ካብ ናይ X መዲያ ዝተወሰደ ስእሊ

ሰልፊ ብልጽግና “ናይ ህልውና ስግኣት ተንተናን ስራተጅያዊ መፍትሒ መማረጽታትን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣዳልዩ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2026 ብምስጢር ናብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰልፊ ብልጽግናን ፈደራል መንግስትን፡  ዝዘርግሖ ሰነድ ምውጽኡ ብዝተፈላለያ ማሕበራዊ መድያታት ተቓሊዑ። እቲ 12 ገጻት ዘለዎ ኣብ ጸጥታውን ፖለቲካውን ስግኣታት ኢትዮጵያ ዘተኮረ ሰነድ፡ ኣብ 4 ኣስጋእቲ ናይቲ ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ፈደራል መንግስቲ ዝበሎም ጉዳያት ዘተኮረ እዩ።

እቶም እቲ ሰነድ ዘተኮረሎም 4ተ ዛዕባታት፡ “ምትንሳእ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ምብርባር ምሁራት ትግራይን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ምንቅስቓስ ፋኖ ካብቲ ተነጺልዎ ዝነበረ ናብ ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ስግኣት ምዕራጉ፡ ናይቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሓይሊ ጐረቤት ሱዳን ዓቕሚ ምድልዳሉን ምስ መንግስታት  ግብጽን ኤርትራን ዝምድናኡ ምድልዳልን ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ኤርትራን ፖለቲካዊ ጽልዋኡ ኣብ ኢትዮጵያን ብኢትዮጵያ ዝለዓል ዘሎ ግዜን ኣገባብን ዘየገናዘብ ሕቶ ቀይሕ ባሕርን ውደብን” ዝብሉ እዮም።

ብዘይካዚ እቲ ምስጢራዊ ሰነድ፡ መንግስቲ ብልጽግና ብሰንኪ ዘይዕቱብ ኣተሓሕዛኡ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ካብ ህዝቢ ዝገጥሞ ዘሎ ተቓውሞ’ውን ኣብቲ ምስጢራዊ መጽናዕታዊ ሰነድ ዝተደህሰሰ እዩ። ኣብ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ሰነድ ድማ ውዕል ፕሪቶርያ ብግቡእ ስለ ዘይተተግበረ ኣብ ትግራይን ኣምሓራን ፈጢርዎ ዘሎ ጸገም ይእመን።  ከም መዋጸኦ ድማ ነቶም ኣብቲ ክልላት ኣንጻር ፈደራል መንግስቲ ዝዋስኡ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ በቲ ሓደ ወገን ካብ ህዝቢ ናይ ምንጻሎም፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ሕድሕዶም ዘይምትእምማን ፈጥሪርካ ዝከፋፈልሉ ስረሓት ምክያድ ከም ኣስፊሩ። ብሓፈሻ ናይ መንግስቲ ወተሃደራዊ መንገዲ  ከም እንኮ መፍትሒ ምርጫ ጌርካ ምርኣይ ጌጋ ምዃኑ ጠቒሱ።

ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት ከኣ እቲ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ዝነበረ ስምምዕ ናብ ናይ ህልውና ስኣት ከም ዝተመለሰ ስፍሕ ብዝበለ ኣስፊሩ። ሕቶ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራን ወደብ ዓሰብን ግዜኡ ዘይሓለወን ልኡላውነት ኤርትራ ዝጻረር ዝመስል ህዉኽ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳድን ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝስምዕዎ መደረታትን መንገሲ ኤርትራ ምስ ትግራይ፡ ፋኖን ሱዳንን ንክተሓባበር ከም ዝዓደሞ ጠቒሱ።

