ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ኣብ በርሊን ይካየድ ናብ ዘሎ ንሱዳን ዝምልከት ኮንፈረንስ: ውግእ ሱዳን 4ይ ዓመት ምሓዙ ብዝምልከት ብቪድዮ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ። ኣብቲ መልእኽቱ እቲ ውግእ ኣዝዩ ኣዕናውን ብደረጃ ዓለም ዝለዓለ ቅልውላው ዝተራእየሉን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ዳርጋ 34 ሚልዮን ሱዳናውያን ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ይጽበዩ ምህላዉ ኣስፊሩ። ብሰንክቲ ኣብ ወርሒ ማዝያ 2023 ዝተጀመረ ውግእ ልዕሊ 4,5 ሚልዮን ሱዳናውያን ከም ዝተሰዱ ሓቢሩ።
ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣተሓሒዙ፡ በቲ ናብ ራበዓይ ዓመቱ ዝሰግር ዘሎ ኣዕናዊ ውግእ ሱዳን፡ እቲ ጥሜት ኣብታ ናይ እንጀራ መሶብ ትበሃል ዝነብረት ሃገር ኣጋጢሙ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ናይ ሓደ ትውልዲ ህጻናት ናይ ትምህርቲ ግዜ ዝተሓሸሸሉ እዩ፡ ክብል ነቲ ኩነታት ኣምሪሩ ገሊጽዎ። ኣዴታትን ደቂ ኣንስትዮ ደቀንን ብሰንኪ ግሉጽን ሜላውን ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝተሃስያ ከኣ ኣብ መልእኽቱ ኣስፊሩ።
ብዛዕባ ኣቕርቦት ገንዘብ ንሰብኣዊ ረዲኤት ኣብ ዝጠቐሶ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብቲ ዝድለ 40% ጥራይ ከም ዝተረኽበ ብምጥቃስ፡ ብሰንኪ እኹል ዘይምዃኑ ብዙሓት ሱዳናውያን ንስእነት መግቢ፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን መሕወይ ጾታዊ ዓመጽን ከም ዝተቓልዑ ጉተረዝ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ድሌት’ኳ ዝውስኽ ዘሎ እንተኾነ፡ እቲ ገንዘባዊ ቀረብ ግና ኣብዚ ዓመት ካብቲ ዝሓለፈ ዝያዳ ዘንቆልቁል ዘሎ እዩ። ገንዘብ እንተዝርከብ እውን በይኑ ሰላም ክኸውን ስለ ዘይክእል፡ እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ብተኹሲ ጠጠው ብምባል ኣቢልካ ቀጻሊ ሰላም ዘውሓስ መስርሕ ምኽታል እዩ ኢሉ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ዘተኣማምን መንገዲ፡ ናብ ኣሳታፊ ሲቪላዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ብምእታው ጥራይ ባህጊ ህዝቢ ሱዳን ከም ዝወሓስ ኣስሚርሉ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሱዳን፡ ነቲ ምስ ካርቱም ብዘይምውኽኻስ ዝተሰርዐ ዝበሎ ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ዝካየድ ዘሎ ኮንፈረንስ፡ “መግዛእታዊ ኣተሓሕዛ እዩ” ብዝብል ኣገላልጻ፡ ምዕራባውያን ኣጀንደአን ንምጽዓን ዝመሃዘኦ እዩ ብዝብል ኣይተቐበሎን።
ኣብ ስርዓት ብልጽግና ቅድሚት ተሰሪዑ ዘሎ ዛዕባ ምውናን ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ኤርትራ እዩ። ኣካላት መንግስቲ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ውልቀ ሰባት’ውን “ብመንግስቲ ተኣመንቲ” ንምምሳል ነቲ ዛዕባ የኮማስዕዎ ኣለዉ። እዚ ኣካይዳ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዝግህስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ውዕላትን’ውን ዝጥሕስን ሓደገኛ ሳዕቤን ዘስዕብን ብምዃኑ ዝተፈላለዩ ኣካላት “ዓገብ” ክብልዎ ጸኒሖምን ኣለዉን።
ኣብዚ ትዕቢተኛ ጐስጓስ ዝያዳ ተጸሚዶም ዝጸንሑ፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስትን ሰልፍን ጀነራላትን ምንባሮም ክንዕዘቦ ዝጸናሕና እዩ። ድሕሪ’ቲ ኣተሓሕዘኦም ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕርን ኢድ ኣእታውነት ላዕለዎት ጀነራላትን ዘይቅኑዕ ምንባሩ ዘመልክት “ምስጢራዊ” ዝተባህለ ሰነዶም ምቅልዑ፡ “ሕጅስ ይዕገሱ ደኾን ይኾኑ?” ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት ነይሩ። እንተኾነ ተዋሳእቲ ቀይሮም ነቲ ሓደገኛ ተዋሰኦ ካብ ምቕጻል ዓዲ ኣይወዓሉን።
