ፖሓኤ: ንድሕነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን መጸዋዕታ ኣቕሪቡ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብ6 ማዝያ 2023 ብኣወሃህዲ ዲፕሎማሲያዊ ጉዳያት ኣቢሉ፡ ናብ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ኣብዚ መጸዋዕታኡ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብዝተወሰኑ ኣካላት ይወርዶም ብዘሎ ዝተፈላለዩ በደላት ኣዝዩ ከም ዝሻቐል ገሊጹ። እቲ መግለጺ ከም ዝጠቐሶ፡ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ከም ዝተጸብጸበ፡ እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ ካብኡ ገንዘብ ንምእካብ ብዝተጸንዐ ሓደገኛ መስመር ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ ጠቒሱ።
እቲ መግለጺ ከም ዘስፈሮ፡ እቶም ስደተኛታት፡ መንበሪ ፈቓድ ወይ ናይ ስደተኛ መንነት የብልኩም ብዝብል ምስምስ ይእሰሩ እሞ፡ ድሕሪኡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንክፍትሑ ብነፍሲ ወከፍ ክሳብ ሓደ ሺሕ ዶላር ዝግመት ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱ። እቲ ኣሲርካ ገንዘብ ንምሕታት ዝካየድ ግፋ ቀጻሊ ኮይኑ፡ እዚ ተግባር ዘይተለምደ ናይ ብልሽውና ስልቲ ምዃኑን ብምትሕብባር ፖሊስን ኣባላት ጸጥታን ናይታ ሃገር ዝፍጸም ምዃኑን ኣብቲ መጸዋዕታ ሰፊሩ። ዝተሓተትዎ ዓቐን ዶላር ዘይምኽፋል ድማ ዝያዳ ስቓይን ተወሳኺ ማእሰርትን ከም ዘኸትል’ውን ተጠቒሱ። ምናልባት እውን ተገዲድካ ናብ ኤርትራ ምምላስ ከም ዘኸትል ተሓቢሩ።
እቲ መግለጺ፡ ክቡር ህዝቢ ሱዳን ቅድሚ 60 ዓመታት ኣብ ጉዕዞ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዘቆበ ብምጥቃስ፡ እዚ ልግሱ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ምምሕዳር ኢሳያስ እውን ከም ዝቐጸሎ ኣስፊሩ። ኣብዚ እዋንዚ ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳን ልዕሊ 200,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉን ካብዚኣቶም 19, 000 ዝኾኑ ኣብ መደበራት ስደተኛ ከም ዝነብሩን ኣብቲ መጸዋዕታ ሰነድ ሰፊሩ። እዚ ኣሃዝ ነቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሱዳን ዝጸንሑን ምስ ሕብረተሰብ ሱዳን ዝተሓወሱን ዝውስኽ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝፍጸሙ ዘለዉ በደላት ነቲ ክቡር ህዝቢ ሱዳን ዝውክሉ ዘይኮኑ፡ ውሑዳት ስሱዓት ዝፈጠርዎ ምዃኑ ኣብቲ መጸዋዕታ ተነጺሩ።
ኤርትራውያን በቲ ክቡር ህዝቢ ሱዳን ክወሃቦም ዝጸንሐ ኣቀባብላን ልግስን ሕጉሳት ኮይኖም፡ ኣብዚ ሕማቕ ግዜ’ውን እቲ ናይ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ደገፍ ቀጻሊ ክኾነሉ ዝጽበይዎ እዩ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝፍጸም ዘሎ በደላት ነቲ ክቡርን ለጋስን ህዝቢ ሱዳን ዝውክል ዘይኮነ፡ ውሑዳት ስሱዓትን ዘይሰብኣውያንን ዝፈጠርዎ ምዃኑ እቲ መጸዋዕታ ኣስፊሩ። ልኡኻት ዲክታተርያዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብቲ ኩነታት ኢዶም ኣእትዮም ስደተኛታት ኣገዲዶም ናብ ኤርትራ ንክመልሱ ዕድል ዝረኽብሉ ኣጋጣሚ ከይፈጥር ከም ዝሰግእ እቲ መጸዋዕታ ኣተንቢሁ።
