ኣብ ዓለምና ብሓፈሻ፡ ኣብ ዞባና ድማ ብፍላይ፡ ኣዝዩ ሓያል ፖለቲካዊ ነውጺ ንዕዘብ ኣለና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት፡ “ፖለቲካዊ ኣንፈት ኤርትራኸ ናበይ ገጹ እዩ”? ኢልና ክንሓትት ናይ ግድነት እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኣብ ዙርያ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ኢና ተሰሊፍና ዘለና። ኣሰላልፋና ኣብዚ ዝሕቖን ዘሎ ማዕበል በቲ ናይ ኣተሓሳስባና ዝተቓነየ ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ካብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ኩነታትን ረብሓ ህዝባን ወጻኢ ካብ ዘኹድድ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ክመረጾ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ከኣ ናይዚ ዕብዳኑ ነጸብራቕ ክኸውን ባህርያዊ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ሩሲያ ከይዱ ንፕረሲደንት ፑቲን “ናብ ግዜ ዝሑል ውግእ ተመሊስና ኢና እሞ ኣንጻር ምዕራብ መሪሕካ ኣዋጋኣና” ዝብል ናይ ተለኣኽነት ጥርዓን ምቕራቡ ናይዚ ኣብነት እዩ። እዚ ዘይሓላፍነታዊ ኣበሃህላኡ ከምቲ “ሓባልሲ መጠመቲኣ ትኰሓል” ዝበሃል፡ ንኤርትራን ህዝባን ዝልክምን ዋጋ ዘኽፍልን ከይከውን ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባቲ ኣብ ከባቢና ንኤርትራ ማእከል ገይሩ ዝገማጠል ዘሎ ናይ “ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ይግበኣና” ማዕበል፡ ህግደፍ ብዘይካ ጐቦጎቦ ምኻድ፡ ድምጹ ኣጥፊኡ ከምዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ናይዚ ስቕታኡ ትርጉም ደገፍቱ ናይ ሓያልነቱ መርኣያ ገይሮም ከቕርብዎ ይፍትኑ ኣለዉ። እቲ ሓቁ ግና ብሰንኪ ክኸዶ ዝጸንሐ ዘይተማእዘነ ጉዕዞ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኡ፡ ስንባደኡን ኣቕጣጫ ምስሓቱን ዘመልክት እዩ። ከምቲ “ባዕላ ሰቒላቶ ረሓቐ፡ ባዕላ ሰንኪታቶ በሓቘ” ዝብልዎ፡ እዚ ሓደገኛ ማዕበል ንክፍጠር እጃሙ ቀሊል ዘይምዃኑ ዝህውጾን ዘባህርሮን ዘሎ ድማ ይመስል። ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ካብ ልቡ ስለ ዘውጸኦ፡ ለኪምዎ ከይጠፍእ ክሰግእ እንተዘይኮይኑ፡ “ናብ መንገዲ ደሓን ክመርሓኒ እዩ” ዝብል ተስፋ የብሉን። ህዝብና ካብ ህግደፍ ብኽንድዚ ደረጃ ተስፋ ካብ ቆረጸ፡ ሃገሩ ናይ ምድሓን ሓለፍነት ኣብ እንግደዓኡ ከምዘሎ ይዝንገዖ እዩ ዝብል እምነት የብልናን።
ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣድህቦና ናብቲ ጸይቅታት ናይቲ ዝተቐብጸ ህግደፍን ተግባራቱን ጥራይ ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡ ካብቲ ዝሓለፈ ግዜ ዝያዳ፡ ኣዕዚዝና ናብ ውሽጥና ክንጥምት ኣብ እንግደደሉ ኢና ጸኒሕና ሎሚ እውን ዝያዳ ኣብኡ ከም ዘለና ንገንዘብ። ብመሰረቱ እውን ንህግደፍ ኣትሪርና ክንቃወሞን ክንቃለሶን እንከለና “ንሕናኸ እጃምናዶ ንገብር ኣለና?” ዝብል ሓቶ ክዝንገዖ ዘይነበረናን ዘየብልናን እዩ። ካብቲ እጃምና ምፍጻም ዘኽእለና ሓደ፡ እንታይ ኢልና ንስይሞ ብዘየገድስ፡ ሓቢርካ ዘቃልስ መድረኽ ክንፈጥር ምብቃዕናን ዘይምብቃዕናን፡ ዝበረኸ ቦታ ከም ዝሕዝ ኣይንስሓት።
ኣብ ቅድሚ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ካብ ዘለዉ ብደሆታት፡ እቲ ዝዓበየ ንሕቶ ሓድነት ብዘድምዕ ኣገባብ ክነዕውቶ ዘይምኽኣልና ኣብ ልቦና ኩልና ዘሎ እዩ። ነዚ ሓቂዚ ካብ እንርደኦ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ነዚ መሰረታዊ ጸገምካ ዘገንዝብ ተረድኦ ክንውንን ምብቃዕና ኣብ ምርካብ መፍትሒ ፍርቂ መንገዲ ምጉዓዝና ዘርኢ እዩ። እንተኾነ፡ በዚ ናይ ሓባር ተረድኦ ተደሪኽና ግብራዊ ስጉምቲ ዘይምውሳድና ከኣ ዓብይ ናይ ድኽመትና መግለጺ እዩ። ብሓባር ዘቃልሰካ መድረኽ ምፍጣር ወሳኒን ኣንጻር ህግደፍ ተቓሊስካ ዘዕውት መሳርሒ ምውናንን እዩ። ህግደፍ ከነወግድ እናተቓለስና ነዚ ዝተበተነ ዓቕሚ ዝእክብ ናይ ለውጢ መሳርሒ ክንውንን ብዘይምብቃዓና “ዕድመ ህግደፍ ነንውሕ ኣለና” እንተተባህለ፡ ምግናን ኣይኮነን።
ኣብ ሕድሕድና ዘሎ ፍልልይ ካብቲ ዘሰማመዓና ዝነኣሰን ዝወሓደን ምዃኑ ኣብ ሚዛን ኩልና ዘሎ እዩ። ከምዚ ናትና ፍልልይ ኣከኣኢልካን ኣመሓዲርካን ንቕድሚት ምስጓም፡ ኣብዛ ብዙሕነት ተንግስ ዘላ ዓለም፡ ዝነበረ፡ ዘሎን ኣብ መጻኢ’ውን ዝህሉን እምበር፡ ኣባና ዝጅመር ዘሎ ተርእዮ ኣይኮነን። ስለዚ ብሰንኪ ዘይምክእኣልን ዘይምጽውዋርን ክስገር ዝግበኦ ዕንቅፋት ኢና ምስጋሩ ስኢና ዘለና። እንተኾነ ክሳብ ሎሚ በቲ ዝምጥነና ደራጃ ኣይከኣልናዮም እሞ፡ ሎሚን ጽባሕን እውን ኣይክንክእሎን ኢና ኢልና ኣብ ክንዲ ደው ምባል “በቲ ዝደለብናዮ ተመኩሮ ተሓጊዝና ክንሰግሮ ንኽእል ኢና” ብዝብል ኒሕን ሓቦን ንቕድሚት ንሰጉም።
ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር መድረኽ ተቓሊስና ከነድምዕ፡ መሰማምዒ ነጥብታትና ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎን ቀዳምነት ዝወሃቦምን ዘይወሃቦምን ዛዕባታትን ዝሓዋወሰ ክኸውን ኣይግበኦን። ምኽንያቱ ተመኩሮና ኣብ ጉዕዞ ንሓድነት፡ እቲ ጸገም መበገሲ ዝርዝር ኣብ ምብዛሕን ቀዳምነትካ ኣብዘይምንጻርን ዝግለጽ ምዃኑ ኣርእዩና እዩ። ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብ17 ሕዳር 2023 ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺኡ “ስርዓት ህግደፍ ብምእላይ፣ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካል፣ ሓድነት ህዝብና ምርግጋጽ፡ ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገርና ምዕቃብን መሰል ህዝብና ምውሓስን ምሕላውን።” ብዝብል ኣስፊርዎ ዘሎ መልእኽቲ ናይ ቅርጥውን እዋናውን መሰማምዒ ነጥብታት ኣብነት እዩ። “ፖሓኤ ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ሓርነትን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ካልኣዊ ፍልልያቶም ኣወንዚፎም ኣብቶም ዓበይቲ ናይ ኣፈርክቡ ዕላማታት ክጠራነፉ ኣለዎም” ዝብል መጸዋዕታ ምቕራቡ ከኣ፡ ሕቶ ሓድነት ናይ ኩልና እምበር ናይ ዝተወሰነ ፖለቲካዊ ውዳበ ዕማምን ሓላፍነትን ከምዘይኮነ ዘመልክት እዩ።
ሎሚ ከም ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ኣብ ወጥሪ ኢና ዘለና። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ድማ ካብዚ ወጥሪ ኣብ ምውጻእን ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓንን ዓብይ እጃም ኣለና። ናይ ካለኦት ደለይቲ፡ ሰላም፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ሓይልታት ናይ ደገፍ ጸዋዒትና ሰማዒ እዝኒ ዝረክብ ከኣ ቅድም ንሕና ግደና ከነበርክት እንከለና እምበር ከምቲ “ሓጋዚኣ እንተረኣየትስ መዲዳ ትሓብእ” ዝበሃል፡ ኣእዳውና ኣጣሚርና ድምጽና ብምጥፋእ ዝርከብ ደገፍ የለን። ነዚ ክንበቅዕ ድማ ነቲ ዝሰማምዓና እንዳጉላሕና ነቲ ዝፈላልየና ከየተዓባበና ብሓባር ክንወፍር ይግበኣና።
ዝተበተነ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዘይምጥርናፉ ኣሻቒልዎም፡ “ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብሓባር ዘቃልሰኩም መድረኽ ፍጠሩ” ዝብል ድምጺ ዘስምዑ ዘለዉ ግዱሳት ኤርትራውያን ወገናት ከኣ፡ ምሕጽንተኦም ናብ ተጽዕኖ ምፍጣር ከደይብዎ ይግበኦም።
ጸዋዒት ካናዳዊት ኣባል ፓርላማ፡ ኣንጻርቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፈጥሮ ስግኣት
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣባል ፓርላማ ካናዳ፡ ኣኒታ ቫናደንበልድ
ኣኒታ ቫንደንበልድ ዝተባህላ ካንዳዊት ኣባል ፓርላማ፡ ኣንጻርቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝፈጥሮ ስግኣት ዝጉስጉስ መጸዋዕታ፡ ናብ ፓርላማ ሃገረን ከም ዘቕረባ፡ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ኣፍሪቃን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝግደስ ተመራማርን ጋዜጠኛን ማርቲን ፕላውት ንምንጭታት ፓርልማ ካናዳ ብምጥቃስ ሓቢሩ።
እተን ኣባል ፓርላማ ነቲ ጐስጓስ ከካይዳ ምኽንያት ኢለን ኣብ ዘስፈረኦ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ብዘይሕጊ፡ ብዘይምርጫን ኩሉ መሰረታዊ መሰላት ብምጥሓስን ክገዝእ ዝጸንሐ ምዃኑ ኣስፊረን። ምስዚ ድማ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ከጽንዕ ዝተመዘዘ ኮሚሽንን ካለኦት ሰብኣዊ ትካላትን ክዝርግሕዎ ዝጸንሑ ንህግደፍ ዘቃልዕ ጸብጻባትን መተሓሳሰብታትን ዘይምትግባሩ ዘርዚረን።
ብዘካይካዚ ኤርትራውያን ኣብ ካናዳ ብህግደፍ ተገዲዶም ብዘይድሌቶም ንመንግስቲ ኤርትራ ገንዘብ ክኸፍሉ ከም ዝጸንሑ፡ ከምኡ እውን ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ካናዳ ናይ ጽልኢ ፕሮፓጋንዳ ምንዛሕን መእከቢ ገንዘብ ፈስቲቫላትን ክውድብ ከም ዝጸንሐን፡ ኣትሪረን ኣቃሊዐን።
