ባህግና Eri Bahgna Media 08 03 2026 ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኣንጻር ድርብ ወጽዓ፡ንዝኽሪ 8 መጋቢት 2026
Written by Eri Bahgna MediaMedia
“ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ሕረተሰብ ስለ ዝኾና ብዘይተሳትፎአን ዝዕወት ሰውራ የለን”፡ ዝብል ጭረሖ ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ምቕያር ሕብረተሰብ ክሳብ ክንደይ ብተመኩሮ ዝተረጋገጸ ወሳኒ ምዃኑ ዘመልክት’ዩ። ኣብ ርእሲዚ፡ ኣብ ህዝባዊ ዕብየትን ቃልሲ ኣንጻር ድርብ ወጽዓን ብጽሒት ከም ዘለዋ ዘመልክት’ውን እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ድሮ’ቲ “ ንኸተትርፍሲ ሃብ” ኣብ ትሕቲ ዝብ ኣህጉራዊል ጭረሖ ዝዝከር 8 መጋቢት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 2026፡ ንርከብ ስለ ዘለና “እንኳዕ ኣብጸሓክን ኣብጸሓና”።
ኣብዚ እዋን’ዚ ብሳላቲ ነዊሕ መዋእል ንዝወሰደ ቃልስን ተሳትፎን ጓለንስተይቲ፡ ኣፍልጦ ዝህቡ ስርዓታት በብኩርናዑ ምምስራቶም፡ ብደረጃ ዓለም ክንርኢ እንከለና፡ ተሳትፎኣ ይብርኽ ምህላዉ ምርዳእ ይከኣከል። በመንጽር ተሳትፎ ኣብ ፓርላማ ኣብነት ንምጥቃ ፡ ኣብ ሩዋንዳ 61.3%፡ ኩባ 53.1%፡ ቦልቪያ 53.1%፡ ሜክሲኮ 48.2%፡ ደቡብ ኣፍሪቃ 42.7%፡ ኡጋንዳ 34% ወንበራት ብደቂ ኣንስትዮ ዝተታሕዘ እዩ። ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ከኣ ብደረጃ ዓለም ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ሓይሊ ኣየር 24.1%፡ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ድማ 21.3% ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን መዛግቲ የርእዩ። እዚ ዝተጠቕሰ ኣሃዛት እኹልዩ ማለት ዘይኮነ፡ ኣብ ዝበረኸ ንምብጻሕ እቲ መንገዲ ተታሒዙ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ።
ኣብ ኤርትራ’ኳ ፓርላማ ስለዘየለ ብዛዕባ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝለዓል ኣይኮነን። ካብታ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ጀግንነት ብምፍጻም እትምጎስ ጓለንስተይቲ ሓንቲ’ኳ ኣብ ወተሃደራዊ መዓርግ ጀነራልነት ዘይምብጸሓ፡ መርኣያ ኤርትራዊት ጓለስተይቲ ክሳብ ክንደይ ካብ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ቃልሲ ዝኸፈለቶ ዋጋ ተነፊጋ ከም ዘላ ዘርኢ እዩ። ህግደፍ ሎሚ እውን ንጓለንስተይቲ ኣብ ልዕልቲ ድርብ ወጽዓ፡ ወጽዓ ኣብ ብዝድረብ ኣገባብ ካብ ምስታፍ ዓዲ ኣይወዓለን። ኤርትራዊት መንእሰይ ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ኣብ እትጸንሓሉ ዘጋጥማ ሓሳረ መከራ ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ።
ኤርትራዊት ኣብ ግዜ ሰውራ ንወሳኒ ተሳትፎ ጓለንስተይቲ ተግቢራቶ እያ። ኣብ ሃገርና ንዝነበረ ባህላውን ሃይማኖታውን ዕንቅፋታት ፈንጺጋን ንኩኹ ተፈጥሮኣዊ ተጽዕኖታት ክኢላን ንትርጉም ማዕርነት ብንቕሓት ተገንዚባ ምስ ወዲ ተባዕታይ ብቑጽሪ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ባይታ’ውን ተግቢራቶ እያ። ወዲ ተባዕታይ ዝኸኣሎ ክኢላ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጸብለልታ ዘርኣየትሎም ተመኩሮታት ምንባሮ’ውን ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ሓቂ ከምዚ ክነሱ፡ ብናይ ሓሶት ናይ “ዋዕሮ” መዝሙር ንምዕሻዋ ዝግበር ሸርሒ ህግደፍ ግና ዘተዓዛዝብ’ዩ።
መላእ ህዝቢ ኤርትራ እታ ብቃልሱ ዘረጋገጻ ሃገሩ፡ ከመይ ክትኮነሉ ከም ዝደሊ ዘማዕድዎ ራኢ ነይርዎ እዩ። እንተኾነ ኤርትራ ድሕሪ ናጻነት፡ ብሰንኪ ህግደፍ ኣንጻር ትጽቢቱ ከም ዝኾነት ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እዩ። ስለዚ እያ ድማ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ኣንጻር ትጽቢት እቲ ዝተቓለሰላ መላእ ህዝባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዓለም ደረጃ እውን ናይ ድሕረትን ጥሕሰት መሰላትን ኣብነት ኮይና እትጠቀስ ዘላ። ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ እውን ከም ውጽኢት ናይቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ዘካይደቶ ድርብ ቃልሲ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ድርብ ኣውንታ ትጽበ ከም ዝነበረት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት፡ ኣብ ዘዝተወደበቶ ኮይና ዘንጸባረቐቶ ነይሩ። እንተኾነ ብሰንኪ ጥልመት ናይቲ ጨካን ጉጅለ ኣብታ ብቃልሳ ነጻ ዘወጸት ኤርትራ፡ ካብቲ ናብ ቃልሲ ክትወፍር እንከላ ዝነበራ ወጽዓ ብዝገደደ ተደራራቢ ወጽዓታት፡ ኣብ ሃገራ ኮነ ኣብ ስደት ብብዙሓት ምጥቃሶም ዘሰክፉ ሕማቕ ተርእዮታት እትሳቐ ዘላ እያ።
