ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ሱዳን ከተማ ካርቱም ጅረፍ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምዕው ኣፍራሲ ተንኮላት ይፍሕስ ከም ዘሎ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። ናይቲ ስርዓት ልኡኻት ነታ
ነባር ቤት ትምህርቲ ካርቱም ጅረፍ ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሮም ንምእታው ንነዊሕ ግዜ ዘካየድዎ ጐስጓስ ምስ ፈሸለ፡ ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ሓድሽ ተንኮል ምሂዞም ከም ዘለዉ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ዘለዉ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣካላት ኣቃሊዖም።ኣካላት ህግደፍ ነታ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሮም ከእትውዋ ካብ ነዊሕ እዋን ፈቲኖም ዘይተዓወቱላ ቤት ትምህርቲ ንምዕጻዋ፡ ኮነ ኢሎም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ታሸዓይ ክፍሊ ክምህራ እየን ዝብልወን ክልተ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ከባብታት ሰሓፋን ጅረፍን ከፊቶም ተመሃሮ ምምዝጋብ ጀሚሮም ኣለዉ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናይታ ቤት ትምህርትን ወለዲ ተመሃሮን ቁጠባዊ ጸገማት መዝሚዞም እቲ ዝኸፍትዎ ዘለዉ ኣብያተ-ትምህርቲ ብናጻ ኣገልፍሎት ክህብ እዩ ዝብል ምልዕዓላት ይገብሩ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ናይዚ ስጉምቶም ቀንዲ ዕላማ ነቶም ተመሃሮ ጀሆ ሒዝካ፡ ስርዓተ ትምህርትን በብግዜኡ ዝወሃብ ሓፈሻዊ መርመራታትን ካብ ኣስመራ ከም ዝጽበዩ ንምግባር እዩ። እዚ ከኣ ከምቲ ተመሃሮ ኣብ ኤርትራ ዝሳቐይዎ ዘለዉ ከም ዝሳቐዩ ንምግባር እዩ።
ስለዚ ኤርትራውያን ወለዲ፡ ተመሃሮ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዝሓልፍዎ ዘለዉ ኣዕናዊ ኩነታት ብኻልእ ክንገሮም ክጽበዩ ኣይግበኦምን። እዛ ብዙሓት ፈላጣት ዘፍረየት፡ ደቆም ዝመሃሩላ ዘለዉ፡ ሃብታም ተመኩሮ ዝደለበት ኤርትራውያን ግዱሳት ብደረጃ ማሕበራት ይኽን ብውልቀ ኣፍልጦን ሓገዝን ክልግሱላ ዝጸንሑ፡ ቤት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካርቱም ተዓጽያ ደቆም መፍቶ ህግደፍ ከይኮኑ፡ ከሎ ጌና ንከይትዕጾ ኩሉ ዝከኣሎ ጻዕሪ ክገብሩ ይግበኦም።
ጋዜጣዊ መግለጺ መስራቲ ጉባኤ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ሰሜን ኣሜሪካ (እዋና)
Written by ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ሰሜን ኣሜሪካናጻ ዉደባና ዉሕስነት መሰልና ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ መስራቲ ጉባኤ እዋና ካብ 9 - ክሳብ 10 ሓምለ 2022 ኣብ ኣትላንታ ጆርጂያ ብዓወት ተዛዚሙ። እዚ ጉባኤ’ዚ ታሪኻዊ ዝገብሮ ናጻ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዝመስረተ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ቤትና፡ ኣሕዋትና ኤርትራውያን ኣብ ዝተኸልዎ ማእከል ማሕበረኮም ዝተኻየደ ምዃኑ ንተሳተፍቲ ተወሳኺ ሓበንን ኩርዓትን ዝሃበ እዩ ኔሩ።
ባህግን ሕልሚን ህዝብናን ስዉኣትናን ጠሊሙ ንዲሞክራስያዊ መስርሕ ጓዕጺጹ ኣብ ስልጣን ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ጠንቂ ድኽነትን ስደትን ዉርደትን ምዃኑ ዓለም ዝፈልጦ ክውንነት እዩ። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ዘይምልከተና ኣብ ጐረበት ሃገር ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ዉሽጣዊ ዉግእ ዋሕስ ልዑላውነትና ዝኾነ መንእሰይ ወሎዶና ብሓይሊ ኣሳቲፉ የጽንት ኣሎ። ኣብ’ዚ ከይተደረተ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቅሳነት ዘስኣነ ስርዓት ኮይኑ’ሎ።
ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዘይርጉእ ኩነታት ሃገርና ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ሂወት ካብ ክፉእ ናብ ዝኸፍኤ ሃለዋት ክንወድቕ ምዃና ርዱእ እዩ። ብሰንኪ ግዱድ ዕስክርና ንቡር ሂወት ዝሰኣነት መንእሰይ ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣቦ ዘይብሎም ቆልዑ ብዘይስሩዕ እቶት ክተዕቢ ትግደድ፡ ህጻናት ሒዛ ሃጽ ኢላ ትስደድ፡ ካልእ ዘርዚርካ
ዘይውዳእ ኣደራዕ ትስከም። ወላዲት ወላድ መኻን ኮይና። ብሓጺሩ ኣደ፡ ኣደ ምዃን ስኢና።
ኣብ’ዚ ክውንነት እዚ እትምስረት ዘላ እዋና፡
1) ፍትሕን ሰላምን ዝሰፈና ኤርትራ ንምህናጽ፡ ሰብኣዊ መሰላት ብሓፈሻ መሰልን ማዕርነትን ደቂ-
ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ንምርግጋጽ ቀንዲ ዕላማኣ እዩ።