ኣብ ምወዳእታ ድማ እተን ኣባል ፓርላማ፡ ትካል ዜግነትን መንበሪ ፈቓድን ካናዳ
1: መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን-ካናዳውያን ዘፈራርሓለን ማሕበራትን ኣብያተ-ክርስትያን ክምርመራ
2፡ ኣንጻር ደለይቲ ዲሞክራስን ፍትሕን ኤርትራውያን፡ ጽልእን ምፍርራሕን ዝነዝሑ ደገፍቲ ህግደፍ ተዋሳእትን መለዓዓልትን ናብ ካናዳ ምእታው ክኽልከሉ።
3፡ ናብ ካናዳ ዝኣትዉ ሓደስቲ ኤርትራውያን፡ ብናይቲ ስርዓት ሰለይቲ ከይብደሉ፡ መንግስቲ ካናዳን ዕቑባ ዝህባ ትካላትን ጥንቃቐ ክገብራ። ከምኡ ድማ ንሓደስቲ ምስ ባህሎም ብዝሰማማዕ ዘየዳልዉን ብኤርትራዊ ቋንቋ ዝዛረቡን ተርጐምቲ ክምደበሎም
4፡ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ከቢድ እገዳ ክብየንን ዝብል መጸዋዕታ ከም ዘቕረባ ተፈሊጡ።
ባህግና መዲያ ቁ.178፡ ሰሙናዊ ዜናታት ሃገርናን ከባቢናን ምስ ጉዳይ ልኡላውነት ይጽናሓለይ ዘይባሃል እዩ ፡ ዘርእስቱ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ 25.11.2023
Written by Bahgna MediaMedia
ኣብ ሱዳን ብሰንክቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ትካላት ጥዕና ስለ ዝዓነዋ፡ ብምኽንያት ዝተፈላለዩ ቀወምቲ ሕማማት ኣገልግሎት ንምርካብ ናብ ሱዳን ዝመላለሱ ዝነበሩ ኤርትራውያ ኣብ ጸገም ወዲቖም ከምዘለዉ ተሓቢሩ። እዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ እውን ዝርከብዎም ኤርትራውያን፡ ኣብ ሱዳን ዝበኾሮም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምርካ ናብ ኢትዮጵያ፡ ኡጋንዳን ካለኦት ሃገራትን ክመላለሱ ይግደዱ ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ዞባዊ ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ኣሕመድ ኣልመሃንደሪ ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላት ሱዳን 60 ግዜ መጥቃዕቲ ወሪዱ 34 ናይ ሕክምና ክኢላታት በቲ መጥቃዕትታት ክሞቱ እንከለዉ 38 ድማ ቆሲሎም። በሰንክዚ መጥቃዕትታት ኣብዚ እዋንዚ 80 ካብ ሚእቲ ትካላት ጥዕና ሱዳን ክዓንዋ እንከለዋ እተን ዝተረፋ ድማ ኣብቲ ውግእ ብዝቖሰሉ ወተሃደራት ተታሒዘን ከምዘለዋ ናይቶም ዳይረክተር ጸጻብ ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣብዚ እዋንዚ 55 ሃገራት ዓለም ብዝለዓለ ዋሕዲ ናይ ጥዕና ክኢላታት ዝሳቐያ ዘለዋ ኮይነን፡ ካብኣተን ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ዝርከበአን 37 ሃገራት ኣፍሪቃ እየን። እዘን ካብቲ ብደረጃ ዓለም ዝሰፈ፡ “እንተወሓደ 49 ዝተፈላለየ ደረጃ ዘለዎም ክኢላታት ጥዕና ን10 ሺሕ ሰባት” ዝብል መዕቀኒ ንትታሕቲ ዘለዋ እየን።
ካብቶም ዋሕዲ ክኢላታት ጥዕና ዘኸትሉ ጥንቅታት፡ ዘይብቑዕ ስልጠና፡ ቅልጡፍ ወሰኽ ህዝቢ፡ ስደት ክኢላታት፡ ዘይብቑዕ ምምሕዳር ትካላትን ንክኢላት ዝወሃብ ቆላሕታ ትሑት ምዃንን ከም ዝርከብዎም ኣብቲ ጸብጻብ ጥዕና ዓለም ተጠቒሱ። ምስዚ ተተሓሒዙ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ብ2030 ክብጻሕ ተተሊሙ ዘሎ ሸቶ ጥዕና ኣይክበጽሐኦን እየን ዝብል ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ።
ብዕለት 18.11.2023 ኣብ ኣዳራሽ ዛልባው ግሪስሃይም ከተማ ፍራንክፎርት ከምቲ ልሙድ እተን ንነዊሕ ዓመታት ነቶም ኣካለን ዝኾኑ ኣብ ከሰላ ዝነብሩ ጽጉማት ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ከይተሓለላ ዝጽዕታ ግዱሳት ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ማሕበር ኣካለ ጽጉማትን ኤርትራን ብምትሕብባር፡ ዉጉኣት ሓርነት ንምሕጋዝ ዝተዳለወ ናይ ድራር ምስዮት፣ ከም ወትሩ ብዕዉት ልግሲ ተሳተፍቲ እዩ ተዛዚሙ።
እዚ ቅዱስ ተግባር ዘሰነዮ ምስዮት‘ዚ፣ ብናይ እንቛዕ ዳሓን መጻእኩምን መጻእክንን ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ኣቦ መንበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ጨንፈር ጀርመን ተኸፊቱ። ብዛዕባ ህሉው ኲነተት ኣባላት ውጉኣት ሓርነትን ጽጉማንን መደበር ከሰላን፣ ምዕብልና ማሕበርን ሓጺር ሓበሬታ ንተኣተፍቲ ናይቲ ምስዮት ድማ ኣቕሪቡ። ኣስዒቡ ሓው መዓሾ ኣስራት ተሓዝ ገንዘብ ማሕበር በቲ ኩሉ ጊዜ ከይሰልከዩን ደኺምና ከይበላን ነዚ ማሕበር ኣብ ምሕብሃብን ምጥዋርን ዘለዉ/ዋ ግዱሳት ዕዱማት ኤርትራውያን ብብምስጋን፣ ኣስዒቡ ሓውና ዓንደጼን ግርማይ ብጥዕና ምኽንያት ክሳተፍ ብዘይምኣሉ፡ ነተን ነቲ ምስዮት ዘዳልዋ ዘለዋ ዘይሕለላ ጽኑዓት ደቂ ኣንስትዮ ዘቕረቦ ምስጋናን ብመንፈስን ብተግባርን ኣብቲ ምድላው ከምዘለኹ ሓብሩለይ ክብል ዘማሓላለፎ መልእኽቲ ኣቕሪቡ።