ህግደፍ ብዘሕፍር ሸፈጥ፡ ብኣጻብዕ ብዝቑጸራ፡ ሕድሪ ሓርበኛታት ኣደታተን፡ ኣሓተንን ደቀንን ዝጠለማ ባእታታት ሰብ ፍሉይ ሓለፋ ኣሳቲፉ ክወራዘ’ዩ ዝፍትን። ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ እቲ “ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኣንጻር ድርብ ወጽዓ” ዝብል እምነት ወትሩ ካብ ሕልነኣ ከምዘይወጽእ ርዱእ ኮይኑ፡ 8 መጋቢት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክትዝከር እንከላ ብፍላይ እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብዝተፈላለዩ ውዳበታት ተካይዶ ዘላ ናይ ቃልሲ ሕራነኣ ዝያዳ ከም ዝብርኽ ፍሉጥ እዩ።
ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ኣብ ቅነ 8 መጋቢት ኮይና፡ “ከመይ ኔይረ ኣብ ከመይከ ኣለኹ?” ኢላ ክትሓትት ባህርያዊ እዩ። መልሳ ከኣ “ተሳትፎይ ካብ ዝነበሮ ብራኸ ኣንቆልቊሉ” ዝብል ከም ዝኸውን ህልዊ ኩነታታ ዝምስክሮ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝኽሪ ብዛዕባ ብኽመይ ናብቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ዝነበራ ብራኸ፡ ነዚ ህልዊ ኩነታትና ብዝምጥን ትምለስ ክትሓስብ እምበር፡ ስለ ዝጠተልመት ብዘካየደቶ ቃልሲ ክትጠዓስን ተስፋ ክትቆርጽን ኣይግበኣን። ከምቲ ዝተጠልመ ሓርነት ህዝቢ ንምምላስ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ጓለንስተይቲ ንዝካየድ ቃልሲ’ውን ብዘይካ ምሕዳሱን ምሕያሉን ካልእ መተካእታ የለን። ደቂ ኣንስትዮ ዘካይዳኦ ዘለዋ ቃልሲ ንተሳትፎ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ናብ “ማዕረ ክፍሊት ንማዕረ ስራሕ” ዝዓለመ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝረአ ዘሎ ግና ንኣገልግሎት ጥራሕ ከም ዝድለያል ክኸውን እንከሎ፡ የሕዝን።
ኣብዚ ምእንቲ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ እንቃለሰሉ ዘለና መድረኽ፡ ድሩትነት ተሳትፎ ጓለንስተይቲ ካብ ዘሻቕሉ ዓበይቲ ብደሆታት ሓደ ኮይኑ፡ እምብዛ ተስፋ ዘቑርጽ ግና ኣይኮነን። “ብዘይተሳትፎ ጓለንስተይቲ ዝዕወት ሓርነትን ዲሞክራሲን የለን” ዝብል ናይ ብዙሓት እምነት ካብ ኮነ፡ በቲ ብኩራት እትሻቐል ጓለንስተይቲ ጥራይ ዘይኮነት፡ ናይ ኩሉ “ናይ ህዝባ ዝኾነት ኤርትራ” ዝብህግ ሻቕሎት እዩ። ብፍላይ እተን ሰብ ድርብ ወጽዓ ኤርትራውያን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣርማን መተካእታን ናይተን ሰብ ቅያ ኣደታተን ምዃነን ተረዲደን ኣብ ምብርታዕ’ቲ እቲ ተተይ ዝብል ዘሎ ውዳበታት ደቂ ኣንስትዮ ንክሳተፋ፡ ኣብዚ ቅነ 8 መጋቢት ነዘኻኽረን።
ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ግምትን ቆላሕታን ዝወሃቦ እምበር፡ ካብቲ ቃልሲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ተፈልዩ ዝረኣይ ከምዘይኮነ፡ ብፍላይ ኣብዚ ልኡላውነት ናይ ምዕቃብን ጸረ ዲሞክራሲ ናይ ምውጋድን ቃልሲ ኣብ ቅድሜና ድርብ ብደሆ ኮይንሉ ዘሎ ወሳኒ እዋን፡ ዝተወሃሃደ ኣበርክቶ ኩሉ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ከም ዘድልዮ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።
8 መጋቢት ስለምንታይ ከም እትዝከር ኣብ በበይኑ ኩርናዕ ዓለም ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ዝረደኣኣ ኮይና፡ ግና ድማ ኣብቲ ኣዘኻኽራ፡ ነናብቲ ዝነብራሉ ዘለዋ ሃለዋት ከም ዝቓንይኣ ፍሉጥ እዩ። ብመንጽርዚ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ንጭረሖ “ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኣንጻር ድርብ ወጽዓ” ምስቲ ኤርትራን ህዝባን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ህይወት ኣገናዚባ እትበራበረሉ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ።
ኣምኒስት ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ክምርመር ጸዊዑ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣምኒስት ኢንትርናሽናል (amnesty international)፡ ብ6 መጋቢት 2026 ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (OLA) ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብን ዝተፈጸመ ገበናት ንክጻረ ጸዊዑ። መግለጺ ኣምኒስት እቲ ሰራዊት ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ብጾታዊ ዓመጽ ጅሆ ክሕዝ፡ ንሓዋሩ ክጨውን ክቐትልን ከም ዝጸንሐን ንብረት ህዝቢ ክዕንውን ክዘምትን ምጽንሑ’ውን ገሊጹ።
