Radio Demtsi Harnnet Dec. 19, 2015
Written by Radio Demtsi harnnet SweedenMerry Christmas and a Happy New Year
Written by EPDP Information Office“ጽላል” ዝብል ቃል ኣብ ሕብረተሰብና ዓይብይ ትርጉም ዝወሃቦ እዩ። ዓብይ ትርጉም ዝወሃበሉ ምኽያት በቲ ፊትንፊት ካብኡ እንረኽቦ ካብ ሃሩር ጸሃይ፡ ዝናብን ቁርን ምክልኻል ጥራይ ዘይኮነ፡ ጽላል ማለት እንተላይ ዋሕስ፡ ክብርን ክብደትን ዝህበካ ኣካል ማለት እውን ስለ ዝኾነ እዩ። ጽላል ከምዚ ዝተባህለ ተፈጥሮኣዊ ዋዒ፡ ቁርን ዝናብን ዘይምቹእነት እትከላኸለሉ ዋልታ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ትሕቲኡ ኣጽሊልካ ብዛዕባ ንኩልኻ ዝርብሕ ነገር ከቢብካን ነቢብካን ዘቲኻ ናይ እትውስነሉ ባይቶ መግለጺ ስለ ዝኾነ እውን እዩ። ባይቶን ጽላልን ፈላሊኻ ዝረኣዩ ኣይኮኑን። ብባህላዊ ልምድና፡ ኣቲ ጽላል ከከም ናይ ከባቢኡ ክሊማ፡ ናይ ዳዕሮ፡ ሳግላ፡ ሽባኻ፡ ዓርኮብኮባይ ወይ ኣውሒ ይኸውን። ። ካልእ ናይ ጽላል መግለጺ ንብዙሓት ዘጽልል ለጋስ ምዃኑ እዩ። እዞም ኣብ ትሕቲ ጽላል ዘጽልሉ ተፈጥሮኣዊ ዘይምቹእነት ንምክልኻል ኮነ ካልእ ናይ ሓባር ዕማም ክዓሙ እንከለዉ፡ እቲ ጽላል’ኳ ናይ ሓባሮም እንተኾነ ዝፈላልይዎም ብዙሓት ነጥብታት ክህልዉዎም ይኽእሉ እዮም። ካብታ ጽላል ዝረኽብዎ ረብሓ ግና ናይ ሓባሮም እዩ።
እቲ ጽላል ሓደ እዩ። እቶም ካብቲ ጸጋኡ ንምዕንጋል ዘጽልሉ ግና ብዙሓት እዮም። ከምቲ ብዝሖም ድማ ኣብቲ ጽላል፡ ሓደ ነቲ ሓደ ዘየጓንየሉ ዘዝኽእልዎ ዘበርክትሉ ናይ ሓባሮም ኣዳራሽ እዩ። ኣብዚ ፍልልያትካ ዓቂብካ ብሓባርል እተጽልለሉ ጽላ ኣጽሊልካ ሓቀኛ ለውጠሊ ንክትረክብ ምስቶም ምሳኻ ዘጽልሉ ዘሰማመዓካን ዝጠምረካን ናይ ሓባር መሰማምዒ ነጥብታት ክህልወካ ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሓደን ዘጽልለሉ ካልእ ንፋስ ዝውቀዓሉ ኣይከውንን እዩ። ኣብዚ ጽላል ክሳብቲ ናይ ሓባር ዕማምካ እተስልጥ ብሓባር ምእንቲ ክትነብር ካብ ስሰዐን ሸፈጥን ነጻ ኮይንካ ካልኦት ፍልጦ ክህቡኻ ጥራይ ዘይኮነ ንስኻ’ውን ኣፍልጦን ክብርን ክትህቦም ቅሩብ ክትከውን የድሊ። እዚ ጽላል ጠማርን መእከቢ ዝተበተነ ናይ ሓባር ዓቕምን ስለ ዝኾነ ብኽንድኡ ደረጃ ክብደትን ቀዳምነትን ሂብካ ክስረሓሉ ይግባእ። ናይ ኩልኻ ጻዕሪ፡ ቅሩብነት፡ ሕድገትን ጹረትን ተዘይተወሲኽዎ ግና ብናይ ውሱናት ኣበርክቶን ድሌትን ጥራይ ዝዕወት ኣይኮነን። ካብዚ ወጻኢ ኣብ ውሽጥኻ ዘይቅዱስ ናይ “ንበይነይ ወይ ንጉጅለይ ጥራይ” ጸቢብነት ሓቢእካ ብምቁር ቃላት ጥራይ ዘጽልል ጽላል ምፍጣር ኣዕዋቲ ኣይኮነን። ጽላል ቅኑዕ መንገዲ ዓወት ዘትሕዝ መሳርሒ እምበር ንገዛእ ርእሱ ዓወት ከምዘይኮነ ከኣ ኣይንዘንግዕ።
ኣብ ደንበ ተቓውሞና ብዛዕባ ኣገዳስነት ምፍጣር ናይ ሓባር ጽላል ናይ ክልሰ-ሓሳባዊ ተረድኦ ጸገም ዘሎ ኣይመስለናን። እቲ ጸገም ነቲ ትደልዮን እትብህጎን ኣብ ግብሪ ኣውዒልካ ናብ ፈረ ናይ ምብጽሑ ተወፋይነት እዩ። እዚ ድማ ኣብ ምፍጣር ጽላል ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ብዙሓት ኣገደስቲ ዛዕባታት ዘይሰዓርናዮ ጸገም እዩ። ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና ከም እንመሃሮ፡ ኣብዚ ሓቢርካ ናይ ምስጓም መድረኽ ንሰዓረሉ ዘለና ምኽንያታት ኩልና እንፈልጦ እዩ። እቲ ዘተሓሳስብ ድማ ነቲ እንፈልጦን መድሃኒቱ ኣብ ኢድና ዘሎን ሕማም ክንፍውስ ዘይምኽኣልና እዩ። ናይዚ ጠንቂ ድማ “ናተይ ሓሳብ ጥራይ እዩ ብሉጽ ምባል፡ ኣብ ዝሓለፈ ቂም ምኹዳድ፡ ካብ ጸቢብ ግላዊ ወይ ጉጅላዊ ኣምነት ዘይምልቓቕ፡ ንናይ ዘይትገድፎምን ዘይገድፉኻን መፋርቕትኻ ኣውንታዊ ኣበርክቶ ርትዓዊ ኣፍልጦ ዘይምሃብ፡ ኣብ ክንዲ ናብ ብሩህ መጻኢ ምምዕዳው ሕሉፍ ኣሉታዊ ስንብራት ክትቆማምል ምምራጽ፡ ኣብ ገዛእ ጉዳይካ ኣእዳውካ ዓጺፍካ ኣእዳው ካለኦት ምምዕዳው፡ ንጉዳይ ህዝቢ ክንድቲ ትምድረሉ ዋጋ ክትከፍለሉ ቅሩብ ዘይምዃን፡ ንኤርትራዊ ክውንነት እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይፍላጥ ኣብ ኩሉ ኩነታትካ ኣብ ግምት ዘይምእታው … ወዘተ” ካብቶም ብዙሓት ሒደት እዮም።
እቲ ዓብይ ፖለቲካዊ ዕላማ ናይ ኩልኻ ስለ ዝኾነ፡ በይንኻ ከተዕውቶ ከምዘይትኽእል ተገንዚብካ ናይ ሓባር ጽላል ናይ ምፍጣር ጻዕርና፡ ማዕረ ፖለቲካዊ ቃልስና ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ እዩ። ካብቲ ዝተፈተነ ሃቐነታት ኣየንኡ ተዓዊቱ ኣየንኡኸ ኣይተዓወትን ክንጽብጽብ እንከለና እቲ ዘይተዓወትናሉ ሃቐነታት’ዩ ዝበዝሐ። ናይ ርሑቕ ገዲፍና ናይ ዝሓለፈ 20 ዓመት ተመኩሮታት ንጸብጽብ እንተበልና’ኳ፡ ፈተነታት፡ ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ከም ኣብነት ምውሳድ ይከኣል። ኣብዞም ኩሎም ፈተነታት ከነድምዕ ዘይምኽእልና ከኣ ቀንዲ መምዘኒ ድኽመትና እዩ። ኣብ ምፍጣር እዚ ጽላል ምዕዋትናን ዘይምዕዋትና ንኹሉ እቲ እንሓልሞ ናይ ርሑቕን ቀረባን ዕላማና ዝጸልዎ እዩ። ጽላል ክንፈጥር እንተኽኢልና ነቲ ቀጻሊ ዕላማና ኣብ ምዕዋት ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። ኣብዚ ዘይምዕዋትና ድማ ንኹሉ ባህግና ንድሕሪት ዝመልስ ውይ ኣብ ዘለዎ ንከኹድድ ዘገድድ እዩ። ሎሚ ነዚ ኣበሃህላ’ዚ ዘነጽሩ ኣብነታት፡ ካብ ዒራቕ ክሳብ ሊቢያ ብዙሓት እዮም። እቲ ኣዝዩ ዘተዓዛዝብ ድማ ከምቲ “ገ ክብሉኻዶ ትጋገ” ዝበሃል ነዚ ኣብ ጥቓና ንርእዮ ዘለና ሓደጋታት ናይ ኣቐዲምካ ሓባራዊ ጽላል ክትፈጥር ዘይምኽኣል ክሳብ ክንደይ ከም ዝሃሲ ክንመሃረሉ ዘይምኽኣልና እዩ። ወዮ “መለአበምን ኣይግበርካ፡ መለበምንከ ኣይኽላእካ” ዝበሃል ለባም ኣበሃህላና’ውን ዝተሰወጠና ኣይንመስልን።
ምምስራት እዚ ንዛረበሉ ዘለና ጽላል፡ ኣገዳሲ ጥራይ ዘይኮነ ከቢድ እውን እዩ። ኣገዳስነቱ ኮነ ክብደቱ ከኣ ካብ ተመኩሮና እንግንዘቦ እምበር ርሑቕ ኬድና ንመራመረሉ ኣይኮነን። ብዘይካዚ ኣብቲ መስርሕ ካብ ሓደ ደረጃ ናብቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ ኣንዳተሰጋገርካ ብምጡንን ቀጻልን ስጉምትታን ብናይ ኩሎም ሰብ ዋኒን ኣስተዋጸኦን ዝብጻሕ እምበር፡ ብጻዕሪ ውሱናት ብዝላን ኣቋራጭን ዝብጻሕ ኣይኮነን። እቲ ተበግሶ ካብ ውሱን ኩርናዕ ነቒሉ መስርሑ ሓልዩ ከም ሮማዲ ዘስፋሕፍሕ ኣምበር ሎሚ ተዘሪኡ ጽባሕ ፍረኡ ዝሕፈስ ኣይኮነን። ከምቲ ዝተባህለ ዝሓለፉ ጽላል ናይ ምፍጣር ጻዕርታትና ኣብቲ ንደልዮ ዓወት ኣይበጸሓን። እንተኾነ ካብ ሕጂ ንድሕሪት ኣብ እንገብሮ ጉዕዞ ዝጠቅም ዋላ ሓንቲ ቁምነገር ኣይተረኽቦን ኢልካ ዝድምደም ኣይኮነን። ካልእስ ይትረፍ ሕጽረትና እንታይ ከም ዝነበረ ንምግንዛብ። ምኽንያቱ ንናይ ጽባሕ ዓወትና ናይ ትማልን ሎምን ድኽመትና መምህርና ስለ ዝኾነ። ግን ከኣ ክንመሃረሉኸ ቅሩባት ዲና? ዝብል ድማ ኣሎ። እንተ ተማሂርናሉ ግና መጻኢ ርህው ኣብ ምግባር ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ።
እነሆ ሎሚ እውን ካልእ ኣቋራጭ መዋጸኦ ስለ ዘየብልና ጽላል ሃሰስ ናይ ምባል ጻዕርና ክሳብ ንዕወተሉ ቀጻሊ’ዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ፍራንክፈርትን ናይሮብን ጉዳይና፡ ጉዳይ ኤርትራ ዝዝቲ ርክባት ተገይሩ። ብዛዕባ ቦታ፡ ግዜ፡ ኣዳለውቲ፡ ተሳተፍትን ኣጀንዳን ናይቲ ርክባት ብፍላይ ኣብቶም ዘይተሳተፉ ኣካላት ስኽፍታ ተተራእየ፡ ንቡር እምበር ዘሰንብድ ኣይመኾነን። እቲ ዘሰክፍ ነዚ ተረኽቦ ኣብ ክንዲ ከም ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ኣብ ምምስራት ኩልኻ እንተጽልለሉ ጽላል ወሲድካ “ኣጆኹም ኣጆና” ምብህሃል፡ ንድሕሪት ምእንቲ ክትመልሶ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብኡ ዝወዓሉን ዝወደቡን ብውልቅን ብጉጅለን፡ ሕሉፍ ቁስሊ እንዳ ጐዳዳእካን ኢንታታት እንዳናደኻን ፋስን ምሳርን ስሒልካ “ቱታ ኣይትሓዙኒ” ምባል ግና፡ ምስ ኩሉ ነቶም ኣብ ከምዚ ዘይሓጋዚ ወፍሪ ተጸሚዶም ዘለዉ ኣካላት ዘለና ኣኽብሮት፡ “ምናልባት ንገለ ብግሎም ዘይፈትውዎም ኣካላት ይኹኑ ጉጅለታት ብምጥቃዕ ይፈኹሶም ይኸውን፡ እንተ ብመንጽር ምድሓን ህዝብን ሃገርን ግና ኣካይዳኦም ሓጋዚ ኣይኮነን’ሞ ናብ ውነኹም ተመሊስኩም ሕሰቡ ንብሎም።” ኮታ “ተገራሪህና ዓዲ ነድሕን፡ እምበር ተጐራሪሕና ዓዲ ኣይነጥፍእ” ዝበሃል ለባም ዘረባ ወለድና ናብዚ ናይ ሎሚ ኩነታትና ኣምጺእና ንመምዮ፡ ምእንቲ ”ኩልና እነጽልለሉ ጽላል” ክንፈጥር ክንበቅዕ ንብሎም።
24 ታሕሳስ 2015
ብዛዕባ ጉዳይ ሓድነት ደምበ ተቓውሞ ንምምክኻርን ናይ ሓባር መረዳእታ ክህሉዎም ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ወርሒ ኣብ ጀርመንን ከንያን ርክባት ፖለቲካውያን ውድባትን ገለ በርገሳውያን ማሕበራትን ምክያዱ ይዝከር ። ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ነዞም ዝተገብሩ ኮንፈረንሳት ከሞጉሱ እንከዉ ፣ ካልኦት ከኣ ከምዘይተሓጎሱ ብልዙብ ቓላት ኣብ ክንዲ ምግላጽ ፣ ናይ ዓመታት ቆጺሮሞ ዝጸንሑ መርትዖ ዘይብሉ ሃበስ ቀደስ ፣ ንሓዲሽ ፕሮፓጋንዳ ኣንጻር ገዳይም ተገደልትን እቲ ኮንፈረንስ ክጥቀሙሉ ቀኒዮም ። ። እንተኮነ እቲ ኣገዳሲ እዞም ብሕጂ ዝካየዱ ኮንፈረንሳት ካብቶም ዝሓለፉ ኮንፈረንሳት ብዘይ ታሕዋኽ ኩሉ ዘድሊ ቅድመ ኹነት ተማሊኡ ብዓወት ክዛዘም ምግባር ናይቶም ኣዳለውቲ ቀዳማይ ዕማም እዩ ። ለውጢ ናይ ኣታሕሳስባ እምበር ፣ ለውጢ ናይ ቦታ ፍልልይ ዘምጽእ ኣይኮነን።
ዝኸበርኹም ተኸታተልቲ መርበብ ሓርነት ፣ ዝኮነ ዘይምርድዳእ ክፍጠር እንከሎ ፣ ኹናት ዘይኮነ ዘተን ሽምግልናን ገርኻ ምፍትሑ መኽሰብ እምበር ክሳራ የብሉን ። መድረኽ ሓቀኛ መንጞኛ ክኸውን እንተ መሪጹ ይርሓሰና ! እንተኾነ መድረኽ ኣብዚ ሕጂ ዝገብሩዎ ዘለዉ ናይ ኤርትራውያን ውድባት ምቅርራብ ክዕወት እንተኾይኑ ሻርነት ክርእዩ የብሎምን ። እዚ ማለት ንሓደ ውድብ ካብቲ ኻልእ የሻርዉ ማለት ጥራሕ ዘይኮነ ንገዛእ ርእሶም ኣካል ናይተን መላግቦ/ቀለቤት ክንኣስረለን ዝበሉውን ውድባት ክኾኑ የብሎምን ።
