Somalia-Eritrea-Ethiopia: how human trafficking brought 200,000 to Libya and slavery
Written by Martin Plaut
|
ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ፍሊፖ ግራንድ ብ7 ለካቲት 2023 ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ ዳባት/ጎንደር ናብ ዝርከብ መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምዋጭ ከም ዝበጽሑ ካብ ቢቢሲን ድምጺ ኣሜሪካን ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቶም ኮሚሽነር ድሕሪ ምብጸሖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብቲ መደበር፡ ካብተን ኣብ ትግራይ ዝነበራ ብሰንኪ ውግእ ዝፈረሳ ኣርባዕተ መደበራት ዝመጹ 23 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዘለዉ ጠቒሶም። ኣብ ኣተሓሕዛ ናይቲ መደበር መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይቲ ከባቢ ኣመሓደርትን ምስቲ ኮሚሽን ንዝገብርዎ ምትሕብባር ከም ዘመስገኑ እውን ተሓቢሩ።
ኮሚሽነር ፍሊፖ ግራንድ ምስ ተወከልቲ ናይቶም ስደተኛታት ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ እቲ መደበር ዘለዎ ጸገም ከም ዝርድኡን ንምፍታሑ እቲ ኮሚሽን ዝከኣሎ ከም ዝገብር ቃል ከም ዝኣተዉሎምን ቢቢሲ ንተለቪዥን ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ሓቢሩ። እቶም ኮሚሽነር ናይቶም ስደተኛታት ጸገም ብጽሑፍ ከም ዝበጸሖም ጠቒሶም፡ ነቲ ጸገማት ንምፍታሕ ተወሳኺ በጀት ከም ዘድልን ነዚ ንምምላእ ካብ ግብረ-ሰናይ ትካላት ከም ዝሓቱን ኣረዲኦም።
እቶም ስደተኛታት ብወገኖም እቲ መደበር ብባህሪኡ ንስደተኛታት ከምዘይጥዕም ጠቒሶም፡ ናይ ቀረባት ጸገምን፡ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዕጡቓት ምህላዎምን ናይ ድሕንነት ስግኣት ከምዘጋጥም እዮም ብተደጋጋሚ ክጠቕሱ ዝጸንሑ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኮሚሽነር ፍሊፖ ግራንድ ናብ ክተማ መቐለ ተጓዒዞም ናይቶም ብሰንኪ ውግእ ተመዛቢሎም ኣብ መጽለሊ ቦታታት ዘለዉ በጺሖም ኩነታቶም ከም ዝተረድኡ ተሓቢሩ።
ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ጨንፈር መቐለ
መንግስታዊ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ካብ 7 ጥሪ 2023 ጀሚሩ ኣብ 31 ጨናፍሩ ናይቲ ክልል ስሩዕ ኣገልግሎት ክህብ ከም ዝጀመራ ተፈሊጡ። በቲ ዝተዋህበ ሓበሬታ መሰረት እተን ኣገልግሎት ዝህባ ጨናፍር ብተሌኮም፡ ናይ ኢንተርነት መስመር ኣብ ዝተዘርገሓሉ ከባቢ ዝርከባ እየን። ኣብተን ዝተረፋ ጨናፍር ድማ ናይ ኢንተርነት መስመር ኣብ ዝተዘርገሓሉ እዋን ኣገልግሎት ምሃብ ክቕጽል እዩ።
በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ እቲ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ከምቲ ናይ ካልእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ኮይኑ፡ ተጠቀምቲ ኣብ ሓደ ግዜ ክሳብ 50 ሺሕ ብር ከውጽኡ ከም ዝኽእሉን ብነባር ኮነ ሓድሽ ሕሳብ ማዕረ ከም ዝግልገሉን ተሓቢሩ። እንተኾነ ሓደ ሰብ ናይዚ ኣገልግሎት ተጠቃሚ ክኸውን ዝኽእል ኣብቲ መጀመርያ ሕሳብ ዝኸፈተሉ ጨንፈር ጥራይ እዩ። ካብ ወጻኢ ዝለኣኽ ገንዘብ እውን ከምቲ ልሙድ ኣሰራርሓ ናብ ሕሳብ ናይቲ ተቐባሊ ምስ ኣተወ ኣውጺኡ ክግልገለሉ ይኽእል እዩ።
ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ነዚ ኣገልግሎት ዝህብ ዘሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ተዛተይቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቦም፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ድሕሪ ምምይያጦም፡ ናብ ትግራይ 5 ቢልዮን ብር ንክለኣኽ እሞ ናብ ባንክታት ክከፋፈል ምስተወሰነ እዩ።
ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ትግራይ ተኸፊቱኳ እንተነበረ፡ ብዘይካ ካብ ወጻኢ ካብ ዝተላእከ ገንዘብ ኣብ ሓደ ግዜ 2,000 ብር ምሃብ፡ ስሩዕ ባንካዊ ኣገልግሎት ክህብ ኣይጸንሐን። ካብዚ ንደሓር መንግስታዊ ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩለን ባንክታት ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ክህባ ትጽቢት ኣሎ። ምጅማር ስሩዕ ኣገልግሎት ባንክታት ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ምቕራብ ረዲአት እውን ሓጋዚ እዩ።
ሱዳን ዝተወንዘፈ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባልነታ ክለዓለላ ትሓትት ኣላ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ኩነታት ሱዳን እናዘተየ
ሱዳን ዝተወንዘፈ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባልነታ ክምለሰላ ከም እትደሊ፡ ናይታ ሃገር ሚኒስተሪ ወጻኢ ጉዳያት ብ5 ለካቲት 2023 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። ሱዳን ኣባልነታ ዝተወንዘፈ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ኣብ ልዕሊቲ ብሲቪል ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ብምክያዱ እዩ።
ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ልዕሊ ሱዳን ናይ ምውንዛፍ ስጉምቲ ዝወሰደ ድሕሪቲ ብመሪሕነት ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ድሕሪ ምውጋድ መንግስቲ ፕረሲደንት ዑመር ኣልበሽር ንካለኣይ ግዜ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ እዩ። እቲ ናይ ሱዳን ካብ ንጥፈታት ሕብረት ኣፍሪቃ ምውንዛፍ፡ ክሳብ ኣብታ ሃገር ሲቪላዊ መንግስቲ ዝምስረት ዝቕጽል ምንባሩ እቲ ሕብረት ክገልጾ ዝጸንሐ እዩ።
ዋላኳ ኣብ ሱዳን እቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ቀጻሊ እንተሎ፡ እቲ መንግስቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2022 ጀሚሩ፡ ኢብራሂም ጃብር ንዝተባህሉ ኣባል መሪሕነቱ ናብተን ኣባል ኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾና ሃገራት ኣዋፊሩ፡ ኣባልነት ሱዳን ናብ ንቡር ንክምለስ ከረድኡ ክንቀሳቐሱ ከም ዝጸንሑ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ካብ ናይ ሱዳን ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስትሪ፡ ደፍዓላ ኣልሓጅ ብወገኖም፡ ኣብዚ ቅንያት፡ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ምስ ኣባላት ኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ናይቲ ሕብረት ብዛዕባ ሱዳን ካብ ምውንዛፍ ንጥፈታታ እትወጸሉ ክዝትዩ ከም ዝቐነዩ ተፈሊጡ’ሎ።
