ህግደፍ ኣብ ደገፍቱ ካብ ዘስርጾም ብዙሓት ዘይህዝባዊ ባህርያት፡ ናቶም ሕመቕን ድኽመትን ኣቐሚጦም፡ “ጽቡቕ ኢና ዘለና” ብዝብል ምድዕዓስ፡ ምስ ካብኣቶም ኣብ ዝኸፈአ ህይወት ዝነብር ሕብርተሰብ ጥራይ ምውድዳርን ናትካ ባዶነትን ደውታን ሓቢእካ ብናይ ካለኦት ድኽመት ምውርዛይን ይርከብዎም። ብሓፈሻ ክፋእካ ሓቢእካ ብናይ ካለኦት ንምዝራብን ናብ ግዳም ምምዕዳውን ካብቶም ቀንዲ መለለይ ተግባሩ እዮም። እዚ ካባኻ ዝኸፋኦ’ውን ኣሎ እሞ ሰጥለበጥ ኢልካ ተገዛእ ዝብል መልእኽቲ ኣለዎ። ካብዚ ሓሊፉ ንህግደፍን ተግባሩን ምንቃፍ ከም ንሃገር፡ ህዝብን ስዉኣትን ምኽሓድ ቆጺርካ ምፍርራሕን ምሽምቓቕን እቲ ካልእ መሕብኢ ህግደፍ እዩ።
እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ደግፍቲ ህግደፍ፡ ከም ህዝቦም ግዳይ ኩሉ በደላት ናይቲ ዝድግፍዎ ጉጅለ ስለ ዝኾኑ መተንፈሲ እተዘይስኢኖም ከም ዝቃወምዎ ውሁብ እዩ። እንተኾነ ዓቐሊጸበታዊ ስቕታ ስለ ዝመርጹ፡ ህግደፍ እውን ውሽጦም እንታይ ከም ዝዛረብኳ እንተዘይሰሓቶ “ደገፍተይ እዮም” ኢሉ እዩ በቲ ስቕታኦም ዝደዓዓስ። እዚ ደገፍቲ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ኣዝዩ መሪር ቃንዛ እናሃለወ ዓው ኢሉ “የሕመኒ’ሎ” ዘይምባሉ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ “ቃልሲ ኣዋዲቑ ንወጽዓን ኣደራዕን ናብራይ ኢሉ ዝረዓመ ህዝቢ” ዝብል፡ ምስቲ ንናጽነት ዝኸፈሎ ዋጋን ዘይምንብርካኽን ዘይመጣጠን ቅጽል ዝህብዎ ኣዝዮም ግጉያት ከም ዘለዉ ’ውን ዝሕባእ ኣይኮነን።
ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ተሰዲዶም ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣብተን ሃገራት ናይ ምንባር ተቐባልነት ንምርካብ ምሒሎም ጥሒሎም ዘቕርብዎ መረጋገጽታት፡ በቲ “ህግደፍ ኣብ ልዕሌና ፈጺምዎ” ዝብልዎ በደላትን ግፍዕን ዝተቓነየ እዩ። ኣብዚ “ግዱድ መጀመርታኡ እንተዘይኮኑ መወድእትኡ ዘይፍለጥ፡ ካብ ኣዋጅ ወጻኢ ዝትግበር፡ ዕድመን ጉልበትን መንእሰያት ዝባኽን፡ ናይ ብዙሓት መሰረታዊ መሰል ዝገሃሰሉን ምድጋሙ ዘሕፍር ዓመጻት ዝፍጸመሉን ውትህድርና” ካብቶም ብዙሓት መሕተቲ ዑቕባ ምኽንያታት ሓደ እዩ። ምስዚ ተደሪቡ ዝኸይድ “ተኣሲረ፡ ተገሪፈ፡ ተገፊፈ፡ ናይ እምነት ናጽነት ተነፊገ” ዝብሉ እውን ልሙዳት እዮም። ኮታ “ህግደፍ ኣብ ዝመርሓ ሃገር ክነብር ስለ ዘይከኣልኩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ዝጠቓለል እዩ። ውጽኢቱ ክረኤ እንከሎ፡ እቶም ነዚ ምኽንያታት ዘቕርቡ ገሊኦም ብገርሂ እቶም ዝተረፉ ድማ ብጉርሒ እዮም። እዚ ድማ ገሊኦም ተቐባልነት ምስ ረኸቡ ብዘርእይዎ ምዕጻፍ ቃል ዝገሃድ ዘሎ እዩ።
ኩነታት ናይቶም ኣብ መንጎ ንህግደፍ ምቅዋምን ምድጋፍን ዘዕለብጡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣጀንዳ ናይ ብዙሓት ካብተን ዕቑባ ዝሃባ ሃገራት ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ርኡይ እዩ። እተን ሃገራት ነናይ ገዛእ ርእሰን ናይ ጸጥታን ኢሚግረሽንን ኣሰራርሓን ፖሊስን ከም ዝህልወን ካብቲ ዝህበኦ ውሳነታት ምርዳእ ይከኣል። እንተኾነ፡ ነቲ “ብሰንኩ እየ ተሰዲደ፡ ናብኡ እንተተመሊሰ ህይወተይ ኣብ ሓደጋ እዩ ዝወድቕ፡ ዝበልካዮ መንግስቲ፡ ድሕሪ ዑቕባ ምርካብካ ዝኾነይኹን ለውጢ ከየርኣየ እንከሎ፡ ተመሊስካ ምድጋፉ፡ ጓይላኡ ምድማቕ፡ ካዝንኡ ኣብ ዘህጥረሉ ኣጋጣምታት ምስታፍን መን ኣሎ ከምኡ ኢልካ ምስሉ ምጽብባቕን” ብኹለን ሃገራት ከም “ምሕሳው፡ ቃልካ ምዕጻፍን እምነት ምጉዳልን” ከም ዝውሰድ ዘዛርብ ኣይኮነን። እቲ ብድሕሪኡ ኣብተን ሃገራት ክመጽ ዝኽእል ፍልልይ ነቲ “መታለሊ” ተርእዮ መምስ ኩነታትካ እናዛመድካ ኣብ ምምሕዳሩ እዩ ዝኸውን ።