 ከም ናይ መጻኢ መፍትሒ ከኣ ግዜ ወሲድካ ንመንግስቲ ኤርትራ ብዲፕሎማስያዊ መዳይ ኣዳኺምካን ካብ ህዝቢ ነጺልካን ምቕጻል ይብል። ብናይ ብዙሓት ግዱሳት ሚዛን፡ እቲ ገምጋማዊ ሰነድ መንግስቲ ፈደራል ብሰንክቲ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ኣብ ጨንቂ ከምዘሎ ዘመልክት’ዩ ይባሃል ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ “መውጽእ ኣፉ” ገይርዎም ካብ ዘሎ ዛዕባታት ጉዳይ ምምሕዳር ዓብይ ሓጽቢ ሕዳሰ ኢትዮጵያን ኣፍደገ ባሕርን እዮም። መራሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም ክልተ ዛዕባታት “እዋናውን ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ወሰንቲ ቀያሕቲ መስመርን እዮም”  እናበለ እዩ ኣብ ፈቐዶ ኣጋጣሚታት “ጸማምሲ ሓደ ደርፉ” ክሳብ ዝበሃል ዝሓይኮም። ብፍላይ ንቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ዝምልከት፡ ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኸበሉ  ከኮማሰዖ እንከሎ፡ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፡  ንሕብረተሰብ ዓለም’ውን ኣስደሚሙ ዘሎ’ዩ።

ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነዞም ክልተ ዛዕባታት ከልዕል እንከሎ፡ ሕጊ ተኸቲሉ ዘረጋግጾም መሰላቱ ኣምሲሉ እዩ ዘቕርቦም።  ነቲ ምስ ግብጺ ዘለዎ ጌና ዘይተዓጽወ ፋይል ክጠቅስ እንከሎ፡ ነቲ ኣብ 1929ን 1959ን ኣብ መንጎ ግብጽን ኣብቲ እዋንቲ ንሱዳን ዘመሓድር ዝነበረ ስርዓት እንግሊዝን ብዝተፈራረምዎ መሰረት፡ ንግብጺ 55.5 ቢልዮን ንሱዳን ድማ 18.5 ቢልዮን ኪዩቢክ ሜተር ማይ ናይ ምጥቃም መሰል ኣፍቂዱ ንኢትዮጵያ ግና ዘይጠቕሳ ስምምዕ ብምዃኑ እዩ ዝቃወም። መሰረታዊ ምኽንያቱ ድማ ብገዛእ መግለጺ ልኡላውነታ ዝኾነ ማይ ሩባ ኣባይ፡ ኣብ ዘይተሳተፈትሉ ብዝተኸተመ ስምምዕ ኣይትቅየድን’ያ  ዝብል ምዃኑ ደጋጊሙ  ዝጠቕሶ እዩ።

ድሕሪ ምህናጽ ዓብይ ሓጽቢ ህዳሰ እውን፡  መንግስቲ  ግብጺ ኣብ ኣመላለኣን ምስ ከጋጥም ዝኽእል ደርቅን ምልውዋጥ ኣየርን ክፍጠር ዝኽእል ዋሕዲ ማይ ተክኒካዊ ምምሕዳር ብቀዋምነት እንተዘይተሳቲፈ፡ ውሕስነት የብለይን፡ ከምኡ ከኣ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ሩባ ኣባይ ተወሳኺ ሓጽቢ ከይትሃንጽ ንዝብሎ ዘሎ እዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቃወም ዘሎ። ስለዚ መሰረታዊ መቃወሚኡ ምኽንያት “ኣብ ልኡላዊ መሰለይ ናይ ግብጺ ጣልቃ ኣየፍቅድን” ዝብል መጎት እዩ።