2) ንፍትሕን ሰላምን ልዕልና ሕግን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቓልሲ ህዝብና እጃማ ክተበርክት እያ።
3) ራእይ እዋና ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ብዘይድሩት ተሳትፎኣ ምሉ እ ሓርነትን ምዕሩይ ዕድላትን እትጎናጸፈሉ፡ ኣብ ኩሉ ጸጋ ሃገር ማዕረ ብጽሒት ክህልዋ፡ ዓቕማ ናብ ዝወሰዳ እት ዓብየሉ ኩነታት ምርግጋጽ እዩ።
4) ምስ ኩሉ ኤርትራዊ ይኹን ካልእ ቦታዊ፡ ከባብያዊ፡ ሃገራዊ፡ ዓለምለኻዊ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ዉድባት
ምትሕግጋዝን ምስራሕን ሓደ ካብ ዕላማታት እዋና እዩ።
5) እዋና ዕላማታታ ንምዕዋት ኣባላታ ነብስና ከነማዕብል ብኣትኩሮ ክትሰርሓሉ እያ።
መስራቲ ጉባኤ እዋና፡ ካብ ብዙሕ ዞናታት ሰሜን ኣሜሪካ ዝመጻ ደቂ-ኣንስትዮ ዝተሳተፈኦ ኮይኑ ቅዋሙ ኣጽዲቑ፡
15 ኣባላት ቦርድ ከምኡ’ውን ሰለስተ ተጠባበቕቲ ዘለዎኦ መሪሕነት መሪጹ ብልዑል ፍናን ስርሑ ደምዲሙ።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ እዋና ኣብ ሃገርና ንህዝብና ጅሆ ሒዙ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ብፍትሕን ልዕልና ሕግን ክትካእ ሓቢርና
ክንቃለስ ብፍላይ ድማ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ቅኑዕ ዕላማ እዋና ኣሚነን ክጽንበራና ንጽውዕ። ንኩሉኹም ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት እዋና ንምምስራት ዘካየድናዮ ጻዕሪ ዝሓገዝኩምናን ዘተባባዕኩምናን ምስጋና ነቕርብ።
ብዘይ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዕምብብ ዲሞክራሲ የለን!
ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና!
ዝኽሪን ክብርን ንስዉኣትና!
10 ሓምለ 2022
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት በረኸት ሰለሙን ዝተባህለ ኤርትራዊ ስደተኛ መንእሰይ፡ ኣብ ብሪጣንያ ካብ ከተማ ለንደን ንወገን ሰሜን ውጽእ ኢላ ኣብ እትርከብ፡ ስቲቨነጅ ዝተባህለት ቦታ ብኢድ ሰብ ሞይቱ ተደርብዩ ከም ዝተረኽበ ናይታ ሃገር ፖሊስ ኣፍሊጡ። ብተመሳሳሊ ኩነታት ኣብ ሃገር ጀርመን ዛህራን ዩስራን ዝተባህላ ኤርትራውያን መሓዙት መንእሰያት ኣብ ከተማ ሙኒካ ብዝነብር ኤርትራዊ መንእሰይ ከም ዝተቐትላ ብማሕበራዊ መራኸብታት ዘደንጹ መዛረቢ ኮይኑ ኣሎ። ብዘይካዚ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ፈረንሳ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሕድሕዶም ተባኢሶም ሓደ ከም ዝሞተ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ሓደ ኣገራብ ዝበዝሖ ቦታ ሞይቱ ዝተረኽበ መንእሰይ በረኸት ሰለሙን፡ ኤርትራዊ ስደተኛ ምዃኑ ፖሊስ እዩ ሓቢሩ። እዚ ወዲ 20 ዓመት በረኸት ሰለሙን፡ ትሕቲ ዕድመ ኮይኑ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተወን ዑቕባ ዝተዋህበን ምንባሩ ፖሊስ ጠቒሱ፡ ከምዚ ዓይነት ገበን ከይድገምን ውሕስነት ጸጥታ ክረጋገጽን ጐስጓስ ከም ዘድሊ ብተወሳኺ ኣተሓሳሲቡ።
ንጠንቂ ሞት እተን መንእሰያት መሓዙት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝምልከት፡ ፖሊስ ጀርመን ከም ዝገለጾ፡ እቲ በቲ ቕትለት ተጠርጢሩ ተታሒዙ ዘሎ ሰብ ንሓዲአን ንመርዓ ሓቲቱ ከም ዝነበረ እሞ ከም ዝኣበየቶ፡ በዚ ምስሕሓብ ምስተፈጥረ ከኣ ናብተን ግዳያት ከይከይድ ብፖሊስ መጠንቀቕታ ተዋሁብዎ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ።
በዚ ዝደጋገም ዘሎ ድንገተኛ ሞት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ወጻኢ ዝሰንበዱ ኤርትራውያን ወገናት፡ ብውልቂ ይኹን ብማሕበራት ኣብ ስደት ዘለዉ መንእሰያት ንክረጋግኡ ዘኻል ናይ ምኽርን ምትህድዳእን ሓገዝ ክግበረሎም ይጽውዑ ኣለዉ። ንሓናውን መንእሰያት ጸገም ከጋጥሞም እንከሎ፡ ሰባት ምቕታል ወይ ከኣ ነብስኻ ምጥፋእ ጸገም ዝፈትሕ ዘይኮነስ፡ ተወሳኺ ጸገም ዘኽትል ምዃኑ ተረዲኦም ብህድኣት ክሓብሉ ነዘኻኽር።
Ethiopia’s civil war has doused hopes of prosperity under Abiy Ahmed’s government
Written by Samuel Getachew
|
Martin Plaut posted: " SAMUEL GETACHEW, KOMBOLCHA, ETHIOPIA, SPECIAL TO THE GLOBE AND MAIL After 20 months of civil war, the damage to Ethiopia’s once-soaring economy is visible across the country. At a stalled railway project, homeless war victims have taken possession" Martin Plaut |
