ስእሊ፡ ማሕበራዊ መዲያ
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብሰንክቲ ኣብ ጋዜጣዊ ዋዕላ ናይሮቢ ዝሰንበዶ ንኣንበሳድሩ ኣብ ኬንያ በየነ ርእሶም ኣምሪሩ ከም ዝገሰጾ፡ ናብ ምምሕዳር ህግደፍ ቀረባ እዮም ዝበለቶም ምንጭታታ ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ገዳብ ኣፍሊጣ። ኢሳያስ ነቲ ኣንበሳድር ዝገሰጾ ብዛዕባቲ ቀልቡ ዝገፈፎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣቐዲሙ ሓበሬታ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ እዩ።
ብመሰረት እቲ መርበብ ሓበሬታ ገዳብ ዘውጸኣቶ ዝርዝር፡ ኣንበሳድራት፡ ብሓፈሻ መንግስታዊ ጋሻ ብፍላይ ከኣ መራሒ ሃገር ናብቲ ዝተመደብዎ ሃገር ክመጽእ እንከሎ፡ ክገብርዎ ዝግበኦም ምድላውን ክፈልጥዎ ዝግበኦም ዓሚቕ ሓበሬታን ኣለዎም። እቲ ምድላው፡ እቲ መራሒ ናይ ዝረኽቦም ሰባት ቆጸራ ኣቐዲምካ ምሓዝ፡ ንኣባላት እቲ ልኡኽ ዘድሊ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ንኣመጋግበኦም ዝምልከት ጉዳያትን ከም ዘጠቓልልን ይኸውን። ኣንበሳድራት ነዚ ምስቶም ዝምልከቶም ናይታ ጋሻ እትቕበል ሃገር ሓለፍቲ ኮይኖም ከም ዝሰርሕዎ እውን ጠቒሳ።
ኣንበሳድር በየነ ርሶም ብዛዕባ ባህሪ ናይቲ ጋዜጣዊ ዋዕላን ኣብቲ ዋዕላ ዝሳተፉ ጋዜጠኛታትን ክፈልጥ እንዳተገበኦ ዘይምፍላጡ ካብቲ ዝተገንሓሉ ምኽንያታት ሓደ እዩ። በቲ ጸብጻብ መሰረት እቶም ጋዜጠኛታት ንኢሳያስ ዝውጥር ሕቶታት ከም ዝሓቱ ኣቐዲምካ እንተዝፍለጥ፡ ነቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ናይ ምስራዝ ተኽእሎ ነይሩ።
ጋዜጣዋ ዋዕላ ናይሮቢ፡ ነቲ ኣብ ናይ ብሕቱ መንግስታዊ መዲያ እሞ ባዕሉ ብዝመደቦም ጋዜጣኛታትን ኣቐዲሙ ብዝቐረበሉን ከምቲ ዝደልዮ ገይሩ ብዘመዓራረዮ ሕቶታት፡ ኣብ መንጎ ዘቋርጾ ዘየብሉ ብዘይገደብ ምዕንዳር ዝለመደ ኢሳያስ ከሰንብዶ ግድን ከም ዝነበረ ተጠቒሱ። እቲ ጋዜጠዋ ዋዕላ ናይሮቢ ከምቲ ብግብሪ ዝተራእየ ንኢሳያስ በቲ ዘይለመዶ ክዕገሶ ዘይከኣለ ኣገባብ ክቃላዕ ዝደለይዎ፡ ከም ሲ ኣይ ኤ ዝኣመሰሉ ኣካላት ዘጻወድዎ ክኸውን ከም ዝኽእል’ውን እቲ ዜና ጠቒሱ። ምስዚ ብዝተሓሓዘ ዲክታተር ኢሳያስ ኣቐዲሙ ናይሮቢ ናጻ ፕረስ ዝዓንበበላ እምበር፡ ከም ኣስመራ ዕጽውቲ ዘይምዃና ክርዳእ ዘይምኽኣሉ ኣብ መጻወድያ ከም ዘእተዎ ዜና-ገዳብ ሓቢሩ።
ኢሳያስ ብ2001 ብዘይኤርትራዊ ጋዜጠኛ፡ ብዛዕባ ሃለዋት ጋዜጠኛን ደራሲ ተዋሰኦን ፍሰሃየ ዮሃንስ (ጀሽዋ) ተሓቲቱ፡ “ኣይፈልጦን እየ፡ ስለዚ ብዛዕባ ሃለዋት ዘይፈልጦ ሰብ ዝብሎ የብለይን” ኢሉ ምንባሩ ከም ድሕረ ባይትኡ ምስ ዘይኤርትራዊ መዲያ ጠቒሱ።
መንገዲ ኣየር የመን፡ ካብ 15 ለካቲት 2023 ጀሚሩ ካብ ከተማ ዓደን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ በረራ ከም ዝጀመረ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ መንገዲ ኣየር የመን ናብ ኣዲስ ኣበባ በረራ ዝጀመረት ድሕሪ ብ2015 ምቁራጻ ምዃኑ ናይታ መንገዲ ኣየር ወኪልን ኣመሓዳርን ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ፉኣድ ኣታሺ ንመርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢሮም።
ፉኣድ ኣታሺ ንኣዲስ ስታንዳርድ ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ባንዴራ ውግእ ኣዝያ ናይ ዝተሃስየት ሃገር ዘንበልብል በረራ ረቡዕን ዓርብን እዩ ዝካየድ። እቶም ወኪል ኣተሓሒዞም እዚ ዳግም ናብ ንቡር ዝምለስ ዘሎ ስሩዕ በረራ ካብን ናብን ዓደንን ኣዲስ ኣበባን ንገያሾ ናብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት መሰጋገሪ ኮይኑ ኣገልግሎት ከም ዝህብ ጠቒሶም።