ናብ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ክምጻእ እንከሎ ግና፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ  ንልኡላውነት ካላኦት ዋጋ ከምዘይህብ ዘርኢ’ዩ።  ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ፡  ነቲ ዞባዊ ኮነ ዓለምለኻዊ ሕጋዊ መሰረት ዘለዎ  ንኣጠቓቕማ ውደብ ገማግም ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ዝምልከት ሕጊ ዓንቀጽ 125 ካብ ቁጽሪ 1 ክሳብ ቁጽሪ 3 ብምጥሓስ፡ “ስለ ዘድልየኒ ናይ ምውናን መሰል ኣለኒ” ኣብ ዝብል ስምዒት ጥሒሉ ዝሕንብስ ዘሎ። ነቲ 85%  ናይ ኒል  ማይ ካብ ኢትዮጵያ ዝምንጩ ስለ ዝኾነ፡ “ገደብ ዘየብሉ ልኡላዊ ተጠቃምነተይ ይከበረለይ” ኢሉ ክምጉት እንከሎ፡ ብኣንጻሩ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን፡ “100% ኤርትራዊ ልኡላዊ ምዃኑ ክዝንገዖ እንከሎ ከኣ የገርም።  እዚ እዩ ከኣ ጉዳይ  ልኡላውነት “ክውዕየካን ብማንካ ክዝሕለካን ብኢድካ” ኣይኮነን ዘብል።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብምኽንያት መበል 1447 ዓመት ምጅማር ጾመ-ሮመዳን 2026፡ ብቋንቋ ዓረም ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ “እንኳዕ ኣብጸሓኩም” መልእኽቱ፡  “ኢትዮጵያ ናይ ምስፍሕፋሕ ድሌት ዘየብላ ሃገር እያ፡ ከምኡ እውን ጸጥታ  ጐረባብታ ኣይትዘርግን” ኢሉ። ካብቲ መልእኽቱ ከይወጸ ከኣ፡ “እንተ ብፍታው እንተ ብዘይፍታው ኣፍደገ ባሕሪ ወኒና፡ ህንጸት መደበር ሓይሊ ባሕርን ኣገልግሎት ወደብን ከነረጋግጽን ኢና” ክብል፡  ነቲ ዝበሎ ተመሊሱ ዘፍረሶ ምዃኑ ካልእ ኣገራሚ ’ዩ፡ ።

ናይቶም ብስምዒት ዘለዓዕልም ሰዓብቱ ተቐባልነት ንምዕዛዝ ከኣ፡ ቅድም ኣብ ቀላይ ጣና ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ኣብ ቀላይ ኣዋሳ “ፍሉይ ኮማንዶ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ”  ናይ ዝብሎ ሰራዊት ምርኢት ይዕዘብ ነይሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ከኣ ነቲ ብዛዕባ ወደብ ዓሰብ ክቑዝሞ ዝጸንሐ፡ ከምቲ “ወሓጥዮ ተበልኩዋስ ትጐስሞ”  ዝበሃል፡ ናይቲ ካብ ሶማሊያ ክሳብ ወደብ ምጽዋዕ ዘሎ ገማግም ጸጥታ ክሕልው እየ ክብል’ውን ተሰሚዑ። ክሳብ ክንድዚ ድፍረትን ንዕቀትን እናርኣየ “ናይ ጐረባብተይ ጸጥታ ኣይዘርግን’የ” ምባሉ ከኣ ነቲ ኣሽካዕላሉ ዝያዳ የግድዶ።

