ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ውግእ ናይ ዝኾነ ጸገም ቀጻልን ውሑስን መፍትሒ ከምዘይኮነ፡ ብናይ ብዙሓት ተመኩሮ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ።  ርሑቕ ከይከድና ኣብ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮና እውን ብግብሪ ተራእዩ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ህግደፍ ምስ የመን ዝኸፈቶ ውግእ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፡ ብናይ የመን ልዕልና መዕለቢ ምርካቡ፡ ናይ 1998-2000 ደማዊ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ተቛሪጹ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ዘሄግ  ኣምሪሑ ብቀያድን ናይ መወዳእታን ፍርዲ ምብያኑ፡  ንዝሓለፉ ዝያዳ ክልተ ዓመታት ብዝለዓለ ተሳትፎ ህግደፍን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ እውን፡ ብናይ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ስምምዕ ናይ ምዝዛም መልክዕ ሒዙ ይቕጽል ምህላዉ ናይ ውግእ መወዳእታ፡ ውግእ ዘይምዃኑ ዘርእዩ ኣብነታት እዮም።

ጉጅለ ህግደፍ ጸገማት ካብ ውግእ ወጻኢ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ዘይስቆሮ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ተመኩሮኡ ብውግእ ዝሰኸረ እዩ። ውግእ መፍትሒ ከም ዘይከውንን፡ ቀጻሊ ዘተኣማምን ሰላም ከም ዘየውሕስን ጥራይ ዘይኮነ፡ ህይወት ሰብ ኣጽኒቱን ሃብቲ ሃገር ኣዕንዩን ናብ ውድቀት ዝወስድ ጽልሙት መንገዲ እዩ። ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ እታ ብክቡር መስዋእቶም ዘምጽእዋ ናጻን ልኡላዊትን ሃገሮም ኣደዳ፡ ስደት፣ ድኽነትን ስግኣትን ኮይነምሉ ካብ ዘለዉ ቀንዲ ምኽንያታት ሓደ፡ ካብ ድሌቶምን ኣፍልጠኦምን ወጻኢ፡ ብዘይፈልጥዎ ሕቡእ ኣጀንዳታት ኣብ ዕረፍቲ ዘይህብ ውግኣት ምጽማዶም እዩ።  ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ክንዲ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩረኡ ተማሂሩን ተዓጊሱን ንሰላማዊ መፍትሒ ዕድል ዝህብ፡ ናይ ወትሩ ምርጫኡን ሕልሙን ውግእ እዩ። እዚ ድማ ቀጻልነት ስልጣኑ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ዝጠፍእ ኤርትራዊ ህይወትን ዝባኽን ጸጋ ሃገርን ዘየገድሶ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

ኣብ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰሉ ህዝባዊ መሰረትን ተቐባልነትን ዘየብሎም ዓመጸኛ ስርዓታት፡ ናይቲ ውግእ ቀንዲ ዕላማ ናይ ህዝቢ ሕቶ ከይምልስ ምሕባእን ኣብ ስልጣን መቐጸልን እዩ። እቲ ውግእ ናህሩ ወዲኡ ናብ መድረኽ ሰላምን ሕግን ምስተመለሰ፡ በቲ ብዛዕባቲ ክቡር ዋጋ ዘኸፈለሉ፡ መንቀሊኡን ዕላማኡን   ዘይፈልጥ ወገን፡ “ኣበይ ጸኒሕና፡ ስለምንታይከ፡ መንዩኸ ዝሕተተሉ?” ዝብሉ ሕቶታት ክሓትት ናይ ግድን እዩ። ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ውግእ ምስ የመን ብዙሕኳ እንተዘይተወዓውዐ ናይ ህዝቢ ሕቶታት ነይሩ እዩ።  ድሕሪ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ድማ፡ ብመጠንቲ ዝሓተቶ፡ ናይ ብዙሓት ሞት፡ ስንክልና፡ ምምዝባልን ምብኻን ሃብቲ ሃገርን ብዝሓየለ ተራእዩ። እቲ ሕቶታት ናይቲ ውግእ ሳዕቤንን ዝሕተተሉ ኣካል መን ምዃኑን ብምንጻር ናብ ናይ ድሕሪ ውግእ ክዕመም ዝነበሮ ዘቤታውን ሕገመንግስታውን ዋኒን ምምላስን ዝዓለመ ነይሩ።