መንገዲ ኣየር የመን ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ከም ድማ፡ ናይዚ በረራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምጅማር፡ መሪሕነት የመን ነቲ በረራ ናብ ኩሉ ኩርነዓት ብስሩዕ ኣገባብ ንምስፋሑን ናብቲ ግቡእ መርበብ በረራ ንምምላሱን ዓብይ ስጉምቲ ምዃኑ ጠቒሱ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ሕሉፍ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ዝግለጸሎም ቀንዲ ባህርያቱ ትካላውን ግሉጽን ኣካይዳ ዘይክተል ምዃኑ እዩ። ናይዚ ዘይግልጽነቱ ቀንዲ መርኣያ ኣብቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝጸንሖን ዘለዎን ዝምድና ገሊሑ ዝንጸባረቕ እዩ። እዚ ዘይግሉጽነት ኣብ ዝምድናኡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝድረት ዘይኮነ፡ ምስ ካለኦት ወገናት ዝገብሮ ርክብ እውን ብሃላሊ ፖሊሲ ዝምድና ዝግለጽ እዩ። ዘይግልጹነቱ ምስቶም ናይ ቀረባ መቓልስተይ ዝብሎም ከይተረፈ ከም ዝተራእየ፡ ካብ ናይ ቀረባ ግዜ ተግባራቱ ምግንዛብ ይከኣል። እቲ ብ2018 ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝገበሮ’ሞ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዝምድና ከሰጋገር ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ ርክብ፡ ናይ ብዙሓት ኣጀንዳ ኮይንሉ ዝነበረ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ዘይግልጹነቱ እዩ።
ድሒሩ ኢሳያስ ናብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፡ ጎንደር፡ ባህርዳር፡ ኣዋሳ፡ ናይሮብን ካልኦትን ይገብሮ ኣብ ዝነበረ ኮለል፡ ዕላምኡ እንታይ ከም ዝገበረ ምናልባት ንዑስማን ሳልሕን የማነ ገብረኣብን እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ግሉጽ ኣይነበረን። በብግዜኡ ምስ ስዑድያ፡ ቀጠር፡ ሱዳንን ኤመረትን ዝነበሮ ወደኽደኽ እውን ተመሳሳሊ እዩ ነይሩ። ምስ ሩሲያ ዝረአ ዘሎ ሓድሽ ዝመስል ኣረጊት ዕርከነት’ውን ከምኡ ሽፉን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባቲ ብስሙ ዝእለም ኣሻቓሊ ሕቡእ ተንኮላት ናይ ምፍላጥ ድሌትን መሰልን እኳ እንተነበሮ፡ ነዚ ብዝምልከት ዝሓተሉ ዕድልን ኣጋጣምን ግና ኣይረኸበን።
ኢሳያስ ኣብ 8-9 ለካቲት 2023 ናብ ናይሮቢ ኣብ ዝገበሮ መገሻ ሳላ ውሕልነት መንግስቲ ከንያ ዲፕሎማስያዊ መልክዕ ብዘለዎ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ስምምዓት ተፈሪሙ ተባሂሉ። ሓደ ካብቲ ስምምዓትኳ “ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ናይ ዜጋታት ካብን ናብን ብዘይቪዛ ምጋሽ ክህሉ” ዝብል ከም ዝርከቦ ኣብቲ ወረቐት ሰፊሩ’ሎ። ብግብሪ ግና ብምስምስ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓናቒ መጻወዲያ “መውጽኢ ቪዛን ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን” ከም ዝኹለፍ ርዱእ እዩ። ነቶም ሰብ ፍሉይ ሓለፋ ነጋዶ ኣባላት ንግዳዊ ትካል 03 ግና መንገዲ የጣጠሓሎም ይኸውን።
ኣብ መወዳእታ ነቲ ርክብ “ንቡር ዲፕሎማሲያዊ መልክዕ ንምትሓዝ” ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ቅድሚ ጋዜጠኛታትን ወከልትን ፍሉጣት ማዕከናት ዜና ዓለም ዝተዓደምሉ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ ዋዕላ ተዳልዩ። ኣብዚ ዋዕላ ምናልባት ኢሳያስ ብዛዕባ ኣብቲ ስምምዕ ዝሰፈሩ ነጥብታት ዘተኩሩ ሕቶታት ክሕተት ትጽቢት ነይርዎ ይኸውን። እንተኾነ እቶም ናይ ኤርትራ ዘይግሉጽነትን ዕጽዋ ሓበሬታን ከተሓሳስቦም ዝጸንሐ ጋዜጠኛታት፡ “መጺእካለይዶ ክጽበየካ” ኢሎም፡ በቲ ኢሳያስ ዘይተጸበዮ ድኹም ጐኑ ኣትዮም፡ ናብቲ ብዛዕባ ኤርትራ ክፈልጥዎ ዝደልዩ እዋናዊ ሓበሬታ ኣተኲሮም። በዚ መሰረት እቲ ካልእ ገዲፍካ፡ “ሰራዊቲ ኤርትራ ካብ ትግራይ ወጺኡዶ ኣይወጸን?፡ ሰራውትኩም ኣብ ትግራይ ፈጺምዎ ብዛዕባ ዝበሃል ናይ ውግእ ገበናት እንታይ ትብሉ?፥ ኣብ ትግራይ ክንደይ ኣባላት ሰራዊት ሞይተሙኹም?፡ ህላወኹም ኣብቲ ውግእ ስለምንታይ ን5 ኣዋርሕ ሓቢእኩምዎ ጸኒሕኩም?፡ ……….ወዘተ” ዝብሉ ወጠርቲ ሕቶታት ኣከታቲሎም ምስ ኣዝነብሉ፡ ቅርኑ ከም ዝተወቕዐ ብዕራይ ጽርውርው ክብሎ ጀሚሩ። ብፍላይ “ጋዜጠኛ ዋሽንግተን ፖስት” ዝብል ድምጺ ምስ ሰምዐ፡ ብምሒር ስንባደ የማነ ጸጋም እናጠመተ፡ “ይስመዓኒ የለን” ክብል ኣማኻነየ። ድሕሪዚ ዓቕሊ ጽበት ብዝተሓወሶ፡ መልሲ እዩ ክትብሎ ብዘጸግም ኣጓጣጥ ብዝተሓወሶ “ፋብሪካ ሓሶት” ብዝብል ዘለፋ ጀመረ። ሕርቃኑ ክጻወር ከም ዘይከኣለ ብዘመልክት ምንቅስቓስ ኣካላት ድማ ኣንጸርጸረ። ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡን ካብኡ ከይገድድ እሞ ዝያዳ መስሓቕ ሰብ ከይከውን ዝሰግኡን ኬንያውያን ሰብ መዚ ነቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣቋሪጾም ኣገላጊለምዎ። ነቶም ጋዜጠኛታትን ነቲ ምርኢት ዝተዓዘበ ህዝብን ግና፡ ኢሳያስ እንታይ ዓይነት ዲክታተር ምዃኑ ንምርዳእ እኹል መረዳእታ ነይሩ።
ኢሳያስ ኣብ ከምዚ ወጥሪን ስንባደን ዝኣተወ፡ ቅድሚ ኩሉ ዘይግሉጽ ባህርያቱ ስለ ዝሃወጾ እዩ። እቲ ንሱ ዝለመዶ ኣቐዲሙ ዝሃቦም ሕቶታት ዘንብቡ ብፍርሒ ዝተዋህጡ ክልተ “ጋዜጠኛታት” ኣሰሊፉ ከም ድላዩ ምዝራብ ምዃኑ እቲ ካልእ ምኽንያቱ እዩ። ካብ ኬንያ ናብ ኤርትራ ምስተመልሰ፡ ከምቲ ዝለመዶ ኣብ ገዛ ተዓጽዩ ሕነ ናብ ዝፈድዩሉ መድረኽ ክኣቱ ምዃኑ ናይ ብዙሓት ግምት ነይሩ። ብ12 ለካቲት 2023 ድማ ከምኡ ገይሩ።
ኣብዚ “ናይ ናይሮቢ ፍሽለቱ ንምሽፋን ዝሃቀነሉ” ቃለ መጠይቕ ምጽዋዕ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበሩ እቶም ኣብ ናይሮቢ ውቃበኡ ዝገፈፍዎ፡ ናይ ቢቢሲ፡ ዋሽንግተን ፖስትን ኣሾሾይት ፕረስን ጋዜተኛታት ዘይኮኑ፡ እቶም ከም ድላዩ ዝዕንድረሎም ሱሌማ ዑስማ ዓበ ካብ ኤሪቲቪን ጳውሎስ ነታባይ ካብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን እዮም። ኣብዚ ኮለል ክብል ልዕሊ 80 ደቓይቕ ዝወሰደሉ ቃለ መጠይቕ፡ ዘልዓሎም ነጥብታት ካብ 30 ደቓይቕ ዝያዳ ዘድልዮም ኣይነበሩን። ብትሕዝቶ ከምቲ ልሙድ ኣብ ውግእ ትግራይ ተዓዊቱ ከም ዝወጸ እምበር ዘሕትቶ ከምዘየለ መሲሉ ቀሪቡ፣ ነቲ ደጊም “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ” ኢሉ ነቲ ውግእ ኣቐዲሙ ምብራኹ ዘንጊዑ፡ ነቲ ውግእ ኣሜሪካ እያ ኣጀሚራቶ ኢሉ። ነቲ ውግእ ዕላማ ዘይነበሮ ኢልዎ። እቲ ዝያዳ ዕላማ ዘይነበሮስ ናይ ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ውግእ ምእታው ምንባሩ ግና ክዝንጋዕ ዘየብሉ እዩ። እቶም ኣብ ከንያ ዘዋጠርዎ ጋዜጠኛትት፡ ነቲ ካብኣቶም ሃዲሙ ብትግርኛ ዝሃቦ ቃል እንተዝሰምዑ እንታይ ከም ዝብሉ ምግማቱ ኣየጸግምን።
እታ ኣብዚ ቃለ መጠይቑ ሓዳስ እትበሃል፡ እታ ቀደም ወያነ ንምግላጽ ጥራይ ዝጥቀመላ ዝነበረ “ጃንዳ” እትብል ቃል ሎሚ ንዋሽንግተን እውን ለጢፉላ። ኢሳያስ ንዋሽንግተን መመሊሱ ዝሓይካ ዝነበረ፡ “ውግእ ትግራይ ተወዲኡ ስግኣትና ካብ ተቐንጠጠ፡ ናብ ጉዳይና ንእቶ” እንተተባሂሉ “ናይ ኣሜሪካ ስግኣት ኣየለና”፡ ብምባል ከም ልማዱ ብህዝቢ ክለዓል ካብ ዝኽእል ሕቶ፡ መህደሚት ንክትኾኖ ዝምህዛ ዘሎ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ውግእ ዩክረይንን ሩሲያን ዝሓዞ ኣብ ህልኽ ዝተመስረተ እምበር ኤርትራን ህዝባን ዘይረብሕሉ መርገጹ ምኽኑይ ንምምሳል ብዙሕ ተዛሪብሉ። እቲ ዝተረፈ ፈጺሙ ምስ ቀዳምነት ህዝቢ ኤርትራ ዝምድና ኣብ ዘይብሉ፡ ዛንታ እዩ ሃለው ኢሉ። እዚ ኩሉ ኣንጻር ኣሚሪካ ዘንጸርጽሮ ዘሎ፡ መራሕቲ ኣሚሪካ “ምሳኻትኩም ክሰርሕ እንዶ ፍቐዱለይ” ኢልዎምስ፡ “ነዚ ኣይትምጥንን ኢኻ” ኢሎም ስለ ዝነጸግዎ ምዃኑ ምንስሑ ምናልባት ኣብዚ ቃለ መጠይቑ ከም ሓድሽ ዝውሰድ እዩ። እቲ ዘገርም ኢሳያስ ንሓያላት ስለ ዝጸረፈ፡ ዝሓየለ ዝመስሎም ቁንጣሮ ደገፍቱ ምህላዎም እዩ።
እንተ እተን ተዓዊቱ ዘይኮነ፡ ባዕሉ ብዝተኣመኖ ተኾሊፉ፡ ካብ “ትግራይ ድሕሪ ምምላሱ”፡ ህዝቢ ኤርትራ ክምለሳሉ ዝጽበየን እሞ ኣብ ናይሮቢ ጋዜጠኛታት ዘልዓልወን እዋናውያን ሕቶታት ኣይተንከፈንን። ኣብ መጻኢ ክምልሰን እዩ ኢልካ ትጽበዮ’ውን ኣይኮነን። ስለዚ ብፍላይ ኣብቲ ዘይምልከቶም ውግእ ትግራይ ተጠቢሶም ናይ ዝጠፍኡ ደቁ ደሃይ ንምፍላጥ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ናይ ኢሳያስ ናይ ህድማ ሃበስቀደስ ክጥበር ኣይግበኦን። ኣብ ክንድኡ ዘይግሉጽነት ናይዚ ዲክታተር ቀሊዑ ጉዳይ ደቁ ክፈልጥ ምቕራብ ወጣሪ ሕቶታቱ ክቕጽል ይግበኦ።