ናይ ኣብይ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምውናን መጎት ደጋጊሙ ከም ዝነገረና፡ ካብ “ክቱር ዘይሓላፍነታዊ ድሌትን  ብብዝሒ ህዝቢ ምጉብዕባዕን ሓሊፉ ካልእ ክብደት ዝወሃቦ መንቀሊ የብሉን። ብናይ ሃገራት ተፈጥሮኣዊ ጀኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ተማእዚዝካ ዝተዋህበካ ጸጋ  ናይ ዘይምቕሳን ዝተዘርገ መንፈስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደረቱ ዝሓለፈ ምዃኑ እውን ንዕዘቦ ኣለና። ንኣብነት ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ብድምር 123.25 ቢልዮን ኩቢክ ሜትር ማይ ዝዓቑሩ  12 ዓበይቲ ኣፍላጋት ኣለዉዋ፡ ስዑድ ዓረቢያ ድማ ዋላ ሓንቲ ሩባ ዘየብላ ሃገር’ያ። እንተኾነ ስዑዲ ዓረቢያ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኣን ተፈጥሮኣዊ ጸጋ ባሕራን ተቐቢላ ትነብር ዘላ ሃገር እምበር፡ ሩባ ንምውናን ናይ እንዳማታ ልኡላውነት ኣይትደናደንን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ዘየብለን ሃገራት ዝነብር ህዝቢ፡ ኣስታት 640 ሚልዮን እዩ። እንተኾነ እዚ ኣሃዝ’ዚ ዝነብረን ሃገራት በቲ ንኣጠቓቕማ ወደብ ብመሬት ዝተኸባ ሃገራት ብዝምልከት ዝወጸ ዓለምለኻዊ ሕጊ ክምእዘዛን  ምስ ጐረባብተን  ኣሳንየን ቁጠባአን ክሰስናን እምበር፡ ልኡላዊ ሕግታት ናይ ምጥሓስ መሰል የብለንን። ክንድዚ ዝኣክል ካብ ህዝቢ ዓለም ንዝምእዘዘሉ ሕጊ ኣጠቓቕማ ወደብ፡ ኣስታት 120 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ስለ ዘለካ፡ ሕጊ  ክትጥሕስ ምሓላን ንሓላሚኡ ዘነውር ተዘይኮይኑ፡ ዘንእድን ዝተባባዕን ኣይኮነን።  ምናልባት እውን ከምቲ “ካብ ሰባ ዝነወሐት መሸላስ ወይ ንዑፍ ወይ ንእምኒ ወንጭፍ” ዝበሃል፡ ንኢትዮጵያ ካልእ ናይ ምብትታን መዘዝ  ከይጐተላ ናይ ብዙሓት ስግኣት’ዩ። 

ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብሓይሊ ኣጽዋር ናይ ምምካሕ ዝንባለ የንጸባርቕ ኣሎ። ዩኩረይ፡ ጐቦታት ጐላንን ፍልስጤምን ግዳይ ንዝኾናሉ ኩነታት እናነኣደ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራ ከምኡ ዝኣመሰለ ዓመጸኛ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ህርፋን ከም ዘለዎ’ውን የመላኽት’ዩ። ኣብ ኣጽዋር እምበር፡ ኣብ ፍትሓውነት ናይቲ ከዕውቶ ዝህንጠየሉ ዘሎ ወራር ግዲ ዘለዎ ኣይመስልን። ከምቲ ግቡእ እቲ ናይ ዓወት ወሳኒ  ኣጽዋርን ብዝሒ ሓይሊሰብን ዘይኮነ፡ ፍትሓውነት ናይቲ ትቃለሰሉ ዓላማ ምዃኑ፡ ካልእስ ይትረፍ ካብቲ ታሪኽ ግጥሚያ መንግስታት ኢትዮጵያን ሰውራ ኤርትራን’ኳ ዝተማህረ ኣይመስልን።

من الديكتاتورية إلى الديمقراطية

   الانتقال من الديكتاتورية إلى الديمقراطية ودور الشعب الواعي في استخدام جميع أدوات النضال           

يمثّل الانتقال من الديكتاتورية إلى الديمقراطية واحدة من أعقد وأهمّ المراحل في تاريخ الشعوب، إذ لا يقتصر الأمر على تغيير نظام حكم، بل يمتد ليشمل إعادة بناء الوعي السياسي، وترسيخ قيم الحرية، والمشاركة، وسيادة القانون. وفي هذا السياق، يبرز دور الشعب الواعي كعامل حاسم في إنجاح هذا التحول، من خلال استخدام أدوات النضال السلمي بفعالية ومسؤولية