SAMUEL GETACHEW, KOMBOLCHA, ETHIOPIA, SPECIAL TO THE GLOBE AND MAIL After 20 months of civil war, the damage to Ethiopia’s once-soaring economy is visible across the country. At a stalled railway project, homeless war victims have taken possession of the empty construction site. At a newly opened industrial park, buildings have been unofficially converted into a prison and a warehouse for emergency food rations. When Abiy Ahmed was sworn in as Prime Minister in 2018, there were hopes that one of Africa’s most populous and strategically important countries could be transformed. Many Ethiopians believed he would end the traditional narrative of an aid-dependent nation. The energetic young leader promised to unlock the impoverished economy and liberalize state-dominated sectors such as banking, aviation and telecommunications. But today, Ethiopia’s economy is in tatters. Reform momentum has eroded, the national currency has weakened, inflation is at a near-record high – almost 40 per cent – and foreign investment has slowed. The International Monetary Fund is warning of more trouble ahead, with GDP growth projected to fall from 6.3 per cent last year to 3.8 per cent this year, the lowest in almost two decades. The declining growth in the country of 115 million people is a result of “the conflict in Northern Ethiopia, lower agriculture production, a sharp fall in donor financing and intensifying foreign exchange shortages, drought, and spillovers from the war in Ukraine,” IMF deputy division chief Sonali Jain-Chandra said in a statement at the end of her visit to Ethiopia last month. Despite the slumping economy, Mr. Abiy has continued to pump billions of dollars into his military budget this year. Higher spending, combined with a sharp drop in tax revenue during the war, is causing the budget deficit to balloon, the IMF said. The military spending, meanwhile, has sustained a cycle of destruction and violence that only worsens Ethiopia’s economic woes. As many as 500,000 people have died as a result of the war in the Tigray region, in Northern Ethiopia, researchers estimate. New outbreaks of violence and mass killings continue to emerge in other regions, including Oromia and Gambella in recent weeks. Late last year, Tigrayan rebels captured and looted a construction site for a 390-kilometre-long railway in Northern Ethiopia, destroying hundreds of trucks, bulldozers and excavators in the town of Kombolcha. The US$1.7-billion project was considered crucial for the landlocked country, connecting the north to a major railway between Addis Ababa and the Red Sea port of Djibouti. Turkish multinational Yapi Merkezi had almost completed the seven-year construction project at the time of the attack, which brought it all to a halt and threw thousands out of work. The construction site has now become a makeshift camp for hundreds of people displaced by the war. The government still hopes to revive the project. “We are in discussion with the company and we still see the project as a priority,” Hilina Belachew, the chief executive of the Ethiopian Railways Corporation, told The