ባህግና Bahgna 112፣ ሰሙናዊ ዜናታትን ሰራዊት ኤርትራ ኸ፡ ኣበይ እየ ጸኒሐ ዘይብል ዘርእስቱ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤን 05.02.2023
Written by Bahgna MediaMedia
ኤርትራ፡ ካብተን ቀዳሞት ብልሽውና ዝረኣየለን 20 ሃገራት ምዃና ተሓቢሩ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤናይ ሃገራት ናይ ብልሽውና ደረጃታት ዝከታተል corruption perception ዝተባህለ ኣካል ኣብ ዝገበሮ ናይ 2022 መጽናዕቲ: ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት ብዝለዓለ ደረጃ ብልሽውና ዝረኣየለን 20 ሃገራት ምዃና ሓቢሩ። ናይ ሃገራት ደረጃ ብልሽውና ንምውጻእ፡ ካብ ሓደ ክሳብ ሚእቲ ነጥቢ ዝወሃበን ኮይኑ፡ እተን ሚእቲ ዝወሃበን እተን ብልሽውና ዘይረኣየለን ሃገራት ኮይነን፡ ዜሮን ናብ ዜሮ ዝቐረበን ነጥቢ ዝረኽባ ድማ ምጥፍፋእ ብዝለዓለ ደረጃ ዝሳዕረረለን እየ።
በዚ መሰረት ኣብ ናይ 2022 መጽናዕቲ ደንማርክ 90% ብምርካብ ቀዳመይቲ ብልሽውና ብዝተሓተ ደረጃ ዘይረኣየላ ሃገር ክትከውን እንከላ፡ ፊንላንድን ነውዘላንድን ድማ ነፍሲ ወከፈን 87%፡ ብምርካብ 2ይ ደረጃ ሒዘን ተመዝጊበን። ኖርወይ፡ ሲንጋፖር፡ ሽወደን፡ ስዊዘርላንድ፡ ኔዘርላንድ፡ ጀርመን ኣየርናድን ድማ ካብተን ቀዳሞት 10 ዝወሓደ ብልሽውና ዝረኣየለን ኮይነን ተጠቒሰን።
ኤርትራ 22% ብምርካብ ማዕረ ሱዳን ካብተን 20 ቀዳሞት ዝለዓለ ብልሽውና ዝረኣየን ሃገራት ኮይና፡ ካብተን 180 ሃገራት ኣብ መበል 162 ተሰሪዓ። ምስ ናይ 2021 ክወዳደር እንከሎ ኤርትራ ብሓደ ደረጃ ከም ዝንቆልቆለት ኣብቲ መጽናዕቲ ሰፊሩ። ሶማሊያ 12% ብምርካብ ካብተን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝኣተዋ 180 ሃገራት ዝለዓለ ብልሽውና ዝረኣየላ ሃገር ኮይና። ሶርያን ደቡብ ሱዳንን ድማ ነፍሲ ወከፈን 13% ብምርካብ 2ይትን 3ይትን ኣደዳ ብልሽውናዝኾና ሃገራት ኮይነን ኣብቲ ሰንጠረዥ ሰፊረን። ኣብ ርእሲዚ፡ ቬንዝዋላ፡ የመን ሊቢያ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሃይትን ኢኳቶሪኣል ጊኒን ኣካል እተን ቀዳሞት ብብልሽውና ዝተጠቕዓ 10 ሃገራት እየን።
እቲ ነዚ መጽናዕቲ ዘካየደ ኣካል ከም ዝሓበሮ፡ ማእከላይ መዕቀኒ ካብ ሚእቲ 43 ነጥቢ ምርካብ እዩ። በቲ መጽናዕቲ መሰረት ዝያዳ ክልተ ሲሶ ካብተን 180 ሃገራት ትሕቲ 50% ዝረኸባ እየን። ኤርትራ እትርከበን 26 ሃገራት ድማ ካብቲ ማእከላይ መዕቀኒ 43% ንታሕቲ ዝረኸባ ኮይነን ከም ዝተመዝገባ ተሓቢሩ። ኢትዮጵያ ድማ 38% ረኺባ፡ ኣብ መበል 94 ተሰሪዓ ትርከብ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ውግእ ናይ ዝኾነ ጸገም ቀጻልን ውሑስን መፍትሒ ከምዘይኮነ፡ ብናይ ብዙሓት ተመኩሮ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ርሑቕ ከይከድና ኣብ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮና እውን ብግብሪ ተራእዩ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ህግደፍ ምስ የመን ዝኸፈቶ ውግእ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፡ ብናይ የመን ልዕልና መዕለቢ ምርካቡ፡ ናይ 1998-2000 ደማዊ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ተቛሪጹ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ዘሄግ ኣምሪሑ ብቀያድን ናይ መወዳእታን ፍርዲ ምብያኑ፡ ንዝሓለፉ ዝያዳ ክልተ ዓመታት ብዝለዓለ ተሳትፎ ህግደፍን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ እውን፡ ብናይ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ስምምዕ ናይ ምዝዛም መልክዕ ሒዙ ይቕጽል ምህላዉ ናይ ውግእ መወዳእታ፡ ውግእ ዘይምዃኑ ዘርእዩ ኣብነታት እዮም።