ካብቶም ብድሕሪ መጋረጃ ዝጸንሑ’ሞ ኣብዚ እዋንዚ መድረኽ ተረኪቦም ብቕሉዕ ዝዋስኡ ዘለዉ፡ ናይ ቀደም መራሕቲ ህወሓት ካብ ዝነበሩ ይርከብዎም። ካብ ቀደሙ “ልኡላውነት ኤርትራ እንተዘይገሃስና” ዝብል ዝነበረ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ 2026፡ ኮርፖሬሽን ፈነወ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዳለዎ ፍሉይ መደብ ተሳቲፉ፡ “ወተሃደራዊ ዓቕሚ፡ ድልዱል ቁጠባን ዘተኣማምን ዲፕሎምስያዊ ዝምድናን ንሓንቲ ሃገር ኣድላይ’ዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ወሳኒ እዩ። መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጉዳይ ምምላስ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ዓብይ ስራሕ ሰሪሑ ዝብል እምነት ኣለኒ። ቀደም ነዚ ምልዓል “ጸረ ህዝቢ” ዘብል ነይሩ። ሎሚ ግና ናይ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ዓለም ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ።
ነዚ ዛዕባዚ ብዝምልከት ዝገበርኩዎ ርክባት ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ የድልያ ኢሉ ዝኣምን ብዙሕ’ዩ። ኣፍደገ ባሕሪ እንተዘይወኒና ግና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም፡ ምርግጋእን ዕቤትን ኣይክረጋገጽን’ዩ ዝብል ተርድኦ ናይ ብዙሓት’ዩ። ኣብ ግዜ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000፡ ኢትዮጵያ ብዘይሕጊ ዝተወስደ ወደባ እተምልሰሉ ጽቡቕ ዕድል ነይሩ፡ እንተኾነ ኣብ ኢህወደግ ብዝነበረ ዘይምርድዳእ ክትግበር ኣይከኣለን።” ብዝብል ቂምታ ንነፍስሄር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ከሲስዎ። ጻድቃን እቶም ዝረኸብኩዎም ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልዋ ዝድግፉ ዝበሎም፡ መን ምዃኖም ክጠቕሶም ትብዓት ኣየርእየን። እቲ “ንኢትዮጵያ ኣፍደገ የድልያ” ዝበሎ ከኣ ካብቲ ንሱ ዝጽበዮ ብቕርሕንቲ ዝተላዕጠጠ ህርፋን ምውናን ዝተፈልየ እዩ።
ጀነራል ጻድቃን ከም መንቀሊ ካብ ዝወስዶም ሓደ፡ “ኣብ መንጎ ዓፋር ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዶብ፡ ሰብ ዝሰርሖ (artificial) እዩ” ዝብል’ዩ። ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዓፋር ዝመሳሰል ብሄረሰብ ኣብ ኤርትራ ስለ ዘሎ፡ ወደብ ዓሰብ ኣምጺኡ ኣካል ግዝኣት ኢትዮጵያ ክገብሮ’ዩ ማለቱ እንተኮይኑ፡ ክሳብ ክንደይ ከደናግር ተዓጢቑ ከምዘሎ የመልክት። ምናልባት ጽባሕ “ኑዌር ካብ ደቡብ ሱዳን፡ ኦሮሞ ካብ ኬንያ፡ ሶማሊ ካብ ሶማሊላንድ ከምኡ እውን ቤንሻንጉል ካብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ዘዝደለየቶ ግዝኣት ከምጽኡላ ይኽእሉ’ዮም” ናብ ዝብል ግጉይ መደምደምታ ክወስዶ ከም ዝኽእል ዝተረደአ ኣይመስልን። እዚ ኩነታት መግዛእቲ ኤውሮጳ ዝወለዶ ኣፍሪቃ- ለኸ እምበር፡ ኣብ ከባቢና ዝተደረተ ኣይኮነን።
ገብሩ ኣስራት፡ ምስ ሊላይ ዩቱብ ኣብ ዘካየዶ ቃለም መጠይቕ፡ “ናይ ኤርትራ ናጽነት ናይ ኢትዮጵያ ረብሓ ብዝሓለወ ክኸውን ነይርዎ”፡ ወይዘሮ ኣረጋሽ ኣዳነ ምስ ፕላስ ፖድካስ ኣብ ዝገበረቶ ርክብ፡ “ኤርትራ ብኽመይን ብመንን ናጻ ሃገር ከም ዝኾነት ዘመልክት ሰነድ ኣይተረኽበን።” ከምኡ እውን ጀነራል ዮሃንስ ገ/መስቀል ኣብ ዝተፈላለዩ መዲያታት እናኸደ፡ “ገማግም ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ንምምምላስ ኣብ ዝግበር ውግእ ዋላ እንተዘይ ተጸዋዕኩ ብወለንታይ ክኸትት እየ።” ዝበልዎ ካብቲ ጻድቃን ሰለስተ-ኣርባዕተ ግዜ ዝተሳዕረሉ ዘይሓዊ ደግሲ ተፈልዩ ዝረአ ኣይኮነን።
ብኣንጻሩ ኢትዮጵያውያን ኮይኖም፡ ብልጽግና ኣብዚ ኣዛራቢ ዛዕባ ሒዝዎ ዘሎ ኣቕጣጫ፡ ነቲ ናይ በዓል ጀነራል ጻድቃን ስሱዕ ደግሲ ዝዓጽፍን ብደረጃ ዓልም ዝሓስብን ፍትሓዊ ሚዛን ዘለዎም መትከላውያን ኣለዉ።
