ሓደ ሱዳናዊ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ዶብ፡ ሓደ ቻይናዊ ድማ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንወገን ሰሜናዊ ምዕራብ 160 ኪሎሜተር ርሒቓ ናብ ባህርዳር ኣብ ዝወስድ ዋና መንገዲ እትርከብ ከተማ ደብረ ጉራቻ ብ31 ጥሪ 2023 ብዕጡቓት ከም ዝተቐትሉ ተሓቢሩ።
ማዕከን ዜና ሱዳን ትሪቡን ከም ዝሓበረቶ እቲ ከራር መሓመድ ሙሳ ዝተባህለ ሱዳናዊ ጓሳ በሳንዳ ኣብ ዝተባህለ ናብ ግዝኣት ሱዳን 2 ኪሎሜተር ንውሽጢ ኣቲኻ ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ቦታ ከብቱ ክሰርቁ ዝመጹ ክከላኸል እንከሎ ብዕጡቓት ፋኖ ኣምሓራ ከም ዝተቐትለ ጠቒሳ
እቲ ዜና ብምትሕሓዝ ነቲ ኣብ ዶባት ዘሎ ጸገም ብስምምዕ ንምፍታሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካርቱምንኳ ፈተነታት ዝካየድ እንተኾነ፡ ኣብቲ ኣልፋሽቃ ዝበሃል ከባቢ ግና ከብቲ ንምስራቕ ብፋኖ ዝግበር ፈተነታት ቃጻሊ ምህላዉ ኣስፊሩ። ድሕሪቲ ቅትለት ነቲ ኩነታት ንምዕጋት ሻምበል መሓመድ ኣልሓሰን ብዝተባህለ ኣዛዚ ዝምራሕ ናይ ሱዳን ፖሊስ ከም ዝተዋፈረን ብዛዕባቲ ቅትለት ናብ ኢትዮጵያ ዝቐርብ ናይ ገበን ፋይል ከም ዝተኸፍተን እቲ ዜና ብተወሳኺ ሕቢሩ።
ድሕርቲ ዘጋጠመ ቅትለት ናይቲ ከባቢ ሓላፊ ባህላዊ ምምሕዳር ዓሌት በኒዓምር፡ መሓመድ ሓሰን ሓጅ ኣጋ ናይቲ ከባቢ መንግስታዊ ምምሕዳር እኹል ቀወምቲ ሓይልታት ጸጥታ ንክምድብ ጸዊዑ፡ ናይተን ዝተዘመታ ከብቲ ካሕሳ ክወሃብ ድማ ሓቲቱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ እትርከብ ከተማ ደብረጉራቻ፡ ኣብ ልዕሊ 9 ቻይናውያን መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከም ዝተረፈጸመን ሓደ ካብኣቶም ሞይቱ፡ እቶም ዝተረፉ ከም ዝቖሰሉን ተሓቢሩ። ድሕሪዚ ተረኽቦ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዜጋታቱ ኣብ ኢትዮጵያ ክንቀሳቐሱ እንከለዉ ዝለዓለ ጥንቃቐ ንክገብሩ ዝተሓሳስብ መግለጺ ከም ዘውጸአ ተፈሊጡ። ናይቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝወሰዱ መንነትን ዕላማን’ኳ እንተዘይተገልጸ፡ እቲ ከባቢ ዕጡቓት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ዝወስድሉ እዩ።
መደብ ምስ ኣመራርሓ ውዱብ ሰዲህኤ: ሓው ብርሃነ ደበሱ
ኣብ ሱዳን ንስደተኛታት ብዝምልከት ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ፡ ከባቢ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ብምዕቋብ እታ ሃገር ካብ ኣፍሪቃ ካለኣይቲ ምዃና ክሕበር እንከሎ: ቀዳመይቲ መን ምዃና ከም ዘይተጠቕሰት መርበብ ሱዳን ትሪቡን/sudan tribune ኣፍሊጣ። ዓመታዊ ናይ ሱዳን ምላሽ ንስደተኛታትን ትልምን ከም ዘስፈሮÜ ንናይ 2023 መዕቆቢ ስደተኛታት ዝኸውን ኣዳልያ ከምዘላ ተሓቢሩ።
ኣብ ሱዳን ካብ 1965 ጀሚሩ ዝተዓቑቡ ስደተኛታት ካብ ሃገራት፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ቻድ፡ ሱሪያ፡ የመን፡ ሶማሊያን ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ምዃኖም ኣብቲ ዜና ሰፊሩ። ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን ብምትሕብባር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ድሌት ስደተኛታት ኣብ ግምት ብዘእተወ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘኽእል ንገንዘብ ዝምልከት ትልሚ ከም ዝሰርዐ ተጠቒሱ።
ካብቶም ስደተኛታት፡ ከም ናይ ኢትዮጵያ ዝኣመሰሉ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ዝተፈጥረ ኩነታት ናብ ሱዳን ዝኣተዉ ኮይኖም፡ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰሉ ግና ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ሃገሮም ወጺኦም ክስደዱ ዝተገደዱ ምዃኖምን እቲ ንኣተሓሕዛ ስደተኛታት ብዝምልከት ዝወጸ ትልሚ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑን ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ሰፊሩ። ካብቶም ኣብ ሱዳን ዘለዉ ጠቕላላ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳንናውያ ልዕሊ 800 ሺሕ እዮም።