ኣብ ኦርተደኩሳዊት ቤተክርስትያ ኢትዮጵያ፡ ተፈጢሩ ዝነበረ ወጥሪ ተፈቲሑ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ኦርተደኩሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝነበረ ሓደገኛ ወጥሪ ብሰላም ከም እተፈትሐ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ። እቲ ወጥሪ ዝተፈጥረ 3 ጳጵሳት ናይታ ቤተክርስትያን፡ ብ22 ጥሪ 2023 ብኢደወነኖም 26 ኤጲስቆጶሳት ቀቢኦም፡ “ናይ ኦሮሞን ብሄር ሄረሰባትን ሲነዶስ ክንምስርት ኢና” ዝብል መግለጺ ኣውጺኦም ብግብሪ ብምንቅስቓሶምን እዩ።
ነዚ ስጉምቲ ተኸቲላ እታ ብፓትሪያርክ ኣቡነ ማትያስ እትምራሕ ዕላዊት ሲነዶስ ኢትዮጵያ፡ ብ26 ጥሪ 2023 ብዝወሰነቶ መሰረት፡ እቶም ካብ ሕጊ ሲነዶስ ወጻኢ ዝተንቀሳቐሱ፡ ኣቡነ ሳዊሮስ፡ ኣቡነ ኣውንጣጢዎስን ኣቡነ ዜናማርቆስን ዝተባህሉ ጳጳሳትን ንሳቶም ዝቐብእዎም 26 ኤጲስቆጶሳትን መዓርግ ጵጵስናኦምን ክህነቶም ተቐንጢጡ ብናይ ቀደም ስሞም ኣቶ ተባሂሎም ክጽውዑ ወሲና።
እንተኾነ እቶም መዓርጎም ዝተቐንጠጡ ጳጳሳት፡ ነቲ ውሳነ ነጺጎም፡ ኣብ ክልል ኦሮሞ ዝተወሰኑ ኣብያተ-ክርስትያን ክቆጻጸሩ ፈቲኖም። ተኸተልቲ ተዋህዶ ብወገኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢ፡ “ሕጋውያን ስለ ዘይኮንኩም ናብ ቤተ-ክርስትያና ኣይነእትወኩምን” ብምባሎም፡ ዕጡቓት ሓይልታት ክልል ኦሮሞ ብዘርኣይዎ ኢድ ኣእታውነት ብዙሓት ካብኣቶም ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ።
መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብተደጋጋሚ ኣብቲ ጉዳይ ኢዱ ምእታዉ በታ ቤተክርስትያን ክኽሰስ ምስ ጸንሐን ኣስታት 60 ሚልዮን ተኸተልቲ ኣለዉኒ እትብል ኦርተደኩስ፡ “ኣብ ሓደ መዓልቲ ብደረጃ ሃገርን ዓለምን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክጽውዕ እየ” ምስ በለትን መስርሕ ዕርቂ ከካይድ ተገዲዱሩ።
በዚ መሰረት፡ እቶም ካብ ቆኖናዊ ሕጊ ቤተክርስትያን ወጻኢ ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዝነበሩ ጳጳሳት፡ ይቕረታ ክሓቲቱ’ሞ ናይ ቅድም መዓርጎም ክምለሰሎም ተሰማሚዖም። ከምኡ ድማ እቶም በቶም 3 ዝተቐብኡ ኤጲስቆጰሳት ናብቲ ናይ ቅድም መዓርገ-ክህነቶም ክወርዱ ብ15 ለካቲት 2023 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ካለኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ሊቀ ጳጳሳትን ኣብ ዝተረኽብሉ ዕርቂ ፈጺሞም።
ከም ኣካል ናይቲ 10 ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ፡ ኣብ ሃገረ ስብከት ኦሮሞ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ነቲ ኣማኒ ብዝርደኦ ቋንቋ ንክወሃቦ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ክቕጽልን ምኽፋት ሃይማኖታዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ክውስኽን ዝብል ከም ዝርከቦ እቲ ዜና ሓቢሩ። ምስዚዚ ወጥሪ ብዝተተሓሓዘ ኣብዚ ሳልስቲ ብሓልታት ጸጥታ ፈደራልን ክልል ኦሮሞን ኣስታት 500 ናይታ ቤተክርስትያን ጸለውቲ ባእታታት ተኣሲሮም ኣለዉ።
እዚ ወጥሪ ኣብታ ሃገር፡ ምስቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ተደሚሩ፡ ናብ ዝለዓለ ደም ምፍሳስን ምብትታንን ከየምርሕ ኣብ ብዙሓት ሻቕሎትን ስግኣትን ኣሕዲሩ ዝጸንሐ እዩ።
Press Release Eritrean Political Forces (EPF)
Written by Eritrean Political Forces Diplomacy Committeeዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ትግራይ ክበጽሑ እዮም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብታ ብውግእ ዝተሃስየት ክልል ትግራይ ከም ዝበጽሑ ንቤት ጽሕፈቶም ብምጥቃስ፡ ጋዜጣ ሪፖርተር ሓቢራ። እዚ ናይ ኢትዮጵያ መገሻኦም ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ስምምዕ ሰላም ካብ ዝኽተም ንካለኣይ ግዜ እዩ።
