ፕረሲደንት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣርጀንቲናዊ ኣንበሳደር ፈደሪኮ ቪለጋስ፡ ታንዛንያዊ ሞሓመድ ቻንደ ኦትማን ኣቦመንበር ናይቲ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ክከታተል ዝተመዘዘ ኮሚሽን ክኢላታት ንክመርሑ ከም ዝመዘዝዎም ቤት ጽሕፈቶም ብ21 ታሕሳስ 2022 ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣንበሳደር ቻንደ ኦትማን ናብዚ ሓላፍነት ዝተመዘዙ፡ ድሕሪ እተን ነዚ ኮሚሽን ኣደ ወንበር ኮይነን ክመርሐኦ ዝጸንሓ ኬንያዊት ኮሚሽነር ካሪ በቲ ሙሩንጂ ካብ ሓላፍነት ምልቃቐን እዩ።  ኣንበሳደር ቪላጋስ፡ ኣብቲ ሓድሽ ኮሚሽነር ዝመዘዝሉ ነተን ኣብ ሓላፍነት ዝጸንሓ ብድሌተን ዝለቐቓ ኮሚሽነር ኣመስጊኖም ሰናይ መጻኢ ተመንየሙለን።

እዞም ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ናይ ዝከታተል ኮሚሽን  ኣቦመንበር  ኮይኖም ተመዲቦም ዘለዉ ታንዛንያዊ፡ ቅድም፡ ናይ ሃገሮም ሓላፊ ፍትሒ ምንባሮምን ኣብ 2019-2020 ኣባል ናይቲ ኣሰራርሓ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዓለም ንክግምግም ዝተመደበ ናጻ ኣካል  ክኢላታት ኣባል ምንባሮም ከም ኣካል ተመኩሮኦም ተጠቒሱ።

ብዘይካዚ ዓቃብ ሕጊ ቤት ፍርዲ ገብነኛታት ዓለም ኣብ ጉዳይ ሩዋንዳ፡ ኣብ ካምቦዲያ ናይ ሕቡራት ሃገራት መደባት ልምዓት ናይ ሕጊ ኣማኻሪ፡ ኣብ ሊባኖስ ኣባል ላዕለዋይ ኮሚሽን ምጽራይ ሰብኣዊ መሰል፡  ኣብ ሱዳን ድማ ናጻ ክኢላ ሰብኣዊ መሰል ኮይኖም ከም ዝሰርሑ ኣብቲ ድሕረ-ባይተኦም ተጠቒሱ።

እዚ ሰለስተ ዝኣባላቱ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክከታተል ዝተመዘ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል፡ ብ17 ታሕሳስ 2021 እዩ ጀሚሩ። ቀንዲ ሓላፍነቱ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ካብ 4 ሕዳር 2020 ንደሓር ብሰንኪ ውግእ ትግራይ ብኹሎም ወገናት ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ምጽራይ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ 7 ጥቅምቲ 2022 ድማ ኣብዚ ሓላፍነቱ ንክቕጽል ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ተናዊሕሉ።

እዚ ካብ ቅድሙ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዘይረኸበን ናብ ትግራይ ኣትዩ ከጻሪ ዘይተፈቕደሉን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል፡ ካብ 27 ለካቲት ክሳብ 31 መጋቢት 2023 ኣብ ዝካየድ መበል 52 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል  ሕቡራት ሃገራት ጸብጻቡ ከቕርብ መደብ ተታሒዝሉ ከምዘሎ ኣብዚ መግለጺ ተሓቢሩ።

ወከልቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ሸምገልትን (ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ)

ላዕለዎት ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ብ21 ታሕሳስ 2022 ኣብ ናይሮቢ ከም ዝተራኸቡን እዚ ርክብ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ከም ዝቕጽልን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ናይዚ ርክብ ዕላማ ናይቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይሮብን ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም መስርሕ ትግባረ ምግምጋም ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኣብዚ ናይ ሰለስተ መዓልታት  ዕጽዊ ኣኼባ፡ ብዘይካ ተወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ኬንያ እሁሩ ከኒያታ፡ ክኢላታት ሕብረት ኣፍሪቃል፡  ወከልቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኢጋድን ይሳተፉ ኣለዉ። ኣብዚ ርክብ ጉዳይ ምውራድ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይን፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምዘዙ ተቖጻጸርቲ ጀነራላት ዝሰርሕሉ ኣገባብ ብዝምልከት ተሰማሚዕካ ቀጥዒ ምሕንጻጽን እቶም ቀንዲ ዛዕባታት እዮም።

