ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራን ከባቢኣን ብዙሓት ምዕባለታት ይረኣዩ ኣለዉ። በዚ ምሰረት ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብዛዕባ’ ዞም ዝተወሰኑ ዛዕባታት እዚ ዝስዕብ መብርሂ ይህብ።

1) ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት መደባት ፈስትቫላት ምምሕዳር ህግደፍ ብሓያል ተቓውሞ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ምፍሻሎም ዘበስሩ ስርሒታት ክንከታተል ቀኒና። እዚ ተረኽቦታት ብዙሕ ፖለቲካዊ ትርጉማት ዘለዎ እዩ። ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ዘይተጸበዮ ግዜ ብዘይተጸብዮ ኣገባብ ብህዝባዊ ናዕቢ ይሰዓር ከምዘሎ ሓደ ካብቲ ትርጉማቱ እዩ። ብሓፈሻ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ብፍላይ ከኣ ወጽዓ ህግደፍ ዝመረሮም መንእሰያት ኤርትራ፡ ከም ውጽኢት ናይቲ ካብ ኤርትራ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊኦም ክፍጸም ዝጸንሐ በደላት ከም ዝተቖጥዑ እሞ ድሕሪ ሕጂ ንድሕሪት ከምዘይምለሱ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ  እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እተን ነቲ  ጽልኢ ናይ ምንዛሕ፡ ተቓውሞ ኤርትራ ናይ  ምንእኣስን ካብ ህዝቡ ናይ ምንጻልን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምድኻምን  መደባት ህግደፍ ዝፈሸለለን ሃገራት ኤውሮጳ፡ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ ተገንዚበን ደጊም ክቕጽል ከም ዘይግበኦ ከም ዝዓገባን ኣብ ምውጋዱ ከም ዝተሓባበራን ቅሩብነተን ዘርኣያሉ ኣጋጣሚ እውን እዩ።

ስለዚ ሰዲህኤ፡ ነቶም ነቲ ህዝባዊ ማዕበል ዘበርኽዎ ዘለዉ ኤርትራዊ ወገናትን እቶም ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ኣብ ጐኒ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ዝተሰለፉ መንግስታትን የመጉስ። እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ በቲ ጀሚርዎ ዘሎ መንገዲ ሕጋዊ ኣገባቡ ዓቂቡ ክቕጽል ዘተባብዕን ዝኽእሎ ዘበለ ክገብር ቅሩብ ምዃኑን የነጽር። ናይቲ ኩሉ ዘጋጠመ ማህሰይቲ ጠንቅን ተሓታትን ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ይኣምን። እዚ ንለውጢ፡ ንሕጋውነትን ዲሞክራስን ዝጠልብ ህዝባዊ  ማዕበል ኣብ ወጻኢ ተደሪቱ ዝተርፍ  ዘይኮነ ናብ ኤርትራ ክላባዕ ዘለዎ እምነት ይገልጽን። ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብቲ ኣዝዩ ዘሕሞን ኣብ ውሽጢ ሃገርን  ምምካቱ እዋኑ በጺሑ እዩ’ሞ ኩሉ ክፍልታት ህዝብና እጃሙ ከልዕል ጸዋዒትና ነቕርብ።

2) ምምሕዳር ህግደፍ ኣብቲ ብ4 ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተባርዐ ውግእ ኢድ ብምእታዉ፡ ብብዙሓት ወገናት ክኹነን ከም ዝጸንሐ ይዝከር። እቲ ኩነኔን ካብቲ ዝኣተዎ  ንክወጽእ ዝቐርብ መሕጽንታታትን መጠንቀቕታን ሎሚ እውን ብብዙሓት ወገናት ብቐጻሊ ይቐርቦ ኣሎ። እንተኾነ ህግደፍ መሊሱ የግድዶ ኣሎ እምበር፡ ሓላፍነት ሃገርን ህዝብን ሓዲርዎ ንድሕሪት ኣይበለን። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ክንዲ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጻሕታሪ ተግባሩ ዝመሃር፡ ሎሚ እውን ዘራይ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ኮይኑ፡ ንሃገርና ኣራግጽ ናይቲ ናብ ትግራይ ዝወፍር ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይገብራ ኣሎ።

ስለዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ብደረጃ ማእከላይ ባይቶኡ ብ21 ሕዳር 2020፡ ለዎ ራዊት ትዮጵያ ርዓት ኢሳያስ ተፈቒዱሉ ብኣየር፡ ምድርን ርን ሃገርና ትዩ ልዑላውነትና ሓደ እትዩዎ ይርከብ። ለዝኾነ ህዝ ኤርትራ፡ ርዓት ግደፍ ሃገርና ባዕዳውያን ሕሊፉ ብምሃቡ ክኹንኖን መሬትና ርከብ ዝኾ ይኹን ባዕዳዊ ይሊ ቕልጡፍ ኽወጽእ ጸቕጥታቱ ከሐይልን ጽውዕ። …… ርዓት ግደፍ ንባዳውያን ይልታት መሬትና ከምዝኣትዉ ከይኣኽሎ፣ ራዊት ኤርትራውን ይድልየቱን እምነቱን ትግራይ ኢኹ ይምልከቶ ውግእ እትዩ ኸቢድ ቃሊዕዎ ይርከብ። ……  ማእከላይ ይቶ ኤ፡ ብሓ ገን ራዊት ባዕ ካብቲ ትዩዎ ይቅኑዕ ውግእ ከውጽእ ክጽዕር፣ ኻልእ ገን ማ፡ ህዝ ኤርትራ እዞም ይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ለዉ ዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከኣሎ ገድታት ክቃለስ ውዒትና ቕርብ።” ዝብሎ መርገጹ፡ ሎሚ እውን ህያው ምዃኑ ብምርግጋጽ የሕድሶ ኣሎ።

3) ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ  በደል ካብ ዘውርደሎም መንገድታት ሓደ ብተኸታታሊ   ብዘይ ናይ ዕድመን ጾታን ኣፈላላይ ኣገዲድካ ናብ ውትህድርና ምእታው እዩ። እዚ ብቐጻሊ ዝካየድ ንህዝብና ደም ዘንበዖ ተግባር ሎሚ ድማ ኣዝዩ ብዝኸፈአ ደረጃ ይቕጽሎ ከም ዘሎ ካብ ኩሉ ኩርነዓት ኤርትራ ይሕበር ኣሎ። ኣብ ገለ ከባቢታት እውን ዝመረሮ ህዝቢ መኸታኡ የልዕል ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ። ናይዚ እዋንዚ ግፋ ዝኸፈአ ዝገብሮ ከኣ ኣብ ልዕሊ ነፍሰ-ጾራት፡ ኣደ ቆልዑን ኣካለ ጐደሎን ከይተረፈ፡ ዝፍጸም ዘሎ ምዃኑ ሓደ መርኣያኡ እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ስድራቤት ናይቶም  ሃዲኑ ዘይረኸቦም ንዓቕመ ሄዋንን ኣዳምን ዝበጽሑ፡ ዝወስዶ ዘሎ ጭካነ  እዩ።

ስለዚ ሰዲህኤ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጨካን ተግባራት ህግደፍ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መርገጻቱ የወግዞ። ህዝቢ ኤርትራ  በዚ ዝወርዶ ዘሎ መዘና ዘየብሉ  በደላት፡ መሊሱ ክሓንን እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ቃልሱ ከምዘይበኩር ዘለዎ እምነት ጽኑዕ ምዃኑ የረጋግጽ። ህግደፍ ካብዚ ዘገብሮ ዘሎ ክቑጠብ፡ ኩሎም ፖለቲካውን ሰብኣውን ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት ተጽዕነኦም ከሕይሉ ይጽውዕ።

ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ምዕባሌን ንቃለስ!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት!

ዝኽርን ዘልኣለማዊ ክብርን ንስዉኣት ኤርትራ!

ፈጻሚ ሽማግለ

5 መስከረም 2022

Saturday, 03 September 2022 23:27

Dimtsi Harnnet Sweden 03.09.2022

Written by

Source: EEPA

Admin, 1 September 2022

In the last month, the long arm of the Eritrean regime has organised a series of ‘festivals’ and ‘seminars’ promoted as cultural events. On the basis of previous events that have been organised many perceive that the events promote hate speech and incite violence. They have fuelled pushback in the form of protests, legal action and letters from Eritreans in the diaspora and allies opposing the violent message of the Eritrean regime. A new festival was organised in secrecy in Switzerland last weekend, 27 August 2022, and another event was announced in Germany on 3 September – of which the cancellation was announced yesterday, 31 August.

