሩ፡ ኣብ ሕልና ደቂ ሰባት ዝፈጥሮ ቅሳነትን ሞራልን እዩ እሞ፡ ኩልና ሓገዝና ዝደልዩ ጽጉማት ወገናት ከምዘለዉ ተገንዚብና ኣብ ሕልናና ቦታ ክንህቦን ንራሄል ክንስዕባን በዚ ኣጋጣሚ ክንጠቕስ ንደሊ።   

ዓንደጽዮን ብዕለት 12 ጥሪ 1942 ካብ ወላዲኡ ኣቶ ግርማይ ገንደርን ወላዲቱ ወይዘሮ ዘውዲ ዕቕባጋብርን ኣብ መበቆል ዓዱ ብርዖና (ዓንሰባ ታሕታይ) ተወሊዱ።

ካብ ኣሕዋቱ ዝነኣሰ ወዲ ስለዝነበረ፡ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ሓላፍነት ስድርኡ ንምብዳህ ምስ መሳትኡ ትምህርቲ ክጅምር ብዘይምኻሉ፡ ድንጒዩ ምስ’ቶም ብዕድመ ካብኡ ዝንእሱ ደቂ ዓዱ ንግሆ ተምሃራይ ድሕሪ ትምህርቲ ድማ፡ ስድራ ንምሕጋዝ ማል እንዳጓሰየ እዩ፡ ኣብ ዓዱ ብርዖና መባእታዊ ትምህርቱ ዛዚሙ፡ ንኻልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ከኣ ናብ ከረን ከይዱ።

ዓንደጽዮን ብትምህርቱ ኣዝዩ ንኡድን ህርኩትን ኢዩ ዝነበረ። ኣብ ከረን እናተመህረ፡ ዛጊት ተመርዕዩ ስለዝነበረ፡ እቲ ናይ ሓዳሩን ወለዱን ሓልፍነት ኣብ ዝባኑ ኮይኑዎ፡ ኣብ ክንዲ ትምህርቱ ዝቕጽል፡ ናብ ናይ ስራሕ ዓለም ከላግስ ግድን  ኮይንዎ እዃ እንተነረ‘፣ ንኽልቲኡ ናብራን ትምህርትን ብማዕረ ኣጣሚሩ ንምስልሳል ስለዝሓለነ ግን፡ ናብ ኣስመራ ከይዱ፡ ኣብቲ ብቤት ትምህርቲ እተገ መነን ዝፍለጥ ዝነበረ ናይ ጥዕና ቤት ትምህርቲ ትምህርቱ ቀጸለ። ድሕሪ ምዝዛም ትምህርቱ፡ ብዝተማህሮ ምእላይ ሕሙማት ከኣ ቅድም ኣብ ኣስመራ ድሕሪኡ ኣብ ባጽዕ ብተገዳስነት ሰርሐን ብማዕረ-ማዕሪኡ ክኣ ምሸታዊ ትምህርቱ ቀጸለን።

እቲ ኣብ 70ታት ዝነበር ሃገራዊ ኩነታት ከም ወዲ ሃገር ጎሲኻ ዝሕለፍ ኮይኑ ስለዘይረኸቦ ከኣ፡ ዓንደጽዮን‘ውን ኣብቲ ፖለቲካዊ መዳያት ሃገሩ ብሓያል ኒሕ ተደሪኹ ክነጥፍ ጀመረ‘ሞ፡ ብ1974 ስድርኡ ኣብትሕቲ ወለዱ ንኽዕቆቡ ካብ ባጽዕ ናብቲ መበቆል ዓዶም ብርዖና ሰዲዱ፡ ኣብ መጀመርታ 1975 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰለፈ። ኣብ ሳሕል ኣብ ዝነበረ መደበር ታዓሊም መባእታዊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ትምህርቲ ወሲዱ። ድሕሪ ታዕሊም በቲ ዝነበሮ ሕክምናዊ ትምህርትን ተመኩሮን ኣብ ወተሃደራዊ ሕክምና ተመዲቡ። ኣብ 1976 ኣብ ምምሕዳር ቁጽሪ 8 (ኣውራጃ ሓማሴን) ደንበ-ጐለም ኣብ ዝበሃል ማእከል ተመዲቡ። ቀጺሉ ከኣ ኣብ 1977 ኣብ ሓራ ከተማ መንደፈራ ከምኡ’ውን ብ1978 ኣብ መደበር ሕክምና ስውእቲ ኣለም መስፍንን ካልኦት ናይ ጥዕና ማእከላትን ብተወፋይነት ግቡኡ ፈጺሙ። ብዘይካዚ ኣብ 1977 ከተማ ዓዲ ቀይሕ ካብ ሰራዊት መግዛእቲ ነጻ ንምውጻእ ኣብ እተገብረ ምድላዋት’ውን፡ ምስ’ቲ ኣብቲ ከባቢ ዓሪዱ ዝነበረ ኣካል ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ጉጅለ መራሒ ኮይኑ ኣብ ዉዑይን ዝሑልን መደባት ሰውራ ተቓሊሱ። ብምቕጻል ኣብ ምምሕዳር ወተሃደራዊ ሕክምና ዳግመ-ስርርዕ ድሕሪ ምክያዱን ሰራዊት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብደረጃ በርጌዳት ወተሃደራዊ ስርርዑ ምስ ምቛሙን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሕክምናዊ ማእከላትን ክፍልታትን ብተወፋይነት ከም ዝተቓለሰ ናይ ቃልሱ ተመኩሮኡ ይምስክር።

ዓንደጽዮን ኣብ ዘበነ 80ታት ዝተጋህደ ኩነታት ሜዳ ኤርትራ ኣርኪብዎ፡ 5 ደቁን በዓልቲ ቤቱን ገዲፉ ናብ ሃገረ-ጀርመን ተሰዲዱ፡ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ፡ ስድርኡ ክሓቁፍ፡ ደቁ/ውሉዱ ኣብ ሰላም ዘለዎ ሃገር ከዕቢ በቒዑ። እንተኾነ ዓንደጽዮን ክሳዕ ዕለተ ዕረፍቱ ሃገራዊ ስምዒቱን ንዝጀመሮ ቃልሲ ንምዕዋት ክሓንን እምበር ክሃስስ ኣይተራእየን። ክሳዕ ብሕማም ምኽንያት ዓዲ ዝውዕል፡ ኣብ ዝተፈላለየ ስርዒታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካብ ተራ ኣባል ክሳብ ኣባል ምምሕዳር ሽማግለ ጨናፍር ኮይኑ ብትብዓትን ብተወፋይንትን ተቓሊሱ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ዝተኻየዱ ፈስቲቫላት ኤርትራን ዓመታዊ ኣህጉራውን ሰውራውን በዓላትን ካብ ምድላው ክሳዕ ምዝዛም ዕዙዝ ሓላፍነታዊ ብጽሒት ካብ ዝነበሮም ናይ ቃልሲ ብጾቱ ሓደ ብምዃን ብዕዘት ዝምስከረሉ እዩ። ኣብቲ ብ1989 ኣብ ማማን-ቶጓን (ዶብ ሱዳን) ዝተጋብኤ ሳልሳይ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ንጨናፍር ጀርመን ወኪሎም ካብ ዝተሳተፉ ኣባላት ከኣ ሓደ ነይሩ።

ነብስሀር ዓንደጽዮን፡ ኣንፈቱ ናብ ፖለቲካዊ መዳያት ጥራሕ ኣይነበረን። ቀንዲ ቆላሕትኡ ኣብ ሕብረተ-ስብኣዊ ጉዳያት‘ውን ካብቲ ኣዝዩ ብተገዳስነት ዝዋፈረሉ ዝነበረ መዳይ ኢዩ። ብዘይ ባህልን ብዘይ ፍቕርን፡ ሃገር ኣይትህነጽን ኢያ እዳበለ ፖለቲካዊ ፍልልያት ኣወንዚፉ ንሕብረተሰብኣዊ ሓድነት ዝቃለስ ንጹህ ኣቦን ሓውን ብጻይን ኢዩ ነይሩ። ንዓንደጽዮን ቀንዲ ዝገድሶ ሃገራውንትን ሓድነት ህዝብን እምበር፡ ፖለቲካ ርእይቶ ወይ ዉድባዊ ፍልልያት ድሕርዚ ዝሰርዕ ኣመለኻካታ ዝነበሮ ንጹህ ተቓላሳይ እዩ ነይሩ።