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) በዚ መጸዋዕታኡ፡ ንጸገም ዝተቓለዓ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዕድመ ዝደፍኡን ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ዘየብሎም እሞ ብሰንክዚ ናብ ኤርትራ ተገዲዶም ከይምለሱ ዝያዳ ከም ዝሰግእ ጠቒሱ። ላዕለውይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ሕብረተሰብ ዓለምን እዚ ዘይሰብኣዊ ተግባራት ዝውገደሉን ገበነኛታት ዝሕተትሉን ኩነታት ንክፈጥሩ ድማ ጸዊዑ።
An Appeal for the Protection of Eritrean Refugees in Sudan
Written by EPF Diplomacy Coordination Committeeብመሰረት ስምምዕ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ፕረቶርያ፡ ንትግራይ ክሳብ መጻኢ ምርጫ ክመርሕ ዝተመዘ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብቲ ክመርሕ ዝጸንሐ ኣካል ብ5 ማዝያ 2023 ስልጣን ከም ዝተረከበ ማዕከናት ዜና ትግራይ ኣፍሊጠን።
ኣብቲ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብቲ ብዶ/ር ደብረጼን ዝምራሕ ኣብ ሓላፍነት ዝጸንሐ ካቢነት ብወግዒ ስልጣን ዝተረከበሉ መድረኽ፡ ናይ ክልቲኡ ካቢነ ኣባላት ተሳቲፎም።
ፕረሲደንት ተረካቢ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣረካቢ ዶ/ር ደብረጼን ገብረሚካኤልን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ዘስምዕዎ ሓጺር ቃል፡ ናብቲ ሰላማዊ ምርኽኻብ ስልጣን ንምብጻሕ ዝኸድዎ መንገዲ ልሙጽ ከምዘይነበረ ጠቒሶም፡ ኣተሓሒዞም ከኣ እቲ ኩነታት ስልጣን ተረኻኺብካ እትረሓሓቐሉ ዘይኮነ፡ ሓቢሮም ዝሰርሑሉ መጻኢ ምዃኑ ሓቢሮም። ኣተሓሒዞም ድማ ናይቲ ምርኽኻብ ምምሕዳራዊ ሓበሬታ ብደረጃ ካቢነታትን ካልኦት ኣካላት መንግስትን ከምዝቕጽል ጠቒሶም።
ዶ/ር ደብረጼን ገብረሚካኤል፡ ንሶምን ካለኦት ኣባላት ናይዚ ሓድሽ ካቢነ ዘይኮኑ ኣባላት ናይቲ ክመርሕ ዝጸንሐ ካቢነ ብዘለዎም ዓቕሚ ምስዚ ሓድሽ ምምሕዳር ክተሓባበሩ ምዃኖም ቃል ኣትዮም። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም፡ ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝጓነ ናይ ትግራይ ዓቕሚ ከምዘየለን ብሓባር ክሰርሑ ምዃኖምን ገሊጾም።
እዚ ምርኽኻብ ስነ ስርዓታዊ ኮይኑ፡ ብግብሪ ግና ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ስራሕ ጀሚሩስ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ብዙሓት ጉዳያት ከም ዝተመያየጠ ኣብቲ መድረኽ ተጠቒሱ።
ኤርትራውያን ምእንቲ ናጽነትና ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ዘካየድና ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቲ ምንባር ስለ ዝመረረና ኢና። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባር መሪር ዝኸውን ናይቶም ገዛእቲ ጓኖት ምዃን ጥራይ ዘይኮነ ዝኽተልዎ ስርዓተ-ምሕደራ ዘየናሕሲ ዘይሰብኣዊ ብምዃኑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ምረት ኣብ መዋእል ኩሎም ተኸታተልቲ ገዛእቲ ሓይልታት ተገንዚብዎ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ገዛእቲ ፍልልያቶም ኣብ ንኡሳን ኣፈጻጽማታት እንተዘይኮይኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኩሎም ጨካናትን ጨቆንትን እዮም ነይሮም። ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነቱ ክቃለስ ዝወሰነ ከኣ ብስምዒትን ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ከጋጥም ዝኽእል ውረድ ደይብን ምኽፋል ክቡር ዋጋን ዘንጊዑ ዘይኮነ፡ ካብ መኽተ ሓሊፉ ካልእ ምርጫ ስለ ዘይነበሮ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ዝተቓለሰ ጭቆና ገዛእቲ ስለ ዝመረሮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝነበሮ ናጻ ሃገር ናይ ምውናን ሕጋውን ታሪኻውን መሰረት ብሓያላት ስለ ዝተጠልመ እውን እዩ። ናጽናት ኤርትራ ካብ ናይ ምዕዋቱ ምስጢራት ሓደ ከኣ፡ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሓዊ ስለ ዝነበረ እዩ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሕጋውን ታሪኻውን መሰረት ዘይነበሮ ኣብ ሓይልን ተዋጊእካ ምስዓርን ጥራይ ዝተንጠልጠለ እንተዝነብር፡ ንኤርትራ ከምዚ ንሶማሊ ላንድ ኣጋጥምዋ ዘሎ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ኣፍልጦ ናይ ዘይምርካብ ዕንቅፋት መጋጠማ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ሕጋዊ ባይታን ሓቀኛ ታሪኽን ዝተሰረተን ብክቡር መስዋእቱ ዝተረጋገጸን ናጽነቱ፡ ብመንገዲ ረፈረንደም ብናይ 99.83% ዓብላሊ ናይ “እወ ንናጽነት” ድምጹ ልኡላውነቱ ከመዝግብ ኣይተጸገመን።
ምርግጋጽ ናጽነት፡ ውሑስን ቀጻልን ማሕበረ ቁጠባውን ፖለቲካውን ሓርነት ክትሃንጽ መሰረታዊ ቅድመ ኩነት እዩ። ነጻነት ኣብ ዘይተረጋገጸሉ ብዛዕባ ቁጠባዊ ዕቤት፡ ማህበራዊ ርግኣት፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ውሑስ ሰብኣዊ መሰልን ከተዕውት ዘይከኣል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዘይሕሰብ እዩ። ምስዚ ግና ምስ ምርግጋጽ ናጽነት ከም ውሁብን ርዱእን ኩሉ ሓርነታትን መሰላትን ይእመም እምበር፡ ይረጋገጽ ማለት ኣይኮነን። ምእንቲ ናጽነትን ካለኦት መሰላትን ሓርነታትን ዝግበሩ ቃልስታት ነናቶም ምዕራፋት ዘለዎምን ነናቶም ግዜ ዝወስዱን ዋጋ ዘኽፍሉን ይጽናሓለይ ዘይበሃሉ እዮም። ስለዚ ክልቲኦም ምዕራፋት ቃልሲ ዝመጋገቡ እምበር እቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ነጻጺልካ ዝረኣዩ ኣይኮኑን። ኤርትራውያን ዝሓለፍናዮ፡ ንሓልፎ ዘለናን ኣብ መጻኢ ዝጽበየና ዘሎን ህይወት ድማ ነዚ መስካሪ እዩ።
እዚ ሎሚ ንኹለ-መዳያዊ ሓርነት፡ ራህዋ፡ ዕቤትን ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ነካይዶ ዘለና ናይ ድሕሪ ናጽናት ቃልሲ፡ ካብቲ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝወሰደልና ግዜ ዝነውሐን ካብቲ ሽዑ ዝኽፈልናዮ ዋጋ ዝኸበረን ዝበዝሐን ክሓተና እዩ ዝብል ናይ መብዛሕትና ግምት ከምዘይነብር ርዱእ እዩ። ናይዚ ምኽንያት ከኣ ብክንድቲ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ንህዝቢ ዝጠልምን ዝያዳ ገዛእቲ ጨካንን ጠላምን ኤርትራዊ ሓይሊ ክመጽእ ይኽእል እዩ ዝበል