ኣብዚ ካብ ሰዓት 16፡00 ክሳዕ 22፡00 ዘሎ ሰዓትታት ዝተኻየደ ምስዮት‘ዚ፣ ዝተፈላለየ ትምህርቲ ሓዘል ዋዛ ምስ ቁምነገር ብምቕራብ፡ ነቲ ዝተፈላለየ ዓይነት ዘሰነዮ ዝተቐረበ ሽሻይ ዓቢ ድምቀት ሂብዎ ኣምስዩ።
ድሕሪ‘ዚ ተሳተፍቲ ከም ወትሩ፣ ነቲ ተገዲሶም ንምዕዋቱ ዝመጽዎ ቅዱስ ዕላማ ንምትግባር፣ ብልቢ ዝምስገንን ብርኩትን ኣስተዋጽኦኦም ክሳብ €1.713.66 (ሓደ ሽሕን ሸውዓተ ሚእቲን ዓሰርተው ሰለስተ ኤውሮን ሱሳን ሹዱሽተን ሳንትን) ኣታዊ ተገይሩ፡ ኣብ መደበር ጽጉማት ዝነብሩ ኤርትራውያን ተዓንጊሎም ከምዝሓድሩ ገይሮም።
ተሳተፍቲ ምስዮት፡ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ እቲ ዕማም ንኽምዕብ ኣብ መጻኢ ብተገዳስነት ንኽሰርሓሉ ኣገዳስን ሃናጽን ምኽርን ለበዋን ብምሃብ እቲ ልግዚ ዝመልኦ ቅዱስ ምስዮት ተዛዚሙ።
እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ድራር ምስዮት፣ ካብ 2009 ዓ.ም ጀሚሩ ብዘይካተን ናይ ኮሮና ተላባዒ ሕማም ዓመታት ክሳብ ሎሚ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ እንዳተዳለወ ብዘይምሕላላ ዝካየድ ዘሎ ሓልዮት ዝመልኦ ሰናይ ተግባር ምዃኑ ክፍለጥ ድማ ይግባእ።
ምምሕዳር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ
ጨንፈር ሃገረ ጀርመን
169 ኣፍሪቃውያን ሓተቲ ዑቕባ፡ ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ተሳጊሮም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሩዋንዳ ብ15 ሕዳር 2023፡ ኤርትራውያን፡ ሶማላውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ኣብ ሊቢያ ዝጸንሑ: 169 ሓተቲ ዑቕባ ከም ዝተረከበት ማዕከን ዜና ሸንሁዋ/Xinhua ንናይ ሩዋንዳ ሚኒስተር ምምሕዳር ህጹጽ ጉዳያት ብምጥቃስ ካብ ኪጋሊ ሓቢራ።
እቲ ሩዋንዳዊ ሚኒስተር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እዞም ሓተቲ ዑቕባ ብሰላም ኣብ ኪጋሊ ከም ዝበጽሑ ብምጥቃስ፡ ሩዋንዳ ነቶም ስደተኛታት ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ከተቕርበሎም ድልውቲ ምዃና ሓቢሩ።
እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ እቶም ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ዝተሰጋገሩ፡ ናብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምጥያስ መስርሖም ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ምብራቓዊ ሩዋንዳ ናብ ዝርከብ ማእከል መሰጋገሪ ጋሾራ ኣትዮም ኣለዉ።
እዚ መበል 15 ዙር ስጉምቲ ምስግጋር ዝተወስደ፡ ብመሰረት እቲ ብ2019 ብዛዕባ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሩዋንዳ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተበጽሐ ምርድድዳእ እዩ።
ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት IOM፡ ብወገኑ፡ ኣብ ሩዋንዳ ኣብዚ ዓመት 6,600 ሰባት ናይ ምጥያስ ደገፍ ተገይሩሎም። ካብዚኣቶም 1,288 ካብቶም መጀመርያ ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ዝተሳገሩ ክኾኑ እንከለዉ፡ ብጠቕላላ ክሳብ ዝሓለፈ 30 መስከረም 2023፡ 135 ሺሕ ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ ሰፊሮም ከም ዘለዉ ዓለም ለኻዊ እቲ ትካል ስደተኛታት ኣፍሊጡ።
ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መተሓላለፊ ገላባት ከምዝተዓጽወ ተሓቢሩ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤምንቅስቓስ ገላባት ዘርኢ ምስሊ ካብ ጋዜጣ ኣተቕይር
ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መተሓላለፊ ኣፍደገ ገላባት ካብ 20 ሕዳር 2023 ጀሚሩ ከም ዝተዓጽወ፡ ኣተቕይር/ Altaghyeer፡ ዝተባህለት ጋዜጣ ሱዳን፡ ኣብ ዶብ ሱዳን-ኢትዮጵያ ዘለዉ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ብምጥቃስ ሓቢራ። እቶም ኣዘዝቲ ናይቲ ምዕጻው ጠንቂ ኣብቲ ቦታ ሱዳናውያን ካብ ኢትዮጵያ ብዝሰግሩ ዕጡቓት ሓይልታት ይውጽዑ ስለ ዘለዉ ዝተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ ጠቒሶም። ብኻልእ ወገን ከኣ መተሓላለፊ ኣፍደገ ገለባት ኣብዚ ቀረባ ግዜ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሱዳን ብዝሃብዎ ፈቓድ ተዓጽዩ ምስ ጸንሐ ዝተኸፈተ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ነታ ጋዜጣ ኣረጋጊጸሙላ።
