ሓርበኛታት ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣንን

ሃገራት ኤውሮጳ ንኣፍሪቃ ከም ስጋ ጉዚ ተማቒለን ተፈጥሮኣዊ ሃብታን ሓይሊ ሳባን ንምምዝማዝ፡ ብ1884 ኣብ ኮንፈረንስ በርሊን ወሲነን።  ድሕሪ’ቲ ውሳነ ኢጣልያ ካብተን ናብ ኣፍሪቃ ዝወረራ 7 ሃገራት ኢውሮጳ ሓንቲ ኮይና፡ ንኤርትራ፡ ሊቢያን ሶማሊላንድን ጐቢጣተን። ነቲ ሩባቲኖ ዝተባህለት ኢጣልያዊት ኩባንያ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ብ1869 መሬት ብምግዛእ ዝጀመረቶ ሰላሕታዊ ጉዕዞ ተኸቲላ ብ1890 ንኤርትራ፡ ምስዚ ሒዛቶ ዘላ እሞ ብዝተፈላለዩ ውዕላት’ውን ክጸንዕ ዝጸንሐ፡ ጀኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኣን ገማግም ቀይሕ ባሕራን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣወጀት። ኣብ ኤርትራ እግሪ ብምትካል ድማ ቁጠባውን ወተሃደራውን ዓቕማ ኣዕበየት።

ኤርትራ ምስ ኣዝዩ ውረድ ደይብ ዝመለኦ ኩለ-መዳያዊ ምረት መግዛእቲ፡ ክሳብ መወዳእታ 2ይ ውግእ ዓለም 1941 ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኢጣልያ ጸኒሓ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ናይተን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኤውሮጳያን ዝጸንሓ ኣስታት 22 ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ነጻ ሃገራት ኮይነን ክቕጽላ  ክውስን እንከሎ፡ ብሓፈሻ ናይተን ኣብ ትሕቲ ኢጣልያ ዝጸንሐ ሊቢያን ሶማሊያላንድን ብፍላይ ከኣ ናይ ኤርትራ መጻኢ ዕድል ኣከራኻሪ ኮይኑ ቀሪበ። እቲ ጉዳይ ናይ መወዳእታ መዕለቢ ክሳብ ዝረክብ፡ ድማ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ’ታ ንኢጣልያ ዝሰዓረት  ብሪጣንያ ብሕድሪ ክትጸንሕ ሕቡራት ሃገራት፡ ወሰነ። በዚ ከኣ ኤርትራ ካብ 1890 ክሳብ 1941 ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ መግዛእቲ ኢጣልያ፡  ክሳብ 1950 ድማ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ብሪጣንያን  ጸንሐት። እቲ መግዛእታዊ ቅርጽን ዶብን ሃገራት ኣፍሪቃ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ እውን ኣብ’ቲ  ካብ 17-21 ሓምለ 1964 ኣብ ካይሮ ዝተኻየደ  ኣኼባኡ ኣጽዲቕዎ’።

ኤርትራ ከምተን ካለኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝጸንሓ ሃገራት፡ ብቐጥታ ነጻ ዘይኮነትሉ ምኽንያት፡ ንጉስ ኢትዮጵያ ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ኣብ ቅድመ-ውራር ኤውሮጳ ናብ ኣፍሪቃ ዝነበረ መስፍናዊ ወራር ከም ምኽንያት ፈጢሩ፡ ኤርትራ “ኣካል ኢትዮጵያ እያ” ዝብል ጥርዓ ብምቕራቡን  ምስቲ እቲ ንጉሰ ምስ ኣሜሪካን ካለኦት ሓያላት ሃገራት ዝነበሮ ዝምድናን ብምምዝማዝ ብዝፈጠሮ ዕንቅፋት እዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት በቲ ሓደ ወገን እቲ ርኡይ ዝነበረ ታሪኻዊ ክውንነት ኤርትራን ናይ ህዝባ “ነጻነተይ ይከበረለይ” ዝብል መርገጽን፡  ናይ ኢትዮጵያ ገባቲ ሕቶን ካብ ዘጋጠሞ ወጥሪ ዘውጽኦ መፍትሒ ንምርካብ፡  ብዙሕ ፈተነታትን ውረድ ደይብን ኣካይዱ፡ እንተኾነ ብሰንኪ ሻራነት  ኤርትራ ነጻ ክትከውን ኣይከኣለት። 

ድሕሪዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ስርዓት ሃይለስላሰ ብምድላው፡ ኣብ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ዘይነበረ፡ ብ2 ታሕሳስ ኣብ 1950፡ 390 (V) ብዝፍለጥ ውሳነ፡ “ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፈደረሽን ክቑረናን ድሕሪ 10 ዓመታት ድማ ኣብ ኤርትራ ረፈረንዱም ክካየድ” ኣፍለጠ። መስርሕ ፈደረሽን ቅድሚ ምትግባሩ፡ ኤርትራ ናታ ቅዋምን ዝተመርጸ መንግስትን ክህልዋ ስለ ዝነበሮ፡ ብ11 መስከረም 1952፡ 99 ዓንቀጻት ዝነበሮ ሕገመንግስቲ ኤርትራ ተዳለወ። እቲ ብ10 ሓምለ 1952 ዝተመርጸ 68 ዝኣባላቱ ባይቶ ኤርትራ ከኣ፡ ነቲ ዝተዳለወ ሕገመንግስቲ ብ11 ነሃሰ 1952 ኣጽዲቕዎ።

ድሕሪኡ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብ15 መስከረም 1952 ብወግዒ ክትግበር ጀሚሩ። በቲ ቅዋም መሰረት ፓርላማ ኤርትራ ኣብቲ ወርሒ ንኣቶ ተድላ ባይሩ ከም ቀዳማይ ፈጻሚ ጉዳይ ኤርትራ ክመርጽ እንከሎ፡ ንጉስ ሃይለስላሴ  ብወገኑ ነቲ ፈደረሽን ከም ዝተቐበሎ ብምጥቃስ፡  ብ30 መስከረም 1952 ኣብ ኤርትራ ዝፍጠር ፍርዳዊ መስርሕ ናይ መወዳእታ ብይን ዝረክብ ኣብ ፈደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ዝሕብር   ኣዋጅ ኣውጺኡ። 

ባይቶ ኤርትራ ብወገኑ ነዚ ናይ ሃይለስላሴ ኣብ ፍርዳዊ መስርሕ ኤርትራ ኢድ ምእታዉ ንዘመልክት ኣዋጅ ብምቅዋም፡ ብ22 ጉንበት 1954 መግለጺ ኣውጺኡ። ስርዓት ሃይለስላሴ ንስምምዕ ፈደረሽን ናይ ምጥሓስ ተግባሩ ንምቕጻል፡ ውዲታት ብምእላም፡ ኣቶ ተድላ ባይሩ ካብ ስልጣኑ ናይ ምስንባት ሕቶ ንከቕርብ  ብምግዳድ ኣብ ወርሒ ሓምለ 1955 ካብ ሓላፍነቱ ከም ዝለቅቕ ገይሩ። ኣብቲ ዓመት ኣብ ወርሒ ነሃሰ ከኣ ቢትወደድ ኣስፈሃ ወልደሚካኤል ብኢድ ኣእታውነት እቲ ንጉሰ፡ ንኣቶ ተድላ ባይሩ ተከኦ። እዚ ኢድ ኣእታውነት ናይ’ቲ ንጉስ፡  እቲ ፈደረሽን ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ዘግሃደ ኮነ። ሳዕቤን ናይቲ ጥሕሰት ሓደገኛ ምዃኑ ብምርዳእ ዝተቓወምዎ ናይ ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣክሊሉ ሃብተወልድ ዝኣመሰሉ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ምንባሮም’ውን ታሪኽ ይምስክር።   

ጐኒ ንጐኒ ናይቲ ጥሕሰት፡ ንጉሳዊ ስርዓት ሃይለስላሰ ንኤርትራ መሊኡ ናብ ምጉባጥ ይመጣጠር ከም ዝነበረ ዝተረድኡ ኤርትራውያን ንቀጻሊ ቃልሲ ምድላው ጀመሩ።  ምምስራት “ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ” ብ1958 ኣብ ፖርት ሱዳን፡  ናይዚ ሓደ መርኣያ ነይሩ። በዓል ኣቶ ወልደኣብ ው/ማርያምን ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ክሳብ ኣብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ቀሪቦም ብስም ህዝቢ ኤርትራ ዘቕረብዎ  ስምዕታ’ውን ታሪኽ ዝመዝገቦ ዲፕሎማሲያዊ ተጋድሎ እዩ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ቅድሚ ብ1961 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ምብሳራ፡ ብ1960 ኣብ ካይሮ ምምስራታ’ውን ተወሳኺ መርእያ ህዝቢ ኤርትራ ፈደረሽን ከምዘይቅጽል ተረዲኡ፡ ካልእ ምርጫ ክወስድ ምውሳኑ ዘመልክት ኮነ።

