ሓርበኛ ሓው ጸጋይ ተስፋይ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1949 ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ወረዳ ዓዲ ዃላ ኣብ እትርከብ፡ ዓዲ ባሕሮ ተወሊዱ። ዕድመኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ድማ ክሳብ 8ይ ከፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ማእከላይ ደረጃ  ዓዲ ዃላ ተማሂሩ። ድሕሪኡ ናብ ኣስመራ ከይዱ ክሳብ መበል 12 ክፍሊ ቀጺሉ።  ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ድማ ኣብኡ ብሞያ ምምህርና ክስልጥንን ከም መምህር ከስትምሃርን 5 ዓመታት ጸኒሑ። ካብኡ ከኣ ንዝያዳ ትምህርቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ኣትዩ።

ነፍስሄር ጸጋይ ተስፋይ፡ ኣብ 60ታት ምስ መዛንኡ በዓል ዓብደላ ሓሰንን ገረዝጊሄር ተወልደን ካብቶም  ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ንጡፋት ዝነበሩ ተመሃሮ ሓደ ነይሩ። ኣብ 1965 ወርሒ 3 ብተመሃሮ ልዑል መኰነን እተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ ንጡፍ ተራ ነይሩዎ። ኣብ 1966 በብሓሙሽተ ኣሃዱታት ኣብ ምቛምን ካልእ ኣገደስቲ ስርሓት ኣብ ምክያድን ዝንኣድ ግደ ኣበርኪቱ።  ኣብ 1974 ወርሓት ክረምቲ ድማ በታ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝነበረት ስትርቲ ጉጅለኡ ተወኪሉ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝተዳለወ  ኣኼባ ንምስታፍ ናብ ሱዳን ከሰላ  ከይዱ።

ኣብ ሱዳን ንዝተወሰነ ግዜ ምስ ጸነሐ፡ ንቐጻሊ ውድባዊ ተልእኮ፡ ብስቱር  ብተሰነይ ኣቢሉ ናብ ኣስመራ፡ ካብኡ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩንቨርስቲ ተመሊሱ። ድሕሪ ንዝተወሰነ ግዚ ትምህርቱ ምቕጻል ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ።  ኣብቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ዓዲ ዃላን  ሰንበልን እሱራት ዘውጸኣትሉ ስርሒት 1975፡ ኣብ ናይ ዓዲ ዃላ ድሕሪ ምስታፉ ድማ፡  ኣብቲ ዓመት  ናብ ሜዳ ወጺኡ ኣብ 2ይ ሃገራዊ ጉባአ ተሓኤ ከም ዝተሳተፈ ብህይወት እንከሎ ዝሃቦ ቃል የረድእ።

ጸጋይ ተስፋይ እቶም ምስጢራዊ ስረሓት እናካየዱ ኣብ ኢድ ጸላኢ ዝወደቑ ሓርበኛታት ወልደዳዊት ተመስገንን ስዩም ዑቕባሚካኤልን ምስተኣሰሩ፡ እቲ መስርሕ ቃልሲ  ንከይቋረጽ ንዓኣቶም ተኪኦም  ካብ ዘቐጸልዎ ተበዓት መንእሰያት ሓደ ምንባሩን ናይታ ተጋዳላይ ዓብደላ ሓሰን ዝመርሓ ዝነበረ ጉጅለ ኣባል ከምዝነበረን’ውን ብቐረባ  መቓልስቱ ይምስክሩ።።

ጸጋይ ኣብ መደበር ተዓሊም ስዉእ ዶር ፍጹም መባእታዊ ወተሃደራዊ ስልጠና ምስ ወሰደ፡  ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕብረተ ሰብኣዊ ጉዳያት ክፍሊ ትምህርቲ ተመዲቡ ብትግሃት ተቓሊሱን ኣብ ህዝብን ሰራዊትን ንትምህርቲ ዝምልከት መጽናዕቲ ንምክያድ ኣብ ኣውራጃ ሓማሴን ኣብ ሓይሊ 425 ተመዲቡን። ቀጺሉ ከኣ ኣብ ምጣነ ሃብታዊ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ጋሽ ተመዲቡ ወኪል  ኮይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ምምሕዳር ንኡስ ከተማ ዓሊግድር ኣባል ስውራዊት ሽማግለ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ድሕሪኡ ድማ  ኣብ ክፍሊ ኢንዱስትርን ክፍሊ ስንቅን ግቡኡ ፈጺሙ።

ድሕሪ ናይ ተጋድሎ ሓነት ኤርትራ ናብ ሱዳን ምእታው ከኣ፡ ኣብ ከሰላ ኣባል ውድብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ፡ ሓላፊ ክፍሊ ገንዘብን መምህርን ኮይኑ ክቃለስ ምስ ጸንሐ፡ ኣብ 1996 ናብ ኣወስትራሊያ ተሰዲዱ። ኣብኡ’ውን ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ንጡፍ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኮይኑ ቃልሱ ቀጺሉ።

