ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኤርትራውያን ተቓወምትን ደገፍትን ምምሕዳር ህግደፍ ካብ ዝተፋነኑ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ናይቲ ምትፍናን ምኽንያት ፖለቲካዊ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ እዩ። እቲ ዝድግፍ ወገን በቲ ህግደፍ በብግዜኡ መልክዕ እናቐያየረ ዘቕርቦ መዳህለሊ ምኽንያታት ተዓሽዩ፡ ንስልታዊ መግዛእትን ምግሃስ ኩሉ መሰላትን ናይቲ ስርዓት ዝተቐበለን ዝከላኸለሉን እዩ። እቲ ዝቃወም ድማ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለሰሉ ዕላማ ኣብ ምውሓስ ናጻን ልኡላዊት ሃገር ዝድረት ኣይኮነን ይብል። ስለዚ ሓቀኛ ሓርነት ንምስትምቓር “ህግደፍ ክውገድ ናይ ግድን እዩ” ኢሉ ዝኣምንን ንምትግባሩ ይቃለስ ዘሎን እዩ።
ብፍላይ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ንምጅማር ምንቅስቓስ ህዝባዊ ማዕበል “ብርጌድ ንሓመዱ” ተኸቲሉ፡ ኣብ ሃገር ጀርመን ሓያል ምስሕሓብ ማዕቢሉ፡ ናብ ኣካላዊ ጉነጽ ምስ ተሰጋገረ፡ ሎሚ ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡ በጺሑ ናብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ከም ዝሰፈሐ ንርእዮን ንሰምዖን ኣለና። ናይቲ ምጉናጽ ግዳይ ዝኾኑ ወገናት ኩሎም ኣብቲ ፖለቲካዊ ማዕበል ብቐጥታ ዝሕንብሱ ጥራይ ነይሮም ኢልካ ምድምዳም ከም ዘጸግም ፍሉጥ እዩ። ጐነጽ ዘይምረጽን ሃሳይን ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይሓሰብዎን ዘይተጸበይዎን ክወርድ እንከሎ ድማ ዝያዳ ከም ዘቐንዙ ርዱእ እዩ። እቲ ክጅመር እንከሎ ቀሊል ዝመስል ዝነበረ፡ ኣብ መንጎ ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ምስሕሓብ፡ ትዕግስቲ ምጽውዋርን ኣርሒቕካ ምምዕዳውን ጐዲልዎ፡ ናብ ሞት፡ ምጉዳል ኣካላት፡ ማእሳርትን መጻኢ ህይወት ምዝራግ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ምዕራጉን ዘሕዝን ኮይኑ ኣሎ።
ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ንቡርን መርኣያ ብዙሕነትን እምበር፡ ኣብ ኤርትራውያን ዝተጀመረ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ኤርትራ ፍሉይ ተርእዮ ክበሃል ዝከኣል ብሰንኪ ዘይምጽውዋርን ናይ ሓሳብ ምክብባርን ናብ ምቅትታል ምብጽሑ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ድማ ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ካብቲ ዝቐደመ ተማሂርና፡ ነቲ ኣዕናዊ ኮኒንና ነቲ ሃናጺ ድማ እነማዕብል ነቲ ዘረሓሕቕ መንገዲ እናደገምና ብኣኡ ንቕጽል ምህላውና እዩ። እቲ ኣብ ካልእ ከባቢታት ክቕጽል ዝጸንሐ፡ ሕድሕድ ምጥቕቓዕ፡ ምጉዳል ኣካላት፡ ማእሰርቲ፡ ዕንወት ንብረትን ምስቶም ሰላም ከኽብሩ ዝተዋፈሩ ናይተን ንነብረለን ሃገራት ኣካላት ጸጥታ ምጉናጽን ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ሃገር እስራኤል ኣብ ሓጺር ግዜ ናይ ክልተ ሓላፍነት ስድራቤት ዝነበሮም ኤርትራውያን ህይወት ምሕላፉ ከኣ፡ ኣይኮነንዶ ንኤርትራውያን ንዓለምና እውን ኣሻቓሊ ሰብኣዊ ቅልውላው ኮይኑ ዘሎ እዩ። ንዓና ከኣ ዝያዳ የሕዝነናን ሓላፍነት የሰክመናን። ምኽንያቱ ኤርትራ ናይ ኩልና ኤርትራውያን እያ። ፍልልይ እምነትን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ዓቂብና፡ ብሓባር ክንነብራ ስለ ዝግበኣና።
እዚ ናብ ደረጃ ምቅትታል ክበጽሕ ዘይተጸበናዮ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ፡ ሓድነትና ኣላሕሊሑ ነቲ ምእንቲ ሓርነት ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከም ዘዳኽሞ ዘማትእ ኣይኮነን። እዚ ክስተት ካብዚ ንላዕሊ ሱር ከይሰደደ እንተዘይ ኣሊናዮ ንቀጻልነትና ከም ህዝቢ ከም ዘስግእ ተቐቢልና መዋጸኦ ክንረኽበሉ ዝግበኣና ህጹጽ ጉዳይ እዩ። ነዚ ክስተት ኣብ ክንዲ ከይሰፈሐ ኣብቲ ዘጋጠመሉ ኩርናዕ ምጥፍኡ፡ ናብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ወለዶን ዓድን ናይቶም ቀተልትን ተቐተልትን እናጸብጸብካ ከም ዝላባዕ ንምግባሩ ዝረአ ሃቐነታት ኣዝዩ ዘይሓላፍነታዊ ስለ ዝኾነ፡ ብዓንተብኡ ክዕገት ይግበኦ። እዚ ህዝብና ንምክፍፋል ዘንጠልጥል ዘሎ ደበና ጥፍኣት ብፍላይ ንደለይቲ ለውጥን ሓድነትን ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዩ። ብምትፍናንን ፍልልያትን ህዝብና ዝረብሑን ዕድመ ስልጣኖም ዘንናውሑን ወገናት ግና ካብ ምግዳዱ ንድሕሪት ኣይክብሉን እዮም። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጽንብል መበል 33 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ዕላዊ መድረኽ፡ ናብቶም ኣብ ዲያስፖራ ክቃተሉ ዝጸንሑ ደገፍቱ፡ ኣብ ክንዲ ምትህድዳእን ምምዓድን “ኣገናዕ በቲ ዝሓዝኩምዎ ቀጽልሉ” ምባሉ፡ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ናይ ዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛ ፍልልያት መርኣያ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነውራም መግለጺ፡ ካብ ዲታቶር ግና ዘይንጽበዮ ኣይኮነን።
ሳዕቤን ናይዚ ዝረአ ዘሎ ኣስጋኢ ኣንፈት፡ ኣብ ኩሉ ዓለም ንዘሎ ኤርትራዊ ዘረኻኽበሉ እምበር፡ ንውሱናት ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። ናብ ንቡር ንምምላሱን ሰለማዊ ማእዝን ምትሓዙን ድማ ናይ ዝተወሰኑ ኣካላት ሓላፍነት ዘይኮነ ናይ ኩሎም ኤርትራውያን በሃግቲ ለውጢ፡ ሰላምን ሓድነትን ጻዕሪ ዝሓትት እዩ። ካብቶም ህግደፍ ዘዋፍሮም ብህውከት ዝዕንገሉ ወገናት መፍትሒ ክመጽእ ከምዘይክእል ግና ካብ ናይቲ ዲክታተር ኢሳያስ ኣቀራርባ እንርደኦ እዩ።
