ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ህይወትን መነባብሮን ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ህግደፍ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ክሳብ ክንደይ ዝተዘባረቐን ዝተመሳቐለን ኮይኑ ከም ዝጸንሐን ከም ዘሎን ብሩህ እዩ። ከም መግለጺ ናይ ዝተዘባረቐ ህይወቱ ከኣ፡ ገሊኡ ኣብ ዓዲ ገሊኡ ኣብ በረኻ፡ ገሊኡ ኣብ ሃገር፡ ገሊኡ ኣብ ወጻኢን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርትን ኮይኑ፡ ብጥሜት፡ ሕማምን ካልእ ጸገማት እናተሳቐየ፡ ራህዋን ቅሳነትን ዝጽበ ዘሎ ህዝቢ እዩ። “ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣበይን ኣብ ከመይን ይነብር ኣሎ?” ናይ ዝብል ሕቶ ሓፈሻዊ መልሲ ከኣ እዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቑሱ ተርእዮታት ኣመልከቲ እዮም።
ቅድሚ ሕጂ ኣቦታት መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ንህግደፍ ዘሰንበደ ተባዕ ሕቶ ቀሪቡ ነይሩ። በዚ ሕቶዚ ዘስተንተነኳ ብዙሕ እንተነበረ፡ ንዓኡ ዝምጥን መልሲ ከምዘይረኸበ ግና ፍሉጥ እዩ። እቲ ሕቶ ክሳብ ዘይተመለሰን ንክትሓትት ዝድርኹ ምዕባለታት ክሳብ ዝቐጸሉን ተመሳሳልቲ ሕቶታት ክቐርቡ ናይ ግድን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብውሽጡ ድምጾም ዘይስምዑ ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ኣለዉዎ። ሓደ ካብኡ “ሎሚኸ ደቅና ኣበይ ኣለዉ?” ዝብል ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ብሓፈሻ ብሰንኪ ህግደፍ ዘጋጠሙ ምብትታናት ደቁ ነዚ ሕቶ ከቕርብ ደረኽቲ ኮይኖም፡ ናይ ደቁ ኣብ ውግእ ትግራይ ምጥባስ ድማ እዋናዊ ዝያዳ ደራኺ ምኽንያት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ምልዓሉ ቅኑዕ ኮይኑ፡ እቲ ሕቶ ኣብ ኣደባባይ ተቓሊሑ ክሳብ ዝምለስ ሓቢሩ እንተዘይተቓሊስሉ ግና ብውሽጡ ካብ ምድማይ ሓሊፉ፡ ምልኣት የብሉን።
ህዝቢ ኤርትራ ንሱ ሓታታይ ኮይኑ፡ ሓላፍነት ተሰሚዕዎ ዝምልሰሉ መንግስቲ የብሉን። ምኽንያቱ ህግደፍ ሕቶ ህዝቢ ዝምልስ ዘይኮነስ፡ ተመሊሱ ብዛዕባቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ጸገማትን ዕንወትን ሓታታይ ብምዃን ዘደናግር ምዃኑ ደጋጊሙ ኣረጋጊጹ ስለ ዝኾነ። ብሰንኪ ንሱ ዝተኸተሎ ግጉይን ጸዋግን ፖሊሲ፡ መናድቕ ውቅብቲ ከተማ ኣስመራ ሰኣን ጽገና እንዳፈረሰ፡ “እታ ናይ ቀደም ኣስመራ ኣበይ ኣላ?” ኢሉ ንህዝቢ ክሓትትን ከጓጥጥን ዘይሓፍር ደረቐኛ እዩ። እቲ ሓቂ ከምዚ ኣብ ዝኾነሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ እዩ፡ መልሲ ናይ ሕቶኡ ናይ ምርካብ ሓላፍነት ዝወስድ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ “ሎሚኸ ደቀይ ኣበይ ኣለዉ?”፡ ኢሉ ዝሓትትን ደሃይ ደቁ ንምርካብ ዝሻቐልን።
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናይ ደቁ ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ኣትዮም ኣደዳ ሞት፡ ምምራኽን ኣካል ምጉዳልን ሓደጋ ምውዳቕ ዘጉሂ ዝዓበየ ጉዳይ የብሉን። ምኽንያቱ እዚ ሓደጋዚ ኣብ መጻኢ ህልውናን ቀጻልነትን ኤርትራን ህዝባን ሰላማዊ ጉርብትናን ቀዳማይ ሓደጋ ስለ ዝኾነ። ኣብዚ እዋንዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተሪር ሕቶ ብምቕራቡ ንዝሓለፈ ብርሰትን ጉድኣትን ዝመልሶ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ መጻኢ ብዝኾነ ኣካል ከይድገም ኣብ ምዕጋት ግና ግደ ኣለዎ። እንተ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንመጻኢ እውን ጋና ናብ ዝገደደ ዕንወትን ህልቂትን ይመጣጠር ከም ዘሎ ኩሉ ዝዕዘቦ ዘሎ እዩ፡ ኣብቲ “ወዮ ናታስ ንሓማታ” ከም ዝበሃል