ሞት ዘይተርፍ ዕዳ ወዲሰብ ብምዃኑ ከኣ፡  እነሆ ብ27 መጋቢት 2025 ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ  ተፈልዩ፡ ናይታ እዚ ኩሉ ዋጋ ዝኸፈለላ ኤርትራ ሓመድ ተነፊግዎ ኣብታ ናይ  ስደት ሃገሩ ሓመድ ኣዳም ክለብስ እዩ።

እቲ ንሃገርን ህዝብን ዝኸፈሎ ዋጋ “ከም ናይ ኩሎም ስዉኣት ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ክዝከር ክነብር እዩ።”  መሪሕነትን ኣባላትን ሰዲህኤ ከኣ፡ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃንና እናረጋገጽና፡ ንስዉእ ብጻይና “መንግስተሰማይ የዋርሶ፡” ንቤተሰቡን ናይ ቃልሲ ብጾቱን ድማ “ጽንዓትን ኣኻእሎን  ይሃበና” ንብል።

 ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

Thursday, 27 March 2025 20:15

Dimtsi Harnnet Kassel 27.03.2025

Written by

ትካል ሰባኣዊ ሓልዮት ኤርትራ፡ ብጉዳይ’ቶም ኣብ ሃገር ግብጺ ኣብ ጸገም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት መፍትሒ ንምርካብ ኢዶም ንክሕውሱ ብምጥቃስ፡ ናብ ፍሊፖ ግራንዲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት መልእኽቲ ከም ዝሰደደ ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ብዳይረክተር ናይቲ ትካል ወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም፡ ዝቐረበ መጸዋዕታ፡ ኣባላት ጸጥታ ግብጺ ካብቶም ተገዲዶም ካብ ሃገሮም ዝተሰዱ ኤርትራውያን ንብዙሓት ብሓይሊ ኣገዲዶም  ይመልስዎም ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ።

እቲ ኣገደድካ ምምላስ፡ ምስቲ ኣብ ካይሮ ዘሎ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ብምትሕብባር ዝካየደ ዘሎ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ መልእኽቲ፡ ኣብ  ትሕቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ብወግዒ ተመዝጊቦም መረጋገጺ ዝሓዙ እውን ግዳይ ናይቲ ተገዲድካ ብሓይሊ ምምላስ ይኾኑ ከም ዘለዉ ኣቃሊዑ።

እቲ ተግባር ግሉጽ ጥሕሰት ኣንጻርቲ ብ1951 ግብጺ እውን ዝኸተመትሉ ንመሰል ስደተኛ ዝከላኸል ውዕልን ካለኦት ተዛመድቲ ሰባት ተገዲዶም ናብቲ ንህይወቶም ዘስግኦም ስርዓት ከይምለሱ ዝጣበቑ ሕግታትን ዝጥሕስ ምዃኑ ኣብቲ መልእኽቲ ሰፊሩ። እዞም ግዳያት ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘጋጥሞም ዝተፈላለየ በደላትን ጭቆናን ዝሃደሙን እንተተመሊሶም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዝወድቕን ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ። እቲ ኣብ ግብጺ ዝረአ ዘሎ ተግባራት ዘይሕጋዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝያዳ ሻቕሎት ዘሕድር ምኹኑ እውን ተመልኪቱ።

እቲ መጸዋዕታ ናይ ብዙሓት ግዳያት ሓጸርቲ ርእይቶታት’ውን ዘስፈረ ኮይኑ፡ ኣብ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ኣገዲድካ ምምላስ ጠጠው ክብል፡ ተኣሲሮም ዘለዉ ብቕልጡ ክፍትሑ፡ ህጹጽ መጽለሊ ክዳለወሎም፡ ምስ ዓለም ለኻዊ ትካላት ብምትሕብባር መሰረታዊ ሰብኣዊ ቀረባት ክወሃቡን ናብ ውሑስ 3ይ ቦታ ዝኸድሉ ኩነታት ክዳለወሎምን ዝብሉ ለበዋታት ድማ ኣካልቲ መልእኽቲ ኮይንም ቀሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ህዝቢ ትግራይ ንፕረሲደንትነት ግዝያዊ ምምሕዳር ናይቲ ክልል “ብቑዓት እዮም” ዝብሎም ሕጹያት ንክረቁሕ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻኡ (This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.) ብምሕባር ብ26 መጋቢት 2025 መጸዋዕታ ከም ዘቕርበ ዝተፈላለያ መዲያታት ኢትዮጵያ ገሊጸን። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብቲ መጸዋዕታኡ እቲ ዝርቋሕ “ስረሓት ግዝያዊ ምምሕዳር ብብቕዓት ዘተግብር ክኸውን ይግበኦ” ከም ዝበለ ከኣ ተጠቒሱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ፡ ብናይ ግሉ ማሕበራዊ መራኸቢ ብቋንቋ ትግርኛ ክኸውን እንከሎ፡  ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክምስረት እንከሎ፡ ዝተዋህቦ ግዜ 2ተ ዓመታት ምንባሩ ጠቒሱ ኣድላይ እንተኾይኑ ንክናዋሕ ዝፈቅድ እዩ ነይሩ ክብል ኣስፊሩ። ብዛዕባ እቲ መጸዋዕታኡ ከብርህ እንከሎ ብመሰረት፡ ዓንቀጽ 62/9 ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብኣዋጅ  359/1995 ቁጽሪ 15(3) ዝጸደቐ እዩ። እዚ ኣዋጅ ኣብ ሓደ ክልል ሕገመንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ እንተወዲቑ ፈደራኣልዊ መንግስቲ፡ ነቲ ዝጸንሐ ናይቲ ክልል ቤት ምኽርን ላዕለዋይ ፈጻሚ ኣካልን ኣጊዱ፡ ተጸዋዕነቱ ናብ ፈደራላዊ መንግስቲ  ዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምምስራት ዘኽእሎ እዩ።