ኤርትራውያን ፖለትካዊ ውዳበታት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን፡ ህዝባዊ ማዕበላት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ መድያታትን ኣብኣተን ዝነጥፉ ክኢላታትን ምሁራትን፡ በብደረጃኡ ዝግለጽ ናይ ምእላይን ምትህድዳእን ሓላፍነት ኣለዎም። እዞም ዝተጠቐሱ ኣካላት ሕብረተሰብ ኣብ ክንዲ ጋንታ ፈልዮም ህውከት ዘጋድዱን ንሕነ ምፍዳይ ዘተባብዑን፡ መንገዲ ሓቅን ርትዕን ክሕዙ እንከለዉ ኣውንታዊ ግዲኦም ልዑል እዩ። ብኣንጻሩ ከምዚ ሓሓሊፉ ዝረአ ዘሎ ሓላፍነቶም ክዝንግዑ እንከለዉ ዘውርድዎ ጉድኣት ብኽንድኡ ደረጃ ኣዕናዊ ምዃኑ ንከታተሎ ዘለና’ዩ እሞ፡ ብጽሞና ይሕሰብሉ። ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ሓደገኛ ናይ ምቅትታል ማዕበል፡ በቲ ሓደ ወገን፡ ብገንዘብ፡ ንብረትን ፕሮፖጋንዳን ምግዳዱ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሃይማኖታዊ፡ ኣውራጃዊ ወይ ካልእ ዘነዓዕብ መልክዕ ምትሓዙ፡ ውጽኢቱ ደሓር ዘጣዕስ ስለ ዝኾነ ጠጠው ክብል ይግበኦ። ኣብዚ ኣፍራሲ ተግባራት ተዋፊሮም ዘለዉ ወገናት ከሎ ጌና ክሓስብሉን ብመንጽር ድሕነት ህዝብን ሃገርን እምበር ብግዝያዊ ጠቕሚ ከይርእይዎ ነዘኻኽሮም። ብስም’ቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ምጉዳል ኣካላትን ምዝኽታም ህጻናትን ኣተሓሒዝካ ዝግበር ምውጻእ ገንዘብ፡ ካብ ሰብኣውነትን ወጺኡ ህውከት ዘጋድድ ከይከውን ምጥንቃቕ የድሊ።
ናይቲ ምቅትታል መሰረታዊ ጠንቂ ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ዝሳዕረረ ጭቆናን ባርነትን ምዃኑ ዘይከኣሓድ እዩ። ምስዚ ድማ ንምስሊ ኤርትራዊ “ጽንዓት፡ ተጸዋርነትን ክኽእሎ እየ በሃልነትን” ይድውን ከም ዘሎን ናይ ብዙሓት ኣሉታዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ምህላዉን ጥራይ እኹል መረጋገጺ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ሎሚ ኤርትራዊ ስሙ ክለዓል እንከሎ፡ ናይ ስርዓተ-ኣልቦነት፡ መርኣያ ኮይኑ ይግለጽ ምህላዉ ከቢድ ሓላፍነት ዘሰክመና እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ፡ እዚ ኩነታት “ከም ውሕጅ እናኣስሓቐ ከይወስደና” ንምሕጸን ዘለና።
ሶማሊያ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላድ በጺሓቶ ዘላ መረዳድኢ ስምምዕ እንተዘይሰሪዛቶ፡ ኣብ መወዳእታ 2024 ኣብ ሃገራ ሰፊሩ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከም እትሰጉግ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ናይታ ሃገር ብ3 ሰነ 2024 ኣፍሊጡ። ነቲ ኩነታታ ዝተኸታተሉ ናይ ጸጥታን ዲፕሎማስን ክኢላታት ወገኖም፡ ናይ ሶማሊያ ሓይሊ ኣልሸባብ በይኑ ክምክት ዝኽእል ዓቕሚ ኣብ ዘይብላ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስጓግ ዘይምርግጋ ክፈጥር ከም ዝኽእል ኣጠቂቖም።
ኣብዚ እዋዚ ኣካል እቲ ክሳብ 7 ሺሕ ዝበጽሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ሶማሊያ ሰፊሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ሕረት ኣፍሪቃ ዝኾነ ብውሕዱ 3 ሺሕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ከም ዘሎ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዲፕሎማሲያዊ ጸገም ዝተፈጥረ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ከም ልኡላዊት ሃገር ንክትፈልጣ ቃል ምእታዋ፡ መቃድሾ ብወገና ነቲ ስጉምቲ ምግሃስ ልኡላውነታ ገይራ ስለ ዝወሰደቶ እዩ።
ከም መግልጺ ሶማሊያዊ ኣማኻሪ ጸጥታ፡ ሓሰን ሼኽ ዓሊ፡ ኢትዮጵያ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2024 ነቲ ምስ ሶማሊያ በጺሓቶ ዘላ እማመ ከም ዝሰረዘቶ እንተዘይኣዊጃ እቲ ምስጓግ ሰራዊታ ከም ዝትግበርን እቲ ሓድሽ ናብ ሱማሊያ ዝምደብ ኣኽባሪ ሰላም ሰራዊት ከኣ ካብ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ጅቡትን ብሩንድን ጥራይ ከም ዝኸውን ኣፍሊጦም።
ኣብቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ተፈጥሩ ዘሎ፡ ኣብ ዞባ ቅርኒ ኣፍሪቃ እውን ሓደገኛ ሳዕቤን ከይህልዎ ዘስግእ ኣሰላልፋ፡ ኤርትራን ግብጽን ብቐዳምነት ኣብ ጐኒ ሶማሊያ ተሰሊፈን ዘለዋ እየን።
ኣመሪካ ብወገና ሶማሊያ እቲ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ከይተሃወኽትን ንክትዕገስን ጸዊዓ’ላ። ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ድማ እዚ ኩነታት ናይቲ ብዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዝምራሕ መንግስቲ ዲፕሎማሲያዊ ውድቀት ዘርኢ እዩ ኢለምዎ።
Bahgna Media 210: ኣገደስቲ ዜናታት ሃገርና፡ ዞባናን ዓለምን ምስ ኤርትራ 33 ዓመታት ኣብ ቃልሲ ሓርነት ዘርእስቱ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ 02.06.2024
Written by Bahgna MediaMedia
ርእሰ ዓንቀጽ
ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ልዕሊ 20 ዓመታት ግሎባላዊ ግዜ ዓለምና ክትሕቖን ጸኒሓ እያ። ሕጂ እውን መልክዑ ደኣ ይቐያይር ኣሎ እምበር ካብኡ ኣይወጸትን። በዚ ዘይቅሱን ኩነታት ይጽለዉ ካብ ዘለዉ ከባብታት ሓደ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ናብ ኣፍሪቃ ክቐርብ እንከሎ ከኣ፡ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝያዳ ክሕቆን ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ኣብ ሕንብርቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ልዕሊ ሺሕ ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ እትውንን ኤርትራ ከኣ ካብ ኢውሮጳዊ መግዛእቲ ጀሚርካ ናይዚ ጽልዋ ግዳይ ካብ እትኸውን ነዊሕ ግዜ እዩ።