ካብ ክፍሊ ሃገራት ሱዳን፡ ካርቱምን ዋይት ናይልን ክልቲአን ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ካብቲ ስደተኛ ዘዕቆባ እየን። ኣብ ሱዳን ካብ ዘለዉ ስደተኛታት እቶም 38% ኣብተን መብዛሕተአን ኣብ ከሰላ፡ ገዳርፍ፡ ዋይት ናይልን ዳርፎርን ዘለዋ 25 መደበራት ዝተዓቖቡ እዮም። እቶም ዝተረፉ 62% ድማ ኣብ ከተማታት፡ ማሕበረ ሰባትን ዓድታትን ሱዳን ዝነብሩ እዮም። መንግስቲ ሱዳን ነቲ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ፡ ተሊምዎ ዘሎ መደብ ናይ 2023 ኣብ ግብሪ ንምውዓል እንተ ወሓደ 396 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድሊ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።
Russia reveals its plans for relations with Eritrea
Written by Martin Plaut
|
Martin Plaut posted: " Lavrov Announces Creation of Framework for Russia-Eritrea Trade Consultations Lavrov: Russia and Eritrea have agreed to create a mechanism for trade consultations MASSAWA (Eritrea), 27 JAN- RIA Novosti Russia and Eritrea have agreed to est" Martin Plaut |
Lavrov Announces Creation of Framework for Russia-Eritrea Trade Consultations Lavrov: Russia and Eritrea have agreed to create a mechanism for trade consultations MASSAWA (Eritrea), 27 JAN- RIA Novosti Russia and Eritrea have agreed to establish an interdepartmental framework for consultations on matters related to trade and economics. According to Russian Minister of Foreign Affairs Sergei Lavrov, both countries will work to insulate their partnership from the ongoing effects of Western sanctions. "We have a mutual interest in developing cooperation in the area of trade and economics. We have agreed to set up a bilateral framework for consultations between the relevant departments that will address economic, trade and investment issues," Lavrov told journalists. He likewise noted that both nations will promote direct contact between their respective business communities "that have shown an interest in pursuing joint projects in the mining industry, energy sector, agricultural sphere and information communication technologies, among others." "Of course, at the same time," the foreign minister concluded, "we will look into what concrete steps can be taken to shield our partnership from illegitimate Western sanctions." |
ባህግና Bahgna 111፣ ሰሙናዊ ዜናታት ሃገርናን ከባቢናን ምስ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ 30.01.2023
Written by Bahgna MediaMedia
ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብ ውግእ ትግራይ፡ ህግደፍ ክሓብኦ ምስምስ ይፈጥር ስለ ዝነበረ፡ ንዝተወሰኑ ወገናት የጋጊ ነይሩ እዩ። እንዳፈለጡ ከምዘይፈልጡ ኮይኖም ጓይላ ህግደፍ ዘዳምቑ መዳኸርቲ’ውን ነይሮም’ዮም። እቲ ኩነታት ልዕሊ ናይ ህግደፍ ናይ ምሕባእን ምትላልን ዓቕሚ ምስ ኮነ ግና፡ እቲ ሓቂ ተጋሂዱ። እቶም “ሰራዊትና ካብ ዶብ ኣይሓለፈን” ክብሉ ዝጸንሑ’ውን ዘይስገር ዓቐበት ምስ ኮኖም፡ ምእታዉ ተኣሚኖምስ፡ ነቲ ተረኽቦ ምኽኑይ ከምስልዎ ዘይፈንቀልዎ እምኒ ኣይነበረን። እንተኾነ ምኽንያታቶም ሓቅነት ስለዘይነበሮ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ህግደፍ ግና ብዘይካቲ ኣቐዲሙ “ወያነ ጸወታኣ ተወዲኡ” ዝበሎ፡ ካብ ጥውይውይን ጉቦጎቦ ምኻድን ሓሊፉ ኣግሂዱ “ኣብ ውግእ ትግራይ ኣትየ” ኣይበለን። እዚ ድማ መእተዊኡ ምኽንያት ካብ ቅርሕንትን ሕዱር ጽልእን ሓሊፉ፡ ካልእ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ሕብረተሰብ ዓለምን ተቐባልነት ከምዘይነበሮ እዩ።