እቶም ኣብ ብሪጌድ ንሓመዱን ካለኦት ኤርትራዊ ህዝባዊ ማዕበላትን ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ዝዋስኡ ዘለዉ መንእሰያት፡ ምስ ኩሉ ሕጽረታቱ ካብቶም ነቲ ዘቐረብዎ ቃል ዘይዓጸፉን ንለውጢ ክቃለሱ ዝተብዑን እዮም። እቲ ዘሕዝን እቶም ናይ ህግደፍ ኢደ-በይዛን መሳርሕን ኮይኖም ኣንጻር ለውጢ ዝተሰለፉ ከኣ፡ ካብ ቅድም ነቲ ተልእኮ ዝተመልመሉ ወይ ድማ፡ ኣብ ጉዕዞ ብስብከት ህግደፍ ተዓሽዮም ቃሎም ዝዓጸፉ እዮም። ኣንጻርቶም ቃሎም ዘይዓጸፉ ተቓወምቲ ተሰሊፎም፡ ነቲ “ውድቐት ንህግደፍ” ዝብል ቀዲሖም “ውድቀት ንብሪጌድ ንሓመዱ/DOWN, DOWN BRIGED NHAMEDU”፡ ክብሉ ምጅማሮም ኣብ ተመኩሮ ብዙሕ ዘይርአ፡ ደጋፊ መንግስቲ ኣንጻር ተቓወምቲ ዝስለፈሉ “ኮር ተገልበጥ” ኮይኑ ኣሎ። ደገፍቲ ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ሃገር ነወይ ዘካየድዎ ሰልፊ ከኣ: ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ዝደገመ ኣብነት እዩ።
እዚ መንግስቲ ኣንጻር ተቓወምቲ ዘካየዶ ሰልፊ ብዓይነቱ ፍሉይን ኣዛራብን እዩ። መኽሰቡ ድማ ናብ ደንበ ተቓውሞ እዩ። ምኽንያቱ ንብሪጌድ ንሓመዱ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ብህግደፍ ዝተዋህቦ ኣፍልጦ ናይ ምትካብ ህያብ ብምዃኑ። እዚ ማለት ግና እቲ ህዝባዊ ማዕበላት ኮነ ፖለቲካዊ ውዳበታት ብቃልሱ ዘረጋገጾ ኣፍልጦ ኣይጸንሖን ማለት ኣይኮነን። እዚ ኣፍልጦ ምሃብ ንናይ ህግደፍ ናይ ፕሮፖጋንዳ ሃንደስቲ ሕድሕድ ከም ዘናቑቶም ድማ ዘተሓትት ኣይኮነን።
እዞም ኣብ ነርወይ ተሰሊፎም “ሃበስ ቀደስ” ዘቃለሑ፡ “ከምዚ ዝኣመሰለ ተሰሊፍካ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰልሲ ኣብታ በቲ እትድገፍዎ መላኺ እትምራሕ ዘላ ሃገርኩም ኤርትራኸ ኣሎዶ?” እንተዝበሃሉ እንታይ ምመለሱ ፍሉጥ ኣይኮነን። “ተካይድዎ ዘለኹም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ መሰረታዊ ትርጉሙ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ይቐጽለልና” ማለት ካብ ኮነ፡ “ግዱድ ውትህድርና፡ ግህሰት ኩሉ ዓይነት መሰላት፡ ሓሳብካ ዘይምግላጽ፡ ብዘይቅዋም ምምሕዳር፡ ንውግእ ከም ብሕታዊ መፍትሒ ጸገም ምውሳድ፡ እኹል ቀረብ ጸዓት፡ ማይ፡ ኢንተርነትን ካልእን ዘይምህላው” ይቐጽል ናብ ዝብል መደምደምታ ከም ዝወስደኩምከ ትግንዘብዎዶ? እንተዝበሃሉ’ውን መልሲ ከምዘይህልዎም ፍሉጥ እዩ። እዚ ከምቲ “ኣብ ከብዲ ጽጉብ ጥሙይ የለን” ዝበሃል፡ ኣብ ልዕሊቲ ራህዋ ሃንቀው ዝብል ዘሎ ህዝቢ ዘለዎም ጭካነ’ውን የርኢ። ስለዚ እዩ ከኣ ናትካ ኣቐሚጥካ ብናይ ካለኦት ምውርዛይ ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቕ ዝኽውን።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ግዜ ኢትዮጵያዊ ህዝባዊ ወያናይ ዲሞክራስያዊ ግንባር (ኢህወደግ)፡ ወሳኒ ፖለቲካዊ ግደ ካብ ዝነበሮም መራሕቲ ሓደ ዝኾነ ኣቶ በረኸት ስምኦን፡ ብ6 ጉንበት 2024 ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከም ዝተሰደ ግዮን ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ።
ኣቶ በረኸት ስምኦን ቃልሱ ካብ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ (ኢህሰሰ/ ኢህኣፓ/ EPRP፡ ዝጀመረ ኮይኑ; ድሕሪ ናይ ኢህኣፓ ምድኻም ኢትዮጵያዊ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ (ኢህድን) ብዝብል ንብሄር ኣምሓራ ዝውክል ውድብ መስሪቶም፡ ምስ ህወሓትን ዲሞክራሲያዊ ውድብ ኦሮሞን ብሓባር ደርጊ ስዒሮም መሰጋገሪ መንግስቲ ካብ ዝመስረቱ ባእታታን ሓደ እዩ።
ኣቶ በረኸት ስምኦን ኣብቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብደረጃ ሚኒስተር ዜና፡ ሓላፊ ሚኒስተሪ ርክባት፡ ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ 2005ን ኣብ ካልኦት ጽፍሒ ሓላፍነታትን ተመዲቡ ዝሰርሐ፡ ሓያል ተጽዕኖ ፈጣሪ ኣባል ፈጻሚ ኮሚተ ኢህወደግ እዩ ነይሩ።
ኣብ ግዜ ናይ ዶር ኣብይ ምንቅስቓስ ምድማር፡ ኣንበሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕብረት ኢውሮጳ ክኸውን ተመዚዙ ድሕሪ ምሕሳሙ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ “ምጥፍፋእ” ብዝብል ጉልባብ ተኣሲሩ፡ ን6 ዓመታት ክእሰርድዎተፈሪዱ፡ ልዕሊ 4 ዓመታት ተኣሲሩ ዝተፈትሐ እዩ። ኣቶ በረኸት ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት 2ተ ኣገደስቲ መጻሕቲ ዝደረሰ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ናይ ዶር ኣብይ ኣብ ስልጣን ምምጻእ ሓደገኛ ምዃኑ ንምግላጽ “እዚ ዝረአ ዘሎ ኣካይዳ ንመራሕቲ ክልል ኣምሓራ እውን ተመሊሱ ክበልዖም እዩ” ብዝብል ኣበሃህላኡ እዩ ዝዝከር።