ብመሰረት መጸዋዕታ ኣብይ ኣሕመድ፡  በዚ ኣገባብ ዝቐውም ግዝያዊ ምምሕዳር ዕድመኡ ካብ 2 ዓመታት ከምዘይነውሕ ብምጥቃስ፡ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኣድላይነቱ መዚኑ ን6 ኣዋርሕ ጥራይ ከናውሖ ከም ዝኽእል ኣብቲ ኣዋጅ ዝተመልከተ ምዃኑ ሓቢሩ። ነዚ ናይ 1995 ኣዋጅን ስምምዕ ፕሪቶርያን መሰረት ብምግባር፡ 9 መጋቢት ብ2015 ብዝወጸ ኣውጅ 533/2015 ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ  ከም ዝተመስረተ ድማ ተጠቒሱ። ናይቲ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቖመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቀንዲ ተልእኮ “ቀጻሊ ምርጫ ምድላው” ከም ዝነበረ እውን ሓቢሩ።

ስለዚ እቲ ቀንዲ ዕማም ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረ ስለ ዘይተተግበረ፡ ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ሓድሽ መምርሒ ኣውጺእካ ንቀጻሊ ሓደ ዓመት ዝመርሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ምምስራት፡ ናይ ግድን ከም ዝኾነ ኣብቲ ሕጹያት ናይ ምርቋሕ መጸዋዕታኡ ጠቒሱ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምንዋሕ ዕድመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝምልከት ኣብ ናይ ፓርላማ ኣኼባ እውን ገሊጽዎ ነይሩ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ መሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ፕረሲደንት ትግራይ ንምምራጽ ይኽትሎ ንዘሎ ኣገባብ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡሎ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ዞባና ኮነ ዓለምና ገኒኖም ካብ ዘለዉ ርሱናት ፖለቲካዊ ዛዕባታት፡ “ኢትዮጵያ ብእተልዕሎ ዘላ ናይ ዋንነት ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ምስምስ፡ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ ክላዓል ድዩ ኣይክላዓልን?  ዝብል ሕቶ ቅድሚት ዝስራዕ ዘሎ እዩ። ናይዚ ሕቶ መልሲ ምስ ናይቶም መልሲ ዝህቡ  ኣተሓሳባን ድሌትን ስለ ዝተሓሓዝ፡ ዝተፈላለየ ከም ዝኸውን ዘማትእ ኣይኮነን።

ገለ ወገናት “ምብርዑ ዘይተርፍን ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ውግእ ከኸውን እዩ” ክብሉ ከለዉ፡ ካለኦት ድማ “እቶም ዝፈኻከሩ ዘለዉ መንግስታት ካብቲ ወጢሩ ሒዝዎም ዘሎ ዘቤታዊ ዛዕባታቶም ንምህዳም ዝምህዝዎ ዘለዉ እምበር፡ ውሽጣዊ ኩነታቶም ውግእ ዝጸውር ኣይኮነን”  ዝብል ምላሽ ኣለዎም።  እቲ ካልእ ዘገርም ካብ መራሕቲ ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያ “እወ ውግእ ክካየድ እዩ፡ ወይ ኣይካየድን’ዩ” ዝብል መልሲ ዝጽበዩ እሞ ንዓኡ ከም ሓቂ ክወስዱ ሃንቀው ዝብሉ የወሃት ምህላዎም እዩ።