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ጸገማት ካብ ውግእ ወጻኢ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ዘይስቆሮ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ተመኩሮኡ ብውግእ ዝሰኸረ እዩ። ውግእ መፍትሒ ከም ዘይከውንን፡ ቀጻሊ ዘተኣማምን ሰላም ከም ዘየውሕስን ጥራይ ዘይኮነ፡ ህይወት ሰብ ኣጽኒቱን ሃብቲ ሃገር ኣዕንዩን ናብ ውድቀት ዝወስድ ጽልሙት መንገዲ እዩ። ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ እታ ብክቡር መስዋእቶም ዘምጽእዋ ናጻን ልኡላዊትን ሃገሮም ኣደዳ፡ ስደት፣ ድኽነትን ስግኣትን ኮይነምሉ ካብ ዘለዉ ቀንዲ ምኽንያታት ሓደ፡ ካብ ድሌቶምን ኣፍልጠኦምን ወጻኢ፡ ብዘይፈልጥዎ ሕቡእ ኣጀንዳታት ኣብ ዕረፍቲ ዘይህብ ውግኣት ምጽማዶም እዩ። ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ክንዲ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩረኡ ተማሂሩን ተዓጊሱን ንሰላማዊ መፍትሒ ዕድል ዝህብ፡ ናይ ወትሩ ምርጫኡን ሕልሙን ውግእ እዩ። እዚ ድማ ቀጻልነት ስልጣኑ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ዝጠፍእ ኤርትራዊ ህይወትን ዝባኽን ጸጋ ሃገርን ዘየገድሶ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።
ኣብ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰሉ ህዝባዊ መሰረትን ተቐባልነትን ዘየብሎም ዓመጸኛ ስርዓታት፡ ናይቲ ውግእ ቀንዲ ዕላማ ናይ ህዝቢ ሕቶ ከይምልስ ምሕባእን ኣብ ስልጣን መቐጸልን እዩ። እቲ ውግእ ናህሩ ወዲኡ ናብ መድረኽ ሰላምን ሕግን ምስተመለሰ፡ በቲ ብዛዕባቲ ክቡር ዋጋ ዘኸፈለሉ፡ መንቀሊኡን ዕላማኡን ዘይፈልጥ ወገን፡ “ኣበይ ጸኒሕና፡ ስለምንታይከ፡ መንዩኸ ዝሕተተሉ?” ዝብሉ ሕቶታት ክሓትት ናይ ግድን እዩ። ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ውግእ ምስ የመን ብዙሕኳ እንተዘይተወዓውዐ ናይ ህዝቢ ሕቶታት ነይሩ እዩ። ድሕሪ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ድማ፡ ብመጠንቲ ዝሓተቶ፡ ናይ ብዙሓት ሞት፡ ስንክልና፡ ምምዝባልን ምብኻን ሃብቲ ሃገርን ብዝሓየለ ተራእዩ። እቲ ሕቶታት ናይቲ ውግእ ሳዕቤንን ዝሕተተሉ ኣካል መን ምዃኑን ብምንጻር ናብ ናይ ድሕሪ ውግእ ክዕመም ዝነበሮ ዘቤታውን ሕገመንግስታውን ዋኒን ምምላስን ዝዓለመ ነይሩ።
ህግደፍ ግና ኣይኮነንዶ ብግብሪ ተሓቲቱ፡ “ምናልባት ከይሕተት” ኢሉ መህደሚ መንገዲ ምምድማድ ልማዱ ስለ ዝነበረን ዝኾነን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ናብ ንቡር ክምለስ ዝሓተትዎ ላዕለዎትን ማእከሎትን ሓለፍቲ ህግደፍን ጋዜጠኛታትን ዝወሰዶ ጨካን ስጉምቲ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ሕብረተሰብ ዓለም ዝተፈልጠ፡ እቲ ጉጅለ ክሳብ ክንደይ ተሓታትነት ዘይጸውርን ዘይህዝባውን ምዃኑ ዘነጸረ ነይሩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ዘይሰብኣዊ ምዃኑ እውን ዝተቓለዓሉ ፍጻመ እዩ። ሎሚ ድሕሪዚ “ኣብ ውግእ ትግራይ ተዓዊተ ተመሊሰ ኣለኹ” ኢሉ ዝጭድረሉ ዘሎ ግዜ እውን ኣብ ኤርትራ ናይ ድሕሪ ውግእ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክንጸባረቕ ባህርያዊ እዩ። እሞ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂዶ እቲ ሕቶ ይጐልሕን ኣይጐልሕን ግና ሓቢርካ ዝረአ እዩ። ብወገና ህዝቢ ልዕሊ ዝጠፍኡ ደቁን ዝባኸነ ሃብቱን ስለዘይብሉ፡ ብኢሳያስ ብዝንገሮ ናይ ሓሶት ናይ ግዳያት ኣሃዝ ከይተዳዓዓሰ፡ ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ድምጹ ከስምዕ ይግበኦ ንብል። ብውሕዱ እቲ “ንዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ዘቤታዊ ጉዳይና ከይንዓምም ኣብ ትሕቲ ስግኣት ወያነን ኣሜሪካን ኢና ጸኒሕና” ብዝብል ተሓቢእሉ ዝጸንሐ በዓቲ፡ በቲ ባዕሉ “ንወያነ ሓደጋ ናብ ዘይትኾነና ደረጃ ኣውሪድና ኢና” ዝበሎ ከም ዝተቓለዐ ፍሉጥ እዩ።
እዚ ቅልውላው ድሕሪ ውግእ፡ ኣብቶም ካለኦት ክዋስኡ ዝጸንሑ እውን ብጋህዲ ይረአ ኣሎ። ኣብ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ክልል ኦሮሞ መመሊሱ ዝልሕም ዘሎ ውግእ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ኦሮሞን ኣምሓራን ዝምዕብል ዘሎ ምፍጣጥ ሓደገኛ ናይ ድሕሪ ውግእ ቅልውላው መርኣያ እዩ። ነቲ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ተኸቲሉ፡ ኣብ ኦርተደኩሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ሓደገኛ መንግስታዊ ኢድ ኣእታውነት ዘጋደዶ ናዕቢ ተወሲኽዎ፡ እቲ ናይ ድሕሪ ውግእ ቅልውላው ኣብ ኢትዮጵያ ይዓርግ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ።
ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ናይ ዝተወሰኑ ወገናት ምቅዋም ንውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ጀሚሩ፡ ሓያሎ ናብ ሓያል ቅልውላው ድሕሪ ውግእ ዘምርሑ ዘለዉ ዝመስሉ ርሱናት ሕቶታት ይለዓሉ ኣለዉ። “ትግራይ ድሕሪ ሕጂ ከመይ እያ እትቕጽል?” ኣብ ዝብል፡ ነብሳ ዝኸኣለት ሃገርዶ ትኹን፡ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይና ትቐጽል?፡ ህወሓትን ከም ውድብን መሪሕነታን ይቕጽሉዶ ኣይቐጽሉ?፡ ትግራይ ትምረሓሉ ስነ-ሓሳብ ከምቲ ዝጸንሓቶ ሰውራዊ ዲሞክራሲዶ ናብ ኣብ ናጻ ዕዳጋ ዝተሰረተ ምዕራባዊ ዲሞክራሲ ትሰጋገር?፡ ኣብ ትግራይ ምጽናት ዓሌት ተፈጺሙዶ ኣይተፈጸመን እንተተፈጺሙኸ መሪሕነት ህወሓት ኣካል ናይቶም ዝሕተቱ ድዩ ኣይፋሉን? ……… ወዘተ፡ ዝብሉ ሕቶታት ይባርዑ ኣለዉ። ምናልባት እውን እዚ ንህወሓት ናብቲ ብ2001 ዘጋጠማ ምክፍፋል ከይሸማ ናይ ብዙሓት ወገናት ስኽፍታን ስግኣትን ኮይኑ ዘሎ እዩ።
ኣብዚ ኩነታት፡ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢኸ፡ ካብቲ ብሰንኪ እቲ ውግእ ዘስዓቦ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ተረሓሒቕዎ ዝጸንሐ ተመሊሱ፡ ኣብዚ ናይ ድሕሪ ውግእ ቅልውላው ብኸመይ ሓቢሩ ክዋሳእ ከም ዝግበኦ ብጽሞናን ብህዝባዊ ሓላፍነትን ክሓስበሉ ኣብ ዝግበኦ እዩ ዘሎ።