Globe and Mail. Last year, Mr. Abiy cut a red ribbon to open a 50-hectare industrial park in the city of Semera, in the Afar region. He said it would attract textile investment and become “a catalyst for accelerated trade along a key import-export corridor.” But today, after war swept through much of Afar, the industrial park is mainly used to store humanitarian food supplies for war victims. It is also used as a prison for Tigrayan detainees, local residents told The Globe. The war has also cost Ethiopia its membership in the African Growth and Opportunity Act (AGOA), a U.S. program that provides duty-free trade benefits in key industries. U.S. President Joe Biden suspended Ethiopia from the program in December, citing “gross violations of internationally recognized human rights” since the war began. The suspension has led to tens of thousands of job losses in Ethiopian textile factories. Best Garment, an Indian company, is one of many suffering the consequences. It announced last month that it will lay off more than 3,000 employees because of the AGOA decision. Mr. Abiy has tried to push ahead with his privatization plan, but the war has dampened investor interest. When his government offered investors a chance last year to bid for a licence in the previously closed-off telecommunications sector, only two companies submitted formal bids. A consortium led by Kenyan-based Safaricom was the eventual winner, with an US$850-million bid. After announcing plans to launch its service in April, it has repeatedly pushed back the start date. The continuing violence in several regions is expected to hamper its ability to operate nationally. Shortages of foreign currency, which curtail the import of raw materials, are another major obstacle to investment in Ethiopia. One of the country’s biggest bottling companies, MOHA Soft Drinks Industry, has reportedly halted production in Ethiopia because of such shortages. With a report from Geoffrey York in Johannesburg |
ERITREAN AFAR NATIONAL CONGRESS (EANC) RESOLUTION
Written by The Eritrean Afar National Congress (EANC)መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንዳግመ-ህንጸት ትግራይ ዝምልከት ስምምዕ ምስ ሕቡራት ሃገራት ተፈራሪሙ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤመንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ፕሮጀክትታትን ንዳመ-ህንጻ ዝዓነወ ትሕተ ቅርጻ ትግራይ ዝምልከት ስምምዕ ከም ዝተፈራረሙ፡ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን። በቲ ነዚ ስምምዕ ኣመልኪቱ ሚኒስተር ገንዘብ ኢትዮጵያ ዘውጸኦ መግለጺ መሰረት፡ ብሰንኪ ውግእ ኣብ ትግራይ ዝዓነወ ትሕተ-ቅርጻን ትካላትን እንደጋና ንምህናጽን ንምሕዋይን፡ ወጻኢኡ ብባንኪ ዓለም ዝከኣል ኰይኑ፡ ብሳልሳይ ኣካል ዝትግበር ፕሮጀክት ከምዝኸውን ተፈሊጡ። ነዚ መደብ ክተግብር ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተስማሚዑ ዘሎ ሳልሳይ ኣካል፡ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ፕሮጀክትታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [UNOPS] ምዃኑ ድማ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።