ህግደፍ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ትግራይ ምጽናሕ ምስ ኣስገኦ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ብዝተፈላለዩ ምዕራባዊ መንግስታት፡ ማዕከናት ዜናን ዓበይቲ ፖለቲካዊ ትካላትን ንክወጽእ ዝቐረቦ ተጽዕኖታትን መጠንቀቕታን ክጻወሮ ስለ ዘይከኣለ “ክወጽእ እየ” ክብል ተገዲዱ። እንተኾነ ብግብሪኸ “መሊኡ ወጺኡ ድዩ ኣይፋሉን?” ንዝብል፡ ጌና ኣብ ኣተገባብራ መስርሕ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ-ትግራይ ኣዛራብን ዓንቃፍን ኮይኑ ዘሎ እዩ። እቲ ዘገርም ወዮ “ኣትየ” ክብል ዘይደፈረን ዘይሓበረን ሸፋጢ ጉጅለ “ይወጽእ ኣለኹ’ሞ ኣዳምቑለይ” ዝብል፡ ኣብ ባይታ ምስ ዘሎ ሓቂ ዘይሰማማዕ ጭረሖታት እናቃለሐ መደንዘዚ ድራማ ክሰርሕ ምፍታኑ እዩ። ኣብዚ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ፡ “ምእታውካ ብግሉጽ ዘይነገርካናስ ከመይ ጌርካ ደኣ ይወጽእ ኣለኹ’ሞ ዓልሉለይ ትብለና” ክብሎ ምተገብአ። እንተ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዝኣመሰለ መስቀላዊ ሕቶ ከም ዘይሓትት ገይሩ ከም ዘደንዘዞ ስለ ዝርዳእ እዩ ንከዕሽዎ ዝደፍር። ህዝቢ ኤርትራ ኣፍ ኣውጺኡ ዘይምሕታቱኳ ዘተሓሳስብ እንተኾነ፡ ብልቡ ግና ነቲ ናይ ህግደፍ ሸንኮለል ከምዘይቅበሎ ፍሉጥ እዩ። እቲ ዘገርም ናይ ህዝብስ ደሓን እቲ ካብቲ ህዝቢ ብዝሓሸ ዝተወደበን ናይ ምግዳድ ዕጥቂ ዝውንን ሰራዊት ኤርትራ ሎሚ’ውን፡ “ኣበይ እየ ጸኒሐ፡ ስለምንታከ?” እንተዘይኢሉ መስደመም ዝኸውን እዩ።
ናይ ህግደፍ ምስ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሊሻ ክልል ኣምሓራን ተሻሪኽካ ናብ ውግእ ትግራይ ናይ ምእታው ዕላማ፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእ ምንባሩ ባዕሉ ክፍክረሉ ዝጸንሐ እዩ። እሞ ሕጂ ዝወጽእ ዘሎኸ ነቲ ዕላማይ ዝበሎ ከምቲ ዘጉባዕበዖ ዘሎ፡ “ኣረጋጊጽዎ ድዩ ኣየረጋገጾን? ንዝብል ሕቶ፡ መልሱ ብዘይውልውል “ከርጋግጾ ኣይካኣለን” እዩ። ምኽንያቱ ህወሓት ብዘርኣዮ ጽንዓት ህያው ኮይኑ ናብ መድረኽ ሰላም ተሰጋጊሩስ፡ ናይ ድሕሪ ውግእ ዋኒኑ ከሰላስል ኣብ ሓድሽ ምዕራፍ ቃልሲ ኣትዩ ስለ ዘሎ። እቲ ሓቂ እዚ እናሃለወ፡ “ተዓዊትና ወጺእና” ኢልካ ከበሮ ሓምሓም ምውቃዕ ስዕረትካን ፍሽለትካን ክትሓብእ ካብ ምፍታን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን።
ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ኣስታት 254 ሺሕ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከም ዝሞቱ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይታ ሃገር ሰራዊት ሓላቓ ስታፍ ከም ዝሓበረ ማዕከናት ዜና ገሊጸን። ምጽራይኳ ዘድልዮ እንተኾነ ብሰንኪቲ ውግእ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ተጋሩ ከም ዝሞቱ ዝሕብሩ ጸብጻባት ብተደጋጋሚ ክወጹ ጸኒሖም። ኣብዚ ከቢድ ህልቂት ዘኸተለ ውግእ ተዋሳኢ ካብ ዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ ክንደይ ከም ዝሞተ፡ ዛጊት ብህግደፍ ዝተገልጸ የለን። ንመጻኢ’ውን ሓቀኛ ኣሃዝ ከቕርብ እዩ ኢልካ ትጽበዮ ኣይኮነን። ሓሓሊፎም ዝጥቀሱ ዘለዉ ኣሃዛት ግና ኣዝዮም ዘሰንብዱ እዮም። ምናልባት ህግደፍ ካብ ተሓታትነት ንምድሓን ኣብ ጐደናታት ናይ መካይን ጥሩንባታት ብምቅላሕኳ ክኸዋውሎ እንተፈተነ፡ እንዳ ኩሉ ስድራቤታት ኤርትራ ክኩሕኩሕ ስለ ዝኾነ ኣይክሕባን እዩ።