ተወከልቲ ትግራይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቦም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብ3 ለካቲት 2023 ምስ ኣባላት ኮሚተ ስምምዕ ሰላም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ክልል ኢትዮጵያ፡ ሃላላ ኣብ ዝተባህለ መዘናግዒ ቦታ ብኣካል ተራኺቦም ከም ዝተዛተዩ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢራ።
ኣብቲ ዘተ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣፈጻጽማ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን፡ ዝተተግበሩን ዘይተተግበሩን ስራሕቲ ክግምግሙ እንከለው፡ ኣብ መጻኢ ንዝካየዱ ዕማማት ኣመልኪቶም'ውን ደማ ከም ዝተዘራረቡ እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ኣብቲ ርክብ ብወገን ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሌተናል ጀነራል ጻድቃን ገ/ትንሳኤ፡ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደን ኣንበሳደር ወንድሙ ኣሳምነውን ዘለዉዎም ተረኺቦም።
ብወገን ፈደራላዊ ሪፑብሊክ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖም፡ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ ሓላቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻን ብርሃኑ ጁላ፡ ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንበሳደር ሬድዋን ሑሴንን ሚኒስተር ምክልኻል ዶ/ር ኣብረሃም በላይን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ተሳቲፎም።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብዛዓብቲ ርክብ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ርክብ ከም ዝተኻየደ ኣረጋጊጹ፡ ዕላምኡ ድማ ብመሰረት እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ዝተተግበረን ዘይተተግበረን ምድህሳስ ኮይኑ፡ እቲ ዘይተተግብረ ዝትግበረሉ ኣቕጣጫ ንምቕማጥ ምንባሩ ጠቒሱ ኣውንታዊ ምንባሩ ሓቢሩ። ኣቶ ጌታቸው ኣተሓሒዙ ብወገን ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ሕጂ ናብ ውግእ ናይ ምምላስ ድሌት ከም ዘየለ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ምትእምማን ይዓቢ ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ።
ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተወስደ ምስሊ
ሶማልያዊ ኣማኻሪ ሓሰን ሼኽ ዓሊ፡ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ፕሮግራም እንግሊዘኛ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሓትት፡ ሃገሮም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ ኤርትራን ኡጋንዳን ነፍሲ ወከፈን 3 ሺሕ ከምኡ ድማ 6 ሺሕ ናብ ኢትዮጵያን ግብጽን ብድምር 12 ሺሕ መንእሰያት ንወተሃደራዊ ታዕሊም ምልኣኻ ምሕባሮም ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢራ። ብመሰረት ቃለ መጠይቕ ናይቶም ኣማኻሪ፡ እቲ ትልሚ ኣካል ናይቲ ክሳብ መወዳእታ 2023 ኣብ ዘሎ ግዜ 15 ሺሕ ሶማላውያን ወተሃደራት ናይ ምስልጣን መደቦም እዩ።
