ባህግና Bahgna 132፣ ኣገደስቲ ዜናታትን፣ ቃልስና ምስግጋር ሕድሪ ወለዶታት እዩ ዘርእስቱ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤን 30.04.2023
Written by Bahgna MediaMedia
ቃልሲ፡ ነዊሕ መስርሕ ዘለዎ ኮይኑ፡ እቶም ዝጀመርዎ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝዓለምዎ ሸቶ ዘይከብጽሕዎ ይኽእሉ። በዚ መሰረት ነቲ መስርሕ መንእሰይ ወለዶ ይርከቦ እሞ፡ የቕጽሎ። እቲ መስርሕ ካብ ሓደ ንኡስ ምዕራፍ ናብ ካልእ እንዳተሰጋገረ ኣብ ሓደ እዋን ናብቲ ክጅመር እንከሎ ዝተኣመሞ ድሙቕ ዓወት ይበጽሕ። እንተኾነ ኣብ ሓደ ምዕራፍ ዓወት ጠጠው ዝብል ዘይኮነ ንተወሳኺ ዓወት መልክዓቱ እንዳቐየረ ሓደስቲ ምዕባለታት ኣብ ግምት እንዳእተወ፡ ክቕጽል ባህርያዊ እዩ። እዚ መስርሕ ምቅብባል ቃልሲ ወለዶታት ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተራእዩ እዩ፡ ሎሚ እውን ዝቕጽል ዘሎ እዩ።
ቃልሲ ኣብቲ ዝምዝገብ ዓወት ረብሓ ዘለዎም ብሓንሳብ ኣብ ሓደ ግዜ ዝሳተፍዎ ኣይኮነን። ብብዙሕ ነናይ ገዛእ ርእሶም ምኽንያታት፡ ሓደ እንዳቐደመ እቲ ካልእ እንዳሰዓበ እዩ እቲ መስርሕ ተሳትፎ ዝቕጽል። እዚ ናይ ቃልሲ መስርሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀጻልነት ሕብረተሰብ እውን በዚ መስርሕ’ዩ ዝረጋገጽ። ሓደ ኣካል ኣብቲ ቃልሲ ክሳተፍ እንከሎ፡ እቲ ቃልሲ ሽዑ ዝጅምሮ ዘይኮነ፡ ተሳትፎኡ መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ቃልስን ውጽኢቱን ምዃኑ ክእመን ናይ ግድን እዩ።
ኣብቲ ቃልሲ ዝጽንበር፡ ካብቲ ዝተሳተፈሉ ጀሚሩ ብዘርእዮ ትጉህ ተሳትፎ፡ ነቲ ኣወንታ ዝያዳ ከሕይሎን ከማዕብሎን፡ ነቲ ኣሉታን ምስ ግዜ ዘይከይድን ድማ ምስቲ ሕድሽን ዝማዕበለን መድረኽ ንምጥዕዓም ብሃናጺ ሓሳብ ከጐልብቶ እንከሎ ቅቡል እዩ። ቅድሜኻ ንዝተኻየደ ቃልሲ እናከሓድካ “ኣነ እየ ነዚ ቃልሲ ጀሚረዮ” ምባል ግና፡ ሰንሰለታዊ ተመላላኢ ባህሪ ቃልሲ ወለዶታት ዝበትኽን ኣብ ምጅማር ዘንብርን ስለ ዝኾነ ኣዐዋቲ ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ መብዛሕትኡ ኣብ መንእሰይ ወለዶ ዝረአ ምዃኑ ከኣ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሓቢርካ ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ናይ ምስላፍ ብደሆ ክሳብ ክንደይ ጽንኩር ምዃኑ ዘመልክት እዩ። እንተኾነ፡ “ልብን ሳዕርን እናሓደረ ይበቁል” ከም ዝበሃል፡ መንእሰይ ወለዶ ናብ ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ክመጽእ እዩ ዝብል ተስፋን ትጽቢትንን ዕጽዊ ኣይኮነን።
ተመኩሮና ክንዕዘብ እንከለና፡ ኣብቲ ነባር ቃልሲ ዘይነበረ ኣተሓሳስባን ሜላ ቃልስን፡ በቲ ሓድሽ ወለዶ ክመጽእ እንከሎ፡ እቲ መንእሰይ፡ “ከምዚ ዓይነት ጠቓሚ ምስ ህልዊ ኩነታት ዝመጣጠን ኣበርክቶ ኣተኣታትየ ኣለኹ” እንተ እንተበለ ጌጋ ኣይኮነን። በቲ ሕድሪ ዘረክብ ወለዶ’ውን ክምጐስን ክተባባዕን ዝግበኦ እዩ። ብመሰረቱ እውን ከምዚ ዓይነት ትግሃትን ተበግሶን ካብቲ ተረኪቡ ከቐጽል ሓላፍነትን ሕድርን ዝቕበል፡ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣበርክቶ እዩ። ነቲ ቅድሜኻ ዝተኻየደ፡ ንዓኻ እውን እምነ-መሰረት ዘንበረልካ ናይ ቀዳሞት ውርሻ ምኽሓድን ንዓኣቶም ምንእኣስን ግና ነቲ ዝኽሕድ ኮነ፡ ነቲ ቃልሲ ኣብ ኮለል ዘንበርን ግዳይ ህግደፍ ንክኸውን ዕድል ዝኸፍትን ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ መልእኽቲ የብሉን። ናትካ ኣስተዋጸኦ ከየርኣኻ፡ ንናይ ካልኦት ኣበርክቶ ምንእኣስ ከም ቃልሲ ምውሳድ ከኣ ካልእ ሓደጋ እዩ።
ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዋሕዚ ተሳተፎ ወትሩ ቀጻሊኳ እንተኾነ፡ ውሱናት ነቲ ተሳትፎ ብፍላይ ዘንህርዎ መድረኻት ክረኣዩ ጸኒሖም እዮም። ስውራ ኤርትራ ካብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ናብ መድረኽ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ቃልሲ ክሰጋገር እንከሎ፡ ነጻነት ኤርትራ ተረጋጊጹ ህዝብና ብህግደፍ ምስተጠልመ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ተዛዚሙ፡ ብዙሓት ላዕለዎትን ማእከሎትን ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታትን ዓበይቲ ዓድን ምስ ተኣሰሩ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብ2018 ምስ ኣብይ ኣሕመድ ብዝፈጠሮ ዘይግሉጽን ዘይንጹርን ዝምድና ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምንቅስቓስ ምስተራእየ…… ወዘተ ፍልይ ዝበለ ተሳትፎ ናብ ቃልሲ ዘኸተሉ ተርእዮታት እዮም።
ስለዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ይፈቶ ይጸላእ፡ መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚ ናጽነት እውን ከይተረፈ፡ ኣካይዳ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ናጽነት ሓደገኛ ከምዝኸውን ብዝሓደሮም ስግኣት፡ ምእንቲ መጻኢ ውሑስ ሰላም፡ ምዕቡል ቁጠባን ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ክኸውን ብዝእምት ዝጀመረ እምበር፡ ሓድሽን ፍሉይ ጉጅለ ዘንቀዶን ኣይኮነን። ነዚ ሓቂዚ ደፊንካ፡ እቲ ቃልሲ ካብቲ ንስኻ ድሕሪ 10ታት ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ዝተሳተፍካሉ ግዜ ዝጀመረን ንነብስኻ ድማ ከም እንኮ ጀማሪ ኣምሲልካ ምቕራብን ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ “ጌጋ እዩ” ኢልካዮ ዝሕለፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሎሚ ካብ ቅድሚ ትማሊ፡ ትማልን ጽባሕን ቆሪጽካ ከተንጠልጥሎ ከም ምፍታን ዝውሰድ እዩ። ብግብራዊ መርተዖ ብዝተሰነየ፡ ነቲ ቃልሲ ንሕና መንእሰያት ምስ ተሳተፍናዮ፡ ኣሕይልናዮን ኣበሪኽናዮን ንምባል እንተዝኸውን ቅቡል ምኾነ። ብግብሪ ግና ብፍላይ ኣብ ገለገለ ወግናት ከምኡ ንርኢ ከምዘየለና ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ሕቶ መዓስ ኣብቲ ቃልሲ ተሰሊፍካን ኣበየናይ ናይ ዕድመ ደረጃ ኣለኻን ዘይኮነ ክሳብ ክንደይ ናብ ምዕቡል ቃልስን ዓወትን ዘሰጋገር ኣተሓሳስባ ይውንን እዩ እቲ ልቦና።
ኣብቲ መስርሕ ምስግጋር፡ “ግዜን ኩነታትን” ብዝብል ሸፈጥ፡ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ክወርዱ ዘይብሎም ብኹሉ ወለዶታት ክረዓሙ ካብ ዝግበኦም ሓደ፡ ክብሪ ናይቶም ኣብቲ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ብንጽህና ዋጋ ዝኸፈሉ ሓርበኛታት ምዕቃብ እዩ። እቲ ዝሓለፍዎ መስርሕ’ውን ጉዕዞ ፍትሓዊ ቃልሲ እምበር፡ ካልእ ኣነዋሪ ስም ዝወሃቦ ከምዘይኮነ፡ ተኣሚንካ ተዓቂቡ ክሰጋገር ዝግበኦ ውርሻ እዩ። ነዚ ዘይርዕም ግጉይ ኣተሓሳስባ፡ ንናጽነት ዝተኸፍለ ዋጋ የለን ናብ ዝብል ግጉይ መደምደምታ ዝወስድ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ። ካብኡ ሓሊፉ ናጽነት ገዛእቲ ብዘይዋጋ ፈትዮም ዝመጠዉልና ህያብ እያ፡ ናብ ዝብል ሓደገኛ ኣቕጣጫ ዘምርሕ መንገዲ’ውን እዩ።
