ሓደ ሱዳናዊ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ዶብ፡ ሓደ ቻይናዊ ድማ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንወገን ሰሜናዊ ምዕራብ 160 ኪሎሜተር  ርሒቓ  ናብ ባህርዳር ኣብ ዝወስድ ዋና መንገዲ እትርከብ ከተማ ደብረ ጉራቻ ብ31 ጥሪ 2023  ብዕጡቓት ከም ዝተቐትሉ ተሓቢሩ።

ማዕከን ዜና ሱዳን ትሪቡን ከም ዝሓበረቶ እቲ ከራር መሓመድ ሙሳ ዝተባህለ ሱዳናዊ ጓሳ በሳንዳ ኣብ ዝተባህለ ናብ ግዝኣት  ሱዳን 2 ኪሎሜተር ንውሽጢ ኣቲኻ ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ቦታ ከብቱ ክሰርቁ ዝመጹ ክከላኸል እንከሎ  ብዕጡቓት ፋኖ ኣምሓራ ከም ዝተቐትለ ጠቒሳ

እቲ ዜና ብምትሕሓዝ  ነቲ ኣብ ዶባት ዘሎ ጸገም ብስምምዕ ንምፍታሕ  ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካርቱምንኳ ፈተነታት ዝካየድ እንተኾነ፡ ኣብቲ ኣልፋሽቃ ዝበሃል ከባቢ ግና ከብቲ ንምስራቕ ብፋኖ ዝግበር ፈተነታት ቃጻሊ ምህላዉ ኣስፊሩ። ድሕሪቲ ቅትለት ነቲ ኩነታት ንምዕጋት ሻምበል መሓመድ ኣልሓሰን ብዝተባህለ ኣዛዚ ዝምራሕ ናይ ሱዳን ፖሊስ ከም ዝተዋፈረን ብዛዕባቲ ቅትለት ናብ ኢትዮጵያ ዝቐርብ ናይ ገበን ፋይል ከም ዝተኸፍተን እቲ ዜና ብተወሳኺ ሕቢሩ።

ድሕርቲ ዘጋጠመ ቅትለት ናይቲ ከባቢ ሓላፊ ባህላዊ ምምሕዳር ዓሌት በኒዓምር፡ መሓመድ ሓሰን ሓጅ ኣጋ ናይቲ ከባቢ መንግስታዊ ምምሕዳር እኹል ቀወምቲ ሓይልታት ጸጥታ ንክምድብ ጸዊዑ፡ ናይተን ዝተዘመታ ከብቲ ካሕሳ ክወሃብ  ድማ ሓቲቱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ እትርከብ ከተማ ደብረጉራቻ፡ ኣብ ልዕሊ 9 ቻይናውያን መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከም ዝተረፈጸመን ሓደ ካብኣቶም  ሞይቱ፡ እቶም ዝተረፉ ከም ዝቖሰሉን ተሓቢሩ። ድሕሪዚ ተረኽቦ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዜጋታቱ ኣብ ኢትዮጵያ ክንቀሳቐሱ እንከለዉ ዝለዓለ ጥንቃቐ ንክገብሩ ዝተሓሳስብ መግለጺ ከም ዘውጸአ ተፈሊጡ። ናይቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝወሰዱ መንነትን ዕላማን’ኳ እንተዘይተገልጸ፡ እቲ ከባቢ ዕጡቓት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ዝወስድሉ እዩ።

ኣብ ሱዳን ንስደተኛታት ብዝምልከት ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ፡ ከባቢ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ብምዕቋብ እታ ሃገር ካብ ኣፍሪቃ ካለኣይቲ ምዃና ክሕበር እንከሎ: ቀዳመይቲ መን ምዃና ከም ዘይተጠቕሰት መርበብ ሱዳን ትሪቡን/sudan tribune ኣፍሊጣ። ዓመታዊ ናይ ሱዳን ምላሽ ንስደተኛታትን ትልምን ከም ዘስፈሮÜ  ንናይ 2023  መዕቆቢ ስደተኛታት ዝኸውን ኣዳልያ ከምዘላ ተሓቢሩ።