The festivals are organised by representatives (including embassies) of the ruling and only party in Eritrea, the People’s Front for Democracy and Justice (PFDJ), and its youth-wing, YPFDJ. It is the political organisation that controls Eritrea and has a granular presence abroad to control the Eritrean diaspora. It is referred to as HEGDEF or HGDEF by members of the Eritrean diaspora, or Shabia, mostly used to refer to its presence in Eritrea.

The tour of festivals comes as the Tigray region of Ethiopia has been under siege for 22 months. Eritrea is seen as an important actor in the conflict. This causes additional tensions around these events, including in the Tigray diaspora.

Hate speech and violent symbolism

Central to the tour of events organised by the PFDJ is Awel Seid, presented as a songwriter and poet. In his videos and texts, diasporas from Eritrea and Tigray indicate that he glorifies war and violence, including the Russian invasion of Ukraine. He praises the Eritrean military, shows graphic images of civilian killings [4.50 minute mark] and dehumanises Tigrayans, endorsing Eritrea’s invasion of Tigray. These examples are experienced as hate speech.

On a festival held in Switzerland on 23 July 2022, men can be seen dancing in the audience and on stage in military outfits, holding Kalashnikovs [for example around the 3:11:45 mark]. In addition, the video shows that money is collected during the festival. According to Eritrean regime-controlled media Shabait, the festival also included some words from officials: “Ms. Asmeret Abraha [Governor of the Northern Red Sea Region] also gave extensive briefing on the objective situation in the homeland, future programs as well as regional developments.” In addition, Adm Osman, Charge d’Affairs at the Eritrean Embassy in Switzerland, led the festival. The men holding – if not real then very realistic – Kalashnikovs was of no apparent concern to the Charge d’Affairs nor others, including the very present security.

Push-backs from diaspora, human rights activists and allies

For the persons that fled from Eritrea’s military service and the repressions of the regime, the festivals are seen as propaganda events and are a symbol of the continuation of the repression they fled from. Pushback against the festivals has been accompanied by direct threats of regime supports to protesters and other experts and activists coming to their support. This includes threats to family members back home in Eritrea.

Letters warning of the danger

A letter by a concerned group of experts outlined that the festival announced in Germany on 20 August is directly tied to repression faced by Eritrean refugees that have fled the country. Furthermore, warn the experts, the funds collected in the festivals and others like it may well go on to fund the Eritrean military invasion of Tigray.

The Eritrean diaspora petitioned the court to stop the festival organised in Germany on 20 August 2022. The German court, however, allowed the event to continue on the basis of protecting freedom of expression. Thus, a protest was organised at the event – which turned violent. Finally, the event was called off by the police in light of the danger of further escalation. Although a new festival was announced for 3 September, this was also cancelled just a few days before it was set to take place.

Peaceful protests

In Switzerland, the Eritrean diaspora peacefully protested a festival announced to take place on 27 August 2022. The protests were accompanied by petitions and a letter that organised peaceful protests and solidarity. The peaceful protests took place across several cities, as the location of the venue of the event was kept secret. Buses were organised to take those registered by phone to an undisclosed location. Neither Swiss authorities nor the diaspora knew where it took place – if it took place at all.

Festivals and seminars cancelled

Before the cancellation of the event in Germany on 27 August due to violence, other countries have cancelled the festivals before they took place. The municipality of Rijswijk in the Netherlands decided to cancel the event as they had not asked for permission. The municipality, in deliberation with the police, also found that the appropriate safety measures had not been taken. The festival was moved last-minute to Beverwijk, another municipality in the Netherlands, but the municipality was granted an emergency ordinance to stop it.

An event set for 3 September 2022 in Norway was also cancelled. Authorities in Norway are investigating people that participate in these festivals. 150 Eritrean refugees that attended a similar festival celebrating the Eritrean national service in August 2019 were investigated. This resulted in the withdrawal of 13 residence permits.

Another event planned in the UK on 4 September was also cancelled.

Experts indicate that the festivals link to the widespread Eritrean diaspora’s wish to celebrate their culture, music and community. However, in doing so, the festivals also serve as a tool for the Eritrean regime to establish itself financially, organise propaganda and promote perceived hate speech against Eritrean opposition and Tigrayans, they indicated. This argumentation can be seen at the core of the pushback against such events.