ናቱ ናይ ጫካ ኣተሓሳስባ ኣቐሚጡ፡ ንካለኦት “ጐይቶት (lords) ግዝኣተ-ጫካ፡” ዝበለሉ፡ ናይ ሓድሽ ዓመት መደርኡ፡ መጻኢ ዕድል ኤርትራ ኣብ ዝምልከት፡ “ልዕሊ ኩሉ ኸኣ፡ ልምዓታዊ ብድሆታትና’ውን ኪዓቢ ስለዝዀነ፡ ከይተዛነና ንዝሓየለ መኸተ ኣብ እነካይዶ ምድላዋት።” ኣለና በለ። እቲ ኤርትራዊ ሓቂ ግና፡ ቁጽሪ ሓደ ልምዓታዊ ዕንቅፋት ህግደፍ ባዕሉ ምዃኑ እዩ ዘርኢ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንኹሉቲ፡ ካብ ብዘይሕገመንግስቲ ምግዛእ ጀሚርካ ክሳብ ብዘይፍርዲ ንጹሃት ኤርትራውያን ምቕታል ዝምጠጥ ጨካን ተግባሩ ኣቐሚጡ፡ ንካለኦት ብናይ ጫካ ኣተሓሳስባ ምምሕዳር ክኸስስ እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ፈውሲ ሕንኪ ዝበለዐን ጉልባቡ ዝቐለዐን ጨካን መላኽዒ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።
ህግደፍ ንኢድ ኣእታውነቱ ብሓፈሻ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ውግእ ትግራይ “ገመል ሰሪቕካስ ጉንብሐጉንብሕ” ከም ዝበሃል፡ ንነዊሕ ግዜ ብምዕጽጻይ ክሓባብኦ ፈቲኑ እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ግና ኣብ ሩሲያ ዝርከብ ጴጥሮስ ጸጋይ ዝተባህለ ኣንበሳድሩ፡ ምስቲ ኣዝዩ ተዋቓዕን ጽልኢ ዝዕድምን መግለጺኡ፡ ብዛዕባ ኣወጻጽእኦም ካብ ትግራይ ክዛረብ ተሰሚዑ። ካብቲ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ኣካላትን ሃገራትን ሓላፍነት ተሰሚዕዎም ንህልውና ህግደፍ ኣብ ትግራይ ዓገብ ዝብልዎ ዘለዉ ንምህዳም፡ “ኢትዮጵያ ጥራይ እያ ውጹ ክትብለና እትኽእል” ብዝብል ከመሳምስ ተሰሚዑ። ካብዚ ኣበሃህላኡ ካልእ ገዲፍካ ብውሕዱ፡ ህግደፍ ናብ ትግራይ ሰራዊት ምእታዉ፡ ጌና ኣብ ትግራይ ምህዉን ካብ ትግራይ ክወጽእ ከም ዝግደድን ኣረጋጊጹ። እዚ እቲ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ጨኪኑ ውጹ ኣይብለናን እዩ” ካብ ዝብል እምነት ዝነቅል ይመስል። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ትግራይ ኣብ ዝኸተሞ ስምምዓትን ካልእ መግለጽታቱን ኣብ ክንዲ ብንጹር ኣግሂዱ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእዩ” ዝብል “ናይ ወጻኢ ሓይልታት” ብዝብል እዩ ክኸዋውሎ ዝፍትን። እዚ ድማ ኣብ ትዕዝብቲ ኣውዲቕዎ እዩ። ምርጫኡ ንህግደፍ ኣጸባቢቕካ ምቕራብን ገበናቱ ምኽዋልን ኮይኑ እንተቐጺሉ፡ ከምቲ ድሮ ምልክታቱ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝረአ ዘሎ፡ መጻኢ ኢትዩጵያ ዝኸፈአ ከም ዝኸውን ኣይርደኦንዩ ማለት ግና ኣይመስለናን።
ህላወ ህግደፍ ኣብ ትግራይ፡ ሃሰያኡ ኣብ ልዕሊ ህይወት፡ ክብረትን ንብረቱን ህዝቢ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ፡ ዝተፈላለዩ ዘይሻራዊ ወገናት ዝምስክርዎ ዘለዉ እዩ። እቲ ቁማር ብህይወት ደቁን ንብረቱን ይካየድ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ በደልን ሓዲሩ ዘሎ ሻቕሎትን እውን ካብኡ ኣትሒትካ ዝረአ ኣይኮነን። ካብዚ ነቒሉ እዩ ድማ ህዝቢ ኤርትራ “ሎሚኸ ደቀይ ኣበይ ኣለዉ” ፡ ክብል ዝግደድ። ህዝቢ ኤርትራ ምሕታት ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ጉጅለ ብዝምህዞ ናይ “ኣብ ትግራይ ተዓዊትና ኢና” መጠበሪ ከይተዓሸወ፡ ኣብ ምውጋድ ኣርዑት መግዛእቲ ዘድምዕ ተጽዕኖ ፈጢሩ፡ ንሕቶኡ መልሲ ክሳብ ዝረኽበሉ ንቕድሚት ክደፍእ ናይ ግድን እዩ። ሎሚ’ውን ናይ ሱቕ ምርጫ እንተወሲዱ ግና፡ ካብቲ ህግደፍ ዝበደሎም ብዘይፍለ፡ ብህይወት ደቁ ከም ዘይተገደሰ ከም ዝውሰድ ክዝንግዕ ኣይግበኦን።
ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ (ኣዲስ ኣበባ)፡ ሕጋዊ ፓስፖርት ክወሃቦም ንዝሓቱ ኤርትራውያን፡ ነቲ ሕጋዊ መስርሕ ምስምሳት ፈጢሮም ብምንጻግ፡ ናብ ውልቃዊ ጅባኦም ዝኣቱ ገንዘብ እናኽፈሉ ክንህበኩም ከም ዝብልዎምን እቲ ዝህብዎም ፓስፖርት ከኣ ዘይሕጋዊ (forged) ምዃኑን ምንጭታት ሰዲህኤ ኣቃሊዖም።