ኣብ ሱዳን ካብ 1965 ጀሚሩ ዝተዓቑቡ ስደተኛታት ካብ ሃገራት፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ቻድ፡ ሱሪያ፡ የመን፡ ሶማሊያን ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ምዃኖም ኣብቲ ዜና ሰፊሩ። ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን ብምትሕብባር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ድሌት ስደተኛታት ኣብ ግምት ብዘእተወ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘኽእል ንገንዘብ ዝምልከት ትልሚ ከም ዝሰርዐ ተጠቒሱ።

ካብቶም ስደተኛታት፡ ከም ናይ ኢትዮጵያ ዝኣመሰሉ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ዝተፈጥረ ኩነታት ናብ ሱዳን ዝኣተዉ ኮይኖም፡ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰሉ ግና ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ሃገሮም ወጺኦም ክስደዱ ዝተገደዱ ምዃኖምን እቲ ንኣተሓሕዛ ስደተኛታት ብዝምልከት ዝወጸ ትልሚ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑን ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ሰፊሩ።  ካብቶም ኣብ ሱዳን ዘለዉ ጠቕላላ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳንናውያ ልዕሊ 800 ሺሕ እዮም።

ካብ ክፍሊ ሃገራት ሱዳን፡ ካርቱምን ዋይት ናይልን ክልቲአን ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ካብቲ ስደተኛ ዘዕቆባ እየን። ኣብ ሱዳን ካብ ዘለዉ ስደተኛታት እቶም 38% ኣብተን መብዛሕተአን ኣብ ከሰላ፡ ገዳርፍ፡ ዋይት ናይልን ዳርፎርን  ዘለዋ 25 መደበራት ዝተዓቖቡ  እዮም። እቶም ዝተረፉ 62% ድማ ኣብ ከተማታት፡ ማሕበረ ሰባትን  ዓድታትን ሱዳን ዝነብሩ እዮም። መንግስቲ ሱዳን ነቲ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ፡ ተሊምዎ ዘሎ መደብ ናይ 2023 ኣብ ግብሪ ንምውዓል እንተ ወሓደ 396 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድሊ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

 

Martin Plaut posted: " Lavrov Announces Creation of Framework for Russia-Eritrea Trade Consultations Lavrov:  Russia and Eritrea have agreed to create a mechanism for trade consultations MASSAWA (Eritrea), 27 JAN- RIA Novosti Russia and Eritrea have agreed to est" Martin Plaut

 


Lavrov Announces Creation of Framework for Russia-Eritrea Trade Consultations

Lavrov:  Russia and Eritrea have agreed to create a mechanism for trade consultations

MASSAWA (Eritrea), 27 JAN- RIA Novosti

Russia and Eritrea have agreed to establish an interdepartmental framework for consultations on matters related to trade and economics. According to Russian Minister of Foreign Affairs Sergei Lavrov, both countries will work to insulate their partnership from the ongoing effects of Western sanctions.

"We have a mutual interest in developing cooperation in the area of trade and economics. We have agreed to set up a bilateral framework for consultations between the relevant departments that will address economic, trade and investment issues,"  Lavrov told journalists.

He likewise noted that both nations will promote direct contact between their respective business communities "that have shown an interest in pursuing joint projects in the mining industry, energy sector, agricultural sphere and information communication technologies, among others."

"Of course, at the same time,"  the foreign minister concluded, "we will look into what concrete steps can be taken to shield our partnership from illegitimate Western sanctions."