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ኣዛረብቲ ኮይኖም ካብ ዝቐነዩ ኣገደስቲ ዛዕባታት ሓደ ፍሽለት ፈስቲቫላትን ባዓላትን ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለያ  ሃገራት ኤውሮጳ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። በዚ መሰረት ተረኽቦታት ሽወደን፡ ሆላንድ፡ ጀርመን፡ ስዊዘርላንድ፡ ነርወይን ዓዲ እንግሊዝን ምጥቃስ ይከኣል። ዕላማ ምድላዋት ህግደፍ ዝተፈላለዩ ኣስማትን መልከዓትን ክወሃቦም’ኳ እንተተፈተነ፡ ብዝተፈላለዩ  ኣገዳዲ ኣገባባት  ገንዘብ ካብ ምእካብ፡ ንሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ዘይስሞም ሂብካ ካብ ህዝቢ ክተርሕቕ ካብ ምፍታን፡ ምስ ጐረባብቲ ህዝብታት ናይ ጽልእን ቅርሕንትን እሾኽ ዝዘርኡ መደረታት ካብ ምቅላሕ ሓሊፉ ካልእ ንህዝብን ሃገርን ዘርብሕ ቁምነገር ኣይነበሮን። ነዚ  ዝተጠቕሰ ሓቀኛ መልእኽቲ ናይቲ ዝፈሸለ ፈስቲቫላትን በዓላትን ንምሽፋን ግና ሙዚቃዊዶ ባህላዊ ምርኢታት  ዝብሉ ምስምሳት ተዋሂብዎ ነይሩ።

ነዚ ንኤርትራዊ ካብቲ ቀንዲ ጉዳይ ሃገሩ ኣልጊሱ፡ ናብ ግዳም ጥራይ ከም ዘመዓዱ ናይ ምግባሩ መደብ፡ እቲ ፍትሒ፡ ቅኑዕ ምምሕዳር፡ ሰላምን ልምዓት ብሂጉ ዘይተዓደለ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይድግፎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብፍላይ ከኣ በቲ ዝያዳ ኩሉ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፡ ግዳይ ወጽዓ ህግደፍ ዝኾነ መንእሰይ ዝለዓለ ተቓውሞ ከም ዘጋጥሞ እቲ ጉጅለ’ውን ዘይጽበዮ ኣይመስለናን። ብግብሪ ከኣ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ኤርትራዊ መንእሰይ ነቲ ኣብ ሃገሩ ደም ዘንበዖን ብዕድሉ ዝተጻወተን ህግደፍ ብዘይተጸበዮ ስልቲ ኣብ መድረኽ ሕጊ ኣብ ምስዓሩን ምስንባዱን ዓብይ እጃም ኣበርኪቱ። እዚ ዘይግበኦ ስም ንዝተዋህቦ መታለሊ ፈስቲቫላት ህግደፍ፡ ኣብ መድረኽ ሕጊ ዘእገደ ኤርትራዊ ተቓውሞ፡ ተቓውሞኡ ካብዚ ፈስቲቫላት  ዝጀመረን ኣብኡ ተደሪቱ ጠጠው ዝብልን ኣይኮነን።  እቲ ዝተራእየ ሕራነ መንእሰያት ካብ ምጽራር  ፈስቲቫል ጥራይ ዝነቅል ዘይኮነ፡ እኩብ ድምር ናይቲ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ናብ ዲያስፖራ ዝፈስስ ዘሎ ወጽዓ ህግደፍ እዩ። እቲ ንናይዚ ቀረባ ግዜ ተሪር ተቓውሞ ፍሉይ ዝገብሮ ግና እተን ህግደፍ ብጉልባብ ፈስቲቫል ንዓመታት ከደናግረለንን ክዕንድረለንን ዝጸንሐ ሃገራት’ውን ጸረ ህዝብነቱን ዓመጹን  ተረዲአን ብወግዒ ክእግደኦ ምብቀዐን እዩ። እዘን ሃገራት ነቲ ዝቐረበለን ናይ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ምሕጽንታ ተገንዚበን ስጉምቲ ምውሳደን ኣብዚ ዝውሰን ዘይኮነ፡ ድሕሪ ሕጂ ህግደፍ ሕግታተንን ስርዓተንን  እንተዘየኽቢሩ ክቐጽዕኦ ምዃነን መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ  ቅድሚ ሕጂ እውን ተግባራቱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ተቐባልነት ከምዘይረክብ ይፈልጥ እዩ። በዚ መሰረት እዩ ከኣ ኣብ ዝኸዶ ሃገር ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝኽተል። ነቶም ናይተን ሃገራት ሕግን ኣሰራርሓን ተመርኲሶም ዝበድህዎ  መንእሰያት፡  ናይ ንእስነት ናህሮምን ውዑይ ደሞምን  መዝሚዙ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ከም  ገበነኛታት ከሲሱ ከቕጸዖምን ከንበርክኾምን ከም ዝፍትን ፍሉጥ እዩ።  በዚ ኣቢሉ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝበደሎም፡  መጻኢ ህይወቶም ከጽልምትን  ከበላሹን ድሕር ከምዘይብል ርዱእ እዩ። ሰማዒ እንተረኺቡ፡ ኣብ ሃገር ጀርመን ከተማ ጊሰን መደባቱ ምስ ፈሸለ ዘወጣውጦ ዘሎ ወስታታት ድማ ነዚ ዘመልክት እዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንህግደፍ ረቲዖም መደባቱ ዘፍሸልሉ ንናይተን ሃገራት ሕጋዊ ኣሰራርሓ ክሕልዉዎን ከኽብርዎን ከድልዮም እዩ። ንዓመጸኛ ኣሰራርሓን ጥሕሰትን ጉጅለ ህግደፍ ምድጋም ግና ተመሊሱ ግዳይ ክትከውን ኣፍደገ ስለ ዝኸፍት፡ ብልቦና ምስትውዓሉ ኣገዳሲ እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ከምቲ ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡   መበል 11 ስሩዕ ኣኼባኡ ብ27 ነሃሰ 2022 ኣቃኒዑ  ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ንኹሎም እቶም ነዚ ዓወት ዘመዝገቡ ኤርትራውያን ኣመጒሱ፡ ቃልሶም  ክቕጽልዎ ዘለዎ እምነት ኣረጋጊጹ። ናይተን ቃልሲ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ፍትሓውነት ተገንዚበን ነቲ ፈስቲቫላት ናይ ምስራዝ ስጉምቲ ዝወሰዳ  ሃገራት ኣካላት ጸጥታን ፍትሕን  ኣመስጊኑ ምትሕብባሮም ቀጻሊ ክኸውን ድማ ጸዊዑ።” ዝበሎ ኤርትራውያን ተቓለስቲ መንእሰያት ኮኑ እተን ንዳንኬራ  ህግደፍ ዕድል ዝኸልአ ሃገራት ጻዕሮም ቀጻሊ ክኸውን ይግበኦ።