እቲ ከይመጽእ ዝስጋእ ውግእ፡ ዝያዳ ኣዛራቢ ካብ ዝኾነሉ ምኽንያታት፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብተኸታታሊ ውግኣት ክማስኑ ዝጸንሑ ምዃኖም እዩ። ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ን30 ዓመታት ዘካየዶ ፍትሓዊ ውግእ ዝሓደሮ ዝተፈላለዩ መልከዓት ዘለዉዎ ስንብራት ከይሓወየን ጻማ ቃልሱ ከይረኸበን፡  ኣብ ናይ ድሕሪ ነጻነት ዓመታት’ውን ብዝተፈላለዩ ህዝባዊ ኣፍልጦን ረብሓን ዘየብሎም ውግኣት ክሕመስ ዝጸንሐ ስለ ዝኾነ፡ ናብ ገዛእ ርእሱን ናብ ጎረባብቲ ህዝብታትን ውግእ ከይመጽእ ክሰግኡ እትጽበዮ እዩ። መንቀሊ ናይቲ ድሕሪ ነጻነት ዝተኻየደ ውግኣት፡ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ምምላስ መሰረታዊ ዲሞክራሲያዊ ሕቶ ህዝቢ ብምህዳም፡ ህዝቢ ናብ ደገደገ ከም ዘማዓዱ ንምድራኹን ንምስንባዱን ዝዓለመ ከም ዝነበረ ተደጋጊሙ ዝተገልጸ እዩ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክወርድ ዝጸንሐ፡ ናይ ውግእ ስንብራት፡ ካብቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብኣርባዕቲኡ ማእዝናት ናይታ ሃገር  ይካየድ ብዘሎ ውግኣትን ሳዕቤናቱን ብኣዝዩ ዘተሓሳስብ ቁጠባዊ ቅልውላውን ዝሳቐን መፍትሒ ክረክብ ናብ መንግስቲ ዝጠርዕ ዘሎን ህዝቢ እዩ። ብመንጽር’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ብዝኾነ መንገዲ ወነንቲ ባሕርን ወደብን ክንከውን ኢና” ብዝብል ዝድስቖ ዘሎ ነጋት ብመንጽር’ቲ ከቢብዎ ዘሎ ወጥሪ ቀዳምነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዘይከውን ርዱእ እዩ። ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ መንገዲ ምሓዙ፡ “ኮንደኾን እቲ ዘለቕለቕ ዝብል ዘሎ ሓድነት ህዝቢ ኢትዮጵያ በዚ ይጽገን ይኸውን” ካብ ዝብል ከም ዝነቅል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። ምስዚ ግና “የለን ዝመጸ እንተመጸ ውግእ ካብ ምኽፋት ንድሕሪት ዝብል ኣይኮነን” እቲ ፈኸራ ከኣ ኪኖ መህደሚ እዩ ዝብሉ’ውን ኣለዉ።

እዚ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሕድሕዶም ዝካሰስሉን ናብ ሕብረተሰብ ዓለም ናይ “ተደፊረ” ጥርዓን ዘቕብሉ   ዘለዉን ውግእ እንተተባሪዑ፡ “መን ምስ መን ክስለፍ እዩ? ዝብል ሕቶ ኣዛራብን ናይ ብዙሓት ግምት ዝወሃበሉ ዘሎን እዩ።  ኣብዚ እዋንዚ ዝካየድ ውግእ ቀልጢፉ ዝሰፍሕ እምበር፡ ኣብቶም ጀመርቱ ተደሪቱ ዝተርፍ ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ። በዚ መሰረት ናይዚ ሕቶ መልሲ ተሃዋሲ እዩ። ምኽንያቱ ብናይቶም ተሰለፍቲ ሓይልታት ኩለ-መደያዊ ረብሓን ሕሳብን ዝውሰን ኣዝዩ ቅልጡፍ ምቅይያር ዘርኢ  ስለ ዝኸውን።

ብዛዕባዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይባራዕ ዘስግእን ብዙሕ ዝዝረበሉ ዘሎን ውግእ፡ ካብ ክልቲአን ሃገራትን ዞባን ሓሊፉ፡ ብደረጃ ዓለም እውን ብዙሓት ብዛዕባ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ቅርኒ ኣፍሪቃን ኣፍልጦን ተመኩሮን ኣለና ዝብሉ ወገናት፡ ዝጽሕፍሉን ዝዛረብሉን  ኮይኑ ኣሎ። ኣብቲ ዝጸሓፍ ኮነ ዝዝረብ ከይተላዕለ ዘይሓልፍ ከኣ፡ ኣብ ርእሲቲ ኩለ-መዳያዊ ህልዊ ዓቕሚ ናይዘን ክልተ ሃገራት፡ “መን ንመን ኣብ ጐኑ ከሰልፋ ይኽእላ?” ዝብል እዩ።