ቅልውላው ዞባና ብክለሳ-ሓሳብ ጥራይ ዝጥቀስ ዘይኮነ፡ ኣብዚ እዋንዚ’ኳ ኣብ የመን ዝረኤ ዘሎ ናዕብታት፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ዝረአ ዘሎ ኣዕናውን ኣብራስን ውግእ ህያው ኣብነት እዩ። ነዚ ተኸቲሉ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝረአ ዘሎ ናይ ውግእ መራክብ ዕልቕልቕ ናይቲ ወጥሪ ምስክር እዩ። ዝያዳ ናብ ኤርትራ ከነቕርቦ እንከለና ድማ፡ ኩነታት ሱዳን፡ የመን፡ ሶማሊያላንድ፡ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ናይቲ ቅልውላው ኣመልከቲ እዮም። ግብጺ፡ ጅቡትን ደቡብ ሱዳንን’ውን ህዝበን ደቂሱ ዝሓድር ኣይኮናን። ኤርትራ ከኣ ህዝባ ብህግደፍ ጅሆ ተታሒዙ፡ ናብ ውሽጡ እናነብዐ፡ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ዝተሓረሞ ኩነታት እያ እትርከብ። ምስዚ ኩሉ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ’ውን ሓደ ካብቶም በቲ ቅልውላው ተጸለወትን ኣብቲ ቃልሲ ተሰላፍትን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ “ንሕናኸ ሰልፍና ምስ መን’ዩ?” ኢልና ሓቲትና መልሲ ክንረክብ እንግደድ። ምኽንያቱ ዘለናሉ ዓለማዊ ኩነታት ኣይኮነንዶ ንሕና፡ ሓያል ኮይንካ’ውን በይንኻ እትቖመሉ ዘይኮነ፡ ክትመሓዞ እትግደደሉ ስለ ዝኾነ።
ነዚ ሕቶዚ ንምምላስ ሃንደፍ ኢልካ “ብናይ ጸላእየይ ጸላኢ ፈታውየይ” ሕሳብ ዝውሰድ ዘይኮነ፡ መሰረታዊ ናይ መኻይድኻ መዕቀኒ ምሓዝ ዘይስገር’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ጸላኢ ጸላኢኻ፡ ጸላኢኻ’’ውን ክኸውን ስለ ዝኽእል። ከም ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ፡ ነዚ ሕቶዚ ኣብ ምምላስ ንኡስ ፍልልያት ክህልወና’ኳ እንጽበዮ እንተኾነ፡ ኣብ “ምዕቃብ ልኡላውነትን ሓድነትን ኤርትራ፡ ምውጋድ ናይቲ ንህዝብና ደም ዘንበዖ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍን ብሕገምንግስታዊ ስርዓት ምትክኡን” ኣብ ዝብሉ ግና ክንሰማማዕ ይግበኣና። እንመርጾ ኣሰላልፋ ጸኒዑ ምእንቲ ክቕጽል ማእከሉ ናይቶም ሓቢሮም ዝስለፉ እምበር፡ ብናይ ሓደ ካብቶም ሓቢሮም ዝስለፉ ዝተዓብለለ ከይከውን ምስትብሃል የድሊ።
እቲ ኣሰላልፋ ቀጥታዊ ወይ ዘይቀጥታዊ ከም ዝኸውን ንዕዘቦ ዘለና እዩ። እቲ ቀጥታዊ እቲ ብጀኦግራፍን መሰል መዕቀንታትን ምስ ዝቐርቡኻ ዝረአ ኮይኑ፡ እቲ ዘይቀጥታዊ ከኣ ነዊሕ ኣእዳው ዘለዎም ሓያላት ኣብ ርሑቕ ኮይኖም ብምዕጣቕን ብምስናቕን ናይ ረብሓኦም ዓውዲ ውግእን ተለኣኽን ክገብሩኻ ዝዝርግሕዎ ኣሰላልፋ እዩ። ኣመሪካ፡ ሩስያን ቻይናን ዝርከበአን ሓያላት መንግስታት ናይዚ ቅዲ ሃንደስቲ ምዃነን ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ናብ ኤርትራዊ ጉዳይና ክንመጽእ እንከለና፡ ሓይልታት ለውጥን ህግደፍን ብሓደ ክንስለፍ ኣይንኽእልን። ምኽንያቱ ኣብቶም ክንዛመድ እንከለና መዕቀኒና ክኾኑ ይግበኣኦም ዝበልናዮም መሰረታዊ መበገሲታት ፍልልይ ስለ ዘለና። ንሕና ኣርዑት ወጽዓ ህግደፍ ንምስባር እንቃለስ ክንከውን እንከለና፡ ህግደፍ ብኣንጻሩ ኣርዑት መግዛእቱ መመሊሱ ከትርርን ከቐጽልን ከይደቀሰ ዝሓድር ስለ ዝኾነ።
ናይተን ብኤርትራዊ ምዕባለ ዝጽለዋ፡ ኣብኣተን ዝረአ ምዕባለ’ውን ንኤርትራ ዝጸልዋ ናይ ቀረባ ሃገራት ኩነታት ምስ እንድህስስ ኣብ ከባቢና እቲ ኣሰላልፋ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተሓላለኽ ንምግንዛብ ይሕግዘና። ናይቲ ምትሕልላኽ ቀንዲ ምኽንያት ብደገ ዝጽለው እምበር፡ ነብሱ ክኢሉ ዝቐውም ዘይምዃኑ’ዩ። ንኣብነት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ብልጽግና፡ ህወሓትን ፋኖን ከምኡውን ኦነግ ቀዳሞት ተሰለፍቲ እዮም። ካብዚኦም መን ኮይንካ ኣንጻርቲ ካልእ ናይ ምስላፍ ፈተነታት ንዕዘብ ኣለና። መንን መንን ኣንጻር መን ግና ጌና መልክዕ ኣይሓዘን። እቲ ዝተረፈ ክፋል ኢትዮጵያ ከኣ ስቕ ዝመረጸን ምስ ዝሓየለ ናይ ምስላፍን ዝንባለ ዘለዎን ይመስል።
ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከም ጐረቤት ዘይኮነ፡ ከም በዓል ጉዳይ ኮይኑ፡ ከዳኽር ከም ዝደሊ ብሓሳብን ብግብርን ኣርእዩና እዩ። ገለ ኢትዮጵያዊ ወገናት ካብ ዘለዎም ግዝያዊ ሕሳብ ነቒሎም ህግደፍ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ተሳታፊ ክኾነሎም ይደልዩ እዮም። ፋኖ ህግደፍ ከዕጥቖን ከስንቖን ስለ ዝደሊ ጉንብሕ ጥልዕ ክብለሉ እንከሎ፡ ህግደፍ ብትግራይ ብህልቂት ሰባትን ዕንወት ንብረትን ዝኸስስ ዘሎ ምዃኑ ናይቲ ዘይንጹር ኣሰላልፋ ገላጺ እዩ። ዝምድና ህግደፍን ብልጽግናን ከኣ ምግማቱ ኣብ ዘጸግም ጽልግልግ ዘሎ እዩ።
እዞም ንኤርትራዊ ጉዳይ ዝጸልውዎን ብኣኡ ዝጽለዉን ዝበልናዮም ሓይልታት፡ ኣብቶም ከም መዕቀኒ ኣሰላልፋ ኢልና ዘስፈርናዮም መምዘኒ ነጥብታት “ሚዛኖም ከመይ እዩ?” ዝብል ሕቶ ምምላስ ዘይስገር እዩ። ብልጽግና ንሓንሳብ ብስዉር ንሓንሳብ ድማ ብጋህዲ ብኣፍደገ ባሕሪ ኣሳቢቡ ኣንጻር ኤርትራዊ ልኡላውነት ከም ዝስለፍ ነጊሩና እዩ። ፋኖ ምእንቲ ብህግደፍ ክድገፍ ነቲ ብልጽግና ዘልዕሎ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይድግፎ መሲሉ’ኳ እንተቐረበ፡ ከምቲ “ዝብእሲ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ” ዝበሃል ንግዜኡ እንተዘይኮይኑ ኣብ ልኡላውነትና ካብ ብልጽግና ዝሓይሽ ኣይኮነን።
ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ፡ ንመጀመርያ ግዜ ነጻነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝተቐበለ ሓይሊ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ጥራይ እዩ። ግን ድማ ናይ ሎምን ናይ ቅድሚ 20 ዓመታትን ህወሓትን ትግራይን ሓደ ከምዘይኮኑ ምግንዛብ የድሊ። ሎሚ ትግራይን ህዝባን ብዘይካ ብህወሓት፡ ብዝተፈላለዩ እሞ ድማ ነጽናት ኤርትራ ብዘይቅበሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ እውን ግጉይ ግንዛበ ብዘለዎም ውድባታትን ማሕበራትን’ውን ኣብ ዝጽለውሉ ኩነታት ምህላዎም ምግንዛብ የድሊ። ስለዚ ሕቶ “ሰልፍና ምስ መን እዩ?” ኣብ ምምላስ ነዚታት ምግናዛቡ መሰረታዊ እዩ። ብመንጽርዚ ሕቶ “ሰልፍና ምስ መን እዩ?” ክንምልስ እንከለና፡ ዋላ ትቕጠን ነታ ኣብ ኤርትራዊ ልኡላውነትን ሓድነት ህዝባን ዘይትወላወል ገመድ ምስ መን ከምዘላ ብዘየገድስ ከይለቐቕና፡ ንናይ ክሳብ ሕጂ ኣሰላልፋና ተመሊስና ብመጽርቲ ዝኽሰት ዘሎ ሓደስቲ ምዕባለታት ክንድህስሶ ግድን ኣብ ዝኾነሉ ኢና ንርከብ ዘለና።
ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2021 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወሰዶ እገዳ ክቕጽል ሰለ ዝወሰነ ኣብ ብሩስል ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ዝሓደሮ ሕርቃን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣንጸባሪቑ። እቲ መግለጺ ኤምባሲ ንተግባር ሕብረት ኤውሮጳ “ዘይቅቡል ጸለመ” ብዝብል ሓረግ ብምግላጽ ዘይተደላዪ ምስሕሓብብን ጽልእን ዝፈጥር እዩ እውን ኢልዎ።
እቲ ንክቕጽል ዝተወሰን እገዳ ቅድሚ ክልተ ዓመታት፡ ብሕብረት ኤውሮጵ ዝተበየነ፡ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘስካሕክሕ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዝተወሰነ ኮይኑ፡ ናብቶም ኣብ ኤርትራ ሰባት ዝኣስሩን ኣገዲዶም ብሓይሊ ዝምርምሩን ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ጸጥታ ናይታ ሃገር ዝዓለመ እዩ ነይሩ። እዚ እገዳ ብመጀመርያ ዝተወሰነሉ ግዜ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ዝተፈላለዩ በደላት ይፍጽም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነይሩ። መንግስቲ ኤርትራ ግና ኣብቲ እዋንቲ እውን ነቲ ርኡይ በደላቱ ክሒዱ ነቲ እገዳ ክቃወሞ ፈቲኑ ነይሩ እዩ።
ኣብዚ ናይ 3 ሰነ 2024 ናይ ተቓውሞ መግለጺ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ኩነታት ተጠቒሙ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀኦ-ፖለቲካዊ ሓይሉ ንምድልዳል ዝመሃዞ ከም ዝነበረ ኣስፊሩ። እቲ መግለጺ፡ ኤርትራ ከም ብዙሓት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰል ብእተካይዶ ቃልሲ ከም እትፍለጥ ጠቒሱ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ግና ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ናይ ምዝራብ ሞራል የብሉን ኢሉ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ህግደፍ ንክቕጽል ዝተሓደሰ እገዳ ሕብረት ኢውሮጳ፡ በቲ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ክከታተል ዝተመደበ ኣካል ዘቕርቦ ጸብጻብ ጥራይ ዝተደረኸ እዩ ክብሎ ፈቲኑ።
ቀዳማይ ርክብ ኣፍሪቃን ደቡብ ኮርያን ኣብ 3ን 4ን ጉንበት 2024 ኣብ ዋና ከተማ ደቡብ ኮርያ ሰኦል ከም ዝካየድ ናይታ ሃገር ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ልኡኻት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ምስ ኮርያ ዝምድና ዘለዎም ወከልቲ ዓለም ለኻዊ ትካላት፡ ናይ ኮርያ ፍሉጣት ባእታትን ትካላትን ፕረሲደንት ጉጅለ ልምዓት ባንክ ኣፍሪቃን ክሳተፉ እዮም። ደቡብ ኮርያ ነዚ ኪንተክሽ ኣብ ዝበሃል ማእከል ምርኢት ኣብ ከተማታት ሴኦልን ኢልሰን ዝካየድ ርክብ ምስ ኣፍሪቃ ክትጽውዕ ኣብ ታሪኻ ናይ መጀመርያ ግዜ እዩ።
ናይቲ ርክብ ዛዕባ፡ “እቲ ሓቢርና እንፈጥሮ መጻኢ፡ ናይ ሓባር ዕቤት፡ ቀጻልነትን ምሕዝነትን እዩ” ዝብል ኮይኑ፡ ምትሕብባር ኣፍሪቃን ደቡብ ኮርያን ንምብራኽ ዝዓለመ እዩ። እቲ ርክብ መራሕቲ ኣፍሪቃን ካብ ፕረሲደንታ ጀሚርካ ክሳብ ክኢላታት ኮርያን ንምሕያል ዘተኮረ እዩ።
እቲ ኣኼባ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ቀጻሊ ርክባትን መጻኢ ምዕባለን ምምይያጥ፡ ኣብ ምምካት፡ ዓለምለኻዊ ብደሆትታ፡ ለውጢ ኣየር፡ ውሕስነት መግቢ፡ ምውሓስ ዝርጋሐ ሰብኣዊ ጉዳያትን ጥዕናን ዝምልከት ክመያየጥ ምዃኑ ተመልኪቱ። እቲ ኣጋጣሚ ካብ ርክብ መራሕቲ ሃገራት ሓሊፉ፡ ብዛዕባ ሕርሻ፡ ኢንተርኔት ተክኖሎጂ፡ ገረብን ምግራብን፡ ክታበትን ጥዕናን፡ ቱሪስም፡ ጸዓትን ዝኣመሰሉን ዛዕባታት ዝምልከት ጐናዊ ሰሚናራት ክካየዱ እዮም። ኣብዚ ርክብ ክሳብ 25 መራሕቲ ዝርከዎም ወከልቲ 55 ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፉ ዝግመት ኮይኑ፡ ካብኣቶም ኢስያስ ኣፈወርቅ፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓልን ፕረሲደት ዊልያም ሮቶን ይርከብዎም።
መራሕቲ ኣፍሪቃ ቅድሚ ሕጂ ምስ ኣመሪካ፡ ቻይና፡ ዓባይ ብሪታንያ፡ ሩሲያ፡ ሱዕድያ፡ ኢጣልያን ህንድን ርክባት ምክያዶም ዝዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ኣፍሪቃ ዝያዳ ቆላሕታ ትረክብ ከም ዘላ ዘርኢ እዩ።
ኣቐዲመ ብምኽንያት'ዚ ክቡር ምዓልቲ መበል 33 ዓመት ናጽነት ሃገርና ኤርትራ፡ ንፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ወኪለ መልእኽቲ ክህብ ዕድል ዝሃብኩሙኒ ኣሰናዳእቲ በዓል፥ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፥ ብልቢ አመስግን፤ ክብረት ይሃበለይ።