ህግደፍ ግና ኣይኮነንዶ ብግብሪ ተሓቲቱ፡ “ምናልባት ከይሕተት” ኢሉ መህደሚ መንገዲ ምምድማድ ልማዱ ስለ ዝነበረን ዝኾነን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ናብ ንቡር ክምለስ  ዝሓተትዎ ላዕለዎትን ማእከሎትን ሓለፍቲ ህግደፍን ጋዜጠኛታትን ዝወሰዶ ጨካን ስጉምቲ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ሕብረተሰብ  ዓለም ዝተፈልጠ፡ እቲ ጉጅለ ክሳብ ክንደይ ተሓታትነት ዘይጸውርን ዘይህዝባውን ምዃኑ ዘነጸረ ነይሩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ዘይሰብኣዊ ምዃኑ እውን ዝተቓለዓሉ ፍጻመ እዩ። ሎሚ ድሕሪዚ “ኣብ ውግእ ትግራይ ተዓዊተ ተመሊሰ ኣለኹ” ኢሉ ዝጭድረሉ  ዘሎ ግዜ እውን ኣብ ኤርትራ ናይ ድሕሪ ውግእ ፖለቲካዊ  ቅልውላው ክንጸባረቕ ባህርያዊ እዩ። እሞ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂዶ እቲ ሕቶ ይጐልሕን ኣይጐልሕን ግና ሓቢርካ ዝረአ እዩ። ብወገና ህዝቢ ልዕሊ ዝጠፍኡ ደቁን ዝባኸነ ሃብቱን ስለዘይብሉ፡ ብኢሳያስ ብዝንገሮ ናይ ሓሶት ናይ ግዳያት ኣሃዝ ከይተዳዓዓሰ፡ ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ድምጹ ከስምዕ ይግበኦ ንብል። ብውሕዱ እቲ “ንዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ዘቤታዊ ጉዳይና ከይንዓምም ኣብ ትሕቲ ስግኣት ወያነን ኣሜሪካን ኢና ጸኒሕና” ብዝብል ተሓቢእሉ ዝጸንሐ በዓቲ፡ በቲ ባዕሉ “ንወያነ ሓደጋ ናብ ዘይትኾነና ደረጃ ኣውሪድና ኢና”  ዝበሎ  ከም ዝተቓለዐ ፍሉጥ እዩ።

እዚ ቅልውላው ድሕሪ ውግእ፡ ኣብቶም ካለኦት ክዋስኡ ዝጸንሑ እውን ብጋህዲ ይረአ ኣሎ። ኣብ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ክልል ኦሮሞ መመሊሱ ዝልሕም ዘሎ ውግእ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ኦሮሞን ኣምሓራን ዝምዕብል ዘሎ ምፍጣጥ ሓደገኛ ናይ ድሕሪ ውግእ ቅልውላው መርኣያ እዩ። ነቲ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ተኸቲሉ፡ ኣብ ኦርተደኩሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ሓደገኛ መንግስታዊ ኢድ ኣእታውነት ዘጋደዶ ናዕቢ ተወሲኽዎ፡ እቲ ናይ ድሕሪ ውግእ ቅልውላው ኣብ ኢትዮጵያ ይዓርግ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ።

ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ናይ ዝተወሰኑ ወገናት ምቅዋም ንውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ጀሚሩ፡ ሓያሎ ናብ ሓያል ቅልውላው ድሕሪ ውግእ ዘምርሑ ዘለዉ ዝመስሉ  ርሱናት ሕቶታት ይለዓሉ ኣለዉ።  “ትግራይ ድሕሪ ሕጂ ከመይ እያ እትቕጽል?” ኣብ ዝብል፡ ነብሳ ዝኸኣለት ሃገርዶ ትኹን፡ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይና ትቐጽል?፡ ህወሓትን ከም ውድብን መሪሕነታን ይቕጽሉዶ ኣይቐጽሉ?፡ ትግራይ ትምረሓሉ ስነ-ሓሳብ ከምቲ ዝጸንሓቶ ሰውራዊ ዲሞክራሲዶ ናብ ኣብ ናጻ ዕዳጋ ዝተሰረተ ምዕራባዊ ዲሞክራሲ ትሰጋገር?፡ ኣብ ትግራይ ምጽናት ዓሌት ተፈጺሙዶ ኣይተፈጸመን እንተተፈጺሙኸ መሪሕነት ህወሓት ኣካል ናይቶም ዝሕተቱ ድዩ ኣይፋሉን? ……… ወዘተ፡ ዝብሉ ሕቶታት ይባርዑ ኣለዉ። ምናልባት እውን እዚ ንህወሓት ናብቲ  ብ2001 ዘጋጠማ  ምክፍፋል ከይሸማ ናይ ብዙሓት ወገናት ስኽፍታን ስግኣትን ኮይኑ ዘሎ እዩ።

ኣብዚ ኩነታት፡ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢኸ፡ ካብቲ ብሰንኪ እቲ ውግእ ዘስዓቦ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ተረሓሒቕዎ ዝጸንሐ ተመሊሱ፡ ኣብዚ ናይ ድሕሪ ውግእ ቅልውላው ብኸመይ ሓቢሩ  ክዋሳእ  ከም ዝግበኦ ብጽሞናን ብህዝባዊ ሓላፍነትን ክሓስበሉ ኣብ  ዝግበኦ  እዩ  ዘሎ።

Saturday, 04 February 2023 23:33

Dimtsi Harnnet Sweden 04.02.2023

Written by

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብ3 ለካቲት 2023 ምስ ኣባላት ኮሚተ ስምምዕ ሰላም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን  ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ክልል ኢትዮጵያ፡ ሃላላ ኣብ ዝተባህለ መዘናግዒ ቦታ ብኣካል ተራኺቦም ከም ዝተዛተዩ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢራ።

ኣብቲ ዘተ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣፈጻጽማ  ስምምዕ  ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን፡ ዝተተግበሩን ዘይተተግበሩን  ስራሕቲ ክግምግሙ እንከለው፡ ኣብ መጻኢ ንዝካየዱ ዕማማት ኣመልኪቶም'ውን ደማ  ከም ዝተዘራረቡ እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ሓበሬታ  ኣመልኪቱ። ኣብቲ ርክብ ብወገን ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሌተናል ጀነራል ጻድቃን ገ/ትንሳኤ፡ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደን ኣንበሳደር ወንድሙ ኣሳምነውን ዘለዉዎም ተረኺቦም።

ብወገን ፈደራላዊ ሪፑብሊክ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖም፡ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ ሓላቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻን ብርሃኑ ጁላ፡  ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንበሳደር ሬድዋን ሑሴንን ሚኒስተር ምክልኻል ዶ/ር ኣብረሃም በላይን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ተሳቲፎም።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብዛዓብቲ ርክብ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ርክብ ከም ዝተኻየደ ኣረጋጊጹ፡ ዕላምኡ ድማ ብመሰረት እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ዝተተግበረን ዘይተተግበረን ምድህሳስ ኮይኑ፡ እቲ ዘይተተግብረ ዝትግበረሉ ኣቕጣጫ ንምቕማጥ ምንባሩ ጠቒሱ ኣውንታዊ ምንባሩ ሓቢሩ። ኣቶ ጌታቸው ኣተሓሒዙ ብወገን ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ሕጂ ናብ ውግእ ናይ ምምላስ ድሌት ከም ዘየለ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ምትእምማን ይዓቢ ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ።

ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተወስደ ምስሊ

ሶማልያዊ ኣማኻሪ ሓሰን ሼኽ ዓሊ፡ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ፕሮግራም እንግሊዘኛ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሓትት፡ ሃገሮም  ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ ኤርትራን ኡጋንዳን ነፍሲ ወከፈን 3 ሺሕ ከምኡ ድማ 6 ሺሕ ናብ ኢትዮጵያን ግብጽን ብድምር 12 ሺሕ  መንእሰያት ንወተሃደራዊ ታዕሊም ምልኣኻ ምሕባሮም ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢራ። ብመሰረት ቃለ መጠይቕ ናይቶም ኣማኻሪ፡ እቲ ትልሚ ኣካል ናይቲ ክሳብ መወዳእታ 2023 ኣብ ዘሎ ግዜ 15 ሺሕ ሶማላውያን ወተሃደራት ናይ ምስልጣን መደቦም እዩ።

ኣብ ሶማሊያ ዘለዉ ናይ ፖለቲካ ክኢላታትን ሓድሽ ሓሳብ ኣመንጨውትን ብወገኖም ከም ዝገልጽዎ፡ እዚ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወተሃደራት ናይ ምስልጣን መደብዚ፡ ኣብ ሶማሊያ ዘሎ ሓላው ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ክወጽእ እንከሎ 24 ሺሕ ወተሃደራት ኣዳሊኻ  ጸጥታዊ ሓላፍነት ንምርካብ ናይ ዝካየድ ምቅርራብ ኣካል እዩ። እንተኾነ እዚ ተታሒዙ ዘሎ መደብ  ዝተጋነነ እዩ ዝብል ስግኣት  ኣለዎም።