ኤርትራ ምናልባት፡ ንግብጺ፡ ንሳዑድ ዓረብን ብጀነራል ኣልቡርሃን ንእትምራሕ ሱዳንን ከተሰልፍ ተኽእሎ ከም ዘሎ፡ ዘመልክቱ ኣለዉ። ኢትዮጵያ ድማ ብሕቡራት ዓረብ ኢመራት፡ ብጀነራል ኣሕመድ ደጋሎ ዝምራሕ ወገን ሱዳንን ክትድገፍ እያ ዝብል ግምት’ውን ኣሎ። ከምኡ ንምግማት ዘኽእሉ ምልክታት እውን ኣለዉ። እቲ ኣሰላልፋ ብጐረቤትን ዞባን ጥራይ ዝውሰን ዘይኮነ፡ ኣርሒቑ ዝኸይድ ከምዝኸውን’ውን ዝሳሓት ኣይኮንን። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሓይሊ ባሕሪ ሩሲያ ምስ “ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ” ኣብ ስልጠናን ምህናጽ ዓቕሚ ሰብን ዝተፈራረሞ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ነዚ ዘመልክት እዩ።  ድምጸን ዘየስምዓ ነቲ ኩነታት ብጽሞና ዝዕዘበኦ ዘለዋ ሃገራት ከኣ ብዙሓት እየን።

እቲ ካልእ ኣብ ኣሰላልፋ ከይተጠቕሰ ዘይሓልፍ፡ እቲ ኣብ ቀረባና ዝርከብ ሓይሊ ትግራይ  እዩ። ብናይ ብዙሓት ሚዛን ነቲ ኣብታ ክልል ዘሎ ፖለቲካዊ ምክፍፋልን ዘይምትግባር ውዕል ፕሪቶርያን ተኸቲሉ፡ ተጋሩ ፖለቲከኛታት ሰልፎም ብሓባር ምስ ሓዲኦም መንግስታት ከምዘይከውን ዘመላኽቱ ተርእዮታት ኣለዉ። ብኣንጻሩ “እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ናይ እገለ ደጋፊ እዩ” ተበሃሂሎም ዝካሰስሉ ዘለዉ ኩነታት እዩ። ክልቲኦም መንግስታት ብወገኖም፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልያትን፡ ናይ ፋኖን ኦነግን ህልዊ ኩነታትን መዝሚዞም፡  ኣብዚ ኣሰላልፋ ልዕልና ንምርካብ  ላዕልን ታሕትን ዝብልሉ ዘለዉ እዩ።

መንግስታት ኣይኮነንዶ ክንዲ ውግእ ዝኣክል ህይወትን ንብረትን ዝህሙኽን ኣብ ስልጣን ምቕጻሎምን ዘይምቕጻሎምን ዝውስን መደብ፡ ካልእ ንኡስ ተልእኮ ንምትግባር እውን ናብ ህዝቢ እዮም ዝመጹ። ኣብ ሽዑ በጺሖም ከኣ ነቲ ውግእ ኣብ ዘየብሉ ኩነታት፡ ነቲ “ኣበይ ኣለኻ?” ኢለምዎ ዘይፈልጡ ህዝቢ፡ “መን ከማኻ፡ ዓወትና ብኣኻ እዩ ዝውሰን፡ ናይቲ ውጽኢቱ ተጠቃሚ ከኣ ንስኻ ኢኻ”  ክብልዎ ምስማዕ ዝተለምደ እዩ። ህግደፍ ግና ነዚ ህዝቢ ብምርዳእ ዘይኮነ፡ ብሓይልን ኣጓጣጥን ናይ ምትግባሩ ተመኩሮ ዘለዎ ዓመጸኛ ጉጅለ እዩ። እቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ድሮ ውግእ ዘካይዶ ምዕልባጥ፡ ሎሚ እውን ዝቕጽሎ ዘሎ ናይ “ዓይኒ የብለይ፡ ስኒ የብለይ ክሳብ ደቂ 60 ዓመት ኣገዲድካ ምግፋፍ”  ናይዚ መረጋገጺ እዩ።

ስለዚ ህዝቢ ኣብዚ ዘለናዮ ኩነታት፡ ህዝቢ ኤርትራ መንግስቲ “መሰረታዊ ሕቶይ ክምልሰለይ እምበር፡ ካብ ዘቤታዊ ዛዕባይ ብምህዳም ናይ ዘሳውሮ ውግእ ግዳይ ኣይከክገብረንን’ዩ” ክብልን ክጸባጸቦን ይግበኦ። እቲ ብሰንኪ ከምዚ ዝኣመሰለ ስሙርን ተባዕን ህዝባዊ መርገጽ ዘይምሓዝ ግዳይ ክኾኖ ዝጸንሐ፡  ሕጂ’ውን እቲ መፍትሒ ኣብ ኢዱ ዘሎ እምበር፡ ካብ ህግደፍ ዝጽበዮ ከምዘይኮነ ተገንዚቡ ኣንጻር ውግእ ካብ ምዝማር ዓዲ ክውዕል የብሉን ኢና እንብል።

“ሓይሊ ዕማም ቀይሕ ባሕሪ” ዝተባህለ ጉጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ “ልኡላውነት ኤርትራን ሕቶ ባሕሪ ኢትዮጵያን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእሲቲ ዘሰናደኦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣፋሊጡ። እዚ ሰነድ ብ24 መጋቢት 2025 ኣባላት እቲ ሓይሊ ዕማምን ኣብቲ ኣባላቱን ዝዓደሞም ጋዜጠኛታትን ዝተሳተፍሉ ኣኼባ እዩ ነቲ ሰነድ ኣቕሪብዎ። እዚ መወከሲ ንክኸውን ዝተዳለዉ ጽሑፍ ብቋንቋታት ትግርኛ፡ ዓረብ፡ እንግሊዝን ኣምሓርኛን  ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣኼባ እውን ብኣርባዕቲኡ ቋንቃታት ተነቢቡ።