መግለጺ ኣምኒስት ኢንተርናሽናል፡ እቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ኢሉ ካብ ዝጠቐሶም ከባብታት፡ ሳዮን ኣንፊሎን ዝተባህሉ ኣብ ዞባ ቀሌም ወለጋ ዝርከቡ ወረዳታት ይርከብዎም። እቲ መግለጺ ኣብዚ እዋንዚ’ኳ እንተወጸ ንዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ክልል ኦሮሞ ብሰንኪ ውግእ ሓበሬታ ኣብ ዘይነበረሉ ዕጽዊ ኩነታት ዝተፈጸመ ተግባር ምዃኑ ኣስፊሩ። ነዚ መግለጺ ዝሃበን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከጻርዮ ዝሓተተን ቲገር ቻጉዝ ዝተባህለ ዳይረክተር ኣምኒስት ኣብ ደቡባውን ምብራቓውን ኣፍሪቃ እዩ። እቲ ወኪል ኣተሓሒዙ ኩሎም ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ኣካላት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ተሓተቲ ንክኾኑ እዩ ጸዊዑ።
እቲ መግለጺ ናብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብቐጥታ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ድማ፡ ብመጀመርያ ናይ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ምእዙዝ ክኸውን ይግበኦ ኢሉ። ኣብ ርእሲዚ ድማ ብገበን ንዝሕተቱ ኣባላቱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኣቕሪቡ ክቐጽዖም ይግበኦ ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ። ኣብ ክልል ኦሮሞ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ናይ ብዙሓት ህይወት ከም ዘጥፈአን ንብረት ከም ዘዕነወን ድማ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።
ኣምኒስት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መደምደምታ ንምብጻሕ፡ 10 ካብኣተን 7 ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመአን ናይቲ ጾታዊ ዓመጽ ግዳያት ዝኾና መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘዘራረበን ካብ ትካላት ጥዕና እውን መሰኻኽር ከም ዝተወከሰን ኣፍሊጡ። በቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ዓመጽ ኢድ ኣለዎም ኢሉ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ። ኣምኒስት ኣዝዩ ዘሕዝን ኢሉ ዝጠቐሶ ከኣ እተን ግዳይ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣባላት ስድራቤትክን ደገፍቲ መንግስቲ እዮም ብዝብል ሰበብ ዝተዓመጻ ምዃነን ኣብቲ መግለጺኡ ኣስፊሩ።
ኤውሮጳዊ ልኡኽ ኣብ ጀነቫ ኣብ መጀመርያ ወርሒ መጋቢት 2026 ዝተኻየደ መበል 61 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ንህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ብስም 40 ሃገራት ናይ ሓባር መግለጺ ምውጽኡ ናይቲ ልኡኽ ክፍሊ ፕረስን ሓበሬታን ኣፍሊጡ።
እቲ መግለጺ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣብ ርክባት ሰብኣዊ መሰል፡ ብፍላይ ድማ ኰነታታ ኣብ ኣተሓሓዛ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ከመይ ደርጃ ከም ዝርከብ ንምግምጋም ኣብ ዝተከፍተ መድረኽ ምስታፋ ኣመስጊኑ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ቀጻሊ ነዚ ዛዕባ ኣብ ዝምልከት መድረኻት ክትሳተፍ ከም ዝጽበ ገሊጹ።.
ኣብ መስርሕ እቲ ኣብ መጻኢ ወርሒ ስነ 2026 ከተካይዶ መዲባቶ ዘላ 7ይ ዙርያ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ መሰል ሓስብካ ምግላጽን ነጻነት ናይ ማሕበራትን ምእካብን ክወሓስ ትጽቢትና እዩ ኢሉ እቲ መግለጺ። እንተኾነ በቲ ኣብታ ሃገር ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ጃምላዊ ምእሳርን ምክልባትን ምእንቲ ሲቪላዊ መሰል ዝቃለሱ ወገናት ወሲኽካ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ መሰል ተጣበቕትን ናይ ብሕቲ መዲያታትን ዝፍጸም ዘሎ ቀጻሊ ምትዕንቓፋት ነተን መግለጺ ዝውጽኣ ሃገራት ከም ዘሻቕለን ዘርዚሩ። ብሰንክ’ዚ ተግባራት ብዙሓት ካብ ሃገሮም ክወጹ ከም ዝተገደዱ’ውን ጠቒሱ።
መሰል ሲቪላዊ ኣካላት ምሕላውን ንመዲያታት ምቹእ ኩነታት ምፍጣርን ፍትሓዊ ምርጫ ንምክያድ ኣገዳሲ ቀድመ-ኩነት እዩ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ብዓለም-ለኻዊ ሕግታት ሰብኣዊ መሰላት ክትቅየድ ድማ ብትሪ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ፥ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ወተሃደራዊ ምፍጣጥ ከም ዝከታተሎ ኣብቲ መግለጺ ኣስፊሩ። ነቲ ኩነታት ብኹሎም ዝምከቶም ኣካላት ምህዳኡ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሕብረተሰብን ዞባዊ ምርግጋእን ሓደገኛ ሳዕቤን ከኸትል ዝኽእል ሓዲሽ ውግእ ከይፍጠር ዝዓግት ወሳኒ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያን ካለኦት ተዋሳእቲ ኣካላትን እቲ ኣብ ክልላት ኦሮሞ፡ ኣምሓራን ትግራይን ዝረአ ዘሎ ወጥርን ምግሃስ መሰላትን ንክቋረጽ ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ንክወስዱ ንጽውዕ እውን ኢሉ እቲ መግለጺ። ኣተሓሒዙ ድማ ውዕል ፕሪቶርያ እምነ-ኩርናዕ ሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያን እቲ ዞባን ምዃኑ ኣዘኻኺሩ፡ ከም ኣገዳሲ መንጠሪ ናብ ሰላማዊ ዘተ ንክውሰድ ከኣ ጸዊዑ።