ደገፍቲ ህግደፍ ኢና ዝብሉ ኤርትራውያን ወገናት፡ ነቲ ፈስቲቫላት ዘይመልክዑ ሂቦም ከም ናይ ልኡላውነት ምሕላው ድምጺ ዝቃለሓሉ መድረኽ ምውሳዶም ጌጋ ምዃኑ ክርድኡ ይግበኦም። ታራ ባህልኻን ልምድኻን ናይ ምዕቃብ ተልእኮ ዘለዎ ከምዘይኮነ’ውን ክዝንግዑ ኣይግበኦምን። እቲ ከም ናይ ልኡላውነት ተሓላቒ  ዝወስድዎ ዘለዉ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ሰብኣዊ ልኡላውነቶም ግሂሱ ኣብ ዓዲ ጓና ንኽነብሩ ዘገደዶም  ምዃኑ ክእመኑ ግድን እዩ። ባዕሉ ልኡላውነቶም ዝነፈጎም ክነሱ፡  ተጠውዩ “እገለ ናይ እትበሃል ሃገር መንግስቲ ወይ መራሒ  ልኡላውነትካ ክግህስ እዩ”  ክብሎም እንከሎ፡ “ንስኻኸ እንታይ ኢኻ ፈዲኻና?”  ኢሎም ከዋጥርዎ ይግበኦም።