ናጽነትና ከነብዕል ከሎና ዝርኣየናን ዝስምዓናን እንብህጎን ነዚ ዝስዕብ ይመስል፡ ምእንቲ ናጽነት ሃገርናን ሓርነት ህዝብናን ዝፈሰሰ ክቡር ደም፡ እወ ብገንዘብ ዘይትመን ክቡር ህይወት ናይ ህጻናት መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ኣንስትን ሰብኡትን ሽማግለታት ከይተረፉ ኣብ ገዛውቶም ኣብ መሳጊድ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ዝነደዱ እተቐትሉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ቆላን ከበሳን በጃ ዝሓለፉ፡ዓወትና ናይ ግድን'ዩ እናበሉ እተሰውኡን ዝሰንከሉን ጀጋኑ ኣሓትን ኣሕዋትን ብሓጺሩ፡ ነዚ ግፍዕታት'ዚ ዝፍጽም ዝነበረ መግዛእታዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ብ24 ግንቦት 1991 ካብ ኤርትራ ተሓግሒጉ ክሳብ ዝወጽእ እተኸፍለ ክቡር መስዋእቲ ይርኣየና። ትምክሕተኛታት ገዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ፈቲኹም ጸሊእኩም ኢትዮጵያውያን ኢኹም፤ መሬት ኤርትራ'ምበር ህዝቢ ኤርትራ ኣየድልየናን'ዩ ዝብሉና ዝነበሩ ከንቱ ኰይኑ፥ ህዝብና ነቲ ብመስዋእቱ ዝጨበጦ ናጽነቱ ኣብ 1993 ሚያዝያ እተኻየደ ሕቡራት መንግስታትን ሓያሎይ ሃገራትን ዝመስከሩሉ ረፈረንደም፥ እወ ንናጽነት ብዝብል 99.8% ድምጹ ልዑላውነት ሃገረ-ኤርትራ ብዓለምለኸ ደረጃ ተፈላጥነት ከም ዝረክብ ምግባሩ ሐበን ይስምዓና፤ የሐጕሰና። ስለዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ንዝርከብ ህዝብና ኣንቋዕ መበል 33 ዓመት በዓል ናጽነትና ንምርኣይ ኣብቃዓና እንዳበልኩ፥ ዮሃና እብል።
ናጽነት ኤርትራ ክርእዩ እተመነዩን እተቓለሱን ኣዚዮም ብዙሓት'ዮም። ኣብ 2ይ ውግእ ዓለም እተዓወቱ መሓዙት ሃገራት ብመሪሕነት ሕመኣ መሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝብና ጓዕጺጾም ሃገርና ብዘይድልየት መብዛሕታኡ ህዝባ ምስ ኢትዮጵያ ብስም ፈደረሽን ከም ትቝረን ገበሩ። ግንቦት 24 እንተላይ ነዚ ጕድለትዚ ዝኣረመት ናይ ሓያሎይ ወለዶታት ህዝብና ድልየት ዝመለሰት ዕለት ስለዝዀነት ንዘልዓለም ከቢራ ክትነብር'ያ።
ሕያዎት ትዓዘብቲ፡ ምልኪ ዝገፍዖም/ዐን መንእሰያት፡ኤርትራ ቅዋማዊ ምሕደራ ኰነ ግዝኣተ ሕጊ ዘይብላ ሰብኣዊ መሰል ዘይከብረላ ብዘይካ ዓስብን ደረትን ዘይብሉ ባርነት (ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝብሉዎ) ካልእ ስለዘይብላ ብኣሽሓት ዝቍጸሩ ደቃ ካብዚ ናብራ እዝስ እንተሞትና ንሙት እንተድሓና ድማ ናብራና ከነማሓይሽ ንኽእል ንኸውን ብማለት ናብ ስደት ስለ ዘምርሑ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ካብ ዓለም ድማ ድሕሪ ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ስደተኛታት ብምፍራይ እትፍለጥ 3ይቲ ሃገር'ያ። ደቃ ግዳያት ናይ ሰብነጋዶን ፈቐዶ ምድረባዳ ስሃራን ሲናይን ማእከላይ ባሕርን ዝቕዘፉ ኰላሊቶም ዝሽየጥ ሓያሎይ ካብ እቶም ብትኣምር ዓዲ ሰብ ዝኣተዉ ድማ ብድሕረ ማህሰይቲ (posttraumatic) ዝሳቐዩ እዮም። ህዝቢ ንናጽነቱ ዘየስተማቕሮ ዘዝተወልደ ንስደት ዘምርሕ ካብ ኰነ እንታይ ዝብዓል ኣለዎ እንታይ ዘሐጕስ ኣለዎ? ዝብል ሕቶ ከልዕሉ ዘገርም ኣይኮነን። ናይ ምረቶምን ጓሂኦምን ተኻፋሊ ኢና። ብርግጽ ጭው ዝብለ ምልካዊ ስርዓት'ዩ ዘሎና ይኹን'ምበር ከም ኵሎም ስርዓታት ምሕላፉ ኣይተርፎን'ዩ። ስርዓታት ይሓልፉ ህዝቢ ይነብር። ናጽነት ሃገርና ብቃልሲ ናይ መላእ ህዝብና እተረጋገጸ ስለ ዝዀነ ናይ ምዕቃቡ ሓላፍነት ናይ ኵሉ ዜጋ እዩ። ልዑላውነት ዘለዋ ሃገር ስለዘላትና ኢና ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ ቅዋማዊ ምሕደራ ይተኸል ንብል ዘሎና።
ብርግጽ ከምዚ ሎሚ ንርእዮ ዘሎና ህዝባ ብሰላም ክነብረላ ዘይክእል ናጻ ሃገር ዘይኮነትስ ብቅዋም እትማሓደር ልዕልና ሕጊ ዝነገሳ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰፈና፡ ሓረስታይ ዝሓርሰላ፡ ነጋዳይ ዝነግደላ፡ ሸቃላይ ዘፍርየላ፡ ተማሃራይ ብፍልጠት ዝዅስኰሰላ ጾታዊ ማዕርነት ዝረጋገጸላ ሃገር ክትኮነልና ኢና ንብህግ ዝነበርናን ምእንታኡ እተቓለስናን። ባህግታትና ክዉን ክኸውን ኣይክኣለን ምኽንያቱ ድማ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ጕጅለኡ ንዕላማታት ሰውራና ስለ ዝጠለምዎ እዩ። እቲ ሕቶ ስለምንታይ ኣብ ከምዚ ኵነታት ወዲቕና? ካብዚ ክንወጽእከ እንታይ ክንገብር ኣሎና? እዩ። እዚ ኣርእስቲዚ ሰፊሕ፥ መጽሓፍ ክጽሓፈሉ ዝክኣል ምዃኑ ይርድኣና''ዩ። እንተዀነ ግን ሓደሓደ ነጥብታት ብምጥቃስ ጥራሕ ቈላሕታ ክንገብረሉ ክንእእምት ኢና፡
1 ስልጣን ንህዝቢ ከነረክብ ኢና ዝብሃል ዝነበረ ተጠሊሙ
2 ኣብዝሓ ሰልፍታት ዘፍቅድ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክንተክል ኢና ዝብሃል ዝነበረ ህጣሙ ጠፊኡ
3 ኣብ ክንዲ ብትካላዊ ብዊንታ ናይ ሓደ ሰብ ዝዝወር ምሕደራ ሰፊኑ
4 ሰብኣዊ መሰላት ተጋሂሱ ጥራሕ ዘይኮነስ ራዕድን ፍርህን ነጊሱ
5 ሕድሕድ ምትእምማን ከምዘይህሉ ንምግባር ብዙሕ ተሰሪሑሉ
6 ዓገብ ናይ ምባል ባህሊ ቦዂሩ
7 መሰል ምሕታትን ቅኑዕ ሓበሬታ ምርካብን ከም ነውሪ ተቖጺሩ
8 ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ባዕሉ ከሳሲ ባዕሉ ፈራዲ ብምዃኑ ፍትሒ ተቐቢራ
9 ንክሎም ጽላታት ቁጠባ እቲ ምልካዊ ስርዓት ስለዝገበቶም ህዝብና ኣደዳ ድኽነትን ስእነትን ኮይኑ ወ ዘ ተ
ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ክንሰጋገር እንተዄናኸ እንታይ ክንገብር ኣሎና ዝብል ሕቶ ክንምልስ ከድልየና'ዩ።
ብርእይቶና፡
1 ንራዕዲ ቀንጢጡ ንዝደርበየ ህዝቢ፡ ዝኾነ ይኹን መላኺ ከንበርክኾ ኣይክእልን እዩ።ኣብ ትሕቲ ብሪጌድ