إن الأنظمة الديكتاتورية تقوم في جوهرها على احتكار السلطة، وقمع الحريات، وإقصاء المواطن من دائرة الفعل السياسي. ومع مرور الزمن، يؤدي ذلك إلى تراكم الإحباط، وتراجع الثقة، وتفكّك الروابط الاجتماعية. لكن التاريخ أثبت أن إرادة الشعوب لا يمكن كبتها إلى الأبد، وأن لحظة التغيير تأتي عندما يتشكل وعي جماعي بضرورة الانتقال نحو نظام أكثر عدلاً وإنصافاً

الشعب الواعي هو ذلك الذي يدرك حقوقه وواجباته، ويؤمن بأن التغيير الحقيقي لا يتحقق بالعنف، بل عبر النضال السلمي المنظم. ومن أهم أدوات هذا النضال: المظاهرات، والاعتصامات، والعصيان المدني، وحملات التوعية، واستخدام الإعلام التقليدي والحديث لنقل صوت الشعب ومطالبهم. هذه الأدوات، عندما تُستخدم بشكل منضبط وواسع، تساهم في إضعاف شرعية النظام القائم، وتعزز في المقابل شرعية الحراك الشعبي، وخاصة عند استخدام هذه الوسائل في دول المهجر، حتى لا تأتي بنتائج عكسية تضرّ بقضية الشعب العادلة وتعرضنا للمساءلة القانونية

المظاهرات السلمية، على سبيل المثال، تُعدّ وسيلة قوية للتعبير عن الرفض الجماعي، وإيصال رسالة واضحة للداخل والخارج بأن الشعب لم يعد يقبل بالوضع القائم. أما الاعتصامات، فهي تمثل شكلاً أكثر استمرارية في الضغط، حيث تُظهر إصرار المحتجين على تحقيق مطالبهم. وعندما تتسع رقعة المشاركة الشعبية، يصبح من الصعب على أي نظام تجاهل هذه الأصوات

غير أن نجاح هذه الأدوات يعتمد بشكل كبير على وعي المشاركين، وقدرتهم على الحفاظ على سلمية الحراك، وتجنب الانجرار إلى العنف أو الاستفزاز. فالعنف غالباً ما يمنح الأنظمة الديكتاتورية ذريعة لقمع الحركات الشعبية، ويشوه صورتها أمام الرأي العام. لذلك، فإن الالتزام بالسلمية ليس مجرد خيار أخلاقي، بل هو استراتيجية فعالة لتحقيق التغيير

من جهة أخرى، تلعب مسألة الشرعية دوراً محورياً في عملية الانتقال. فالنظام الديكتاتوري يستند في بقائه إلى فرض الأمر الواقع، لكنه يفتقر إلى الشرعية الحقيقية المستمدة من إرادة الشعب. في المقابل، يكتسب الحراك الشعبي شرعيته من حجم التأييد الجماهيري، ومن قدرته على تمثيل تطلعات الناس بمختلف فئاتهم. وكلما ازداد هذا التأييد، تآكلت شرعية النظام، وازدادت فرص التغيير

وهنا تبرز أهمية مخاطبة “الأغلبية الصامتة”، وهي تلك الفئة من المجتمع التي قد لا تشارك بشكل مباشر في الحراك، لكنها تراقب وتقيّم. هذه الأغلبية تمثل وزناً حاسماً، إذ إن انضمامها إلى صفوف المطالبين بالتغيير يمكن أن يغيّر موازين القوى بشكل جذري. لذلك، ينبغي على القوى الساعية إلى التحول الديمقراطي أن تخاطب هذه الفئة بلغة عقلانية، وتطمئنها، وتوضّح لها أن التغيير لن يقود إلى الفوضى، بل إلى الاستقرار والعدالة