ትጽቢት ናይ መብዛሕትና ዘይምንባሩ እዩ። ብግብሪ ግና ከምቲ ውሑዳት “ተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ መቑለኣ እንከላ እፈልጣ” ዝበሃል ሰማዒ እዝኒ ኣይረኸቡን እምበር፡ ብዓንተብኡ ዝጠርጠርዎን ዝተቓለስዎን፡ ህግደፍ ንህዝብናን ሃገርናን “ዳርጋ ግዜ መግዛእቲ ናብ ዘናፍቕ” ደልሃመት ኣጥሒልዎ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ቀደም እውን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ወጽዓ ንዘይምንባር እዩ ተቓሊሱ እሞ፡ ሎሚ’ውን መሪጽዎ ዘይኮነስ ተገዲዱ፡ ኣንጻር ኣርዑት ህግደፍ ይቃለስ እነሆ። ህዝብና ኣንጻር መግዛእቲ ተቓሊሱኳ ናጽነቱ ዘረጋገጸ፡ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ’ውን ብዘይጥርጥር ተዓዋቲ እዩ።
ሎሚ ብሰንኪ ምረት ወጽዓ ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት፡ ገለ ኤርትራዊ ወገናት ብውልቂ ይኹን ብእኩብ ኣብ ኣድላይነትን ዘይኣድላይነትን ናጽነት ክማትኡ ይስምዑ ኣለዉ። ከምቲ ነርእስትና “ጠንቂ ህልዊ ጸገምና፡ ኣይኮነን ናጽነትና“ ዝበልናዮ፡ ናይ ኩሉ ጸገማትና ጠንቂ ዘይፍትሓዊ ምምሕዳር ህግደፍ ክነሱ፡ ብሰንኪ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኤርትራ ምውናና ዝወረደና ዘሎ ሳዕቤን ገይሮም ዝወስድዎ ኣለዉ። ካብዚ ነቒሎም ንመስርሕ ቃልሲ ንናጽነትን ንክብሪ ናይቶም ኣብቲ ጉዕዞ ዝተሰውኡ ሓርበኛታትን ዘነኣእሱ ስምዒታት እውን ክንጸባረቑ ንዕዘብ ኣለና። “ብኻ እዛ ናጽነት እዚኣ ተሪፋ፡ ምስ መግዛእቲ ተመሳሲልና መነበርና” ብዝብል ኣስማት ዝተፈላለዩ ገዛእቲ ኤርትራ ዝነበሩ ስርዓታት ዘኮማስዑ እውን ኣይተሳእኑን። እዚ ስምዒታት ሕድሪ ስዉኣት ተረኪብካ ግቡእካ ናይ ዘይምፍጻም ድኽመትካ መሸፈኒ ከይከውን ኣስተብህሎ ዘድልዮ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ናይቶም ኤርትራዊ ሃገርነትን ሓድነትን ዘይተዋሕጠሎም መዕለበጥቲ መዳመቒ ምዃን’ውን እዩ።
“ተረጋጊጻ ዘላ ናጽናት እታ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጸበያ ዘይኮነት ህግደፍ ንዓኡ ዝሰርሓ እያ” ዝብሉ ኤርትራዊ ወገናት እውን ኣለዉ። ኣብዚ ቅድሚ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ እንተዘይኮይኑ ህግደፍ ናጽነት ኣየምጸአን። ህግደፍ ንናጽነት ካብ ህዝቢ ጨውዩዋ ንምባል እንተኮይኑ ግና ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዩ። እቲ መፍትሒ ከኣ ብቃልሲ ዝተዓመጸ ናጽነትካ መሊስካ ዲሞክራስያዊ ሓርነት ምልባስ እምበር፡ ብውዲታት ናይቲ ተቓሊስካ ክትስዕሮ እትኽእል ዓመጸኛ ጉጅለ ተስፋ ቆሪጽካ ኣብ ናጽናት ተዋጊኻን ተጣዒስካን ንድሕሪት ምምላስ ኣይኮነን።
ብዛዕባ ኣገዳስነት ናጽነት ኣብ ዝግበር ክተዓት፡ ንናጽነት ዘይድግፉ ወገናት “ናጻ ሃገር ምዃን ማለት እኮ ከም ኤርትራ ምዃን እዩ” ዝብል ተስፋ ናይ ዝቖረጹን ነቲ መሰረታዊ ምኽንያት ክርድኡ ዘይከኣሉን ድምጽታት ሓሓሊፉ ይስማዕ እዩ። ክሳብ ክንድዚ ናጽናት ረኺብካ ሓርነት ናይ ምስኣን ኣብነት ምዃና ከኣ፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕድላትን ብደሆታትን ኣዝዩ ዕዙዝን ፈታንን ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ስዉኣትና፡ ናጽነትናን ታሪኻዊ መስርሕ ቃልስና ምእንቲ ናጽነትናን ኣነኣኢስናን ማእዝና ስሒትናን መፍቶ ህግደፍን ብናጽነትና ዓይኖም ደም ዝነብዕን ናይ ወጻኢ ሓይልታት ክንከውን ኣይግበኣናን። ኣብ ክንዳኡ ንናጽነትናን ምእንታኡ ዝተገብረ ቃልስን ዓቂብና፡ ናጽነት ኤርትራ ጠንቂ ህልዊ ጸገምና ዘይኮነ መሰረታዊ መንጠሪ ንመጻኢ ሓርነትና ምዃኑ ብምሉእ ልቦና ኣሚና ንቀበል። እታ መፍቶ ኢሳይስን ጉጅለኡን ኮይና ዘላ ናጽነትና ናይ ብሓቂ ናይ ህዝባ ክንገብራ ድማ ቃልስና ብሓድነት ካብ ምቕጻል መተካእታ የብልናን።