ኩሎም ወገናት ካብ ጥሕሰትን ዓመጽን ክዕቀቡ ይግበኦም ብምባል፡ ሰብኣዊ መሰል ምኽባር ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕባቶም ዝፍጸአሙ ጥሕሰታት ተሓታትነትን ፍትሕን ከረጋግጹ’ውን ተማሕጺኑ። ብምትሕሓዝ ከኣ ንግደ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ካለኦት ዞባዊ ትካላትን ኣብ ዘተን ምርግጋእን ኣፍልጦ ከም ዝህብ እቲ ብስም 40 ሃገራት ኣብ መበል 61 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ መግለጺ ጠቒሱ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ እውን ኣስታት 42 ሃገራት ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ መግለጺ ኣውጺአን ከም ዝነበራ ዝዝከር እዩ።
ብኢትዮጵያ ብዝኣተዋ ዝተወቕዐ ተባሂሉ ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ዝተዘርገሐ ምስሊ
መንግስቲ ሱዳን ሰብ መዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሮናት ካብ ግዝኣቶም ናብ ግዛኣታ ኣትየን ክድብድባ ስለ ዘፍቀዱ፡ ብ2 መጋቢት 2026 ብዘውጸኣቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ብወግዒ ምኽሳሳ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። ሱዳን ምኽሳስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ክትብል ስጉምቲ ስለ እትወስድ፡ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ክኸውን’ዩ ዝብል መጠንቀቕታ እውን ኣቕሪባ።
ኣብቲ ናይ 2 መጋቢት ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን ሱዳን፡ መንግስቱ ነቲ ኩነታት ክትቆጻጸሮ ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲትን መጀመርታ መጋቢትን 2026 ምእታው ድሮናት ናብ ሱዳን ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝተረጋገጸ ኣፍሊጡ።
መንግስታዊ ማዕከን “ኣገልግሎት ዜና ሱዳን” ብወገና፡ እተን ድሮናት ኣብ ውሽጢ ሱዳን ዒላማታት ናይ ምውቃዕ መደብ ከም ዘለወን ኣረጋጊጸ ኢላ። እቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ነቲ ተርእዮ “ህውከተኛ ባህሪ’ዩ” ኢሉ፡ ግጉይን ዘይቅቡልን ድሕሪ ምባል፡ ኮነ ኢልካ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሱዳን ንምግሃስ ዝተኣልመ እዩ ከም ዝበሎ እውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ። ከምኡ’ውን መንግስቲ ሱዳን ግዝኣታ ንምሕላው ስጉምቲ ናይ ምውሳድ መሰላ ሕልዊ እዩ ኢሉ።
እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብዚ ንሳልሳይ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንኢትዮጵያ ነቲ ብጀነራል ሕሚቲ ንምሕጋዝ ኢድ ምእታዋ ብኸምዚ ብወግዒ ክኸሳን ከጠንቅቓን ናይ መጀመርታኡ እዩ። ጸሓፊት ወጻኢ ጉዳይ ዓባይ ብሪጣንያ ብወገና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ርክብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሱዳን ተኹሲ ጠጠው ምባል ዘይተኻእለሉ ምኽንያት ክልቲኦም ወገናት ብናይ ወጻኢ ሓይልታት እናተሓገዙ “ኣነ ክስዕር እየ፡ ኣነባ ክስዕር” ዝብል ምትህልላኽ ስለ ዘለዎም’ዩ ክትብል ጠቒሳ ነይራ እያ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባቲ ክሲ ወግዓዊ መልሲ ዘይሃበ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ኩነታት ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ዞባና ዘሎ ኣሰላልፋ ናብ ቅሉዕ ውግእ ከይምዕብል ናይ ብዙሓት ስግኣት ኮይኑ ዘሎ እዩ።
ብ1896 ኣብ መንጎ ሰራዊት ዳግማዊ ምነሊክን ኢጣልያን ውግእ ተኻይድሉ ዝበሃል ጎቦታት ሶሎዳ
መበል 130 ዓመት ውግእ ዓድዋ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ትግራይን ብ2 መጋቢት 2026 ተዘኪሩ። ኣብቲ ዝኽሪ ምስቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ወጥሪ፡ ኣብ ክልቲኡ ወገናት ናይ “መጻእኩኻ” ምፍኽኻር እዩ ክንጸባረቕ ውዒሉ። ፈኸራ ላዕለዎት መራሕቲ ብልጽግና፡ ናብ ትግራይ ጥራይ ዘተኮረ ዘይኮነ፡ ዝያዳ ናብ ኤርትራ ዘቕነዐ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣብ ኣደባባይ ኣዲስ ኣበባ ዝተዘከረሉ፡ ኩሉ’ቲ ጭረሖታት ከምቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ባህሊ ተወሲዱ ዘሎ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ጥሒስካ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ንምውናን ዘቕነዐ ጃህራን ፈኸራን ዘንጸባርቕ ነይሩ።