በረኸት ኣብ ኣሚሪካ ዕቑባ ከም ዝሓትት ዝተሓብረ ኮይኑ፡ እንተኾነ “ናብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ይምለስዶ ኣይምለስን?” ከምዘይፍለጥ እቲ ዜና ሓቢሩ። ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዳላስ ምስ በጸሐ ብበዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ኣሰፉ ፈንተን ከም ኣቶ ህላወ ዮሴፍ ዝኣመሰሉ ናይ ቀደም መቃልስቱን ከም ዝተቐበልዎ ከኣ ተፈሊጡ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ (ግምት)፡ ብ6 ጉንበት 2024 ኣብ ዘወጸኦ መግለጺ፡ ነቲ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን፡ “ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ምስ መንግስታዊ ሰራዊት ሱዳን ኮይኑ ወጊኡኒ” ዝበል ንዘቕረቦ ክሲ ብትሪ ኮኒንዎ። እቲ ናይ ተወርዋሪ ሓይሊ ሰራዊት ሱዳን፡ ከምዚ ዝኣኣመሰል ክሲ ምቕራቡ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ህይወት ኣሸሓት ዝበልዐ ውግእ ሕድሕድ ዓለም ለኻዊ መልክዕ ንምትሓዙ ዝተሃንደሶ መሰረተ ኣልቦ እዩ ኢልዎ።
እቲ መግለጺ በቐዳምነት ህወሓት ዝእዝዞ ስሩዕ ሰራዊት ዘየብሉ ፖለቲካዊ ውድብ ምዃኑ ኣስፊሩ። ብኻለኣይ ደረጃ ድማ ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ሱዳን ብተግባር ዝተፈተነን ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐን ሕውነት ዘለዎ ህዝቢ እዩ ኢሉ። ኣብ ትግራይ ውግእ ምስተኸፍተ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዝነበረ ትግራዋይ ናብ ካለኣይቲ ሃገሩ ሱዳን ዝወሓዘሉ ምኽንያት እውን ዘርዚሩ። ህዝቢ ሱዳን ምስ ኩሉቲ ዝነበሮ ብደሆታት ንሓዉ ህዝቢ ትግራይ ንምቕባል ንዘርኣዮ ልግስን ተገዳስነትን ጠቒሱ ድማ፡ ብመንጽርዚ ትግራይ ጉዳይ ሱዳን ንምግዳድ ኢዳ እተእትወሉ ምኽንያት ከምዘየለ ኣስፊሩ።
ህዝቢ ትግራይ እቲ ዘጋጠሞ ናይ ቀረባን ርሑቕን ኢድ ኣእታውነት ኣብ ጉዳዩ ዘውረደሉ ዕንወትን ጉድኣትን ካብኡ ንላዕሊ ዝርደኦ የለን ኢሉ። ብምቕጻል ድማ ክልቲኦም ሱዳናውያን ተዋጋእቲ ወገናት ኣብ ክንዲ ነቲ ኩነታት ኣብ ምግዳድ ዝጽመዱ ናብ ዘተ ክቢ ጠረጴዛ ክመጹ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ውግእ መቕጻል መፍትሒ ዘየምጽእ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ነቲ ሳዕቤን ከም ዘጋድዶ ኣፍሊጡ።
ኣብ መወድእታ ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ሱዳን ዝሳቐዩ ዘለዉ ተጋሩ ስደተኛታት፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ምስ ፍደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐራሪቡ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ በቲ መግለጺኡ ኣፍሊጡ።
ካብ ናይ ዲረክተር ጀነራል ንላዕሊ መዝነት ዘለዎም፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ፡ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሕን (ህግደፍ) ሓላፍነት ዝሓዙ፡ ከምኡ እውን ምስ ናይዞም ዝተጠቕሱ ኣካላት ተመሳሳሊ ሓላፍነት ዘለዎምን፡ ትሕቲ 21 ዓመት ዝዕድመኦም ደቆምን እቲ ኣብ ልዕሊኦም ተነቢሩ ዝጸንሐ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዘእቱ ቪዛ ናይ ምርካቦም መሰል እገዳ ከም ዝቕጽል ተሓቢሩ። ነዚ ዝሓበረ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ብዘውጸኦ መግለጺ እዩ።
ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ነሃሰ 2021፡ ብሰንኪ ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኢድ ምእታዋ ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንሓለቓ ስታፍ ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ቀጺሉ ድማ ንሓላፊ ሃገራዊ ጸጥታ ህግደፍ ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ሓልፊ ገንዘባዊ ጉድያት ህግደፍ ሓጎስ ገ/ህይወት ወልደኪዳንን ኣብ ዝርዝር ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዘይፍቀደሎም ተደለይቲ ባእታታት ከም ዘእተዎም ይዝከር።
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ኣስመራ ብዝርከብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈቱ ካብ 14 ጉንበት 2024 ጀሚሩ፡ ነቲ ካብ 13 መስከረም 2017 ንደሓር ኣቋሪጽዎ ዝጸንሐ፡ ንኤርትራውያንን ነበርቲ ኤርትራን ስሩዕ ናይ ቪዛ ኣገልግሎት ከም ዝህብ ኣብ ዝሓበረሉ ዜና እዩ።
ምምሕዳር ህግደፍ እዚ ናይ ኤምባሲ ኣመሪካ ሓድሽ ኣውጅ ቪዛ፡ ብመጽርቲ ኣብ መጎኦም ዝጸንሓ ናይ ነዊሕ ግዜ ምክሳስ ክቐበሎ ድዩ ኣይቅበሎን ዝተፈልጠ የለን።
ባህግና Bahgna 206፣ ኣገደስቲ ሰሙናዊ ዜናታት ሃገርናን ከባቢናን ስም ን1000 ፈልጺ መእሰሪኡ ልሕጺ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ 05.05.2024
Written by Bahgna MediaMedia
ሱዳናውያን ስደተኛታት ብሰንኪቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ዝያዳ ሓደ ሺሕ ዝኾኑ፡ ካብቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዝተመስረተ ሓደሽ መደበር ብ3 ማዝያ 2024 ከም ዝሃደሙ ሮይተርስ ሓቢሩ። እዞም ኣብ ከባቢ መተማ ኮመር ኣብ ዝበሃል ከባቢ 8 ሺሕ ዝኾኑ ሱዳናያውያን ኣብ ዝሰፈርዎ መደበር ተዓቚቦም ዝነበሩ ሱዳናውያን ዝሃደሙ ኣብ ልዕሊኦም ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተሰለፉ ዕጡቓት ሓይሊ ኣምሓራ ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ምዃኑ ተፈሊጡ።
እዞም ስደተኛታት ንወገን ጐንደር ብእግሮም ጉዕዞ ጀሚሮም፡ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን 43 ማይልስ ኣብ ዝርሕቀቱ ቦታ ብሰበስልጣን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ከም ዝተዓገቱ ድማ ተፈሊጡ። ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ እቲ ኩነታት ከም ዘጋጠመ ተኣሚኑ ነቲ ተበግሰኦም ዝለዕለ ጸጥታዊ ስግኣት ዝፈጠሮ ምዃኑ ጠቒሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ተረኽቦ ርኢቶኡ ክህብ ትጽቢት ከም ዘሎ ከኣ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ውግእ ሱዳን ካብ ዝጅመር ኣስታት 1.6 ሚልዮን ሱዳናውያን ከም ዝተሰዱን ካብኣቶም እቶም 33 ሺሕ ዝኾኑ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝሃደሙን ተፈሊጡ። እዞም ኣብዚ እዋንዚ ካብ መደበር ኮመር ዝሃደሙ ቅድሚ ሕጂ እውን ብተደጋጋሚ መጥቃዕት መጭወይትን ከጋጥሞም ከም ዝጸንሐ፡ እቶም ግዳያት ንሮይተርስ ሓቢሮም። ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ነቲ ኩነታት “ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ” ድሕሪ ምባሉ፡ እቶም ዝሃደሙ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ህይወት ናይ ምድሓን ተግባሩ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ገለ ማዕከናት ዜና ካብቶም ክሃድሙ ዝፈተኑ ግዳያት ኤርትራውያን እውን ከም ዝርከብዎም’ኳ እንተ ጠቐሳ እንተኾነ ኣይተረጋገጸን።
መልእኽቲ ዮሃና ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ
Written by ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦ መንበር ሰዲህኤክቡራንን ክቡራትን፡ እነሆ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ክርስቶስ 2024 ናይ ዮሃና መልእኽተይ ኣመሓላልፈልኩም። ብፍላይ ኣብ ጾም ዝጸናሕኩም ኣመንቲ ክርስትና ብሓፈሻ ድማ መላእ ኤርትራውያን፡ “እንኳዕ ጾመ-ልጓም ፈቲሑ፡ ኣብጻሓኩም ኣብጻሓና” እናበልኩ ሰናይ ምንዮተይ እገልጸልኩም።
በዓል ትንሳኤ ነቲ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ጸገማትን ምክልባትን ስዒርና፡ ራህዋ ናብ ዘምጽእ፡ ውግእን ወረ ውግእን፡ ስደትን ምክልባትን ኣብቂዑ፡ ሰላምን ርግኣትን ዝፍጠረሉ ክኾነልና፡ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ደጊመ አመሓላልፈልኩም።
ኣብ መወዳእታ፡ ጾመ-ኣርበዓ ብሓያል እምነትን ጸሎትን ተዛዚሙ፡ ናብ ምኽባር ትንሳኤ እንቋዕ ኣብቅዓና እናበልኩ ብስም መላእ ኣባላት ሰዲህኤ ዮሃና እብለኩም።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ
5 ጉንበት 2024
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሮም ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዝርከብዎ ጉጅለ 18 ሃገራት ምዕራባዊ ዲፕሎማሲያዊ ማሕበረሰብ፡ ኢትዮጵያ ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ኣሲራቶም ዘላ ጋዜጠኛታት ክትፈትሕ ብሓባር ጸዊዑ። ነዚ መጸዋዕታ ዘቕረቡ 3 ጉንበት ዓለምለኸ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ምኽንያት ብምግባር ምዃኑ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ (Addis Abeba) ኣፍሊጣ።
መዓልቲ ናጻ ፕረስ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ምሕላው “ናጻነት ፕረስን መሰል ናይቶም ምእንቲ ሓቂ ዝቃለሱ ጋዜጥኛታትን መዲያን’ እተዘኻኽር ምዃና ዝገለጸ እቲ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መሰል ምዝራብን ፕረስን ክዕቀቡ ዝግበኦም መሰረታዊ መሰላት ምዃኖም እውን ኣዘኻኺሩ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ እቶም መግለጺ ዘውጽኡ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ኣብ ስረሖም እናሃለዉ ከም ዝእሰሩ ብምጥቃስ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም፡ ንመሰል እቶም እሱራት ከም ዝሕለቑን ጋዜጠኛታት ብናጽነት ዝጽብጽቡላ ናጻ ዓለም ንምፍጣር ክንሰርሕ ኢና ከም ዝበሉን ተሓቢሩ።
ናይዚ ዓመት መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ትዝከር ዘላ፡ ኣብ ዝርዝር ናጻ ፕረስ ተንቆልቁል ኣብ ዘላትሉ ምዃኑ እቲ መግለጺ ጠቒሱ። ኢትዮጵያ ብመሰረት ጸብጻብ ዓለም ለኸ ትካል “ሪፖርተራት ብዘይዶብ” ኣብዚ እዋንዚ 15 ጋዜጠኛታት ኣብ ግቡእ ስረሖም እንከለዉ ብምእሳር፡ ካብ 180 ሃገራት ካብቲ ኣብ 2022 መበል 114፡ ኣብ 2023 መበል 131 ዝነበረት ኢትዮጵያ ኣብ 2024 ናብ መበል 141 ምውራዳ በዚ ድማ ሓንቲ ካብተን ጋዜተኛታት ብምእሳር ዝፍለጠ 3 ሃገራት ሳብሳህራን ምዃና’ውን ተገሊጹ።
ኢትዮጵያ ኣብ ኣተሓሕዛ ፕረስ ካብቲ ዝነበረቶ ብራኸ መመሊሳ ትወርድ ዘላ፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ምኽታም ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ እውን በብግዜኡ ዝምዕብል ዘሎ ሕድሕድ ውግኣት ምዃኑ እቲ በቶም ዲፕሎማሲ ጉጅለ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣዘካኺሩ።
ኤርትራ ኣብ 2023፡ ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፡ “ንነዊሕ ግዜ ጋዜጠኛታት ብምእሳርን ንዝያዳ 20 ዓመታት ናጻ ፕረስስ ብምእጋድን ብደረጃ ዓለም ተወዳዳሪ ዘየብላ ሃገር” ተባሂላ ከም ዝተገልጸትን ድሕሪኡ ዝገበረቶ ምምሕያሽ ከምዘየለን ይፍለጥ።
.
عقدت القيادة الانتقالية للقوى السياسية الإرترية اجتماعاً موسعاً لأعضائه
Written by للقوى السياسية الإرتريةMore...
ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ(ላ.መ.ኣ.ፖ.ሓ.ኤ) ብ27 ሚያዝያ 2024 ኣብ ኣውስትራልያ ናይ ዝርከቡ ኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ’ዚ ብቤት ጽሕፈት ውደባን ፋይናንስን እተጸውዐ ኣኼባ ኩሎም ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዝርከቡ ኣባላት ናይ’ተን ጽላል ዘቖማ ሰለስተ ውድባት ተኻፊሎም ነይሮም።
እቲ ኣኼባ ብሓፍትና ተጋዳሊት ኣድያም ተፈራን ብሓው ጐይትኦም መብራህቱ ዝሃብዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል ቃል ድሕሪ ምኽፋቱ፥ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኣቦ መንበር ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፥ እዚ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ልፍንቲ ንምቛም ዝተኸደ ጒዕዞን ዝተሳለጡ ዕማማትን ብዝርዝር ገሊጹ። ብድሕር’ዚ፡ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈታት ነቶም ተሳተፍቲ ኣኼባ ድሕሪ ምምስጋን፥ ኣብ ዝተወከልሉ ኣብያተ-ጽሕፈታት ዘሳለጥዎ ዕማማት ብዝርዝር ኣቕረቡ።
ስዒቡ፡ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባን ፋይናንስን፡ ብሓፈሻ ሓያልን ድኹምን ጐድንታት ደምበ ተቓውሞ፥ ድኽመታት መሰጋገሪት ኣካል ፖ.ሓ.ኤ ድማ ብፍላይ ብዝርዝር ገሊጹ። ከምኡ’ውን ካብ ሕሉፍ ጉድለታትና ተማሂርና ነዚ ናይ ህልውን መጻእን ዕድላት ብኸመይ ክንጥቀመሉ ከምዝግብኣና ብሰፊሑ ኣብሪሁ።
ብ10 ልውካቲ 2024 ከኣ፡ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ መግለጽታት ንኹሎም እቶም ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕን ካልእ ቦታታትን ዝርከቡ ኣባላት ብሓባር ኣብ ዝተዳለወ ኣኼባ ሰፊሕ መብርሂ ምሃቡ ዝዝከር ኢዩ።
.
ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ነዊሕ ግዜ ሒዛቶ ዝጸንሐት፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ብዘይሕጊ ብጃልቡ ናብኣ ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ናይ ምስጋር መደባ ከተግብሮ ከም ዝጀመረት ቢቢሲ ሓቢራ።
እቶም እዚ ናይ ምስግጋር መደብ ዝምከቶም ስደተኛታት ናብታ ሃገር ካብ 1 ጥሪ 2022 ንደሓር፡ ካብ ፈረንሳን ካለኦት ሃገራት ኤውሮጳን ብዘይሓዊ ኣገባብ ብጀላቡ ዝኣተዉ እዮም። በቲ ዜና መሰረት እቶም ናብ ሩዋንዳ ዝሰግሩ ስደተኛታት ኣብኡ ኮይኖም ናብ ሳልሳይ ሃገር ዑቑባ ናይ ምርካብ መስርሖም ክቕጽልዎ መሰል ክህልዎም እዩ። ኣብ ርእሲዚ ምርጨኦም እንተኮይኑ፡ ኣብ ሃገር ሩዋንዳ ብቐጻሊ ናይ ምንባር ዕድል እውን ክወሃቦም እዩ።
ኣብቲ ቀዳማይ ድሕሪ 10 ወይ 12 ሳምንቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2024 ዝጅመር ጉዕዞ፡ ክሳብ መወዳእታ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ 5700 ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ክሰግሩ መደብ ወጺኡ ከም ዘሎ ተሓቢሩ። ካብቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓባይ ብሪጣታንያ ዘለዉ እሞ ጉዕዞ ናብ ሩዋንዳ ዝምልከቶም፡ ኣብ 2024 ዝኣተዉ ጥራይ 7500 ከም ዝበጽሑ እቲ ዜና ሓቢሩ። ሰበስልጣን ዓብይ ብሪታንያ ነዚ ስጉምቲ ዝወስዱ ነቲ ስደተኛታት ብዘይውሑሳት ጀላቡ ክኣትዉ እንከለዉ ዘጋጥሞም ሓደጋ ንምቁራጽ ምዃኑ ይገልጹ።
እዚ መደብ ኣብ ዓባይ ብሪጣታንያ ብዙሕ ከሰሓሕብን ብደረጃ ቤት ፍርዲ ክእገድን ክፍቀድን እኳ እንተጸነሐ፡ ኣብ መወዳእታ ግና ነቲ ናይ ቅድም ብይናት ብምስዓር ጣቕላሊ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይታ ሃገር እዩ ኣጽዲቕዎ።