ኣቓራራቢ (Facilitator )ክብሃል እንከሎ ሓደ ኪኢላ (Expert)ኾይኑ ፣ ንመስሪሕ ናይ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ግርጪት ኣብ ውሽጢ ትካላትን ጉጂለታትን ዝምጭዉ ንምፍታሕ ዝነጥፍ ኣካል እዩ ፣ ዋንነት ናይቲ ጉዳይ ከይወሰደ ፣ እቶም ተሳተፍቲ ብሓባር ተዛቲዮም ብሉጽን ሓናጽን ዝኮነ ውሳኔ ክበጽሑ ይገበር ብኻልእ ኣዛራርባ ሓላፍነት ወይ ስልጣን ናይቲ ዛዕባ (Content) ከይወሰደ ፣ ነቶም ሰብ ጉዳይ ሓላፍነት ተቀቢሎም እቲ መሪሕ ተራ ክህሉዎም ይገበር ።ስለዚ መደረክ ነዚ መደብ ዕዩ እዚ ከሰላስል ካብ ተበገሰ ኣሳልጦ ክረክብ እንተ ኾይኑ፣ብቀዳምነት ንኩሎም ፖለቲካውያን ውድባት ብማዕረ ክዕደሙ ኣለዎም ። ኣይተዓደምናን ኣዋሲኖምና ዝብሃል ከይህሉ ። ካልኣይ ፣ መደረኽ ኣብ ሽማግለ Adhock ብማዕረ ምስተን ውድባት ክስራዕ የብሉን ።እዚ ነቲ ናቱ ዘይሻራነት (Neutrality ) ሓኒቁ ዝቀትል እዩ። ምክንያቱ ናይ ረብሓ ግርጪት ( Conflict of Interest ) ከስዒብ እውን ስለ ዝክእል
ኣብ ጉዳይ ኣሳላጥት (Structure and Process) ዝብሃል ተቛም ኣሎ ። ከም ዝፍለጥ ሓደ ገዛ ክትሰርሕ መሳርሒ ዝኾኑ ኣቅሑት የድሊዩኻ ። ምክንያቱ ብጥራሕ ኢድኻ ገዛ ክትሰርሒ ስለ ዘይኸኣል። እዚ ማለት ማርቴሎ ፣ ማሳ ፤ ምስማር ፣ ወዘተ ክትጥቀም ትግደድ ። እዚ እቲ መስሪሕ(Process )እዩ እዚ ከኣ እዩ መደረኽ መላግቦ ወይ ቀለቤት ኮይኑ ነዘን ኤርትራውያን ውድባት ክወሃህድ ከም ዝተበገሰ ዝገልጽ ።
መደረኽ ግን ኣብቲ (Structure ) ህንጻ ተዋሒጡ ከሰርሕ ይርኤ ኣሎ ። መድረኽ ኣካል ናይቶም ነቲ ገዛ ዝቆሙ ከም መሰረት ፣ ዓንዲ ፣ ገመል ፣ማሕወጽ ፣ ሓርኾም ፣ወዘተ ክኽውን ኣይግብኦን ። እቶም ፖለቲካውያን ውድባትን ተዓደምቲ ወልቀሰባትን ፣ ነዚ ጉዳይ እዚ ብቀሊል ክሰግሩዎ ኣይነበሮምን ሕጂ እውን ክምብል በለ እምበር ኣይፈሰስን ክምዝብሃል ፣ ኣብ ማሕጎማ ከይበጽሓኻ ነቲ ጉዳይ ምእላይ ናይ ለባማት ስራሕ እዩ ። ምኽንያቱ ጽባሕ ሓደ ጸገም ምስ ተፈጥረ ፣ ክስታት ክውሕዙ እዮም ። ርሑቅ ከይኸድና እዚ ኣብ መንጎ ሃገራዊ ባይቶ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ክድገም የብሉን። ተራ ናይ ህዝብን ኣገደስቲ ውልቀሰባት ርእይቶን ድምጽን ክሕተትን ክስማዕን ይግባእ።
ኣቓራራቢ ዘይሻራዊ ኮይኑ ድምጺ ወይ ድጋፍ ናይ ኩሎም ተሳተፍቲ ክህሉዎ ናይ ግድን ይኽውን ።ብድሕሪዚ ፣ ኣብቲ ዝኻየድ መስሪሒ (Process ) ዓቅሙን ክእለቱን ብዝግባእ ክጥቀመሉን ነቲ በቶም ውድባት ዝቀረበ ኣጀንዳ ተቀቢሉ ንሓሳባት ናይዘን ውድባት ኣጣሚሩ ተግባራዊ ዝኾነ መደብ ከማዕብልን ፣ ድሕሪ ዘተን ልዝብን ኩሎም ተሳተፍቲ ዝርዓምዎ ብሓባር ተግባራዊ ክገብሩዎ ዝግባእ ዝጸደቀ ሰነድ ሒዞም ክወጹ ይጽዕት ። ቀንዲ ኣገደስቲ ዝኾኑ ዘይሻራዊ ኣቓራራቢ ከትኩሮሎም ዘለዉ ነጥብታት፡ ጉጂለታት ብሓባር እተሰማምዑሎም ሕግታትን መምሪሒታት ምምእዛዝ ፤ መንፍስን ዝምድናታት ምምዛን ፣ ርእይቶታትን ለበዋታትን እናለገሰ ካብቲ ቀንዲ ክፍታሕ ዘለዎ ኣርእስቲ ከይወጸን፣ ዋና ናይቲ ጉዳይ ከይኸነን ንቅድሚት ከምዝስጉሙ ምግባር ይኽውን ።
ብዝኾነ መድረክ ኣብ ዝተፈለለየ መግለጺኦም ምንቅስቓስ እምበር ውድብ ከም ዘይኮኑ እናገለጹ እንከለዉ ፣ ምስኡ ኣታሓሕዞም ግን ንመጻኢ ፖለቲካዊ ውድብ ናይ ምዃን ተክእሎ ክህሉ ከምዝኽእል ኣይሓብኡን ።ነዚ ዘረጋግጾ ከኣ ኣብ ከንያ ተኣኪቦም 27 ዝኣባላቱ ባይቶ ከምዝመረጹ እውን ይፍለጥ ። ሚዛን ናይ ሓቅነት ግብሪ ስለ ዝኮነ ፣ መድረኽ ዝገብርዎ ዘለዉ ምስቲ መግለጺታቶም ዝኸይድ ኣይኮነን ።
ክብሮም ግረነት ።
12/24/15
,
ወዲ ሰብ ኣብዛ ብራህዋን መከራን ብርሃንን ጸልማትን ሰላምን ህውከትን ዝወዳደሩላ ዓለም፡ ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ምስ ዓቕሙን ልዕሊ ዓቕሙን ካብ ምቅላስኣዕሪፉ ኣይፈልጥን።
ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ኣካል ናይ‘ዚ መስርሕ‘ዚ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ሂወቱ ንዘጋጥምዎ ዕንቅፋታት ንምስጋር ብውልቀ ይኹን ብሓባር ንለውጢ ኣብ ምቅላስ ተጸሚዱ እኳ እንተ ሃለወ፡ ሕቶኡ ብዝምልስ ዓቕምን ሜላን ከም ዘየካየዶ ግን፡ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ዘሎ ሓቂ ባዕሉ ምስክር እዩ።
ኣብዚ ንዘይምዕዋቱ ብዝምልከት ክንርእዮም ዝግባኣና እንተልዮም፡-
እቲ ስርዓት ድዩ ሓይሉ ወይስ ህዝቢ እዩ ደኺሙ፡ ዝብል ሕቶታት ምምላስ ውሁብ ኣድላይነት ኣሎዎ። ብርግጽ ንምዝራብ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ካብ ህዝቢ ዝረኸቦ እምነትን ተቐባልነትን ተጠቒሙ፡ ደረትን ልጓምን ብዘየብሉ መገዲ ህውከትን ዕንወትን መሪጹ፡ ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ሸሚሙዎም። ውጽኢቱ ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ሰላም ህውከት፡ ኣብ ክንዲ ምዕብልና ድሕረት፡ ኣብ ክንዲ ምህናጽ ዕንወት፡ ኣብ ክንዲ ፍቕሪ ጽልእን ፍርሕን፡ ኣብ ክንዲ ምትእኽኻብ ምብትታን ኣብ ዝምለለይኣ ኣሰካፊት ሃገር ንነብር ኣሎና። እዚ ከኣ፡ እቕረ ዘይበሃሎ ጥልመት ሕድሪ ስዉኣትን ክድዓት ረዚን ዕላማን ቃልሲ ህዝብን ባህግታቱን‘ዩ።
ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን፡ እትረፍዶ ንኤርትራዊ ዜጋስ፡ ንኩሉ ብኤርትራ ዝግደስ ህዝቢ ዓለም‘ውን፡ ዘዛርብን ኣበይ ክወድቕ‘ዩ ዝብል ኣሰካፍን ውዑይን ኣርእስቲ ኮይኑ ምህላዉ ንዕዘቦ ኣሎና። እዚ ድማ ንዓና ንሰብ ጉዳይ ዝጽበ ዘሎ ዕዮ ገዛ ኣብ ክንዲ ንሰርሕን፡ መሰልና ክግፈፍ ንብረትና ክውረስ ተካእትና ክጸንቱ እናርኤና ዓገብ ኣብ ክንዲ ንብልን፡ ግዳይ ናይ ህግደፍ ዝወሰኖ ዘይፍትሓውን መኣዝኑ ዘጥፍአን መመሊሱ ዝኸፍአን ሂወት ነሕልፍ ኣሎና።
እዚ ሃለዋት‘ዚ፡ ብፍላይ ነዚ ምእንቲ ፍትሕን መሰልን ዳሕረዎት ወለዶ ክብል ነታ ዝኸበረት ህይወት ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ዝግባእ ኣይኮነን ዘብል እኳ እንተኾነ፡ ብመሰረት ድሕሪ ነጻነት ዝተኸተልናዮ ናይ ምእዙዝነት መስርሕ ግን፡ እዚ ክመጽእ ወይ ክርአ ዘገርም ኣይኮነን። ምኽንያቱ መሰልካ ምሕላው ሓላፍነትካ እምበር ካብ ካልኦት ክምጽወተልካ እትጽበዮ ግንዖ ኣብ ርእሲ ዘይምዃኑ፡ ደረትን ቀይድን ተቖጻጻርን ካብ ዘየብሉ ስርዓት ሰናይ ምሕደራ ምጽባይ የዋህነት ጥራሕ ስለ ዝኾነ።
ኣብዚ እምበኣር ክልተ ዘይሕለፉ ጌጋታት ክንርኢ ይግበኣና፡-
-
እቲ ኣምላኻዊ እምነት ዝተገብረሉ ስርዓት ህግደፍ፡ ብመሪሕነት ኢሳያስ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ስዉኣቱን ዝገበሮ እቕረ ዘይበሃሎ ክሕደትን ጥልመትን፤
-
ህዝቢ ኤርትራ ታሪኹን ባህሉን ወግዑን ሕግታቱን ጥራሕ ዘይኮነ፡ መሰረታዊ ናይ ብሰላም ምንባር መሰሉ እናተጋህሰ ምጽቃጡ፤ እቲ ቀዳማይ ቍልዒ ሓዊ እቲ ካልኣይ ድማ መባርዒ ላምባ ኮይኖም፡ እንሆ ንሃገርና ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ገምገም ኣብጺሖሙዋ።
እቲ ድሒሩ ዝመጽእ ሕቶ ከኣ፡ “ እሞ ሕጂኸ እንታይ እገበር ? ” ንዝብል ዛዕባ ምምላስ‘ዩ። ብወገነይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወለዶ ክልተ ብሰንጣቒት ዝፈላለዩ፡ ማለት ጀግንነትን ኣላሽነትን ዝመግለጺኡ ታሪኽ ክህልዎ ስነ-መጎታዊ ሓቂ ኣይኮነን። እዚ ሓደ ርብዒ ዘመን ዘርኣዮ ስቕታን ምእዙዝነትን እምበኣር፡ ዘይተጸንዐ ተበግሶ ብምውሳዱ፡ ነታ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ዝተረኽበት ስማዊት ነጻነት ከይስእናን፡ ዕላማ ቃልሱ ከንቱ ከይከውንን ኣብ ምስትብሃል ዝተመርኮሰ ስቕታ እዩ ኢልካ ክምኽነ እኳ እንተተፈተነ፡ ክሳብ ክንድ‘ዚ ዝኣክል ሃገራዊ ዕንወት ዘስዕብ ‘‘ ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና እናበልካ ” ምጥቓዕ ግን ዘየገርም ኣይኮነን፡፡
ድሕሪ‘ዚ ኩሉ ስቕታን ሳዕቤናቱን ግን፡ ሎምስ ፦
-
እዚ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ምጽራግ ዓቢ ተራ ዝነበሮ መሪሕነት፡ ኣብ ምህናጽ ሃገር ካብኡ ዝልዓለ ታሪኽ ክሰርሕ ይኽእል‘ዩ ዝብል፡ ኣስተብህሎ ዘይተገብረሉ እምነት፡ ግጉይን ሓደገኛን ምዃኑ፤
-
እዚ ምሉእ እምነት ዝተለገሰሉ ገባርን ሓዳግን ኢሳያስ ትዕቢት ሰንጢቑዎ፡ ሰብኣዊ ሕልናን ስነምግባርን ኣጥፊኡ ኣብ ኣራዊት ዝተቐየረ ፍጡር ምዃኑ ንምስትብሃል፡ ልዕሊ‘ቲ ንነጻነት ዝተኸፍለ ዋጋ ደጊምና ክንከስር ምኽኣልና ብዘየዳግም ተማሂርናሉ ክንከውን ይግባእ።
እዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ‘ዚ ስርዓት‘ዚ ክመጽእ ዝኽእል ሰናይን ፍትሓውን ምሕደራ ክህሉ ከም ዘይክእል፡ በዚ ናይ ትማሊ ዘውጽኦ ግዜ ዘይህብ፡ ህዝባዊ ሓላፍነት ዝጐደሎ፡ ህጹጽ ምእዋጅ ናይ ኣብ መስርሕ ዘሎ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ኣረጋጊጹዎ እዩ።
እዚ ኣዋጅ‘ዚ እምበኣር፡ ነቲ ጨጓሩ ንታሕቲ ልሙጹ ንላዕሊ ጌሩ እናተሳቐየ ዝነብር ዘሎ ህዝብና፡ ነቲ ሓቀኛ ጀግንነታዊ ባህሪኡ ደጊሙ ከመስክር ዝጽውዕ መድረኻዊ ናይ ቃልሲ ደወል እዩ። እዚ ስለ ዝኾነ፡ መልሲ ህዝብና ክልወጥ (ክጽረግ) ዘለዎስ፡ ስርዓት ህግደፍን ፖሊሲታቱን እምበር ናቕፋ ኣይኮነን ኢሉ፡ ዓቕምታቱ ጠርኒፉ ሓቢሩ ንለውጢ ክብገስ፡ እቲ ቀንድን ኣማራጺ ዘየብሉን ናብ “ድሕሪ ጸልማት ዘሎ ብርሃን> ዝወስድ ጐደና ምዃኑ ተረዲኡ ነዚ ሰሪቡ ዘሎ ናይ ተስፋ ደበና ክጥቀመሉ ይግባእ።
ፍትሒ ይንገስ!
ምልኪ ይፍረስ!