ኣቶ ኣለማዮ ዝበሃል፡ ንግንባር ሓርነት ኦሮሞ ወኪሉ ኣብ መጻኢ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝወዳደር፡ መርገጽ ውድቡ ብዛዕባዚ ኣብ ኢትዮጵያ እውናዊ ኮይኑ ዘሎ ኣጀንዳ ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን፡ “ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ኣለዋ ኢሉ ኣይኣምንን። ከም ብዞሓት ሃገራት ብመሬት ዝተኸበት (land locked)) ሃገር ምዃና እዩ ዝኣምን። እዚ ማለት ግና ኣፍደገ ባሕሪ ምጥቃም ኣየድልያን ኣይንብልን። ምኽንያቱ ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ወጻኢ ንግዳዊ ንጥፈታትን ርክባትን ኣብ ምስልሳል ግደ ስለ ዘለዎ። ኣብ ዓለምና ኣስታት 200 ሃገራት ኣለዋ። ካብኣተን 44 ኣፍደገ ባሕሪ የብለንን። እንተኾነ ቁጠባዊ ዕቤተን ብግቡእ ‘የን ዘሰላስላ። ………
ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ ሃይለስላሰን ደርግን ወደባት ዓሰብን ምጽዋዕን ምስኣ ነይረን። ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ግና እዘን ወደባት ናይ ኤርትራ እምበር ናትና ኣይኮናን። ኣብ ዝሓለፉ 35 ዓመታት ቅድም ብናይ ኤርትራ ደሓር ከኣ ብናይ ጅቡቲ ወደባት ክንጥቀም ጸኒሕና። በዘን ወደባት ብምጥቃምና ዘጋጠመና ሽግራት ኣይነበረን። ኣፍደገ ባሕሪ እንተዝህልወና ኣይመጸላእናን። ካብ ዘየብልና ግና ኣፍደገ ባሕሪ ምጥቃም ዘኽእሉ 4 ዝኾኑ ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ኮንቨክሽናትን ኣለዉና። …….
ስለዚ ኢትዮጵያ ከም ካለኦት ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ብዓለምለኻዊ ሕግታት ተጠቒማ ምስ ገረባብታ ብምስምማዕ ንግዳዊ ንፍጥፈታታ ምክያድ እዩ እቲ ምርጫ። ብዝዙሕ ህዝቢ ኣለና ብዝብል ምስምስ ብሓይልን ውግእን እንውንኖ ኣፍደገ ባሕሪ ሕጋዊ ስለዘይከውን፡ ንሕና ኮነ ካለኦት ክጥቀመሉ ኣይንኽእልን ኢና። ብሓይሊ ዝመጸ ከኣ ብሓይሊ ክውሰድ ዝኽእል’ዩ።……
ስለዚ ንሕና እንደልዮ ፍትሓዊ መንገዲ ጥራይ እዩ። ደሓር ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ከለዋ እውን ምዕቡል ቁጠባ ኣይነበራን። ብዘይኣፍደገ ባሕሪ ምዕቡል ቁጠባ ምህናጽ ይከኣል እዩ። ሉግዘምበር፡ ስዊዘርላንድ፡ ኦስትርያ፡ ከምኡ ከኣ ቦትስዋና ካብ ኣፍሪቃ ብዘይኣፍደገ ባሕሪ ምዕቡል ቁጠባ ሃኒጸን ዘለዋ ሃገራት እየን። ብኣንጻሩ ሶማሊያ፡ ጅቡቲ’ ሱዳንን ኤርትራን ነዋሕቲ ገማግም ባሕሪ እናሃለወን፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝሓሸ ቁጠባ ኣይሃነጻን።” ዝበሎ ንኢትዮጵያ’ውን መዋጸኦ ዝህብ’ዩ።
ናይዞም ንህዝቢ ትግራይ ዘይውክሉ መራሕቲ ህወሓት ነበር ግጉይ ስምዒት፥ ኣብ ድሕረ-ባይታ ዝምድናኦም ምስ ህግደፍ ዝነበሮም ጽልእን ምትህልላኽን ዝደረኾ ምዃኑ ዝጠቕስዎም ምልክታት ኣለዉ። እቲ ቀንዲ ዘየስተውዓልዎ ግና፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ፡ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ዘይኮነ፡ መሰረታዊ ዋኒን ህዝባ ምዃኑ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ወደብ ጅቡቲ ታጁራ 60% ብጽሒት ቁጠባዊ ተጠቃምነት ንክህልዎ ዝቐረበሉ ጻውዒት ከም ዝተሓሰመ ሶማሊያ ቱዳይ (Somalia Today) ካብ ጅቡቲ ሓቢራ። እቲ መሕሰሚኡ ምኽንያት ናይ ተጠቃምነት ዘይኮነ፡ ናይ መተሓላለፍን ምምሕዳርን (corridor arrangement) መሰል ክህልወኒ ኣለዎ ዝብል ምዃኑ እውን ሶማሊያ ቱደይ ብተወሳኺ ኣፍሊጣ። እዚ ዝተገልጸ ድሕሪ ኣዕሚቕ መጽናዕቲ ብናይ ጅቡቲ ምምሕዳር ወደባትን ናጻ ዞናን ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።