ኣካላት ጸጥታ ዓብይ ብሪጣንያ ከም ኣካል ምድላው ናይቲ ምስግጋር ናብ ሩዋንዳ ድሮ ኣብ ልዕሊ ሕጋውያን ኣይኮኑን ዝበልዎም ዝደተኛታት ማእሰርቲ ጀሚሮም ከም ዘለዉ ድማ ተፈሊጡ። ብዛዕባ ናይ ሩዋንዳ ቅሩብነት ብዙሕ ዘዛርብኳ እንተኾነ ብመትከል ከም ዝተቐበለቶ ክሕበር ዝጸንሐ እዩ።
ሩዋንዳ ቅድሚ ሕጂ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብተደጋጋሚ ካብ ሊቢያ ክትቅበል ከም ዝጸንሐት ዝዝከር እዩ።
“ሺሕ ፈልጺ መእሰሪኡ ልሕጺ” ዝብል ኣበሃህላ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ልሙድ እዩ። እዚ ኣበሃህላ ናይ ሕብረት ታራን ኣድላይነትን የዕዝዝ። ክጥመር ዝግበኦ ናይ ዘይምጥማሩ ሓደጋ እውን የገንዝብ። ኩነታት ምጥማርን ዘይምጥማርን ኣብ ዕለታዊ ማሕበረ ቁጠባዊ ህይወት ሕብረተሰብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ከምዚ ነካይዶ ዘለና ፖለቲካዊ ሓርነታዊ ቃልሲ’ውን ኣድላይነቱ ህያው እዩ።
ኣብ ቃልሲ ዝተዋህለለ ሓይሊ ሰብ፡ ነገራዊ ዓቕምን ተመኩሮን፡ ከምቲ ፈልጺ ብልሕጺ ዝጥመር፡ ብሕግን ስርዓትን እንተዘይ ተማእኪሉ ኣየድምዕን’ዩ። ኣድላይነት ናይቲ እናበሃግናዮን እናደለናዮን ክሳብ ሎሚ በቲ ንደልዮ ደረጃ ከነረጋግጾ ዘይበቓዕና ሓድነትን ምውህሃድን ’ውን ብመንጽር እዚ እዩ ዝረአ። ኣብ መስርሕ ምሉእ ሓድነት ኮነ ኣብ ትሕቲ ሰፊሕ ጽላል ተቐራሪብካ ምቅላስ፡ ካብ ዝረኣዩ ጸገማት ሓደ ኣብቲ “ዝተበተነ ዓቕምታትና ብኸመይ ይጠመር?” ፡ ዝብል ሕቶ ኣብ ምምላስ ዝፍጠር ፍልልይ ምዃኑ ኣብ ተመኩሮና ክንርእዮ ዝጸናሕና እዩ።
ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ኮነ ኣብ ካልእ ንኡስ ዛዕባታት ነናቶም ዝተፈላለየ ከዕውትዎ ዝደልዩ ባህግታት ክህልዎም ባርያዊ እዩ። ምስዚ ግና ተመሳሳሊ ባህጊ ከም ዝህልዎም እውን እሙን እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣብቲ ዘሰማምዓካ ብሓባር ምስላፍ መተካእታ የብሉን። ነቲ ኣብ ባህጊ ኮነ ኣብ ኣረዳድኣ ዝረአ ሓላፍ ዘላፍ፡ ብሓባር ተሰሊፍካ ወይ ተቐራሪካ ምዕዋት፡ ከምቲ ብልሕጺ ዝተጠምረ ፈልጺ ኣብቲ ክበጽሖ ዝግበኦ ኣብ ምብጻሑ ዘየጸግም፡ ነቲ ቃልሲ ጠሚሩ ዝቓንዮን ብኣድማዒ ኣገባብ ንቕድሚት ዘሰጉሞን ቀጥዒ ክህሉ ከኣ መተካእታ የብሉን።
እዚ መጥመሪ ቀጥዒ ከከም ደረጃኡ ካብቲ ዝተሓተ ውድብ ይኹን ሰልፊ ወይ ድማ ማሕበር ክሳብ ብደረጃ ሃገር በበይኑ መልከዓት ይሕዝ። ናይ ኩሉ ማእከላይ ዕላማ ግና ናይ ሓባር ድሌትን ባህግን እናሃለዎ በበይኑ ዝወፍር ዓቕሚታት ሓቢሩ ከም ዝዓምምን ከምዘድምዕን ምኽኣሉ እዩ። እዚ ውሽጣዊ ሕጊ፡ ቅዋም ወይ ሃገራዊ ሕገመንግስቲ ይኸውን። ናይዚ ጠማሪ ብኩራት ኣብ ኩሉ ደረጃታት ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደይ ኣሉታዊ ምዃኑ ንምርዳእ፡ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ብኩራት ቅዋም ሳዕሪሩ ዘሎ ክቱር ምልኪ መስካሪ እዩ።
ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ኣድላይነት ሃገራዊ ቅዋም ክሕተት እንከሎ፡ እንዳ ሓጨጨ፡ ነቲ ቅዋም ዘጽደቐ ድምጺ ህዝቢ ካብ ዘለዎ ንዕቀትን ትምክሕትን ነቒሉ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ከይሓፈረ፡ ብላግጺ“ከይተኣወጀ እንከሎ ዝሞተ ሰነድ እዩ” ዝብሎ፡ ትርጉሙ ኣካይድኡ ብሕጊ ክግደብ ዘይደሊ ሃላሊ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ጸቢብን ዘይሓላፍነታውን ኣጠማምታ ዘርኢ’ውን እዩ። “እሞ ወዮ ሕገመንግስቲ ካብ ሞተን ነቲ ሓድሽ ቅዋም ንነድፍ ኣለና ክትብሎ ዝጸናሕካ’ውን ካብ ኣዋደቕካዮ፡ ሃገርን ህዝብን ብምንታይ ትመርሖም ኣለኻ?” ንዝብል ሕቶ፡ መልሱ ከየጸባበቕካ “ብኢደወነነይ” ዝብል ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ከምዘይኮነ ብግብሪ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ድሌቱ ከኣ ኣብታ ፍሉይን ክቡርን ዋጋ ዝተኸፈላ ሃገር “ኢደ-ወነናዊ” ምምሕዳር ምስራጽ እዩ።