ኣብዚ እዋንዚ ብዘይካቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም ንሕክምናን ንዝተፈላለዩ ጉዳያትን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንክገሹ ካብቲ ኤምባሲ ፓስፖርት ዝሓቱ ኤርትራውያን ኣዝዮም ብዙሓት ምዃኖም ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፡ እቲ ኤምባሲ መዝጊቡን ገንዘብ ኣኽፊሉን “ኣብ ዘለኹምዎ ኮይንኩም ብስልኪ ሕተቱ” ካብ ምባል ሓሊፉ ዝህቦ ተግባራዊ ምላሽ የለን። ኣማሪሮምን ተጨኒቖም ንዝሓቱ ከኣ እቶም ሰራሕተኛታት ናይቲ ኤምባሲ፡ ኣብ ርእሲቲ ናብቲ ኤምባሲ ዝኣቱ ዓቐን ገንዘብ፡ ክሳብ 400 ዶላር ብላዕ (ጉቦ) ከም ዝሓትዎም ተፈሊጡ። እቲ ዘሕዝን ድማ እቲ ዝያዳ 400 ዶላር ብላዕ ምስ ወሰዱ ዝህብዎ ፓስፖርት ዘይሕጋዊ (forged) ምዃኑ እዩ።
ካብቲ ሕጋዊ ፓስፖርት ንምሃብ ዘቕርብዎ ምኽንያት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሓተትካዮ ፓስፖርት ንምርካብ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ዘሎ ወኪልካ ኣድራሻ ይሓቱ እሞ ዝመላእካዮ ቀጥዒ ንውሳነ ናብ ኤርትራ ተላኢኹ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ወኪልካ እዩ ኣብ ኣስመራ ዝከታተለልካ ዝብል መልሲ ይህብዎ። እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ቤተሰብ ናይቲ ሓታቲ ፓስፖርት፡ ኣስመራ ናብ ዘሎ ኤሚግረሽን ከይዱ ብዛዕባ ፓስፖርት ናይቲ ዘመዱ ክሓትት እንከሎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመልኦ ቀጥዒ (ፎረም) ኣይበጸሐናን ብዝብል ክሳብ ረብሪቡ ዝገድፎ የመላልስዎ።
ንገለ ድማ ንሕክምናን ካልእ ጉዳያት ንወጻኢ ክኸዱ ፓስፖርት እናሓተቱ፡ ናብ ኤርትራ ዘምልስ ወረቐት (ሊሰፓሰ) ክንህበኩም ብዝብል ክጥብርዎም ከም ዝፍትኑ፡ ካብቶም ብሰንክዚ ብልሽዊ ኣሰራርሓ ናይቲ ኤምባሲ ዝተኸላበቱ ኤርትራውያን ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ኤምባሲ ኤርትራ ከምተን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘለዋ ኤምባሲታት ናይታ ሃገር፡ ቀንዲ ስርሑ፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግድን ናይ ጸሊም ዕዳጋ ሸርፊ ገንዘብ ምውፋር ምዃኑ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት በብግዜኡ ዘቃልዕዎ እዩ።
ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘህነጸቶ፡ ናይ ኣፍሪቃ ማእከል መቆጻጸሪ ሕማማት ተመሪቑ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤስእሊ: ኣዲስ ስታንዳርድ
ኣብ ዑደት ዘለዉ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቻይና፡ ኲን ጋንግን ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂን ብ11 ጥሪ 2023 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብቻይና ዝተሃንጸ ማእከል ምቆጻጸሪ ሕማማት ኣፍሪቃ መሪቖም ከፊቶም። ቻይና ነቲ ማእከል ዝሃነጸቶ ኣብቲ ብ2018 ዝተኻየደ 7ይ ርክብ ሚኒስተራት ኣፍሪቃን ቻይናን ንክትሕግዝ ብዝኣተወቶ ቃል እዩ። እቲ ናይ ቻይና ልግሲ ኣብቲ እዋን ብመራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ተናኢዱ እዩ።
እዚ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ኣዲስ ኣበባ ብ80 ሚሊዮን ዶላር 90 ሺሕ ትርብዒት ሜትሮ ኣብ ዝስፍሓቱ መሬት ዝተሃንጸ ዘመናዊ ማእከል መቆጻጸሪ ሕማማት፡ ክፍሊ ሓበሬታ፡ ማእክል ህጹጽ መጥባሕቲ፡ መመርመሪ፡ መዕቀቢ ንብረት፡ ኣብያተ-ጽሕፈት፡ መግለጺ ዝወሃበሉ ክፍልታትን መሰልጠኒ ቦታን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ኣድላዪ ዘመናዊ መሳርሒ ዝተገጠመሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።