እቲ ሓይሊ ዕማም ነዚ መጽናዕታዊ ሰነድ ከዳሉ ዘለዓዓሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብ13 ጥቅምቲ 2023፡ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ “ቀይሕ ባሕሪ ባህርያዊ ዶብ ኢትዮጵያ`ዩ” ክብል ምዝራቡን፡ ሃገሩ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪ ክህልዋ “ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ጉዳይ`ዩ” “ ክብል ዘስመዖ መደረ ምዃኑ፡ እቲ ሓይሊ ዕማም ኣብቲ ሰነዱ ኣስፊሩ። እቲ ሰነድ ኣብቶም ብኢትዮጵያ ተደጋጊሞም ዝለዓሉ 4ተ ዛዕባታት፡ 1) ታሪኽ፡ 2) ጆግራፊ፡ ደሞግራፊን ኤትኒካዊ ዝምድናታት፡ 3) ኣህጉራዊ ሕጊ ባሕርን 4) ቍጠባን ጸጥታን ኣተኲሩ ዝተጸንዐ ምዃኑ ኣብቲ ጽሑፍ ተጠቒሹ’ሎ።

ኣብቲ ታሪኻዊ ክፋል፡ ኤርትራ ናብዚ በጺሓቶ ዘላ ልኡላውነት ንምብጻሕ ዝተጓዕዘቶ ኘዊህ መስርሕ ቃልሲ ዘርዚሩ። ኣብ ዞባና ቅድሚ ነውሕ ዓመታት ክርአ ዝጸንሐ ደሞግራፋዊ ለውጥታት ብምጥቃስ ከኣ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኮይንካ ክረአ እንከሎ ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ክትውንን ዘኽእላ መርተዖ ከም ዘየለን ብስምምዕ ምስታ ወናንቲ ወደብ ሃገር ኣገልግሎት ክትረክብ ግና ከም ዝከኣል ኣስፊሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ብመንጽር ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ኣህጉራዊ ሕግታትን ቀይሕ ባሕሪ ኣካል ኤርትራዊ ልኡላውነት ምዃኑ ከም ዘነጽር ኣመልኪቱ። ምስዚ ከኣ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ወደብ ዘይምውናና ከጋጥማ ዝኽእል ጸጥታውን ቁጠባውን ሓደጋ ከምዘየለ ኣርእዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ እዞም ዝስዕቡ መፍትሒ ሓሳባት ኣቕሪቡ።

“(1) ኢትዮጵያውያን ኣብ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ  ዘየወላውል ኣኽብሮት ክህልዎም ይግባእ፡

 (2) ኤርትራን ካልኦት ኣፍደገ ባሕሪ ዝውንና ጐረባብቲ ሃገራትን፡ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ባሕሪ፡ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕርን ትራንዚትን (ምትሕልላፍ) ናይ ምጥቃም ሕጋዊ መሰላ ኣፍልጦ ክህባን ክድግፋን፡

(3) ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ሰናይ ድሌት ዝተሞርኰሰ ሃናጺ ጽሞዶን፡ ንኽልቲኡ ህዝብታት ዝጠቅምን ናይ ሓባር ዓወት ዘረጋግጽን ክልተኣዊ ስምምዓትን ዝምድናታትን ክምስርታ፡

 (4) ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ንምውናን ዝዓለመ ወተሃደራዊ ስግኣት ካብ ምፍጣርን፡ ብሄረ ዓፋር ማእከል ዝገበረ ናይ ብሄር ካርድ ካብ ምጽዋትን ምትኽታዅን ክትቁጠብን

 (5) ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ድማ፡ ንዘላቒ ናይ ሓባር ዓወታት ዘጓናጽፉ፥ ኣብ ከም ዞባዊ ቍጠባዊ ውህደትን፡ ምቛም ሓባራዊ ጸጥታን ዝኣመሰሉ፡ ተኽእሎታት ክድህስሳን ሓባራዊ ስምምዓት ክበጽሓን ይግባእ።” ይብሉ።

ኣብ መወዳእታ ናይዚ  ስራሑ ከም ዝወደአ ዝገለጸ ሓይሊ ዕማም ቀይሕ ባሕሪ  ጠርናፊ ዶ/ር ዮሃንስ ሃይለን ካለኦት ኣባላትን፡ ብተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ሕቶታት ግቡእ መልሲ ብምሃብን እቲ ጽሑፍ ናብ ኩሎም ኣካላት ንክበጽሕ ለበዋ ብምቕራብን ኣኼባ ተደምዲሙ።