እቶም ኣማኻሪ ሓሰን ሼኽ ዓሊ፡  ካብቶም ካብ 2019 ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ መንእሰያት ኩሎም ከይተመልሱ፡ ስለምንታይ ካለኦት ናብ ኤርትራ ምስዳድ ንዝብል እዚ ናይ ሎሚ መደብ ኣብ ግሉጽነት ዝተሰረተ እዩ ብዝብል ከም ዝመለስዎ ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ ርእሲቶም 3ሺሕ መንእሰያት  ሶማላውያን፡ ካለኦት ካብ 30 ዘይውሕዱ  ኣባላት ፖሊስ ንዝለዓል ስልጠና ናብ ኢትዮጵያ ተላኢኾም ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን ድማ መራሕቲ ናይተን ምስ ሶማልያ ዝዳወባን ናብታ ሃገር ሰራዊተን ዝለኣኻን ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ጅቡትን ብ1 ለካቲት 2023 ኣብ ዋና ከተማ ሶማሊያ መቃድሾ ኣኼባ ኣካይዶም። ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ኣብቲ ሶማሊያ ኣንጻር ኣልሸባብ ተካይዶ ዘላን ክሳብ መወዳእታ 2023 ክውደኦ እየ ኢላ መደብ ዝሓዘትሉን ውግእ  ዝተሓባበርሉ መንገዲ ንምድህሳስ ምዃኑ ናይተን ሃገራት ማዕከናት ዜና ገሊጸን። እዚ ድማ ቀርኒ ኣፍሪቃ  ኣብ ወጥሪ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

Thursday, 02 February 2023 22:48

Dimtsi Harnnet Kassel 02.02.2023

Written by

ሓደ ሱዳናዊ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ዶብ፡ ሓደ ቻይናዊ ድማ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንወገን ሰሜናዊ ምዕራብ 160 ኪሎሜተር  ርሒቓ  ናብ ባህርዳር ኣብ ዝወስድ ዋና መንገዲ እትርከብ ከተማ ደብረ ጉራቻ ብ31 ጥሪ 2023  ብዕጡቓት ከም ዝተቐትሉ ተሓቢሩ።

ማዕከን ዜና ሱዳን ትሪቡን ከም ዝሓበረቶ እቲ ከራር መሓመድ ሙሳ ዝተባህለ ሱዳናዊ ጓሳ በሳንዳ ኣብ ዝተባህለ ናብ ግዝኣት  ሱዳን 2 ኪሎሜተር ንውሽጢ ኣቲኻ ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ቦታ ከብቱ ክሰርቁ ዝመጹ ክከላኸል እንከሎ  ብዕጡቓት ፋኖ ኣምሓራ ከም ዝተቐትለ ጠቒሳ

እቲ ዜና ብምትሕሓዝ  ነቲ ኣብ ዶባት ዘሎ ጸገም ብስምምዕ ንምፍታሕ  ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካርቱምንኳ ፈተነታት ዝካየድ እንተኾነ፡ ኣብቲ ኣልፋሽቃ ዝበሃል ከባቢ ግና ከብቲ ንምስራቕ ብፋኖ ዝግበር ፈተነታት ቃጻሊ ምህላዉ ኣስፊሩ። ድሕሪቲ ቅትለት ነቲ ኩነታት ንምዕጋት ሻምበል መሓመድ ኣልሓሰን ብዝተባህለ ኣዛዚ ዝምራሕ ናይ ሱዳን ፖሊስ ከም ዝተዋፈረን ብዛዕባቲ ቅትለት ናብ ኢትዮጵያ ዝቐርብ ናይ ገበን ፋይል ከም ዝተኸፍተን እቲ ዜና ብተወሳኺ ሕቢሩ።

ድሕርቲ ዘጋጠመ ቅትለት ናይቲ ከባቢ ሓላፊ ባህላዊ ምምሕዳር ዓሌት በኒዓምር፡ መሓመድ ሓሰን ሓጅ ኣጋ ናይቲ ከባቢ መንግስታዊ ምምሕዳር እኹል ቀወምቲ ሓይልታት ጸጥታ ንክምድብ ጸዊዑ፡ ናይተን ዝተዘመታ ከብቲ ካሕሳ ክወሃብ  ድማ ሓቲቱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ እትርከብ ከተማ ደብረጉራቻ፡ ኣብ ልዕሊ 9 ቻይናውያን መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከም ዝተረፈጸመን ሓደ ካብኣቶም  ሞይቱ፡ እቶም ዝተረፉ ከም ዝቖሰሉን ተሓቢሩ። ድሕሪዚ ተረኽቦ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዜጋታቱ ኣብ ኢትዮጵያ ክንቀሳቐሱ እንከለዉ ዝለዓለ ጥንቃቐ ንክገብሩ ዝተሓሳስብ መግለጺ ከም ዘውጸአ ተፈሊጡ። ናይቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝወሰዱ መንነትን ዕላማን’ኳ እንተዘይተገልጸ፡ እቲ ከባቢ ዕጡቓት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ዝወስድሉ እዩ።