ብመሰረት እቲ ውዕል ሰላም፡ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ረዲአትኳ ብዝተወሰነ እንተጀመረ፡ ምስ ስፍሓት እቲ ተጸባይ ሓገዝ ክርእአ እንከሎ እኹል ኣይኮነን። ንሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ተለፎንን ባንክታትን ዝምልከት እውን ውሱን ንጥፈታት ኣሎ። ኣብ ምውራድ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ ግና ከምቲ ዝድለ ኣይሰለጠን። ናይዚናይ ዘይምስላጥ ጠንቂ ድማ፡ ናይቲ ጐኒንጐኒ ምውራድ ዕጥቂ ክፍጸም ዝነበሮ፡ ናይ ኤርትራ ሰራዊትን ሓይልታት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ምውጻእ ስለ ዘይተተግበረ ምዃኑ ኣቐዲሙ ክጥቀስ ዝጸንሐ ዕንቅፋት እዩ።

እዚ 3ይ ዙር ናይ ናይሮቢ ኣኼባ፡ ኣብ ዕጽዊ ከም ዝካየድን ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝወሃብን ተፈሊጡ። ኣብዚ ዘተ ካብ ክልቲኡ ወገናት ይሳተፉ ናይ ዘለዉ ብኣስማት ኣይተጠቕሱን። ክልል ትግራይ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ካብ ዲያስፖራን ተቓወምቲ ውድባትን ዝተወከልሉ 11 ኣባላት ዝርከብዎ ተዛታይ ኣካል ሰይሙ ኣሎ።

ገለ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝዕዘብዎ ፖለቲከኛታት፡ ኣብቲ መስርሕ ትግባረ ስምምዕ፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኡ ወገናት ዝከኣሎም ይጽዕሩ ከም ዘለዉን ብወገን ፖለቲከኛታት ግና ከምቲ ዝድለ ስሉጥ ከምዘየለን ይገልጹ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ህግደፍ ኣብ ጉዳዩ ኢዱ ከእቱ ክፈቕደሉ እንከሎ፡ ካብ ግዚያዊ ረብሓን ስምዒትን ሓሊፉ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዘይተገንዘቦ ሳዕቤናት ከም ዝነበረ ርዱእ እዩ። ህግደፍ ብወገኑ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣደናጊሩ ኢዱ ክኣቱ እንከሎ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይትግበር መብጸዓታት እናኣተወ፡ ብዙሕ ዝሓብኦ ተንኮላት ከም ዝነበሮ ሎሚ ዝረአ ዘሎ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ህግደፍ እቲ ናብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ክእቱ እንከሎ ዝወጠኖ መደብን ዝፈሓሶ ተንኮላትን በቲ ዝደለዮ መንገዲ  ከምዘየዕወተ ካብ ህልዊ ኩነታት እንግንዘቦ እዩ።

መስርሕ ምትግባር ውዕል ሰላም ኢትዮጵያውያን ተጀሚሩ ኩነታት ምስ ሃድአ፡ ኣብ ውግእ ትግራይ ሓይልታቶም ኣኽቲቶም ክዋስኡ ካብ ዝጸንሐ ሓይልታት “መነኦም  ከሲቡ፡ መንከ ከሲሩ?” ዝብል ሕቶ ንብዙሓት ወገናት ዘዛርብ ዘሎ እዩ። ናይዚ ሕቶዚ መልሲ ከከም ፖለቲካዊ ዝንባለ ናይ መላሲኡ ዝተፈላለ ኮይኑ፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ዘይምልከቶ ተሸኺሉ ዝጸንሐ ብምዃኑ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ቀጻሊ ውግእ ናይ ምንባር ህርፋኑ ስለ ዝተኾልፈ ህግደፍ ቀዳማይ ከሳሪ ምዃኑ ብሩህ እዩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ናይ ህግደፍ ክሳራ ኣብ እንግደዓ ህዝቢ ኤርትራ እውን ዝጸዓን ምዃኑ እዩ። ብሰንክዚ ውግእ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣደዳ ሞት፡ ስክንልልናን ምምራኽን ምዃኖምን ሓደ መርእያ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይወሰኖ ክሳራ ምእታዉ እዩ።  ከም ሳዕቤን እቲ ውግእ ዘይከተትኩም ብዝብል፡ ስድራቤታት ኣባይቲ ተዓጽይዎም  ግዳም ሓደር ምዃኖምን ንብረቶም ይራሰ ምህላዉን ድማ ካልእ ገጽ ክሳራ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ህግደፍ ዘርኢ እዩ።