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብ ውግእ ትግራይ፡ ህግደፍ ክሓብኦ ምስምስ ይፈጥር ስለ ዝነበረ፡ ንዝተወሰኑ ወገናት የጋጊ ነይሩ እዩ። እንዳፈለጡ ከምዘይፈልጡ ኮይኖም ጓይላ ህግደፍ ዘዳምቑ መዳኸርቲ’ውን ነይሮም’ዮም። እቲ ኩነታት ልዕሊ ናይ ህግደፍ ናይ ምሕባእን ምትላልን ዓቕሚ ምስ ኮነ ግና፡ እቲ ሓቂ ተጋሂዱ። እቶም “ሰራዊትና ካብ ዶብ ኣይሓለፈን” ክብሉ ዝጸንሑ’ውን ዘይስገር ዓቐበት ምስ ኮኖም፡ ምእታዉ ተኣሚኖምስ፡ ነቲ ተረኽቦ ምኽኑይ ከምስልዎ ዘይፈንቀልዎ እምኒ ኣይነበረን። እንተኾነ ምኽንያታቶም ሓቅነት  ስለዘይነበሮ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ህግደፍ ግና ብዘይካቲ ኣቐዲሙ “ወያነ ጸወታኣ ተወዲኡ” ዝበሎ፡ ካብ ጥውይውይን ጉቦጎቦ ምኻድን ሓሊፉ ኣግሂዱ “ኣብ ውግእ ትግራይ ኣትየ” ኣይበለን። እዚ ድማ መእተዊኡ ምኽንያት ካብ ቅርሕንትን ሕዱር ጽልእን ሓሊፉ፡ ካልእ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ሕብረተሰብ ዓለምን  ተቐባልነት ከምዘይነበሮ እዩ።

ህግደፍ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ትግራይ ምጽናሕ ምስ ኣስገኦ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ብዝተፈላለዩ ምዕራባዊ መንግስታት፡ ማዕከናት ዜናን ዓበይቲ ፖለቲካዊ ትካላትን ንክወጽእ ዝቐረቦ ተጽዕኖታትን መጠንቀቕታን  ክጻወሮ ስለ ዘይከኣለ “ክወጽእ እየ” ክብል ተገዲዱ። እንተኾነ ብግብሪኸ “መሊኡ ወጺኡ ድዩ ኣይፋሉን?”  ንዝብል፡ ጌና ኣብ ኣተገባብራ መስርሕ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ-ትግራይ  ኣዛራብን ዓንቃፍን ኮይኑ ዘሎ እዩ። እቲ ዘገርም ወዮ “ኣትየ” ክብል ዘይደፈረን ዘይሓበረን ሸፋጢ ጉጅለ “ይወጽእ ኣለኹ’ሞ ኣዳምቑለይ” ዝብል፡ ኣብ ባይታ ምስ ዘሎ ሓቂ ዘይሰማማዕ ጭረሖታት እናቃለሐ መደንዘዚ ድራማ ክሰርሕ ምፍታኑ እዩ። ኣብዚ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ፡ “ምእታውካ ብግሉጽ ዘይነገርካናስ ከመይ ጌርካ ደኣ ይወጽእ ኣለኹ’ሞ ዓልሉለይ ትብለና” ክብሎ ምተገብአ። እንተ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዝኣመሰለ መስቀላዊ ሕቶ ከም ዘይሓትት ገይሩ ከም ዘደንዘዞ ስለ ዝርዳእ እዩ ንከዕሽዎ ዝደፍር። ህዝቢ ኤርትራ ኣፍ ኣውጺኡ ዘይምሕታቱኳ ዘተሓሳስብ እንተኾነ፡ ብልቡ ግና ነቲ ናይ ህግደፍ ሸንኮለል ከምዘይቅበሎ ፍሉጥ እዩ። እቲ ዘገርም ናይ ህዝብስ ደሓን እቲ ካብቲ ህዝቢ ብዝሓሸ ዝተወደበን ናይ ምግዳድ ዕጥቂ ዝውንን ሰራዊት ኤርትራ ሎሚ’ውን፡ “ኣበይ እየ ጸኒሐ፡ ስለምንታከ?”  እንተዘይኢሉ  መስደመም ዝኸውን እዩ።