እዚ ሃንጻ፡ ሓደ ካብቲ ግቡእ መሳርሒ ዘለዎ ዘመናዊ፡ ማእከላት ተኸታታሊ መቆጻጸርን መከላኸልን ሕማማት ኣፍሪቃ ኮይኑ፡ ምስ ትካላት ህዝባዊ ሕክምና ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ከም ዝሰርሕ ተፈሊጡ’ሎ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን መንግስቲ ቻይናን ክብጻሕ ዝጸንሐ ስምምዓት፡ ኣብ መንጎ ሕብረት ኣፍሪቃን ሚኒስተር ንግዲ ቻይናን ንኣተገባብራ ፕሮጀክት ናይዚ ዝተመረቐ ህንጻ ዝምልከት፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2020 ስምምዓት ተኸቲሙ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ።
ኣብዚ እዋንዚ እቶም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተመዘዙ ሓድሽ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ቻይና፡ ኣብ ምብጻሕ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ እዮም ዝርከቡ። እተን ዝበጽሕወን ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ በኒን፡ ጋቦን፡ ኣንጎላን ግብጽን ኮይነን፡ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝገበርዎ ርክብ ድማ ነብሱ ዝኸኣለ እዩ። ኣብ ግብጺ ምስ ቤት ጽሕፈት ዓረብ ሊግ ከም ዝራኸቡ ድማ ተፈሊጡ።
ምስሊ ካብብ ማሕበራዊ መራኸቢ
ጓል 21 ዓመት ኤርትራዊት ኣትለት ራሄል ዳኒኤል፡ ኣብ ሃገረ ስፐይን ኣብ ዝተኻየዱ ክልተ ናይ ኣትለቲክስ ውድድራት ቀዳመይቲ ብምዃን ክልተ ወርቂ መዳልያታት ተዓዊታ። እቲ ራሄል ዝተዓወተትሉ ውድድራት፡ ብ6 ጥሪ 2023 ዝተኻየደ መበል 66 ሻምፒዮን ሃገር ኣቋራጺ ሻምፒዮንንን ብ8 ጥሪ 2023 ዝተሳለጠ መበል 79 ዓለምለኸ ናይ ኣትለቲክስ ሻምፒዮን ምዃኑ፡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብቲ ብዓወት እታ ኣትለቲካዊት ሓጐሱ ንምግላጽ ዘውጸኦ መልእኽቲ ሓቢሩ። እቲ ሓበሬታ ከም ዘስፈሮ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓወት ኣብ ምምዝጋብ ራሄል ዳኒኤል ናይ መጀመርታ ኤርትራዊ እያ።
ኣብዚ ራሄል ዝተዓወተትሉ ናይ ቀረባ ቀንዲ መወዳድታ ዝነበራ ቅድሚ ሕጂ ናይዚ ውድድር ዕዉታት ዝነበራ ኬንያውያን ኮይነን፡ ካብ ኢትዮጵያ፡ ባሕሬንን ብሩንድን ዝተኻፈላ ተሳተፍቲ እውን ነይረን። ኣትለቲክዊት ራሄል ዳንኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኦሪጐን ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ውድድር ኣትለቲክስ 10 ሽሕ ሜትሮ እውን 5ይ ደረጃ ሒዛ ውድድራ ከም ዝፈጸመት ዝዝከር ኰይኑ፡ ዝለዓለ ኣህጉራዊ ቅልጣፈኣ ድማ 30:12፡15 ኰይኑ ተመዝጊቡ’ሎ።
France and Germany send ministers to see whether peace is taking hold in Ethiopia
Written by Martin Plaut
Source: AFP Last updated: 05/01 - 12:46 ETHIOPIAFrench Foreign Minister Catherine Colonna announced Thursday that she would travel to Ethiopia next week with her German counterpart Annalena Baerbock "to consolidate peace", after the agreement signed on November 2 between the government and Tigrayan rebels. "I will be going next week with my colleague and friend Annalena Baerbock to Africa, to Ethiopia," Colonna told LCI television. "We will travel together to consolidate the peace agreement that has finally been reached" to end the war that ravaged northern