ጉተረዝ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ መበል 17 ንኢንተርኔት ዝምልከት ዋዕላ ንምስታፍ ናብ ኢትዮጵያ መጺኦም ከም ዝነበሩን ንእግረ መንገዶም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቦም፡ ነቲ ስምምዕ ሰላም ኣብ ምትግባር ዝከኣሎም ክሕግዙ ቅሩብ ምዃኖም ከም ዘረጋገጹን እቲ ዜና ኣረዲኡ።
በቲ ናይ መገሻኦም መደብ ሓበሬታ መሰረት፡ ክልተ ዓላማታት ኣለዎም፡ እቲ ሓደ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስታፍ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካለኣይ ድማ ናብ ክልል ትግራይ ምብጻሕ እዩ። ኣብ ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ዕንወትን ኩነታት ናይቲ ክውሰድ ዘለዎ መሕወይ ሰብኣዊ ስጉምትታትን ምትካል እግርን ክዕዘቡ እዮም። ብዘይካዚ ብሰንክቲ ውግእ ዝተሃስዩ ከባብታት ኣምሓራን ዓፋርን እውን ክበጽሑ እዮም።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ተራኺቦም ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ነቲ ብውግእ ዝተሃስየ ከባቢ ዝግበር ዳግመ-ህንጻ ክመያየጡ ምዃኖም እቲ ካብ ጋዜጣ ሪፖርተር ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ።
ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምኽታሙ፡ ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ንምምላስ፡ ኣብ ቀረብ ኤለክትሪ፡ ቴለፎን፡ ባንኪ፡ ነዳዲን መጐዓዝያን ይስራሕ ኣሎ። ንቀረብ መግቢ ብዝምልከት ድማ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሕቡራት መንግስታትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን 127 ሺሕ ሜትሪክ ቶን በበይኑ ዓይነት መግቢ፡ ብ4,100 ጽዕነት መካይን ናብ ትግራይ ከም ዝበጸሐ እቲ ጸብጻብ ሪፖርተር ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ደቡብ ጀርመን ዝርከብ ናይ ሰልፍ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ብርዱእ ምኽንያት ጉባኤኡ ክናዋሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዕለት 11 ለካቲት 2023 ዓመተ ምሕረት ኣባላቱ ኣብ ዝተርኽብሉ ጉባኤኡ ኣካይዱ። ጉባኤ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሰልፊ ብሓፈሻ፣ ጨንፈር ሰልፊ ብዝምልከት ድማ ብፍላይ፣ ከምኡ’ውን ደምበ ፍትሕን ኣብ ከባቢና ዝረኤ ዘሎ ቁልጡፍ ፖለቲካዊ ምቅይያራትን ብዕምቆት ዳህሲሱ። ደምበ ፍትሒ ኤርትራ ነቲ ኣብ ሃገርና ይኹን ከባቢና ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ይኹን ወተሃደራዊ ምዕባሌታት ንምግጣምን ብማዕሪኡ ንዘይምስጓሙን ዘለዎ ሕጽረታት መዚኑ። እዚ ማለት ድማ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ኣካል ደንበ ፍትሒ ምኳኑ ዝዘንግዐ ከምዘይኮነ ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ።
ጉባኤ ጨንፈር ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን እንኮላይ ኤርትራ ተሓዊሳቶ ክካየድ ዝጸንሔ ደማዊ ውግእ፣ ድሕሪ ብዙሕ ህልቂትን ዕንወትን ዝመጸ እዃ እንተኮነ፣ ብጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ደው ምብሉ፣ ደገፉ ክገልጽ ከሎ፡ ንኹሎም’ቶም ነዚ ደምሳሲ ህልቂት ጠጦው ንምባል ዝጸዓሩ’ውን መጎስ ከም ዝግብኦም ኣመልኪቱ፣ ምስዚ ብምትእስሳር፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ትግራይን ዘሎ ናይ ዶብ ኩነታት ሕጅውን እንተኾነ ገና ግቡእ መዕለቢ ስለዘይረኸበ፡ ምኽንያት መበገሲ ዳግማይ ኵናት ንኸይከውን ኩሉ ዝምልከቶ ኣካላት ክሓተሉን ኣብ መደምደምታ ንኸብጽሖን ጉባኤ ጨንፈር ለበዋኡ ኣቕሪቡ።