ህግደፍ ብዋጋ ጉልበትን ህይወትን ኤርትራዊ መንእሰይ ረብሓ ምኽዕባት መለለይኡ እዩ። ኣብ ውግእ ትግራይ ህይወት መንእሰያት ብምኽፋል፡ ንክከሓስ ላዕልን ታሕትን ይብል ከም ዘሎ በብኹርናዑ መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ ዛዕባ እዩ። ድሮ ዕርቡን ተቐቢሉ ዝብሉ ወገናት እውን ኣለዉ። ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ዕንይንይ የብልዎ ካብ ዘለዉ ምኽንያታት ሓደ እቲ ዝሓተቶ ካሕሳ መሊኡ ክሳብ ዝኽፈሎ እዩ ዝብል ግምት ዘለዎም ተዓዘብቲ ብዙሓት እዮም። እዚ ህግደፍ ዝጽበዮ ዘሎ ዋጋ ደም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ “ናብታ ብሰንክቲ ውግእ በዓል ቤታ፡ በዓልቲ ቤቱ፡ ወዳ፡ ጓላ፡ ሓዋን ካልእ ኣባል ቤተሰባን ዝሰኣነት ኤርትራዊት ስድራቤትከ ክበጽሕ ደኾን ይኸውን?” ኢሎም ዝሓቱ ብዙሓት እዮም። ብመንጽር ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣሰራርሓን ተመኩሮን ህግደፍ መልሱ “ኣይፋሉን” ከምዝኸውን ተገማቲ እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ድሕሪ ምጅማር እቲ ደማዊ ውግእ ትግራይ ከይደንጐየ፡ “ …… ሰራዊት ኤርትራ፡ ነቲ ዝተሰለፈሉ ድሕነት ህዝቡን ልዑላውነት ሃገሩን ኣብ ክንዲ ዝከላኸል፡ ካብ ሃገሩ ወጻኢ መዝሓል ጥይት ኰይኑ ይመውትን ይቘስልን ኣሎ። ስለ’ዚ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ብሓደ ወገን እቲ ሰራዊት ባዕሉ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ውግእ ነብሱ ከውጽእ ክጽዕር፡ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መንገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ። “ ኢሉ ነይሩ።
ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ካብ መጀመርያ፡ “ኣብ ዘይምልከትና ውግእ ኣይንኣቱን” እንተዝብሉ ክንደይኳ መመልከዓሎምን ካብ ክሳራን ጣዕሳን መደሓኑን። ሎሚ ህግደፍ ዘጥፈአ ምስ ኣጥፈአ ከይፈተወ ምውጽኡ፡ ካብ ተወሳኺ ህልቂት ዘድሕን እኳ እንተኾነ፡ በቲ ዝፈጸሞ ካብ ናይ ውግእ ገበን ተሓታትነትን ጥልመትን ዘድሕኖ ግና ኣይኮነን። ብፍላይ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ክንዲ ብናይ ህግድፍ ዝሓለፈ ግጉይ ስብከት ተመኲሩ፡ “ደጊም ንኤርትራን ህዝባን ናብ ዘየርብሕ ውግእ ኣይኣቱን እየ” ዝብል፡ ተዀብኲቡ ናብቲ ውግእ ኣትዩ ግዳይ ምዃኑ ኣብ ትዕዝብቲ ኣውዲቕዎ እዩ። ሕጂ’ውን ካብዚ እንተዘይተማሩ፡ ህግደፍ ካልእ ውግእ ክቕይስ ምዃኑ ዘርእዩ ምልክታት ከምዘለዉ ክዝንግዕ ኣይግበኦን።
ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፡ ኣንበሳደር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰራዊት ኤርትራ ከምቲ ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ዝብልዎ ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ከምዘይወጸ ኣብ መገሻአን ካብ ከተማ ናይሮቢ ሓቢረን። እተን ኣንበሳድር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዶብ ገጹ ተንቀሳቒሱ እምበር በቲ ዲፕሎማት ዝጽበይዎ ኣገባብ ካብ ትግራይ ኣይወጸን ኢለን።
በቲ ናይተን ኣንበሳደር መግለጺ መሰረት፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ብመካይን ተጻዒኑ ክወጽእ ተራእዩ ዝብል ሓበሬታኳ እንተነበረ፡ ካለኦት ወገናት ድማ “ናይ ወጻኢ ሓልታት ካብ ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ኣይወጸን” ዝብል ምስክርነት ከም ዝህቡ እተን ኣንበሳደር ገሊጸን። ናይ ኤርትራ ሰራዊት ካብ ትግራይ ምውጻእ በቶም ነቲ ስምምዕ ዝፈረሙ ኣካላት ኮነ፡ ብተዓዘብቲ ናይቲ ስምምዕ ከምዘይተረጋገጸ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ተሾመ ገመቹ ዝተባህሉ ኢትዮጵያ መጀር ጀነራል፡ ብ21 ጥሪ 2023 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንወጻእተኛታትን ኣባላት ቀይሕ መስቀልን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ብዘይካ ሓይልታት ምክልኻል ፈደራል ኢትዮጵያ ካልእ ዕጡቕ ሓይሊ ከምዘየለ ዝሕብር መግለጺ ሂቦም።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ወሃቢ ቃልን ኣማኻሪ ፕረሲደንትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኖም፡ ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም ኣብ ዝጸሓፍዎ፡ ነቲ እቶም ኢትዮጵያዊ ጀነራል ዝሃብዎ መግለጺ ብምቅዋም፡ ኣብዚ እዋንዚ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ሓይሊ ኣምሓራን ኣብ መሬት ትግራይ ከም ዘለዉ ገሊጾም።
More...