Ethiopia for two years "and to support the action of the African Union,” she added. The peace agreement provides in particular for the disarmament of rebel forces, the restoration of federal authority in Tigray and the reopening of access and communications to this isolated region since mid-2021. A diplomatic source told AFP that the visit of the two heads of diplomacy would take place on January 12 and 13. They will also discuss food security as well as relations between Ethiopia and the European Union, as well as relations between the EU and the African Union, according to the same source. |
ኣብ ሱዳን በቲ ስምምዕ መሰጋገሪ ፖለቲካዊ መስርሕ መሰረት፡ ናብ ካለኣይን መወዳእታን ደረጃ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክኣትዉ ከም ዝተሰማምዑ፡ ሱዳን ትሪቡን ንስሉሳዊ ኣሳላጢ ኣካል ብምጥቃስ ሓቢራ።
በቲ ናይ ሱዳን ትሪቡን ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብዚ ክልተ ደረጃታት ዘለዎ መስርሕ፡ እቲ ሲቪላዊ ኣካልን ወተሃደራዊ ወገንን ሱዳን፡ ቅድሚ ናብ ምርጫ ዘብጽሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ምምስራቶም፡ ኣብ 5 ዛዕባታት ክሰማምዑ ትጽቢት ይግበረሎም።
እቶም ንክሰማምዕሎም ትጽቢት ዝግበረሎም ሓሙሽተ ኣገደስቲ ዛዕባታት፡ ጸጥታዊ ዳገመ-ስርርዕ፡ መሰጋገሪ ፍትሒ፡ ቅልውላው ምብራቕ ሱዳን ምፍታሕን ተረፍ-መረፍ ናይቲ ዝተወገደ መንግስቲ ዑመር ኣል በሽርን ከም ዝርከብዎም ኣበቲ መግለጺ ተጠቒሱ።
ከተምቲ ናይቲ ስምምዕ መስርሕን ስሉሳዊ ኣሳለጥን፡ ሰብ መዚ፡ ኢጋድ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብ8 ጥሪ 2023 ናይ መወዳእታ መስርሕ ንምብጻሕን ፖለቲካዊ ጉዳያት ንምምዕርራይን ዝምልከት ርክብ ኣካይዶም እዮም። ኣብቲ ኣብ ከተማ ካርቱም፡ ሕውነት ኣብ ዝበሃል ኣዳራሽ ዝተኻየደ ናይዞም ዝተጠቕሱ ፈረምቲ ኣካላት ኣኼባ፡ ናይ ሱዳን ሲቪላውን ወተሃደራውን ከተምቲ’ውን ተሳቲፎም።
ብዛዕባ እቶም ኣብ መወዳእታ ስምምዕ ዘይተበጽሓሎም ፖለቲካዊ ዛዕባታት ንምምኽኻር ድማ፡ ብ9 ጥሪ 2023 ርክብ ከም ዝግበርን ድሕሪኡ ኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ ናይ መጻኢ መርሓ-ጐደና ንምሕዳስ ኣኼባ ክካየድ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ። እቲ መስርሕ በቲ ዝቐለለ ኣጀንዳ፡ ምውጋድ ተረፍ-መረፍ ኣካላት ምምሕዳር መንግስቲ ዑመር ኣልበሽር ከም ዝጅምርን ድሕሪኡ ከከም ክብደቶም ብዛዓባቶም ዝተረፉ ምርድዳእ ከም ዝቕጽል እቲ ሰፊሕ ጸብጻብ መዝጊቡ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ጉጅለ ህግደፍ፡ ጸላኢ ህዝቢ ምዃኑ ብዘይካ እቶም ውሑዳት ኣገልገልቱ፡ ኤርትራውያን ዝተረዳድእሉ ሓቂ እዩ። ሓደገኛነት ህግደፍ ብዓብይኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጻዕነ ኮይኑ፡ ዞባዊ ታርኡ እውን ዘራጊ እዩ። ወጽዓን ጸረ ህዝቢ ተግባራትን ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዝተደረተ ዘይኮነ፡ ናብ ወጻኢ ክግንፍል ዝጸንሐ ምዃኑ ናይ ቀረባን ርሑቕን ግዳያት ናይቲ ጉጅለ ደጋጊሞም ድከቶም ክሰትይሉ ዝጸንሑ እዩ። ነዚ ሓቂዚ ንምንጻር ጐረባብቲ ሃገራት ቅድሚት ዝስረዓር እየን።