ዓንድጽዮን ግርማይ
ጀርመን
ወዲ ሰብ በቲ ዝገብሮ እንተስ ሕማቕ ይኹን እንተስ ጽቡቕ ወትሩ ስሙ እናተላዕለ እዩ ዝነብር። መብዛሕትኦም እቶም ብጽቡቕ ዝለዓሉ ብህይወቶም ከለዉ ህዝቢ ከይተረድእዎም እዮም ዝሓልፉ። ለካ ‘’ነብይ እይከብር ብሃገሩ’’ እኳ ይበሃል። ኩሉ ግዜ ከኣ ጽቡቕ ዝሰርሐ ሰብ ምስ ሞተ ደኣ እምበር ከሎ ኣይምስገንን እዩ። ይኹን እምበር ነቲ ዝመጽእ ወለዶ መምሃሪ ይኸውን። ስውእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ምስ ብጻዩ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ከምቶም ካልኦት ኤርትራውያን ኣብ ሸዊት ዝዕድምኦም እዮም ንህይወቶም ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝተበጀዉ። ንመጻኢ ዕድሎም ይኹን ተማሂሮም እውን ክምዕብሉ ዝኽእሉ ዝነበሩ ክንሶም፥ ነቲ ኩሉ ናይ ውልቆም ድሌት ንድሕሪት ገዲፎም እዛ ክብራን ልዑላውነታን ተደፊራ ዘላ ሃገር ምስቶም ኣሕዋትና ኰይንና ክንቃለሰላ ብዝብል እዮም ንኣምሮኦም ኣእሚኖም ንበረኻታት ኤርትራ ጠሓሒሶም ክሳብ ኣብ ደረጃ ቤት ማእሰርቲ ዝበጽሑ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ምእንቲ ንኽወጹ ብዝተገብረሎም መተዓሻሸዊ እውን ፈጺሞም ንዕላማኦምን ንመቓልስቶምን ኣይጠለሙን።

ስውእ ስዩም ካብታ እተን ከይደን ዘይደኽማ ኣእጋሩ፥ ካብታ ብቃላት ትግርኛ ከም ማይ ናይ ምንጪ ዝፍልፍለላ ልሳኑ ደው ዝበሉ ዕለት 17-12-2015 ንዘልኣለም ተረጊማ ትንበር ካብዛ ዓለም ንዝፈትዎም መቓልስቱን ደቁን ስድራ ቤቱን ደጊም ኣብ ዘይርከበሉ ዓለም ተፋንዩና ከይዱ። እነሆ ድማ መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ ከምዝተባህለ ስዩም ካብ ዝስዋእ ዓሰርተ ዓመት ትማሊ ዕለት 17-12-2015 ኣቚጺሩ። ነቲ ዝተለሞ ማለት ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ትሕቲ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ እትመሓደር ክትክወን ዝነበረ ጻዕሩን ቃልሱን ካብታ ዝሓደጋ ዕለት ንዓአሰርተ ዓመት ዝኣክል ዓድና ክንኣቱ ዝግበኣና ዝነበረ ክንሱ ግን ብሰንኪ እቲ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ነንሓድሕዱ ስምምዕን ምትእምማንን ብምስኣኑ ብዙሕ ወርቃዊ ግዜ ሓሊፉና። ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ምትካልሲ ይትረፍ ነታ ህላዌና እውን ኣብ ምልክተ ሕቶ ይኣቱ ኣሎ።
ትማሊ ንስውእ ስዩም ኣሎና ንሕና፡ ቅሰን ኢልና ዘፋኖናዮ ጥራሕ ክንደይ ወለቕ ዘለቕ ኢልና ኮን ንኸውን መዐቀኒ ናይቲ ንዓሰርተ ዓመት ዝኸድናዮ ጉዕዞ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምቲ ደራፋይ ዝበሎ ‘’ተጣለምናዶ ተጣለምናዶ ከለና ኣብ ዓለም’’ ዝተባህለ ለበዋ ስዉኣት እንዳጠሓስካ ምጭጭሕ ውድባት ተራእዩ።
ስለዚ ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ስውእ ስዩም ዕለት 19-12-2015 መሊሱ ንሓዘንና ዘዛኻኸረ እዩ ነይሩ። ኩሎም እቶም ገዳይም መቓልስቱን ኣባላትን መሪሕነትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፥ ኣባላትን መሪሕነትን ግምባር ሃገራዊ ድሕነት፥ ኣባላት ምንቅስቓስ መንእሰያት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፥ ኣባላት ህዝባዊ ማሕበር ሆላንድ፥ ኣባላት ሕዝብ ኣልመቓዋማ ኣል ሻዕብያ’’ ሰልፊ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ኣባል እስላማዊ ሰልፊ እስላሕ፥ ውልቀሰባትን ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮን ዝተረኽቡሉ ኣብቲ ስዩም ዝተቐብረሉ መቓብር ካብ ሰዓት 10:50 ጀሚሩ ነይሩ።
እዞም ካብ ዓዲ እንግሊዝ፥ ካብ ሃገረ ጀርመን፥ ካብ ሃገረ ፈረንሳ ከምኡ እውን እቲ ዘይሕለል ተቓላሳይ ሓው ተስፋይ ተኽለዝጊ ኣቦ መንበር ማሕበር ኣካለጽጉማን ምስቲ ኩሉ ሕማሙን ስንክልኡን ነቲ ኩሉ ጸገም ጥሒሱ ንብጻዩ ስዩም ክዝክር ኣብቲ ኣጋጣሚ ተሳቲፉ። ካልኦት ውልቀሰባት ከም በዓል ዶክ ጸጋዘኣብ ዝኣመሰሉ ወሲኽካ ኩልና ተኣኻኺብና ነቲ ናይ ቀደም ዝነበረ እናዘክርና ናፍቖት ሓድሕድ ከመይ ኣሎኻ ከመይ ኣሎኺ ነዊሕ ኮይኑ ካብ ንራኸብ እናተበሃሃልና ከም ብሓዲሽ ሌላ ዝመስል ጣዕምን ላዛን ዝነበሮ ዕላላት ነቲ ዘሎና ፍልልያት ዝድምስስ እዩ ዝመስል ዝነበረ።
ብድሕሪዚ ተበገስ ኮይኑ ልክዕ ሰዓት 11:35 ምስ ኮነ ብመስርዕ ተሰሪዕና ነፍሲ ወከፍና ‘ስለቲ ጽንዓትካ ነመስግነካ’’ ኣብ ዝብል ሓሳብ ከምዝጠሓልና እቲ ዝነበረ ሃዋህው ይሕብር። ኣብቲ ናይ ዘልኣለም ቤት ስውእ ስዩም ምስ በጻሕና ድማ እቲ ንሱ ደቂሱሉ ዝነበረ ስፍራ ብሓቂ በታ ደኺመ ዘይትብል በዓልቲ ቤት ወይዘሮ ኣዝመራ ሃይለ ብጽቡቕ ተታሒዙ ልክዕ ከምዛ ሽዑ ሓመድ ኣዳም ዝለብስ ዘሎ ይመስል። ኣብታ ስዩም ንዝኽሪ ተተኺላ ዝነበረት ሓወልቲ እታ ከይተረዳእና ከሎ ናይ ኢዱ ሰላምታ ዝሃበላ ስእሊ ተጠቂዓ ለካ እቲ ግዜ እቲ ይፋነወኩም ኣሎኹ ይብለና ከምዝነበረ እያ ተዘኻኽር።
ብድሕሪ እዚ ኩሉ ዕመበባታት ሒዙ ዝመጸ ዕምበባኡ ኣቐሚጡ ኣብ መጠረስታ ከኣ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮ ኣቦመንበር ስለፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፍን ገዲም መማህርትን መቓልስትን ስዩም ሓው ወልደሱስ ዓማር ነናቶም ዕምበባ ኣቐሚጦም። ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ከኣ ናይ ጸሎተ ሕልና ምስ ገበርና ሓው ኣሰፋው በርሀ ነታ ኣብ ሰማያዊ ዝሕብራ ፕላስቲክ ዝዓይነታ ‘’ ስለቲ ጽንዓትካ ነመስግነካ’’ ኢልና ዘፋኖናዮ እንዝክረላ ዕለት እያ ብማለት ኣብ ልዕሊ እቲ ስእሊ ስውእ ስዩም ተለጠፈት። ቁሩብ ጸኒሕና ከኣ ሰዓት 12:07 ንስውእ ስዩም ዳግማይ ብምስንባት ናብቲ እቲ ንዝኽሪ ሓውና፡ ኣቦናን መቓልስትናን ዝኾነ ሃገራዊ ሓርበኛ ዝተዳለወ እኽለማይ ተጎዓዝና። ኣብዚ ኣብቲ ቦታ ምስ በጻሕና ቅድሚ ምምጋብና ሰዓት 1:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣቢሉ ይኸውን ስነስርዕት ጸሎት ንዝኽሪ ስውእ ስዩም ብክለተ ኣቕሽሽትን ክልተ ዲያቆናትን ዝተሰነየ ጸሎት ተኻይዱ።
እቲ ጸሎት ብዝኽሪ ሙታን እዩ ተጀሚሩ። እቶም ካህን ኣብ ስብከቶም ኣብ ዘስምዕዎ “ወዲ ሰብ ከም ኦም መሮር እዩ። ይፈርን ይዕምብብን ይቕምስልን’ ኣብዛ ዓለም ከኣ ሞት ዘይተርፍ እዩ እሞ ካብ መሬት ተማሊእናዮ ንኸይድ ስለዘየለ ግን እቲ ገዲፍናዮ እንኸይድ ሓድነት፥ ሕውነት፥ ፍቕሪ፥ ለውሃት፥ ክህልወና የድሊ። ስለዚ ንስዩም ንሕና ኣይነጽድቖን ኢና፥ ተጽድቖ እታ ግብሩ እያ ንሳ ድማ ንምእንቲ ደቂ ሰባት ክብል ህይወቱ ብጽንዓት ምውፋዩን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክሳብ ክንደይ ፍቕሪ ከምዝነበሮ እዩ ዝሕብር። ኩሉኹም ድማ ስለቲ ሰናይ ግብሩ ዘኪርኩም እነሆ ኣብዚ ተኣኪብና ንቤተሰቡን ደቁን ካብ ርሑቕን ቀረባን መጺእና ክነጸናንዕ እንከሎና ከኣ ኣምላኽ ዝፈትዎ ስራሕ ኢና ሰሪሕና።

ንሕና ኩልና ሓለፍቲ ኢና ነበርቲ ኣይኮናን፡ ነበርቲ ዘይምዃናን ካብ ፈለጥና እቲ ኣብ ዓለም ከሎና ክንገብሮ ዝግበኣና ጽልኢን ቅርሕንትን ወጊድና ሰላም ኣብ ነንሓድሕድና ክህልወና ምጽዓር ሓደ ካብቲ ቃልሲ እዩ። ሰብ ስሙ ብጽቡቕ ክለዓል ዝበለጸ እዩ ። እነሆ ውን ስዩም ስሙ ብጽቡቕ እዩ ዝለዓል ዘሎ። ስለዚ ኩልና ትዕግስቲ ከም ዘድልየና ነዚ እዛ ዓለምና ኣብ ህውከትን ተርባጽን፥ ውግእን ወረ ውግእን ከም እተሸመመት እንሰምዖ ዘሎና ክፍወስ እንተኾይኑ ፍቕሪ፥ ለውሃት፥ ምድንጋጽ፥ ኣብ ነንሓድሕድና ኣላዝቦን ብሓድነት ኣቢልና ኢና እንበጽሖ” ብምባል ምኽሮም ለጊሶም።
ድሕሪ እዚ ሰዓት 1:45 ምስ ኮነ ኣብ ምምጋብ ኣቶና። ድሕሪ መግቢ ከኣ ብሓው ኣሰፋው በርሄ ስፊሕ ታሪኽ ስውእ ስዩም ተነቢቡ። ብድሕሪ እዚ ሓደ ብሓደ ማለት ሓው ወልደሱስ ዓማር ናይ ቀደም ተዘክሮታቱ ምስ ስውእ ስዩምን ስውእ ወልደዳዊትን ካብታ ሰዓትን ዕለትን ኣብ ቤት ትምህርቲ ልኡል መኮነን ዝተራኸቡሉ ኣትሒዙ ዝተኻየደ ሓባራዊ ቃልሲ ተንቲኑ ገሊጹ። ብምቕጻል ሓው ዶክተር ዩሱፍ ብርሃኑ ብዛዕባ ምስ ስዩም ዝነበሮ ብጻያዊ ተመኲሮን ናይ ተወፋይነቱ ኣድናቖት ገሊጹ። ቀጺላ እታ ዘይትሕለል ኣደ ተጋደልትን ጽንዕትን ወይዘሮ ሓረጉ ስውእ ስዩም ንምዝካር ተደፋኒቓ ክሳብ የዒንታ ንብዓት ዝቛጸራሉ ነቲ ክትብሎ ዝደለየት ኣሕጽር ኣቢላ “ስዩም ኣይተፈልየናን’ሞ ኣብ መትከልና ንጽናዕ” ብምባል ደምዲማ፡ ቀጺሉ ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ውግኡ ሓርነት ብግጥሚ ገይሩ ንስውእ ስዩም ዝዝከርን ንህልዋት እውን ኣብ ቃልሶም ገጥ ክብሉ ዝዕድምን ኣቕሪቡ ንሱ ዘዳለዎ ከኣ ንዝኽሪ ስውኡ ስዩም ከም ገጸ በረኸት ንሓብትና ኣዝመራ ሃይለ ኣወኪፉ።

ብምቕጻል ዶክ ጸጋዘኣብ ንስውእ ስዩም ካብ ዝፈልጦ ኣጥሒዙ ተባዕን በሊሕን ምንባሩ ገልጹ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ስዩም ዝድለየሉ መድረኽ ምዃኑ ዘብርህ ገለጻ ኣቕሪቡ። ብድሕሪ እዚ ከኣ ንማሕበር ሆላን ወኪሉ ዝቐረበ ሓው ስዒድ ዓብደላ ብዛዕባ ምስ ስዩም ዝነብሮ ናይ ሓባር ቃልስን ብዛዕባ ናይቲ ማሕበር ከኣ ጠቒሱ። ቀጺሉ ሓው ድራር መንታይ ነቲ ስውእ ስዩምን ስውእ ወልደዳዊትን ዝገበርዎ ታሪኻዊ ቅያ ምስ ስውእ ከቢረን ምስ ስውእ ሓምድ እሪስ ዓዋተን ብማዓረ ዘጽውዖም ብጭብጢ ካብ ዝረኸቦ ታሪኽ ኣቕሪቡ። ከም ቃል ሓው ድራር ኣብ 1987 ኣቢሉ ምስ ኣቦይ ዑባሚካኤል ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ኮፍ ኢሎም ከዕልሉ ከለዉ በጋጣሚ ብጉዳይ ማእሰርቲ ናይዞም ክልተ ብጾት ይለዓል። እቲ ታሪኽ ብሓጺሩ እዞም ክልተ ብጾት ምስ ተኣስሩ ኩሉ ቤተ ሰብ ዘመድ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጽሉ ጻዕርታት ይካየድ ነይሩ ይብሉ ኣቦይ ዑቕባሚካኤል። ብድሕሪ እዚ ነቲ ፈራዳይ ብምርካብ እቲ ፈራዳይ ድማ ነቲ ኩነታት ብምዕዛብ እዚ ጉዳይ እዚ ክፍታሕ እንተኾይኑ እዞም ክልተ እሱራት ‘’ ነቲ ቃልሲ ወይ ነቲ ውድባ ናይ እስላም እዩ። ክርስትያን ኣብቲ ቃልሲ የለዉን ኢሎም ምስክርነት እንተ ሂቦም ክወጹ ይኽእሉ ኢዮም” ዝብል ሓሳብ ይህብ። ካብዚ ቀጺሉነዞም
ናይ ምዕጋብ ጉዳይ ኮነ፡ እዞም ክልተ ከኣ እቲ ጉዳይ ምስ ተነግሮም ክልቲኦም ተማኺሮም። እታ ምኽሮም ኣብታ ቤት ፍርዲ ምስ በጽሑ ዝብልዋ እምበር ነቶም ሕራይ በሉ ንዝበልዎምሲ ካልእ መልሲ ኢዮም ሂቦሞም። ንሱ ከኣ ሕራይ ከምኡ ክንብል ኢና ኢሎም ምስ ሓበሩ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐርብሉ ቆጸራ ተታሕዘ። እቶም ዘዘራረብዎም “ሕራይ ኢሎሙና ኢዮም ሕጅስ ክወጹ ኢዮም” እናበሉ ኣብታ ቤት ፍርዲ ብተስፋ ኢዮም ዝጽበዩ ዝነበሩ። ክልቲኦም እሱራት ኣብ ቅድሚ ፈራዲ ቀሪቦም ፈራዲ ከኣ እዚ ዝነበርኩምሉ ውድብ ናይ እስላም ምዃኑ እንተመስኪርኩም ብናጻ ክትልቀቑ ኢኹም ዝብል ውሳኔኡ ኣስመዐ። ንሳቶም ዝሃብዎ መልሲ ከኣ ‘’ ንሕና እቲ ዝተሰለፍናሉ ውድብ ናይ እስላም ኣይኮነ ናይ ክርስትያን ኣይኮነ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እዩ እሞ፡ ሎሚ ናጻ እንተለቒቕኩሙና’ውን ጽባሕ ናብታ ሰልፍና ኢና እንጽንበር’’ ኢሎም ቃሎም የስምዑ። ብድሕርዚ ኩላ እታ ተስፋ ዝነበራ ቅዝዝ ድንዝዝ ኢልና ተሪፍና ይብሉ ኣቦይ ዑቕባሚካኤል።

ቀጺሉ ሓው ድራር ነዛ ጉዳይ እዚኣ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዝዋ ስለዝነበረ ምስ ስውእ ስዩም ኣብ 2004 ኣቢሉ ኣብ ተራኺቡሉ ሰዓት እቲ ኩነታት ከመይ ከምዝነረ ይሓቶ እሞ፡ ስዩም ከኣ ሓንቲ ከየጉደለ ልክዕ ከምታ ኣቦይ ዑቕባሚካኤል ንድራር ዝበልዎ ከማኣ ገይሩ ከም ንዝገለጸሉ እዩ ኣብቲ ናይ ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ስውእ ስዩም ዝገለጸ። ኣብ መደምደምታ ክብርቲ ሓብትናን ብጸይትናን ሓብቲ ስውእ ስዩምን ከኣ ብወገና ነቲ ዓቢ ሓዋ ብኣካል ንዘይትፈልጦ ታሪኹ ካብ ዓባይ ሓብታ ወይዘሮ ለምለም ዝሕበራ ዝነበረ ገሊጻ እሱ ድማ እቲ ሓብታ ለምለም ብሰንኪ ሓዋ ካብ ትምህርቲ ከም ዘቋርጸት ወግሐ ጸብሐ ምሳሕን ድራርን ሸሃን ተሰኪማ ንቤት ማእሰርቲ ትመላለስ ከምዝነበረት ገሊጻ። ነቲ ኹሉ ተጻዊራ ንታሪኽ ሓወይ ስዩም ዝሃበትኒ ድማ ሎሚ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ዕለት ዝኽሪ ሓውና ከመስግነኪ ይፈቱ ድሕሪ ምባል፡ ሎሚ ብዝኽሪ ሓወይ ስዩም ከምዚ ኢልኩም ተኣኪብኩም ክርእየኩም ከሎኹ ብሓቂ ስዩም ሓወይ ኣይሞተን ብሓቂ እውን ኣይሞተን ብዝብል ሕብንትን ሕጉስትን ምዃና ገሊጻ።
ስዓተ 9:00 ኣቢሉ ምስ ኮነ ናይቲ መደብ ፍጻመ ስለ ዝኾነ ኩሉ ሰብ ተደሪሩ ነናብ ሰፈሩ ተጓዕዘ።

ዝኸበርኩም/ክን ኤርትራውያን ነበርቲ ኣሪዞና፡ ንኣመንቲ ክርስትና ርሑስ ብዓል ልደት እናተመነና ሰላምን ሓድነትን ዝመልኦ ሓዲሽ ዓመትን ክኾነልኩምን/ክንን፡ ኣብ መነባብረኹም/ኽን ከኣ ዓወትን ኣሳልጦን ንኽትረኽቡ/ባ ጽቡቕ ምንዮትና ንገልጸልኩም/ክን። ስለዚ ብሓዲሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ኩልና ኤርትራውያን ብሓባር ክሕጎስን ክንጻውትን፡ ማሕበረ-ሰብ ኤርትራውያን ፍኒክስን ከባቢኣን ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ልኡል ፍስሃየ ምስ ኤርትራዊ ሙዚቀኛ ኢዮብ መዓሾ ወጋሕ ትበል ለይቲ ከጻውትኹም ንታሕሳስ 26, 2015 ካብ ሰዓት 6፡00 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 2፡00 ናይ ንጉሆ ቀሪብናልኩም ከምዘሎና ንበስረኩም። ዝግበረሉ ቦታ 9402 North Central Ave Phoenix AZ 85012 እዩ። መእተዊ (Admition) $20.00 ድራር ብናጻ። ብድሓን ምጹ/ጻ።
ሉኡል ፍስሃየ ገበረመድህን ኢዮብ መዓሾ

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዚ ዝስዕብ ንናይ ብዓል ሽማግለ ተወከሱ/ሳ።
1. ሙሴ ተኽለ (602) 908- 0241 2. ታደሰ ሳህሉ (602) 575-6975
3. ተኪኤ ገብረኣብ (602) 459-6774 4. ወልደሰላሴ ገብረመድህን (623) 210-6439
5. ኣብርሃም ግርማይ (480) 233-5039
The Eritrean Community in Phoenix will be hosting New Year's Eve Party on Saturday, December 26th, 2015 at 9402 North Central Ave Phoenix, AZ 85012. The Eritrean Community in Phoenix will present you legend Singer Loul Fsehaye and legend Musician Eyob Measho. We are cordially inviting to all Eritrean and friends to join us all night holiday celebration and cultural dance from 6:00PM to 2:00AM. We also will be having Eritrean cuisine and a champagne opening ceremony for welcoming of 2016. We would like to recommend for everyone to arrive on time to show our united, peace & love. Admission fee is $20.00 Dinner free.
