ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ውግእ ናይ ዝኾነ ጸገም ቀጻልን ውሑስን መፍትሒ ከምዘይኮነ፡ ብናይ ብዙሓት ተመኩሮ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ርሑቕ ከይከድና ኣብ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮና እውን ብግብሪ ተራእዩ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ህግደፍ ምስ የመን ዝኸፈቶ ውግእ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፡ ብናይ የመን ልዕልና መዕለቢ ምርካቡ፡ ናይ 1998-2000 ደማዊ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ተቛሪጹ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ዘሄግ ኣምሪሑ ብቀያድን ናይ መወዳእታን ፍርዲ ምብያኑ፡ ንዝሓለፉ ዝያዳ ክልተ ዓመታት ብዝለዓለ ተሳትፎ ህግደፍን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ እውን፡ ብናይ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ስምምዕ ናይ ምዝዛም መልክዕ ሒዙ ይቕጽል ምህላዉ ናይ ውግእ መወዳእታ፡ ውግእ ዘይምዃኑ ዘርእዩ ኣብነታት እዮም።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ጸገማት ካብ ውግእ ወጻኢ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ዘይስቆሮ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ተመኩሮኡ ብውግእ ዝሰኸረ እዩ። ውግእ መፍትሒ ከም ዘይከውንን፡ ቀጻሊ ዘተኣማምን ሰላም ከም ዘየውሕስን ጥራይ ዘይኮነ፡ ህይወት ሰብ ኣጽኒቱን ሃብቲ ሃገር ኣዕንዩን ናብ ውድቀት ዝወስድ ጽልሙት መንገዲ እዩ። ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ እታ ብክቡር መስዋእቶም ዘምጽእዋ ናጻን ልኡላዊትን ሃገሮም ኣደዳ፡ ስደት፣ ድኽነትን ስግኣትን ኮይነምሉ ካብ ዘለዉ ቀንዲ ምኽንያታት ሓደ፡ ካብ ድሌቶምን ኣፍልጠኦምን ወጻኢ፡ ብዘይፈልጥዎ ሕቡእ ኣጀንዳታት ኣብ ዕረፍቲ ዘይህብ ውግኣት ምጽማዶም እዩ። ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ክንዲ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩረኡ ተማሂሩን ተዓጊሱን ንሰላማዊ መፍትሒ ዕድል ዝህብ፡ ናይ ወትሩ ምርጫኡን ሕልሙን ውግእ እዩ። እዚ ድማ ቀጻልነት ስልጣኑ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ዝጠፍእ ኤርትራዊ ህይወትን ዝባኽን ጸጋ ሃገርን ዘየገድሶ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።
ኣብ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰሉ ህዝባዊ መሰረትን ተቐባልነትን ዘየብሎም ዓመጸኛ ስርዓታት፡ ናይቲ ውግእ ቀንዲ ዕላማ ናይ ህዝቢ ሕቶ ከይምልስ ምሕባእን ኣብ ስልጣን መቐጸልን እዩ። እቲ ውግእ ናህሩ ወዲኡ ናብ መድረኽ ሰላምን ሕግን ምስተመለሰ፡ በቲ ብዛዕባቲ ክቡር ዋጋ ዘኸፈለሉ፡ መንቀሊኡን ዕላማኡን ዘይፈልጥ ወገን፡ “ኣበይ ጸኒሕና፡ ስለምንታይከ፡ መንዩኸ ዝሕተተሉ?” ዝብሉ ሕቶታት ክሓትት ናይ ግድን እዩ። ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ውግእ ምስ የመን ብዙሕኳ እንተዘይተወዓውዐ ናይ ህዝቢ ሕቶታት ነይሩ እዩ። ድሕሪ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ድማ፡ ብመጠንቲ ዝሓተቶ፡ ናይ ብዙሓት ሞት፡ ስንክልና፡ ምምዝባልን ምብኻን ሃብቲ ሃገርን ብዝሓየለ ተራእዩ። እቲ ሕቶታት ናይቲ ውግእ ሳዕቤንን ዝሕተተሉ ኣካል መን ምዃኑን ብምንጻር ናብ ናይ ድሕሪ ውግእ ክዕመም ዝነበሮ ዘቤታውን ሕገመንግስታውን ዋኒን ምምላስን ዝዓለመ ነይሩ።