ህግደፍ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ዘምልስ ባህርን ቅሩብነትን ስለ ዘየብሉ፡ እቲ ዝመርጾ ስልቲ ካብ ክውንነት ምህዳም እዩ። ከም መግለጺ ህድማኡ ድማ ኣቓልቦ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጡ ዝኸውን ናብ ደገደገ ከመዓዱ ዝድርኹ ተበለጽቲ ሸርሕታት ምእላም እዩ። ካብቲ ቀንዲ ጠምዛዚ ስልቱ ከኣ በብግዜኡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘሰክፍ፡ ንጐረባብቲ ሃገራት ከም “ጸረ ልኡላውነት ኤርትራ” ጌርካ ምስኣል እሞ ኣንጻረን ከከም ኩነታቱ ንሓንሳብ ግሁድ ንሓንሳብ ድማ ስዉር፡ ፕሮፖጋንዳውን ወተሃደራውን ወስታታት ምስዋር እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ብፍላይ ኣብቲ ቅድም ምስቲ ንልኡላውነቱ ዘለዎ ክብርን ናይ ምዕቃቡ ቅሩብነትን እቲ ዝባሃሎ ሓቂ እንዳመሰሎ ምስ ናይ ህግደፍ መሕብኢ ምምሃዝ ክነጉድን ክቡር ዋጋ ክኸፍልን ጸኒሑ እዩ። እናሓደረ እናወዓለ ግና ናይ ህግደፍ ምህዞታት “ተፈታሕካዮስ ቁጻር ጥራይ” ምዃኑ ምስ ተረድአ “ስለምንታይን ክሳብ መዓስን ክተት?” ክብል ክኢሉ።
ብሰንክዚ ተኹታዂ ተግባራት ህግደፍ፡ ግዳይ ካብ ዝኾና ጐረባቲ ሃገራት ሓንቲ ሱዳን እያ። ብተደጋጋሚ ኣንጻራ ሓጸርትን ነዋሕትን ውግኣት ከፊቱ። ነቲ ኣብ ሱዳን ብዕልዋ ናብ ስልጣን ዝመጸ ወተሃደራዊ መንግስቲ ብምቅዋም፡ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምትካል ህዝቢ ሱዳንን ብዙሓት ሓለይቲ ወገናትን ዝረባረብሉ ዘለዉ ጻዕሪ ክዕንቅፍ ፈቲኑ ኣይተዓወተን። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዘይኣፍልጦ ማእከላይ መንግስቲ ሱዳን፡ ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን ናብ ኤርትራ ጸዊዑ ውዲት ክኣልም ዝወጠኖ’ውን ኣይተዓወተሉን። ዝምድናኡ ምስ ጅቡቲ ኣብ ደሓን ከምዘየለ ፍሉጥ እዩ። ጌና ክሳብ ሎሚ እውን ካብ ምስሕሓብን ህልኽን ኢዱ ኣይኣከበን። ካብ ሶማሊያ መቃድሾ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ንክስልጥኑ ናብ ኤርትራ ዝተወስዱ ኣስታት ሓሙሽተ ሺሕ መንእሰያት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣይፈቅድን ምስ በለ፡ ድሕሪ ናይ ዝተፈላለዩ ወገናት ተጽዕኖን መጠንቀቕታን ተገዲዱ ክመልሶም ጀሚሩ’ሎ። ገለ ካብኣቶም ኣብ ውግእ ትግራይ ኣእትይዎም ዝመቱ ምህላዎም ከኣ ኣዛራቢ ኮይኑ’ሎ። ኣብ ጉዳይ የመን ኢድ ብምእታዉ ብጽቡቕ ዓይኒ ዝረአ ኣይኮነን። ምስ ግብጺ፡ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ዝኣመሰላ ናይዚ ዞባና ሃገራት ዘለዎ ዝምድና እውን ኣብ ዓመጽን ዘይምትእምማንን ዝተመስረተ እዩ።
ኣብ ውግእ ትግራይ ኢድ ከእቱ እንከሎ፡ እቲ ሓደጋ ካብ ትግራይ ዘይሓልፍ ዝመስሎም መራሕቲ ኢትዮጵያ ነይሮም እዮም። ህግደፍ ግና ከምቲ መራሒኡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ጉዳይና ስለ ዝኾነ ስቕ ኢልና ንርእዮ ኣይኮነን” ዝበሎ፡ ኣብ ትግራይ ዝሕንክረሉን ዝዘርገሉን ዕድል ምስ ጸበቦ፡ እነሆ ሎሚ ክሳብ ክልል ኣምሓራ ልሒኹ ኣሎ። ሓደገኛነቱ ክሳብ ክልል ኦሮሞ በጺሑ ኢሎም ዝኸሱ ፖለቲካዊ ውድባት ኢትዮጵያ እውን ኣለዉ። እዚ ዘርእየና፡ እቲ ካብ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ንክሕባእ፡ ብቐጥታ ኣብዘይምልከቶ ዋኒን ኣትዩ፡ ንኢትዮጵያ ካብ ኢትዮጵያውያን ዝያዳ ከም ዝሓልየላ ተመሲሉ ይሕንክራ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ። እቶም “ናይ ግዜ ጸገም መድሓኒና” ኢሎም ዝምርቕዎን ዝንእድዎን ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን፡ ሎሚ ንዓኣቶም’ውን ሓደገኛ ምዃኑ ተገንዚቦም፡ ብወግዒ ክረግምዎን ክኹንንዎን ኣብ ዝለዓለ ጫፍ በጺሖም ኣለዉ።