እቲ መደብ፡ ነቶም ኣብ ትግራይ ተቛሪጾም ዘለዉ ኣገልግሎታት ናብቲ ዝነበርዎ ንምምላስ ዘኽእል ክኸውን እንከሎ፡ ምስ ህዝቢ ክልል ትግራይ ብምምኽኻር ዝትግበር’ ከምዝዀነ ነቲ መግለጺ ዝጠቐሱ ዜናታት ሓቢሮም። እዚ ኣብ ትግራይ ብሳልሳይ ኣካል ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ መደብ ዳግመ-ህንጻ፡ ኣካል እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ውግእ ዝዓነዉ ትካላት ናብ ንቡር ንምምልሳስን ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ንምሕጋዝን ዝተታሕዘ መደብ እዩ። እቲ ንህንጸት ዝወሃብ ገንዘብ፡ ባንክ ዓለም ኣቐዲሙ ንኢትዮጵያ ንዳግመ ህንጻ ንክውዕል ክህቦ መዲብዎ ዝነበረ 300 ሚልዮን ዶላር እዩ።
ድሕርቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣብ መንጎ ሓይልታት ክልል ትግራይ ውግእ ምጅማሩ፡ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ዕጽዋ ወዲቓ ኩሉ ኣገልግሎታት ተቛሪጽዋ ዘላ እያ። ቅድሚ ዝተወነ ኣዋርሕ ስብኣዊ ሓገዝ ምቕራብ ዘኽእል፡ ብግዝያውነት ተኹሲ ጠጠው ምባሉ ተኸቲሉ፡ ናብ ትግራይ ክኣትው ጀሚሩ ዘሎ ሓገዝ ምስ ስፍሓት እቲ ጸገምን ሕጽረት ነዳድን ኣዝዩ ውሑድ እዩ።
ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ነዚ ሓድሽ ፕሮጀክት ብዝምልከት ዝሃቦ መላሽ ዘይተፈልጠ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ እቲ ኣብ መንጎ ምንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ናይ ሰላም ዘተ ኣብ ዘይተዓወተሉ፡ እዚ ናይ ህንጸት ፕሮጀክት ክትግበር ዘለዎ ዕድል ዝጸበበ ምዃኑ ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ እምነት እዩ።
ቀዳማይ ሶማሊያ ዝመበቆሎም፡ ኣባል ፓርላማ ፊንላንድ ሱልዳን ሰይድ መሓመድ፡ ፍሉይ ልኡኽ ፊንላድን፡ ናይቲ መበቆል ሃገሮም እትርከቦ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኖም ከም ዝተመዘዙ፡ መሓመድ ደይሳን ዝተባህለ ጋዜጠኛ ንወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪፊንላንድ ብምጥቃስ፡ ካብ መቃድሾ ሓቢሩ። ሱልዳን ሰይድ መሓመድ ኣብቲ ተባራዒ ጸገማት ዘለዎ ቀርኒ ኣፍሪቃ መስርሕ ሰላም ምሕጋዝ ቀንዲ ዕማሞም ከም ዝኸውን እቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ገሊጹ። እቲ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ፊንላንድ ምስ መብዛሕተኣን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ነዊሕ ግዜ ርክብን ዝምድናን ከም ዘለዎ ኣረጋጊጹ።
ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ፊንላንድ ኣተሓሒዙ ከም ዝጠቐሶ፡ እዚ ተኣፋፊ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊቲ ንዓመታት ከጋጥሞ ዝጸንሐ ደርቂ፡ ዝተፈላለዩ መልከዓት ብዘለዎም ፖለቲካዊ ግርጭታት ዝሳቐ እዩ። ብመሰረ ናይ ጸጥታን ወጻኢ ጉዳይን ፖሊሲ ፊንላንድ እቲ ቀዳምነት ዝህቦ ዘተ ሰላም እዩ።
ናይዞም ፍሉይ ልኡኽ ናብቲ ዞባ ምምዛዝ ዕላማ፡ ዝምድና ፊንላንድ ምስ ሃገራት ኣብቲ ዞባ ምድልዳል፡ ግርጭታት ንሃዋህው ህድኣትን ጸጥታን ንክሕግዝ፡ ጸገማት ብሰላም ንምፍታሕ ኣስተዋጸኦ ምብርካትን ምስ ሰብኣዊ ኩነታት ዝተሓሕዙ ጉዳያት ምብራኽን ዝምልከት እዩ።
እቶም ፍሉይ ልኡኽ ነዚ መዝነት ዝምልከት ተወሳኺ ክፍሊት ከምዘይህልዎ ጠቒሶም፡ ነዚ ናይ ፍሉይ ልኡኽነት ሓላፍነት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተረከብዎ ብብዙሕ ጸገማት ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ ምዃኑ ንትካል ዜና ኣናዶሉ (Anadolu) ሓቢሮም። ኣተሓሒዞም ከኣ ናብዚ ሓላፍነት ምምዛዞም ከም ዘሕጉሶምን ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓቢሮም ዓበይቲ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ከም ዝጽዕሩ ኣፍሊጦም።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝገሹን፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ኣብ ህንጸት ሰላም ከም ዘሕይሉን ከኣ ጠቒሶም።
ኣድሚ ሕጂ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ቻይናን ዓባይ ብሪታንያን ዝርከብዎም ወገናት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉያት ልኡኻቶም መዚዞም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። እዚ ከኣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሳብ ክንደይ ኣሰካፊ ይኸውን ምህላዉ ዘመልክት እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነቱ ንሰላሳ ዓመታት፡ ብቐጻሊ፡ ኣንጻር ሓይልታት መግዛእቲ ትንፋስ ዘይህብ ወተሃደራዊ ግጥማት ኣካይዱ። ህዝብና ኣብዚ ክትኣምኖ ዘጸግም ነዊሕ ጉዕዞ ውግእ ዝተጸምደ ከምቲ ጸላእቲ ኣብቲ እዋን ቃልሲ ዝብልዎ ዝነበሩ፡ ናይ ውግእ ህርፋንን ትምክሕትን ዝደፍኦ ወይ ናይ ካለኦት ልኡኽ ስለ ዝነበረ ዘይኮነ፡ ናጽነቱ ብቓልሱ ካብ ምጭባጥ ሓሊፉ፡ ካልእ መተካእታ ስለ ዘይነበሮ እዩ። ዘካየዶ ቀጻሊ ውግኣት ፍትሓዊ ስለ ዝነበረ ከኣ ዝወሰዶ ግዜ ወሲዱ ክቡር ዋጋ ምስተኸፍሎ ተዓዊቱ። ምሳልያዊ ኣበሃህላ፡ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ከኣ ብግብሪ ኣመስኪራ። ኣብቲ ነዊሕን መሪርን መስርሕ ዝተኸፍለ ዋጋን ዝተራእየ ጽንዓትን፡ ከምቲ ገለ ወገናት “ኣብ ሽፍትነት ዘጋጠመ ሞት” ገይሮም ክገልጽዎ ዝፍትኑ ዘይኮነ፡ እቲ መስርሕ ሓርበኝነት እቲ ዋጋ ከኣ ክቡር መስዋእትነት ምንባሩ ኣብ ቅድሚ ዋናኡ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ብኽብሪ ሰሪጹ፡ ናይ ብዙሓት ተቓለስቲ መወከሲ ኮይኑ ተመዝጊቡ ዘሎ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ ናብ ውግእ ክኣቱ ዘገድዶ ኩነታት ክፍጠር እዩ ዝብል ትጽቢቱ ኣይነበረን። ብግብሪ እውን ኣየጋጠመን። እቲ ዘሕዝን ግና ክሳብ ሕጂ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ውግእ ካብ ምኽፋል ዓዲ ዘይምውዓሉ እዩ። ዋጋ ምኽፋሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ተመኩሮ ቃልሱ ኣሉታዊ ኮይኑ ተመዝጊቡ ምህላዉ እዩ። እቲ ውግእ ኣንጻር ኣብ ግዜ ቃልስና ምእንቲ ናጽነትና ዝከኣለን ዝገበራን ሰውራናን ህዝቡን ዘዕቆባን ጐረባብትና ሃገራት ዘድሃበ ምንባሩ ከኣ ዝያዳ የሕዝን። ኣብዚ ንውረድ ደይብ ተመኩሮ ዝምድና ኤርትራ ምስ ሱዳንን የመንን ድሕሪ ናጽነት ከም ኣብነት ዝውሰድ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ጉጅለ ህግደፍ እንተዘየሳውሮ ከጋጥም ናይ ግድን ዘይነበረ ውግኣት ኣንጻር ጐረባብቲ ዝኸፈሎ ዋጋ፡ ካብቲ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝኸፈሎ እንተዘይበዚሑ ዝውሕድ ኣይኮነን። እቲ ነዚ ዳሕረዋይ ዋጋ ዝያዳ ዝመረረ ዝገበሮ ድማ ብሰንኩ መጻኢ ዕድል ኤርትራን ህዝባን ጌና ኣሰካፊ መልክዕ ሒዙ ምህላዉ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ እቲ ናጽነት ዘግሃደ ነድሩ፡ ትብዓቱን ተወፋይነቱን ዝሒሉ ደሃይ ኣጥፊኡ “ስቕታ ስለ ዝመረጸ”፡ ገሪምዎም ብዙሓት ናይ ቅድም ትብዓቱን ጽንዓቱን ዝፈልጡ ወገናት፡ “እዚ ንሓይልታት መግዛእቲ ዘይተጻዕደ ህዝቢ እንታይ እዩ ዓዚምዎ?” ክብሉ ዝጸንሑን ዘለዉን ብዙሓት እዮም። ህዝቢ ኤርትራ፡ ህግደፍ ካብቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ብናቱ ዋጋ ዝተኻየደ ቀዳማይ ውግእ ኣንጻር ጐረባብትና ሃገራት ኣብ ክንዲ ዝመሃር፡ ሓሓሊፉ ዳግማይ ኣንጻር ጐረባብቲ ሃገራት ክወፍር እንከሎ፡ ስርዓት ህግደፍ ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝገብር ስለ ዝርድኡ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣጻብዖም ናብ ህዝቢ ኤርትራ እዮም ከመልክቱ ጸኒሖም። ገለ ወገናት ህዝቢ ኤርትራ ብቕሉዕ፡ “ኣይፋል ንሓሓሊፍካ ውግእ” ዘይምባሉ፡ ነቲ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ምትንኳሕ ከም ዝደገፎ ገይሮም ክርድእዎ እንከለዉ፡ ዘየግሃዶ ምኽንያት ደኣ ይህልዎ እምበር፡ ወዮ “ብዛዕባ ውግእን ክሳርኡን ኣዝዩ ዓሚቕ ተመኩሮ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራስ ውግእ ክድግፍ ዘይመስልዩ” ዝብሉ ወገናት እውን ኣለዉ። እቲ ምስጢር ስቕታኡ ከኣ ብሓባር ኣንጻር ህግደፍ ዓው ኢሉ ኩነኔኡ ዘይምስምዑ እዩ።
ህግደፍ ኣንጻር ጐረባብቲ ንዝኣጐዶ ውግኣት ዓው ኢሎም ዝድግፉ ዝነበሩ ኤርትራዊ ወገናት፡ በብግዜኡ ካብታ ጃልባ ክወርዱ ከም ዝጸንሑ ዝተዓዘብናዮ እዩ። እዚ ብፍላይ ድሕሪ 2001 ጐሊሑ ዝተራእየ ነይሩ። እንተኾነ ክሳብ ሎሚ ኣንጻር ሓቀኛ ረብሓ ህዝብና ተሰሊፎም፡ “ናብ ውግእ ንኺድ ጥራይ” ዝብልዎ ዘይሓላፍነታውያን ኣይተንጸንቀቑን። እዞም ወገናት፡ ሎሚ’ውን ካብቲ ብተኸታታሊ፡ ኣንጻር ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ዝተፈላለዩ ዙራት ኣንጻር ኢትዮጵያን ካብ ዝተኻየደን በብዓይነቱ ክሳራታት ዘኸተለን ውግኣት ተመኲሮም ኢደ-እግሮም ዘይምእካቦም ናይ ጥዕና ከምዘይኮነ ብሩህ እዩ። እዞም ወገናት ኣብ ኣእምሮኦም ሓይልን ዓመጽን ከም ናይ ብቕዓትን ብልጫን መመዘኒ ኮይኑ ዝሰረጾም እዮም። እዚ ስምዒት እዚ ኣብ ኤርትራዊ ደንበ ለውጢ እውን ሓሓሊፉ ይንጸባረቕ እዩ። ጠንቁን ሳዕቤኑን ከይመርመርካን ምስ ህልዊ ኩነታት ከየመዛዘንካን ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ዝያዳ ናብ ሓይሊ ዘዘንበለ ምርጫ ጥራይ እንተዘይተኸተልና፡ ንዝብሉ ዝያዳ ኣጉሊሕካ ንምቕራብ ዝረአ ኣድህቦ ናይዚ ስምዒት መግለጺ እዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ክንዲ ንናይ ኣተሓሳስባ ብስለት፡ ውድዕነትን ቀጻልነትን ምግንዛብ፡ ኣብ ሓይሊ ምምላኽ ምስ ህግደፍ ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ግጉይ ኤርትራዊ ባይታ ዘለዎ ምዃኑ’ውን ምግንዛብ የድሊ። ንምርጫ ህግደፍ ምርጫኻ ናይ ምግባሩ ዝንባለ ዘለዎ’ውን ይመስል።