ዜናዊ ጸብጻብ፡ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ ኮንፈረንስ መንእሰያት ዓፋር ተሳቲፉ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ሰዲህኤን፡ ብ28 ጥሪ 2023 ብመንእሰያት ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡ “ንማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን በደላትን ግዙፍ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ምልላይን መፍትሒታት ምርካብን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ኣብ ከተማ ቨስተሮስ፡ ሽወደን ኣብ ዝተዳለወ ዓመታዊ ኮንፈረንስ ተሳቲፉ። ብጻይ መንግስተኣብ ኣብዚ ንሰዲህኤ ወኪሉ ተሳቲፉ ቃል ዘስመዓሉ ኮንፈረንስ፡ ንዝተገብረሉ ዕድመ ኣመስጊኑ ንተሳተፍቲ ዓመተ 2023 ናይ ሰላም፡ ፍትሒን ዓወትን ክትከውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊጹ።
ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ ሃገርና ነዊሕ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ምስ ወደባቱን ማርሳታቱን ከም እትውንን ተበሃጊት ምዃና ጠቒሱ፡ ብፍላይ ከባቢ ደንከልያ ፖታሽ፡ ጨው፡ ነዳዲ ጋዝን ዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ከም ዘለዋ ሓቢሩ። ምስዚ ኩሉ ግና ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ግጉይ ምሕደራ ህግደፍ ህዝባ ናይ ሃብታ ተጠቃሚ ክኸውን ከምዘይከኣለ ጠቒሱ፡ ስዑዲ ዓረብን ዓረብ ዓማራትን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን እስያን ህዝበን ኣብ ዝለዕለ ደረጃ መነባብሮ ዝርከብ ካብ ናትና ዝበለጸ ጸጋ ስለዘለወን ዘይኮና ብሳላ ዝሓሸ ምምሕዳር እዩ ኢሉ።
ሃገርና እትርከበሉ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ተፈጥሮ ሃብትን ተበሃጊ ኣቀማምጣን ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽና ኣሜሪካን ምዕራባውያን ሃገራትን ንረብሓአን ክብላ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ከም ዝቖረነኣ ብምሕባር፡ ሎሚ እውን ምዕራባውያንን ምብራቓውያንን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይወዳደሩ ከም ዘለዉ ኣዘኻኺሩ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ መንጎ ንጹልን ጸላኢ ዝዕድምን ፖሊሲ ህግደፍን ረብሐኦም ዘቐድሙ ኣህጉራውያን ሓይልታትን ተቐርቂሩ ኣደዳ ኩሉ ማሕበራዊ ጸገማት ኮይኸውን ኣሎ ክብል ብዝርዝር ኣብሪሁ።
ብጻይ መንግስተኣብ ኣብዚ መደርኡ ብልጽግትን ምዕብልትን ኤርትራ ናይ ምህናጽ ሓላፍነት ዝስከም እቲ ክመሃርን ክሰርሕን ዝኽእል፡ ሞተር ሕብርተሰብ ዝኾነ መንእሰይ ምዃኑ ጠቒሱ፡ መንእሰያት ናብዚ ንክበቕዑ ብፍልጠት ክዕጠቕ ስለ ዝግበኦም ኣብዚ ዘለውዎ ሃገር ንዘሎ ዕድላት ተጠቒሞም፡ ክመሃሩን ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ከማዕብሉን ከም ዝግበኦም ምዒዱ። ብመጽር ዕላማቲ ኮንፈረንሶም፡ ዝያዳ ከቕልብሎም ብዝብል ከኣ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ዘርዚሩ፡
1. ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጠንቂ ኩሉ ጸገማትና ዝዀነ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምእላይ፥
2. ልዑላውነት ናይ ሕጊ ዘረጋግጽ ዲሞክራስያውን ቅዋማውን ስርዓት ምህናጽ፥
3. ብዘይ ሰላም ፍትሕን ብልጽግናን ክረጋገጽ ከምዘይክእል ምእማን፥
4. ሓድነት ናይ ህዝብን መሬትን ምዕቃብ፥
5. ዘይተማህረ ነየድሕን ዘይተወቕረ ነየጥሕን ዝብል ምስላ ከም መምርሒ ወሲድካ፡ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ መኣዲ ኣካዳሚያውን ሞያውን ትምህርትን ዘመናዊ ተክኖሎጅን ከምዝጽመዱ ምግባር፥