ንሓመዱ ዝብል ጥርናፈ ተበጊሱ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢከይቅህምን ምኣዝኑ ከይስሕትን ምትብባዕን ምእላይን
ከም ዘድልዮ ዘይክሓድ'ኳ እንተኾነ፡ ብርግጽ ፍርሒ ቅንጢጡ ዝደርበየ መንእሰይ ምዃኑ ብግብሪ ኣመስኪሩ ኢዩ። ስለዚ ከምዚ ኣብ ወጻኢ ህዝብና ይኣክል!! ኢሉ ተላዒሉ ዘሎ ኣብ ውሽጢ እውን ይኣክል ኢሉ ክልዓል ኣለዎ። እቶም ንበይኖም ነዚ ስርዓት ዝጻረሩ ዝመስሎም በይኖም ከም ዘይኮኑ ዝፈልጡ ደፊሮም ምስ ክኣምንዎ ዝኽእሉ ምስ ዝዛረቡኢዮም። ዋላ በብክልተ ዝቐውም ናይ ዝተኣማመኑ ውደባ ክፍጠርን ክሰፍሕን ኣለዎ።
2 ንሰብኣዊ መሰል ዝግህስ ምልካዊ ትእዛዛት ምፍጻም ምእባይ ወይ ሕራይ እንዳበልካ ከም ዘይፍጸም ምግባር።
3 ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ቃልሲ ከም ዝውህሃድ ምግባር
4 ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ደንበ ተቓውሞ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ዓቕምታቱ ጠርኒፉ ብሓደ ልሳን ክዛረብ ብሓደ ኣካል ክውከል ክኽእል የድልዮ። ናብኡ ንምብጻሕ ሓቢርና ዝጀመርናዮ ምጥርናፍ ዓዂኹ ናብ ዋዕላ
ገጹ የምርሕ ከም ዘሎ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ከምቲ ሓው ተኽላይ ኣብርሃ ኣቦ መንበር ሰክረታርያ ሃገራዊ
ባይቶ ኣብ ኣዳራሽ ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት ዘበሰሮ ኤሃባዲለ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኰይኑ
ክቕጽል ሓቢርና ንህዝብና ተስፋ ዝህብን ባህጉ ዘርውን ስራሕ ክንሰርሕ ዘሎና ትጽቢት ዓቢ ምኻኑ በዚ ኣጋጥማሚዚ ክንገልጽ ባህ ይብለና።
ብኣህጕራዊ መዳይ ክርአ ከሎ መላኺ ስርዓት ስልጣኑ ንምንዋሕ ኣብ ዞባና ናይ ግርጭትን ውግኣትን ጻሕታሪ፤ ዓለምለኸ ውግእ ክልዓል ዝጽውዕ ሓላፍነት ዝጎዶሎ መራሒ ምዃኑ ዓለም ብዓለማ ፈሊጣቶ ስለዘላ፡ ኣብ ሃገርናን ዞባናን ሰላም ንክሰፍን ነዚ ስርዓትዚ ደርቢኻ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል እንተዘይኰይኑ ካልእ መተካእታ የልቦን።
ኣብ መደምደምታ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ከም ተረካብ ሕድሪ መጠን ማዕረዚ መድረኽ ዝጠልቦ ሓቦን ጽንዓትን ተስፋን ትብዓትን ንቕሓትን ውደባን ዓጢቕካ ክትገጥም ንጽውዓካ። ሓያሎይ ካብቶም ሕጂ ዘሳጉጉኻን ዝኣስሩኻን ጽንዓትካ ምስ ርኣዩ፡ ከማኻ ውጹዓት ስለዝዀኑን ጥቕሞምን ጥቕምኻን ሓደ ምዃኑ ስለዝፈልጡን ኣብ ጎድንኻ ደው ከምዝብሉ ኣይትጠራጠር። ምስ ህዝብኻ ወግን! ምልኪ መንቁስ! ዲሞክራስያዊ ስርዓት ትኸል።
ንኩሎምቶም ኣብ ኤርትራ ክነብሩ ስለዘይክኣሉ ምድረበዳን ባሕርን ሰጊሮም ሓዲሽ ህይወት ክህልዎም ተሰዲዶም ክብቅዑ ብከንቱ ደም ሕድሕድ ዘፍስሱ ዘለዉ ናብ ልቦም ክምለሱ ናብ መንገዲ ዕርቅን ሰላምን ክሕዙ ኣዕዚዝና ንምሕጸኖም።
ኣዴታትን ኣቦታትን ወሊድኩም ከም ዘይወለድኩም ዘዝተወልደ ናብ ስደትን ውግእን ስለ ዘምርሕ ዘልዕለኩም ክትስእኑ ኣዚዩ ዘሕዝን'ዩ'ሞ ደጊም ይኣክል በሉ!
መንፈሳውያን መራሕቲ መላኺ ስርዓት ዝዘርኦ ዘሎ ናይ ጽልእን ቅርሕንትን ሕነን ተግባራት ብሕድገትን ዕርቅን ሰላምን ክትካእ ዝክኣለኩም ክትገብሩ ምሕጽንታናነቕርብ።
ዘለዓለማዊ ዝኽርን ክብርን ንኵሎም ሰማእታት ኤርትራ!!
ልዑላውነት ኤርትራ ንዘልዓለም ከቢሩ ይንበር!!
ዓወት ንቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብና!!
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!
ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ
ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሕጋውያን ኣይኮኑን ተባሂሎም ተሰሪዞም ዝጸንሑ ሰልፍታት “ናብ ሰላማዊ መንገዲ ተመሊስና” ኣብ ዝበልሉ፡ ዳግማይ ዝነበሮም ኣፍልጡ ዝረኽብሉ ሓድሽ ሕጊ ንምጽዳቕ ብ31 ጉንበት 2024 ንድፊ ኣዋጅ ናብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ (ፓርላማ) ክቐርብ ከም ዝወሰነ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣፍሊጠን።
ናይዚ ኣዋጅ ምውጻእ ቀንዲ ምኽንያት፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ግዜ ውግእ “ዘይሕገመንግስታዊ ምንቅስቓስ መሪጹ” ብዝብል ተሰሪዙ ምስ ጸንሐ፡ ድሕሪ ስምምዕ ውዕል ሰላም ፕረቶርያ ኣባልነቱን ዝተኣገደ ንብረቱን ክምለሰሉ ምሕታቱ እዩ። ብወገን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ “ኣባልነቱ ተሰሪዙ ንብረቱ ዝተወርሰ ሰልፊ፡ ከም ሓድሽ ክምዝገብ እምበር፡ ናብቲ ናይ ቅድም ደረጃኡ ንምምላስ ዘኽእል ዓንቀጽ የብለይን” ስለ ዝበለ ኣብ መንጎ ህወሓትን ሰልፊ ብልጽግናን ምስሕሓብ ተፈጢሩ ጸኒሑ እዩ።
ዋላኳ ህወሓት ኣብ ፕሪቶርያ ውዕል ሰላም ዝኸተመ ስለ ዝኾነ፡ ናብ ንቡር ቦታኡ ምምላሱ ንቡርን ህያውን እዩ ብዝብል ምጉት እንተጸነሐ፡ እቲ ብ2020 ብዛዕባ ኣመዘጋግባን ምስራዝን ሰልፍታት ተመሓይሹ ዝጸደቐ ናይ ኢትዮጵያ ኣዋጃ ነዚ ዝተቅስ ዓንቀጽ ስለ ዘየብሉ፡ ክሳብ ሎሚ ህወሓት ኮነ መራሕቱ ሕጋውያን ኣይኮኑን። ኣብቲ ኣብ ባንክ ዘሎ ዘንቀሳቕስዎ ገንዘብን ንብረትን እውን የብሎምን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ “ሕጊ ጥሒስካ ንቦርድ ምርጫ ምግዳድ ዘይክእል” ስለ ዝበለ ሓዲሽ ኣዋጅ ከውጽእ ከም ዝተገደደ እዩ ዝንገር።
ህወሓት ዋላኳ ኣብዚ ቀረባ ግዜ መበል 14 ጉባአኡ ከም ዘካይድ ብምግላጽ ምድላዋት የካይድ እንተሎ፡ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ዘይሃቦምን ብኣካል ተረኺቡ ናይ ዘይተዓዘቦን ጉባአ ውጽኢት ሕጋዊ ክኸውን ስለ ዘይክእል ውሳነ ናይቲ ተወከልቲ ትግራይ ዘየብሉ ፓርላማ ኢትዮጵያ ክጽበ ከም ዝግደድ ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብሩ።
More...
ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳንን ኣቦመንበር ኣወሃሃዲ ሲቪል ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ሱዳንን ዓብደላ ሓምዶክ እቲ ንሱ ዝመርሖ ሲቪላዊ ምውህሃድ ኣብቲ ካብ 15 ማዝያ 2023 ጀሚሩ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግእ ተሓታቲ ከምዘይኮነ ዳግም ኣፍሊጡ።
እቲ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝቃወሙ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሱዳን እውን ዝተሳተፍዎ ኣወሃህዲ ባይቶ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 600 ሱዳናውያን ዝተሳተፍዎ ካብ 27 ክሳብ 30 ጉንበት 2024 ኣብ ዘካየዶ ኮንፈረንስ እዩ ንዶ/ር ዓብደላ ሓምዶክ መሪጽዎ። ኣብዚ ”ውግእ ጠጠው ክብል፡ ሰራዊት ናብ መደበሩ ክምለስን ህላወ ተወርዋሪ ሓይሊ ኣብቂዑ ኣባላቱ ናብ ሲቪል ማሕበረሰብ ክጽንበርን” ዝጽውዑ ጭረሖታት ዝተንጸባረቐሉ ኮንፈረንስ፡ እቲ ኣወሃሃዲ ኣካል ዝምረሓሊ ሕግን መርሃ-መንገድን ከም ዝጸደቐን መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዘሳተፈ መሪሕነት ከም ዝተመርጸ ከኣ ተሓቢሩ።
ዶ/ር ዓብደላ ሓምዶል ኣብ መዕጸዊ እቲ ኮንፈረንስ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ሲቪላዊ ሕብረተ-ሰብ ሱዳን “ኣብቲ ውግእ ኢድ የብለይን” ይብል ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ እቲ ኣወሃሃዲ ኣካል ንሰብኣዊ ሓገዝ ከም ናይ ውግእ መሳርሒ ምጥቃም ከም ዝኹንን ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ድማ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብን ዞባዊ ሓይልታትን ኣወሃሃዲ ኣካሎም ኣውጺእዎ ንዘሎ ኣገባብ ምዝርጋሕ ረዲአት ክኽተሉ ጸዊዑ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን፡ ነዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ንእማመ ሰላም ኣሜሪካን ሱዕድያን ዝድግፍ፡ ብሕብረት ኢማራት ዓረብን ኢትዮጵያን ዝተወደበ ኮንፈረንስ ከምዘይድግፎን፡ ኣብ ግብጺ ክካየድ ትጽቢት ንዝግበረሉ ኣብ ምፍታሕ ጸገም ሱዳን ዝዓለመ ርክብ ከም ዝመርጽን ብተደጋጋሚ ይገልጽ ኣሎ። ብወገን ኣሜሪካ ኣካልዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ንቕሎ ንክኾውን ንዝቐረበሉ መጸዋዕታ ድማ ነጺግዎ።
እዚ ኩነታት ነቲ በቲ ሓደ ወገን ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ሱዕድያን ሩሲያን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሕቡራት ዓረብ ኤመረት፡ ኢትዮጵያን ዩክረይንን ዝርከብዎ ወገናት ክሳብ ክንደይ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢዶም ኣእትዮም ከምዘለዉ ዘርኢ እዩ።
.
ባድመ መጸውዒ እታ ኣዛራቢት ኮይና ዘላ ሓውሲ ከተማን ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ጐላጉልን እዩ። ባድመ ኣብ ጋሽ ካብ ባረንቱ ንወገን ደቡብ 48 ኪሎ-ሜተር፡ ካብ ከተማ ኣስመራ ድማ 139 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ትርከብ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ካብ ከተማ ሽረ ንሰሜን 119 ኪሎ-ሜተር ካብ መቐለ ድማ 369 ኪሜተር ትርሕቕ።
ብዛዕባ ብዝሒ ህዝባ ብዙሕ ሓበሬታኳ እንተዘየለ፡ ናይ ኢትዮጵያ ማእከላይ ስታትስቲክስ፡ ኣብ ናይ 2005 ምርጫ ኢትዮጵያ 729 ደቂ ተባዕትዮን 834 ደቂ ኣንስትዮን ብድምር 1,563 ነባሪ ከም ዝነበራ መዝጊቡ። ናይታ ከተማ ናይ መጀመርያ ተቐማጦ ኤርትራውያን ምዃኖምን ናይቲ ከባቢ ዓድታት ኣሰማት ብቋንቋ ኩናማ ምዃኑን ነዚ ከም ዘመልክትን ብዛዕባቲ ከባቢ ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎም ይሕብሩ። ባድማ’ውን ብቋንቋ ኩናማ እዩ።
ባድመ ግዝኣት ኢጣልያ ዶቡ ኣብ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ካብ ዝኸለለሉ ግዜ ንደሓር ኣካል ምምሕዳር ኤርትራ ዝነበረት ኮይና፡ ድሕሪቲ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ፈሪሱ፡ ኤርትራ ካብ ድሌት ህዝባ ወጻኢ ምስ ኢትዮጵያ ተንጸበራ ኣካል ኢትዮጵያ ድሕሪ ምዃና፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኮይና፡ ናብ ጣቕላይ ግዝኣት ትግራይ ግብሪ ትኸፍል ነይራ። ባድመ ዋላ’ኳ ኣብ ከባቢኣ ንሕርሻ ዝምችእ መሬትን ማዕድንን ከም ዘለዋን ዝእመን እንተኾነ፡ ዝያዳ ኣዛራቢት ዝኾነትሉ ቀንዲ ምኽንያት ግና፡ ውግእ ኤርትራ-ኢትዮጵያ 1998-2000 ዝተጀመረላ ቦታ ስለ ዝኾነት እያ።
ባድመ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና፡ ካብተን ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ናጻ ዝወጻ ናእሽቱ ነቑጣታት ሓንቲ እያ። ድሕሪ ባድመ ብሰራዊት ሓርነት ናጻ ምውጸኣ ተሓኤ ክሳብ ከባቢ ዓዲ ኣውዓላ፡ ዓዲ ሃገራይ፡ ሸራሮ፡ ዛግርን ዓዲ ጎዘሞን ኣብኡ ዝነብሩ ኤርትራውያን ትውድብ ነይራ። ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ተመስሪታ ምንቅስቓሳ ኣብ ኣድያቦ ምስ ኣስፈሐት ግና፡ ምርጻማት ንኸይፍጠር ብዝነበራ ሓልዮትን ጥንቃቐን፡ ጀብሃ ምንቅስቕሳን መዋፈሪኣን ኣብ ከባቢ ባድመ ክትድኩኖ ተገዲዳ። ይኹን እምበር ሓሓሊፉ ናይ መሬት ዋንነት ሕቶ ይለዓል ስለ ዝነበረ፡ ብሰንኩ ህይወት ብዙሓት ሓሊፉ እዩ። ምስዚ ኹሉ ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይን ጀብሃን ኣብ 1979 ብዝበጸሐኦ ስምምዕ፡ ባድመ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ትማሓደር ነይራ።
ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሓቢሮም ኣንጻር ተሓኤ ብዘካየድዎ ዘይሓላፍነታዊ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ጀብሃ ዓባይ ካብ ከተማ ባድመ ተደፊኣ ለቐቐት። ኣብቲ እዋንቲ 90% ኤርትራዊ ዝነበረ ነባሪ ባድመን ከባቢኣን ንተሓኤ “ምስ መን ገዲፍክና ትኸዲ ኣለኺ?” ብዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየደ ብምስሊ ከይተረፈ ዝተሰነደ እዩ።