Thank you on behalf of Eritrean community in Phoenix.
For more information call the preparatory committee.
1. Mussie Tekle (602) 908-0241 2. Tekie Gebreab (602) 459-6774
3. Tadesse Sahlu (602)575-6975 4. Woldeslassie Gebremedhin (623) 210-6439 5. Abreham Grmay (480) 233-5039
ኣብ ትሕቲ ``ህጹጽ ጸዋዒት ንምቛም ሓይሊ ዕማም ደገፍ - ንመርማሪት ኮሚሽን`` ዘስፈርናዮ ጽሑፍ፡ ብገለ ምኽንያት፡ ከይተነጸረ ዝተረፈ መልእኽቲ ስለዝነበሮ፡ ንጹር መልእኽቱ እነሆ ነቕርብ።
ህጹጽጸዋዒትንፖለቲካውያንውድባትንበርጌሳውያንማሕበራትን
ኤርትራውያን (ዞባሰሜንኣሜሪካ)፡
ዕላማ ናይ`ዚ ጸዋዒት`ዚ፡ ንደገፍ መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምቛም ኣብ ዝግበር ዘሎ ናይ ህዝቢብህዝብን ንጥፈታት፡ ሓጋዚ ተራ ንምብርካትን ጥጡሕ ባይታ ክፍጠር ንምኽኣልን ኢዩ። ክውስን፡ወይ ኣብ ዝቐውም ሓይሊ ዕማም ቀጥታዊ ውክልና ንኽህልዎ ዝዝቲ ርኽክብ ኣይኮነ።
እዚ ጸዓዊት`ዚ፡ ነቲ በብከተምኡ፡ ወይ በብስተይቱ ዝቖውም ዘሎ ሓይሊ ዕማም ዝጽውዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ- ካብ ህዝብን ብህዝብን ዝቐውም ዘሎ ሓይሊ ዕማም፡ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝቐንዐ ኣገባብ ኣሰራርሓ ዝኽእተልን፡ምሉእ ነጻነቱ ዝሓለወ ትካል ኮይኑ ክቐውምን ክሰርሕን እምነትና ስለዝኾነ።
ስለምንታይ ቁሉዕ ጸዋዒት? ብጉዳይ ህዝቢ ዝዝቲ (ይንኣስ ይዕበ) ንህዝቢ ቅሉዕን ግሉጽን ክኸውን ስለ እንኣምን።
ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ከም`ቲ ንሕና ኤርትራውያን ትጽቢት እንገብረሉ ብኩሉ መልከዒታት ዝጭበጥን ዝተማለኤን ኮይኑ ክወጽእ ኩሉ ዝክኣለና ክንገብር ግድነት ይኾነና። እዚ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ዘውርድን ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ዓወት ዘጓናጽፍን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ``መሰሉን ክብሩን ንዝተጋህሰ ህዝቢ`` ፍትሒ ክረክብ ፍትሓዊ ጸብጻብ ንከቕርብ፡ ጻዕርን ተወፋይነትን ናይ ኣባላት መርማሪት ኮሚሽን ዓቢ ሚዛን ዝሕዝ`ኳ እንተኾነ፡ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን፡ ደቀቕትን ብካልኣዊ ደረጃ ዝጥመቱን ዝስርዑን ፍልልያትና ኣወንዚፍና፡ ብሓባር እናተዳጋገፍና ክንሰርሕ ሕድሪ ሰማእታትናን ንብዓት ስቅያት ህዝብናን ደጋጊሙ ሓደራ የሰክመናን ይጽዋዓናን ኣሎ።
ብመሰረቱ፡ ኣብ`ዚ ኣገዳሲ ሃገራዊ ዕማም`ዚ፡ ዝፈላሊ ጉዳይ ኣሎ ኢልና ኣይንርእን። ንፕሮጀክት ደገፍ መርማሪት ኮሚሽን ዝቐውም ሓይሊ ዕማም ዕዉት ኮይኑ ክወጽእ፡ ንእንቃለስ ዘለና ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ እዚ ብኣጉራዊ ደረጃ ድሮ ብዙሕ ሰጒሙ ዘሎ ናይ መርመሪት ኮሚሽን ጸብጻብ ከሲትዎ ንዘሎ ወርቃዊ ዕድል ክንጥቀመሉ፡ ብሓባር ሰሪሒና ክንረብሓሉን ይግባእ።
ምቛም ሓይሊ ዕማም ንደገፍ መርማሪት ኮሚሽን፡ ከም ሓደ ፕሮጀክት ቀጻልን ዘላቕን ኮይኑ ከድምዕ፡ ዓቢ ኣበርክቶ ክገብር`ዩ ኢልና ዝኣመምናዮ እማመ፡ ቅድሚ ገለ መዓልታት ሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ (ጥቅምቲ 29 2015)፡ ኣብ ብዙሓት ወፕ ሳይታት ኣውጺእና ምንባርና ንጠቅስ። ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ ዝተረኽበ ሰፊሕ ህዝቢ፡ ነቲ ዘውጻእናዮ እማመ ዘንጸባርቕን ዝድግፍን፡ ህዝቢ በብከተምኡ/ስተይትስ፡ ኣብ በቦትኡ ተጋቢኡ ብደረጃ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ህዝብን ብህዝብን እትቐውም ሓይሊ ዕማም ተመስሪታ ብህጹጽ ስራሕ ክትጅምር`ዩ ብተሪር ለበዋን ምሕጽንታን ደምዲሙ።
ካብ`ዚ፡ ተረድኦ`ዚ ነቒልና፡ ንሕና ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ሓይሊ ዕማም ንደገፍ መርማሪት ኮሚሽን፡ ንክትቀዎምን ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣርን ንክቃላጠፍ ሓጋዚ ተራና ከነበርክትን ቅኑዕ ሃገራዊ ተበግሶ። ስለዝኾነ፡ ነፍሲ-ወከፍ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ቤርጌሳዊ ማሕበር፡ ሓደ ወይ ክልተ ካብ ኣባላቱ መዚዙ ኣብ ኣኼባ (ተለኮንፈረንስ) ክሳተፍ ይኽእል።
ኣብ`ዚ ርኽክብ`ዚ ክትሳተፉ ፍቓደኛታት ዝኾንኩም (ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን) ኣስማቶም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ምስ ዘለዉ ኣሕዋት ሕድርኹም ቅድሚ 10 ጥሪ 2016 ደዊልኩም ኣረጋግጹልና።
December 21 2015
ጸጋይ ነጋሽ (303) 847 9130፡
ኢተማር ንጉሰ (716) 903 9720
ምስ ብዙሕ ምስጋና
ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ
``ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ``፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰብኣዊ ክብሩን መሰሉን፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ውሑስ ንምግባር ህዝባዊ ትካላት ሃኒጹ ኣብ ነጻነት ዝነብር ሓያል ህዝቢን ምርግጋጽ እምበር ፖለቲካዊ ስልጣን ንምምቕራሕ ዕላማ ዘይብሉ ብ16 ከተማታት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ቆይሙ ዝነጥፍ ዘሎ`ዩ``።

Asmara, 21 December 2015 - The 4th Patriarch of the Eritrean Orthhodox Tewahdo Church, His holiness Abune Dioskoros, passed away today following a long illness. The Patriarch had been receiving treatment both at home and abroad in the recent months.
The Holy Synod of the Eritrean Orthodox Tewahdo Church expresses deep sorrow on the passing away of the Patriarch.
Funeral service for His Holiness Patriarch Diyoskoros will be held at Abune Abranios Monastery, Mendefera sub-zone, at noon on Saturday 26 December following prayer sermons at Asmara’s Saint Mary Church earlier in the day.
The Holy Synod of the Eritrean Orthodox Tewahdo Church kindly informs that the Book of Condolensces will be open, from Tuesday 22nd Decemebr until Friday 25th Decemeber from from 9:00 am in the morning till mid-day for signature by dignitaries, including Ministers, PFDJ Officials, other senior Government officials, Resident Ambassadors and other diplomats.
Source=http://www.shabait.com/news/local-news/20943-his-holiness-abune-diyoskoros-passes-away
Martyr Seyoum O.Michael 10 year Memorial
More...