ጅቡታዊ በዓል መዚ ምምሕዳር ውደባትን ናጻ ዞናን ኣቡበከር ዑመር ሃዲ ነዚ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ጅቡቲ ንኢትዮጵያ ዝበዘሐ ቁጠባዊ ተጠቃምነት ክወሃባ እኳ እንተ ወሰነት ኢትዮጵያ ግና ነቲ እማመ ኣይተቐበለቶን። እቲ በዓል መዚ ጅቡቲ ንሕና ንጹራትን ግሉጻትን ኢና ኢትዮጵያ ግና ካብ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ንላዕሊ ናብ ምውናንን ምምሕዳርን መተሓላለፊ እያ ተማዕዱ ዘላ ኢሉ።
ሃዲ ኣተሓሒዙ ጅቡቲ ንሓቢርካ ምስራሕ ቅርብቲ ኮይና፡ ንመንግስታዊ ኮነ ብሕታዊ ግዳዊ ንጥፈታት ኢትዮጵያ ዝሕግዝ ጥጡሕ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ድልውቲ ኮይና ክትቅጽል እያ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ከኣ ናይታ ኣስታት 130 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ግና ድማ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ኢትዮጵያ ልዕሊ 95% ንግዲ ዝወጽእን ዝኣቱን ብወደብ ጅቡቲ ምዃኑ ሃዲ ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላኡ ሓቢሩ።
ኢትዮጵያ ነቲ ከም ድላያ ንግዳዊ ንጥፈታት ከተካይደሉ እትኽእል 60% ብጽሒት ትቃወመሉ ዘላ መሰረታዊ ምኽንያት ኣብ መንጎ ተጠቃምነትን ምውናንን ዘሎ መሰረታዊ ፍልልይ ምዃኑ እውን ተጠቒሱ። እዚ ድማ ሕቶ ኢትዮጵያ ኪኖ ንግዳዊ ተጠቃምነት ዝኸይድ ምዃኑ ዘመልክት እዩ ክብል እውን እቲ ጅቡታዊ ሚዛኑ ኣስፊሩ። ኣብቲ ጉዳይ ርኢቶ ዝሃቡ ኣካላት ብወገኖም ኢትዮጵያ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝሰኣነቶ ዋንነት ወደብን ኣፍደገ ባሕርን ክትቅበሎ ዘይምኽኣላ ዘርኢ ምዕልባጥ እዩ ኢለምዎ።
ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ምስ ጀነራላቱ
ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ሕያሎ ጀነራላት ጡረታ ከውጽእ እንከሎ; ንዓኣቶም ዝትክኡ ሓድሽ መዓርጋት ከም ዝሃበ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢራ። እቲ ዜና ነቲ ስጉምቲ ልሙድ ኣሰራርሓ’ዩ ድሕሪ ምባሉ፡ ኣተሓሒዙ እቶም ጡረታ ዝወጹ 21 ኮይኖም፡ መዓርጎም ከኣ መጀር ጀነራል ምዃኑ ጠቒሱ። ካብቶም ጡረታ ዘወጹ ጀነራላት፡ ዲያብ ባድር ዲያብ፡ ካልድ ኣልቃዲ፡ ቃንዲል በሽርን ካሊድ ኣቤል ምታኣን ፍሉጣት ምንባሮም ኣብቲ ዜና ሰፊሩ።
ወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሱዳን ብወገኑ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሓደስቲ ናብ ዝለዓለ መዓርግ ንምድያብን ነባራት ጡረታ ንምውጻእን ምዃኑ ከም ዝጠቐሰ ኣፍሊጡ። እቲ ዜና ብተወሳኺ እቲ ምዓርግ ምሃብን ጡረታ ምውጻእን ብናይታ ሃገር ወተሃደራዊ ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን መሰረት ገይሩ ዝተተግበረ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ እዋናውነት ናይቲ ስጉምቲ ብእስላማዊ ኣካላት ናይታ ሃገር ከም ዝተነቐፈ ተፈሊጡ። እቲ ነቐፈታ ካብቶም ጡረታ ወጺኦም ዘለዉ፡ መብዝሕትኦም ኣብቲ ኣንጻር ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ዝተኻየደ ናይ ክብሪ ውግእ ዓብይ ግደ ዝጸንሖም እዮም ብዝብል እዩ። እቲ ምትዕርራይ ኣብ ሱዳን ውግእ ካብ ዝጅመር ንኻለኣይ ግዜ ዝተኻየደ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ስጉምቲ ምስ ምኽባርን ዘይምኽባርን ወተሃደራዊ ስነ-ስርዓት ምትእስሳር ከምዘለዎ’ውን ተፈሊጡ።
ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ኣካላት ከኣ፡ ወተሃደራዊ ኩነታት ናይቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ሱዳን ኣብ ምርግጋእን ዳግመ ውደባን ኣትዩ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ ኢለምዎ።
ባህግና Eri-Bahgna Media 12.04.2026 እንተስ ክትድቅስ ጎረቤትካ ይደቅስ፡ ኢሳያስ ምስ ዝኾነ ኤርትራዊ የለን
Written by Eri-Bahgna MediaMedia
إرتريا- التوق -: الطَّمْدُو حيلَةٌ لِإِطَالَةِ أَمَدِ الِاسْتِبْدادِ 10.04.2026