ምናልባት ንገለ ወገናት ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስዉኣትን መስርሕ ቃልሶምን ዘራኽስ ግጉይ ስምዒትን ኣተሓሳስባን ዝወስድ ዘሎ፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሃገርና ዝተራእየን ጌና ቀጻሊ ዘሎን ሕሰም ከም ዝኸውን ይግመት። እቲ ሓቂ ግና ኤርትራ ኣብዚ ወዲቓቶ ዘላ ዓዘቕቲ ዝወደቐት፡ እቲ መስዋእትነት “ተራ ሞት” እቲ መስርሕ ቃልሲ ድማ “ሽፍትነት” ስለ ዝነበረ ፈጺሙ ኣይኮነን።
እቲ ሓቀኛ ጠንቂ፡ ናይቶም ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ሓርበኛታት ሕድሪ በቶም ህሉዋት ኤርትራውያን ስለ ዘይተተግበረ ዝሰዓበ እዩ። ሰማእታት ንኤርትራ ዝኸበረ ዋጋ ከፊለሙላ ከብቅዑ፡ ብኸምዚ ሓሓሊፉ ኣብ ማሕበራዊ መድያ ዝስማዕ ክከሓዱ እንከለዉ፡ ከምቲ “ወዲ ዓሻሲ ክልተሻብ ይውቃዕ” ዝበሃል፡ በቲ ሓደ ወገን በቶም ተካእቶም ክኾኑ ዝግበኦም መንእሰያት ስሞም ክድወን፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ሕድሮም ብህግደፍ ክጥለም እንከሎ፡ ዘሕዝን እዩ። እቲ ዝያዳ ዘተሓሳስብ ከኣ እዞም ንኤርትራዊ ሓርበኝነት እናጠለሙ፡ ናይ ካልኦት መስዋእቲ ከጸባብቑ ዝመጣጠሩ ምዃኖም እዩ።
ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ26 ሚያዝያ 2023 ህጹጽ ኣኼባ ብምጽዋዕ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሱዳን ሰፊሕ ዳህሳስ ኣካይዱ። ድሕሪቲ ዳህሳሱ መፍትሒ ዝበሎም ነጥብታት መሰረት ብምግባር ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መጸዋዕታ ከቕርብ እንከሎ፡ ነቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ብ20 ሚያዝያ 2023 ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምድጋፍ ምዃኑ ኣንጺሩ።
ኣኼባ ኣብ ዳህሳሱ፡ ህዝቢ ሱዳን ብነዊሕ ዝተሓላለኸ ታሪኽ ዝሓለፈ፡ ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ፕረሲደንት ሱዳን ነበር ጀነራል ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ዝምራሕ መንግስቲ ንሰላሳ ዓመታት፡ ምስዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝሓልፎ ዘሎ ዝመሳሰል መሪር ህይወት ዘሕለፈ ምዃኑ መዚኑ። እንተኾነ ህዝቢ ሱዳን፡ ነዚ ወጽዓ ሓንጐፋይ ኢሉ ዘይተቐበለ ተባዕ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ተኸታታሊ ቃልሲ ኣካይዱ፡ ብ2019 ንስርዓት ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ምውጋዱ ተስፋ ዝህብ ከም ዝነበረ ዘኪሩ።