ኣብ ኣደባባይ ኣዲስ ኣበባ መደረ ዘስምዑ፡ ፕረሲዳንት ታየ ኣጽቀስላሰ፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ከንቲባ ኣዳነሽ ኣበቤን እዮም። ኩሎም ዘንበብዎ ጽሑፋት ከኣ ሓደ ሰብ ጽሒፉ ኣባዚሑ ከም ዝሃቦም ብዘምስል ልኡላውነት ኤርትራ ምግሃስ፡ ከም ናይ ዓወት ዓድዋን ምህናጽ ሓጽቢ ህዳሰን ከነረጋግጾ ኢና ዝብል ህርፋን’ዩ ኣቃሊሑ።
ከም’ቲ ሓቁ ግና ናይ ግዜ ውግእ ዓድዋ ንጉስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዳግማዊ ምነሊክ፡ ድሕሪ ውግእ ዓድዋ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሩባ መረብ ከይተሳገረ ሰራዊቱ ሒዙ እዩ ዝተመልሰ። ንናይ ሚነሊክ ሩባ መረብ ሰጊሩ ናብ ኤርትራ ዘይምእታው ዝተፈላለዩ ምስምሳት ክህብሉ ዝፍትኑ’ኳ እንተለዉ፡ እቲ ሓቀኛ ምኽንያት ግና ምነሊክ ንኤርትራ “ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኢጣልያ ዝነበረት ጐረቤት ኢትዮጵያ ሃገር” ምዃና ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ናብ እንዳማቱ ግዝኣት ንዘይምእታው ዝወሰዶ ስጉምቲ እዩ። እዚ ከኣ ምነሊክ ነቲ ሎሚ ንዝተወሰኑ ላዕለዎት መራሕቲ ብልጽግና ምውሓጥ ኣብዩ ዘዕገርግሮም ዘሎ “ሃገርነት ኤርትራ” ኣፍልጦ ዝሃበሉ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ።
ብዛዕባ ኲናት ዓድዋ ካብ ተላዕለ ኢትዮጵያውያን፡ ካብቶም ምስ ኢጣልያ ተሰሊፎም ኣስታት 8,000 ኤርትራውያን፡ ኣብ ኢዶም ካብ ዝወደቑ ዝተፈላለዩ ሰነዳት ብዝተፈላለየ ኣሃዛት ዝገልጽዎም ናይ ኣስታት 400 ክሳብ 800 ዝበጽሑ ሰባት የማናይ ኢድን ጸጋማይ እግርን ቆሪጾም ኣዝዩ ኣሰቃቒ ዘይሰብኣዊ ተግባር ዝፈጸምሉ እዩ። ነቶም ኣብ ኢዶም ዝወደቑ ኢጣልያውያን ወተሃደራት ግና እግሮም ሓጺቦም እዮም ብሰላም ኣፋንየሞም።
ዳግማዊ ሃጸይ ሚነሊክ ብ2 ጉንበት 1899፡ ምስ ኢጥልያ ውዕል ውጫለ ክፍርም እንከሎ’ውን እቲ ዘፋለሶምን ናብ ዳግማይ ውግእ ዘእተዎምን ናይ ኤርትራ ሃገርነት ዘይኮነ፡ ካልእ ናይ ዓንቀጽ 17 ናይ ኣተረጓጉማ ሽፈጥ ምዃኑ መዛግብቲ ታሪኽ ዝሰነድዎ እዩ።
ስለዚ ውግእ ዓድዋ ነቲ ንኤርትራ ዝገዝእ ዝነበረ መንግስቲ ኢጥልያ’ኳ ስዕረት እንተነብረ፡ ብዛዕባ ሃገርነት ኤርትራ ግና ባይታ ዘንጽፈ እዩ ነይሩ። ንዝኽሪ ዓድዋ ከም መንጠሪ ንምውራር ኤርትራ ክትገብሮ ከኣ ዘሳኒ ኣይኮነን። ኢጣልያ እንደጋና ብ31 መጋቢት 1936 ኣብ ማይጨው ተዋጊኣ ብምስዓር ንኢትዮጵያ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝገዘአታ ከኣ፡ ነቲ ቅድሚኡ ዝነብረ ውዕላት ኣፍሪስካ፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ንምሕዋስ ዘይኮነ፡ ከምቲ ብግብሪ ዝተራእየ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካልእ ግዝኣት ኢጥልያ ንምውሳኽ እዩ ነይሩ።
ባህግና Eri Bahgna Media 01.03.2026 ኣስተውዕል ህዝቢ ኤርትራ፥ ግደ መንእሰይ ንጽባሕ ዘይኮነስ ንሎሚ'ዩ
Written by Eri-Bahgna MediaMedia
More...
ኢራን ኣብዚ እዋንዚ ናይ ዓለምና ኣዛራቢት ኣጀንዳ ኮይና ዘላ፡ ኣብ ክፍለዓለም ኤስያ ካብ ዘለዋ 48 ሃገራት ሓንቲ እያ። ኢራን ኣዛራቢት ኮይና ዘላ ኣሜሪካን እስራኤልን ብሓባር ኣብ ልዕሊኣ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምስ ወሰዳ፡ ንሳ ድማ ኣብ ልዕሊ እተን ወተሃደራዊ መደበራት ኣሜሪካን እንግሊዝን ዘለወን ጐረባብታ ሃገራት ብዝወሰደቶ ግብረ-መልሲ ኣብ መወዳእትኡ ዘይፍለጥ ሓደገኛ ውግእ ስለ ዘላ እያ።
ኢራን ኣስታት 1,648,195 ትርብዒት ኪሎ ሜትር ስፍሓት ዘለዋ ኮይና 5,894 ኪሎሜተር መሬታዊ ወሰን ኣለዋ። ብዝሒ ህዝባድ 92,417,681 እዩ። ወዲ-ሰብ ብቐዳምነት ምንባር ካብ ዝጀመረለን ጥንታውያን ሃገራት ኮይና እትጥቀስ እውን እያ።
ብመሬት ዘዋስነኣ ሃገራት 7 ኮይነን ንሳተን ከኣ፡ ዒራቕ፡ ቱርኪ፡ ኣዘርባጃን፡ ኣርመኒያ፡ ቱርክመኒስታን፡ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን እየን። ንወገን ደቡባዊ ምዕራብ ወሽመጥ ፐርሺያ ሰጊርካ ድማ ስዑድ ዓረቢያ፡ ኮየት፡ ባህሬን፡ ቀጠር፡ ኢማራትን ዖማንን ይርከባ።
ንወሽመጣት ፐርሺያን ዑማንን ከምኡ እውን ቀላይ ዓረብ ዘራኽብ 193 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ መጻብቦ ሆርሙዝ ኢራን እያ እትቆጻጸሮ። እዚ መጻብቦ ኣብቲ ዝጸበበ ክፋሉ ጐኑ 38 ኪለሜትር ኮይኑ፡ ካብ ናይ ዓለም ነዳዲ 20% ዝኸውን ዝመሓላለፈሉን እዩ ይበሃል።
ዋና ከተማ ኢራን ትሄራን ኮይና፡ ኣስታት 8.7 ሚልዮን ህዝቢ ይነብራ። ካለኦት ዓበይቲ ከተማታት ኢራን ድማ፡ ኢስፋሃን፡ ካራጅ፡ ኣህፋዝ፡ ማሽሃድን ቆምን ይበሃላ። ነባሪ ህዝቢ ከተማ ትሄራን ካብ ህዝቢ ናይታ ሃገር ኣስታት 11% እዩ።
ኢራን ልዕሊ 20 ምምሕዳራዊ ክፍልታት ዘለዋ ኮይና፡ ካብኣተን፡ ምብራቕ ኣዘርባጃን፡ ምዕራብ ኣዘርባጃን፡ ኣርዳቢል፡ ኢስፋሃን፡ ኢላም፡ ቦሸህር፡ ቻማሃል-ባክቲያሪ፡ ኮሮሳን፡ ከውሰስታን፡ ዛንጃን፡ ሰማን፡ ሲስታን፡ ፋርስ፡ጋዝቪን፡ ግሆም፡ ኮርደስታን፡ከርማንን ከማንሳእን ይርከበአን።