ኣብ ሶማሊያ ዘለዉ ናይ ፖለቲካ ክኢላታትን ሓድሽ ሓሳብ ኣመንጨውትን ብወገኖም ከም ዝገልጽዎ፡ እዚ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወተሃደራት ናይ ምስልጣን መደብዚ፡ ኣብ ሶማሊያ ዘሎ ሓላው ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ክወጽእ እንከሎ 24 ሺሕ ወተሃደራት ኣዳሊኻ ጸጥታዊ ሓላፍነት ንምርካብ ናይ ዝካየድ ምቅርራብ ኣካል እዩ። እንተኾነ እዚ ተታሒዙ ዘሎ መደብ ዝተጋነነ እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።
እቶም ኣማኻሪ ሓሰን ሼኽ ዓሊ፡ ካብቶም ካብ 2019 ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ መንእሰያት ኩሎም ከይተመልሱ፡ ስለምንታይ ካለኦት ናብ ኤርትራ ምስዳድ ንዝብል እዚ ናይ ሎሚ መደብ ኣብ ግሉጽነት ዝተሰረተ እዩ ብዝብል ከም ዝመለስዎ ተሓቢሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ ርእሲቶም 3ሺሕ መንእሰያት ሶማላውያን፡ ካለኦት ካብ 30 ዘይውሕዱ ኣባላት ፖሊስ ንዝለዓል ስልጠና ናብ ኢትዮጵያ ተላኢኾም ኣለዉ።
ብኻልእ ወገን ድማ መራሕቲ ናይተን ምስ ሶማልያ ዝዳወባን ናብታ ሃገር ሰራዊተን ዝለኣኻን ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ጅቡትን ብ1 ለካቲት 2023 ኣብ ዋና ከተማ ሶማሊያ መቃድሾ ኣኼባ ኣካይዶም። ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ኣብቲ ሶማሊያ ኣንጻር ኣልሸባብ ተካይዶ ዘላን ክሳብ መወዳእታ 2023 ክውደኦ እየ ኢላ መደብ ዝሓዘትሉን ውግእ ዝተሓባበርሉ መንገዲ ንምድህሳስ ምዃኑ ናይተን ሃገራት ማዕከናት ዜና ገሊጸን። እዚ ድማ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ወጥሪ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።
More...
ሓደ ሱዳናዊ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ዶብ፡ ሓደ ቻይናዊ ድማ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንወገን ሰሜናዊ ምዕራብ 160 ኪሎሜተር ርሒቓ ናብ ባህርዳር ኣብ ዝወስድ ዋና መንገዲ እትርከብ ከተማ ደብረ ጉራቻ ብ31 ጥሪ 2023 ብዕጡቓት ከም ዝተቐትሉ ተሓቢሩ።
ማዕከን ዜና ሱዳን ትሪቡን ከም ዝሓበረቶ እቲ ከራር መሓመድ ሙሳ ዝተባህለ ሱዳናዊ ጓሳ በሳንዳ ኣብ ዝተባህለ ናብ ግዝኣት ሱዳን 2 ኪሎሜተር ንውሽጢ ኣቲኻ ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ቦታ ከብቱ ክሰርቁ ዝመጹ ክከላኸል እንከሎ ብዕጡቓት ፋኖ ኣምሓራ ከም ዝተቐትለ ጠቒሳ
እቲ ዜና ብምትሕሓዝ ነቲ ኣብ ዶባት ዘሎ ጸገም ብስምምዕ ንምፍታሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካርቱምንኳ ፈተነታት ዝካየድ እንተኾነ፡ ኣብቲ ኣልፋሽቃ ዝበሃል ከባቢ ግና ከብቲ ንምስራቕ ብፋኖ ዝግበር ፈተነታት ቃጻሊ ምህላዉ ኣስፊሩ። ድሕሪቲ ቅትለት ነቲ ኩነታት ንምዕጋት ሻምበል መሓመድ ኣልሓሰን ብዝተባህለ ኣዛዚ ዝምራሕ ናይ ሱዳን ፖሊስ ከም ዝተዋፈረን ብዛዕባቲ ቅትለት ናብ ኢትዮጵያ ዝቐርብ ናይ ገበን ፋይል ከም ዝተኸፍተን እቲ ዜና ብተወሳኺ ሕቢሩ።