ህግደፍ ግና ኣይኮነንዶ ብግብሪ ተሓቲቱ፡ “ምናልባት ከይሕተት” ኢሉ መህደሚ መንገዲ ምምድማድ ልማዱ ስለ ዝነበረን ዝኾነን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ናብ ንቡር ክምለስ ዝሓተትዎ ላዕለዎትን ማእከሎትን ሓለፍቲ ህግደፍን ጋዜጠኛታትን ዝወሰዶ ጨካን ስጉምቲ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ሕብረተሰብ ዓለም ዝተፈልጠ፡ እቲ ጉጅለ ክሳብ ክንደይ ተሓታትነት ዘይጸውርን ዘይህዝባውን ምዃኑ ዘነጸረ ነይሩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ዘይሰብኣዊ ምዃኑ እውን ዝተቓለዓሉ ፍጻመ እዩ። ሎሚ ድሕሪዚ “ኣብ ውግእ ትግራይ ተዓዊተ ተመሊሰ ኣለኹ” ኢሉ ዝጭድረሉ ዘሎ ግዜ እውን ኣብ ኤርትራ ናይ ድሕሪ ውግእ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክንጸባረቕ ባህርያዊ እዩ። እሞ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂዶ እቲ ሕቶ ይጐልሕን ኣይጐልሕን ግና ሓቢርካ ዝረአ እዩ። ብወገና ህዝቢ ልዕሊ ዝጠፍኡ ደቁን ዝባኸነ ሃብቱን ስለዘይብሉ፡ ብኢሳያስ ብዝንገሮ ናይ ሓሶት ናይ ግዳያት ኣሃዝ ከይተዳዓዓሰ፡ ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ድምጹ ከስምዕ ይግበኦ ንብል። ብውሕዱ እቲ “ንዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ዘቤታዊ ጉዳይና ከይንዓምም ኣብ ትሕቲ ስግኣት ወያነን ኣሜሪካን ኢና ጸኒሕና” ብዝብል ተሓቢእሉ ዝጸንሐ በዓቲ፡ በቲ ባዕሉ “ንወያነ ሓደጋ ናብ ዘይትኾነና ደረጃ ኣውሪድና ኢና” ዝበሎ ከም ዝተቓለዐ ፍሉጥ እዩ።
እዚ ቅልውላው ድሕሪ ውግእ፡ ኣብቶም ካለኦት ክዋስኡ ዝጸንሑ እውን ብጋህዲ ይረአ ኣሎ። ኣብ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ክልል ኦሮሞ መመሊሱ ዝልሕም ዘሎ ውግእ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ኦሮሞን ኣምሓራን ዝምዕብል ዘሎ ምፍጣጥ ሓደገኛ ናይ ድሕሪ ውግእ ቅልውላው መርኣያ እዩ። ነቲ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ተኸቲሉ፡ ኣብ ኦርተደኩሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ሓደገኛ መንግስታዊ ኢድ ኣእታውነት ዘጋደዶ ናዕቢ ተወሲኽዎ፡ እቲ ናይ ድሕሪ ውግእ ቅልውላው ኣብ ኢትዮጵያ ይዓርግ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ።
ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ናይ ዝተወሰኑ ወገናት ምቅዋም ንውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ጀሚሩ፡ ሓያሎ ናብ ሓያል ቅልውላው ድሕሪ ውግእ ዘምርሑ ዘለዉ ዝመስሉ ርሱናት ሕቶታት ይለዓሉ ኣለዉ። “ትግራይ ድሕሪ ሕጂ ከመይ እያ እትቕጽል?” ኣብ ዝብል፡ ነብሳ ዝኸኣለት ሃገርዶ ትኹን፡ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይና ትቐጽል?፡ ህወሓትን ከም ውድብን መሪሕነታን ይቕጽሉዶ ኣይቐጽሉ?፡ ትግራይ ትምረሓሉ ስነ-ሓሳብ ከምቲ ዝጸንሓቶ ሰውራዊ ዲሞክራሲዶ ናብ ኣብ ናጻ ዕዳጋ ዝተሰረተ ምዕራባዊ ዲሞክራሲ ትሰጋገር?፡ ኣብ ትግራይ ምጽናት ዓሌት ተፈጺሙዶ ኣይተፈጸመን እንተተፈጺሙኸ መሪሕነት ህወሓት ኣካል ናይቶም ዝሕተቱ ድዩ ኣይፋሉን? ……… ወዘተ፡ ዝብሉ ሕቶታት ይባርዑ ኣለዉ። ምናልባት እውን እዚ ንህወሓት ናብቲ ብ2001 ዘጋጠማ ምክፍፋል ከይሸማ ናይ ብዙሓት ወገናት ስኽፍታን ስግኣትን ኮይኑ ዘሎ እዩ።
ኣብዚ ኩነታት፡ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢኸ፡ ካብቲ ብሰንኪ እቲ ውግእ ዘስዓቦ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ተረሓሒቕዎ ዝጸንሐ ተመሊሱ፡ ኣብዚ ናይ ድሕሪ ውግእ ቅልውላው ብኸመይ ሓቢሩ ክዋሳእ ከም ዝግበኦ ብጽሞናን ብህዝባዊ ሓላፍነትን ክሓስበሉ ኣብ ዝግበኦ እዩ ዘሎ።
ተወከልቲ ትግራይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቦም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብ3 ለካቲት 2023 ምስ ኣባላት ኮሚተ ስምምዕ ሰላም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ክልል ኢትዮጵያ፡ ሃላላ ኣብ ዝተባህለ መዘናግዒ ቦታ ብኣካል ተራኺቦም ከም ዝተዛተዩ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢራ።