وفي الحالة الإرترية، يكتسب هذا الموضوع أهمية خاصة، نظراً لطبيعة النظام السياسي القائم، والتحديات التي يواجهها المجتمع. إن الانتقال إلى الديمقراطية يتطلب بناء جسور الثقة بين مختلف مكونات الشعب، وتعزيز ثقافة الحوار، ونبذ الانقسامات وخطاب الكراهية. كما يتطلب وجود رؤية واضحة للمستقبل، تتضمن احترام حقوق الإنسان، وضمان المشاركة السياسية، وبناء مؤسسات قوية ومستقلة

ولا يمكن إغفال دور النخب الثقافية والإعلامية في هذه العملية، حيث يقع على عاتقها نشر الوعي، وتقديم خطاب مسؤول، يبتعد عن التحريض وفكرة (نحن وهم)، ويركز على القيم المشتركة. كما أن الشباب يمثلون قوة دافعة للتغيير، لما يمتلكونه من طاقة وحماس وقدرة على استخدام الوسائل الحديثة في التنظيم والتعبئة

في الختام، فإن الانتقال من الديكتاتورية إلى الديمقراطية ليس مساراً سهلاً أو سريعاً، لكنه ممكن عندما تتوفر الإرادة الشعبية، والوعي، والتنظيم. والشعب الواعي، الذي يستخدم جميع وسائل النضال بذكاء، ويعمل على كسب التأييد الجماهيري، ومخاطبة الأغلبية الصامتة، هو القادر على قيادة هذا التحول نحو مستقبل أفضل، تسوده الحرية والكرامة والعدالة

Saturday, 28 March 2026 23:28

Dimtsi Harnnet Sweden 28.03.2026

Written by

 ኩርሙክ ብተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ብ26 መጋቢት ምስ ተታሕዘት፡ ነበርቲ እናተመዛበሉ

ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ነጠፍቲ፡ ብሰንኪ ዝተኸፍተ ሓድሽ ውግእ፡ ኣብ ዞባ ብሉናልይ ሱዳን ካብ እትርከብ ኩርሙክ ኣስታት 73 ሺሕ ሰባት ከም ዝተመዛበሉ ሓቢሮም። ናይቲ ምምዝባል ጠንቂ ኣባላት ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ኣንጻርቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲ ዝኸፈቶ ሓድሽ መጥቃዕቲ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ።

ሓይልታት ናይቲ ብጀነራል ኣሕመድ ደጋሎ  ዝምራሕን ብዓብደል ዓዚዝ ኣል ሂሉ ዝእዘዝ ዕጡቕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሱዳንን ኣብታ ናብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብቐረባ እትርከብ ኩርሙክ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን መጋቢት 2026  ዘካየድዎ ናይ ሓባር መጥቃዕቲ ብኢትዮጵያ ዝተደገፈ እዩ ዝብል ዜና እውን ተዘርጊሑ እዩ። ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝተኸታተለ ቤት ጽሕፈት ህጹጽ ጉዳያት ምምሕዳር ብሉ ናይል፡ ካብ ሕቡራት ሃገራት ብዝተረኸቦ ሓበሬታ 73,406 ተመዛበልቲ ርሙክ ናብ ደማዚንን ከባቢኣን ከም ዝሃደሙ ኣፍሊጡ። እቲ ብዛዕባ’ቶም ተመዛበልቲ ዝሓበረ ዜና፡ እቶም ግዳያት መብዛሕትኦም ኣዴታትን ህጻናትን ምዃኖም ጠቒሱ፡ ነቲ ኩነታት ኣዝዩ  ጫካን ፍጻመ ክብል ገሊጽዎ። እቶም ተመዛበልቲ ኣዝዩ ከቢድ ናይ መግቢ፡ ዝስተ ጽሩይ ማይን ሕጽረት ተመጣጣኒ መጽለልን  ኣጋጢምዎም ስለ ዘሎ እቲ ጉዳይ ዝተሓላለኸ ቅልውላው ኣኸቲሉ ከምዘሎ’ውን ተሓቢሩ።