እቶም ኣብ ኣደባባያት ተቓዊሞም ኣብ መድረኽ ሕጊ ረቲዖም መደባት ህግደፍ ዘፍሸሉ ደለይቲ ለውጢ ብሓፈሻ፡ መንእሰያት ድማ ብፍላይ፣ ሃገሮም ጸሊኦም ዘይኮነስ፡ ብሰንኪ ግፍዕን ጭካነን ህግደፍ  ሃጽ ኢሎም ዝተሰዱን ብሰንኪ ስደት ዝሓደሮም ቁስሊ ዘየሕወዩን እዮም። ደገፍቲ ህግደፍ ኢና በሃልቲ ኤርትራውያን ከኣ፡ ደቅኹምን ኣሕዋትኩምን ምዃኖም እናፈለጥኩም፡ ብኣተሓሳስባ ካባኹም ስለ ዝተፈልዩ ህግደፍ “ተጋሩ እዮም፡ ልኡኻት ወያነን ፈጠርቲ ራዕድን እዮም፡ ስርዓት ዝጐደሎም በጋሚዶ እዮም …….ወዘተ” እንተበለኩም፡ እሞ  እንተኣሚንኩሞ “ጡፍ እንተበልካዮስ ናብ ጭሕምኻ” ከም ዝባሃል፡ ደሓር ከጣዕሰኩም እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ምስ ናይ ርሑቕ ኮነ ጐረባብቱ ህዝብታት ኣብ ምስናይ እምበር፡ ኣብ ምጽላእ ረብሓ ስለ ዘየብሉ፡ ነቲ ህግደፍ ተጽዕኖ ንምፍጣር ወተሃደራዊ ክዳን ብዘልበሶም ናይ ጸይቂ ልሳናቱ ዝነዝሖ ናይ ጽልኢ መርዚ፡ ንገዛእ ርእስኹም ክትብሉ ንጸግዎ። ነቶም ኣብ ኤርትራ ብቅዋም ዝምራሕ፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ሰላምን ልምዓትን ንክትከል ከም ዝቃለሱ ትፈልጥዎም ተቓወምቲ መንእሰያት ናይ ለውጢ ሓይሊ ብናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዘይኮነ፡ ብዓይኒ ጽልእን ክድዓት ሃገርን ንክትርእይዎም ህግደፍ ክጉስጉሰኩም እንከሎ “ስለምንታይ?” ኢልኩም ሕተቱ። እዞም ሎሚ ዘይስሞም ዝወሃቦም ዘሎ መንእሰያት፡ ንህግደፍ ምግልጋል ኣፍልጦን ክብርን ዘየውህብ ኮይኑ እምበር፡ ኣብ ወተሃደራዊ ድዩ ሲቪላዊ መዳያት ዘገልገልዎ ምዃኖም  ኣይትስሓቱ።

ምፍሻል ፈስቲቫላት ኣፍደገ ተወሳኺ ቃልሲ ናብ ዓወት ዘተባብዕ እምበር፡ ናይ መወዳእታ ዓወት ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ኣይኮነን። በዚ ተኸፊቱ ዘሎ ዕድል ኣንጻር ኩሉ ዘይሕጋዊ ተግባራት ህግደፍ ኣብ ሃገርን ዲያስፖራን ዝካየድ ቃልሲ ብቐጻሊ ክሓንን ይግበኦ። ስለዚ ጉዕዞ ሓይልታት ለውጢ ድሕሪ ፍሽለት ፍርስቲቫላትን መደባትን ህግደፍ ናብ ቀጻሊ ቃልስን ዓወትን ክኸውን ይግበኦ። ከምቲ ብመዓር ዝተላዕጠጠ ዕረ እሞ ዝተሳዕረ መደባት ፈስቲቫል ከም ኣገዲድካ ካብ ኣታዊ ኤርትራውያን 2% ምምንዛዕ ዝኣመሰሉ ናይ ዓመጽ መደባት በብሓደ ክብድሁ ይግበኦም። እቶም “ካብ ዓድና ወጺእና ኣብ ስደት ዑቕባ ክንሓትት ዘገደደና ወጽዓ ህግደፍ እዩ”  ክትብሉ ዝጸናሕኩም፡ ሕጂ ኣመጐስቲ ህግደፍ ትኾኑ ዘለኹ፡ ኣካይዳኹም ሳዕቤን ከም ዝህልዎ ብዙሓት ብዛዕባዚ ዓውዲ ዓሚቕ ኣፍልጦ ዘለዎም የጠንቅቕኹም ኣለዉ’ሞ ንድሕነትኩም ክትብሉ እዝኒ ሃብዎም።

ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ማይክ ሃመር ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝመጹን ካብ 4 ክሳብ 15 መስከረም 2022 ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝጸንሑን ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሓቢሩ። ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሪን ጂን ፒየሪ ብወገነን ኣሜሪካ ንናይ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ምእታው ከም እትኹንን ምግላጸን መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ኣፍሊጣ።  