ኣብ ሱዳን ንስደተኛታት ብዝምልከት ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ፡ ከባቢ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ብምዕቋብ እታ ሃገር ካብ ኣፍሪቃ ካለኣይቲ ምዃና ክሕበር እንከሎ: ቀዳመይቲ መን ምዃና ከም ዘይተጠቕሰት መርበብ ሱዳን ትሪቡን/sudan tribune ኣፍሊጣ። ዓመታዊ ናይ ሱዳን ምላሽ ንስደተኛታትን ትልምን ከም ዘስፈሮÜ  ንናይ 2023  መዕቆቢ ስደተኛታት ዝኸውን ኣዳልያ ከምዘላ ተሓቢሩ።

ኣብ ሱዳን ካብ 1965 ጀሚሩ ዝተዓቑቡ ስደተኛታት ካብ ሃገራት፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ቻድ፡ ሱሪያ፡ የመን፡ ሶማሊያን ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ምዃኖም ኣብቲ ዜና ሰፊሩ። ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን ብምትሕብባር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ድሌት ስደተኛታት ኣብ ግምት ብዘእተወ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘኽእል ንገንዘብ ዝምልከት ትልሚ ከም ዝሰርዐ ተጠቒሱ።

ካብቶም ስደተኛታት፡ ከም ናይ ኢትዮጵያ ዝኣመሰሉ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ዝተፈጥረ ኩነታት ናብ ሱዳን ዝኣተዉ ኮይኖም፡ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰሉ ግና ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ሃገሮም ወጺኦም ክስደዱ ዝተገደዱ ምዃኖምን እቲ ንኣተሓሕዛ ስደተኛታት ብዝምልከት ዝወጸ ትልሚ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑን ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ሰፊሩ።  ካብቶም ኣብ ሱዳን ዘለዉ ጠቕላላ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳንናውያ ልዕሊ 800 ሺሕ እዮም።

ካብ ክፍሊ ሃገራት ሱዳን፡ ካርቱምን ዋይት ናይልን ክልቲአን ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ካብቲ ስደተኛ ዘዕቆባ እየን። ኣብ ሱዳን ካብ ዘለዉ ስደተኛታት እቶም 38% ኣብተን መብዛሕተአን ኣብ ከሰላ፡ ገዳርፍ፡ ዋይት ናይልን ዳርፎርን  ዘለዋ 25 መደበራት ዝተዓቖቡ  እዮም። እቶም ዝተረፉ 62% ድማ ኣብ ከተማታት፡ ማሕበረ ሰባትን  ዓድታትን ሱዳን ዝነብሩ እዮም። መንግስቲ ሱዳን ነቲ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ፡ ተሊምዎ ዘሎ መደብ ናይ 2023 ኣብ ግብሪ ንምውዓል እንተ ወሓደ 396 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድሊ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

 

Martin Plaut posted: " Lavrov Announces Creation of Framework for Russia-Eritrea Trade Consultations Lavrov:  Russia and Eritrea have agreed to create a mechanism for trade consultations MASSAWA (Eritrea), 27 JAN- RIA Novosti Russia and Eritrea have agreed to est" Martin Plaut

 


Lavrov Announces Creation of Framework for Russia-Eritrea Trade Consultations

Lavrov:  Russia and Eritrea have agreed to create a mechanism for trade consultations

MASSAWA (Eritrea), 27 JAN- RIA Novosti

Russia and Eritrea have agreed to establish an interdepartmental framework for consultations on matters related to trade and economics. According to Russian Minister of Foreign Affairs Sergei Lavrov, both countries will work to insulate their partnership from the ongoing effects of Western sanctions.

"We have a mutual interest in developing cooperation in the area of trade and economics. We have agreed to set up a bilateral framework for consultations between the relevant departments that will address economic, trade and investment issues,"  Lavrov told journalists.

He likewise noted that both nations will promote direct contact between their respective business communities "that have shown an interest in pursuing joint projects in the mining industry, energy sector, agricultural sphere and information communication technologies, among others."

"Of course, at the same time,"  the foreign minister concluded, "we will look into what concrete steps can be taken to shield our partnership from illegitimate Western sanctions."