ፐርሺያ ኣብ ኢራን 63.3% ዝሽፍን ቋንቋ ኮይኑ፡ ኣዘሪ ቱርኪክ 13%፡ ኩርዲሽ 7%፡ ጊላኪ 3.6%፡ ማዛንዳሪ 3%፡ ዓረብ 1.8%፡ ዝሽፍኑን ካለኦት ንኡሳንን ቋንቋታት ይዝረቡ። ከም ናይ ወጻኢ ቋንቋታት ድማ እንግልዘኛ፡ ራሻኛን ፈረንሳይኛን ይዝውተሩ። ፐርሺያን ኩርድን ከኣ ዓብላልነት ዘለዎም ዓሌታት እዮም።
ኢራን ሓውሲ ምእኩል ፖሊሲ ኤኮኖሚ እትኽተል ኮይና፡ ብሕታዊ ጽላት ብዝለዓለ ዝዋሰኣላ እያ። ሃይድሮካርቦን፡ ሕርሻ፡ ዝተፈኣለዩ ኣገልግሎታት፡ መፍረይ ኢንዱስትሪታትን ገንዘባውን ትካላትን ከኣ ብሰፊኡ ይዝውተሩ። ብዓብይኡ ድማ ኣብ መዓልቲ 3.3 ሚልዮን በርሚል ዘይተጻረየ ነዳድን 1.3 ሚልዮን በርሚል ፈሳሲ ጋዝን ናብ ዕዳጋ ናይ ምቕራብ ዓቕሚ ኣለዋ። ኣብ መዓልቲ 2.6 ሚልዮን ነዳዲ ናይ ምጽራይ ዓቕሚ ዘለዎ ትካል ከኣ ትውንን።
በዚ መሰረት ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ናይ ዝፈሪ ነዳዲ ሓደ ርብዒ፡ ብደረጃ ዓለም ድማ 12% ናይ ኢራን ምዃኑ ይሕበር። ምስዚ ኩሉ ግና ብሰንኪ ተደራራቢ እገዳታት ናብ ዕዳጋ ዓለም ናይ ምቕራብ ዕድላ ድሩት ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ምስዚ ኩሉ 80% ነዳዲ ኢራን ቻይና እያ እትዕድጎ።
ገለ ክፋል ናይቲ ብሓዊ ዝሓረረ ኣባይቲ
ኣብ ሱዳን ምምሕዳር ዳርፎር ኣብ ዝርከብ ዝተመዛበሉ ዝተዓቖብሉ መደበር ካልማ ብ1 መጋቢት 2026 ልዕሊ ሓደ ሺሕ ኣባይቲ ብባርዕ ሓዊ ከም ዝዓነዉ ካብቶም ግዳያት ብዝተረኽበ ሓበሬታ ተፈሊጡ።
ካልማ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ብሰንኪቲ ብ2023 ኣብ ሱዳን ዝተባረዐ ውግእ ዝተመዛበሉ ስድራቤታት ዝዕቖብሉ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ። እቲ ዘጋጠመ ሰፊሕ ባርዕ ኣካልቲ በብግዜኡ ዘጋጥም ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ ቀንዲ መንቀሊኡ ብሰንኪ እቲ መስርሒ ኣባይቲ፡ ምስ ምልውዋጥ ኩነታት ኣየር ብቐሊሉ ሓዊ ስናኸስ ነገራት ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።
ናይቶም ኣብ ዳርፎር ዝርከቡ ሱዳናውያን ተመዛበልቲ ኣወሃሃዲ ኣካል ወሃቢ ቃል ኣዳም ራጃህ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ባርዕ በቲ ዕለት ንግሆ ኣብ መደበር ካልማ ካብ ዝርከቡ ንኡሳት ማእከላት ኣብ ቁጽሪ ሓደ እዩ ጀሚሩ። ብሰንኪ ልዕሊ 1000 ኣባይቲ ምዕናዎም ብዙሓት ተመዛበልቲ ብዘይመጽለሊ ከም ዝተረፉን ኣደዳ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ብኩራት ከም ዝኾኑን ከኣ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።
ረጃል ኣተሓሒዙ እቲ ሓዊ ካብ ሓደ ገዛ ተላዑሉ፡ በቲ ጸቢም መተሓላልፋን ተጸጋጊዑ ዝተሰርሐ ኣብይትን ቀልጢፉ ከም ዝለሓመ ኣፍሊጡ። በቲ ዝተፈጥረ ነበልባል ከኣ ኣብ ኣባይትን ኣብ መኽዘናትን ዝነበረ ንብረትን ቀረባትን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓነወ በቲ ዜና ተገሊጹ። ኣብቲ ግዜ ባርዕ ፍሉይ ጸገም ዝነበረን ኣደታት ጉድኣት ከም ዘጋጠመንን ናብ ሆስፒታል ንያላ ከም ዝተወዳን ክፍለጥ ተኻኡሉ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ወሃቢ ቃል ናይቲ መደበር፡ ሕብረተሰብ ዓለምን ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካላትን መጽለሊ፡ መግብ፡ ማይን ስኣመሰሉን መሰረታዊ ሰብኣዊ ድሌታትን ብህጹጽ ኣብ ምቕራብ ንክተሓባበሩ ጸዊዑ። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ምህናጽ መደበርን ትሕተ- ቅርጻን ንክተሓባበሩ እውን ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።
ኣብዚ ዝረአ ዘሎ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ወጥሪ ዓመታት፡ ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ክደጋገሙ ካብ ዝጸንሑን ዘለዉን ብሂላት፡ “ መራሕቲ ሃገራትን መንግስትታን፡ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራን ወደብ ዓሰብን ናይ ምውናን ሕቶና ደጊፈምዎ” ዝብል ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ከምዚ ኢለሙና እናተባህሉ ዝጥቀሱ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ዘዝገሹ መራሕቲ ሃገራትን ላዕልዎት ሓለፍትን ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣህጉራዊ ትካላት እውን ስመን ይጥቀስ’ዩ። ኣብዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ወትሩ እዩ ኣስማተን ዝጽዋዕ።
ኣብዚ ቀረባ ናብ ኢትዮጵያ ገይሹ ዝነበረ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ቻይና፡ “ንሕቶና ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ደጊፍዎ” ተባሂሉ ዳንኬራ ካብ ዝተወቕዓሎም ሓደ ነይሩ። መገሻ መራሒ ቱርኪ ጠይብ ኦርዶጋን ናብ ኣዲስ ኣበባ እውን ብተመሳሳሊ ክግለጽ ተፈቲኑ እዩ። ብግብሪ ግና እዞም ዝተጠቕሱ መራሕቲ ኮኑ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ወሲኽካ ኩሎም ኣብዚ ጉዳይ ርኢቶ ክህቡ ዝተሓተቱ፡ “ናይ ሃገራት ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ነዚ ዝምልከት ዓለምለኻዊ ሕግታትን ብዘይጥሕስ ክመሓደር ይግበኦ” ከይበሉ ዝሓለፍዎ የለን።