ናይ ህግደፍ ክሳራ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ከም ዝኸውን፡ ካብ መጀመርታኡ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ ነይሩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ካብዚ ቅኑዕ ቅድመ-ግምት ብምንቃል ብዓንተብኡ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ህይወት ደቁ ንምድሓን ተጽዕኖኡ ኣንጻር ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ከሕይል፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብዘይምልከቶ ውግእ  ዘይተደላይ ክሳራ ካብ ምኽፋል ንክድሕን ኣንጻር ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ እምቢ ክብል” ኣትሪሩ ጸዊዑ እዩ። ሕብረተሰብ ዓለም እውን ምእንቲ ከባብያውን ዞባውን ሰላምን ምርግጋእን ሰብኣውነትን ንህግደፍ ኣብ ዘይጉዳዩ ካብ ምእታው ዝዓግት ስጉምቲ ንክወስድ ተመሕጺኑ እዩ። ሎሚ ከኣ እነሆ እቲ ዝተሰግአ ኩለ-መዳያዊ ክሳራን ዕንወትን  ዝግመት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዝድህሰስ ኮይኑ ቀሪቡ።

ኢትዮጵያውያን ድሕሪ ክንደይ ንዓለም ዘገረመ ክሳራኳ እንተኾነ፡ ኣብ ክንዲ መንገዲ ውግእ መንገዲ ሰላም ምምራጾም ዝነኣድ እዩ። ካብዚ ብምንቃ እዩ ከኣ ብደረጃ ዓለም ከይተረፈ ናይ ሰላም ምርጫኦም ዝለዓለ ደገፍን ምትብባዕን ዝረክብ ዘሎ። እቲ ሒዘምዎ ዘለዉ ናይ ሰላም ኣቕጣጫ ብውሽጣዊ ዕግብታቶም ድዩ ብናይ ግዳም ተጽዕኖ ተደሪኹ መጺኡ ብዘይገድስ፡ ምስ ኩሉ ሕጽረታቱ፡ ብልቦናን ህዝባዊ ሓላፍነትን እንተ ተተግቢሩ ብውሕዱ ህልቂት ሰባትን ዕንወትን ንብረትን ዘድሕን ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቶም ውዕል ሰላም ዝኸተሙ፡ በዚ ተነቢሩ ዘሎ ተስፋ ዝህብ ምልክታት ተተባቢዖም ነቲ ናይ ኣተገባብራ ብደሆታት ክሰግርዎ ከኣ ናይ ብዙሓት ሰናይ ትጽቢት እዩ።