ፈደረሽን ን10 ዓመታት ድሕሪ ምጽንሑ፡  ረፈረንዱም ከይካየድ’ሞ ህዝቢ ኤርትራ ነጻነቱ ከይእውጅ፡ ክሰግእ ዝጸንሐ ንጉሳዊ ቤት ምኽሪ  ሃይለስላሰ፡  ብ14 ሕዳር 1962 ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ክትከውን ወሰነ እሞ፡ ድሕሪ ሳልስቲ ከኣ ንኤርትራ መበል 14 ጠቕላይ  ግዝኣቱ ክትከውን ከም ዝጓዕጸጻ ብወግዒ ኣወጀ። በዚ ከኣ ኤርትራን ህዝባን ብመንገዲ ፈደረሽን ክረኺብዎ ጀሚሮም ዝነበሩ መሰላት ምሉእ ብምሉእ ተጠልመ። እዚ ጥለምት ንውሳነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ዝምልከት ክነሱ፡ ።  እቲ ባይቶ ንውሳነኡ’ውን ኣይተኸላኸለን።    

ህዝቢ ኤርትራ በዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ዝተሓላለኸ መስርሕ፡ ዝተጠልመ ኤርትራዊ ሃገርነቱ ብቃልሲ ካብ ምምላስ ካልእ ምርጫ ስለ ዘይነበሮ፡ ካብ 1961 ክሳብ 1991  ብዘካየዶ ቃልሲ ክቡር ዋጋ ከፊሉ  መግዛእቲ ብምስዓር ተዓዊቱ። ብ1993 ድማ ኣብ ህላወ ኣህጉራዊ ተዓዘብቲ ብዘካየዶ ረፈረንዱም፡ ኤርትራ ዝተጠልመ ነጻነታ ኣምሊሳ፡ ልኡላዊት ሃገር ኮይና ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት  ተመዝጊባ።

ስለዚ እቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ፡ ታሪኻዊ መስርሕ ቃልስን ዓወትን ህዝባ ብምዝንጋዕ፡ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝተገንጸለት ገይሮም ዝወስድዋ፡ ተረድኦኦም ግጉይን መሰረት ዝሰሓተን እዩ። ሕሉፍ ሓሊፎም ኤርትራ ብመሰረት’ቲ ብ1995 ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ፡  ብዓንቀጽ 39 ዝተፈልየት፡ ከምኡ እውን ብጽቡቕ ድሌት ኢህወደግን መራሕቱን ልኡላዊት ሃገር ከም ዝኾነት ኣምሲሎም ከረድኡ ዝፍትኑ፡ ነቲ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልሲ ኤርትራውያ፡ “ግጉይ ውሳነ ምእራም” ብዝብል ስምዒት ንድሕሪት ክመልስዎ ዝሕልኑ ምህላዎምን ከኣ ዘደንጹ እዩ። እቲ ዝያዳ ዘስደምም ከኣ ኣመጻጽኣ ኤርትራዊ ሃገርነትን ልኡላውነትን  ቀሊልን ስንኩፍን ኣምሲሎም የቕርብዎ’ሞ፡  ንድሕሪት  ምምላሱ’ውን ቀሊል  ገይሮም ዝርድእዎ ወገናት ምህላዎም እዩ። ነዚኣቶም ኢና ከኣ “ኣይፋልኩምን መንገድኹም ግጉይ’ዩ”   እንብሎም ዘለና።

ኣኼባ ኣባላት ፖሓኤ ኣብ ኣወስትራሊያን ኒውዝላንድን ብ27 ሓምለ 2025 ተኻይዱ። ነቲ  ብኣላይነት ሓብቲ ኣድያም ተፈራ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ፖሓኤ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝወደበ፡ ጥምረት ኣብያተ- ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ እዩ።  ኣብዚ ኣኼባ፡ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ፖሓኤ ዘካየዶም ስረሓትን  ኣሰናዳዊት ሽማግለ ናይቲ ካብ ዕለት 01 ክሳብ 03 ነሓሰ 2025 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025ን ዝተበጽሔ ምቅርራብን ዝምልከት መበገሲ ሓሳብ ቀሪቡ ብተሳተፍቲ ሰፊሕ ምይይጥ ተኻይድሉ።

ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ውደባዊ ጉዳያትን ፖሓኤ ኣብቲ ናይ 27 ሓምለ 2025 ኣኼባ ኣብ ዘቕረቦ መበገሲ ሓሳብ፡ ኣገዳስነት ሕድሕድ ኣባላት ምትእምማን ምፍጣርን ኣባልነት ንምስፋሕን ዝካየድ ጻዕርን ጠቒሱ። እቲ ኣወዳድባ ብደረጃ ኣወስትራሊያን ኒውዘላንድን  እውን ይካየድ ከም ዘሎ ኣብሪሁ።

ሓው ተስፋይ ደጊጋ፡ ኣብቲ መብርሂኡ፡ ዕላማታት ቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጉዳያት ብዝርዝር ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ፡ ብዛዕባ ኣገዳሲ ንጥፈታት ኣባላት ፖሓኤ ኣብ ኣወስትራሊያን ኒውዘላንድን ኣብሪሁ።  ኣብ መጻኢ በቲ ቤት ጽሕፈት ውደባ ንክዕመሙ ከም  መደብ ተታሒዞም ካብ ዘለዉ ከኣ፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ዝዕመም ኣውንታ ናብተን ካለኦት ከም ኣብነት ምትእትታውን ዞባታት ብጋድሚዊ ርክብ ከም ዝተሓጋገዛ ምግባር፡  ዓቕሚ ንምፍጣር ዝሕግዙ ኣኼባታትን ሰሚናራትን ምስላጥ፡ ኣብ ከባቢአን ምስ ዝርከቡ ኣካላት ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝምድና ምፍጣርን ዝኣመሰሉን ምዃኖም ኣብቲ መብርሂኡ ኣስፊሩ። ብዓብይኡ ድማ ንዕዉት መጻኢ ጉባአ ፖሓኤ ምድላው ከም ዘድሊ ኣመልኪቱ።

ብኻልእ ወገን ድማ ብጻይ ጸሃየ ቀለታ ኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይቲ ካብ 1 ክሳብ 3 ነሓሰ 2025 ዝካየድ  ፈስቲቫል ኤርትራውያን ፍራንክፈርት ብወገኑ፡  ንተሳተፍቲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣድላይ ዘበለ ምድላዋት ከም ዝተጻፈፈ ሓቢሩ ኤርትራውያን ግዱሳት ንክሳትርፍዎ  መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ኣተሓሒዙ ድማ ንዓወት እቲ ፈስቲቫል ኩሉ መዳያዊ ሓገዝ ንዝገበሩ ወገናት ኣመስጊኑ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ብወገኖም፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ክልቲኡ ዛዕባታት፡ ብፍላይ ከኣ ህልዊ ምዕባለ ኣብ ምፍጣር ናይ ሓባር ጽላል ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብ፡ ንመጻኢ ፈስቲቫላት ንምዕዋት ትኹርት ክግበረሉ ኣለዎ ዝብልዎ ሕቶታት ኣቕሪቦም በብዝምልከቶም ኣካላት መብርሂ ተዋሂቡ። ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ክዕመሙ ዝብልዎም ሃነጽቲ ለበዋታትን መተሓሳስባታትን ኣቕሪቦም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ኣብ መጻኢ’ውን ንክቕጽል ተላብዮም።

ኣብ መጠረስታ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ነቲ ኣብ ቅርዓት ፍጻመ ዘሎ ፈስቲቫል 2025 መሊኡ ንኽዕወት ብዘለዎ ሓልዮትን መርኣያ ተሳትፍኦምን፡ ብወገኖም እውን ሓያል ናይ ገንዘብ ወፍያታት ኣበርኪቶም ኣኼባ ብትስፉው መንፈስን ናይ ቃልሲ ኒሕን  ተደምዲሙ።

ኣብ 19 ሓምለ 2025 እውን ምስ ካብ ኣወስትራሊያን ኒውዘላንድ ወጻኢ ዘለዉ ዞባታት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ተመሳሳሊ ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ዝዝከር እዩ።

“ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዘሎ ወጥሪ  ንምውጻእን ንዝሓሸ መጻኢን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሰፊሕ ጽሑፍ “ሆርን (HORN)” ኣብ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ብ25 ሓምለ 2025 ተዘርጊሑ’ሎ። እቲ ጽሑፍ ብስም ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ መራሒ ኮሚተ ዲፕሎማሲ ዝወጸ ኮይኑ፡ ምስ ስፍሓትን ዕምቆትን ናይቲ ጽሑፍ ነብሱ ዝኸኣለ ትካል እምበር፡ ብውልቀሰብ ዝተዳለወ ኣይመስልን።