Written by Eritrea Al Touqዓለምና ብኸምዚ ንርእዮ ዘለና ንክትቀራረብ፡ ግደ መዲያ ክሳብ ክንደይ ዕዙዝ ምዃኑ ርኡይ እዩ። መዲያ መሰረታዊ ተልእኮኡ ሓበሬታ ምብጻሕ ኮይኑ፡ እቲ ዝባጻሕ ሓበሬታ መሃሪ፡ መዘናግዕን መለዋወጢ ተመኩሮታትን’ውን እዩ። ህዝብታት ኣብ ሓደ ኩርናዕ ናይ ዝተፈጥረ ኣውንታ ተጠምቲ ንኽኮኑ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ካልእ ኩርናዕ ካብ ዘጋጥም ኣሉታ ንክጥንቀቑ፡ ብጽሒት ናይቲ ብመዲያ ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ወሳኒ እዩ። በዚ መሰረት እዮም ከኣ ናይቲ ዓውዲ ፈላጣት፡ “መዲያ በቲ ሓደ ወገን ዝሕብር፡ ዘስተምህርን ዘዘናግዕን መልእኽቲ ዘስንቕ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣካይዳ መንግስታት ዝቆጻጸር፡ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዝተተኽለ ምቆጻጸሪ ዓንዲ ማእከል እዩ” ዝብልዎ።
ኣብዚ እዋንዚ ብሳላ ቅልጡፍ ዕቤት ዘመናዊ ቴክኖሎጂ፡ ኣብ ዓለምና ክንደይ ዝኣኽላ መዲያታት ከም ዘለዋ ምፍላጥ ኣይከኣልን። እንተኾነ፡ ተለቪዝን፡ ሬድዮ፡ ሕትመት….ወዝተ እናበልካ ዝጽብጸቡ 13 ላዕለዎት ኣገባብ መዲያታት፡ ምስ ዝያዳ ፍርቂ ቢልዮን ዝገማገሙ ተጠቀምቲ ከምዘለዉ ይእመን።
መልእኽቲ መዲያ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝንጸባረቕ ኮይኑ፡ ባህሪኡ ካብ ዝግለጸሉ ሓደ፡ “ክልተ ብልሕታት ዘለዎ” ምዃኑ እዩ። እዚ ማለት በቲ ኣውንታዊ ብልሑ ናይ ምህናጽ፡ በቲ ኣሉታዊ ጐኑ ድማ ናይ ምፍራስ ዓቕሚ ኣለዎ። መድያ ንዘመሓድርን ዘንቀሳቕስን ኣካል፡ መዲያኡ ኣዕናውን ናብ ጌጋ ዝመርሕን ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡ “ፋሕ ዝበለ ርኢቶታት ህዝቢ ማእዝን ዘትሕዝ፡ መስርሕ ዲሞክራሲ ዝተባብዕን ዝተፈላለዩ ሓሳባት ዝዋስእሉ መድረኽ ናይ ምፍጣርን” ዕማም ከም ዝፍጽም ናይ ምግባሩ ሓላፍነት ኣለዎ። ግደ መዲያ ኣብ ፖለቲካ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት ሕብረተሰብ ኣብ ምጽላው’ውን ብጽሒት ኣለዎ።
ከምቲ “ሓንካስ ዘውረዮ ፈረሰኛ ነይመልሶ” ዝበሃል፡ ሓንሳብ ኣብ መዲያ ብግጉይ መንገዲ ዝተነዝሐ ሓበሬታ ምምላሱ ግዜ ዝበልዕን ዋጋ ዘኽፍልን እዩ። ምእንቲ እዚ እዩ ከኣ፡ ኣብ መዲያ ዘይተረጋገጸን ዝንቡዕን ሓበሬታ ካብ ምዝርጋሕ፡ ናብ ሓደ ወገን ዘዳሉ ካብ ምዃንን ካብ ናይቲ ዝተሰለፍካሉ ሞያ ስነ-ምግባር ወጻኢ ከይትኸውን ኣቐዲምካ ምጥንቃቕንን ኣገዳሲ ዝኸውን። እዚ እዩ ከኣ ኣብ ኣተሓሕዛ መዲያታት ዋናኡ ዝምጐስሉ ወይ ዝንቀፍሉ መዕቀኒ ዝኸውን። ኣብዚ መዳይ ጥንቑቕ ዘይምዃን ዘንቅፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከከምቲ ዝዋሰኣሉ ስርዓታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓታትነት ዘስዕብ እውን እዩ።
ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ሓደ መንግስቲ ምሉእ መሳርዕ ንክህልዎ፡ ብሕገመንግስቲ ዝተዋሕሰ ሓጋጊ፡ ፈራድን ፈጻምን ኣካላት ክህልዉዎ ወሳኒ እዩ። መዲያ’ውን ምስዞም ኣካላት መንግስቲ ኣብ ዝስረዓሉ ተረድኦ ኢና እንርከብ። በዚ መሰረት መንግስታት ቀጻልነቶም ካብ ዘውሕስሉ መንገዲ ሓደ መዲያ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ንምውናኑን ምቁጽጻሩን ዝህብዎ ቆላሕታን ዝስልዕሉ በጀትን ቀሊል ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ዘለዉ ድሑራትን ጸበብትን ምምሕዳራት፡ ዝሰማመዖም መዲያ ጥራይ ንክብሕት ዝኣልምዎ ተንኮላት ርኡይ እዩ።
እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ድኽመቶምን ጭካነኦምን ዘቃልዕ ናይ መዲያ ዕድል ንከይህሉ ዝውሰዱ ዘይሰብኣዊ ሱጉምትታት ናይቶም ጭቆንቲ መንግስታት መርኣያ ድሕረት ኮይኑ፡ ኣብ ዝግለጸሉ ዘበን ኢና እንርከብ። ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ካብ ህዝቢ ናይ ምሕባእ ባህሪ ዘለዎም ጨካናት ምምሕዳራት ኣብ 2025 ብደረጃ ዓለም ኣስታት 330 ጋዜጠኛታት ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ይማስኑ ከም ዝነበሩ መዛግብቲ ዝምልከቶም ኣካላት ይሕብሩ።