እዚ ርኢቶ ብዙሓት መራሕትን ላዕለዎት ሰብ መዝን ሃገራትን ትካላትን፡ ነቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን፡ እሞ ድማ ብሓይሊ፡ “ክንምንዝዕ ኢና” ክብሎ ንዝጸንሐን ዘሎን ዝድግፍ ዘይኮነ፡ ብሰንጣቕ ዝጻረር እዩ። ደሓር ከኣ ስለምንታ እዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ከምቲ “ኩሉ ናብ ዕዳጋ ዘውረድካዮ ምህርቲ በቲ ዝተጸበኻዮ ዋጋ ክሽየጠልካ ናይ ግድን ከምዘይከውን”፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መስርሕ እውን “ዘዘቕረብካዮ ሓሳብ ብኹሎም ወገናት ተቐባልነት ምርካብ ናይ ግድን ከምዘይኮነ ምርዳእ ስኢኑ? ዝብል ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ። ከምዚ ናይ ኢትዮጵያ ዝኣመሰለ ዓመጽ ዝድገፍ ዘይኮነ፡ ክትህቅኖ’ውን ብጥሕሰት ዓለም ለኻዊ ሕጊ ከቕጽዕ ዝግበኦ እዩ። ምናልባት ነቲ ንዓለምና ከይዕብላላ ዘስግእ ዘሎ ናይ ሓያላት ልዕልና ንምስናይ ከይከውን ዝግመት’ዩ። መራሕቲ ኢትዮጵያ ነቲ “ክንድቲ ዝሃረፍካዮ ኣግዚፍካ ኣይትኾልስ ከይሓንቀካ” ዝብል ምሳልያዊ ኣዘረርባ ዘስተብህል ትዕግስቲ ስኢኖም ዘለዉ’ውን ይመስሉ።
መራሒ ቱርኪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሃገሩ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሓድሽ ጐነጽን ህውከትን” ክህሉ ከምዘይትደሊ ጠቒሱ፡ “ቀርኒ ኣፍሪቃ ከኣ ዓውዲ ውግእ ወጻእተኛታት ክኸውን ኣይግበኦን፡ ምኽንያቱ ንህዝቢ እዚ ከባቢ ተወሳኺ ሕሰምን ጸገምን ዘስዕበሉ ስለ ዝኾነ” እዩ ኢሉ። ናይዚ ሓላፍነታዊ ርኢቶ ትርጉምን መንፈስን ቀይርካ፡ “ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ወኒንካ፡ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ናይ ምህናጽን ወደብ ዓስብ ናይ ምውናን ሕቶና ደጊፍዎ” ምባል፡ ምናልባት ነቲ ብኣምሓርኛ ዝበልናዮ ኣይሰምዖንዩ ካብ ዝብል ይኸውን።
ከምቲ ግቡእ ግና ተተርጒሙ ምስተዋህቦኸ እንታይ ይብል ኢልካ ምሕሳብ መተገበአ። በዚ ኮነ በቲ በቲ እቲ ኣበሃህላ ናይ ጥዕና ከምዘይኮነ ምርድዳኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ደሓር ከኣ ቱርኪ ኣብዚ እዋንዚ ምእንቲ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማሊያ ከይገሃስ፡ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ሃገርነት ክወሃባ ኣይግባእን ትብል ዘላ ሃገር ክነሳ፡ በየናይ መለክዒ እያ “ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ንክግሃስ ደጊፋ እትበሃል?”
እንተ’ቲ “ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን 44 ዕጹዋት ሃገራት’ኳ እንተኾነት፡ መሰል ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪ ኣለዋ” ዝብል፡ ውሁብን ብዙሕ ዓውዓው ዘየድልዮን እዩ። ምኽንያቱ ብኣፍልጦ፡ ስምምዕን ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ናይ ዝመረጸታ ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ ጐረቤታ ሃገር፡ ተላዚባ መእተውን መውጽእን ክትረክብ፡ ደገፍ ዓለም ለኻዊ ሕጊ እውን ስለ ዝህልዋ። እንተ’ቲ ዘይናትካ ምውናን ዘበት እዩ። ኢትዮጵያ ካብ እትፍጠር ጀሚራ ክትጥቀመሉ ዝጸንሐት ተመኩሮን ኣገባብን ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ሎሚ ከም ሓድሽ ከመይ ገይራ ወደብ ከም እትጥቀም ዝንገራ ሃገር ክትከውን ኣይመተገበን።
እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ምውሳኽ ቁጽሪ ህዝቢ ጀሚርካ ብዙሕ ለውጥታት ይረአ ኣሎ ዝበሃል፡ ብዙሕ ዘዛርብ ኣይኮነን። እቲ ለውጥታት ብዝኾነ መንገዲ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጐረቤታ ከምኡ ከኣ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ናይ ምቕያርን ምጥሓስን ክብደት የብሉን። ፍልልይ ትርጉም “ተጠቃምነትን ምውናን” እናደባለቕካ ሰላማዊ ብዝመስል ቃላት እናቐባእካ ዝውቃዕ ዘሎ ዳንኬራ ንዝተወሰኑ ወገናት የደናግር ከምዘሎ ርኡይ እዩ። እንተኾነ፡ “እቲ ሓቂ ካብ ሓቁ ስለ ዘይሓልፍ” ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ኮፍ ምስ በልካ፡ እዚ ብልጽግና ብዝመርሖ መንግስቲ ዝስማዕ ዘሎ ዓውዓው፡“እንተፈታሕካዮስ ቁጻር ጥራይ” ካብ ምዃን ዝሓልፍ ኣይኮነን።