እዚ ምስሊ ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተወስደ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብዙሕ ዘይተዘርበሉ፡ ኣብ ውሱን ከባቢ ጥራይ ኣጀንዳ ኮይኑ ዝጸንሐ ስቓይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሊቢያ ፍሉይ ቆላሕታ ከም ዘድልዮ ዝተፈላለዩ ኣካላት ይገልጹ ኣለዉ። ነዚ ዛዕባ ብዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ ዘውጽኡ ኣካላት ሓደ ዝኾነ “ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን” ነቲ ኩነታት፡ “ነፊጾም ከይዶም ሃገር ኣልቦ ዝኾኑ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዓብይ ሓደጋ ወዲቖም ኣለዉ” ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ስደት ኣብ ኤርትራ ጌና ኣየብቀዐን” ኢሉ፡ ኤርትራውያን ከም መንግስቲ ተገዲሱ ዝሕለቐሎም  የለን ኢሉ “እቶም በዚ ተረኽቦ እንግደስ እቶም ብጉዳይ ህዝቢ እንሓምም ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኣካላት ኢና” ክብል መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።

ፖለቲካ ሊቢያ፡  ካብ 2020 ጀሚሩ ዝያዳ ክበላሾ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ከም ውጽኢቱ ቀንዲ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ ሊቢያ’ኳ እንተኾነ፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እውን ብመንገዲ ሊቢያ ናብ ኤውሮጳ ንምስገር እትምረጽ ሃገር ብምዃና ክሳብ ሎሚ ኣደዳ ኩሉ ዓይነት ሰብኣዊ ግህሰታትን ዓመጻትን ምዃኖም ጌና ቀጻሊ ዘሎ እዩ። ኣብዚ ነቶም መንግስቲ ህግደፍ ዝኸሓዶም ጽጉማት ክንገብረሎ ካብ እንኽእሎ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣህጉራዊ ሰብኣዊ  ትካላት ከይሰልከያ ክሕግዘሎምን ክጣበቓሎምን ብቐጻሊ መጸዋዕታ ምቕራብ እዩ። እቶም ግዳያት ዘስምዕዎ ዘለዉ ኣውያትን መጸዋዕታን እውን ነዚ እዩ።

ስደት መፍትሒ ከምዘይከውን ተደጋጊሙ ዝተገልጸ’ኳ እንተኾነ፡  ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ናብ ስደት ዝደፍእ ምዃኑ ግና ዝከሓድ ኣይኮነን። ስለዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስደት ዝገብርዎ ጉዕዞ ውሑስ ምዃኑ ከረጋግጹ ቅድሚ ሕጂ’ውን ተደጋጊሙ ዝተገለጸኳ እንተኾነ፡ ሎሚ እውን ክንደግሞ ንግደድ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ  ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሊቢያ ይሳቐዩ ንዘለዉ  ኤርትራውያን ስደተኛታት በብዘለና ተኽእሎ ምሕጽንታኦም ከነቃለሓሎም ከም ዝግባእ  ነዘኻኽር።

ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ብ23 መጋቢት 2025 “ኤርትራዊ መንእሰይን ማሕበረሰብን (Eritrean Youth & Community)” ኣብ ኣወስትራሊያ ከተማ ብሪስበን ኣብ  ዝጸውዖ ህዝባዊ ሰሚናር ተሳቲፉ።

ብጻይ ገረዝግሄር ኣብዚ ብዙሓት ብኣካልን ብዙምን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ካብ ዝበኣሰ ናብ ዝገደደ ዝኸይድ ዘሎ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ብዛዕባ ናብ ከምዚ ዝኣመሰዘ ኩነታት ዝወድቕና ምኽንያታት’ውን ኣብሪሁ። ብምትሕሓዝ ከኣ ወጽዓ ዝቕበል ህዝቢ እንተልዩ ወጻዒ ክህሉ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ “እምቢ ንወጽዓ” ክብል ይግበኦ ኢሉ። ቀጺሉ ድማ ታሪኽ ኣመጻጽኣ ወጽዓን ወጻዕትን ዝምልከት  መጽናዕታዊ መዛግብቲ ብምምርኳስ ብሰፊሑ ኣረዲኡ። ኣብ ሃገርና ናይ ህዝቢ ምእዙዝነት ንህግደፍ በቲ ዝመረጾ ወጻዒ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንክዕንድር ከም ዘተባብዖ’ውን ገሊጹ።

 ብዛዕባቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይባራዕ ዘስግእ ዘሎ ውግእ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ናይ ድሕሪ 2018 ዝምድናኡ ምስ ኢትዮጵያ፡ “ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ፍልልይ ኣሎ ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም፡ ኣብይ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ኣነ ከኣ ኣብ ጐንኻ ኣለኹ፡ ኣብ ኤርትራ ከም ድላይካ ናብ ኩሉ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ” ዝበሎ ፡  ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ “ኣነን ኢሱን እንካፈሎ  ዓሳብ ይኸውን” ክብል እንከሎ “ይድገም ይደገም” ዝበሃለሉ ዝነበረ ኩነታት፡ ነቶም ካብ ቀደሙ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ዘይተዋሕጠሎም ኢትዮጵያዊ ወገናት እዚ ሎሚ ዝደጋገምዘሎ ሕቶታት ከልዑ ከም ዝተባብዖም ኣገንዚቡ። ብምቕጻል  ከኣ ኤርትራዊ ልኡላውነትና እናዓቀብና፡ ነቲ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን  ዘየርብሕ ውግእ “እምቢ” ክንብል ይግበኣና ኢሉ።

Untitled 12

ብጻይ ገረዝጊሄር መቖምታት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ፡ ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ምትካል ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ምውሓስ መሰረታዊ መሰላትን ምዃኖም ጠቒሱ፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ እዞም መቖምያታት ከኣ መብርሂ ሂቡ። ንነዊሕ ግዜ ኣብቲ መስርሕ ምምስራት ጽላል ዝነበረ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲይዊ ለውጢ ድሕሪ ጉባአኡ ኣካል ፖሓኤ ክኸውን ዘለዎ ትጽቢት ብምግላጽ ድማ፡ ምስ ልፍንቲ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝካየድ ዘተ ኣብ መስርሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ሰዲህኤ ንብሪጌድ ንሓመዱ ከም ሓደ ህዝባዊ ማዕበል ኣብ 4ይ ጉባአኡ፡ ከም ዝተባበዖ ብምጥቃስ፡ ንዘካይዶ ቃልሲ ኮነ ምስኣቶም ንዝግበር ርክባት ንክሕግዝ ትካላዊ ጥርናፈ ክህልዎምን ናይ ገዳይም ተቓለስቲ ተመኩሮ ምቕሳምን ከም ዘድልዮ ኣገንዚቡ። ብምትሕሓዝ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብ ንጹር መትከላት ዝተሰረተን ንልኡላውነት ኤርትራ ዝዓቀበን ክኸውን ከም ዝግባእ ጠቒሱ። ምስ ህዝቢ  ትግራይ ዝግበር ርክብ’ውን ከምቲ ምስ ጐረባብትና ህዝቢ ኩናማ፡ ዓፋር፡ ኮነ ሕዳርብ ዝግበር ኮይኑ፡ ንሓድነት ኤርትራን ህዝባን ኤርትራዊ ልኡላውነትን ዘይጻባእ  ክኸውን ይግበኦ ኢሉ።

ንግደ መንእሰይ ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ኣብ ዝምልከት ከኣ፡ መንእሰይ ተስፋ ህዝብን ሃገርን እ ኢሉ፡  ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ዝሓልፍ ዘሎ ወለዶ ብወገኑ ዋላ’ኳ ውጽኢቱ ስደትን ካልእ ሕሰማትን እንተኾነ፡ ነጻን ልኡላዊትን ሃገር ኣረኪቡ እዩ ኢሉ።  ኣብ መጻኢ ግደ መንእሰይ ዲሞክራስያዊ ሃገር ምህናጽ ምዃኑ ብምሕሕባር ድማ፡ መንእሰይ ኣብ መጻኢ ጉዕዞ ቃልሱ ክሰንቆም ብዛዕባ ዝግበኦም ሓሳባት ሰፊሕ ምዕዶ ሂቡ። እቲ ስፍሕ ብዝበለን ኣብ ተመኩሮታት ዝተራእየን ኣሰንዩ ዝሃቦ ምኽሪ ከኣ። እዚ ዝስዕብ ይርከቦ።

“ዘጋጥም ናይ ምፍልላይ ዕንቅፋታትን ስምዒታትን ኣወግዱ፡ ናይ ካልእ ኣገልጋሊ ከይትኾኑ፡ በይንኹም ከተዕርዩ ከምዘይትኽእሉ ተረድኡ ብቑዓት መቓልስቲ ርኸቡ፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ክትገብሩ ከም እትደልዩ ኣቐዲምኩም ኣነጽሩ፡ ስቕታ መሪጾም ንዝጸንሑ ኣበራብሩ፡ ብዘለኩም ዓቕሚ ተኣማሚንክም ተበገሱ፡ ምህናጽ ልሙጽ ዘይኮነስ ዕንቅፋት ሓሊፍካ ዝረጋገጽ ምዃኑ እመኑ፡ ከይሰሳዕኩም ብንእሽቶ  ጀምሩ፡ ሰፊሕ ኣተሓሳስባ ይሃልኹም፡ …… ጽባሕ ሓቢርና እንዓብየላ ዓለም ኣብ ምህናጽ ጽዓሩ።” ዝብሉ ይርከብዎም።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብቶም መብርሂ ዝሃበሎም ሓሳባት ንዝቐረቡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት መሊሱ። ኣገደስቲ ለበዋታትን ርኢቶታትን ከኣ መዝጊቡ።

Page 6 of 599