ኣገባብ ኣበዓዕላን መደረታትን ኣብ 10ይ ዓመት ዝኽሪ መስዋእቲ ሓርበኛ ስዩም ዑቚባሚካኤል
Written by ብቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤዝኽሪ 10ይ ዓመት መስዋእቲ ጅግና ተጋዳላይ ስዩም ዑቚባሚካኤል (ሓረስታይ) ብ19 ታሕሳስ 2015 ኣብ ቭላርዲንገን ሮተርዳም/ሆላንድ ነዚ ሃገራዊ ሓርበኛ ብዝግባእ ተዘክሮታትን ድምቀትን ተኸቢሩ ውዒሉ።
ስድራ ቤትን፡ መቅርብን፡ ናይ ቃልሲ ብጾትን ዕዱማትን፡ ኣብ መካነ መቓብሩ ዕንባባታት ድሕሪ ምቕማጥ ናብታ ቅድሚ 10 ዓመት ኣስከሬን ስዉእ ስዩም ፍትሓት እተገብረላ ቤተ መቕደስ ተኣኪቦም፡ ብካህናት ኦርቶዶክሳዊት ደዋህዶ ቤተ ክርስትያን እናተመርሑ ናይ ጽሎትን ፍትሓትን ቅዳሴ ተኻፊሎም።

ቀጺሎም፡ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ዕዱማት ኣጋይሽ ኣብቲ ብስድራ ቤት ስዉእ ኣብ እተዳለው ናይ ምግብን መስተን ግብጃ ድሕሪ ምክፋሎም፡ ንዝኽሪ ስዉእ ስዩም እተዳለወ መደረታትን ተንቀሳቓሲ ፊልምን ተኸታቲሎም።

መድረኽ ተዘክሮታት ብመቓልስትን ብጸይቲ ስዉእ ስዩም ብዝነበረት ሓፍቲ ኣዝመራ ሃይሉን ሓው ኣሰፋው በርሀን ተኸፊቱ። እቲ ምዑት ናይ ቃልሲ ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ስዉእ ስዩም ብሓው ኣሰፋው በርሀ ብሰፊሑ ቀሪቡ።
ቀጺሉ፡ ብሓው ኣንቶንዮ ተስፋይ ብቃላትን ብመልክዕ ስእላዊ ዶኩመንታሪን እተዳለወ መሳጢ መግለጺ፡ ምስእናይ ገለ ምሩጽን ላዛ ዝዓዘዞን መደረታትን ሓርበኛ ስዩም ተሰሚዑ። ስዉእ ስዩም በቲ ተቐሪጹ ዝተረፈ መደረታቱ እውን እንተኾነ፡ ገና ንቓልሲ ለውጥን ዲሞክራስን ብቐጻሊ የበርክት ምህላዉ ጋህዲ ዝገበረ መልእኽትታት ነይሩ።
ካብኡ ብምቕጻል ሓው ወልደሱስ ዓማር ኣብ መድረኽ ቀሪቡ ናይ ሓርበኛ ስዩም ታሪኻዊ ጊደን ቦታን ኣብ ኤርትራዊ ሃገርነት እናዘርዘረን፡ ሓባራዊ ተዘክሮታቶም እናጠቐሰን መግለጺ ኣቕሪቡ። ተመሳሳሊ ተዘክሮታትን፡ መግለጽታትን፡ ንስዉእ ስዩም ዝግባእ ናይ ምስጋና ቃላትን፡ ብዶክቶር ዩሱፍ ብርሃኑ፡ ብሓፍቲ ሓረጉ በርሀ፡ ብሓው ኣፈወርቂ ኣባይ (ብመልክዕ መሳጢ ግጥሚ)፡ ብሓው ጸጋዘኣብ ገ/ገርጊስ፡ ብወኪል ማሐረኮም ኤርትራ ኣብ ሮተርዳም ሓው ስዒድን፡ ብሓፍቲ ስውእ ስዩም ብዝኾነት ሓፍትና ኤልሳ ዑቚባሚካኤልን ብሓው ድራር ማንታይን ቀሪቡ። እቲ መደረታት ናብ ህዝቢ ዝዝርገሓሉ ኣገባብ ክህሉ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ። ብሓው ገረዝጊሄር ተወልደን ብሓፍቲ ጽገ ኣስፋሃን ካብ ሰሜን ኣሜሪካ ብቓል ተቐሪጹ እተላእከ መልእኽትታት ብገለ ተክኒካዊ ምኽንያት ኣብቲ ናይ ዝኽሪ በዓል ከርክብ ኣይከኣለን። እዚ'ውን ናብ ህዝቢ ዝበጽሓሉ ኣገባብ ክግበር ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ መደረ ብሓው ወልደሱስ ዓማር ዝቐረበ ኢዩ። ሓው ወልደሱስ ኣብ መኽፈቲ መደረኡ፡ እቲ ብክቡራት ስድራ ቤት እተዳለወ ዝኽሪ 10ይ ዓመት መስዋእቲ ስዩም ከም ሃገራዊ በዓል ዝርኤን፣ እቲ ኹሉ ጽንዓትን ዘይሕለል ቃልስታትን ስዉእ ስዩም ዝዝከረሉ መድረኽ እንበር፡ ናይ ሓዘንን ትካዜን ክርብ ከምዘይኮነ ድሕሪ ምግላጽ፡ ልዕሊ 40 ገጻት ዝሓዘ ንሱ ብዛዕባ ስዉእ ብጻዩ ካብ የካቲት 1978 ጀሚሩ ካብ ዝጸሓፎ ዓንቀጻትን ቃለ--መሕትታትን ኣኪቡ ንደቁን ስድራ ቤቱን ክበጽሕ ንብዓልቲ ቤት ስዉእ፡ ሓፍቲ ኣዝመራ ሃይሉ ኣመሓላሊፉ። (ብግዲኡ ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ብዛዕባ ስዉእ ስዩም ብ3 ቋንቋታን ብዛዕባ ስዉእ ስዩም ብእተፈላለዩ ሰባት ካብ ኣተጻሕፈ ጽሑፋት 800 ገጻት ኣኪቡ ንሓፍቲ ኣዝመራ ኣረቢቡ። ሓው ጸጋዘኣብ እውን ንሓርበኛ ስዩም ኤርትራዊ ማንዴላ ምዃኑ እናገለጸ፡ ንኣይዳ ስዩም ብዛዕባ ማንደላ እተጻሕፈ መጽሓፍ ኣበርኪቱዋ። ሓው ጽሃየ ክብሮም ብመልክዕ ካርድ ዘዳልዎ ጭርሖን ስእሊ ስዉእ ስዩምን፡ ከምኡ ከኣ እቲ ቅድሚ 10 ዓመት ብጊዜ መስዋእቲ ሓርበኛ ስዩም ብህዝቢ እተገልጸ ናይ ሓዘንን መጐስን ጽሑፋት ዝሓዘለ መጽሓፍ ንኹሎም ኣጋይሽ ተዓዲሉ። ከምኡ'ውን ብሓፍቲ ኣልጋነሽ ገብረ እተዳለወ ገላጺ ጭርሖ ዝሓዘ ሕብራዊ ሕዛም ኣቐዲሙ ኣብ መቓብር ስዉእ ከም እተለጠፈ ይዝከር።)
ካብዚ ቀጺሉ ዘሎ መደረ ሓው ወልደሱስ ዓማር ኢዩ።
ዝኸበርኩም ስድራቤት ስዉእ ስዩም ብሓበራ፣
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩም ዕዱማት ብጾትን ኣዕሩኽን ስዉእ ስዩም፡
ኣቐዲመ ንደቂ ስዉእ ስዩም፡ ማለት ንሊሊ፡ ንደስቲኒ፡ ንሰሎሞን፡ ንሳምሶን፡ ንጳውሎስ ንኣይዳን፡ ምስ ኣደን ብጸይትን ኣዝመራ ልባዊ ሰላምታ ኤቕርበሎም። ነዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ርክብ ብምስርዖም ከኣ ምስጋና ይብጻሓዮም። ኣስዒበ ከኣ ንሓፍትና ነብሰሄር ጽገ ጳውሎስ እናዘከርኩ ምስ ኲሎም ዝሓለፉ ኣሕዋትን ብጾትን ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ እምነየላ። ከም ኩሎም ስድራ ቤት፡ ከም ሓፍትን ከም መዘከሪት ስዉእ ስዩምን ጌርና ንእንጥምታ ኤልሳ ዑቚባሚካኤል እውን ፍሉይ ሰላምታይ ኤቕርበላ።
ደጊመ፡ ንበዂሪ ገዛ ዝኾንኪ ኣይዳ ስዩም ምስ ኣሕዋትኪ (ደቂ ስዉእ ስዩምን ደቅናን)፣ካብዚ ሃገራዊ መራሒን፡ ታሪኻዊ ሓርበኛን ብምውላድኩም ኲርዑ እብለኩም፣ ኣቦኹም ብንእስነቱ ከይተረፈ ዝገብሮ ንዝነበረ እና ሓተትኩምን እና ኣጽናዕኩምን ከኣ ብግደኹም "ንሕናኸ ነቲ ኣቦና ምእንትኡ ኢሉ ህይወቱ ዝሃበሉ ህዝቢ እንታይ ንግበረሉ?" ኣብ ዝብል መድራኽ - ደንጒኹም'ውን እንተኾነ፡ ክትበጽሑዎ እምነ። ከመይ ሕልምን ድልየትን ኣቦኹም ንሱ ጥራይ ስለዝነበረ።

ኣይዳ ስዩም ኣጋይሽ ናብ መቓብር ኣቦኣ ገጻ እናመርሐት።... ምስ ኣዲኣ ኣዝመራ ሃይሉ።

ኣሓት ስውእ ስዩም ኤልሳን ህይወትን.... ደቁ ሳምሶንን ጳውሎስን ኣብ ቦታ መቓብር።
ሎሚ ድሮ 10 ዓመት ሓሊፉ፡ ንስዉእ ብጻይና ስዩም ብትዝታ እንዝክረላ መዓልቲ ኢያ። ንስዩም ከየቋረጽና ኣብ መዓልታዊ ዕላላትና ንዝክሮ ኢና። ነቲ ናይ ሎሚ ተዘክሮና ፍሉይ ዝገብሮ ግን ምስ ደቁን ምስቶም ሕጂ ክሰምዮም ዝጸናሕኩ ስድራ ቤቱን ተኣኪብና ብምህላውና ኢዩ። ዓቢ ዕድል ከኣ ኢዩ።
ኣብታ ንስውእ ስዩም ዘፋኖናላ መዓልቲ፡ ውሑድ ቃላት ተዛሪበ ምንባረይ እዝክር። ሎሚ ደጊመ ክሓስቦ ከሎኹ፡ ናይ ስምዒት ጊዜ እንከሎ'ኳ እቲ ቃላት ክንደይ ትርጉም ከም ዝነበሮ እርኢ። ኣብቲ ሓጺር መደረ 2-3 መልእኽትታት ከመሓላልፍ ፈቲነ። እታ ቀዳመይቲን ቀንድን መልእኽተይ፡ ናይ ኲልና መልእኽቲ እውን ዝነበረት፡ "የቐንየልና ስዩም" እትብል ነይራ። ስለምንታይ ከ ከምኡ ተባሂሉ?
- ኣብ ምሉእ ህይወቱ ንሃገራዊ ጒዳይ ልዕሊ ውልቃዊ ጥቅሙ ብምስርዑ፣
- ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሱ ንሓድነት ህዝብን ንሃገራዊ ናጽነትን ክብ ዝበለ ሓልዮት ብምሃቡ፣
- ኣስዒቡ ከኣ (ድሕሪ 1991) ንሰላምን ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ብጽንዓትን ብትብዓትን ብዘይ ዕረፍቲ ብምቕላሱ የቐንየልና ስዩም ኢለ።
- ከምኡ'ውን በብመድረኹ ወላ ብ1977 ከይተረፈ ንእተጋገዩ፣ ካብ ሓድነት ንዝሃደሙ፡ ዕርፊ ቃልሲ ምጽናዕ ዝሰኣኑ ንዝበሎም፡ ሓቂን ሕጋውነትን ተመርኲሱ ብተሪር ቃላት ብምግንሑን ብምምሃሩን ኩሉ ጊዜ ንዝክሮ። ነድንቖ። ነመስግኖ ከኣ።
ንስዉእ ስዩም ብጽንዓቱን፡ ተወፋይነቱን፡ ትብዓቱን፡ ዘይንሓፍነቱን፡ ናይ ዓቢ መራሒ ሕላገት ብዝኾነ ቅርሕንቲ ዘይምሓዙን፡ ብብልሓቱን፡ በቲ ድኻም ዘይፈልጥ ናይ ስራሕ ትግሃቱን ዘይዝክሮ ሰብ እንተልዩ፡ ንስዩም ዘይፈልጦ ዝነበረ ክኸውን ኣሎዎ።
ናይ ሓያለይ ሰራሕቲ ታሪኽ ክሳዕ ዝሓልፉ ዝነበሮም ጊደን ቦታን ኣይልለን። ናይ ስዩም ከኣ ከምኡ ኰይኑ ይረኣየኒ። እቲ ዝፈልጥ ይፈልጥ ነይሩ፣ እቲ ዘይፈልጦ ዝነበረ ግን ብዙሕ ጊዜ ወሲድሉ። ክሳዕ ስዩም ዝሓልፈ ተጸብዩ።
ኲላትና ከም ዘይንስሕቶ፡ ሃገራዊ ስምዒት ብቐሊሉ ኣይኮነን ዋንነት ናይ ሓደ ህዝቢ ዝኸውን። ኣብ ዝሓለፈ 24 ዓመታት ከም ዝርኤናዮን ጌና ንሻቐለሉ ከም ዘሎናን፡ ሓደ ህዝቢ ንቃልሲ ለውጥን ዲሞክራስን ክበራበር፡ ብዙሕ ጻዕሪ/ብዙሕ ጒስጓስ፡ ብዙሕ ምልዕዓል ኢዩ ዝሓትት። ብሓደ ለይቲ ነዲሩ ኣብ ቃልሲ ዝጸምድ ህዝቢ የልቦን። ኣብ ተመክሮ ብረታዊ ቃልስና እውን ከምኡ ነይሩ። ህዝቢ ምስ ፈለጠን ዘበራብሮ ምስ ረኸበን ኢዩ ነተን ምስ ድኹም ኣተሃላልዋ ተተይ ዝብላ ንዝነበራ ውድባት ኣዕብዩ ኣብ ዓወት ከም ዝብጻሕ ዝገበረ። ኣብቲ ኣዝዩ ከቢድ ናይ ህዝቢ ምልዕዓል ስራሕ፡ ስዩም ኣዝዩ ዓቢ ጊደ ነይሩዎ። ብርእይቶይ እኳ ካብቲ ኢሳያስ "ኣነየ ኣብ ናጽነት ዘብጻሕኩ" ኢሉ ወግሐ ጸብሔ ካብ ዝንቅዎ ዘይውሕድ (ዝበዝሕ እንተዘይኮይኑ)፡ ስዩም ንናጽነት ኤርትራ ዘበርከቶ ብቐሊሉ ዝምዘን ኣይኮነን።
- ተመሃራይ ከሎ እተቓለሶ፣
- ኣብ ናይ 10 ዓመት ማእሰርቲ ንሊዕሊ 25,000 እሱራት ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ (ምስ ወልደዳዊት ተመስገን ኰይኑ)፡ ብሃገራዊ ስምዒት ኰስኲሱ በቶም ቤት ማእሰርቲ ዝጠዓሙ ደቂ ሃገር ኣቢሉ ዝዘርግሖ ሰፊሕ ሃገራዊ ንቕሓት፣
- ቅድሚ ናጽነት ን16 ዓመት ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ዘበርከቶ፡
- ድሒሩ ከኣ ካብ 1991 ክሳዕ ጊዜ መስዋእቱ ን15 ዓመታት ኣብ ናይ ለውጥን ዲሞክራስን ፍትሕን ጒዕዞ እተረባረቦ፡ ታሪኻውን ነባርን ኢዩ።
ኣብዚ ዘሎና፡ ብዛዕባ ስዩም ክንዝክሮን ክንብሎን እንኽእል ብዙሕ ከም ዘሎ ኣይዝንግዕን። ንኻልኦት ዕድል ቅድሚ ምሃበይ ግን ገለ ካብተን ኣብዚ ናይ ሎሚ ኣጋጣሚ ከይጠቐስኩወን ክሓልፈን ካብ ዘይደልየን ተዘክሮታት እሕጽር ኣቢለ ከዕልል ኣፍቅዱለይ።
መጀመርያ ርክብና
- ምስ ስዉእ ስዩምን ስዉእ ወልደዳዊትን ብመስከረም 1961 ኢና ኣብ ሓደ ክፍሊ እተራኸብና። ቅድሚ 54 ዓመት ምዃኑ'ዩ። ን4 ዓመት ከይተፈለና ብሓንሳብ ኔርና። በቲ ዓመት'ቲ ቤት ትምህርቲ ልዑል መኰነን ካብ 150 ዘይውሕዱ ተመሃሮ ተቐቢላ። ኣብ ኣገዳሲ ሃገራዊ ታሪኽ እተኻፈሉ 150 ክንብሎም ንኽእል። ......
- ካብቲ ዘይርስዖ ስዩም ብቛንቋ እንግሊዝ ጥራይ ኣይኮነን ዝወዳደረኒ ዝነበረ። ኣብቲ ካብ ከረን ሒዘዮ ዝመጻእኩ ርሱን ፓለቲካ ሃገር እውን መወዳድርተይ ኰይኑ። ብፍላይ ንሰላማዊ ሰልፊ 1963 ኣብ ምግባር ጊደኡ ከመይ ከም ዝነበረ ኩሉ ጊዜ እዝክር - ሰላማዊ ሰልፊ ስዩም ኢለ እሰምያ ነይረ።
- ካብቲ ኩሉ ጊዜ ዝዝክሮ እውን፡ ሐደ ዓመት ንሰማያዊት ባንዴራ ኤርትራ ስኢሉ፡ ኣብ ትሕቲኣ ግጥቢ ሰሪዑ ኣምጺኡልና። 6 ሰባት ምሉእ ለይቲ ኣብ ኣስመራ ክንዝርግሓ/ክንልጥፎ ሓዲርና። ስዩም ክሳዕ መወዳእታ ንሰማያዊት ባንዴራ ኤርትራ ፍሉይ ፍቕሪ ነይሩዎም። ንቐይራ እንተዝብሃል ነገር መምጸኤ ይመስለኒ!!
ሜዳ ምኻዱ/ማእሰርቱ
- ብመጋቢት 1965 ሰላማዊ ሰልፊ ድሕሪ ምግባርና፡ ስዩምን ወልደዳዊትን "ሰለስተና ብብጸጥታ ንድለ ኣሎና ንሜዳ ንኺድ" ይብሉኒ ...ናመጹ ሓንቲ ዓባይ ኲትሻ ወርቂ ከኣ ብኣጋጣሚ ይረኽቡ። ንህደም ከኣ ይብሉኒ። ዘዕግብ ምኽንያት ምስ ሃብኩዎም ንበይኖም ይብገሱ።.. ብ17 መጋቢት 15 ንበይነይ ኰይነ ኢየ ካብ ስፍራ ኣውቶቡስ ኣስመራ ንጎንደር ኣቢሎም ብመተማ ንሱዳን ክኸዱ ዘፋኖኹዎም። ብኣጋጣሚ ኣዲስ ኣበባ በጺሖም፡ ብጅቡቲ ፈቲኖም ተታሒዞም። እንደገና ንጐንደር ተመሊሶም ብመተማ ንሱዳን ከይዶም። .....
- እንደገና ብነሓሰ 1965 ህዝቢክሰርዑ ካብ ከሰላ ንኣስመራ ተሓቢኦም ኣትዮም።.. ድሩዕ እንዳ ኣውቶቡሳት ተጸብዩኒ። ምስኦም ሓዲረ...ድሕሪ ሳልስቲ፡ ምስ ሓደ ብጻየይ ኮይነ ነቲ ክብ ዝበለ ሃገራዊ ንቕሓት ዝነበሮ መምህር ስዩም ነጋሲ ሒዘሎም መጺኤ። ኣብ ገዛ ስራጅ ኣሕመድ ኣብ ኪዳነ ምህግረት ኣስመራ ሰለስቲኦም፡ ራብዓዮም ስራጅ ታሪኹ ነዊሕ ኢዩ..............።
ሳልሳይ ርክብና
- ሳልሳይ ርክብና ብሰነ 1976 ኣብ ሱዳን ነይሩ....ነቲ ታሪኻዊ ግጥምታት እናጸሓፈን ብራድዮ ኦምዱርማን እናኣንበበን....