ዓንደጽዮን ተወሊዱን ተመርዕዩን ኣብ ሓዳሩ ከኣ ዕዉትን ኢዩ። ንፍጹም፣ ኣለም፡ ኣፈወርቂ፡ ኣልማዝን ጠዓመን መማረቒ ዝኾኑ ከኣ ወሊዱ። ሓሚሙ ብበዓልቲ ቤቱን ዉሉዱን ተኣልዩ፣ ብፈተዉቱ ክሳዕ ዕለተ-ዕረፍቱ ተሰንዩን ምስ ኣምላኹ ተወሃሂዱን ከኣ ብዕለት 21 ሰነ 2025 ኣብ ሑቕፊ ስድርኡ በሰላም ዓሪፉ። ታሪኽ ህይወት ነብስሀር ዓንደጽዮንን ውዕሎታቱን ኣስፊሕካ ንምግላጽ መጻሕፍቲ’ውን ኣይምኣኸሎን። እዚ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ ጥራሕ ኢዩ።

እወ፡ ኩሉ ፍጡር ብሂይወት ስለዘይንበርን እታ ዕርፍቲ‘ውን ስለዘይትተርፍን ዓንደጽዮን ክንዲ ሽሕ፡ እታ ዘይትደክምን ዘይትጻዓድን ኣካሉ ሎሚ ብሞት እዩ ተፈልዩና። ግን ከ፡ ከክንድሽሕ ዝኾኑ 5 ደቁን 7 ደቂ-ደቁን ገዲፉልና፡ ኣብ ልዕሊኦም ከኣ እቶም ቁጽሮም ዘይዉሑድ ኣያ፣ ኣቦን ኣበሓጎን ኮይኑ ብፍቕሪ ዝጠርነፎም ገዲፉልና ዝኸደ እውን ኣለዎና።

ዓንደጼን፡ ኣብ ኩሉ መዳያዊ እምነታቱ ምስ ኣመነ ዘይጠልም፡ ትሑትን ምቕሉልን፣ ተጉላባነት ዘይፈልጥ፣ ጻዕረኛ፡ ለዋህ፣ ዓብን ንእሽቶን ዘይፈላሊ ምስ ኩሉ ሕዉስን መኽበሪ ሰብን ዝኾነ፡ ኤርትራ ካብ እትኸስሮም ዘላ ሓደ እዩ።

ሎሚ፣ ንወላዲናን ሓውናን ዓንደጼን ከነፋኑ እንከለና እምበኣር፡ በቲ ዝጎደለና ክንሓዝን ዘይኮነስ በቲ ዝተዋህበናን ዝገደፈልናን ክነመስግንን፡

                      ሃቦ እግዚኦ ዕረፍተ ዘለዓለም

                     ወኣብረሃሉ ብርሃን ዘለዓለም

                     ወይኩን ዕረፍቱ በሰላም

                     ኣሜን፡ እንዳበልና፡

ኣምላኽ ንኹሉ ስድራን ፈታውን ጽንዓት ይሃብ ደበሳ ኢዮብ ከኣ ይደብስ፡

ኩልኹም ኣብዚ ስነስርዓት ፈነወ ዓንድጼን ግርማይ ንዝተሳተፍኩምን ዝተሳተፍክንን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ዝዓበኹምን ዝናኣስኩምን ደቕናን ድማ ክብረት ይሃበልና፡ ሕሰም ኣይትርከቡ የቐንየልና።

መላእ ስድራ ቤት ነፍስሀር ዓንደጼን ግርማይ

05.07.225

ስርዓት ህግደፍ፡  ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ንምጽራይን ምምርማርን ጥሕሰታትን ብመንገዲ ፍሉይ ተልእኮ ራፖርተር ክቋረጽ ዘቕረቦ ጠለብ ብ4 ሓምለ 2025 ከም ዝተነጽገ ካብ ጀነቫ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ገሊጹ።

እቲ ምምሕዳር ህግደፍ ከም ድላዩ  ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ንክጥሕስን ዜጋታት ከሳቕይን ንከኽእሎ ናብ መበል 59 ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት  ዘቕረቦ  ውሳነ ሓሳብ፡ ብ25 ኣባል ሃገራት ተነጺጉ ብ4 ጥራይ ተደጊፉ 18 ሃገራት ድማ ናይ ተዓቅቦ መርገጽ ከም ዝወሰዳ እቲ ዜናዊ ሓቢሩ። እተን ንርኢቶ ህግደፍ ዝደገፋ ሃገራት ብሩንዲ፡ ቻይና፡ ኩባን ሱዳንን እየን።.

ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ተመዚዙ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝከታተል ዘሎ ሱዳናዊ ዶር መሓመድ ባብከር ዓብዱሰላም፡ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ጃማላዊ ማእሰርትን  ግዱዱ ውትህድርና ብጻዕቂ ዝረኣየሉ ዘሎን ምዃኑ ብዝርዝርር ኣረዲኡ።

ኣፍሪቃዊ ጉጅለ ምክልኻል ሰብኣዊ መሰል ዝተባህለ ኣካል ብወገኑ፡ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝቐረበ ጠለብ ናይ ምንጻግ ስጉምቲ፡ “እቲ ተመዚዙ  ዘሎ ፍሉይ ራፖርተር ንጥሕሰት ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ዲያስፖራ ምእንቲ ሰብኣውነት ዝግበር ቃልሲ እውን ሓጋዚ እዩ” ብዝብል ደገፉ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ  ብኤርትራ ዝቐረበ ሓሳብ ምቕባል፡ ኣብታ ሃገር ጥሕሰትን ግህሰትን ከም ድላዩ ንክፍጸም ዘፍቅደሉ እዩ ነይሩ ብምባሉ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ግዱሳት ኤርትራውያን በብውልቂ ኮነ ብደረጃ መርበባት ሓበሬታ እውን ጠለብ ህግደፍ ተቐባልነት ንከይረክብ ክጽዕቱ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር’ዩ እሞ ምስጋና ይግበኦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብ3 ሓምለ 2025 ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ (ፓርላማ) ቀሪቡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝቐረብሉ ሕቶታት ኣብ ዝመለሰሉ፡ “ኢትዮጵያ ሃገር እያ እንተኾነ ብዘይኣፍደገ ባሕሪ ሃገር ኮይና ኣይክትቅጽልን እያ” ኢሉ።

ዶር ኣብይ ኣብቲ ንኤርትራ ብዝምልከት ዘሃቦ መብርሂ፡ “ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር እያ፡ እዚ ድማ መሰላ እዩ፡ ነዚ ምቅዋም ኣየድልየናን” እውን ኢሉ። እዚ ልኡላዊ ሃገራውነት ብተመሳሳሊ ናይ ጅቡትን ሶማልያን ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ኢትዮጵያ መሰል ከምዝኾነ ድማ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ከምቲ ኢትዮጵያ ንልኡላውነት እዘን ሃገራት ኣፍልጦ እትህቦ፡ ናይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ እውን ከገድሰን ይግባእ ክብል  ጠቒሱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንትግራይ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ናብ ትግራይ ጥይት ናይ ምትኳስ ድሌት ከም ዘየብሉ ጠቒሱ። ኣብ ትግራይ እቲ ህዝቢ ውግእ ከይካየድ ዝሰግእ ክነሱ፡ እንተኾነ ውግእ ዝሃርፉ ወገናት ከም ዘለዉ ንምብራህ ክብል፡  ብትግርኛ “ንድሙ ጸወተኣ ንእንጭዋ ከኣ ጻዕረ-ሞታ” ብዝብል ኣገባብ ጠቒስዎ። ሓያልነቱ ንምርኣይን ንምፍርራሕን ከኣ ሎሚ ጠባይ ናይቲ ውግእ ዝተቐየረሉ ግዜ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሎሚ ውግእ እንተተኸፊቱ ቆላሕታ ዝህብዎ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣይክህልዉን እዮም’ ውን ኢሉ።

ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ “ኣብ ዝደኸመ ደረጃ እዩ ዘሎ” ብዝብል፡ ከይዕሸዉ ድሕሪ ምዝኽኻሩ ከኣ፡ እቶም ንክሕግዝዎም ዝጽበይዎም፡ ወገናት “ንገዛእ ርእሶም ዘይኮኑ እዮም” ብዝብል ኣነኣኢሱ ጠቒስዎም። ኣተሓሒዙ ከኣ ኩሉ ማሕብረ-ሰብ ትግራይን ዲፕሎማሲያዊ ኣካላትን ውግእ ከይተኸፍተ ሰላማዊ መፍተሒ ንክርከብ ንክጽዕቱ ተማሕጺኑ፡ ጉዳይ ተበላሽዩ ድሕሪ ውግእ ምጅማሩ ዝግበር ምንቅስቓስ ግና ጠቕሚ ኣይክህልዎን እዩ ኢሉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ፡ በቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝቐረበሉ ናይ ዝሓለፈ ዓመት በጀት ኣፈጻጽማ ጸብጻብ ሰሚዑ ናይ ዝመጽእ ዓመት በጀት እውን ኣጽዲቑ።   

 

Friday, 04 July 2025 15:03

التنوع والتعدد

Written by
Page 3 of 608