እቲ ጽሑፍ ንኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ፈረንሳን ጀርመንን ሓደ እዋን ኣብ መንጎአን ተፈጢሩ ዝነበረ ጸገም ዝፈተሓሉ ኣገባብ የመሳስሎ። ብዘይካዚ እቲ ጽሑፍ ኤርትራን ገማግም ባሕርን ካብ ግዝኣት ቱርኪ ጀሚሩ ክሳብ ምምጻእ ኢጣልያ ዝሓለፎ  ብምዝርዛር ይጅምር።

ካብዚ ሓሊፉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ምብቃዕ 2ይ ውግእ ዓለም ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምፍታሕ ነዊሕ ጉዕዞ ተጓዒዙ ኣብ ፈደረሽን ከም ዝወደቐ ይጠቅስ። እንተኾነ ናይ ሽዑ ናይ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ሕገመንግስትን ምስቲ ንጉሳዊ ኣመራርሓ ኢትዮጵያ ዘይሰማማዕ ምንባሩ’ውን ይሕብር።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ቃልሲ ሰውራ ኤርትራን ትግራይን ማዕረመዕረ ሰሪዑ እናገለጸ ክሳብ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ይበጽሕ እሞ ጠንቂ ናይቲ ውግእ ከምቲ ዝበሃሎ ዝነበረ ናይ ባድመ ወይ ዶብ ዘይኮነ፡ ኣብ መንጎ ህግሓኤን ህወሓትን ዝነበረ ናይ መን ዓብለለ ውድድር ገይሩ ይገልጾ። ብሰንኪ ናይ ኤርትራ ነጻነት ኢትዮጵያውያን ናይ ምዝኽታም ስምዒት ከም ዝሓደሮም ድማ የስፍር። ነቲ ውግእ ኣለዓዒሎም ካብ ዝብሎም ከኣ ነቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ተካይዶ ዝነበረት ቁጠባዊ ምዝመዛ ንምግታእ በቲ ሓደ ወገን ሓድሽ ባጤራ ኢትዮጵያ ምትእትታው በቲ ካልእ ወገ ከኣ ኣብ ትግራይ ናይ ቀረጽን ግብርን ስርዓት ምሕያል ኢሉ ይጠቕሶ። እቲ ውግእ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ንልዕሊ 18 ዓመታት ኩነተ-ኣይሰካም ኣይውግእ ከም ዘኸተለ ድማ ይዝርዝር።

እቲ ነዊሕ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጥረ ሓድሽ ዝምድና፡ ብዛዕባ ውግእ ትግራይን ውዕል ፕሪቶርያን ምስ ተንተነ፡ ነዚ ተኸቲሉ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ንምፍታሕ ኣብ መዳያት ቁጠባ፡ ፖለቲካ፡ ጸጥታን ምክልኻልን ከምኡ ድማ ቱሪዝምን ባህልን ምውህሃድ ክፍጠር ኣለዎ ይብል እሞ ብዛዕባ ነፍሲ እዞም 4ተ ሰክተራት ከኣ ሰፊሕ ትንተና የቕርብ። ብፍላይ ንወደ ዓሰብ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዘስፈሮ፡ ናይ ሓባር ላዕለዋይ ኣካል ይቐውም ይብል እሞ ኢትዮጵያ ነቲ ወደብ ናይ ምምዕባልን ናይ ምምሕዳርን መሰል ይህልዋ ዝብል ሓሳብ የስፍር። ነዚ ንምትግባር ከኣ ግደ ዓለምለኻዊ ትካላትን ኣካላትን ዕዙዝ ምዃኑ ይጠቅስ።

ኣብቲ ጽሑፍ ርኢቶ ዝሃቡ ኣካላት፡ ክትግበ ኣብ ዘሎ ተኽእሎ ስግኣቶም ይገልጹ። እዚ ጽሑፍዚ ኣብ መጎ ኢልቲኦም ወገናት ናይ ምዝታይ ዕድል እንተተረኺቡ ብወገን ኢትዮጵያ ናይ ዝቐርብ እማመ መበገሲ ከም ዘመልክት እውን ይግምቱ።

Saturday, 26 July 2025 20:02

Dimtsi Harnnet Sweden 26.07.2025

Written by
Thursday, 24 July 2025 23:21

Dimtsi Harnnet Kassel 24.07.2025

Written by
Page 1 of 609