ኣብቲ ዘተ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣፈጻጽማ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን፡ ዝተተግበሩን ዘይተተግበሩን ስራሕቲ ክግምግሙ እንከለው፡ ኣብ መጻኢ ንዝካየዱ ዕማማት ኣመልኪቶም'ውን ደማ ከም ዝተዘራረቡ እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ኣብቲ ርክብ ብወገን ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሌተናል ጀነራል ጻድቃን ገ/ትንሳኤ፡ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደን ኣንበሳደር ወንድሙ ኣሳምነውን ዘለዉዎም ተረኺቦም።
ብወገን ፈደራላዊ ሪፑብሊክ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖም፡ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ ሓላቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻን ብርሃኑ ጁላ፡ ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንበሳደር ሬድዋን ሑሴንን ሚኒስተር ምክልኻል ዶ/ር ኣብረሃም በላይን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ተሳቲፎም።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብዛዓብቲ ርክብ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ርክብ ከም ዝተኻየደ ኣረጋጊጹ፡ ዕላምኡ ድማ ብመሰረት እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ዝተተግበረን ዘይተተግበረን ምድህሳስ ኮይኑ፡ እቲ ዘይተተግብረ ዝትግበረሉ ኣቕጣጫ ንምቕማጥ ምንባሩ ጠቒሱ ኣውንታዊ ምንባሩ ሓቢሩ። ኣቶ ጌታቸው ኣተሓሒዙ ብወገን ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ሕጂ ናብ ውግእ ናይ ምምላስ ድሌት ከም ዘየለ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ምትእምማን ይዓቢ ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ።
ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተወስደ ምስሊ
ሶማልያዊ ኣማኻሪ ሓሰን ሼኽ ዓሊ፡ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ፕሮግራም እንግሊዘኛ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሓትት፡ ሃገሮም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ ኤርትራን ኡጋንዳን ነፍሲ ወከፈን 3 ሺሕ ከምኡ ድማ 6 ሺሕ ናብ ኢትዮጵያን ግብጽን ብድምር 12 ሺሕ መንእሰያት ንወተሃደራዊ ታዕሊም ምልኣኻ ምሕባሮም ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢራ። ብመሰረት ቃለ መጠይቕ ናይቶም ኣማኻሪ፡ እቲ ትልሚ ኣካል ናይቲ ክሳብ መወዳእታ 2023 ኣብ ዘሎ ግዜ 15 ሺሕ ሶማላውያን ወተሃደራት ናይ ምስልጣን መደቦም እዩ።
ኣብ ሶማሊያ ዘለዉ ናይ ፖለቲካ ክኢላታትን ሓድሽ ሓሳብ ኣመንጨውትን ብወገኖም ከም ዝገልጽዎ፡ እዚ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወተሃደራት ናይ ምስልጣን መደብዚ፡ ኣብ ሶማሊያ ዘሎ ሓላው ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ክወጽእ እንከሎ 24 ሺሕ ወተሃደራት ኣዳሊኻ ጸጥታዊ ሓላፍነት ንምርካብ ናይ ዝካየድ ምቅርራብ ኣካል እዩ። እንተኾነ እዚ ተታሒዙ ዘሎ መደብ ዝተጋነነ እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።
እቶም ኣማኻሪ ሓሰን ሼኽ ዓሊ፡ ካብቶም ካብ 2019 ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ መንእሰያት ኩሎም ከይተመልሱ፡ ስለምንታይ ካለኦት ናብ ኤርትራ ምስዳድ ንዝብል እዚ ናይ ሎሚ መደብ ኣብ ግሉጽነት ዝተሰረተ እዩ ብዝብል ከም ዝመለስዎ ተሓቢሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ ርእሲቶም 3ሺሕ መንእሰያት ሶማላውያን፡ ካለኦት ካብ 30 ዘይውሕዱ ኣባላት ፖሊስ ንዝለዓል ስልጠና ናብ ኢትዮጵያ ተላኢኾም ኣለዉ።
ብኻልእ ወገን ድማ መራሕቲ ናይተን ምስ ሶማልያ ዝዳወባን ናብታ ሃገር ሰራዊተን ዝለኣኻን ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ጅቡትን ብ1 ለካቲት 2023 ኣብ ዋና ከተማ ሶማሊያ መቃድሾ ኣኼባ ኣካይዶም። ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ኣብቲ ሶማሊያ ኣንጻር ኣልሸባብ ተካይዶ ዘላን ክሳብ መወዳእታ 2023 ክውደኦ እየ ኢላ መደብ ዝሓዘትሉን ውግእ ዝተሓባበርሉ መንገዲ ንምድህሳስ ምዃኑ ናይተን ሃገራት ማዕከናት ዜና ገሊጸን። እዚ ድማ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ወጥሪ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።