ክብደት መስዋእቲ ስዩም፡
- መስዋእቲ ስዩም ንክብደትን ዕብየትን ስዩም ዝገለጸት መዓልቲ ነይራ። ....እተሰምዓኒ ስምዒት ብቐሊሉ ዝግለጽ ኣይኮነን.... ቃልሲ ደው ከም ዝበለ፡ ውድብ ኣብ ጥቓ ምፍራስ ዝበጽሔ ኰይኑ እተሰምዓና ውሑዳት ኣይነበርናን.... ንኲልና እተሰመዓና ንሱ ነይሩ ይመስለኒ። መላእ ውድብ መስዋእቲ ክኸፍል ተዓጢቑ። ውድብ ከይህሰ ብገንዘቡን ብጒልበቱን መስዋእቲ ንምኽፋል ዘይተዓጥቀ ኣይነበረናን። ካብ ሞት ስዩም ዝኸብድ ነገር ስለዘይነበረ... ኣብ ጒዕዞ ህይወትን ኲነታት ስድራ ቤታትን ዝትንክፍ ውሳኔታት ተወሲዱና። ..........
10 ዓመት ድሕሪ ስዩም ኣብ ስደት ጸኒሕና ኣሎና። .... ብድሕሪ ሕጂ ነዊሕ ኣብ ደገ ከይንጸንሕ ኣትሪርና ክንቃለስ ዳግማይ ማሕላ እንኣትወላ መዓልቲ ትኹነና። ክንምለስ ከሎና ከኣ ሬሳ/ንኣዕጽምቲ ስዩምን ሬሳታት ብዙሓት መቓልስትን ሒዝና ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ እንምለስ ይግበረና።
ንስዩምን ነቲ ዝገደፈልና ጅግንነታዊ ታሪኹን እናዘከርና ከኣ፡ ኲላትና ሓፍ ኢልና ነጣቕዓሉ!! የቕንየልና ከኣ ንበሎ!!
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትና!!
ዓወት ነቲ ዝወደቑሉ ህዝባዊ ዕላማ።
ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ ኤመስግን።
ወ.ዓማር፡ 19.12.2015
The daunting challenge of Saving the Eritrean State
Written by Eritreans for Facilitating National Dialogue (EFND), December 18, 2015A very basic indication of dictatorial rule is the absence of constitutional order that compels those in power to be accountable to citizens. In the absence of any legal restraint on their power dictatorial regimes generally tend to become self-serving, regardless of how popular their beginnings might have been. Self-serving dictatorial regimes, such as the one in Eritrea, increasingly becomepreoccupied with safeguarding their incumbency in power, especially if they encounter or perceive opposition to their rule. They deploy policy and resources primarily for purposes of ensuring their survival in power. They also engage in robbing the resources of their countries and stashing them in foreign banks to ensurecontinued luxurious lifestyle for their family members if and when their rule comes to an end. The outcome of this excruciating political and economic tyranny is misery, gross human rights violations,and humiliation of the population.
Today, Eritrea has become the third largest source of refugees next to Syria and Afghanistan, two countries plagued by long lasting civil wars. Eritrea is also the most food insecure country in the Horn of Africa next to South Sudan, which is also being destroyed by a deadly civil war. When the youth are abandoning the country in droves and the country is suffering from chronic food deficit, the frequent claims bythe regime that the country is registering impressiveeconomic progress are simply hollow. The regimealso asserts that the country is peaceful and stable. This, however,cannot be the case when the youth are forced to leave the country into a life of exile with all the hardship, humiliation, and death that faces themand when the country’s social fabric is being destroyed by their flight. There cannot be peace and stability when the prisons are filled with people who do not even get access tothe fundamental right of trial in the court of law for the crimes they have allegedly committed. Poverty-alleviation and development also remain a pipe dream as long as there is no accountability for the country’s resources. Those of us in diaspora, away from the reach of the tentacles of the regime,cannot turn a blind eye to this onslaught on our peopleand the destruction of our country, which was liberated from the clasp of Ethiopian rule with the martyrdom of thousands and painful sacrifices by the rest of the population.
As destructive as they are when in power, self-serving dictatorscan leave behind even more hellish conditions when their rule comes to an end.One of the characteristics of dictators is that they block all effort at building of institutions of governance, after usurpingpower. They also do not allow independent existence of political parties or civil society organizations. They even emasculate the political organizations they ride to
2
power so that they don’t constrain their personal rule. The EPLF (PFDJ), for example, has become an empty shell of its old self and is hardly in a position to influence the dictator’s policy decisions. As a result, at the end of their rule dictators generally leave behind a power vacuum that can be detrimental to the survival of the state. They do not allow the different organizations of the state or the different branches of government to conduct their expected responsibility with any level of autonomy. They concentrate all power in their own hands and become centers of all policy decisions. In so doing, they make the state and the government inseparable from them. In other words, the dictator becomes the state and the government all by himself, as it has been the case in our country. Under such circumstances, whenthedictator’s demise comes there emerges the danger that the state and government also collapse, as we have seen time and again. The experiences of Somalia and Libya are good recent examples. People, enduringso much misery and humiliation under dictatorial tyranny, often find themselves in starkly horrendous situations when the state collapses with the demise of dictators. Statelessness can be even more denigrating to a population than an oppressive rule by a dictator.Under statelessness, thecountry becomes a free hunting ground for global and regional powers, which takeadvantageof the fragmentation of domestic forces. Moreover, it becomes extremely challenging to recreate the state once it collapses, as external powers obstruct such a process in order to preserve their free hunting groundby fomenting corrosive rivalries among domestic forces. In other cases, external powers may rule the country through handpicked domestic puppets, for all practical purposes colonizing the country.
Under such frightening threats to our country and our state, it is not too early for concerned Eritreans to dialogue and chart consensus arrangements that would secure the state. A number of options and arrangements might be possible. Perhaps the least risky for the state is for the Eritrean military to assume the reins of power, as the custodians of the state,for a short transitional period until an elected government is formed. However, this possibility raises somecritical questions.One is whether the military remains a cohesive force to be able to save the state. Another is whetherthe military would have benign political will and surrender power once it takes it. The answer to the first question is largely an act of faith. A force with the proud history of liberating the country and defending it at huge sacrifice, hopefully, has not been degraded into a personal security force of the dictator. The answer to the second question is rather complex. It is possible, although not likely, that the militarywould surrender power to the people, as General Suwar al-Dahab did in Sudan after he ousted President Nimeiri in 1985. More realistically, the military would retreat from power only if political partiesand civil society groups reorganize themselves and struggle in unison to demand that the military transferpower to an elected body within the shortest possible timeframe. It is, thus, absolutely essential thatpolitical organizations and civic groups overcome their myopic behavior and fragmentation in order to find common ground that would allow them to
3
have some voice. They are presently voiceless, due to rivalries, organizational fragmentation, and lack of coherent political vision. Civil society groups in the diaspora also need to form a global organization under a common agenda of saving the state. The Eritrean diaspora is rapidly growing in size, due to the exodus of the youth. It is likely to become a source of a major influence on Eritrean affairs both politically and economically. It, however, needs to be organized to influence the transition in the aftermath of the demise of the dictatorial regime. Non-inclusive meetings and workshops by selected political groups or civil groups would not advance the cause of saving the Eritrean state; they are no substitute for the proper establishment of a united and strong global civil society that is able to cultivate strong links with civil society groups inside the country. In the final analysis the will of the people and placing political power in the hands of the Eritrean people can only be guaranteed by an inclusive united front of civic organizations. For detailed discussion on transitional phase read EFND memorandum (reference link below).