እዚ ሓድሽ ዕጽዋ ዝፍጸም ዘሎ፡ መራሒ ልኡላዊ መሰጋገሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ኢትዮጵያ በጺሑ ምስተመልሰ፡ ንጽባሒቱ ዝተፈጸመ ምዃኑ፡ እቲ ምኽንያት ቴክኒካዊ ናይ ዶብ ኩነታት ዘይኮነ፡ መግለጺ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናይ ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልይ ገይሮም ዘቕርብዎ ወገናት ኣለዉ።
ቤት ጽሕፈት ወሃብ ቃል ወተሃደራዊ ሓይልታት ሱዳን ብወገኑ፡ ነቲ ምዕጻው ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እዚ ሱጉምቲ ግብረ-መልሲ ናይቲ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ዕጡቓት ሓይልታት ብምስጢር ናብ ሱዳን ንምእታው ዝፍትንዎ እዩ ከም ዝበለ እቲ ዜና ኣስፊሩ። እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ናይቲ ከባቢ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ብ17 ሕዳር 2023 ብኢትዮጵያውያን ከም ዝተጨውየ ነታ ጋዜጣ ኣረጋጊጹላ። ብዘይካዚ 5 ሱዳናውያን ህጻናት ካብቲ ከባቢ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ከም ዝተጨውዩ እውን መንነቱ ክጥቀስ ዘይደለየ ሱዳናዊ ካፒተን ነታ ጋዜጣ ሓቢርዋ።
ምስዚ ብዝተዛመደ ኣብዚ እዋንዚ ወተሃደራት ሱዳን ኣብ ገላባት፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ድማ ኣብ መተማ ይተኣኻኸቡ ከም ዘለዉ ኢቲ ዜና ጠቒሱ።
እዚ ኩነታት ምስቲ ኣብዚ ከባቢ ዝረአ ዘሎ ናይ ሃገራት ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ዝተሓሓዝ ኮይኑ፡ ምስቲ ኣብ መንጎ ጀነራል ኣልቡርሃንን ኢስያስ ኣፈወርቅን ዝምዕብል ዘሎ ዝምድናን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዛይድ ዘሎ ምፍሕፋሕን ምትሕሓዝ ኣለዎ ዝብሉ ወገናት እውን ኣለዉ።
ብዕለት 19 ሕዳር 2023፡ ጨንፈር ስዊዘርላንድ ድሕሪ 4ይ ጉባኤ ሰዲህኤ ንካልኣይ ጊዜ እተጋብኤ ዕዉት ኣኼባ ብመራኸቢ ብዙሓን ኣቢሉ ኣካይዱ። ኣቦ መንበር ጨንፈር፡ ብጻይ ዳዊት ኣብራህም፡ ንሰልፋዊ ሓበረታታት ስዒቡ ዝህሉ ዛዕባታት ኣኼባ ኣብ ውሽጣዊ ጒዳያት ጨንፈር ዘትኰሩ ክኸውን ምዃኑ ሓቢሩ። በዚ መሰረት፡ ብጻይ ወልደሱስ ዓማር ነቲ ብግዚያዊ መሰጋገሪ ኣካል ናይ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት (ኤፖሓ) ብ17 ሕዳር ንዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ምርኵስ ብምግባር መብርሂ ሂቡ። ጒዕዞ ሓባራዊ ስራሕ ደንበ ተቓውሞ ተስፋ ኣብ ዝህብ መድረኽ ከም እተሰጋገረ ድሕሪ ምብሳር፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ 31 ጨንፈራት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጨንፈራትን ኣባላትን መሓዙት ውድባት ኰይነን ኣድማዒ ግደ ክጻወታ ትጽቢት መሪሕነት ሰልፊ ከም ዝኾነ እውን ገሊጹ።
ብምቕጻል፡ ስርዒታውያን ሓለፍቲ ጨንፈር በብተራ እናተዛረቡ፡ ቀንድን ቀጻልን ስራሕ ጨንፈር ምስፋሕ ኣባልነት ምዃኑ፣ ከምኡ ኸኣ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ብሪጌድ ንሓመዱ ይኹን ኣብቲ ንዂሉ ደላይ ፍትሒ ዝጥርንፍ “ኮለክቲቭ” (ሓባራዊ ኣካል ስዊስ) ምስታፍ ከም ዘድሊ ኣጥቢቖም ተላብዮም። ገንዘባዊ ጸብጻባት ጨንፈር ናይ 2023 እውን ብዝርዝር ቀሪቡ። እቲ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዓመት ንሰልፋዊ ጒዳያት እተዋጽኤ ዓቐን ገንዘብ ልዕሊ 5,500 ኤውሮ ምንባሩ ብምሕባር፡ መሪሕነት ጨንፈር ንኣባላቶም ምስጋና ኣቕሪቦም።
ኣብ መወዳእታ፡ ብጾት ዮውሃንስ ወረደን ተስፋጋብር ገብረን ብዛዕባ ኣቃውማን ዕማማትን ጨንፈር ኣገዳሲ ኣስተምህሮ ኣቕሪቦም። ብእብረን ነቲ ብዛዕባ ጨንፈር ኣብ 4ይ ጉባኤ ሰዲህኤ ዝጸደቐ ቅዋም እናኣንበቡ እውን ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልሲ ሂቦም። ኣብ ዝመጽእ ኣኼባ፡ ሰለስተ ደቀንስትዮ ጨንፈር ብዛዕባ ቃልሲ ደቀንስትዮ ሰዲህኤን ስርዒታዊ ሃለዋተንን መግለጺ ከቕርባ ምዃነን እውን ተሓቢሩ።
More...
ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝተኸፈለ ዋጋን ዝወሰዶ ግዜን ረዚንን ነዊሕን እዩ። ነዚ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለን ነቲ ነዊሕን መሪርን ጉዕዞን ዝተጓዕዘን ከኣ፡ ብዓብይኡ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ፣ ናይ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ፖለቲካዊ ውድባቱ እውን ነናተን መሪሕ ብጽሒት ነይርወን እዩ።
ናጽነትን ልኡላውነትን ምርግጋጹ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀጻሊ ሓለዋ እውን ዘድልዮ እዩ። ኣብዚ ብፍላይ ግደ ሰራዊት ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። ምኽንያቱ መሰረታዊ ሓላፍነት ሰራዊት ከምዚ ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ ኤርትራ ንዕዘቦ ዘለና፡ ዝቆጻጸር ሕገመንስታዊ ቀጥዒ ዘየብሉ፡ ኣብ ዘይጉዳይካ እናኣተኻ ምድኻር ዘይኮነ፡ ቅዋም ብዘሰክሞ ሓላፍነት ህዝብን ዶባትን ምሕላው እዩ ክኸውን ነይርዎ። እንተኾነ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ነዚ ረዚን ሓላፍነት ኣብ ዝምጥን ብራኸ የለን።
ንጉዳይ ልኡላውነት ክሳብ ክንድዚ ዕዙዝ ቆላሕታ ዘድልየሉ ምኽንያት፡ ብዘይብእኡ ህላወ ሃገርን ህዝብን ስለ ዘየለን፡ ናይ ኩሉ ህንጸት ህዝባዊ ስርዓት፡ ምስፋን ሰላምን ማሕበረ-ቁጠባዊ ዕቤትን መሰረት ስለ ዝኾነ እዩ። ምሕላው ልኡላውነት ክበሃል እንከሎ፡ ምዕቃብ ሩባታት፡ ጎበታት፡ ጐላጉልን ባሕርን ጥራይ ማለት ዘይኮነ፡ ብቐንዱ ናይ ህዝቢ ልኡላውነት ምርግጋጽን ኩሉ መሰላቱ ምውሓስን ማለት ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። እዚ ማለት ልኡላዊት ሃገር ብዘይልኡላዊ ህዝቢ፡ ልኡላዊ ህዝቢ ድማ ብዘይልኡላዊት ሃገር ትርጉም ዘየብሎም ምዃኖም ምንጻር እዩ።
ህግደፍ ብጉዳይ ምዕቃብ ልኡላውነት ዝግደስ መሲሉ ብምቕራብ እዩ ዘጉባዕብዕ። ነዚ ዝመርጸሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ካብቲ ከም መንግስቲ ክዓሞ ዝግበኦ ዝነበሮ ህዝባዊ ዘቤታዊ ኣጀንዳታት ካብ ምዕማም መህደምን መሕብእን ንክኾኖ እዩ። ንነዊሕ ዓመታት ”ዶብና ከይተጠረረ” ዝብል ሸፈጥ ብምድግጋም ክሳብ ክንደይ ንኹለ መዳያዊ ምንቅስቓስን ህዝባዊ ጠለባትን ጅሆ ሒዝዎ ከም ዝጸንሐ ርኡይ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ቀንዲ ዓቃቢ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣግሊሉ፡ ንገዛእ ርእሱ ከም እንኮ ተገዳሲ፡ ተሓላቕን ሓላውን መሲሉ ክቐርበሉ ዝጸንሐ ተንኮል፡ ዘይግበኦ ምስሊ ናይ ምጽብባቕ ሸፋጢ ጉርሒ ምንባሩ ሎሚ ኣይኮነንዶ ብህዝቢ ኤርትራ ብካለኦት ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ዝከታተሉ ኣካላት እውን ዝተቓለዓሉ ኮይኑ ኣሎ።
ህግደፍ ካብዚ ግጉይ መደምደምታ ስለ ዝነቅል እዩ፣ ነቲ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ንዝቃወሙን ዝቃለስዎ ዘለዉን ኤርትራዊ ወገናት፡ ሰማዒ እዝኒ ደኣ ኣይረኸበን እምበር፡ ናቱ ኣቐሚጡ፡“ጸረ ልኡላውነት ሃገር፡ ከዳዓትን ናይ ወጻኢ ሓይልታት ልኡኻትን” ኣምሲሉ ክገልጾም ዝፍትን። ብግብሪ ግና ብሓፈሻ እቲ ብናይ ሓደ ሰብ ሳንቡእ ዘስተንፍስ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብፍላይ ከኣ መራሒኡ ሕሉፍ ዲክተተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ እቲ ናይ ቅድም ገዲፍካ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ጥራይ ልኡላውነት ዝዕቅብ ዘይኮነስ፡ ብኣንጻሩ ዓው ኢሉ ኣብ ኣደባባያት ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ብዘውድቕ ክምድር፡ ተሓቢኡ ክወዓዓልን ክመጻደቕን ዝጸንሐ ጠላም ምዃኑ ንኹሉ ኣብ ዝበርሃሉ እዋን ኢና ዘለና።
ኣብዚ በበቲ እንኣምነሉ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ተወዲብና ነካይዶ ዘለና ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ፡ ምስ ገሊኦም ባዕልና ንፈጥሮም፣ ገሊኦም ድማ ካብ ድሌትና ወጻኢ ዝፍጠሩ ዛዕባታት ኢና እንዋሳእ ዘለና። እቲ ቀዳምነት እንህቦ መሰረታውን ቀጻልን ኣጀንዳና “ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ” ኮይኑ፡ ነዚ ከነዕውት ዝሕግዙና ከም “ሕቶ ሓድነትን ሓቢርካ ምቅላስን ፖለቲካዊ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ” ዝኣመሰሉ ኣጀንዳታት እውን ይጽንሑልና ዘይንብሎም እዮም። ካብዚ ሓሊፉ “ድሕሪ ውድቀት ህግደፍከ ሃገርናን ህዝብናን ብኸመይ እዮም ክመሓደሩ” ዝብል እውን ግቡእ መስርዑ ኣትሒዝና እነሰጉሞን ደሓር ብህዝቢ ኤርትራ ዝውሰንን ረዚን ዛዕባ እዩ። ጉዳይ ልኡላውነት ከኣ ብፍላይ ምስቲ ሎሚ ተባራዒ ኮይኑ፡ በብግዜኡ ዝፍጠር ዘሎ ናይ ርሑቕን ቀረባን ትንዕምንዕ ቀዋሚ ቆላሕታ ዘይንነፍጎ መሰረታዊ ኣጀንዳና ምዃኑ ክንዝንግዖ ኣይግበኣናን።
ኣብዚ እዋንዚ፡ ነቲ ህግደፍ ከካይዶ ዝጸንሐ ንልኡላውነት ኤርትራ ግቡእ ክብደት ዘይህብን ዘይእርኑብን ምንቅስቓስ ተኸቲሉ፡ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንልኡላውነትና ዝደናደን ህበቡላ ብቐጻሊ ይነፍስ ኣሎ። ምስቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ብዙሓት ኣጋጣምታትን ኣኼባታት ትካላት መንግስቱን ብብዙሕ መምዘንታት ክረአ እንከሎ፡ ዘይዛመድ ተረኽቦታት እናገጣጠመን ንታሪኻዊ ሓበሬታ ኣብ ዘይቦታኡ እናጠቓቐሰን፡ ዘካይዶ ዘሎ ሰፊሕን ዘይሓላፍነታውን ጐስጓስ፡ “ልኡላውነትና ውሑስ እዩ፡ ኣብይ ኣበይ ከይበጽሕ” ኢልካ ሸለል ዝበሃል ኣይኮነን።