እቲ ካልእ ገጽ ዓወት ናይቲ ኢትዮጵያውያን በጺሐምዎ ዘለዉ ውዕል ሰላም፡ ናይ ህግደፍን ንሱ ዘዋፍሮም ኣካላትን ኣብ ውግእን ህውከትን ናይ ምንባር ህርፋን ዝኾልፍ ምዃኑ እዩ። እዚ ውዕል ሰላም ኢትዮጵያውያን ናብ ህግደፍ “እቲ ጉዳይ ጉዳይና እምበር ዘእትወካ ኣይኮነን” ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ’ውን እዩ። ህግደፍ ከምቲ ኣብ ውግእ ቀንዲ ተዋሳኢ ዝነበሮ፡ ብገለ ወገናት ኣቢሉ “ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ዘተ ሰላም ህግደፍ’ውን ክስገር ኣይግበኦን” ዝብል ዓመጸኛ ድምጺ ክፈጥር ፈቲኑ ነይሩ እዩ። እንተኾነ “ተለጣፊ’ምበር በዓል ጉዳይ ኣይኮንን” ስለ ዝተባህለ፡ ተቐባልነት ኣይረኽበን። ህግደፍ ድሕሪ ሕጂ ካብ ትርጉም ሓይልን ውግእን ወጺኡ ናብ ትርጉም ሰላም ዘምልስ ሕልና ከምዘየብሉ፡ ካብቲ ኢትዮጵያ’ው ንምሕማስ ዝፈጥሮ ዘሎ ህውከተኛ ዝምድናታት ተነጺሩ ኣሎ። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ነቲ ኢትዮጵያውያን ዝበጽሕዎ ስምምዕ ንድሕሪት ንምምላስ “ካብ ዓበቕካስ ተቛናደፍ” ከም ዝበሃል፡ ካብ ናይ ግዜ ውግእ ተግባራቱ ከምይዘይወጸን ንኤርትራ ረሚሱ ንኢትዮጵያ’ውን ንምድጋማ ዳምዳም ይብል ብምህላዉ ብብዙሓት ብሕማቕ ዓይኒ ይረአ  ኣሎ።

ኣብዚ እዋንዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንዝምድናኡ ምስ ህግደፍ ብዝምልከት ኣብ ቅድሚኡ ክልተ ምርጫታት ኣለወኦ። ምስ ህግደፍ ዝጸንሖ ዝምድና ከም ዘየዋጸኦ ተረዲኡ፡ መስርሕ ሰላሙ ንምትግባር   ብመንፈስ እቲ ስምምዕ ንህግደፍ ካብ ትግራይ ንምውጻእ ዝድርኽ ስጉምቲ ምውሳድ ሓደን ቀዳማይን ምርጫኡ እዩ፡ ወይ ድማ ንህግደፍ ክንገሮ ዝግበኦ ካብ ምንጋር ኣዕጠጥዩ ንመስርሕ ሰላም ንድሕሪት መሊሱ ኣብ ውግእ ብምእታው ኣደዳ ኩለ-መዳያዊ ክሳራታት ምዃን’ዩ። ይኹን እምብር፡ ኣብዚ መዳይዚ ብህዝቡ ይኹን ብሕብረተሰብ ዓለም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝንገሮ ዘሎ ንህግደፍ “ካብ ርእሰይ ውረደለይ” ክብሎ እዩ። ከምኡ እንተዘይገይሩ ግና ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮነ ሕብረተ ሰብ ዓለም፡ ህግደፍ ከናግፎ ዘይክእል መቕጻዕትን ክሳራን ከም ዝወርዶ ርዱእ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብምኽንያት ርክብ ኣፍሪቃ-ኣሜሪካ ኣብ ዝገሽሉ ብዝተፈላለዩ ላዕለዎት መራሕቲ ኣሜሪካን ዓለም ለኻዊ ናይ ገንዘብ ትካላትን ዝተነግሮም ኩሉ ዝተኸታተሎ እዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ እሞ ከኣ፡ ህርፋን ህግደፍ ንምርዋይ ምስ ትግራይ ዝተበጽሐ ሰላም ንድሕሪት ክምለስ ዘይኮነ፡ እቲ ሰላም ኣብቲ ካልእ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ከባብታት ኢትዮጵያን ክድገም እዩ ዝጽውዕ ዘሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ሰላም ረብሓኡ ብዓብይኡ ንኢትዮጵያውያን እዩ። ንኤርትራውያን እውን ከም ጐረቤት ኣውንታውን ናይቶም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ዝሃልቁ ዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያት ህይወት ዘድሕን ስለዝኾነን ኣገዳስነቱ  ኣብ ቦታኡ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ናይ ህግደፍ ኣብ ህውከትን ውግእን ናይ ምሕባእ ዕድል ዘጽብብ ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራውያን ምሉእ ኣቓልቦና ናብ ውሽጣዊ ጉዳይና ክንገብር’ውን ሓጋዚ እዩ። ንዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ክብድህ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ዘይዲሞክራስያውን ዘይሰብኣውን ኣካይዳ ህግደፍ ንዓኣቶም እውን ዶብ ሰጊሩ የረኻኽበሎም ከምዘሎ ኢትዮጵያውያን ተረዲእምዎ እዮም። ካብዚ ተረድኦዚ ነቒሎም ብዙሓት ውድባትን ፖለቲከኛታትን፡ ሰልፊ ብልጽግና ምስ ህግደፍ ዝጸንሖ ዘይቅዱስ ቃልኪዳን ከፍርስ ይጽውዕዎ ኣለዉ። እንተኾነ ብሰንክቲ ተንኮላት ህግደፍ ከይተረደአ ንግዝያዊ ረብሓ ክብል ዘሊሉ ዝኣተዎ ዘይብሱል ስምምዕ፡ ከምቲ “ኣእትወኒ’ምበር፡ ውጸለይ’ሲ የዳዲ” ዝበሃል፡ ብልጽግና ጋና ብሰንኪ ህግደፍ ዋጋ ዝኸፍል እዩ ዝመስል።