ምስቶም ጉዳይ ኢትዮጵያ ሰላማዊ መንገዲ ኣብ ምትሓዝ ዓብይ ግደ ዝተጻወቱ፡ ኢጋድ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካለኦት ተዓዘብቲ እቲ መስርሕ ሰላም ዘለዎ ዝምድና ዳርጋ ዘየለ እዩ። መራሒ ህግደፍ በቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝፍጽሞ በደል ስለ ዝሓፍርን ዝሓንኽን ኣብ ርክብ መራሕቲ ናይዘን ዞባውን ኣህጉራውን ትካላት ዘይሳተፍ ምዃኑ፡ ክሳብ ክንደይ ጽሉእን ንጹልን ኮይኑ ከም ዘሎ ዘመላኽት እዩ። ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምለኸ ኮሚተ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ካለኦት ጸለውቲ ትካላትን፡ በብግዜኡ ንኤርትራ ዝምልከት ኣብ ዘውጽእዎ ጸብጻባት፡ ናይቲ ጉጅለ ሓደገኛነት ዘይጠቅስ የለን። ህግደፍ ኣካይድኡ መዚኑ ኣብ ምእራም ዘይኮነ፡ ኣብ ዘይሓላፍነታዊ ህልኽን ሕነ ምፍዳይን ዝነብር ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ጉዳይ ዩክረይንን ሩስያን ዝወሰዶ መርገጽን ተመሳሳሊ ተግባራቱን ሓደገኛነቱ፡ ኪኖ ኤርትራ፡ ዞባውን ኣህጉራውን ዘራጊ ከምዝኾነ ኣመስኪሩ እዩ።
ህግደፍ ካብ ሓቀኛ ክውንነት ምርሓቕ ባህሪኡ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ናቱ ዘይህዝባውን ዘይሓላፍነታውን ምርጫ ዝጠንቁ ጸገማት ኤርትራ፡ ናብ ካልኦት ከላግብን “ኣጓንየሙኒ” ብዝብል ከስተማስልን እዩ ዝስማዕ። ዝተፈላለዩ ግዱሳት ወገናት “ኣብ ልዕሊ’ቲ ህዝበይ እትብሎ ግህሰታት ትፍጽም ኣለኻ’ሞ ዓገብ” ክብልዎ እንከለዉ፡ ናብ ውሽጡ ተመሊሱ ኣብ ክንዲ ምምዛንን ብመርተዖ ምምካትን፡ ብዓይኒ ጽልእን ዝርያን እዩ ዝርእዮም። ንኣብነት ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምትግባር ንገዛእ ርእሱ ቅሩብ ዘይምዃኑ ሓቢኡ፡ ኣሜሪካን ካለኦት ሃገራት ምዕራብን ከይትግበር ከም ዝዓንቀፋ ኣምሲሉ ክኸስስ እዩ ዝስማዕ። እዚ ኩሉ ዞባውን ኣህጉራውን ሓደገኛነቱ ንምሕባእ ዝምህዞ እዩ።
እቶም ቀዳሞት ግዳያት ኣተሓሳስባ ጉጅለ ህግደፍ ኤርትራውያን ኢና። ኣብቲ ኣንጻሩ ዝግበር ቃልሲ ቅድሚት ክንስለፍ ዝግበኣና እውን ባዕልና ኢና። እዚ ማለት ግና ናይ ቀረባ ይኹን ናይ ርሑቕን ምትሕግጋዝ ኣየድልየናን ማለት ኣይኮነን። “ህግደፍ ንዞባና’ውን ዘራጊ ሓይሊ እዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ሚዛን ፡ ናይቶም ብሰንኩ ሰላም ሓሪምዎም ዘለዉ ኣካላት ምትሕግጋዝ ክንሓትት እንከለና፡ ናይቲ ጉጅለ ምውጋድ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ዞባዊ ረብሓ ‘ውን ኣለዎ ኢልና ስለ እንኣምን ኢና። ስለዚ ህግደፍ ኣብ ኤርትራዊ ጥራይ ዘይኮነ ዞባዊ ሓደጋ’ውን ስለ ዝኾነ፡ ጐረባብትና ሃገራት ምስ ህግደፍ ዘለዎም ምትእምማን ዝጐደሎ ዝምድና ኣቋሪጾም፡ ምእንቲ ሰላም፡ ናይ ሕባር ረብሓን ሰናይ ጉርብትናን፡ ኣብ ምውጋድ እዚ ናይ ሓባርና ሓደጋ ከበርክቱ ንጽወዕ።
ባህግና Bahgna ቁ. 106: ቃለ መሕተት ምስ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ 3ይ ክፋል 2023
Written by Bahgna MediaMedia
More...
ባህግና bahgna 105፣ ቃለ መሕተት ምስ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ 2ይ ክፋል 2023
Written by Bahgna MediaMedia
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብምኽንያት በዓላት ልደተን ጥምቀትን ብሓፈሻ ንኹሎም ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ ንኣመንቲ ክርስትና፡ እንቋዕ ኣብጽሓና ብማለት ሰናይ ምንዮቱ ይገልጽ። ሓድሽ ዓመት 2023ን ዓመተ ሰላም፡ ጥዕናን ዓወትን ክኸውን ትምኒቱ ይገልጽ።
በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን፡ ንኹሉ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝሓለፍናዮ መሪር ተመክሮ ይኣክል ዝብል፡ ንኹሉ’ቲ ኣወንታታት ድማ ዝዕቅብን ዘማዕብልን ኰይኑ፡ ኣብ ከባቢና ተወሊዑ ንዝጸንሐ ኣዕናዊ ኲናት ዘብቅዕን፡ ንዝተፈለመ ናይ ሰላም መስርሕ ብዓወት ዝዛዝምን ክኸውን ምንዮትና ንገልጽ።
ብፍላይ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ከኣ ንኹሉ’ቲ ከም ህዝቢ ዝወረደና ጉድኣትን ምክልባትን ስዒሩ፡ ምልኣት ጥዕና፣ ሰላምን ማሕበራዊ ምዕባሌን ከስፍን ናይ ወትሩ ጸሎትና እዩ።
ፍትሕን ሰላምን ይንገስ!