6. ግደ ስድራቤትን ግደ ሃይማኖታዊ ትካላትን ኣብ ህንጻ ጥዑይ ሕብረተሰብ ምኽባር፥
7. ዘይምእኩል ስርዓተ-ምሕደራ ምኽታል. . .ወዘተ።
ኣብ መደምደምታ ቃሉ ከኣ፡ ኮንፈረንሶም ንክዕወት ብምምናይ፡ ኣብ መንጐ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ዝምድና እናዓበየ ክኸይድ ዘለዎ ትምኒት ገሊጹ። ወደብቲ እቲ ኮንፈረንስ ብወገኖም ንተሳትፎ ብጻይ መንግስተኣብ ብምምጓስ ናይ ተሳትፎ ምስክር ወረቐት ኣበርኪተምሉ።
ኣብዚ ኮንፈረንስ ኣሕዋት ነጋሽ ዑስማንን ኢድሪስ ኑሩን ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምውካል ተሳቲፎም።
ሲነዶስ ኦርተዶኩሳዊት ቤተ ክርስትያ ኢትዮጵያ ብ26 ጥሪ 2023 ናይ ሰለስተ ጳጳሳት ሃይማኖታዊ መዓርግ ከም ዝቐንጣጠ፡ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዋ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣፍሊጣ። እቶም መዓርጎም ዝተቐንጠጡ፡ ኣቡነ ሳዊሮስ፡ ኣቡነ ኣውንጣጢዎስን ኣቡነ ዜናማርቆስን ዝተባህሉ ኮይኖም፡ ናብዚ መቕጻዕቲ ዘብጸሖም ምኽንያት እቲ ብ21 ጥሪ 2023 ካብ ኣዲስ ኣበባ ንወገን ምዕራብ ኣብ ክልል ኦሮሞ ወሊሶ ኣብ ዝተባህለት ከተማ፡ ብኢደወነኖም 26 ሓደስቲ ኤጲስቆጶሳት ቀቢኦም፡ ስጉምቶም ብሲነዶስ ኣፍሊጦ እንተዘይረኺቡ፡ ናብ ክልል ኦሮሞ ዝጠመተ ሓድሽ ሲነዶስ ከም ዘቑሙ ብምጥቃስ መግለጺ ብምውጸኦም ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ነዚ ኩነታት ብዝምልከት ብ26 ጥሪ 2023 ህጹጽ ጉባአ ዘካየደ፡ ብፓትርያርክ ኣቡነ ማትያስ ዝምራሕ ዕላዊ ሲኖዶስ ኦርተደኩስ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰለስተ ጳጳሳትን ንሳቶም ዝቐብእዎም፡ ኤጲስቆጶሳትን 11 ነጥብታት ዘለዎ ውሳነ ወሲኑ። በቲ ውሳነ መሰረት እዞም ዘይሕጋውያን ዝበሎም ጳጵሳትን እቶም ብኣኣቶም ዝተቐብኡን ጌጋኦም ኣሚኖም ይቕረታ እንተዘይሓቲቶም፡፡ ኩሉ ዝነበሮም ሃይማኖታዊ መዓርግን ክብርን ተቐንጢጡ ከም ተራ ሰባት በቲ ናይ ቅድሚ ምንኩስና ኣስማቶም ክጽውዑን ብጸጋታት ኦርቶደኩሳዊት ቤተክርስትያ ከየገልግሉን ብጸጋታታ ከይግልገሉን ዝብል ዝርከቦ ወሲኑ ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ብዝምልከት ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺኳ እንተዘየለ፡ ኦርተደኩስ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ግና፡ መንግስቲ ናይ ምእራም ግዲኡ ክገብር ብዘይምርኣዩ፡ ምስቶም ዕልዋ ከካይዱ ዝፈተኑ ዘይሕጋውያን ኣካላት ወጊኑ ኣሎ ዝብል ክስታት ምቕራብ ጀሚራ’ላ።
እዚ ኩነታት ናብ ዝኸፈአ ምክፍፋል ሰዓብቲ እቲ ሃይማኖትን ህውከትን ከየምርሕ ዓብይ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ምስዚ ብዝተተሓሓዚ እዚ ተረኽቦ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ምክፍፋልን ጐንጽታትን ናብ ዝገደደ ደረጃ ከየዕርጎ ኣብ ብዙሓት ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ እታ ህግደፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያ ኣትዩ ክሕምሳ እንከሎ ተዛሪቡ ዘይፈልጥ ሲነዶስ ኦርተደኩሳዊት ቤተ ክርስትያ ኤርትራ ወሲኽካ፡ ናይ ሓያሎ ሃገራት ሲነዶሳት ንተግባራት እቶም ሰለስተ ጳጳሳት ዝቃወም መግለጽታት የውጸኣ ከም ዘለዋ ተሓቢሩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ትካላዊ ኣሰራርሓኡን