ስዒቡ ጉባኤ ጨንፈር ካብ ዘልዓሎም ነጥብታት፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መወዳእታ ሓምለ 2023 ዝካየድ ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ፣ ኣብ’ዚ ጉዳይ እዚ’ውንዕሙቕ ዝበለ ምይይጥ ድሕሪ ምግባር፡ እቲ ጉዳይ ሓደ ካብ ጉዳያት ሃገርን ህዝብን ስለ ዝኾነ፣ ካብ ዘገድሶ ህዝቢ ፖለቲካዊ ይኹን ቁጠባዊ ምትሕብባር ከምዘድሊ ድሕሪ ምግምጋም፣ ተሳተፍቲ ጉባኤ ከም መደብ ክታሓዝን ጎስጓስክግበረሉን ተረዳዲኦም።
ድሕሪ’ዚ ገንዘባዊ ጸብጻብ ወርሓዊ ውጽኢት ይኹን ወፈያታት ብተሕዝ ገንዘብ ቀሪቡ፣ ተቋጻጻሪ ጨንፈር ብግዲኡ ኣብዝቐረበ ጸብጻብ ምስክርነቱ ኣቕሪቡ። ብክልቲኦም ኣካላት ዝቐረብ ጸብጻባት ውሁድ ብምንባሩ ድማ፣ መርኣያ ጽፈት ኣሰራርሓ ጨንፈር ዘመልከተ ምንባሩ ተሓቢሩ።
ኣብ መደምደምታ፣ ጉባኤ ጨንፈር፡ ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ ሓንቲ ሰለስተ ዝኣባላታ ሽማግለ ጨንፈርን ሓደ ተቋጻጻርን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ብምምራጽ ጉባኤ ተደምዲሙ።
ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ዝተጸንዐ ማዕቀብ ክውሰን ጸዊዑ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤዘይመንግስታዊ ትካል “ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል/ Human Rights Watch”፡ ብ9 ለካቲት 2023 ኣብዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝመርሖ ምምሕዳር ኤርትራ፡ ዝተጸንዐ ማዕቀብ ክውሰን መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። እቲ ትካል፡ ማዕቀብ ንኽውሰን ከም ቀንዲ ምኽንያት ዝጠቐሶ፡ ህግደፍ ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከካይዶ ዝጸንሐን ዘሎን ግዱድ ወተሃደራዊ ግፋ እዩ።
እቲ ትካል ኣብ መጸዋዕታኡ ኤርትራ ናጻ ካብ ዝወጸትሉ ግዜ ጀሚራ፡ ንግዱድ ውትህድርና ከም ኣድማሳዊ ፖሊሲ ብዝወሰደ ብዕጽዋን ሕሉፍ ሓጺናዊ ዲክታተርነትን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ትምራሕ ዘላ ሃገር ምዃና ኣስፊሩ።
ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ኣብቲ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ኤርትራ እገዳ ንክውሰድ ዝጸውዓሉ መግለጺኡ፡ እቲ ስጉምቲ በቲ ቅድሚ ሕጂ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተኣመመ ክኸውን ከም ዝግበኦ ኣስፊሩ። እቲ ትካል ኣተሓሒዙ፡ ንሃገራት ወሽመጥ ወሲኽካ ምስ ምምሕዳር ኤርትራ ምቅርርራብ ዘለወን ሃገራት፡ ኣብቲ ናይ ግዱድ ውትህድርና ፖሊሲኡ፡ ርኡይ ለውጢ ንከተኣታቱ ተጽዕኖአን ከሕይላ ጸዊዑ።
ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል፡ ምምሕዳር ኤርትራ ንኣድላይነት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት በቲ ናይ 1998-2000 ውግእ ምስ ኢትዮጵያኳ ምኽንያታዊ ክገብሮ እንተፈተነ፡ እንተኾነ ብድሕሪ እቲ ውግእ ምቁራጹ እውን እቲ ግዱድ ውትህድርና ከምዘይተቛረጸ ጠቒሱ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዝተፈላለያ ትካላት ሰብኣዊ መሰልን ኣብ ትግራይ በደላት ምፍጻሙ ክኽሰስ ከም ዝጸንሐ ኣስፊሩ።
More...
ሩሲያ ኣጽዋር፡ ሱዳን ድማ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክወሃሃባ ተሰማሚዐን፡
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ሱዳን ስልጣን ጨቢጦም ዘለዉ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ፡ ሩሲያ ኣብ ፖርት ሱዳን ንቐረብ ሓይሊ ባሕሪ ዝኸውን መደበር ክትሃንጽ ክፈቅዱላ፡ ሩሲያ ድማ ብወገና ንወተሃደራዊ ሓይልታት ሱዳን ኣጽዋርን ወታሃደራዊ መሳርሕን ከተቕርበሉ ኣብ ዘኽእል ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ተሓቢሩ።