ሓደ ሓደ ግዜ፡ ዓለም ናይ ሓያልን ዓመጸኛን ከም እትኸውን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣተኩሮ ክንህቦ ኣብ እንግደደሉ ኢና ዘለና። እንተ እቲ ትማሊ ልኡላውነት ዩክረይን ብሩሲያ ክገሃስ እንከሎ ካብ ኣፍሪቃ በይኑ፡ ካብ ዓለም ድማ 5ይ ርእሱ ወራር ዝደገፈ ህግደፍ፡ ምእንቲ ልኡላውነት ኤርትራ ክምጉት ዘብቀዖ ሞራል የብሉን። በመንጽር’ዚ፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ብሓባር፡ “ቀዳምነትና ምውጋድ ህግደፍ ስለ ዝኾነ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ቀዳምነት እንህቦ ኣጀንዳ ኣይኮነን” ኣብ እንብለሉ ደረጃ ከምዘየለና ምግንዛብ የድሊ። ስለዚ ጉዳይ ልኡላውነትና ነቲ “ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ” ዝብል መሰረታዊ ኣንፈትና ብዘየስሕትን ብዘየረስዕን ግቡእ ግምትን ቆላሕታን ክንሃቦ ይግበኣና። ክንድቲ ንኽእሎ ኣብ ህዝባውን ዲፕሎማስያውን መዳይ እውን ክንዋሰኣሉ ዝግበኣና እዩ። ምኽንያቱ ልኡላውነታ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐት ኤርትራ፡ ምውጋድ ህግደፍ ንበይኑ እቲ እንብህጎን ንቃለሰሉ ዘለናን ክብሪ ህዝቢ ኤርትራ ዘውሕስ፡ ምምስራት፡ ሕገ-መንግስታዊ፡ ብዙሕነታዊ፡ ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ክዕወት ኣይከኣልን እዩ።
ብጽምዋ ካብ ዝተዋሕጡ ጐደናታት ኣስመራ
ኣብ ኤርትራ ናይቶም ተገዲዶም ደቆምን ቤተሰቦምን፡ ናብ ውግእ ትግራይ ምስ ከዱ ደሃዮም ዝጠፍአ ስድራቤታት ሻቕሎት ኣዝዩ ይዓርግ ከም ዘሎ፡ መንነቶም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። እቶም ነዚ ዝጠቐሱ ምንጭታት እቲ ሻቕሎትን ስግኣትን ኣብ ኩሉ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ከምዘሎ ጠቒሶም፡ ህግደፍ መርድእ ናይቶም ኣብ ትግራይ ዝሞቱ ኤርትራውያን ኣብ ቀረባ ግዜ ክነግርዩ ዝብል ትጽቢትኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ እዋንዚ ግና፡ እቲ ጉዳይ ዳርጋ ዝተረሰዐ ብምዃኑ እቲ ጨንቂ መሊሱ ከም ዝዓረገን ብሰንኩ ብዙሓት ወለዲ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ይወድቁ ከምዘለዉን ጠቒሶም።
ኣብ ትግራይ ናይቶም ኣብቲ ውግእ ዝሞቱ መርድእ ምስተነግረን ንዝኽሮም ፍሉይ ምድላው ምስተገብረን፡ ኣብ ኤርትራ “ደቅናኽ ስለምንታይ ንቡር ስኢኖም” ዝብል ስምዒትን ቁጠዐን ከም ዝወሰኸ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፡ ኣካላት ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ፡ “ባሕቲ መስከረም ከነርድእ ኢና” ዝብል ወረ ክነዝሑ ከም ዝጸንሑ ጠቒሶም። በቲ ዝበልዎ ናይ ዘይምቕጻሎም ምኽንያት ዝብልዎ፡ ገሊኦም ምስቲ መርድእ ዝወሃብ ገንዘብ ንዘይምውጻእ እዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ነቲ ዝዳለዉሉ ዘለዉ ናይ ክተት ምልዕዓል ዕንቅፋት ንከይኮኖም እዮም ዝብል ርኢቶ ከምዘለዎም ኣቃሊዖም።
ኣብ ውግእ ትግራይ ናይ ዝሞቱ ኤርትራውያን ኣሃዝ ብወግዒ ዘይተገልጸ ኮይኑ፡ ዝተፈላለዩ ነቲ ውግእ ብቐረባ ዝተኸታተልዎ ወገናት፡ ካብ 45 ክሳብ 70 ሺሕ ዘለዉ ኣሃዛት ክጠቕሱ ይስምዑ እዮም።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ “ርኢቶይ ኣብ ዜና/my views on news” ዝተባህለ፡ ናይ ዩቱብ ማሕበራዊ መዲያ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ጎደናታት ከተማ ኣስመራ፡ “ኣነ ብሪገድ ንሓመዱ እየ” ዝብል ወረቓቕቲ ከም ዝተዘርግሐ ብምስሊ ኣሰንዩ ሓቢሩ።
Press Statement by EPF’s Higher Transitional Body
Written by EPF’s Higher Transitional BodyThe Eritrean Political Forces (EPF), first initiated in February 2020 by a call from the late Berhane Woldegebriel, former director of Eritrean Education and Publication Society, aims to enhance the voice and action of the Eritrean opposition camp under the slogan of “Let us unify the political forces to save the Nation.”
In view of our past experiences and the multiplicity of viewpoints and organizations, the work to unify our ranks was not taken to be an easy mission. However, progress was made through an accord reached in July 2020 to launch a phase of cooperation at the level of joint work in selected fields, and by April 2022, the partners agreed in principle to upgrade their relationship by eventually forming a wider political umbrella.
And it is true that the coordination phase did not only succeed to facilitate the EPF partners know one another better but also helped them to start conducting joint tasks, know each other’s thoughts and viewpoints and in the process build mutual trust and tolerance. On top of this, the joint platform helped enhance common understanding on the urgency of removing the dictatorial regime that brought untold suffering to the entire nation, and avert the looming threats to Eritrea’s national sovereignty. Yet, no one can deny that there existed differences that made joint works less effective. Those differences also delayed by at times stalling the process of establishing a wider umbrella. Nonetheless, breakdown of the lofty initiative was not acceptable to all EPF partners who were determined to continue the networking by acting only in areas in which full agreement was reached. It indeed was a stage full of challenges requiring persistence in continued dialoguing and giving more chance to keep the ideal going.