እቲ ህንጡይ ህግደፍ በዚ ከይተወሰነ ኣብ ኣደባባይ ክብሪ ሃገር ክዕድል እውን ምእማኑ ክሳብ ንጽገም ዝሰማዕናዮን ዝተዓዘብናዮን እዩ። ከምዚ ሎሚ ዝምድናኦም ኣዝዩ ሓርፊፉ፡ ኣብ ኣሽሙርን ምትሕምማይን ከይወደቑ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ “ድሕሪ ሕጂ ወኪለካ ኣለኹ፡ ንስኻ ኢኻ ተመርሕና፡ ኣነ ድማ ምሳኻ ኣለኹ፡ ተደሊኻ ኦሞሓጀር፡ ኣስመራ፡ ዓሰብን ባጽዕን ፈቓድ ከይሓተትካ ክትከይድ ከልካሊ የብልካን” ክብል እንከሎ ክሳብ ክንደይ ኣብዛ ብሰንኩ ሕገመንግቲ ዘየብላ ሃገር፡ ልጓም ከም ዘየብላ መጽዓኛ ከም ዝጋለበ ምርድኡ ኣየጸገምን።
ኣብ ውዳበታትና እንምረሓሉ ሕግታት ኮነ ቅዋም ሃገር ኣገዳስነቶም፡ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ምጥማር ጥራይ ዘይኮነ፡ ትካላትን ትካላዊ ኣሰራርሓን እግሪ ኣትኪልካ፡ ቅኑዕ ቅዲ ምምሕዳር ዘትሕዝ’ውን እዩ። ብደረጃ ሃገር ናይ መንግስቲ ምልኣት ምህላዉ ዘረጋግጹ፡ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት መሰረታዊ መንቀሊኦም ሃገራዊ ቅዋም እዩ። ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝወጹ ሕግታት’ውን ነዚ ቅዋም ብዘይጻረር እዮም ዝቕረጹ። ዕላማ ምውናንን ኣብ ምትግባሩ ዝቕልስ ሕጊ ወይ ቅዋም ምህላውን ኣብቲ እተማዕድዎ ሸቶ ንምብጻሕ በይኖም እኹላት ኣይኮኑን። ህዝቢ ብቕዋም ተቐይዱ ባህጉ ዘተግብር ብመሰረት እቲ ዘጽደቖ ሕገመንግስቲ ብዝረኸቦ መሰል ተጠቒሙ፡ ንከገልግሎ እምነት ዘንበረሉ መሪሕነት ወይ መንግስቲ ክህልዎ ናይ ግድን እዩ።
ስለዚ ሕገመንግስቲ ትካላት ጥራይ ዘይኮነ መሪሕነት እውን ዝወልድ እዩ። እቲ በዚ ኣገባብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዝሕተትን ዝምልከቶን ዘይምከቶን ተደሪቱ ዝወሃቦ እምበር፡ ከምድላዩ ዓንቀጻት እናጠሓሰ፡ ዝዕንድር ኣይኮነን። ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ሕቶ መሪሕነት ክለዓል እንከሎ፡ ኢስያስ ኣፈወርቂ ምስ በልካ፡ ድሕሪኡ መን ኢልካ ከም እትቕጽል ፍሉጥ ኣይኮነን። ምናልባት ካብዚ ምድንጋር ዝነቐለ ብዝመስል ገለ ዓቕሎም ዝጸበቦም ወገናት ስም ኣብርሃም ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከኳማስዑ ክትሰምዕ እንከለኻ፡ ብኩራት ሕገመንግስቲ ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ይረኣየካ።
ብኸምዚ ናይ ኢሳያስ ዝኣመሰል ዓመጸኛ መንገዲ ዝመጸ ዘይኮነ፡ ሕገምንግስታዊ መስርሕ ተኸቲሉ ብኣፍልጦ ህዝቢ ዝመጽእ መሪሕነት ንህላወን ዕቤትን ህዝብን ሃገርን ወሳኒ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ድማ “ታሕተዋይ ኣካል ብውሳነ ላዕለዋይ ኣካል ይምእዘዝ ፡ ላዕለዋይ ኣካል ድማ ንድምጺ ንታሕተዎት ይሰምዕ” ዝብል ኣምር ሓደ ካብ ዲሞክራሲያዊ ኣዕኑድ ጌርካ ዝውሰድ። እዚ ከበሃል እንከሎ ናይቲ ዝምራሕን ቀንዲ ኣብ ባይታ ዘተግብርን ህዝቢ ብጽሒት እውን ኣትሒትካ ብምርኣይ ኣይኮነን። እቲ ዘዕውት እምበኣር ናይ ህዝብን መንግስትን ውሁድ ጉዕዞ እዩ። ሓላፍነትን ተሓታትነትን ናይቲ ዝመርሕ ኣካል ብዝተወሰነ ደረጃ ከም ዝዓዝዝ ግና ኣይሰሓትን።
ድሌትካ፡ ቅዋምካን መሪሕነትካን ኣሳንዮም ከም ዝስጉም ምግባር፡ ብቃልሲ ኣብ መስርሕ ዝረጋገጽን ክቡር ዋጋ ዘኽፍልን እምበር፡ ተሰሪሑ ከምዘይወሃበካ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ እቲ መስርሕ ንሓንሳብ እንዳዓገብካ ንሓንሳብ ድማ እንዳተጠርነፍካ እትጐዓዞ ስለ ዝኾነ። ብፍላይ ድማ ኣብዚ ኣብ ቃልሲ ዘለናሉ እዋን ኢና ንኣካይዳ ኢስያስ ዝስዕር ናይ ጽባሕ ምእዙዝነት ንቅዋም እንለማመዶ።