ድሕሪኡ ብ1982 ህዝባዊ ግንባር ንከተማ ባድመን ከባቢኣን “ነዚ ውሳነ ዘይቅበል እንተሎ፡ ገጻብ ኣድጉ ጽዒኑ ይኺድ” ብዝብል ብደዐን ኣስገዳድን ንህወሓት ኣረኪባታ። ብዛዕባዚ ኣብ ርእሲቲ ዝተፈላለዩ ኣካላት በብግዜኡ ክህብዎ ዝጸንሑ ምስክርነትን ብደረጃ መጻሕቲ ዝተሰነደ ምዃኑን፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ተለቪዥን ኣሰና ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ ዘካየደ፡ ኣቡኡ ብደረጃ ምስሌነ ኣማሕዳሪ ባድመ ዝነበሩ፡ ንሱ ድማ ኣብ ባድመ ዓብዩ፡ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ናብኡ ተመዲቡ ዝተቓለሰ፡ ጸጋይ ገ/ስላሴ (ወዲ ጉቦ) ምስክርነቱ ሂቡ እዩ። ዋላኳ ገለ ወገናት ነቲ ንባድመ ንወያነ ትግራይ ናይ ምርካብ ውሳነ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ኣፍልጦ ዘይነበሮ ኣምሲሎም ከቕርብዎ ዝፍትኑ እንተኾኑ፡ ጸጋይ ግና “ኣይኮነንዶ ከም ጉዳይ ባድመ ዝኣመሰለ ዓብይ ጉዳይ፡ ናእሽቱ ውሳነታት እውን ብዘይኣፍልጦ ኢሳያስ ኣይትግበርን እዩ” ይብል።
“ጀብሃ ባድመ ናይ ኤርትራ እያ ምባላ ቅኑዕ ነይሩ፡ ምኽንያቱ መብዛሕትኦም ነበርታ ኤርትራውያን ኮይኖም፡ ሰውራኦም ናይ ምስናቕ ዓብይ ብጽሒት ስለ ዝነበሮም” ዝበለ ጸጋይ ገ/ስላሴ፡ ህዝባዊ ግንባር ንባድመ ንህወሓት ምስ ኣረከበታ፡ ኩሉ ኣብኡ ተደኲኑ ዝነበረ ትካላታ ጥቕሊላ ክትወጽእ ከም ዝተገደደት ከኣ ይጠቅስ።
ድሕሪ ናጽነት፡ ልኡላውነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ኣብ ዝተኻየደ ረፈረንደም 1993፡ እቲ ህዝባዊ ግንባር ስለ ዝጠለመቶ፡ ቁጽሩ እናወሓደ ዝኸይድ ዝነበረ ኤርትራዊ ነባሪ ባድመ፡ ከም ኣብ ትግራይ ዝነብር ኮይኑ እዩ ኣድሚጹ። ድምጹ ከኣ ናብ ባረንቱ ወይ ሻንብቆ ዘይኮነ፡ ናብ መቐለ ምስ ተላእከ እዩ ብኡ ኣቢሉ ናብ ኣስመራ ተመሓላሊፉ። ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ረፈረንደም’ውን እቲ ክሳብ ሎሚ “ግዝያዊ” ካብ ዝብል መጸውዒ ቅጽል ዘይወጸ መንግስቲ ኤርትራ ዘቕረቦ ስምዕታ ኣይነበሮን። ካብዚ ንላዕሊ ጉዳይ ባድመ ጉዳዩ ከምዘይነበረ መረጋገጺ ከኣ የለን። በዚ ዝተኣማመነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ቦታ ክሳብ ምምስራት ፋብሪካ እምነ-በረድ ክበጽሕ እንከሎ’ውን “መኒኻ?” ዝበሎ ኣይነበረን።
ከምቲ ኩሉ ዘይርሰዖ፡ ብ6 ጉንበት ኣብ ባድመ ዝጀመረ ውግእ ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ ብ12 ጉንበት 1998 ድማ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዓሪጉ። ድሕሪዚ ውግእ ምጅማሩ ብ23 ጉንበት 1998 መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ሱዳን ከተማ ካርቱም ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብቲ ድሕሪ ኣኼባኡ ዘውጸኦ መግለጺ ድማ ባድመ ናይ ኤርትራ ምዃና ኣረጋጊጹ፡ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ኩሉ ሕጋዊ መስርሕ ከይጸንቀቐ ዝመረጾ ውግእ ከኣ ተቓዊምዎ።
ውግእ ምስ ጀመረ ድሕሪ ዝተወሰነ ኣዋርሕ፡ ኣብ መንጎ ልኡኻት ሰውራዊ ባይቶን ኢትዮጵያዊ ግንባር ኢህውደግን ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ሰውራዊ ባይቶ “ባድመ ናይ ኤርትራ እያ” ብምባሉ ዝተገረመ ኢህውደግ ካብ ልኡኽ ሰውራዊ ባይቶ መብርሂ ሓቲቱ።
መብርሂ ልኡኽ ሰውራዊ ባይቶ ከኣ፡ “ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣንጻር ደርግ፡ ንባድመ መን የመሓድራ ዝብል ምስሕሓብ ምስ ተፈጥረ፡ ድሕሪ ክንደይ ልዝብ፡ ኣብ መንጎ ተሓኤን ህወሓትን፡ ስርዓት ደርግ ተወጊዱ ዶብ ኤርትራን ትግራይን ብሕጋዊ መስርሕ ክሳብ ዝውሰን፡ ባድመ ኣብ ትሕቲ ተሓኤ፡ ሸራሮ ድማ ኣብ ትሕቲ ህወሓት ክጸንሐ ዝብል ስምምዕ ነይሩና። ነዚ ጥሒስኩም ኢኹም ድማ ንዓና ምስ ህዝባዊ ግንባር ኮይንኩም ወጊእኩምና። ባድመ ከኣ ብህዝባዊ ግንባር ግንዖት ተዋሂባትኩም። ንሕና ነዚ ዝምልከት መረጋገጺ ኣለና፡ ንስኻትኩም ድማ መዛግብኩም ገንጽሉ” ዝብል ነይሩ። ድሕሪኡ ኢህወደግ ነዚ ዘፍርስ ጭብጢ ስለ ዘየቕረበ ሰውራዊ ባይቶ ባድመ ናይ ኤርትራ እያ ዝበለሉ ምኽንያት ቅቡል ኮይኑ ቀጺሉ። ደሓር ከኣ መርገጺ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብውዕል ኣልጀርስ ተሰንዩ ብኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ተረጋጊጹ።
ብኣሕዋት ፍሰሃየ ሓጐስ፡ ድራር መንታይን ንጉሰ ጸጋይን ዝተደርሰት መስሓፍ “ታሪኻዊ ግደ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ” ብወገና፡ እቲ ኣብ መንጎ ተሓኤን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ “1.ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣብ ትግራይ፡ ትግራዎት ተቐማጦ ድማ ኣብ ኤርትራ ናይ ምንባር መሰል ክህልዎም፡ 2. ናብ ዝመረጽዎ ውድብ ብዘይተጽዕኖ ክስርዑ፡ 3. ኣብ ዝነብሩሉ ቦታ እቲ ኣብኡ ዝርከብ ውድብ ዝሓተቶም መዓልታዊ ጠለባት ከማልኡ” ዝብል ትሕዝቶ ከም ዝነበሮ ኣስፊራ’ላ።
ዘይሩዘይሩ እቲ ውግእ ካብ ባድመ ናብ መላእ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምልሓሙን ካብ ክልቲኡ ወገናት ልዕሊ 100 ሺሕ ህይወት ምህላቑን፡ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ብሕጊ ክረአ ተወሲኑ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ፡ ብ13 ማዝያ 2002 እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ቀያድን ናይ መወድእታን ብይን ተዋሂብዎ። እንተኾነ ባድመ መጀመሪት ናይቲ ውግእ ብምዃና’ኳ ናብ ኤርትራ ከም ዝተበየነት እንተተፈልጠ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣየናይ ንመን ከም ዝተዋህበ ንምፍላጥ ሎሚ’ውን እቲ ህግደፍ ክሃድመሉ ዝጸንሀ ኣብ ባይታ ምጥራር ዘይስገር እዩ። ናይ “ዝሓዘሐዘ” ኣካይዳ ግና ናይ ውግእ ሕማም ደሓር ዝገድፍ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ስንኩፍ ኣተሓሕዛ ምድጋፍ ከኣ ዘይሓላፍነታውን ስምዒታውን እዩ።