ሓደ ሱዳናዊ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ዶብ፡ ሓደ ቻይናዊ ድማ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንወገን ሰሜናዊ ምዕራብ 160 ኪሎሜተር ርሒቓ ናብ ባህርዳር ኣብ ዝወስድ ዋና መንገዲ እትርከብ ከተማ ደብረ ጉራቻ ብ31 ጥሪ 2023 ብዕጡቓት ከም ዝተቐትሉ ተሓቢሩ።
ማዕከን ዜና ሱዳን ትሪቡን ከም ዝሓበረቶ እቲ ከራር መሓመድ ሙሳ ዝተባህለ ሱዳናዊ ጓሳ በሳንዳ ኣብ ዝተባህለ ናብ ግዝኣት ሱዳን 2 ኪሎሜተር ንውሽጢ ኣቲኻ ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ቦታ ከብቱ ክሰርቁ ዝመጹ ክከላኸል እንከሎ ብዕጡቓት ፋኖ ኣምሓራ ከም ዝተቐትለ ጠቒሳ
እቲ ዜና ብምትሕሓዝ ነቲ ኣብ ዶባት ዘሎ ጸገም ብስምምዕ ንምፍታሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካርቱምንኳ ፈተነታት ዝካየድ እንተኾነ፡ ኣብቲ ኣልፋሽቃ ዝበሃል ከባቢ ግና ከብቲ ንምስራቕ ብፋኖ ዝግበር ፈተነታት ቃጻሊ ምህላዉ ኣስፊሩ። ድሕሪቲ ቅትለት ነቲ ኩነታት ንምዕጋት ሻምበል መሓመድ ኣልሓሰን ብዝተባህለ ኣዛዚ ዝምራሕ ናይ ሱዳን ፖሊስ ከም ዝተዋፈረን ብዛዕባቲ ቅትለት ናብ ኢትዮጵያ ዝቐርብ ናይ ገበን ፋይል ከም ዝተኸፍተን እቲ ዜና ብተወሳኺ ሕቢሩ።
ድሕርቲ ዘጋጠመ ቅትለት ናይቲ ከባቢ ሓላፊ ባህላዊ ምምሕዳር ዓሌት በኒዓምር፡ መሓመድ ሓሰን ሓጅ ኣጋ ናይቲ ከባቢ መንግስታዊ ምምሕዳር እኹል ቀወምቲ ሓይልታት ጸጥታ ንክምድብ ጸዊዑ፡ ናይተን ዝተዘመታ ከብቲ ካሕሳ ክወሃብ ድማ ሓቲቱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ እትርከብ ከተማ ደብረጉራቻ፡ ኣብ ልዕሊ 9 ቻይናውያን መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከም ዝተረፈጸመን ሓደ ካብኣቶም ሞይቱ፡ እቶም ዝተረፉ ከም ዝቖሰሉን ተሓቢሩ። ድሕሪዚ ተረኽቦ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዜጋታቱ ኣብ ኢትዮጵያ ክንቀሳቐሱ እንከለዉ ዝለዓለ ጥንቃቐ ንክገብሩ ዝተሓሳስብ መግለጺ ከም ዘውጸአ ተፈሊጡ። ናይቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝወሰዱ መንነትን ዕላማን’ኳ እንተዘይተገልጸ፡ እቲ ከባቢ ዕጡቓት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ዝወስድሉ እዩ።
መደብ ምስ ኣመራርሓ ውዱብ ሰዲህኤ: ሓው ብርሃነ ደበሱ
ኣብ ሱዳን ንስደተኛታት ብዝምልከት ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ፡ ከባቢ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ብምዕቋብ እታ ሃገር ካብ ኣፍሪቃ ካለኣይቲ ምዃና ክሕበር እንከሎ: ቀዳመይቲ መን ምዃና ከም ዘይተጠቕሰት መርበብ ሱዳን ትሪቡን/sudan tribune ኣፍሊጣ። ዓመታዊ ናይ ሱዳን ምላሽ ንስደተኛታትን ትልምን ከም ዘስፈሮÜ ንናይ 2023 መዕቆቢ ስደተኛታት ዝኸውን ኣዳልያ ከምዘላ ተሓቢሩ።
ኣብ ሱዳን ካብ 1965 ጀሚሩ ዝተዓቑቡ ስደተኛታት ካብ ሃገራት፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ቻድ፡ ሱሪያ፡ የመን፡ ሶማሊያን ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ምዃኖም ኣብቲ ዜና ሰፊሩ። ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን ብምትሕብባር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ድሌት ስደተኛታት ኣብ ግምት ብዘእተወ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘኽእል ንገንዘብ ዝምልከት ትልሚ ከም ዝሰርዐ ተጠቒሱ።