እቲ ኩነታት ልዕሊ ዓቕሚ ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝንቀሳቐሳ ናእሽቱ ሰብኣዊ ትካላት ስለ ዝኾነ፡ ዓለም ለኻውን ዞባውን ሰብኣዊ ትካላት መሰረታዊ ነገራትን መጽለልታትን ኣብ ምቕራብ  እጃመን ንከበርክታ ዝምልከት መግለጺ ወጺኡ’ሎ።

እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ መጥቃዕቲ ርሙክ ዓለምለኻዊ መዲያታት ኢትዮጵያ ኣብ ጐረቤት ሱዳን ክልል ቤንሻንጉል ሰራዊት ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ዝዕለመሉ መደበር ከም ዝኸፈተት ኣረጋጊጽና ድሕሪ ምባሎም ዝተኸስተ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እዚ ሓቂ እንተኮይኑ ናይ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ኣብ ውግእ ሱዳን ኢድ ምእታዋ ዘርኢ እዩ'ውን ኢልዎ።

በዚ መስረት ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ምስሕሓብ ናብ ቀጥታዊ ዞባዊ ሓደጋ ክኸውን ዝኽእል ጐንጺ ከይምዕብል ናይ ብዙሓት ስግኣት ኮይኑ ኣሎ።

Thursday, 26 March 2026 23:20

Dimtsi Harnnet Kassel 26.03.2026

Written by

“ሬድ ሲ ካመልስ” ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ብ25 መጋቢት 2026 ኣብ ማረኮ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙር  መጻረዪ ግጥም ኣፍሪቃ 2027፡ ንጋንታ ኢስዋቲኒ ክልተ ብባዶ ስዒራታ። ጋንታ ኤርትራ ቀዳመይቲ ሸቶ ኣብ መበል 81 ደቓይቕ ብኢዮብ ኣብርሃ ከተመዝግብ እንከላ፡ እታ ከለኣይቲ ሸቶ ድማ እቲ ስሩዕ ግዜ ተወዲኡ ኣብ ዝተዋህበ ናይ 4 ደቓይቕ ተወሳኺ ግዜ እያ፡ ዓሊ ሱሌማን ብዝቐለዓ ኩርናዕ  ኣመዝጊባ።

ኣብ 31 መጋቢት 2026 ድማ ኣብ ኢስዋቲኒ 2ይ ዙር ግጥም ከካይዳ ትጽቢት ኣሎ። እቲ 2ይ ዙር ኣብ ኢስዋቲኒ ዝካየድ ካብ ኮነ፡ ስለምንታይ እቲ ቀዳማይ ዙር ኣብ ኤርትራ ዘይተኻየደ  ኣይተገልጸን።

ጋንታ ኤርትራ ን6 ዓመታት ካብ ዝኾነ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ውድድራት በዂራ ድሕሪ ምጽናሕ እያ ብግብጻዊ ኣሰልጣኒ ኮያ ሓሺም ያኪን እናተምርሐት ናብዚ ውድድር ተመሊሳ። ኣቐዲሙ ከም ዝተሓበረ ኣባላት ናይታ ጋንታ 26 ኮይኖም፡ ካብዚኣቶም እቶም 12 ካብ ኤርትራ ዝተጓዕዙ ኮይኖም፡ እቶም 14 ኣብ ድማ ኣብ ግብጺ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ጀርመን፡ ሽወደንን ኣወስትራልያን ክጻወቱ ጸኒሖም ዝጽንበሩ እዮም።