Written by EPDP Information Officeርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ “ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ምዕባለን ንቃለስ!” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ዝቃለስ፡ ኣብ ደንበ ለውጢ ኤርትራ ኣውንታዊ ግደ ዝጸንሖን ዘለዎን ሰልፊ እዩ። ሰዲህኤ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሱር ዝሰደደ ጭቆና ኣወጊድካ፡ ልዕልና ህዝቢ ዝቕበል፡ ብቅዋም ዝምራሕ፡ ኣብ ብዙሕነት ዝተመስረተ፡ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ክምስረት ይካየድ ኣብ ዘሎ ጻዕሪ፡ በዓል ሃብታም ተመኩሮ እዩ። እዚ ሰልፊ ብቕዋማውን ዲሞክራስያውን ትካላት ንክውንነት ሕብረተሰብና፡ ታሪኹን ዝሓለፈ ተመኩሮን ኣብ ግምት ዘእቱ፡ ቀንዲ ድማ ንመጻኢ ዘማዕዱ ፖለቲካዊ ውዳበ እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ቅዋሙ ብዘስፈሮ ሕግታትን ክብርታትን መሰረት ዝጐዓዝ ሰልፊ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4ተ ዓመታት ድማ ስሩዕ ጉባአኡ የካይድ። ኣብ ጉባአኡ ንኹለ-መዳያዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ዕማማቱ ዘነጽር ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን መደባቱ ኣብ ምትግባር ዝምረሓሉን ዝቕየደሉን ዲሞክራሲያዊ ማእከላውነት ዘንጸባርቕ ሰልፋዊ ቅዋምን የጽድቕ። ከምኡ ድማ ብፍሉይ ኣብ ዝረኣዩ መድረኻዊ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ዘተኩር ፖለቲካዊ ውሳነታት ይውስን። ኣብ መንጎ ክልተ ጉባአታት ሓላፍነት ዝወስድ መሪሕነት ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ይመርጽን ሰልፋዊ ትካላት የቕውምን።
ብመንጽርዚ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሓምለ 2023፡ 4ይ ስሩዕ ጉባአ ሰዲህኤ ክጋባእ ኣብ ምድላው ይርከብ። ነዚ ድሕሪ ሓያል ዕጽዋ ኮቪድ-19 ዝካየድ ጉባአ ንምድላው፡ ብማእከላይ ባይቶ ዝተመዘት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ትሰርሕ ኣላ። እዛ ሽማግለ ነብሳ ኣብ ንኡሳን ሽማግለታት ከፊላ፡ ኣብ ምስንዳእ ናብ ጉባአ ዝቐርቡ ንድፊ ሰነዳት፡ ናብ ጉባአ ብቐጥታን ካብ መሰረታት ብዲሞክራስያዊ ምርጫን ዝሳተፉ ኣባላት ጉባአ ኣብ ምንጻርን ነቲ ጉባአ ዘድሊ ቁጠባን ዝተፈላለዩ ቀረባትን ኣብ ምድላው ስረሓታ ተሰላስል ኣላ። ተልእኮ’ዚ ጉባአ ኣብ ጸቢብ ሰልፋዊ ራኢ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነስ ኣገደስቲ ኤርትራዊ ዛዕባታት’ውን ዝድህስስ ስለ ዝኾነ፡ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ኤርትራ ዝብህጉ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብ ምዕዋቱ ብሓሳብን ግብርን ክድግፉ ጸዋዒትና እዩ።
ሰዲህኤ፡ ነቲ መሪርን ነዊሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ካብ ዘዕወትዎ ምስጢራት ሓደ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ይኣምን። ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ሎሚ ኣንጻር መሪር ጭቆና ህግደፍ ንመሰረታዊ ለውጢ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ እውን ግደኡ ወሳኒ ምዃኑ ይግንዘብ። ካብዚ ነቒሉ ድማ ኤርትራዊ ብዙሕነት ብዘኽብር “ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ” ከም ኣገዳሲ መርሆኡ ሒዙ ይቃለሰሉ። ከም መግለጺ ናይዚ ኣገዳሲ መርሆ ድማ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ እንተ ተኻኢሉ ምሉእ ሓድነት ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ እዚ ኣብ ዘይከኣለሉ ድማ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዘቃለስሉ መድረኽ ምፍጣር ዘይስገር ምዃኑ ይግንዘብን ንምዕዋቱ ከይተሓለለ ይሰርሕን። ኣብ ዝኾነ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ዝለዓለሉ መድረኻት ናይ ምስታፉ ትርጉም ከኣ እዚ እዩ።