ኣብ ሓንቲ ሃገር ናይ መዲያ ናጽነት ምህላውን ዘይምህላውን ናይቲ ዝመርሓ መንግስቲ ህዝባውነትን ዲሞክራሲያውነት መምዘኒ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ’ሎ። ምኽንያቱ ኣብዚ እዋንዚ ሓበሬታ ምርካብን ዘይምርካብን ካብ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ናይ ሓደ ህዝቢ ፈሊኻ ዘይርአ ስለ ዝኾነ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ዘይህዝባውን ዘይሰብኣውን ከምዝኾነ ካብ ዝግለጽሎም መምዘንታት ሓደ ብኩራት ብሕታዊ መዲያ ምዃኑ ብብዙሓት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ትካላት ከይተረፈ ክግለጽ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ።
መዲያታት ካብቲ ሓቀኛ መስመር ክወጹ እንከለዉ፡ ውልቀሰባት ጥራይ ዘይኮኑ፡ መንግስታት እውን ኣጋግዮም ኣብ ሓደጋ ናይ ምውዳቕ ተኽእለኦም ሰፊሕ እዩ። ኣብዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ እንተዘይገሃስኩ ዝብለሉ ዘሎ ኣዝዩ ኣሰካፍን ተሃዋስን እዋን፡ ኣፍራሲ ግደ ሓያሎ መንግስታውን ዘይመንግስታውን መዲያታት ኢትዮጵያ ክሳብ ክንደይ ካብ ስነ ምግባር ጋዜጠኝነት ርሒቆም ከም ዘለዉ፡ ዘተዓዛዝብ’ዩ። ከምቲ “ወዮ ዘይገልባስ ደርጓዕ ኣብለለን” ዝበሃል፡ ነቲ ብግጉይ መንገዲ ኣንቂዱ ዘሎ ፈደራል መንግስቲ መሊሶም ዘዕብድዎ ስምዒታውያን ኣመሓደርቲ መዲያታት ኢትዮጵያ ብዙሓት እዮም።
እዞም መዲያታት ብዛዕባ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ሃገርነት ኤርትራ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት፡ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ኤርትራን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ልኡላዊ ቦታን ዝነዝሕዎ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ብክቱር ተደጋጋሚ ድፍኢት ዝተወሰነ ግሩህ ሰማዒ ምርካቦም ድማ ሓደጋ ዝንቡዕ ኣካይዳ መዲያ የርኢ። ሎሚ ኣብ ዝተወሰና መዲያታት ኢትዮጵያ “ሓርበኛን ፈታው ሃገሩን” መሲልካ ንምቕራብ፡ ብጥሪኡ ናይ ሓሶት ታሪኽ ምምሃዝን ኣብ ነበረያ ነበረ ምንባርን ልሙድ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ንኤርትራን ህዝባን ዝምልከት ሓሶት ምንዛሕ ካብቶም ዘይሓላፍነታዊ መዲያታት ኢትዮጵያ ዘኮማስዕዎም ግጉያት ሓረጋት እዮም። ብፍላይ እቶም ብመንግስታዊ ቅኒት ዝተዓሸዉ ኣካላት፡ ጽባሕ ክጥለሙ ከምዝኽእሉ ተገንዚቦም ሕሳቦም ክገብሩ፡ እቶም ብግርህነት ዲዩ ብዘይፍላጥ ህዝቢ ንክናቆት ዝሰርሑ ድማ ናብ ሞያውን ሞራላውን መንገዲ ክምለሱ ነገንዝቦም።
እቲ ፖለቲካዊ ስኽራን ክሳብ ላዕለዎት መንግስታዊ ሓለፍቲ ዝለሓመ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ መባእታዊ ኣፍልጦ ንዘይብሎም ክፍሊ ሕብረተስብ’ውን “ናትና’ዩ” ከም ዝዝብሉ ምድፈኦም ገኒኑ ዘሎ’ዩ። ሓንቲ ኢትዮጵያዊት “ቀይሕ ባሕሪ ኣበይ ይርከብ?” ተባሂላ ምስተሓተት፡ “ኣብ ክልል ኣምሓራ” ኢላ ዝመለሰቶ ንኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እቲ ቀንዲ ተሓታትነት ግና ናይቶም ወሃብቲ ርኢቶ ዘይኮነ፡ ናይቶም መድረኽ ፈጢሮም ኮነ ኢሎም “ሃለው ዘብልዎም” መድያታት ከም ዝኾነ ክዝንግዑ ኣይግበኦን። እዚ ንኢትዮጵያውያን ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ ኤርትራውያን ወነንቲ መዲያ’ውን ካብ ሙያዊ ስነምግባር ዘይወጹ፡ ዘይከፋፍልን ኣብ መንጎ ህዝብታት ጽልኢ ዘይፈጥርን ንውግእ ከም እንኮ መፍትሒ ዘይወስድን ኣገባብ ክኽተሉ ምሕጽንታና እዩ።