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ  ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሕሉ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ተራኺቦም እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብህጹጽ ጠጠው ኢሉ ናይ ሰላም ዘተ ንክጅመር ዝጽውዕ መልእኽቲ ኣሜሪካ ከም ዘቕርቡ ተፈሊጡ።

እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ፍሉይ ልኡኻ ኣብ ኢትዮጵያ  ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መግስትን ሕብረት ኣፍሪቃን ብዛዕባቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘሻቕል ኩነታት ክዘራረቡ እዮም። ብዘይካዚ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ ሲቪላዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ባእታታትን ተራኺቦም ኣብ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ሰላም ክመጸሉ ብዛዕባ ዝኽእል መንግዲ ከም ዝዛራረቡ ተሓቢሩ። እቲ መግለጺ ኣሜሪካ ናይ ኢትዮጵያ ሓድነትን ልኡላውነትን ክሕለው ከም እትደሊ ተመልኪቱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እተን ወሃቢት ቃል ኣተሓሒዘን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ጠጠው ከብልን ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልሎም ወጻኢ ዘካይድዎ ውግእ ከቋርጹን ጸዊዐን።

ብኻልእ ወገን ድማ ሚኒስተር ኣፍሪቃዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪታንያ፡ ኤርትራ ካብ ትግራይ ክትወጽእ ሓይልታት ትግራይ ድማ ካብ ትግራይ ወጻኢ ካብ ዘሎ ቦታታት  ክስሕብን ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዝነበረ ሰብኣዊ ረዲኤት ክቕጽልን ተማሕጺነን።

 

ማሕበር መማህራን ኢትዮጵያ ብ1 መስከረም 2022 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዳግማይ ካብ ዝባራዕ ሰሙን ገይሩ ዘሎ ውግእ ጠጠው ኢሉ ናብ ሰላማዊ መፍትሒ ንክኣትዉ ጸዊዑ። እቲ ማሕበር ብተወሳኺ ከምዚ ዝኣመሰለ ህውከት ብዘይካ ድኽነት፡ ምርሕሓቕን ታሪኻዊ ተሓታትነትን ካልእ ፋይዳ ከምዘይህልዎ በቲ ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ዝለኣኾ መግለጺ ኣፍሊጡ ።

.ናይ ኢትዮጵያ ጥምረት ሲቪላዊ ማሕበራት ብተመሳሳሊ ናብቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ፡ ብዛዕባቲ ከም ሓድሽ ዝጀመረ  ሓደገኛ ውግእ ከቢድ ሻቕሎት ከም ዝሓደሮ ገሊጹ። እቲ ጥምረት እቲ ውግእ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ማሕበረሰብ ብፍላይ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት፡ ኣካለ ስንኩላን፡ ብዕድመ ዝደፍኡን ደቂ ኣንስትዮን ከቢድ ጉድኣት ከም ዘኸትል በቲ መገልጺ ሓቢሩ።

ክልቲኡ ማሕበራት  ኣብ ትግራይ ቀረብ ሰብኣዊ ረዲአትን መሰረታዊ ኣገልግሎትን ብዘይዕንቅፋት ዝቕጽለሉ ኩነታት ክፍጠር ተማሕጺኖም። ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብሰላማዊ መንገዲ ብቐጻሊ ንምፍታሕ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካለኦት ዓለምለኻዊ ውድባትን ማሕበራትን ጻዕሪ ከካይዱ ብፍላይ ማሕበር መማህራን ኢትዮጵያ  ጸዊዑ። ጥምረት ሲቪላዊ ማሕበራት ኢትዮጵያ እውን ነዚ ናይ ማሕበር መምሃራን ናይ ሰላም መጸዋዕታ ደጊምዎ።

ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ቱርክ፡  ዓባይ ብሪታንያን ካለኦት ወገናትን እውን በብዝምልከቶም ኣካላቶም ኣቢሎም ውግእ ጠጠው ኢሉ ናብ ሰላማዊ መፍትሒ ክእተው ተደጋጋሚ መጸዋዕታ የቕርቡ ኣለዉ።

ነዚ ብ24 ነሃሰ 2022 ከም እንደጋና ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዳግማይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ “መን ጀመሮ?” ኣብ ዝብል፡ ዝካሰስሉ ዘለዉ እዩ።

Thursday, 01 September 2022 22:26

Dimtsi Harnnet Kassel 01.09.2022

Written by