ሰዲህኤ፡ ከም መርኣያ ኣብ ሓደነትን ሓቢርካ ምስራሕን ዘለዎ ጽኑዕ እምነት፡ ብ4 ሓምለ 2017 ዘውጸኦ እማመ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ “……ኣብ ዘለናዮ እዋን ንእንገብሮ ሓባራዊ ስራሕ መበገሲ መትከላት ክዀናና ዝኽእላ ምዃነን ምግንዛብ ዕዙዝ ኣገዳስነት ኣለዎ። ንሳተን ከኣ፦
1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፤
2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፤
3. ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፤
4. ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል፤ ዝብላ ኢየን።
ንሕሉፍን ህሉውን ተሞክሮ ሓባራዊ ስራሕ ዝርዝር ኣቢልና ክንርእዮ ከለና፡ ክሳብ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ምትእኽኻባት፡ ዋላኳ ኣውንታዊ ጐኒ ከምዘለዎ ንኣምን እንተዀና፡ ንኹሉ ደምበ ተቓውሞ ክእከብ ከምዘይከኣለ ግን ክንእመነሉ ዘለና ሓቂ እዩ። ንደምበ ተቓውሞ ንምሕያል ዝሰራሕናዮ ምጽንባራት ይኹን ጽላላት ሎሚ ንቐጻሊ ሓባራዊ ስራሕና ኣሳላጥቲ እምበር ዓንቃፍቲ ክዀኑ ኣይግብኦምን……።” ዝብል ይርከቦ። እዚ እማመ ናይ ጉባአ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ውሳነ መሰረት ብምግባር ዝወጸ እዩ።
መሰረታዊ ዕላማ ሰዲህኤ፡ ኣብ ውሱን መድረኽ ዝድረት ዘይኮነ፡ ዝሓለፈ ተመኩሮ ቃልሲ ከይዘንገዐ፡ ህልዊ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝያዳ ናብ መጻኢ ዘማዕዱ እዩ። ብመንጽር ኣሰራርዓ ቀዳምነት ናይ ቃልሲ ድማ፡ እዘን ኣቐዲመን ዝተጠቕሳ ኣርባዕተ ነጥብታት ቅድሚት ዘስፈረ እዩ። ሰዲህኤ እዞም ነጥብታት ንኹሎም ሓቀኛ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዘሰማምዑ እዮም ዝብል እምነት ኣለዎ።
ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ንዝተፈላልዩ ኤርትራዊ ብዙሕነት ልዑል ኣቓልቦ ዝህብ ሕብረ-ብሄራዊ እዩ። ኣብ ርእሲዚ ብሓፈሻ ናይ መንነት ፍልልያቱ ተዓቂቡ፡ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ቃልሲ ተሳትፎ የተባብዕ፡ ብፍላይ ከኣ ንግደ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ልዑል ግምት ይህብ። ንጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ዝምልከቱ ኣብያተ-ጽሕፈት፡ ነብሶም ክኢሎም ካብቶም ትሻዕተ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ከም ዝኾኑ ምግባሩ ከኣ ነዚ ዝመልክት እዩ።
ሰዲህኤ፡ ሎሚ ኮነ ኣብ መጻኢ፡ ዝምድና ኤርትራ ምስ ናይ ርሑቕን ጐረባብትን ሃገራት፡ ኣብ ሰላም፡ ምክብባርን ናይ ሓባር ረብሓን ዝተመስረተ ክኸውን ከም ዝግበኦ ይኣምን። ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡ “….. ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ ሕድሕድ ጣልቃ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቁጠባዊ ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ።“ ካብ ዝብል ኣብ መደብ ዕዮ ሰልፊ ዝሰፈረ ተመርኲሱ ዝወሰዶ መርገጽ ብመንጽር’ዚ እምነቱ ዝረአ እዩ
ኣሰራርሓ ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት፡ ኣብ ትካላውን ሓባራውን ዝተመስረተ እዩ። ካብ ጠቕላሊ ጉባአ ጀሚርካ ክሳብ ጨናፍር ዘሎ ትካላዊ ጽፍሕታት፡ ቅዋም ብዝህቦም ሓላፍነታት፡ ምስ ልዕሊኦምን ትሕቲኦምን ዘለዉ ደረጃታት እንዳተናበቡ፡ መምርሕታት እንዳተቐበሉን ጸብጻባቶም እናቕረቡን ይሰርሑ።