ህግደፍን ብልጽግናን ትማሊ“ማይን ጸባን ኢና” ይበሃሃሉ ከምዘይነበሩ፡ ሎሚ መራሕቶም፡ ኣብ ሕድሕዶም ምጽልላም ከዘንትዉ ንሰምዖም ኣለና። ካብቲ ኣበሃህላኦም ከም ዝተጠላለሙ ምግማት ዘጸግም ኣይኮነን። ባዕላቶም ዝድርጉሕዎ ዘለዉ ቃላት’ውን ዝያዳ ገላጺ እዩ። እንተኾነ እቲ ተሓቢኦም ዝኣለምዎ ውዲታት ንዓኣቶም እዩ ዝምልከት። ካብዚ ሓሊፉ ከምቲ “ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ” ዝበሃል፡ ዘሊልካ ዘይራኸብ ከተራኽብ ኣባትር እናወጣወጥካ፡ ገምገም ባሕሪ ኮነ ወደብ ኤርትራ “ክውንን እየ” ምባል፡ ባእስኻ፡ ብቐንዱ ምስቲ ዋና ልኢላውነቱን ግዝኣታዊ ሓድነቱን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራን ሕብረተሰብ ዓለምን ምዃኑ ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ። ሕብረተሰብ ዓለም ንድፍረት ብልጽግና ኣብ ልዕሊ ክብሪ ኤርትራ ዘይድግፎ፡ ንኤርትራን ህዝባን ብምሕላይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጽባሕ እውን ነናብ ገዛእ ርእሱ ከም ዝመጽእን ተኸባቢርካ ምንባር ከም ዝዘርግን ብምግንዛብ እዩ።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክረአ ዝጸንሐ ናይ ነዊሕ ግዜ ፖለቲካዊ ምፍሕፋሕ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ናይ 30 ዓመታት ውግእ ንናጽነት ኤርትራ፡ ናይ 1998-2000 ውግእ ዶብን ናይ ቀረባ ውግእ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተኸፍለ ዋጋ ምስተኸፈል፡ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ እዩ ተዛዚሙ። ሎሚ’ውን ዝምልከቶም ኣካላት ቅድሚ “ተኣንጐት ተሰለፍ ናብ ውግእ” ምብህሃል፡ ካብቲ ዝሓለፈ ተመኩሮ ዝተፈልየ ዕድል ስለ ዘይህልዎ፡ ቅድሚ ናብ ዓውዲ ውግእ ናብ ዓውዲ ዘተን እሂንምሂንን ክኸቱ ንጽወዖም ኣለና።
اختفاء المناضل محمد علي إبراهيم سنوات من الغياب والأسئلة المفتوحة
Written by Eritrea Al Touqيدخل اختفاء المناضل محمد علي إبراهيم، عضو اللجنة المركزية في حزب الشعب الديمقراطي الإرتري، عامه الرابع عشر، وسط استمرار الغموض حول مصيره منذ اختطافه في الرابع عشر من يناير 2012 من مدينة كسلا، في حادثة ما تزال حاضرة في ذاكرة الإرتريين كواحدة من صفحات الألم المستمرة
ويعيد هذا التاريخ إلى الأذهان مشاعر الحزن والأسى، كما يذكّر بحوادث اختطاف سابقة طالت مناضلين؛ وهم المناضل ولْدي ماريام بهلبي والمناضل تخلي برهان قبر طادق من المدينة نفسها قبل ثلاثة عقود ونيف، في سياق طويل من المعاناة التي عاشها نشطاء ومعارضون إرتريون داخل البلاد وخارجها
التحق محمد علي إبراهيم بصفوف جبهة التحرير الإرترية في مارس 1968، وهو في السابعة عشرة من عمره، حيث بدأ مسيرته النضالية مبكرًا في ريعان شبابه. وبعد إكمال تدريبه العسكري، التحق بدورة طبية وعمل مسعفًا ميدانيًا في السرية 501، قبل أن يُكلّف عام 1971 بالعمل في لجنة التواصل مع الجهات المنشقة عن الجبهة، في محاولة لاحتواء الخلافات عبر الحوار
وفي عام 1976 تولّى مهاماً قيادية، إذ عمل قائدًا لسرية، ثم مفوضًا سياسيًا، قبل أن يُبتعث إلى سوريا في دورة عسكرية بمنحة من منظمة التحرير الفلسطينية - فتح
بعد النكسة التي تعرّضت لها الجبهة، ووصول قواتها إلى الحدود السودانية عام 1982، انتُخب عضوًا في اللجنة المكلفة بقيادة جيش التحرير الإرتري. وفي المؤتمر الرابع لجبهة التحرير الإرترية (المجلس الثوري) عام 1995، تم انتخابه عضوًا في المجلس الثوري واللجنة التنفيذية، حيث عمل في عدد من مكاتبها
كما انتُخب عضوًا في اللجنة التنفيذية خلال المؤتمر الأول التوحيدي لحزب الشعب الديمقراطي الإرتري عام 2011، قبل أن يُختطف بعد ذلك بعام أثناء قيامه بمهمة نضالية، لتنقطع أخباره منذ ذلك الحين
يمثل اختفاء محمد علي إبراهيم نموذجًا لمعاناة كثير من الأسر الإرترية التي فقدت أبناءَها في ظروف غامضة، حيث لا تكاد تخلو أسرة من قصة فقد أو اعتقال أو اختفاء، ما يجعل قضية المفقودين واحدة من أكثر القضايا الإنسانية إلحاحًا لدى الإرتريين
وفي ذكرى اختفائه، تتجدد الدعوات إلى التمسك بالوحدة الوطنية وحماية استقلال البلاد وسيادتها، التي تحققت بتضحيات كبيرة، والعمل المشترك من أجل صون المكتسبات الوطنية ومواجهة التحديات التي تهددها، في مقدمتها اقتلاع النظام الاستبدادي وبناء نظام ديمقراطي دستوري