ብሰንኪ መንገዲ ሰላምን ርጉእ ጉርብትናን ጓስዩ፡ ዘይሓላፍነታዊ ውግእን ዕንደራን ዝመረጸ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሞት፡ ምምዝባል፡ ስደትን ዕንወትን ከጋጥም ጸኒሑ እዩ ጌና’ውን ቀጻሊ ኣሎ። ነዞም በብግዜኡ ዘጋጠሙ ዕንወታት ከም ሳዕቤን ኣጉሊሕካ ምቕራቦም ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ጠንቂ መን ከም ዝሕተተሎም ኣዕሚቕካ ምግንዛብ ናይ ግድን እዩ። ህግደፍ ግና ናቱ ጠንቅነት ንምሕባእ፡ ነቲ ሳዕቤን ኣጉሊሑ ነቲ ተሓታትነት ካብኡ ንምርሓቕ እዩ ዝጽዕር። ብሰንኪቲ ኣብ 1998-2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደን ጌና ደበናኡ መሊኡ ዘይተቐንጠጠን መንቀሊኡ ካልእ ክነሱ፡ “ናይ ባድመ” እናተባህለ ዝጽዋዕ ውግእ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጐጉሉ ጠንቅን ሳዕቤኑን ካብኡ ንምርሓቕ ህግደፍ ዝገብሮ ጻዕርን፡ ዝጻሕተሮ ጽልእን ከም ሜላ መናውሒ ዕድመ ኣብ ስልጣን ዝተጠቕመሉ ንኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ብዘይካቲ ህግደፍ ሓሓሊፉ ዝኣጐዶ ውግኣት ዝጠፈአ ኤርትራዊ ህይወትን ዝዓነወ ንዋትን፡ ንሓፈሻዊ ዕቤት ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ ከኣ ንድሕሪት መሊስዎ ኢልካ ኣብ ዝግለጸሉ ደረጃ እዩ ዘሎ። እዚ መራሒ ህግደፍ እውን በብግዜኡ ተጠሊዑ ዝተኣመነሉ እዩ። ድሌት ህዝብና ግና ቅድም፡ ሎሚ ኮነ ኣብ ንመጻኢ፡ ድሕሪ ናጽነት ሰላም ሰፊኑ ዕቤት ክብርኸሉ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ኢና እምበኣር “ምርጫ ህዝብና፡ ወትሩ ሰላምን ዕቤት’ዩ” ኢልና እንጭርሕ።
ባህግና Bahgna 70: ሃገራውን ከባብያውን ሰሙናዊ ዜናታት ምስ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ 10.07.2022
Written by ባህግና Bahgna MediaMedia
More...
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብ11 ሰነ 2022 ዝመዘዛ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ብ9 ሓምለ 2022 ኣብ ዘካየደቶ ኣኼባ ንኡሳን ሽማግለታት ኣቚማ፡ ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ናብተን ዝቆማ ንኡሳን ኣካላት ከፋፊላ፡ ዝመርሑወን ከኣ መሪጻ። እተን ዘቖመተን ንኡሳን ሽማግለታት፡ ክፍሊ ምድላው ናብ ጉባአ ዝቐርብ ንድፊ ሰነዳት፡ ክፍሊ ገንዘብን ቀረብን፡ ክፍሊ ምድላው ናብ ጉባአ ዝሳተፍቲ ኣባላትን ክፍሊ ዜናን እየን።
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣብ ኣኼባኣ ናይ ዝሓለፈ ኣኼባ ቃለ-ጉባአ ተመያይጣ ኣብ ርእሲ ምጽዳቓ፡ ኣብ ርእሲ እቶም ብማእከላይ ባይቶ ዝተመዘዙ 13 ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንኡስ ሽማግለ ተመዲቦም ብዛዕባ ዝሰርሑ ተወሰኽቲ ኣባላት ሰልፊ እውን ተመያይጣ።
እዛ ሽማግለ፡ ኣቐዲማ ብ26 ሰነ 2022 ኣብ ዘካየደቶ በኹሪ ኣኼባ፡ ብጾት ኣድያም ተፈራ ኣደመንበር፡ ደስበለ ካሕሳይ ምክትልን ኪዳነ በርሀ ጸሓፍን ኮይኖም ክመርሑ ምምራጻ ዝዝከር እዩ።
ጉባአታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመሰረት ቅዋሙ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4ተ ዓመት ዝካየድ ኮይኑ፡ 4ይ ጉባአ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023 ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።
ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዶ/ር ዳንኤል በቀለ ብ8 ሓምለ 2022፡ ኣብ ዙርያ ዓመታዊ (2021-2022) ምንቅስቓስ ኮሚሽኖም መግለጺ ሂቦም። ኣብዚ መግለጺኦም ኣብ ትግራይ ዝነበረ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኮሚሽኖም ከም ዝተዓጽወ ጠቒሶም።
ቅድሚ ሕጂ ናብ ኢትዮጵያ ከይኣቱ ብመንግስቲ ተኸልኪሉ ዝነበረ፡ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ከጻሪ ዝቖመ ዓለም ለኻዊ ኮሚሽን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣቱን፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ክተሓባበሮ ቅሩብ ከምዘሎን ገሊጾም። ቅድሚ ሕጂ እውን ኮሚሽን ሰብኣዊ ኢትዮጵያ ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብሓባር ኣፈናዊ ምጽራይ ኣካይዶም ከም ዝነበሩ ኣብዚ መግለጺኦም ጠቒሶም።