ሓሳባትን ርእይቶን ሂወታዊ ባህርያዊ ነጻነት ናይ ወዲ-ሰብ ኮይኑ፡ ሰብ ከማኻ ን32 ዓመት ሕዋሳትካ ከምክኖም ክልተ ሞት’ዩ።
ዝኸበርካ/ኪ ኤርትራዊ/ት፡ ኣርእስተይ ተኸቲለ ሓሳባተይ ክገልጽ እንከለኹ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰበይ ምስታ ዝፈትዋ ሃገረይ ሕልናዊ ዕረፍቲ ክህበኒ እንከሎ፡ ብርእሰተኣማንነት ሓበንን ክብርን ይስመዓኒ። እዚ ከኣ ነፍስ-ወከፍ ወዲ-ሰብ ንክብሪ ሰብኣውነቱን ንክብሪ መንነቱን “ ኣነ - ኣነ እየ “ ምስ በለ፡ እቲ ሓቀኛ መግለጺኡን እቲ ናይ መጀመርያን መወዳእታን እቲ ሓቀኛ ሓሳባቱን ርእይቶኡን’ዩ።
ዝኸበርካ/ኪ ኤርትራዊ/ት፡ ኣነ ከም ኤርትራዊ ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን፡ ኣብዚ ናይ ሓደ ወለዶ 32 ዓመታት፡ እቲ ስርዓት ባህርያዊ ነጻነትካን መሰልካን ደዊኑ ዝኸይድ ዘሎ ዘስደምም’ዩ እብል። ዝመጽእ ወለዶኸ እንታይ’ዩ ክብለካ? እወ ኣብዚ 32 ዓመታት፡ ዓመት መጽአ ከም ሰብ ነቲ ስርዓት እናተዓዘብኩዎ ብዝኸድኩ፡ መመሊሱዩ ዘስደምመኒ። ኣታ ህዝቢ ደቅኻ ስኢንካ መኣዲ ስድራ-ቤት በረውረው ኢሉ፡ ህድሞ መጽለሊትካ ካብ ተረገጠን ኣብ ግዳም ካብ ተደርበኻን፡ ካብዚ ንደሓር እንታይ ትጽበ ኣሎኻ። እቲ ስርዓት ብድሕራይ ሳዕሪ ኣይትብቈላ እናበለካ፡ ኣነ ስቕታኻ ደንጽዩኒ’ሎ።
ኣነ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን፡ ደፊሩ ደኣ ኣይትበሉኒ’ምበር፡ ኣብዚ ሓደ ነገር ዝብሎ - ንሕና ኤርትራውያን ደቂ-ሰባት ብምዃንና ኣእምሮ ዝተዓደለና ካብ እንስሳታት ዝተፈለና ክንስና፡ ን32 ዓመታት ክብርናን መሰልናን ተረጊጹ መግለጺ ዘየብሉ ሂወት እናኣሕለፍና፡ ሕጅስ መግለጺ ስኢነሉ ስቕታና።
ስማዕ ሓወይ ኤርትራዊ፡ ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ኢኻ ትነብር ዘሎኻ። እምበርከ ናይ ምንባር ሂወት ትፈልጦ ዲኻ? ጽባሕ ንግሆ ዝመጽእ ወለዶ ክሓትተካ ምዃኑ ኣይጠራጠርን’የ። ንሕቶ መንእሰይ ወለዶ ኣቦ ኣደ ኣያታት መልሲ’ውን ትረኽበሉ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ሓደ ሕብረተሰብ - ህዝብን ሃገርን ክንስኻ፡ ኩሉ ሰብኣዊ ክብርኻ በቲ ስርዓት እናተደምሰሰ ብስቕታ ክትሓልፎ፡ እዚ ታሪኻዊ ዕሽነት ተባሂሉ ንወለዶታት ክስነድ’ዩ። ሕሰብ ኤርትራዊ፡ ጽባሕ ንግሆ ደኒንካ ከይትኸይድ እቲ እዋን ሕጂ’ዩ ብሓባር ነቲ ስርዓት ኣልግስ በሎ። መንእሰይ ወለዶ ኤርትራ፡ ሃገርካ ኣድሕነኒ ትብለካ’ላ፡ ሃገር ናትካ’ያ።
ስማዕ ኤርትራዊ፡ ሃገር ብህዝቢ’ያ ትቐውም። ህዝቢ ሃገር’ዩ ሃገር ከኣ ህዝቢ’ዩ። ብዘይወዲ-ሰብ ብዘይ ህዝቢ ሃገር ዝበሃል የሎን። ሕጂ’ውን ስማዕ ኤርትራዊ ይብለካ ኣለኹ - 32 ዓመት ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ባርነት ድንቁርና ኣብ መዋእል እምኒ ኣይኮንካን ትነብር ዘሎኻ። ኣብ መዋእል ዲጂታል ዓለም ተለዊጣትሉ ዘላ ኢኻ ትነብር ዘሎኻ። ሕሰብ ኤርትራዊ ተመሊስካ ሕዋሳትካ ኣዛርቦም።
ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ - ቃለመሓትት ናይቲ ስርዓት ወንጮ እንተገልበጥካዮ ወንጮ ስለ ዝኾነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ኣየገርሞን’ዩ። እንተ’ቲ ናይ ከንያ ጋዜጣዊ ዋዕላሞ፡ ከም ኤርትራዊ ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን ሓፊረ’የ። ንሓተትቲ ጋዜጠኛታት ድማ፡ ዋላኳ ሞያዊ ስርሖም ይኹን’ምበር፡ እቲ ኤርትራዊ ወይ ህዝቢ ኤርትራ ክሓትቶ ዝግብኦ ብምሕታቶም፡ ክብሪ ወዲ ሰብ ብምሃቦም (ብምቕራቦም) ደጋጊመ የቕንየልና እብሎም። ኣብዚ ክብሎ ዝደሊ ድማ፡ ጋዜጠኛታት ኤርትራውያን ካብዚ ናይ ከንያ ጋዜጣዊ ዋዕላ ተማሂርኩም ክትኮኑ ተስፋ እገብር። ሽግርኩም ይርድኣኒ’ዩ፡ ተመሊስኩም ንሕልናኹም ከም እትሓትቱን ኣበየናይ ዓለም ኢና ንነብር ዘሎና ከም እትብሉን ኣይጠራጠርን እየ።
ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ
ክፍላይ ተኪአ
ጀርመን
ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ2 ማዝያ 2023 ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ መስርሕ ምድላው 4ይ ጉባአን ፈስቲቫል ኤርትራ 2023ን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ መዚኑ። እቲ ኣኼባ ብዛዕባ ክልቲኦም ብዛዕባታት በቶም ነቲ ምድላዋት ዝመርሑ ዘለዉ ብጾት ዝቐረበሉ ጸብጻባት ሰሚዑ።
ብጻይቲ ኣድያም ተፈራ ኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባአ፡ ነተን ኣብ ትሕቲ እቲ ዓብይ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ዝነጥፋ ዘለዋ ንኡሳን ሽማግለታት፡ ምድላው ናብ ጉባአ ቀሪቡ ዝጸድቕ ሰነዳት፡ ቀረብ ሎጂስቲክን ገንዘብን፡ ምምራጽ ተሳተፍቲ ጉባአን ዜናን ጠቒሳ እቲ መስርሕ ክሳብ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ዘረድእ ዝርዝር ጸብጻብ ኣቕሪባ።
ፈጻሚ ሽማግለ ነቲ ጸብጻብ ኣብ ዝመዘነሉ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ በታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተዓመ ስረሓት ዕዉት ምዃኑ ብምምዛ መምርሒ ኣብ ዘድልዮም ነጥብታት ከኣ መምርሒ ሂቡ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ቅድሚ ጉባአ ክሳለጥ ተወጢኑ ዘሎ ኮንፈረንስ መላእ ኣባላት ሰልፊ ብዓወት ዝሳለጠሉ መደባት ወጢኑ። ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ መዳያት ከም ወትሩ ጉባአ ንምዕዋት ዘርእይዎ ዘለዉ ተወፋይነት ንኢዱ። ኣብቲ ተመዲቡ ዘሎ ኮንፈረንስ ብምልኣት ክሳተፉ ዘለዎ ትጽቢት ከኣ ኣስፊሩ።
ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ላዕለወቲ ተኸታታሊት ምድላው ፈስቲቫል ኤርትራ ብወገኑ፡ እታ ኣብቲ መስርሕ ብቐጥታ ትሳተፍ ዘላ ብብጻይ ጸሃየ ቀለታ እትምራሕ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብዛዕባቲ ካብ ዕለት 28 ክሳብ 30 ሓምለ 2023 ዝካየድ ፈስቲቫል ክሳብ ሎሚ ዘሰላሰለቶም ስረሕት ዝሓቖፈ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ፍሉይ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ንፈስቲቫል ዝምልከት ዛዕባ’ውን ክሳብ ሕጂ ንዝተሰርሐ ንኢዱ ኣብ ግምት ክኣትዉ ይግበኦም ብዛዕባ ዝበሎም ጉዳያት ድማ መዘኻኸሪ ኣሚቱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ነቲ ፍሉይ ኣኼባ ብዝመርሐ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ንዝቐረበ፡ መስርሕ ሓባራዊ ስረሓት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፡ መሪሕነት ሰዲህኤ ቅድሚ 4ይ ጉባአ ከሰላስሎም ብዛዕባ ዝግበኦ ናይ ምድላው ስረሓትን ዝመልክት ሰፊሕ ሓበሬታ ኣቕሪቡ። እቲ ህጹጽ ኣኼባ ድማ ኣብቲ ጸብጻብ ተመያይጡ ውሳነ ኣብ ዘድልዮም ጉዳያት ወሲኑን መደባት ሰሪዑን።
ካብዚ ሓሊፉ ኣኼባ ፈጻሚ ሽሽማግለ፡ ብፍላይ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራን፡ ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ዞባና ዝገሃድ ብዛዕባ ዘሎ ሓድሽ ሓሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሓበሬታ ተለዋዊጡ
ብኻልእ ወገን ከኣ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ፡ ብ1 ማዝያ 2023 ኣብ ዝገበረቶ ኣኼባ መስርሕ ጉባአ፡ ኣብ ቀረብ ንጉባአ ዘድሊ ገንዘብን ናውትን፡ መስርሕ ምይይጥ ኣብ ንድፊ ሰነዳትን ምቅርራብ ተሳተፍቲ ጉባአን በቲ ዝተታሕዘሉ መደብ ይካየድ ከም ዘሎ ተረዲኣ።
ባህግና Bahgna 127፣ ሰሙናዊ ዜናታት ሃገርናን ከባቢናን ምስ ርእሰ ዓንቀጽ ስልፊ፣ ላምሲ ብኢዳ ዝቀርባ ብእግራ ትሓክኽ!
Written by Bahgna MediaMedia
More...
ምምሕዳራት ህግደፍ ንነዊሕ ግዜ ብዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ዓቚርዎ ዝጸንሐ ተበላሽዩ ክጐሓፍ ዝግበኦ እኽሊ፡ ብኣስገዳድ ናብ ህዝቢ ይሸይጥ ከም ዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ ነዚ ዝተበላሸወ እኽሊ ዘይገዝኣ ሰብ፡ ካብቲ ብሕሱር ዝባሃል ብኩበን ዝግዛእ ከም ዘይትን ሽኮርን ዝኣመሰሉ ቀረባት ክረክብ ኣይክእልን።
ስለዚ ስድራቤታት ይኹና ውልቀሰባት ናይ ኩቦን ተጠቀምቲ፡ ይብልዕዎ ኣይብልዕዎ ናይ ኩቦን መቑነን ንኽረኽቡ ክብሉ ሓደ ኩንታል ዝተበላሸወ መሸላ ወዲዓከር ብሓሳብ 400 ናቅፋ ክገዝኡ ይግደዱ። ምናልባት ናይ ሓንቲ ወርሒ መቑነን ከይዓደገ እንተ ኣሕሊፉ ኣብ እትቅጽል ወርሒ ክገዝእ እንከሎ ናይታ ዘሓለፈት ወርሕን ናይታ ዝመጸላ ወርሕን ብድምር 2 ኩንታል ክገዝእ ከም ዝሕተት እቲ ሓበሬታ የረድእ። እዚ ዓመጸኛ ኣገባብ ብፍላይ ነቶም መርዓን ካልእ ውራያትን ዘሕልፉ ወገናት ዝያዳ ወጻኢ ክገብሩ ስለ ዝግደዱ ሃሳያ ዘስዕበሎም ምዃኑ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ህግዲፍ ነቶም ጠወርቲ ዘይብሎምን ብዝተፈላለዩ ሕማማት ንዝሳቐዩን ኣረጋውያን ወለዶም ገዲፎም ንኸይከቱ፡ ጻዊዕት ምመንግስቲ ነጺጎም ክሕቡእ ንዝጸንሑ ውልቀሰባት ክሳብ ናብ በረኻታት ብምኻድ ይሃድኖም ከምዘሎ ምንጭታት ሰዲህኤ ኣቃሊዖም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቶም ኣብ ግፋ ተዋፊሮም ዘለዉ ኣካላት ናይቲ መንግስቲ ብዘይዝርዝር ሓበሬታ ናብ ልምዓት ኢኹም ትድለዩ ዘለኹም እናበሉ ከም ዝጉስጉሱ ተፈሊጡሎ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣብቲ ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝግበር ዘሎ ግፋ፡ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ደረቱ ዝሓለፈ ገንዘባዊ መቅጻዕትን፡ ኣብ ካርቱም ዝርከቡ ኣካላት ህግዲፍ ኢድ ከምዘሎዎምን፣ መኻፍልቲ ናይቲ ብመልክዕ መቅጻዕቲ ዝእከብ ማእለያ ዘይብሉ ዶላራት ከምዝኾኑ ተለቪዝን አሪሳት ምንጭታታ ብጥቃስ ኣብ ናይ 30 መጋቢት 2023 ፈነወኣ ጸብጺባ። እዚ ድማ ምስቲ ኣቀዲሙ ብመደብ ባህግና ተሓቢሩ ዝነበረ፡ ኣብ ኣዲስ ኣባባ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት አምባሲ ኤርትራ ኣብ ሊዕሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሓተቲ ፓስፖር ዝገብርዎ ናይ ጉቦን ሰነዳት ምትምናይን ኣተሓሒዝካ ክረአ እንከሎ፡ ህግዲፍ ንህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ጸላኢኡን ጠንቂ ኩሉ ሽግራቱን ምዃኑ የርኢ።
ፖለቲካዊ ኣካላት ሱዳን ነቶም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ብዛዕባ መጻኢ ጸጥታዊ ጽገና እታ ሃገር ዝረዳድእሉ ግዜ ሂብዎም ድሕሪ ምጽንሕ፡ 6 ማዝያ 2023 ፖለቲካዊ ስምምዕ ክፍርሙ ከም ዝተሰማምዑ ተፈሊጡ። ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ሱዳንን ዕጡቕ ቅልጡፍ ሓይልን ብዛዕባ ተሓናፊጽካ ሓደ ሃገራዊ ሰራዊት ምምስራት ፈጢረምዎ ብዝጸንሑ ፍልልያት እቲ ብ1 ማዝያ 2023 ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ምፍርራም ፖለቲካዊ ስምምዕ ተደናጉዩ ከም ዝጸንሐ እውን ተሓቢሩ።
ኣዛዚ ሓይልታት መንግስቲ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን መራሒ ዕጡቕ ቅልጡፍ ሓይሊ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ብዛዕባቲ ክፍረም ተዳልዩ ዘሎ ፖለቲካው ስምምዕ ምስ መሓዙቶም ፖለቲካዊ መራሕቲ ተራኺቦም ድሕሪ ምምይያጦም እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወተሃደራዊ ሓይልታት ተፈጢሩ ዝነበረ ወጥሪ ከም ዝተፈትሐ፡ እቲ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሱዳን ትሪቡን ዝተዘርግሐ ዜና ኣረዲኡ።
ናይቲ ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ፖለቲካዊ መስርሕ ወሃቢ ቃል፡ ካልድ ዑመር የሱፍ ብወገኖም፡ ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ እቲ ፖለቲካዊ ስምምዕ ዝፍረመሉ ግዜ ንምቅልጣፍ ካብኣቶም ዝድለ ከበርክቱ ዘለዎም ድልዉነት ከም ዝገለጹ መስኪሮም። እቶም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ብዛዕባ መስርሕ ምትሓንፋጽ ክልቲኦም ሓይልታት ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ብቐሊሉ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ምርድደኦም ድማ ተፈሊጡ።
እቶም ወሃቢ “ቃል፡ እቲ ተነዲፉ ዘሎ ካልእ ሰነድ መሰጋገሪ ሕገ መንግስቲኸ መዓስዩ ክፍረም?” ኣብ ዝብል ዝሃብዎ መግለጺኳ እንተዘየለ፡ ክልቲኡ ሰነዳት ማለት ፖለቲካዊ ስምምዕን መሰጋገሪ ሕገ መንግስትን ብሓባር ክፍረም ይኽእል እዩ ኢሎም ዝግምቱ ወገናት ዘለዉ ።
ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ መስርሕ ምምስራት መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ዝተፈላለዩ ናይ ውሽጥን ወጻእን ተጽዕኖታት ዘለዉዎ ኮይኑ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘይጉዳዩ ኢዱ ብምእታው፡ ሓደ ካብቶም ንከይዕወት ዝዕንቅፉ ዘለዉ እዩ።