ናይ ህግደፍ ምስ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሊሻ ክልል ኣምሓራን ተሻሪኽካ ናብ ውግእ ትግራይ ናይ ምእታው ዕላማ፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእ ምንባሩ ባዕሉ ክፍክረሉ ዝጸንሐ እዩ። እሞ ሕጂ ዝወጽእ ዘሎኸ ነቲ ዕላማይ ዝበሎ ከምቲ ዘጉባዕበዖ ዘሎ፡ “ኣረጋጊጽዎ ድዩ ኣየረጋገጾን? ንዝብል ሕቶ፡ መልሱ  ብዘይውልውል “ከርጋግጾ ኣይካኣለን” እዩ።  ምኽንያቱ ህወሓት ብዘርኣዮ ጽንዓት ህያው ኮይኑ ናብ መድረኽ ሰላም ተሰጋጊሩስ፡ ናይ ድሕሪ ውግእ ዋኒኑ ከሰላስል ኣብ ሓድሽ ምዕራፍ ቃልሲ ኣትዩ ስለ ዘሎ። እቲ ሓቂ እዚ እናሃለወ፡ “ተዓዊትና ወጺእና” ኢልካ ከበሮ ሓምሓም ምውቃዕ ስዕረትካን ፍሽለትካን ክትሓብእ ካብ ምፍታን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ኣስታት 254 ሺሕ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከም ዝሞቱ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይታ ሃገር ሰራዊት ሓላቓ ስታፍ ከም ዝሓበረ ማዕከናት ዜና ገሊጸን። ምጽራይኳ ዘድልዮ እንተኾነ ብሰንኪቲ ውግእ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ተጋሩ ከም ዝሞቱ ዝሕብሩ ጸብጻባት ብተደጋጋሚ ክወጹ ጸኒሖም። ኣብዚ ከቢድ ህልቂት ዘኸተለ ውግእ ተዋሳኢ ካብ ዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ ክንደይ ከም ዝሞተ፡ ዛጊት ብህግደፍ ዝተገልጸ የለን። ንመጻኢ’ውን ሓቀኛ ኣሃዝ ከቕርብ እዩ ኢልካ ትጽበዮ ኣይኮነን። ሓሓሊፎም ዝጥቀሱ ዘለዉ ኣሃዛት ግና ኣዝዮም  ዘሰንብዱ እዮም። ምናልባት ህግደፍ ካብ ተሓታትነት ንምድሓን ኣብ ጐደናታት ናይ መካይን ጥሩንባታት ብምቅላሕኳ ክኸዋውሎ እንተፈተነ፡ እንዳ ኩሉ ስድራቤታት ኤርትራ ክኩሕኩሕ ስለ ዝኾነ ኣይክሕባን እዩ።

ህግደፍ ብዋጋ ጉልበትን ህይወትን ኤርትራዊ መንእሰይ ረብሓ ምኽዕባት መለለይኡ እዩ። ኣብ ውግእ ትግራይ ህይወት መንእሰያት ብምኽፋል፡ ንክከሓስ ላዕልን ታሕትን ይብል ከም ዘሎ በብኹርናዑ መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ ዛዕባ እዩ። ድሮ ዕርቡን ተቐቢሉ ዝብሉ ወገናት እውን ኣለዉ። ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ዕንይንይ የብልዎ ካብ ዘለዉ ምኽንያታት ሓደ እቲ ዝሓተቶ ካሕሳ መሊኡ ክሳብ ዝኽፈሎ እዩ ዝብል ግምት ዘለዎም ተዓዘብቲ ብዙሓት እዮም። እዚ ህግደፍ ዝጽበዮ ዘሎ ዋጋ ደም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ “ናብታ ብሰንክቲ ውግእ በዓል ቤታ፡ በዓልቲ ቤቱ፡ ወዳ፡ ጓላ፡ ሓዋን ካልእ ኣባል ቤተሰባን ዝሰኣነት ኤርትራዊት ስድራቤትከ ክበጽሕ ደኾን ይኸውን?” ኢሎም ዝሓቱ ብዙሓት እዮም። ብመንጽር ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣሰራርሓን ተመኩሮን ህግደፍ መልሱ “ኣይፋሉን”  ከምዝኸውን ተገማቲ እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ድሕሪ ምጅማር እቲ ደማዊ ውግእ ትግራይ ከይደንጐየ፡ “ …… ሰራዊት ኤርትራ፡ ነቲ ዝተሰለፈሉ ድሕነት ህዝቡን ልዑላውነት ሃገሩን ኣብ ክንዲ ዝከላኸል፡ ካብ ሃገሩ ወጻኢ መዝሓል ጥይት ኰይኑ ይመውትን ይቘስልን ኣሎ። ስለ’ዚ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ብሓደ ወገን እቲ ሰራዊት ባዕሉ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ውግእ ነብሱ ከውጽእ ክጽዕር፡ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መንገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ። “ ኢሉ ነይሩ።

 ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ  ካብ መጀመርያ፡ “ኣብ ዘይምልከትና ውግእ ኣይንኣቱን” እንተዝብሉ ክንደይኳ መመልከዓሎምን ካብ ክሳራን ጣዕሳን መደሓኑን። ሎሚ ህግደፍ ዘጥፈአ ምስ ኣጥፈአ ከይፈተወ ምውጽኡ፡ ካብ ተወሳኺ ህልቂት ዘድሕን እኳ እንተኾነ፡ በቲ ዝፈጸሞ  ካብ ናይ ውግእ ገበን ተሓታትነትን ጥልመትን ዘድሕኖ ግና ኣይኮነን። ብፍላይ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ክንዲ ብናይ ህግድፍ ዝሓለፈ ግጉይ ስብከት ተመኲሩ፡ “ደጊም ንኤርትራን ህዝባን ናብ ዘየርብሕ ውግእ ኣይኣቱን እየ”  ዝብል፡ ተዀብኲቡ ናብቲ ውግእ ኣትዩ ግዳይ ምዃኑ ኣብ ትዕዝብቲ ኣውዲቕዎ እዩ። ሕጂ’ውን ካብዚ እንተዘይተማሩ፡ ህግደፍ ካልእ ውግእ ክቕይስ ምዃኑ ዘርእዩ ምልክታት ከምዘለዉ ክዝንግዕ ኣይግበኦን።

ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፡ ኣንበሳደር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰራዊት ኤርትራ ከምቲ ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ዝብልዎ ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ከምዘይወጸ ኣብ መገሻአን ካብ ከተማ ናይሮቢ ሓቢረን። እተን ኣንበሳድር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዶብ ገጹ ተንቀሳቒሱ እምበር በቲ ዲፕሎማት ዝጽበይዎ ኣገባብ ካብ ትግራይ ኣይወጸን ኢለን።

በቲ ናይተን ኣንበሳደር መግለጺ መሰረት፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ  ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ብመካይን ተጻዒኑ ክወጽእ ተራእዩ ዝብል ሓበሬታኳ እንተነበረ፡ ካለኦት ወገናት ድማ “ናይ ወጻኢ ሓልታት ካብ ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ኣይወጸን” ዝብል ምስክርነት ከም ዝህቡ እተን ኣንበሳደር ገሊጸን።  ናይ ኤርትራ ሰራዊት ካብ ትግራይ ምውጻእ በቶም ነቲ ስምምዕ ዝፈረሙ ኣካላት ኮነ፡ ብተዓዘብቲ ናይቲ ስምምዕ ከምዘይተረጋገጸ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ተሾመ ገመቹ ዝተባህሉ ኢትዮጵያ መጀር ጀነራል፡ ብ21 ጥሪ 2023 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንወጻእተኛታትን ኣባላት ቀይሕ መስቀልን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ብዘይካ  ሓይልታት ምክልኻል ፈደራል ኢትዮጵያ ካልእ ዕጡቕ ሓይሊ ከምዘየለ ዝሕብር  መግለጺ ሂቦም።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ወሃቢ ቃልን ኣማኻሪ ፕረሲደንትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኖም፡ ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም ኣብ ዝጸሓፍዎ፡ ነቲ እቶም ኢትዮጵያዊ ጀነራል ዝሃብዎ መግለጺ ብምቅዋም፡ ኣብዚ እዋንዚ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ሓይሊ ኣምሓራን ኣብ መሬት ትግራይ ከም ዘለዉ ገሊጾም።

Sunday, 29 January 2023 22:44

Dimtsi Harnnet Sweden 29.01.2023

Written by
Page 100 of 599