The Eritrean people fought bravely for a generation with unprecedented determination, resilience,and sacrifices to secure the independence oftheircountry. Yet, they allowed their freedom to be stolen by the leaders of their liberation. Now every day that passes is bringing the endof the dictator closer. However, it may also be bringing closer a trying time for our state. This brief note is a call for us to liberate ourselves from the ‘narcissism of minor differences’ that seems to have inflicted us and unify our efforts in craftingpolitical arrangements thatwould safeguard our state. It is high time that we remind ourselves that we will not have the space for politicking and advancing our collective or private interests if we fail to safeguard our state. EFND iscommitted to do all it can to facilitate the establishment of global Eritrean civil society organization and we are confident that other civil society organizations share our views.
Previous EFND communiques, publications and conference activities
http://assenna.com/communique-no-3-eritreans-for-facilitating-national-dialogue-efnd-january27-2014/
Conference video https://www.youtube.com/watch?v=Rh-NWpy-wz0(13 parts)
EFND memorandum presented at the conferencehttp://assenna.com/eritreans-for-facilitatingnational-dialogue-efnd-proposed-platform-internal-working-memorandum-october-2014/
You can contact EFND via email: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ዓመታት ኣቑጺሩ ካብ ዝኽወል ገጽካ
ድምጽኻ ጠፊኡ እቲ ምቁር ቃልካ
ይሓይሽ ዶልካዮ ጽምዋ መሪጽካ
ጻዕጺዑ በርቲዑ ቃልሲ ብድሕሬኻ
ኣይመቀረን ቃልሲ ንስኻ ዘየለኻ
ምትግባሩ ከቢዱና ናይ ቃልሲ ትልምኻ
ኣይተረኸበን ዝትክእ ንዓኻ
ኤርትራ ኣይወለደትን ሓቦኛ ከማኻ
ተባላሓቲ ዘተግብር ራኢኻ
ንጽዕር ኣሎና ክንፍጽም ለበዋኻ
እታ ተካል መዓልቲ ሎሚ ትዝ ትብለኒ
ብተለፎን መስዋትኻ ከርድኡኒ
ስዩም ተሰዊኡ ምስበሉኒ
ልበይ ጠፊኡሊ ትንፋስ ሓጺሩኒ
ዓይነይ ጠሊሙኒ ጽልግልግ በለኒ
ምጻሩ ስኢነ ዓቕለይ ጸበበኒ
ዓለም ተውደኤት መሲሉኒ
ከይደቀስኩ ሃተፍ-ተፍ ሓዘኒ
ተካል ስማዕ ኢዩ ነይሩ ምቕባሉ ስኢነ
ሓበሬታ ክቕይር ፈቲነ ሓሊነ
ክቕይሮ ኣይካኣልኩን ብዝጊሄር ዝኾነ
ሕማቕ ወረ ነይሩ ዘሰንብድ ዘባህርር
ብኸመይ እዩ መይቱ ምእማኑ ዘሸግር
ጥሒሻ ዶ ኣይነበርካን ትሓልፎ ንሽግር
ሞቑሕ ናይ ጸላኢ ትብጥስ ትሰብር
ኣታ እዛ ሞትስ ክንደይከ ትደፍር
ንጀጋኑ ኣብ ትሕቲ መሬት ተንብር
ንስድራቤት ጅግና ሕቖኦም ትሰብር
ብእግሪ ተኽሊኻ ቃልሲ ዝጀመረካ
ንውጹዕ ህዝብኻ ዝተዋረድካ ዝተኣሰርካ
ናይ ዓዲ-ዃላ መቑሕ ዝበንጠስካ ዝሰበርካ
ንመዋእልካ ዕጥቅኻ ዘየውረድካ
ንኹሉ ፈተናታት ጠሓሒስካ
ዋይ ስዩማይ እዛ ደረቐኛ ሞት እባ ሰዓረትካ
ብድሕሬኻ ጉባኤታት ተገይሩ
ዘበገስካዮ ስምረት ኣተግቢሩ
ግንባር ናብ ሰልፊ ኣሰጋጊሩ
ኣገባብ ቃልሲ ኣማዕቢሉ ኣተግቢሩ
ንስርዓ ህግድፍ ካብ ስሩ በንቊሩ
ቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካል ኣብ ሃገሩ
ስዩማይ ስጋኻ እምበር ሞያኻ መዓስ ተቐቢሩ
ኣብጉዕዞቃልሲዝተበንቆሰ
ኣብ ዓዲ ጓና ሓመድ ዝለበሰ
ንህዝቢ ኤርትራ ሓርነት ከየልበሰ
ፍትሒ ዲሞክራሲ ከየንገሰ
ምህርቲ ቃልሱ ከይሓፈሰ
ንደቁን ስድራኡን ከይኮስኮሰ
ዲክታቶር ኤርትራ ከየፍረሰ
ስዩም ስውኣት ከርክብ ኣንጊሁ ገስገሰ
ጭቆና ካብ ሃገሩ ከየባረረ
ዲክታቶርነት ኲዒቱ ከይቀበረ
ኣብ ኣዳራሽ ዓዱ ከይመደረ
ነጻነት ሃገሩ ከየስተማቐረ
ስዩም ጂግና ብሞት ተሳዓረ
ስዩም ዓሪፍካ እምበር ኣይሞትካን
ተሰዊእካ እምበር ኣይካሓድካን
ጭቡጥ ኣብ መትከሉ ሰንከልከል ኣይበልካን
ጸኒዕካ ኣጽኒዕካ እምበር ኣይሃደምካን
ብጊዝያዊ ጠቕሚ ኣይተታለልካን
ዓለም ጠሊማታካ እምበር ንስኻስ ደኺመ ኣይበልካን
ስዩማይ ውላድ ሰውራ ውፍይ ንሃገሩ
ጸላእትኻ ብድምጽኻ ዝብህርሩ
ንሰላም ዝጣበቕ ተገቲሩ
ፍትሒ ከንግስ ኣብ ሃገሩ
ኣብ ዘይማዓልቱ ብሞት ተሳዒሩ
ዘይነቅዕ ከውሒ ዕረ ንጸላእቱ
ስለፍትሒ ብህጻኑ መኪቱ
መዝገብ ቃላት ነይርካ ዋልታ ንብጾቱ
ንህዝቡ ዘወፈየ ንእስነቱ
ሓመድ ካብ ዝድፈን ኣቚጺሩ 10 ዓመታቱ
ኣነስ ጌና ኣይኣመንኩን ስዩም ብሓቂ ዲዩ ሞቱ
ከይፈጸሞ መደብ ትልሚታቱ
በሉ ኣቶም ተረፍቲ ተመልከቱ
ከምኣ ኢያ ዓለም፡ ዓለም ከንቱ
ሞት ዘይትተርፍ ኩልና ሰዓብቱ
ሕማቕ ዕድል ደድሕሪኡ ሲዒባ ሰበይቱ
ሃየ ንቐጽሉ ዘበገሶ ትልሚታቱ
ብጊዝያዊ ጠቕሚ ቅዱስ ዕላማ ከይትስሕቱ
ስዩም ካብ ከድካ ዕረፍቲ ካብ መረጽካ
ደርቢኻልና ካብ ከድካ ናይ ዘመናት ትልሚታትካ
ኣምላኽ ይሓግዘና ክንቅጽሎ መደባትካ
ረኺብካዮም ዶ ስውኣት ብጾትካ
ሓቢርካዮም ዶ ኩነታት ሃገርካ
እንታይ ድኣ በለ ወደዳዊት መራኸብቲ ጸገምካ
ረኺብካዮ ዶ ሚካኤል ጋብር ብጻይካ
ረኺብካዮ ዶ ሙሴኸ ጀማሪ ምሳኻ
ቅሰን ኣጆኻ ክንቅጽሎ ኢና ዕላማኻ
መንግስተ-ሰማያት የውርስካ ምስ ኩሎም ስውኣት ብጾትካ
ብዲሞክራስያዊ ጥርናፈ ተቐይድና
ንቕዱስ ዕላማ ንድሕነት ህዝብና
ኣብዝሓ ሰልፊታት መስሪትና
ስርዓት ሕጊ ከነንግስ ኣብ ሃገርና
ሕድሮም ክይጥለም ጀጋኑ ስውኣትና
ትልሚታትካ ክንቅጽሎ መብጽዓ ይዂነና።
ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ኢደይ-ኢድካ ኢልና ንህግድፍ ንምእላይ ንቃለስ
ወልደስላሴ ገብረመድህን
ኣሪዞና
ሮተርዳም ፍላርዲንገን 19/12/2015
ሓው ኣሰፋው በርሀ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብምኽንያት ናይ’ቲ ብ19 ታሕሳስ 2015 ኣብ ፍላርዲንገን እተዳለወ ዝኽሪ መበል ዓሰርተ ዓመት ዘስምዖ ሓጺር ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ተጋዳላይ ስዩም ዑቝባሚካኤል ነቕርበልኩም ኣሎና።
*******
ሎሚ መዓልቲ ኣብዚ ንርከብ ዘሎና፡ ነቲ ናይ ሎሚ 10 ዓመት ናብ ናይ ዘልኣለም መዕረፊ ዘፋነናዮ ጅግና ሓውናን ብጻይናን ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ንምዝካር ኢዩ። 10 ዓመታት፡ ብሰዓታት ብመዓልታት ብሰሙናት ብኣዋርሕ ክንቆጽሮ ከሎና ነዊሕ ኢዩ ዝመስል፣ እንተኾነ ግን ስራሓቱን ኣሰራት ቃልሱን ኣማዕዲዩ ዝጥምት ኣተሓሳስባኡንኣብ ናይ ሎሚ ሃለዋትና ዓቢ ቦታ ሒዙ ስለዘሎ ትማሊ ኮይኑ ኢዩ ዝስመዓና። ኣብ ስዩም ዘሎና ዝኽሪታት ዘይሃስስ፡ ወትሩ ሓዲሽ ኢዩ። ንክቡራት ስድራ ቤት ስዉእ ስዩም፡ ነዚ መዓልቲ ዝኽሪ 10 ዓመት ኣዳሊዮም፡ ንሃገራዊ ኣበርክቶ ስዩም ከነኽብርን ሂያው ክንገብርን ዘኽኣሉና ምስጋና ይብጻሓዮም።
ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት፡ ካብዚ ቦታ ዚ ንሓርበኛ ስዉእ ስዩም፡ ንዑኡ ዝግባእ ክብሪ ሂብና ኢና ኣፋኒናዮ። ኣብቲ መዓልቲ’ቲ ሆላንዳውያን ባዕላቶም ከምዝገልጽዎ ንሓያለይ ዓመታት ከምኡ ዝኣመሰለ በረድ ክወርድ ርእዮም ከምዘይፈልጡ ኢዩ። መሬት ኩሉ ብበረድ ሻሽ መሲሉ ኣስከሬን ሓርበኛ ስዩም ብሞተር ዝዝውሩ ፖሊስ ተዓጂቡ ኔሩ ኣብ መካነ-መቓብር ዝበጽሐ። ካብ ሙሉእ ሃገራት ኤውሮጳን ካብ ሰሜን ኣመሪካን ኢትዮጵያን ዝመጹ ፈተውቱን ቤተሰቡን ናይ መጨረስታ ሰላምታ ሂበሞ። ብወሓይዝ ንብዓት ጠልቅየን ዝነበራ ኣዒንታትና ንምቕባሉ ዘይከኣላ ሬሳ ጅግና እናረእያ፡ ብከቢድ ጓህን ሓዘንን ዝተመልአ ልብና፡ ነመስግነካ ስለ እቲ ጽንዓትካእናበልና ኢና ኣፋኒናዮ። ምፍናው ጥራይ ውን ኣይነበረን፡ ኣገዳሲ መልእኽቲ ተመሓላሊፉ ኢዩ - ንሕና ኤርትራውያን፡ ክርስትያንና ኣስላምና፡ ኣበየናይ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ማሕበር ኔርና ብዘየገድስ ንኣበርክቶ ሓርበኛ ስዩም ኣብ ሃገራዉን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ብልቢ ከምዝኣመንናሉን፡ ዓቢ ኣኽብሮት ኣብ ልዕሊ ስዉእና ከም ዝነበረናን ዘመስከርናሉ መዓልቲ ኢዩ ውን ኔሩ።

ስውእ ሓርበኛ ተጋዳላይ ስዩም ዑቝባሚካኤል
ሓርበኛ ስዉእ ስዩም ዕቕባሚካኤል ሓሚመ፡ ደኺመ ዘይፈልጥ ዘይስልኪ ተስፋ ዘይቆርጽ ንህዝቢ ነፍሱ ዘወፈየ ተጋዳላይ ኢዩ ኔሩ። ብጻይ ስዩም ቅድም ምእንቲ ናጽነት፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ምእንቲ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ብተወፋይነትን ጽንዓትን ተቓሊሱ።፡ ሓርበኛ ተጋዳላይ ስዩም ኣብቲ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ክሳብ ዕለተ-መስዋእቱ፡ ዘየቋረጸ ናይ ቃልሲ ዋሕዚ፡ ኣብ እምነቱ ብዝነበሮ ጽንዓት፡ ኣርሒቑ ኣብ ምጥማት፡ ንዝኣምነሉ ተሪሩ ኣብ ምምካት፡ ሰሪሑ ዘይደክም ጻዕረኛ ብሩህ መጻኢ ተስፋ ምምዕዳው፡ ተወፋይነት፡ ገለ ኣብነታት ካብ መለለይ ጠባዩ ምዃነን ኣረጋጊጹ ኢዩ። ስዉእ ስዩም ኣብ መትከላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሮ እምነት ተሪር ኢዩኔሩ። እዚ መትከላትዚ ኣብ ዝተጋህሰሉ እዋናትን ምፍንጫላት ኣብ ዝተኸስተሉ መድረኻትን ግምባር ቀደም ኮይኑ ተቓሊሱ ኢዩ። ጽኑዕን ውፉይን ሓላዋይ መትከላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኔሩ ክበሃል ዝከኣል ኢዩ። ስዩም ሓያል መካቲ- እቲ ዝበልሐ ጫፍ ኣብ ምምካት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኔሩ። ስዩም ናይ ሓደ ሰብ ስራሕ ጥራይ ዓሚሙ ዝኸይድ ኣይነበረን። ኣብ ዝኾነ ውድባዊ ስራሕ ኣትዩ ከድምዕ ዘኽእሎ ብቕዓታት ኔርዎ። ስዩም ብዙሕ መሊኹ ዝዛረበሉ ቋንቋታት ስለዝነበሮ ሙሉእ ዕጥቂ ዝወነነ ፖለቲካዊ መራሕን ዲፕሎማትን ኢዩ ኔሩ። ሓያል መዳራይ ሓያል ጸሓፋይ ሓያል ገጣማይ ሓያል ጎስጓሳይን ወዳባይን ክኸውን ተዓዲሉ ኔሩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ስዩም ተዋዛያይ፡ መስሓቕ ብዕላል ኣውዒሉ ዘሕድር ኢዩ ኒሩ። መደረታቱ፡ ጸብጻባቱ ክንዲ ኣየናይ ይንውሑ ብዘየገድስ፡ ፍሉይ ኣቀራርባን ዝሕውሰሎም ጣዕምታትን ስለ ዘለዎም ክሳብ ዝውድኡ መሰጥትን ኣዘናጋዕትን ኮይኖም ኢዮም ዝቕጽሉ ኔሮም።
ሓርበኛ ስዩም፡ ንነዊሕ ዓመታት ዝተቓለሰሉ ዲሞክራስያዊ ራእይ ከውን ከይገበረ ኢዩ ኣብ ዘይእዋኑ ተቖጽዩ። ኣብ ነዊሕ ዓመታት ቃልሱ ዘኻዕበቶ ተመክሮን፡ ሓያል ጻዕሪ እናገበረ ብርእሰ-ኩስኮሳ ዘማዕበሎ ፍልጠትን ብቑዕ መራሒ ናይዚ እዋንዚ ክኸውን ኣብቂዕዎ ኔሩ ኢዩ። እዚ ብቕዓትዚ ኣብ ዝወነነሉ እዋን ምስውኡ ድማ ኢዩ፡ ንመስዋእቱ ዝያዳ ኣሕዛኒ ዝገብሮ።
ስዩም መን ኔሩ
ስዩም ጥሪ 1946 ካብ ኣብኡ ሰርጊንቲ ዑቕባሚካኤል ራእሱ ካብ ኣዲኡ ወ/ ሂወት ባህታ ኣብ ወረዳ ሸውዓተ ደቂ-ድግና ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ድማ ዓቢዩ።
ናይ መባእታውን ማእከላይን ደረጃታት ትምህርቱ ኣብ ስታውያንን ኣብ ፕሪንቺፐን ተማሂሩ፡ ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቱ ድማ ኣብ ልኡል መኮነን ካብ 1961-1965 ተኸታቲሉ።
ስዩም ጌና ብንእሽትኡ ከሎ ርሱን ፍቕሪ ሃገር ስለዝሓደሮ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ተመሃራይ እንከሎ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ሃገር ክሳተፍ ጀሚሩ። በዚ መሰረት ሓደን ቀንድን ካብቶም ብሕቡእ ማሕበር ምንቅስቓስ ተመሃሮ ዝጀመሩን ዝመርሑ ዝነበሩን መንእሰያት ነይሩ። ኣብዚ ታሪኻዊ እዋን ምስ ስዩም ኣብቲ ምንቅስቓስ ካብ ዝሳተፉ ዝነበሩ ናይ ሓደ ቤት-ምህርቲ ተመሃሮ፡ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሃይለ ወልደትንስኤ (ድሩዕ) ሚካኤል ጋብር፡ ወልደሱስ ዓማር፡ ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ዓብደልራሕማን ሓሰን ምህሪ፡ ገረዝጊሀር ተወልደን ዓብደላ ሓሰንን ከምኡ ውን ካልኦት ይርክብዎም።
ስዉእ ስዩም፡ ብ1965 ናብ ሚዳ ቃልሲ ወጺኡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ንስተወሰነ ግዜ ኣብ ሜዳ ድሕሪ ምጽንሑ ድማ፡ ኣብ ናይ ከተማታት ውሽጣዊ ስርርዕ ምእንቲ ክሰርሕ ምስ ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን መምሪሒታት ሒዙ ብሕቡእ ናብ ከተማ ኣስመራ ብነሓሰ 1965 ኣተወ። ኣብ ናይ ከተማ ውሽጣዊ ስርርዕ ዝነኣድ ስራሓት ከምዝፈጸመ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብቐረባ ዝፈልጥዎ ብጾት ይምስክሩሉ። ስዉእ ስዩም ኣብ ውሽጢ ከተማ ገድላዊ ስራሑ እናካየደ ከሎ፡ ምስጢራዊ ምንቅስቓሱ ብጸላኢ ስለ ዝተፈልጠ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ባዕዳዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ናይ ቃልሲ ብጻዩ፡ ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገንን ካልኦት ናይ ውሽጢ ከተማ ተሓባበርትን ተኣስረ። ስዩምን ወልደዳዊትን ንዝሰርዕወን ሚስጢራዊ ጉጅለታት ንከቃልዑ ብመርመርቲ ቤት ማእሰርቲ ከቢድ መርመራ ተኻይድሎም። እንተኾነ ግን፡ንኹሉ ስቓይ ተጻዊሮም ንዝሰርዕወን ሚስጢራዊ ጉጅለታትን ምስኦም ተኣሲሮም ንዝነበሩን ንምድሓን በይኖም ሓላፍነት ወሰዱ። በዚ ምኽኒያት ከኣ ድሕሪ ማእሰርቶም ዝነበረ ስርርዓት ከይተናወጸ ገድላዊ ስራሑ ክቕጽል ከኣለ።