ነዚ ብዝምልከት ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሩሲያ ሰርጌ ላቭሮቭ ኣብ ካርቱም፡ ብ9 ለካቲት 2023 ኣብ ሱዳን ምስ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ምክትሎም ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ነዚ ስምምዕ ኣብ ዝምልከት ከም ዝተዘራረቡ እቲ ዜና ገሊጹ። ላቭሮቭ እቲ ስምምዕ ኣብ ግዜ ፕረሲደንት ዑመር ኣልበሽር ዝተበጽሐ ኮይኑ፡ ናብ ፓርላማ ቀሪቡ ክሳብ ዝጸድቕ ኣብ ሱዳን ከም ዝጸንሑ ንጋዜጠኛታት ሓቢሮም። እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ፡ ናይ ሱዳን ሰራዊት ሓለቓ ስታፍ ጀነራል መሓመድ ዑስማን ኣልሑሴን ብ2021 እቲ ስምምዕ ዳግመ-ርኢቶ ንክግበረሉ ሓሳብ ኣቕሪቦም ነይሮም።
ማዕከን ዜና ኣሾሼት ፕረስ/AP፡ ብ11 ለካቲት 2023 ወተሃደራዊ ምንጪ ሱዳን ብምጥቃስ ከም ዝጸብጸቦ፡ ኣዘዝቲ ሱዳን ሩሲያ ዘድልዮም ወተሃደራዊ ኣጽዋር ከም እተቕርበሎም ምስ ኣረጋገጹ ከም እተሰማምዑ ኣፍሊጡ።
ባህግና Bahgna 113፣ ሰሙናዊ ዜናታት ምስ ካብ ተመኩሮና ንመሃር ዘርእስቱ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ 12.02.2023
Written by Bahgna MediaMedia
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ትጽቢት ህዝብና፡ ሓድነት መሬትን ህዝባን ዝዕቅብ፡ ብቕዋም ዝምራሕ፡ ብዙሕነት ዘኽብር፡ መሰል ውደባን ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽን ዘይጻባእ፡ ሰላማዊ፡ ዲሞክራስያውን ልምዓታውን ስርዓት ኣብ ድልዱል መሰረት ምህናጽ ምዃኑ ንጹር እዩ። እዚ ኣብ ህላወ ህግደፍ ዝረጋገጽ ከምዘይኮነ ከኣ ኣይኮነንዶ ንህዝቢ ኤርትራ ንሕብረተሰብ ዓለም እውን ንጹር እዩ። እቲ ትማሊ ኮነ ሎሚ ብህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ውዳበታቱን ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ቃልሲ ከኣ እዚ ዝተጠቕሰ ባህጊ ህዝብና ዝረጋገጸሉ ጥጡሕ ባይታ ንምውሓስ እዩ።
ናይቲ ብኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ ቀንዲ ቀላሲ፡ እቲ ግዳይ ወጽዓን ጥልመትን ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ሓላፍነትን ብጽሒትን ናይተን ኣብ መስመር ቃልሲ ተሰሊፈን ዘለዋ ኤርትራውያን ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራት ኣገዳሲ ባእታታትን ድማ እቲ ቃልሲ ኣንፈቱ ከይስሕት ኣብ ምእላይ ዕዙዝ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እዞም ካብ ዝፈላልይዎም፡ ዘሰማምዕዎም ዝበዝሑ ፖለቲካዊ ውዳበታት ኤርትራ፡ ክሳብ ሎሚ ዝቐሰምዎ ኤርትራዊ ተመኩሮ ብምውህላል፡ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ኣፉ መሊኡ ነቲ ህዝብና ሃንቀው ዝብሎ ለውጢ፡ “በይነይ ከረጋግጾ እኽእል እየ” ዝብል እምነት ከም ዘየብሉ፡ ካብቲ በብግዜ ዘውጽእዎ ኣዋጃትን መግለጽታትን ምርዳእ ይከኣል። ኣብ ብግብሪ ግና፡ “እቲ አብግዜኡ ዝእወጅከ ናይ ልቢ ድዩ ኣይፋሉን?” ክትብል ዘገድዱ ሓሓሊፎም ዝረኣዩ ናይ ምዕብላል ወስታታት ይረኣዩ እዮም። ምስዚ ኩሉ “ሓቢርካ ምቅላስ ምስጢር ዓወትና እዩ” እናተባህለ በብኩርናዑ ዝጭራሕ ዘይንጸግ’ኳ እንተኾነ፡ ግብራውነቱ እንተ ዘይሰሊጡ ግና ዘተዓዛዝብ እዩ ዝኸውን።
ነዚ ዘይሕለፍ ኣገዳስነት ተረዲእካ፡ ብሓባር ዘቃልሰካ መድረኽ ናይ ምፍጣር ፈተነታት ምክያድ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ተመኩሮ እዩ። ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ፈተነታት ገዲፍካ፡ እቶም ካብ ምምስራት “ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓልታት ኤርትራ 1999” ጀሚርካ ክሳብ ሎሚ ዝቕጽሉ ዘለዉ ሃቐነታት ኣብነት እዮም። እዞም ክሳብ ሕጂ ዝተኻየዱ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ተበግሶታት ዘይምዕዋቶም፡ ዘየቕስን ተመኩሮ ኮይኑ፡ ዝመሃረሎም እንተተረኺቡ፡ መምሃሪ ዝኸውን ኣሰር እናመዝገቡ ከም ዝሓለፉ ኣሉ ዝበሃል ኣይኮነን። ብመንጽርዚ ኣብዚ እዋንዚ ተታሒዞም ዘለዉ ሓቢርካ ዘቃልሱ ሰፊሕ መድረኽ ናይ ምድኳን ንቕሎታት፡ ዋነኦም መንዩ ብዘየገድስ፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ሓደስቲ ምህዞታት ጌርካ ምውሳዶም ቅቡል ኣይኮነን። ልክዕ እዩ ግዜ ናይ ገዛእ ርእሱ ተጽዕኖ ዘለዎ ብምዃኑ፡ እቶም ናይ ሎሚ ሓደስቲ ተበግሶታት ብተመኩሮ ዝሃብተሙ ብምዃኖም ብልጫ ክህልዎም ከምዝኽእል ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።