ወዲ 78 ዓመት ፕረሲደንት ጅቡቲ ኢስማዒል ዑመር ገለ ን6ይ ግዜ ተወዳዲሩ፡ 98 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ከም ዝሰዓረ ቢቢሲ ሓቢራ። ካለኦት ተቓወምቲ መወዳድርቱ ካብቲ ምርጫ ክስሕቡ እንከለዉ፡ ምስ ዑመር ገለ ዝተወዳደረ መሓመድ ፋራሕ ሰመተር ድማ 2 ካብ ሚእቲ ድምጺ ከም ዝረኸበ እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ዜና ኣፍሊጡ።
ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ዑመር ገለ፡ ኣብዚ ብ10 ማዝያ 2026 ዝተኻየደ ምርጫ ኣይክሳተፍን እዩ ዝብል ትጽቢት’ኳ እንተነበረ፡ ነቲ ካብ ወዲ 75 ዓመት ንላዕሊ ኣብ ምርጫ ኣይወዳደርን ዝብል ዝነበረ ናይታ ሃገር ሕገምንግስታዊ ዓንቀጽ ኣመሓይሹ ከም ዝተወዳደረ ተፈሊጡ።
ዑመር ገለ ኣብ ድሮ ምርጫኡ ወፈራ ዝያዳ ቆላሕታ ሂቡ ዝጐስጐሰሉ ዝነበረ፡ ጐረባብቲ ጅቡትን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዝለዐለ ቅልውላውን ስግኣትን ክህልዋ እንከለዋ፡ ንሱ ግና ንጅቡቲ ብርግኣትን ሰላምን ከመሓድራ ምጽንሑ ዝገልጽ እዩ ነይሩ። ዑመር ገለ ጅቡቲ ብ1977 ካብ ፈረንሳ ናጻ ካብ እትወጽእ ዝመርሓ ዘሎ 2ይ ፕረሲደንት እዩ። ከም ዳሂር ኣሕመድ ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ተቓወምቲ ፖለትከኛታት ናይታ ሃገር ካብ 2016 ጀሚሮም እዮም እቲ ዝስዕር መን ምዃኑ ብምርዳእ ካብቲ ምርጫ ክስሕቡ ጸኒሖም።
እቲ ፕረሲደንት ድሕሪቲ 80 ሚእታዊት ካብቶም ዝተመዝገቡ መረጽቲ ዘድመጽሉ መስርሕ ምርጫ ምዕዋቱ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዓወት ናቱ ጥራይ ዘይኮነ ናይታ ሃገር ምዃኑ ምግላጹ ተጠቒሱ። እቲ ዝተሳዕረ መወዳድርቱ ግና ብዛዕባቲ ኩነታት ዝሃቦ መግለጺ የለን። ናይቲ ምርጫ ውጽኢት ዝገለጸ ናይታ ሃገር ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ክኸውን እንከሎ፡ ቅድሚ ዑመር ገለ ቃለ መሓላ ምፍጻሙ ብቤት ፍርዲ ክጸድቕ ትጽቢት ይግበር።
ጅቡቲ ብዘለዋ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ፡ ናይቲ ብደረጃ ዓለም ጻዕቂ ምንቅስቓስ ካብ ዝረኣየለን ሓንቲ ዝኾነት ወሽመጥ ባብኤልመደብ ቀንዲ መራኸቢት እያ። ርግኣት ጅቡቲ ሳላ ናይተን ኣብኣ ወተሃደራዊ መደበራት ዘለወን ሓያልት ሃገራት ዝተፈጥረ እዩ ዝብል ናይ ምዙሓት ግምት እዩ።
More...
መልእኽቲ ፖሓኤ ናብ መላእ ህዝብና ብምኽንያት በዓል ፋሲካ 2026
Written by ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦ መንበር ፖሓኤንመላእ ምእመናን ክርስትና ብሓፈሻ: ብፍላይ ድማ ንኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንኳዕ ጾመ-ልጋም ፈትሓልኩም። ጸሎትኩምን ጾምኩምን ኣብ ሰማይ ዓሪጉ፣ ገባቲ ስርዓት ወዲቑ፣ ፈልሲ ቅዋማዊ ምሕደራን: ግዝኣተ ሕግን: ዲሞክራስን: ዝጥጥዓሉ ዓመት ክኾነልና ንምነ ። ክዉን ንምግባሩ ድማ አእጃምና ከነበርክት በዚ ኣጋጣሚዚ ንጽውዕ ።
ኣብ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ብሰላም ዝዓርፍ ይግበሮ ።
ሓጎስን ቅሳነትን ራህዋን ሰላምን ዝመልኦ ቅነ-በዓላት ክኾነልና ብልቢ ንምነ።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦ መንበር ፖሓኤ
11 ሚያዝያ 2026
ብቐዳምነት ነቶም ኣብ ጾምን ጸሎትን ጾመ-ኣርበዓ ዝጸንሑ፡ ኣመንቲ ክርስትና ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ንኤርትራውያን ኣመንቲ ክርስትና “እንቋዕ ጾመ-ልጓም ተፈቲሑ ብሰላም ናብቲ ክቡር በዓል ትንሳኤ 2026 ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና”። ትንሳኤ ክርስቶስ ናይ ሰላም፡ ሓጐስን ሕውነትን በዓል ክዀነሎም ዘሎና ልባዊ ትምኒት ከኣ ክንገልጸሎም ንፈቱ።
በዚ ኣጋጣሚ፡ መጻኢ ግዜ ኣብ ዓለምና ከምኡ እውን ኣብ ዞባናን ሃገርናን ዝዝንቢ ዘሎ ስግኣት ውግእን ወረ-ውግእን ተቐንጢጡ፡ ህዝብታት ዓለም ተሓጋጊዞምን ተሓባቢሮምን ሰላም፡ ፍትሕን ቁጠባዊ ዕቤትን ዘሰስንሉ፡ ከምኡ ድማ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዝዕቀበሉ ክኾነልና፡ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ተስፋና ልዑል ምዃኑ ንገልጸልኩም።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