ዩኒሰፍ ዝተባህለ ኣብ ጉዳይ ህጽናት ዝግደስ ኣካል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ዘለዎ መደባት ንምዕዋት ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ሓገዝ ሓቲቱ። ዩኒሰፍ ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዘውጸኦ መግለጺኡ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ግጭት ንዝተሃስዩ ህጽናት ንዘጋጥሞም ናይ ዝስተ ማይ፡ ጽሬት፡ መግቢ፡ ትምህርትን ጥዕናን ጸገማት ንምክልኻል ኣተኲሩ ከም ዝሰርሕ ሓቢሩ።

ዩኒሰፍ ኣብቲ ናይ ሓገዝ መጸዋዕታ መግለጺኡ፡ ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ዝምልከት፡ ኤርትራ፡ ንቁጠባዊ ጸገም፡ ምቅይያር ኣየርን ደርቅን፡ ሕጽረት ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ ናይ  ድሕንነት ስግኣት፡ ከምኡ እውን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ ዝተፈጥረ ውግእ፡ ዘሕደሮ ጸገማትን እገዳን እትግለጽ ሃገር ኮይና ከምዘላ ጠቒሱ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ከባብያዊ ዘይምዕሩይነት እውን ነብሱ ዝኸኣለ ጸገም ኮይኑ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ብምኽንያት እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቐሰ ጸገማት፡ ኣብዚ እዋንዚ 745,600 ህጽናት ዝርከብዎም 1.1 ሚልዮን ኤርትራውያን ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝጽበዩ ዩኒሰፍ ጠቒሱ። ኣብ ርእሲዚ እዚ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል፡ ኣብ ኤርትራ ስሩዕ መደባት ልምዓት ሓንጺጹ፡ ሰብኣዊ ሓደጋታት ኣብ ምምሕዳርን ምግጣምን መማረጺ ኮይኑ ክሰርሕ ድልዊ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ኣብ መወዳእታ መጸዋዕታኡ ዩኒሰፍ፡ ኣብ 2023 ኣብ ኤርትራ፡ ህጹጽ ህይወት ናይ ምድሓን ኣገልግሎት ንምቕራብ፡ ኣስጋኢ ሓደጋታት ንምክልኻል፡ እኹልን ብቑዕን ዝስተማይ ንምቕራብን ኣብ ጽሬት ትምህርቲ ንምሕጋዝን 14.7 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድልዮ ኣፍሊጡ።

ስደተኛታት ክግፈፉ እንከው ዘርኢ ስእሊ (ማሐራዊ መራኸቢ)

ኣባላት ጸጥታ ሃገረ ሱዳን ኣብ ካርቱምን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገርን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብጻዕቂ ይገፉ ምህላዎም ቢቢሲ ንግዳያት ብምጥቃ ሓቢራ። እቶም ኣባላት  ፖሊስ ሱዳን ሕጋዊ መንበሪ ሰነድ ዘለዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ከይተረፉ ብምግፋፍ ንሓደ ስደተኛ ካብ 500 ክሳብ 600 ዶላር ክኸፍል ከምዘገደድዎም እቶም ግዳያት ሓቢሮም። ኣብ ርእሲዚ ንዋሕስ ብዝብል ጉልባብ ዝያዳ 100 ዶላር ከም ዘኽፍልዎም እውን ተፈሊጡ።

እዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብዛዕብቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ዘሎ በደል ኣብታ ሃገር ንዝርከብ ኤምባሲ ህግደፍን ዝምልከቶም ትካላት ውድብ ሑራት ሃገራትንኳ እንተኣመልከቱ መፍትሒ ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ተቒሶም፡ እቲ ስጉምቲ ኣባላት ፖሊስ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ ሱዳን ዝወስድዎ ስጉምቲ ከይከውን ዝብል ጠርጠራ ከም ዘለዎም እውን ገሊጾም።

እዞም ኣብ ዝተፈላለዩ መደበር ስደተኛታት፡ ከተማታት፡ ካርቱም፡ ከሰላን ፖርቱ ሱዳንን ዝርከቡ ስደተኛታት ብሰንኪ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000፡ ዘይፍትሓዊ ምሕደራ ህግደፍን በብግዜኡ ህግደፍ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ብዝፈጥሮ ጐንጺ ኣብ ዶባት ብጠያይት እንዳ ተወቕዑ፡ ክስደዱ ዝተገደዱ ምዃኖም እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ጸብጻብ ኣስፊሩ።

ብዕለት 18-12-2022 ዓ.  ም. ፈ ካብ ሰዓት 19.00 ክሳብ ሰዓት 21.00 ብኣዝዩ ህዱእን ልዙብን መንፈስ ብተሳታፍነት ዳርጋ ኩሉ ኣባል ብኤሎትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን ዙም ኣኼባኦም ኣካይዶም ። ኣቦ ወንበር ጨንፈር ቁ. 2 ንዝኽሪ ክብርቲ ነብሰሄር ብጸይቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ናይ ሓደ ደቂቅ ሕልናዊ ጸሎት ብምግባር ኣኼባ ከፈቶ። ሲዒቡ ዝተሰርዔ ኣጀንዳ ብቀደም ተከተል ህልዊ ሓለዋትን ንጥፈታትን መደባትን ሰዲህኤ ብዝርዝር ቀሪቡ ። ኩሉ ከም ዝከታተሎ ዘሎ ብሰንኪ ዲክታቶር መላኺ ስርዓት ህግደፍ ጠንቃም ግናይ ምምሕዳሩን ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ከቢድ ሓገኛ ህልዊ ኩነታት ኮኒኑ ብዲሞክራስያዊ ፍትሓዊ ምሕደራ ንምትኻእ ዝግበር ቃልሲ ከኣ ኣብ ቅድመ ግንባር  ተሰሊፉ ከኣ ዕጥቁ ከም ዝደርብ ኣስሚሩሉ። እቲ ክሳብ ሕጂ ብመሪሕነት ሰልፊ ዝዉሃብ ዘሎ ጥምጥም ቃልስን ንቁሕ ብሩህ መግለጽን ኣስሚሩ ድርብ ደገፉ ገሊጹ ። እቲ ቀንዲ መለለዪ  ሰዲህኤ ዝኾነ ድሮ እውን ኣብ መስርሕ ዝረከብ ዘሎ ምድላው 4ይ ጉባኤን ፈስቲቫል ፍራንክፎርትን ንምዕዋትን ምስታፍን ብኩሉ መዳይ ቅሩብነቱ ኣረጋጊጹ ። ኣብ መደምደምታ ብሓቂ መሳጢ ዝኾነ ኣስተብህሎ ኣብ ሕሉፍ ተመክሮ ጉባኤን ፈስቲቫልን ኣትኩሮ ዘድልዮም ለውባታት ብብጻይ ተኽለ መለኪንን ነጋሲ ሓምድን ብምቅራብ ብዝያዳ ነቲ ኣኼባ ምህብታሙን ርዝነት ኣብ ምሃቡ  ፍሉይ ብልጫ ነበሮ።

ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና !!!