ጋንታ ኤርትራ ንዓመታት ካብ ኩሉ ውድድራት ኣቋሪጻ ዝጸንሐት፡ ኣባላታት ኣብ ዘዝኸድዎ ሃገራት  ፖለቲካዊ ዑቕባ ይሓቱ ስለ ዝነበሩ እዩ። ካብ 2000 ንደሓር ኣስታት 89 ተጻወትን ኣሰልጠንትን ናይታ ጋንታ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ከምዘይተመለሱ እዩ ዝግለጽ። ናይቲ ኣብ ዘዝኸድዎ ምትራፍ ጠንቂ ከኣ ኣብ ሃገሮም ዘጋጥሞም ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን መጀመርታኡ እምበር መወዳእታኡ ዘይፍለጥ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምዃኑ  እቶም ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ኣብ2006- 2007 ብዙሓት ኣብ ኬንያ፡ ታንዛንያን ኣንጎላን፡ ኣብ 2010፡ 17 ኣብ ኡጋንዳ፡ ብ2015፡ 10 ኣብ ቦትስዋና፡ 2019፡ 7 ኣብ ኡጋንዳ፡ ኣባላት ናይታ ጋንታ ናብ ኤርትራ ምምላስ ተሓሲሞም ኣብተን ሃገራት ዑቕባ ከም ዝሓተቱ ከኣ ኣካል መግለጺ ድሕረ ባይታ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ እዩ።

ኢስዋቲኒ ኣብ ደቡባዊ ክፍሊ ኣፍሪቃ እትርከብ፡ 17,364 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝስፍሓታ፡ 1.27 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ዘለዋ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዝየብላን ብደቡብ ኣፍሪቃን ሞዛምቢክን እትዋሰንን ምባባን ዝዋና ከተመኣ ንእሽቶ ሃገር እያ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ብ24 መጋቢት 2026 ብቢሮ ትምህርቲ ናይቲ ክልል ዝተወደበ ናይ ተመሃሮን መምሃራንን ሰላማዊ ሰልፊ ተኻዱ። ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዕላማ ብሓፈሻ ዝተኣገደ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ናይቲ ክልላዊ መንግስቲ፡  ብፍላይ ድማ ናይ 16 ኣዋርሕ ዘይተኸፍለ ደሞስ መማሃራን ንክኽፈል ንምጽዋዕ ዝተወደበ እዩ። ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝተንጸባረቐ፡ መማሃራን ደሞዝ ብዘይምርካቦም ካብ ስረሖም ብምቁራጾም ናይ ኣብያተ-ትምህርቲ ምዕጻው ሓደጋ የንጸላሉ ከም ዘሎ ተገሊጹ።

እቶም እቶ ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ባሎኒ ስታድየም ኣብ ዝተባህለ መድረኽ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ካብ ዘቃልሕዎም ጭረሖታት፡ ትምህርቲ መጻኢና እዩ (EUDUCATIN IS OUR FUTURE)” ዝብል መሪሕ ኮይኑ፡ መሰል ህጻናት ይከበር፡ መሰልን ክብርን መማሃራን ይተዓቀብ፡ ደሞዝ መማሃራን ዘይምኽፋል ምዕጻው ኣብያተ-ትምህርቲ እዩ፡ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም፡ ተመሃሮ ከኣ ናብ  መኣዲ ትምህርቶም ይመለሱ፡ ዝብሉ ጭረሖታት እውን ተቓሊሖም።

በቲ ካብ ትግራይ ዝተረኽበ ዜና መሰረት፡ ናይቲ ክልል ክፍሊ ትምህርቲ ኣቐዲሙ ብተደጋጋሚ ዝተቛረጸ ደሞዝ ንክኽፈል ናብ ዝምልከቶ ኣካላት ፈድራል ተደጋጋሚ ስምዕታ ኣቕሪቡ መልሲ ምስ ሰኣነ ዝተሰርዐ ሰላማዊ ሰልፊ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣቶ  ሚካኤል ኣስገዶም ወሃቢ ቃል ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ  ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፡ እቲ ቀጻሊ ሰላም ንከውሕስ ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ሚእቲ ካብ ሚእቲ ፈርሱ እዩ ዝብል መብርሂ ምሃቡ ናይቲ ህዝቢ ናይ ውግእ ስግኣት ዝያዳ ይዓርግ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

Page 1 of 639