ስዉእ ስዩም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዝካየደሉ ዝነበረ ኣሰቃቒ መርመራታት ኣይረዓደን ኣይተጻዕደን። ብኣንጻሩ ግን፡ እቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊኡ ዝካየድ ዝነበረ ኣሰቃቒ ተግባራት ንሃገራዊ ስምዒቱ ኣንሃሮ። ኣብ ዕላምኡ ንዝነበሮ እምነት ኣደልደሎን ኣበርትዖን። ኣብ ቤትማእሰርቲ ኮይኑ ነቲ ቃልሲ ምስ ብጾቱ ቀጸሎ። ብዝተፈላለየ ምኽኒያት ተሓቢሶም ንዝመጹ ዝነበሩ መንእሰያት ኣብ ቃልሲ ሃገር ክሳተፉ ከምዝኽእሉ እገብር ነበረ። ኣብ ውሽጢዚ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ናይ ማእሰርቲ ግዜ ንኣስታት 25,000 ዝኾኑ ተኣሲሮም ዝመጹ ዜጋታት ሃገራዊ ምንቕቓሕ ምስ ብጾቱ ኮይኑ ከካይድ ከኣለ። ቤት ማእሰርቲ ንስዩም ሓዲሽ ናይ ቃልሲ ቦታ ኮነሉ። ስዩም ሓደ መዓልቲ ካብቲ ቀይድዎ ዝነበረ ናይ ጸላኢ መቑሕ ስዒሩ ከምዝወጽእ ይፈልጥ ብምንባሩ፡ ነዚ ክዉን ንምግባር ምስ ኣብ ግዳም ዝነበሩ ናይ ቃልሲ ብጾቱን፡ ኣብ ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ ተዋፊሮም ዝነበሩ ሃገራውያን ጥንቁቕ ዝምድና እናገበረ ጻዕርታት የካይድ ነበረ። በዚ መሰረት ድማ ጻዕርታቱን ሕልሙን ጋህዲ ኮይኑ፡ ሓይልታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ በቲ ንሱ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ፡ ዓቢ ግደ ዝተጻወተሉ ስርሒት፡ ብ12 የካቲት 1975 ኣብ ሓደ ሰዓት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣስመራን ዓዲዃላን ስዩምን ወልደዳዊትን ሃይለ ድሩዕን ዝርከብዎም ከባቢ 1000 ዝኾኑ እሱራት ብሙሉኦም ሓራ ኮኑ።
ስዉእ ስዩም፡ ካብ ማሰርቲ ተሳሒሉን በሊሑን ኢዩ ወጺኡ። ብዘይካቲ ዘማዕበሎን ዘስፍሖን ፖለቲካዊ ፍልጠቱ፡ ብዙሕ ቋንቋታት ውን መሊኹ ክዛረብ ይኽእል ኔሩ። ኣብ ልዕሊቶም ኣብ ትምህርቲ ዓለም ከሎ ዝተማህሮም ጣልያን፡ እንግሊዝ ኣምሓርኛ ኣብ ውጢቲ ቤት ማሰርቲ ኮይኑ ብሓርኮትኮቱ ዝተማህሮም ቋንቋታት ድማ ፈረንሳይ፡ ስፓንያ ዓረብኛ ኔሮም።
ስውእ ስዩም፡ ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ሕማቕ ናይ ማእሰርቲ ኩነታት ጸኒሑ ምስ ወጸ፡ ከም ሰብ ዕረፍቲ መድለዮ ኔሩ፡ ቤተ-ሰቡ ክርኢ መድለዮ ኔሩ። ኣብ ቅድሚ ስዉእ ስዩም ግን፡ እቲ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዝስራዕ ቃልሲ ንሃገርን ህዝብን ኢዩ ኔሩ። (ኣብ ሙሉእ ቃልሲ ሂወቱ ነዚ ኣስራርዓዚ ከይቀየሮ ብመስዋእቲ ተፈልዩ።) ከምኡ ስለዝነበረ ድማ፡ ብቀጥታ ኣብ ሃገራዊ ስራሑ ተጸሚዱ። ኣብቲ ብ1975 ዝተኻየደ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ተሓኤ ድሕሪ ምስታፉ፡ ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ከም ፖለቲካዊ ወኪል ተመዲቡ ክሰርሕ ሓዲሽ ምዕራፍ ናይ ቃልሲ ጀሚሩ። ድሕሪዚ ድማ ከም ኣቦ መንበረ ሃገራዊ ማሕበር ሓረስቶት ኤርትራ ኮይኑ ሰሪሑ። ስዉእ ስዩም ኣብዚ ከም ኣቦ መበር ሓረስቶት ኮይኑ ዝሰርሓሉ እዋን፡ ኣብ ሓረስቶት ኤርትራ ዘለዎ ተገዳስነትን ሓልዮትን ምስ ተራእየ ኢዩ “ሓረስታይ” ዝብል ቅጽል ስም ክጠብቆ ዝኸኣለ። እወ ስዩም ብሓቂ ተጣባቓይ ውጹዓት ሓረስቶት ኤርትራ ኢዩ ኔሩ።
ስዉእ ስዩም ኣብ ዝተፈላለየ ቤት-ጽሕፈታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርታራ-ሰውራዊ ባይቶ ላዕለዋይ ሓላፍነት ሒዙ ሰሪሑ ኢዩ። ከም ሓላፊ ኣህጉራዊ ጉዳያት ቤት-ጽሕፈት ኮይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ ግዚያት፡ መትከላትን ዓላማታትን ውድቡ ምስ ዓለም ምልላይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝፍጸም ዝነበር ግህሰታት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ኣብ ምቅላዕ ዓቢ ግደ ዝተጻወተ ሓርበኛ ኢዩ ኔሩ።
ሓርበኛ ስዩም፡ ካብ 2002 ክሳብ ዕለተ-መስዋእቱ፡ ከም ኣቦ-መንበር ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ መሪሕ ግደኡ ተጻዊቱ። ኣብ ዝነበራ መጨረስታ ኣዋርሕ ናይ ቃልሲ ሂወቱ፡ ነቲ ናይ ዓወት ስትራቲጅና ኢሉ ዝጽውዖ ዝነበረ ናይ ውድቡ (ሰውራዊ ባይቶ) መደባት ሒዙ ብጻዕቂ ተንቀሳቒሱ። እቲ ናይ ዓወት ስትራተጂ ኣብ ኣርባዕተ መዳያት ዘትኮረ ኔሩ፡
- ኣብ ውሽጣዊ ውድባዊ መዳይ 2. ኣብ ጉዳይ ደምበ ተቓዉሞ 3. ኣብ ውሽጢ ኤርትራ 4. ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ
- ኣብ ውሽጣዊ ውድባዊ መዳይ፡ ኩነታት እቲ ውድብ ክሕደስን፡ ኣወዳድብኡ ድማ ነቲ መድረኽ ቃልሲ ብዝሰማማዕ ኣገባብ ናብ ፓርቲ ክሰጋገርን፡ ስዉእ ስዩም ብዕቱብ ሰሪሕሉ።
- ኣብ ደምበ ተቓዉሞ፡ ንክህልወካ ዝኽእል ፍልልያት ኣወንዚፍካ ብእትሰማማዓሉ ጉዳያት ሓቢርካ ምስራሕን፡ ንእትወስዶም ውሳኔታት ድማ እኹል መጽናዕቲ ጌርካ ክትበጽሖም ከሎኻ ኣተኣማማኒ ክኸውን ከምዝኽእል ይርኢ ኔሩ። ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝፍጠር ዝነበረ ዘይምርድዳእ ኣብ ደምበ ተቓውሞ፡ ብህዱእ መንፈስን ዕቱብ ኣቀራርባን ክፍታሕ ኣለዎ ካብ ዝብል ጽኑዕ እምነት ነቒሉ ተበግሶታት ይወስድ ኔሩ ኢዩ።
- ብዘይ ተሳትፎ ህዝቢ ካብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ክወደቕ ከም ዘይክእል ብምእማን፡ ስራሕ ውድብ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ዘትኮረ ክኸውን መደባት ሓንጺጹ ንምዕዋቱ ይሰርሓሉ ኔሩ።
- ብጻይ ስዩም ቃልሲ እቲ ዝመርሖ ውድብ ኮነ ህልውና ደምበ ተቓዉሞ ኣብ ሓደ ውሱን ኩርናዕ ተደሪቱ ንከይተርፍ ድኻሙን ጻዕሩን ከይጸብጸበ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ኣዉስትራሊያን ዝያዳ ድማ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ተደጋጋሚ ዑደታት ብምክያድ ዕዉት ዲፕሎማስያዊ ስራሓት ፈጺሙ ኢዩ። ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ሕድሕድ ምክብባር ዝተሰረተ ጽቡቕ ዝምድና ዋሕስ ናይ ሰላምን ሓባራዊ ዕብየትን ምዃኑ ኣጸቢቑ ስለዝኣመነ፡ ነዚ ጽቡቕ ዝምድናዚ ንምህናጽ ካብ ቀንዲ ተታሒዝዎም ዝነበሩ ጉዳያት ኢዮም ኒሮም። ኣብዚ ዝተመርኮሰ ዝርርባት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነብስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ንምክያድ ተደጋጋሚ ርክባት ተገይሩ ኢዩ።
ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ሕዳር 2005 ናይ ሰውራዊ ባይቶ ላዕለዋይ ልኡኽ መሪሑ ንውድባዊ ስራሓት ናብ ኢትዮጵያ ከይድሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ኢዩ ብዕለት 17 ታሕሳስ ንውሑዳት ሰዓታት ድሕሪ ምሕማም ካብዛ ዓለም ተፈልዩ። ቁልጡፍ ዝግባእ ሕክምና እንተዝረክብ ክጸንሕ ምኽኣለ ኔሩ። ብዕለት 16 ታሕሳስ 2005 ድሕሪ ቀትሪ ስዩም ኣብ ቤት ጽሕፈት ውድቡ ነይሩ። ኣብዚ ዕለትዚ ምስ ብጾቱ ኣብ ቤት ጽሕፈት ብሓባር ተመሲሑ።ኣጋ ሰዓት 3፡30 ድሕሪ ቀትሪ ናብ ሆቴሉ ከዕርፍ ከይዱ። ክኸይድ እንከሎ፡ ጸኒሐእንተመጺአ ክንራኸብ ኢና ተዘይመጺአ ድማ ጽባሕ ንግሆ የራኽበና ኢሉ ተፋንዩ ከይዱ። እንተኾነ ኣቐዲሙ’ውን ሰውነተይ ይኸብደኒ ኣሎ ይብል ስለ ዝነበረ ምሸት ኣይተመልሰን። እቶም ብጾት እውን ኣቀዲሙ ሓቢሩዎም ስለ ዝነበረ ብዘይምምጻኡ ብዙሕ ኣይተሻቐሉን።
ንጽባሒቱ ቀዳም ዕለት 17 ታሕሳስ ከባቢ ስዓት ሸውዓተ ናይ ንግሆ የሕምሞ ከም ዝነበረ፡ ቁሪቁሪ የብሎን ኣብ ኣፍልቡ ድማ ሸቕሸቕታ ይስምዖ ከምዝነበረ ንብጾቱ ገሊጽሎም።እዚ ድሕሪ ምስማዕ ብጾቱግዜ ከይወሰዱ ናብ ሕክምና ክወስድዎ ይውስኑ፡ሓደ ካብኦም ድማ ሒዝዎ ይኸይድ። ኣብ ቀረባኦም ዝነበረ ሕክምና ምስ በጽሑ፡ ቅድሚ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ንግሆ ስለዝነበረ ምዱባት ሓካይም ክረኽቡ ኣይከኣሉን።ክሳብ ሰዓት ኣኺሉ ሓካይም ዝመጹ ሓደ ኣብቲ ክሊኒክ ዝሓደረ ክኢላ ንግዜኡ ቃንዛ ዘዕግስ መርፍእ ንስዩም ወጊእዎ። እቲ ቃንዛ ውን ሃዲእሉ ኔሩ።
ሰዓት 8፡15 ናይ ንግሆ ኣቢሉ ይኸውን ሓኪም መጺኡ። ንስዩም እናመርመሮ ከሎ፡ እቲ ሓኪም ብኹነታት ስዩም ከም ዝሰንበደ ካብ ገጹ ይንበብ ነይሩ።እቲ ሓኪም መሳርሒታት እንዳቐያየረ ምስ ረኣዮ ክብደት ናይቲ ሕማም ተገንዚቡ ናብ ሆስፒታል ቤተ ዛታ ብኣምቡላንስ ከም ዝኸይድ ገበረ።
ኣብቲ ሆስፒታል ከይዱ ውን ሓካይም ንስዩም ከድሕንሉ ዝኽእሉ ክእለትን መሳርሕን ኣይነበሮምን። ኣብ ከባቢ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ልቢ ስዩም ስራሓ ከምዘቋረጸት ንብጾቱ ተነግሮም። ብከምዚ ድማ፡ እቲ ዕረፍቲ ዝበሃል ኣብ ሂወቱ ዘይፈልጥ ዝነበረ ስዩም ንዘልኣለም ዕረፍቲ ወሰደ።
ዜና መስዋእቲ ስዩም ምስ ተሰምዐ ዝኣመነ መቃልስቱ ኣይነበረን። ሽዑ እቲ ድሮኡ ዝነበረ መዓልቲ ክጎይ ዝረኣዮ ሰብ ከመይ ኢሉ ክኣምን? እቲ ንምዕዋት ሰላምን ፍትሕን ዲሞክራስን ዝገብሮ ዝነበረ ጉያ ብሕማም ዲዩ ብድኻም ፈጺሙ ክንኪ ኣይተራእየን። ንብጾቱ ወይ ንስድራ-ቤቱ ይጽላእኒ ኣሎ ወይ ይደኽመኒ ኣሎ ኣይበለን። እቲ ሓቂ ግን፡ ስዩም ከም ሰብ፡ ስጋ ኣዳም ዝለበሰ፡ ኣይሓምምን ኣይደክምን ኔሩ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቲ ሓሚመ ደኺመ ኢሉ ምዕራፍን ናብ ሓኪም ምኻድን ግዜ ናይ ቃልሲ ምብኻን ገይሩ ይርድኦ ስለዝነበረ ኢዩ። ኣብታ መወዳእታ መዓልቲ ናብ ሆስፒታል ተሰኒፉ ምስ ከደ ገለ ደቓይቕ ጥራይ ንክስዋእ ተሪፈንኦ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እቲ ኣትይዎ ዝነበረ ሆስፒታል ናይ ግሊ ምዃኑ ምስተረድአ “እዚ ድኣ ዋግኡ ክበዝሓና እንድዩ ናብ ዝሓሰረ ሕክምና ዘይትወስዱኒ” ኢሉ ምሕታቱ ቅድሚ ነብሱ ኣብቲ ቃልሲ ዘለዎ ሓልዮት ኢዩ ኣርእዩ። መስዋእት ስዩም ብምድግጋም ምስ ተነግርና ጥራይ ኢና ብሓዘን ስምባደን ተቐቢልናዮ። ኩሉ እቲ ንቓልሲ ብቐረባ ዝከታተል ዝነበረ ሰብ፡ እቲ ብኣመራርሓ ስዩም ጋህዲ ክኸውን ኢዩ ኢሉ ዝኣምነሉ ዝነበረ ለውጢታት ኣብቲ ውድብ ስንክልና ከየጋጥሞ ስግኣታቱ ገሊጹ ኢዩ ። እንተኾነ ግን ሕድሪ ዘይጠልሙ ብጾቱ፡ ነቲ ብጻዮምን መራሒኦምን ዝገደፎ ሃጓፍ ንምምላእ ንዝዓበየ ተወፋይነት ነብሶም ቀረቡ። ዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላራት ዝረኽቡሉ ዝነበሩ ርቡሕን ልዑልን ስራሓት ገዲፎም ኣብቲ ቃልሲ ብሙሉእ ግዜኦም ተጸሚዶም ነቲ መስመር ቃልሲ ቀጸልዎ።
ኣስከሬን ሓርብኛ ስዩምጉዕዞኡናብ ሆላንድ ቅድሚምጅማሩ፡ ናይ መፋነዊ መደብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዕለት 20 ታሕሳስ 2005 ተሰሪዑ ። ኣብዚ ሓጺር ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል ዝተነበሉን ንሓርበኝነቱ ዝገልጽ ግጥምታት ዝቐረበሉን ናይ ፈነወ ስነ-ስርዓት፡ ሓያሎ፡ ቤተሰቡን ፈተውቱን፡ መራሕትን ኣባላትን ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ኢትዮጵያውያንን ተሳቲፎም። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ስብሓት ነጋ ካብ ኢህወደግ፡ ኣንበሳድር ሱሌማን ካብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር፡ ኣንበሳደር ሃይለኪሮስ ገሰሰ ናይ ሽዑ ኣንበሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና፡ ኣቶ ሕቡር ገብረኪዳን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ፎረም ሰንዓን ካለኦትን ይርከብዎም። ኣስከሬን ስዩም ዕለት 20 ታሕሳስ ኣብ ሆላንድ ኣትዩ። ዕለት 30/12/2005 ድም ብክብሪ ኣብ ፍላርዲንገን ከባቢ ሮተርዳም ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።
እዚ ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት፡ ኩሉ ውልቃዊ ረብሓታት ራሕሪሑ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዝተቓለሰ ሓርበኛ፡ ሕልሚታቱ ብጋህዲ ክርኢን ብፍረ ቃልሱ ክሕጎስን ዝግብኦ ኢዩ ኔሩ። እንተወሓደ ውን ሓመድ ናይታ ንጽቡቓ ከርተት ዝበለላ ሃገር ክለብስ ኢዩ ዝግብኦ ዝነበረ። ነዚ ከይረኣዮ ይሕለፍ ምበር ከም ስዩም ዝኣመሰለ ተቓላሳይ ንህዝቡ ምበር ንነብሱ ዘይሓስብ ፍጥረት፡ እቲ ንዓመታት ዝተቓልሰሉ ሓቀኛ ዕላማ ንሱ ተዘይፈጸሞ ብድሕሪኡ ዝፍጽሙዎ ተቓለስቲ ከምዘለዉ እናኣመነ ኢዩ ተቓሊሱ። ከም እምነቱ ድማ እቶም ነቲ ንሱን ከምኡ ዝኣመሰሉ ተቓለስትን ዝተኸልዎ ፈልሲ፡ ኮስኲሶም ዘዐምብብዎን ኣብ ፍረ ዘብጽሕዎን ተቓለስቲ እናዓበዩን እናሰፍሑን ይኸዱ ኣለዉ። መንእሰያት ዝሳተፍዎ ቃልሲ ክኸውን ካብ ቀንዲ ድሌታትን ጻዕሪታትን ናይ ስዩም ዝነበረ እንሆ ሰሚሩ መንእሰያትና ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ይነጥፉ ኣለው።
ኣብ መደምደምታ ክበሃል ዝከኣል፡ ሓርበኛ ስዩም ንሙሉእ ሂወቱ ኣብ ቃልሲ ክውፈ ዝኸኣለ ንዕኡ ዘወፈይዎ ስድራቤት ስለ ዝነበሩ ኢዮም። ኣብ ክንዲ ናይ በይኖም ዝኸውን ንህዝቢን ሃገርን ክኸውን ስለዝፈቐዱ ኢዮም። ኩሎም ደቂ ስዩም ዓቢ ዋጋ ከፊሎም ኢዮም ብፍላይ ድማ፡ እቶም ዓበይቲ ደቁ ኣይዳ ስዩምን ጳውሎስ ስዩምን ምስ ኣዲኦም ወይ/ ኣዝመራ ሃይለ ኣብቲ ናይ ኣቡኦም ሓገዝ ክረኽብሉ ዝግባእ ዝነበረ እዋን በይኖም ኮይኖም ሂወቶም ምምርሖም ዓቢ መስዋእቲ ምኽፋል ኢዩ ኔሩ። እዚ ብስድራ ቤት ስዩም ዝተኸፍለ ዋጋ፡ ንቓልሲ ዝተኸፍለ ዋጋ ኢዩ። ከምቲ ቅድሚ 10 ዓመት ንስዉእ ስዩም ከነፋንዎ ከሎና ነመስግነካ ስለ ጽንዓትካ ዝበልናዮ፡ ንኩሎም ደቁ ውን ኩሉ ኪኢሎም ነቦኦም ጸኒዑ ክቃለስ ምግባሮም ዓቢ ምስጋና ይብጻሓዮም። ኣቦኦም ንህዝቢ ኤርትራ ብዝገበሮ ሙያ ዘይበርስ ውርሻ ገዲፍሎም ብምኻዱ ሕቡናትን ሕጉሳትን ኮይኖም ክነብሩ ዝተዓደሉ ኤርትራውያን ኢዮም።
ነዚ መዓልቲ፡ ብኣጋጣሚ መበል 10 ዓመት መስዋእት ጂግና ስዉእ ስዩም ዕቕባሚካኤል ክንዝክሮ ከሎና፡ ንኹሎም ኣብቲ ነዊሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዝተሰዉኡ ውን ብልቢ እናሓሰብና ኢና። ብፍላይ ውን ነቶም ምስ ስዩም ቀረባ ናይ ቃልሲ ዝምድና ዝነበሮም፡ ኣብቲ ቃልሲ ዓበይቲ ኣስተዋጽኦታት ዝገበሩ ድሒሮም ኣሰሩ ዝተኸተሉ ላዕለዎት ሓርበኛታት መራሕቲ፡ ስዉእ ኣሕመድ ናስር፡ ስዉእ ዓብደላ ኢድሪስ፡ ስዉእ ዶር/ በየነ ኪዳነ ንሃገሮምን ህዝቦምን ብዝገበርዎ ሙያ ካብ ዝኽሪታትና ዘይፍለዩ ኢዮም።
ስዉኣትናንዘልኣለምተኸቢሮምይንበሩ!
19 ታሕሳስ 2015
ኣሰፋው በርሀ