ካብቶም ስደተኛታት፡ ከም ናይ ኢትዮጵያ ዝኣመሰሉ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ዝተፈጥረ ኩነታት ናብ ሱዳን ዝኣተዉ ኮይኖም፡ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰሉ ግና ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ሃገሮም ወጺኦም ክስደዱ ዝተገደዱ ምዃኖምን እቲ ንኣተሓሕዛ ስደተኛታት ብዝምልከት ዝወጸ ትልሚ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑን ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ሰፊሩ። ካብቶም ኣብ ሱዳን ዘለዉ ጠቕላላ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳንናውያ ልዕሊ 800 ሺሕ እዮም።
ካብ ክፍሊ ሃገራት ሱዳን፡ ካርቱምን ዋይት ናይልን ክልቲአን ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ካብቲ ስደተኛ ዘዕቆባ እየን። ኣብ ሱዳን ካብ ዘለዉ ስደተኛታት እቶም 38% ኣብተን መብዛሕተአን ኣብ ከሰላ፡ ገዳርፍ፡ ዋይት ናይልን ዳርፎርን ዘለዋ 25 መደበራት ዝተዓቖቡ እዮም። እቶም ዝተረፉ 62% ድማ ኣብ ከተማታት፡ ማሕበረ ሰባትን ዓድታትን ሱዳን ዝነብሩ እዮም። መንግስቲ ሱዳን ነቲ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ፡ ተሊምዎ ዘሎ መደብ ናይ 2023 ኣብ ግብሪ ንምውዓል እንተ ወሓደ 396 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድሊ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።
Russia reveals its plans for relations with Eritrea
Written by Martin Plaut
|
Martin Plaut posted: " Lavrov Announces Creation of Framework for Russia-Eritrea Trade Consultations Lavrov: Russia and Eritrea have agreed to create a mechanism for trade consultations MASSAWA (Eritrea), 27 JAN- RIA Novosti Russia and Eritrea have agreed to est" Martin Plaut |
Lavrov Announces Creation of Framework for Russia-Eritrea Trade Consultations Lavrov: Russia and Eritrea have agreed to create a mechanism for trade consultations MASSAWA (Eritrea), 27 JAN- RIA Novosti Russia and Eritrea have agreed to establish an interdepartmental framework for consultations on matters related to trade and economics. According to Russian Minister of Foreign Affairs Sergei Lavrov, both countries will work to insulate their partnership from the ongoing effects of Western sanctions. "We have a mutual interest in developing cooperation in the area of trade and economics. We have agreed to set up a bilateral framework for consultations between the relevant departments that will address economic, trade and investment issues," Lavrov told journalists. He likewise noted that both nations will promote direct contact between their respective business communities "that have shown an interest in pursuing joint projects in the mining industry, energy sector, agricultural sphere and information communication technologies, among others." "Of course, at the same time," the foreign minister concluded, "we will look into what concrete steps can be taken to shield our partnership from illegitimate Western sanctions." |
ባህግና Bahgna 111፣ ሰሙናዊ ዜናታት ሃገርናን ከባቢናን ምስ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ 30.01.2023
Written by Bahgna MediaMedia
More...
ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብ ውግእ ትግራይ፡ ህግደፍ ክሓብኦ ምስምስ ይፈጥር ስለ ዝነበረ፡ ንዝተወሰኑ ወገናት የጋጊ ነይሩ እዩ። እንዳፈለጡ ከምዘይፈልጡ ኮይኖም ጓይላ ህግደፍ ዘዳምቑ መዳኸርቲ’ውን ነይሮም’ዮም። እቲ ኩነታት ልዕሊ ናይ ህግደፍ ናይ ምሕባእን ምትላልን ዓቕሚ ምስ ኮነ ግና፡ እቲ ሓቂ ተጋሂዱ። እቶም “ሰራዊትና ካብ ዶብ ኣይሓለፈን” ክብሉ ዝጸንሑ’ውን ዘይስገር ዓቐበት ምስ ኮኖም፡ ምእታዉ ተኣሚኖምስ፡ ነቲ ተረኽቦ ምኽኑይ ከምስልዎ ዘይፈንቀልዎ እምኒ ኣይነበረን። እንተኾነ ምኽንያታቶም ሓቅነት ስለዘይነበሮ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ህግደፍ ግና ብዘይካቲ ኣቐዲሙ “ወያነ ጸወታኣ ተወዲኡ” ዝበሎ፡ ካብ ጥውይውይን ጉቦጎቦ ምኻድን ሓሊፉ ኣግሂዱ “ኣብ ውግእ ትግራይ ኣትየ” ኣይበለን። እዚ ድማ መእተዊኡ ምኽንያት ካብ ቅርሕንትን ሕዱር ጽልእን ሓሊፉ፡ ካልእ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ሕብረተሰብ ዓለምን ተቐባልነት ከምዘይነበሮ እዩ።
ህግደፍ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ትግራይ ምጽናሕ ምስ ኣስገኦ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ብዝተፈላለዩ ምዕራባዊ መንግስታት፡ ማዕከናት ዜናን ዓበይቲ ፖለቲካዊ ትካላትን ንክወጽእ ዝቐረቦ ተጽዕኖታትን መጠንቀቕታን ክጻወሮ ስለ ዘይከኣለ “ክወጽእ እየ” ክብል ተገዲዱ። እንተኾነ ብግብሪኸ “መሊኡ ወጺኡ ድዩ ኣይፋሉን?” ንዝብል፡ ጌና ኣብ ኣተገባብራ መስርሕ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ-ትግራይ ኣዛራብን ዓንቃፍን ኮይኑ ዘሎ እዩ። እቲ ዘገርም ወዮ “ኣትየ” ክብል ዘይደፈረን ዘይሓበረን ሸፋጢ ጉጅለ “ይወጽእ ኣለኹ’ሞ ኣዳምቑለይ” ዝብል፡ ኣብ ባይታ ምስ ዘሎ ሓቂ ዘይሰማማዕ ጭረሖታት እናቃለሐ መደንዘዚ ድራማ ክሰርሕ ምፍታኑ እዩ። ኣብዚ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ፡ “ምእታውካ ብግሉጽ ዘይነገርካናስ ከመይ ጌርካ ደኣ ይወጽእ ኣለኹ’ሞ ዓልሉለይ ትብለና” ክብሎ ምተገብአ። እንተ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዝኣመሰለ መስቀላዊ ሕቶ ከም ዘይሓትት ገይሩ ከም ዘደንዘዞ ስለ ዝርዳእ እዩ ንከዕሽዎ ዝደፍር። ህዝቢ ኤርትራ ኣፍ ኣውጺኡ ዘይምሕታቱኳ ዘተሓሳስብ እንተኾነ፡ ብልቡ ግና ነቲ ናይ ህግደፍ ሸንኮለል ከምዘይቅበሎ ፍሉጥ እዩ። እቲ ዘገርም ናይ ህዝብስ ደሓን እቲ ካብቲ ህዝቢ ብዝሓሸ ዝተወደበን ናይ ምግዳድ ዕጥቂ ዝውንን ሰራዊት ኤርትራ ሎሚ’ውን፡ “ኣበይ እየ ጸኒሐ፡ ስለምንታከ?” እንተዘይኢሉ መስደመም ዝኸውን እዩ።
ናይ ህግደፍ ምስ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሊሻ ክልል ኣምሓራን ተሻሪኽካ ናብ ውግእ ትግራይ ናይ ምእታው ዕላማ፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእ ምንባሩ ባዕሉ ክፍክረሉ ዝጸንሐ እዩ። እሞ ሕጂ ዝወጽእ ዘሎኸ ነቲ ዕላማይ ዝበሎ ከምቲ ዘጉባዕበዖ ዘሎ፡ “ኣረጋጊጽዎ ድዩ ኣየረጋገጾን? ንዝብል ሕቶ፡ መልሱ ብዘይውልውል “ከርጋግጾ ኣይካኣለን” እዩ። ምኽንያቱ ህወሓት ብዘርኣዮ ጽንዓት ህያው ኮይኑ ናብ መድረኽ ሰላም ተሰጋጊሩስ፡ ናይ ድሕሪ ውግእ ዋኒኑ ከሰላስል ኣብ ሓድሽ ምዕራፍ ቃልሲ ኣትዩ ስለ ዘሎ። እቲ ሓቂ እዚ እናሃለወ፡ “ተዓዊትና ወጺእና” ኢልካ ከበሮ ሓምሓም ምውቃዕ ስዕረትካን ፍሽለትካን ክትሓብእ ካብ ምፍታን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን።
ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ኣስታት 254 ሺሕ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከም ዝሞቱ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይታ ሃገር ሰራዊት ሓላቓ ስታፍ ከም ዝሓበረ ማዕከናት ዜና ገሊጸን። ምጽራይኳ ዘድልዮ እንተኾነ ብሰንኪቲ ውግእ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ተጋሩ ከም ዝሞቱ ዝሕብሩ ጸብጻባት ብተደጋጋሚ ክወጹ ጸኒሖም። ኣብዚ ከቢድ ህልቂት ዘኸተለ ውግእ ተዋሳኢ ካብ ዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ ክንደይ ከም ዝሞተ፡ ዛጊት ብህግደፍ ዝተገልጸ የለን። ንመጻኢ’ውን ሓቀኛ ኣሃዝ ከቕርብ እዩ ኢልካ ትጽበዮ ኣይኮነን። ሓሓሊፎም ዝጥቀሱ ዘለዉ ኣሃዛት ግና ኣዝዮም ዘሰንብዱ እዮም። ምናልባት ህግደፍ ካብ ተሓታትነት ንምድሓን ኣብ ጐደናታት ናይ መካይን ጥሩንባታት ብምቅላሕኳ ክኸዋውሎ እንተፈተነ፡ እንዳ ኩሉ ስድራቤታት ኤርትራ ክኩሕኩሕ ስለ ዝኾነ ኣይክሕባን እዩ።
ህግደፍ ብዋጋ ጉልበትን ህይወትን ኤርትራዊ መንእሰይ ረብሓ ምኽዕባት መለለይኡ እዩ። ኣብ ውግእ ትግራይ ህይወት መንእሰያት ብምኽፋል፡ ንክከሓስ ላዕልን ታሕትን ይብል ከም ዘሎ በብኹርናዑ መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ ዛዕባ እዩ። ድሮ ዕርቡን ተቐቢሉ ዝብሉ ወገናት እውን ኣለዉ። ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ዕንይንይ የብልዎ ካብ ዘለዉ ምኽንያታት ሓደ እቲ ዝሓተቶ ካሕሳ መሊኡ ክሳብ ዝኽፈሎ እዩ ዝብል ግምት ዘለዎም ተዓዘብቲ ብዙሓት እዮም። እዚ ህግደፍ ዝጽበዮ ዘሎ ዋጋ ደም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ “ናብታ ብሰንክቲ ውግእ በዓል ቤታ፡ በዓልቲ ቤቱ፡ ወዳ፡ ጓላ፡ ሓዋን ካልእ ኣባል ቤተሰባን ዝሰኣነት ኤርትራዊት ስድራቤትከ ክበጽሕ ደኾን ይኸውን?” ኢሎም ዝሓቱ ብዙሓት እዮም። ብመንጽር ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣሰራርሓን ተመኩሮን ህግደፍ መልሱ “ኣይፋሉን” ከምዝኸውን ተገማቲ እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ድሕሪ ምጅማር እቲ ደማዊ ውግእ ትግራይ ከይደንጐየ፡ “ …… ሰራዊት ኤርትራ፡ ነቲ ዝተሰለፈሉ ድሕነት ህዝቡን ልዑላውነት ሃገሩን ኣብ ክንዲ ዝከላኸል፡ ካብ ሃገሩ ወጻኢ መዝሓል ጥይት ኰይኑ ይመውትን ይቘስልን ኣሎ። ስለ’ዚ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ብሓደ ወገን እቲ ሰራዊት ባዕሉ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ውግእ ነብሱ ከውጽእ ክጽዕር፡ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መንገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ። “ ኢሉ ነይሩ።
ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ካብ መጀመርያ፡ “ኣብ ዘይምልከትና ውግእ ኣይንኣቱን” እንተዝብሉ ክንደይኳ መመልከዓሎምን ካብ ክሳራን ጣዕሳን መደሓኑን። ሎሚ ህግደፍ ዘጥፈአ ምስ ኣጥፈአ ከይፈተወ ምውጽኡ፡ ካብ ተወሳኺ ህልቂት ዘድሕን እኳ እንተኾነ፡ በቲ ዝፈጸሞ ካብ ናይ ውግእ ገበን ተሓታትነትን ጥልመትን ዘድሕኖ ግና ኣይኮነን። ብፍላይ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ክንዲ ብናይ ህግድፍ ዝሓለፈ ግጉይ ስብከት ተመኲሩ፡ “ደጊም ንኤርትራን ህዝባን ናብ ዘየርብሕ ውግእ ኣይኣቱን እየ” ዝብል፡ ተዀብኲቡ ናብቲ ውግእ ኣትዩ ግዳይ ምዃኑ ኣብ ትዕዝብቲ ኣውዲቕዎ እዩ። ሕጂ’ውን ካብዚ እንተዘይተማሩ፡ ህግደፍ ካልእ ውግእ ክቕይስ ምዃኑ ዘርእዩ ምልክታት ከምዘለዉ ክዝንግዕ ኣይግበኦን።
ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፡ ኣንበሳደር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰራዊት ኤርትራ ከምቲ ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ዝብልዎ ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ከምዘይወጸ ኣብ መገሻአን ካብ ከተማ ናይሮቢ ሓቢረን። እተን ኣንበሳድር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዶብ ገጹ ተንቀሳቒሱ እምበር በቲ ዲፕሎማት ዝጽበይዎ ኣገባብ ካብ ትግራይ ኣይወጸን ኢለን።
በቲ ናይተን ኣንበሳደር መግለጺ መሰረት፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ብመካይን ተጻዒኑ ክወጽእ ተራእዩ ዝብል ሓበሬታኳ እንተነበረ፡ ካለኦት ወገናት ድማ “ናይ ወጻኢ ሓልታት ካብ ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ኣይወጸን” ዝብል ምስክርነት ከም ዝህቡ እተን ኣንበሳደር ገሊጸን። ናይ ኤርትራ ሰራዊት ካብ ትግራይ ምውጻእ በቶም ነቲ ስምምዕ ዝፈረሙ ኣካላት ኮነ፡ ብተዓዘብቲ ናይቲ ስምምዕ ከምዘይተረጋገጸ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ተሾመ ገመቹ ዝተባህሉ ኢትዮጵያ መጀር ጀነራል፡ ብ21 ጥሪ 2023 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንወጻእተኛታትን ኣባላት ቀይሕ መስቀልን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ብዘይካ ሓይልታት ምክልኻል ፈደራል ኢትዮጵያ ካልእ ዕጡቕ ሓይሊ ከምዘየለ ዝሕብር መግለጺ ሂቦም።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ወሃቢ ቃልን ኣማኻሪ ፕረሲደንትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኖም፡ ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም ኣብ ዝጸሓፍዎ፡ ነቲ እቶም ኢትዮጵያዊ ጀነራል ዝሃብዎ መግለጺ ብምቅዋም፡ ኣብዚ እዋንዚ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ሓይሊ ኣምሓራን ኣብ መሬት ትግራይ ከም ዘለዉ ገሊጾም።