ድሕርቲ ዘጋጠመ ቅትለት ናይቲ ከባቢ ሓላፊ ባህላዊ ምምሕዳር ዓሌት በኒዓምር፡ መሓመድ ሓሰን ሓጅ ኣጋ ናይቲ ከባቢ መንግስታዊ ምምሕዳር እኹል ቀወምቲ ሓይልታት ጸጥታ ንክምድብ ጸዊዑ፡ ናይተን ዝተዘመታ ከብቲ ካሕሳ ክወሃብ ድማ ሓቲቱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ እትርከብ ከተማ ደብረጉራቻ፡ ኣብ ልዕሊ 9 ቻይናውያን መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከም ዝተረፈጸመን ሓደ ካብኣቶም ሞይቱ፡ እቶም ዝተረፉ ከም ዝቖሰሉን ተሓቢሩ። ድሕሪዚ ተረኽቦ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዜጋታቱ ኣብ ኢትዮጵያ ክንቀሳቐሱ እንከለዉ ዝለዓለ ጥንቃቐ ንክገብሩ ዝተሓሳስብ መግለጺ ከም ዘውጸአ ተፈሊጡ። ናይቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝወሰዱ መንነትን ዕላማን’ኳ እንተዘይተገልጸ፡ እቲ ከባቢ ዕጡቓት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ዝወስድሉ እዩ።
መደብ ምስ ኣመራርሓ ውዱብ ሰዲህኤ: ሓው ብርሃነ ደበሱ
ኣብ ሱዳን ንስደተኛታት ብዝምልከት ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ፡ ከባቢ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ብምዕቋብ እታ ሃገር ካብ ኣፍሪቃ ካለኣይቲ ምዃና ክሕበር እንከሎ: ቀዳመይቲ መን ምዃና ከም ዘይተጠቕሰት መርበብ ሱዳን ትሪቡን/sudan tribune ኣፍሊጣ። ዓመታዊ ናይ ሱዳን ምላሽ ንስደተኛታትን ትልምን ከም ዘስፈሮÜ ንናይ 2023 መዕቆቢ ስደተኛታት ዝኸውን ኣዳልያ ከምዘላ ተሓቢሩ።
ኣብ ሱዳን ካብ 1965 ጀሚሩ ዝተዓቑቡ ስደተኛታት ካብ ሃገራት፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ቻድ፡ ሱሪያ፡ የመን፡ ሶማሊያን ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ምዃኖም ኣብቲ ዜና ሰፊሩ። ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን ብምትሕብባር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ድሌት ስደተኛታት ኣብ ግምት ብዘእተወ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘኽእል ንገንዘብ ዝምልከት ትልሚ ከም ዝሰርዐ ተጠቒሱ።
ካብቶም ስደተኛታት፡ ከም ናይ ኢትዮጵያ ዝኣመሰሉ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ዝተፈጥረ ኩነታት ናብ ሱዳን ዝኣተዉ ኮይኖም፡ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰሉ ግና ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ሃገሮም ወጺኦም ክስደዱ ዝተገደዱ ምዃኖምን እቲ ንኣተሓሕዛ ስደተኛታት ብዝምልከት ዝወጸ ትልሚ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑን ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ሰፊሩ። ካብቶም ኣብ ሱዳን ዘለዉ ጠቕላላ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳንናውያ ልዕሊ 800 ሺሕ እዮም።
ካብ ክፍሊ ሃገራት ሱዳን፡ ካርቱምን ዋይት ናይልን ክልቲአን ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ካብቲ ስደተኛ ዘዕቆባ እየን። ኣብ ሱዳን ካብ ዘለዉ ስደተኛታት እቶም 38% ኣብተን መብዛሕተአን ኣብ ከሰላ፡ ገዳርፍ፡ ዋይት ናይልን ዳርፎርን ዘለዋ 25 መደበራት ዝተዓቖቡ እዮም። እቶም ዝተረፉ 62% ድማ ኣብ ከተማታት፡ ማሕበረ ሰባትን ዓድታትን ሱዳን ዝነብሩ እዮም። መንግስቲ ሱዳን ነቲ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ፡ ተሊምዎ ዘሎ መደብ ናይ 2023 ኣብ ግብሪ ንምውዓል እንተ ወሓደ 396 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድሊ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።