እቶም ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ከም ዝገለጽዎ፡ እዚ ናይ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ኮሚሽን ኣብዚ እዋንዚ ብቐጥታ ናብ ምጽራይ ክኣትው ዘይኮነ፡ ኣቐዲሙ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ተራኺቡ መጻኢ ስራሑ ከመይ ከም ዘካይድ ኩነታት ከጣጥሕ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ምጽናት (genocide) ተኻይዱዶ ኣይተኻየደን ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ስለ ዘሎ፡ እቶም ኮሚሽነር፡ ኣብዚ ጉዳይዚ ንምድምዳም ተወሳኺ ምጽራይን መርመራን ከም ዘድሊ ጠቒሶም። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ምንባር ኣጸጋሚ ምዃኑ ግና ኣይሓብኡን። ኣብ ርእሲዚ፡ ብጉልባብ “ምኽባር ሕጊ”፡ ዜጋታት ንዝተናወሐ ግዜ ብዘይኣፍልጦ ቤት ፍርዲ ምእሳር፡ ዜጋታት ኣብ ዘይፍሉጥ ቦታ ሓቢእካ ምስቓይ፡ ከምኡ ከኣ ብቤት ፍርዲ ዝተወሰነ መሰል ብዋሕስ ካብ ማእሰርቲ ምውጻእ ዘይምኽባር ይረአ ከም ዘሎ ኣብቲ መግለጺኦም ኣስፊሮም። ሓሓሊፉ ይረአ ንዘሎ ሕጋውን ኣውንታውን መስርሕ ናይ ምኽታል ስጉምቲታት ከኣ ኣመስጊኖም።
እቲ ዝቐረበ መግለጺ ሰፊሕ ኮይኑ፡ “ብህይወት ናይ ምንባር መሰል፡ ኢሰብኣውነትን ዘዋርድን ኣተሓሕዛ እሱር፡ ብዘይ ሕጊ ምእሳርን ምጭዋይን፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት፡ መሰል እሱራት ምግሃስን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ሰባትን” ኣብ ዝብሉ ንኡሳን ክፍልታት ዝርዝር መብርሂ ሂቦም።
ኢትዮጵያ ናታ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ዘለዋ ክትከው እንከላ፡ ኣብዚ እዋንዚ ዓለም ለኻዊ ኣጻራይን መርማርን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ክትቅበል’ውን ተሰማሚዓ ኣላ።
ኣብ ኤርትራ ዘቤታዊ ንሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ኣካል ኣብ ርእሲ ዘይምህላዉ፡ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዙ ኮሚሽነር ኣትዮም ክዕዘቡ እውን ኣይፍቀደሎም እዩ።
ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣብ ፓርላማ ተሰሚዑ፡ ንኤርትራውያን ግዱሳት ትምህርቲ ተዋሂቡ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብዚ ሰሙን ዝተወሰኑ ኤርትራውያን ግዱሳት ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ሃይማኖታዊ ግህሰት ኣብ ቅድሚ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝግደስ ጉጅለ ፓርላማ ዓብይ ብሪታንያ ምስክርነቶም ከም ዝሃቡ ማእከል ዜና ኤርትራ (ERITREA HUB) ሓቢሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ብዘይካቲ ብረንዳን ኦ ሃራ ዝበሃሉ ኣባል ፓርላማ ዝምራሕ ዝግዱስ ጉጅለ፡ ካለኦት ብዛዕባ ዓለም ለኸ ናጽነት ሃይማኖትን ምክልኻል ጽንተትን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ዝግደሱ ኣባላት ፓርላማ ከም ዝተስተፉ እውን እቲ ዜና ሓቢሩ።
ካብቶም ኣብቲ መድረኽ መግለጺ ዝሃቡ ኤርትራውያን ግዱሳት፡ ሄለን ብርሃነ ዝተባህለት ኣባል ቤተክርስትያን ኢቫንጀሊካን ብምዃና ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኤርትራ ዝተሳቐየት ሓንቲ እያ። ንሳ ኣብቲ መግለጺኣ ብሰንኪ እምነታ 32 ኣዋርሕ ተኣሲራ ከም ዝተሳቐየት ገሊጻ። ብዘይካዚ ኣቶ ዓብደራሕማን ሰይድ ኣቡሃሽም፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተኸተልቲ ምስልምና ዝወርድ በደል መብርሂ ሂቡ። ዶ/ር ኣባ ኣንቶኒዮስ ሃብቱ ገብረ ዝተባህሉ ኤርትራዊ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ ድማ ብዛዕባ ኩነታት ኦርተዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብማሕበራዊ መራከቢ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም። መልእኽቶም ብዶ/ር ካታዛ ካብ ዓለም ለኻዊ ክርስትያናዊ ምሕዝነት ኤርትራዊት ኤልሳ ጭሩምን ከም ዝተደገፈ ከኣ እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ሓቢሩ።
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ናብቲ ኣጋጣሚ ወኪል ከም ዝለኣኸን ናብቲ ጉጅለ ኣባላት ፓርላማ ደብዳበ ከም ዝለኣኸን ተፈሊጡ። እቲ ኤምባሲ ኣብቲ መልእኽቱ፡ ከምቲ ልሙድ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሃይማኖታዊ ግህሰት ክሒድዎ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ነቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተሳተፉ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ዝግደሱን ዝነጥፉን ኤርትራውያን፡ ብኸመይ ከም ነትፉ ንምርዳእ ዝሕግዞም መግለጺ ብኣባላት ፓርላማ ዓብይ ብሪታንያ ከም ዝተዋህቦም ካብቲ ዜና ምርዳእ ተኻኢሉ። እቲ ኣጋጣሚ እቶም ኤርትራውያን ነቶም ትምህርቲ ዝሃቡ ኣባላት ፓርላማ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ዘረድእሉ ዕድል ከም ዝኸፈተሎም’ውን ተፈሊጡ።