It is to be recalled that the EPF accord on the formation of a joint provisional leadership that could lead to the creation of a wide political umbrella within one year was made public on the occasion of celebration of the beginning of our armed struggle that took place on 2 September 2023 . However, on 10 November 2023, all four EPF partners held a meeting at which the ENCDC side informed that their alliance had encountered some misunderstanding that could not let the body to continue in the unity process at this stage, and wished success for the remaining three EPF partners. On their part, the remaining three forces hoped that the ENCDC would eventually clear their house and rejoin the ongoing process to form an inclusive national political umbrella for the opposition.
Soon after, the other three EPF partners, namely: the Eritrean United National Front (EUNF); the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP), and the Red Sea Afar Democratic Organization (RSADO), met under the leadership of Gherezghiher Tewelde and his deputy in EPF, Yassin Abdalla, and formed four joint work departments. The EPF is, therefore, happy to announce that the 9-person body representing the three coalescing partners shall commence work under the name of Higher Transitional Body of the EPF.
The Higher Transitional Body shall be guided by the fundamental principles agreed upon by EPF on 1st of January 2023 as listed below:
- Remove the PDFJ dictatorship and in its place establish a constitutional democratic system of governance;
- Safeguard the unity of the Eritrean people;
- Defend Eritrean independence and sovereignty, and
- Secure and guarantee the basic rights and liberties of the people.
By taking into consideration the untold damage already done to the nation by the dictatorial PFDJ regime in the past three decades in addition to the ongoing threats to the very existence of independent Eritrea, we in the EPF are of the strong belief that it is now the 11th hour for all the Eritrean political forces and other forces for change to suspend their differences and close their ranks than ever before without delay. Indeed, we all have no choice other than rallying under a slogan of action to save the people and their hard-won independent state.
As EPF, we consider ourselves to be only at an early stage in unifying our ranks. Thus, this restart is backed by a determination to work effectively with all change seekers to remove the repressive regime based on the full understanding and conviction that the task of change in Eritrea cannot be done by specified forces, say by the EPF working alone. In short, the EPF is not for rivalry or competition with other forces but to complement the ongoing coalescing of our forces for change. Therefore, at this high momentum of resolve for joint work by all forces of change including civic formations, youth movements and women’s groups, we in the EPF solemnly call upon all of them concretize united action than at any time in our past history.
Victory to the Eritrean People’s Democratic Struggle!
Downfall to the Dictatorial PFDJ Regime!
Eternal Honour and Memory and to Eritrean Martyrs!
17 November, 2023
Violent Eritrean Government Supporter Finds that British Justice Enforces Protections for Journalists
Written by Martin Plaut
|