ከም ብሓድሽ ዝውሰድ ተበግሶ ኮነ፡ ኣብ መስርሕ ዝጸንሐ ምፍጣር ጥሙር መቃለሲ መድረኽ፡ “ብሉጽን መዋጺእን እዩ” ንክበሃል፡ ተሳተፍቱ ይውሓዱ ይብዝሑ ካልእ ኮይኑ፡ መዕቀኒኡ ካብቲ ዝሓለፈ ተመኩሮ ምምሃሩን ዘይምምሃሩን ክኸውን ይግበኦ። ነቲ ክሳብ ሎሚ ዘየዕወተ ተመኩሮ ኣመላኺዕካ ምድጋሙ ግና ውጽኢቱ ካብቲ ዝሓለፈ ዝተፈልየ ከምዘይከውን ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ “ዝዘራእካዮ ኢኻ እትሓፍስ” ዝብል ምሳልያዊ ኣበሃህላ ግድን ስለ ዝኾነ። እቲ ኣብቲ ነባር ተመኩሮ ዘይተዋሰአ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ሎሚ ዘልዕሎም ዘሎ ጭረሖታት ኩሎም ፍጹም ቅድሚ ሕጂ ከምዘይተላዕሉ ጌርካ ምውሳዶም ቅኑዕ ኣይኮነን። አቶም ነባራት ምስ ሓድሽ ምዕባለ ከም ዝሳነዩ ጌርካ ምቕናዮም ከኣ ቅቡል እዩ።
ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ከሳቕየና ዝጸንሐን ዘሎን ግጉይ ተመኩሮታት ሓደ፡ ኣብ መንጎ እቲ ዝእወጅን ዝትግበርን ዘሎ ዘይምቅዳው እዩ። “እቲ ቅኑዕ መንገድን ምሩጽ ኣተሓሳስባን ምሳይ ጥራይ እዩ ዘሎ” ምባል፡ ንካለኦት ዕድልን መሰልን ዝኸልእ፡ ንመስርሕ “እንካን ሃባን” ዝዓጹ ስለ ዝኾነ፡ ዝሓለፈ ግጉይ ተመኩሮ ዝደግም እምበር፡ ናብ ዘተኣማምን መዋጸኦ ዝመርሕ ኣይኮነን። “ግድን ኣነ መመቲረ ዘኾልሰኩም ሓሳብ እንተዘይውሒጥኩም”፡ ምባል ብሓባር ዘሰጉም ከምዘይኮነ፡ ኣብ ብዙሕ ካብቲ ናይ ክሳብ ሎሚ ተመኩሮታትና ዝተገንዘብናዮምን ክንቃለስ ካብ ዝድርኹናን እዩ።
እቲ እንቃለሰሉ መድረኽን ነሰጉሞ ኣተሓሳስባን ካብ መጀመርታኡ ኩልና ኢድና ዘንበርናሉን ርኢቶና ዝሓወስናሉን ክኽውን ይግበኦ። ምናልባት ብትሕዝቶኡ ዝፈላለ፡ ነናትና ኣተሓሳስባ ይህልወና’ሞ፡ ናብቲ ናይ ሓባርና ሓዳስ ኤርትራ ናይ ምግሃድ ሸቶ ክንበጽሕ፡ ነቶም ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ሒዝና ኣብ ዙርያ ሰደቓ ተራኺብና ሓቚንና፡ ናብ ንኹላትና ዘማእክል ሓሳብ ከነጻዕዮም ይግበኣና። ቀጻሊ ሕድሕድ ርክባትና፡ በቲ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ዘጥረናዮን ዝተረዳዳእናዮን ዕግበት መሰረት፡ ምሉእ ሓድነት ወይ ፍልልያትካ ዓቂብካ ኣብ ብሓባር ምቅላስ ዘትክል ክኸውን ይኽእል። ናብዚ ንምብጻሕ ዘይተደላይ ግዜ ምብኻን ዘይምረጽኳ እንተኾነ፡ ብመጠንቲ መስርሕ ዝሓቶ ውረድ ደይብ እኹል ግምት ምሃቡ ዘይስገር እዩ። ምኽንያቱ እምብዛ ብታህዋኽ ተሻቢብካ ኣብ ዘይብሱልን ዘይኣሳታፍን ኩነታት በይንኻ፡ “ንሕና ኬድና ኢና፡ ዝሰዓበ ይስዓበና” ምባል ደሓር ዘይሩ ዘይሩ፡ ግዜን ንዋትን ምስ ከሰርካ፡ ናብቲ “ሀ” ኢልካ ዝጀመርካሉ ኩነታት ዝመልስ ስለ ዝኾነ። ካብ ከምዚ ንምድሓን ብዝከኣል መጠን ምሳኻ ክኸይድ ንዝኽእል ሓይሊ ናይ ምስታፍ ሓላፍነት ምውሳድ ኣገዳሲ እዩ። ግቡእ ጻዕርን ጹረትን ከየርኣየ፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ጠንጢንዎ ምኻድ ግና ከምቲ “ተመሊስካ እትረዶስ፡ ሓዲካዮ ኣይትእቶ” ዝበሃል፡ ኣማስያኡ ዋጋ ዘኽፍልን ዘይተደላይ ግዜ ዝበልዕን ስለ ዝኾነ። ኣብ ደምብ ተቓውሞና ብሓባር ዘቃልሰና መድረኽ ኣብ ምፍጣር እምብዛ ግዜ ምውሳዱ ግና ክንእመነሉ ዝግበኣና እዩ።
እንምስርቶ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ፡ ብኹለ-መዳያዊ ዓቕሚ ናይቶም ዘቖምዎ ኣካላት እዩ ዝምዘን። ናይ ብቑዓት መስረቲ መድረኽ እንተኮይኑ ከም ዝሕይል፡ ናይ ድኹማት እንተኮይኑ ድማ ከም ዝደክም ርዱእ እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ብቑዕ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ክንሓስብ እንከለና፡ ኣብ ውደባታት ናይቶም ብሓባር ክቃለሱ ዝጽዕቱ ሓይልታት ትካላዊ ኣሰራርሓን ቅዋማዊ ጽንዓትን ዘደልደሉ ክኾኑ ይግባእ። ከምዚ ዘይምዃኑ ሓደ ካብ ድኽመታትና ኮይኑ ምጽንሑ ካብ ተመኩሮና ከነስተብህሎ ዝግበኣና እዩ።