12 ሚያዝያ 2026
ፈደራል ዳኛ ኣሜሪካ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣስታት 5 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ዝነበሮም መሰል ግዝያዊ ናይ ምንባርን ምስራሕን ፈቓዶም ሰሪዙ ናብ ሃገሮም ክስጐጉ ንዘውጸኦ መደብ ዓጊትዎ። ዳኛ ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ብሪያን ሙርፊ፡ ምምሕዳር ኣሚሪካ ዝኸዶ ሕጊ ናይ ምጥሓስ ውሳነ ብምጥቃስ እዩ ነቲ ውሳነ ብ9 ማዝያ 2026 ዓጊትዎ።
ዳኛ ሙርፊ ኣባላት ኮንግረስ ኣሚሪካ ነቲ ጉዳይ ሕጋዊ መልክዕ ኣብ ምትሓዝ ንዝተጻወትዎ ኣውንታዊ ግደ ብምጥቃስ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ግና ኣብ ምኽባር ሕጊ ከምዘይግደስ ሓቢሩ። እቲ ኩነታት ንሕገመንግስቲ ኣሜሪካን ካለኦት መትከላትን እውን ከም ዝጸልው ኣስፊሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ውሳነ መራሒ ኣሜሪካ ንሓላፍነት ቀወምቲ ትካላት ዝትክእ ኣይኮነን ኢሉ። ምምሕዳር ፕረሲደንት ትራምፕ ነቲ ንዜጋታት 13 ሃገራት ዝምልከት መሰል ግዝያዊ መንበሪ ፈቓድን ስራሕን ንምስራዝ ዝኸዶ መንገዲ ከኣ ዘይሓላፍነታዊ ነይሩ ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ንኢትዮጵያውን ዝተዋህበ ግዝያዊ ናይ ምንባርን ምስራሕን ፈቓድ ኣብ ሃገሮም ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ውግኣት፡ ግርጭታትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኣብኡ ንምንባር ዘስገኦም ጸገም ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። እቲ ዳኛ ኣተሓሒዙ ነቲ ኣቐዲሙ ብፕረሲደንት ኣሜሪካ ዝተወስደ ምስራዝ ግዝያዊ ፈቓድ፡ ንኩነታት ናይተን ዜጋታተን ግዳይ ዝኾኑ ሃገራት ኣብ ግምት ዘእተወ ዘይምንባሩ ኣብቲ ውሳነኡ ከም ዝጠቐሰ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ናይቲ ፍርዲ ዝሃበ ኣካል ወሃቢ ቃል ብወገኑ፡ እቲ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነ፡ ንስጉምቲ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ሕጋዊ መልክዕ ናይ ምትሓዝ ኣብነት እዩ ኢልዎ። ኢትዮጵያውያን ነቲ ዕድል ዝረኸቡ መጀመርያ ብ2022 ኮይኑ፡ ኣብ 2024 ድማ ተሓዲሱ።
ደሃይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሰሜን ኣሜሪካ
Written by ክፍሊ ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካሰኑይ 6 ሚያዝያ ሽማግለ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣቐዲሙ ተሓቢሩ ከምዝነበረ ጉባኤ ዞባ ኣብ ወርሒ ጉንበት 2026 ብመራኸቢ ብዙሃን ክካየድ ተወሲኑ ኣሎ። ቀንዲ ዛዕባ ኣኼባ እምበኣር ዕዉት ዞባዊ ጉባኤ ንምስልሳል ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ምድላው ምምዛን እዩ ነይሩ።
መጀመርታ ናይ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ድሒሩ ድማ ናይ ሓጻዪት ሽማግለ ናይ ስራሕ ጸብጻባት ቀሪቡ።
- ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኩሉ ዝድለ ምድላዋት ተካይድ ምህላዋ ድሕሪ ምግላጽ ዘመናዊ ተክኖሎጂ ተጠቒምና እንህቦ ድምጺ ብግቡእ ምእንቲ ክቁጸርን ዝኾነ ይኹን ጽገማት ከምዘይጋጥም ንምርግጋጽን መፈተኒ ድምጺታት ክእከብ ምዃኑ ተሓቢሩ። ኩሉ ዝድለ ሰነዳት ኣብ ምድላው ከምዘላ ድማ ገሊጻ።
- ሓጻዪት ሽማግለ ብወገና ዳርጋ ኩለን ጨናፍር ከምዝሓጸያን ንነፍስወከፍ ሕጹይ ወይ ሕጽይቲ ብደብዳቤ ክትሕብር ምዃና ሓቢራ። ተሪፉዋ ዘሎ ስራሕ ዞባ ክመርሑ ድሉዋት ዝኾኑ ኣጻርያ ናብ ጉባኤ ምቕራብ እዩ።
ምልኪ ይፍረስ! ፍትሒ ይንገስ!
ክንዕወት ኢና!
ክፍሊ ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ
6 ሚያዝያ 2026