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
7 ጥሪ 2023
ኤርትራዊ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም፡ ብፖሊስ ኢማራት ኣብ ሱዳን ተኣሲሩ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ሱዳን ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኪዳነ ዘካርያስ (ምስሊ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ)
ፖሊስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ብ1 ጥሪ 2023 ኣብ ሱዳን፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ካልእ ተዛመድቲ ገበናትን ይድለ ንዝነረ ኤርትራዊ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ምስ ሓዉን ካለኦት ናይ ቀረባ ተሓባበርቱን፡ ምስ ፖሊስ ሱዳን ብምትሕብባር ከም ዝኣሰርዎም ኣፍሊጡ። እቲ ማእሰርቲ ድሕሪ ናይ 9ተ ኣዋርሕ ናይ ኢማረትን ዓለምለኸ ምክትታል ፖሊስ (Interpol)ን ከም ዝተታሕዙ እቲ ዝወጸ መግለጺ ተሓቢሩ’ሎ።
በቲ ዓለምለኸ ምክትታል ፖሊስ ዝሓበሮ መሰረት፡ ኪዳነ ዘካርያስ፡ ክድለ ዝጸነሓሉ ምኽንያት፡ .ኣብ ስደተኛታት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ብዝብል ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ይሰርሕ ስለ ዝነበረ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ኪዳነ ዘካርያስ፡ ብኢትዮጵያን ሆላንድን ናይ መውዳእታ፡ ናይ ምድላዩ መጠንቀቕታ ናብ ዓለም ለኸ ምክትታል ፖሊስ ቀሪብዎ ዝነበረ፡ ብምግዳድን ምስዋር ስደተኛታትን፡ ብተመሳሳሊ ክሳብ ብቅትለት ሰባትን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ዝበጽሕ ከበድቲ ገበናት ዝድለ ዝነበረ ገበነኛ እዩ።
ኪዳነ ዘካርያስ ቅድሚ ኣብ ሱዳን ምትሓዙ፡ ንዓኡ ብዝምልከት ናይ ዝተመስረተ ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሆላንድ፡ ኢማራት፡ ኤውሮጳን ከባብያዊ ናይ ስርሒት ኣካላትን ብኣባልነት ብዝተሳተፍዎን ብሓገዝ ጸጥታ ሱዳንን ብዛዕባ ንምትሓዙ ዝምልከት ገምጋም ተኻይዱ ምንባሩ ተሓቢሩ። በዚ መሰረት ናይ ኢማራት ጸጥታ ብዝገበሮ ምክትታል፡ ኪዳነ ምስ ቤተሰቡ ብዝነበሮ ናይ ርክብ መርበብን ዘካይዶ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብን ክቃላዕ ተኻኢሉ።
ኪዳነ ዘካርያስ ብ2020 ኣብ ኢትዮጵያ ካብቶም ዝበደሎም ሰባት ብዝተረኽበ ሓበሬታ ተኣሲሩ ከም ዝነበረን ንዝተሓባበርዎ፡ ዝለዓለ ዓቐን ገንዘብ ከፊሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤት ፍርዲ ንምቕራብ ሒዘሞ ይኸዱ ካብዝነበሩ ሓለዋ ከም ዝሃደመን ይፍለጥ። ይኹን እምበር፡ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘይህላወኡ ብለካቲት 2021 ንሕልፈት ከም ዝተፈርዶውን ካብ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ። ርኢቶይ ኣብ ዜና፡ (may views on news) ዝተባህለ ፖለቲካውን ጸጥታውን ከባቢና እናተኸታተል ዜናዊ ጸብጻብ ዘቕርብ፡ ናይ ዩቱብ መስመር ብወገኑ ኪዳነ ዘካርያስ ናይ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ ቀረባ ዘመድን ምስ ትካል ንግዲ ኮርፐረሽ ቀይሕ ባሕሪ ምቅርራብ ከም ዝነበሮ ዝሕብር ጸብጻብ ኣቕሪብ።
ዳይረክተር ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ትግራይ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ይመሓየሽ ኣሎ ኢሎም፡ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ጠቒሶም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱስ ዳይረክተር ጥካል ጥዕና ዓለም
ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረእየሱስ፡ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን፡ ኣብ ትግራይ ቀረብ መግብን መድሃኒትን፡ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታትን ናብ ንቡር ኣብ ምምላስን ምምሕያሻት ይረአ ከም ዘሎ ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ድማ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይን ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ይፍጽሞ ኣሎ ብዝበልዎ በደላት ስኽፍታ ከም ዝሓደሮምን ኣረዲኦም።
ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ጀነቫ ብዛዕባ ኣህጉራዊ ጥዕናዊ ጉዳያት ብ5 ጥሪ 2023 ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሰብኣዊ ረዲአትን ከም ባንክን ቴለኮሚኒኬሽንን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ምምሕያሽ የርእዩ ከም ዘለዉ ጠቒሶም፡ እንተኾነ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝኾነ ጌና ተጠቃሚ ናይቲ ሰብኣዊ ረዲአት ዘይኮነ ከባብታት ከምዘሎ ሓቢሮም።
እቶም ዳይረክተር ኣተሓሒዞም እቲ ቀንዲ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ብደሆ፡ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ህላወን ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ዘውርዶ ዘሎ በደላትን እዩ እውን ኢሎም። ቀጺሎም ድማ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ነቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ተበጺሑ ዘሎ ውዕል ሰላም ንድሕሪት ንከይመልሶ፡ ሕብረተሰብ ዓለም እቲ ሰራዊት ካብ ትግራይ ንክወጽእ ተጽዕኖኡ ከሕይል ጸዊዖም። ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከም ዝወጸ ዝሕብራ መዲያታትኳ እንተለዋ፡ ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ከኣ ብዛዕባ ህላወ እቲ ሰራዊት ኣብ ትግራይ እዮም ጸብጻባት ዘቕርቡ።
ኣዲስ ስታንዳርድ፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ብወገና ብ4 ጥሪ 2023 ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ከም ዝነበሩን፡ ኣብ ጐደና ቻይና ጥቓ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ካሕሱ፡ ክልተ ሰባት ከም ዝቐተሉን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝገለጹላ ኣስፊራ።