ዉድቀት ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ ።

Saturday, 17 December 2022 21:52

Dimtsi Harnnet Sweden 17.12.2022

Written by

ኮሚተ ዓለም ለኻዊ ቅልውላው (IRC) ዝተባህለ ትካል ብ15 ታሕሳስ 2022 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ዓመተ- 2023 ሰብኣዊ ቅልውላው ከጋጥመን’ዩ ኢሉ ካብ ዘስፈረን 20 ሃገራት፡  ኢትዮጵያ  ንሶማሊያ ተኸቲላ ኣብ 2ይ ደረጃ ከም ዝተሰርዐትን ኣፍጋኒዝታን ከኣ 3ይቲ ኮይና ከም ዘላን ሓቢሩ።

እዚ በብዓመቱ ናይ ሰብኣዊ ቅልውላው ከጋጥመን  ዝኽእል ሃገራት ዝርዝር ዘውጽእ ኮሚተ፡ ኣብ 2023 ዝያዳ ዘስገኣ ዝበለን ቀዳሞት ዓሰርተ ሃገራት፡ ሶማሊያ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ዲሞክራቲክ ረፐብሊክ ኮንጎ፡ የመን፡ ሶርያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ብርኪናፋሶ፡ ሀይቲን ዩክረይንን  እየን።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ብርቱዕ ድርቅን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝፍጠር ቁጠባዊ ውድቀትን ናይቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ጠንቂ ምዃኖም ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ሓደ ቢልዮን ህዝቢ እቲ ሓደ ሲሶ፡ ንሰብኣዊ ቅልውላው ዝተቓለዐ፡ ዝያዳ ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ከይከውን ዝሕግዙ፡ ዲፕሎማስያዊ ስምምዓት፡ ናይ ውግእ ሕግታትን መስርሕ ቀረብ ሰብኣዊ ረዲአት ምድኻምን ካብቶም ጠንቅታት ናይቲ ቅልውላው ኮይኖም ተጠቒሶም።

ሓላፊ ኮሚተ ዓለም ለኻዊ ቅልውላው፡ ደቪድ ሚሊባንድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ቅልውላው ንምክልኻል ጻዕሪ ከም ዝተኻየደ ተቒሶም፡ እንተኾነ ብሰንኪ፡ ሕጽረት ዲፕሎማስያዊ መፍትሕን ዋሕዲ ናይ ረዲአት ኣቕርቦትን ከምዘይተዓወተ ሓቢሮም። እቶም ሓላፊ፡ ሃገራዊ፡ ዞባውን ዓለም ለኻውን ሰብኣዊ ሓለዋታት ብሰንኪ ውግእ፡ ምቅይያር ኩነታት ኣየርን ምጣነ-ሃብታዊ ምንቁልቋልን ነቲ ሓደጋ ምክልኻል ከምዘይተኻእለ ብተወሳኺ ጠቒሶም።

እዘን ኣብ ሓደጋ ሰብኣዊ ቅልውላው ወዲቐን ዘለዋ ሃገራት፡ መብዛሕትአን ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ወተሃደራዊ ጐንጽታት ዘጋጠመን ክኾና እንከለዋ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ደርቅን ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ምንቅስቓስ ባሕሪ ዝወሰነቶ ዕጽዋን ተጽዕኖ ከም ኣፈጠሩ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። እቲ ጸብጻብ ካብዚ ሓደጋ ንምውጻእ ኣብ መዳያት ቁጠባ፡ ድሕንነትን ናይ ኣየር ለውጥን ሓያል ምርብራብ ምግባር ከም ዘድሊ ኣስፊሩ። ምስዚ ብዝተተሓሕዘ ኣብ 2030 ረዲአት ናይ ዝጽበ ህዝቢ ብዝሒ 340 ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ብምጥቃስ፡ ኣብዘን ሰብኣዊ ቅልውላው ከጋጥመንዩ ዝበሃላ ዘለዋ ሃገራት ካብ ህዝቢ ዓለም እቲ 13% ኣብኣተን ከም ዝነብር እውን፡ ኮሜት ዓለም ለኻዊ ቅልውላው ኣፍሊጡ።

Thursday, 15 December 2022 23:06

Dimtsi Harnnet Kassel 15.12.2022

Written by