ህዝቢ ሱዳን ምምሕዳር ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ንምውጋድ ኣብ ዘካየዶ መሪር ቃልሲ፡ ናይ ሰራዊት ሱዳን ዝተወሰነ ምትሕብባር ምርካቡ ዝተገንዘበ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ድሕሪ ውድቀት ዑመር ኣልበሺር ህዝቢ ሱዳን ናብ ብህዝቢ ዝተመርጸ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር ዘብጽሕ መሰጋገሪ ስርዓት ንምፍጣር ኣብ ዘካየዶ ቃልሲ’ውን ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ ምኻኑ ኣስተብሂሉ፡፡ ይኹን’ምበር ኣብቲ መስርሕ ብጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሃገራዊ ሰራዊትን ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ዝምራሕ ተወርዋሪ ረዳት ሓይልን ከም ነብሶም ዝኸኣሉ ክልተ ተጻረርቲ ወተሃደራዊ ኣካላት ኮይኖም ምስታፎም ሓደ ካብቲ ሎሚ ተፈጢሩ ናብ ዘሎ ውግእ ዘምርሐ ምንባሩ ገምጊሙ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ዝተገብረ መስርሕ፡ ህላወ ክልተ ወተሃደራዊ ክንፍታት ኣጸጋሚ ስለ ዝነበረ፡ ንክተሓናፈጹኳ ስምምዕ እንተነበረ፡ “ድሕሪ ምትሕንፋጽከ መን ይምራሓዮ?” ዝብል ፍልልይ ናብቲ ተጋሂዱ ዘሎ ውግእ ከም ዘብጸሐ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ተገንዚቡ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ እቲ ብዓብይኡ ንህዝቢ ሱዳን ውሑስ ሰላምን ዲሞክራስን ከምጸኣሉ፡ ኣብ ምርግጋእ ዞባና ድማ ኣበርክቶ ክህልዎ ተስፋ ዝተነብረሉን ህዝቢ ሱዳን ክቡር ዋጋ ዝኸፈለሉን መስርሕ ተኾሊፉ ኣብዚ ንዕዘቦ ዘለና ዕንወት ምውዳቑ ሓዘን ከም ዝስመዖ ብምርዳእ ነዚ ዝስዕብ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።
ኣብ ደማዊ ውግእ ኣትዮም ዘለዉ ሱዳናውያን ወተሃደራዊ ወገናት፡ ብህጹጽ ውግእ ጠጠው ኣቢሎም፡ ጉዳዮም ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ዘተ ንክፈትሑን እቲ ተኾሊፉ ዘሎ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ናይ ምስጋር መስርሕ ክቕጽልዎን፥ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝተፈላለያ ሃገራትን ክልቲኦም ወገናት ውግእ ጠጠው ኣቢሎም፡ ግዜ ከይበልዑ ናብ ዙርያ ጠረጴዛ ክቐርቡ ንዘቕርበኦ መጸዋዕታ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።
ኣብ ልዕሊቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ከባብታት ዝነብር ህዝቢ ሱዳን፡ ኤርትራውያንን ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ካብቲ ብሰንኪ ውግእ ገጢምዎም ዘሎ ወጥሪ ዝወጽሉን መሰረታዊ ሰብኣዊ ረዲኤትን ኣገልግሎትን ዝረኽብሉን ኩነታት ንክፍጠር ጸዊዑ።
ናይ ቀረባን ርሑቕን መንግስታትን ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ኣብ ሱዳን ውግእ ጠጠው ኢሉ ናብ ሰላማዊ መፍትሒ ክኣትዉ ተጽዕኖአን ከሕይላ ደኣ’ምበር፡ ንረብሐአን ክብላ ነቲ ውግእን ሳዕቤናቱን ዘጋድድ ኢድ ምትእትታው ከይገብራ ተማሕጺኑ።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኣብ ሃገር ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሓደጋ ከይወድቁን ድሕነቶምን መሰላቶምን ክሕሎን ኣብ ልዕሊ ምጽዋዕ፡ ሰርዓት ኢሳያስ ነቲ ኩነታት መዝሚዙ ኣብ ኢዱ ዝወደቑ ኤርትራውያን ካብ ምእሳርን ምዕስካርን ንድሕሪት ስለ ዘይብል፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ሱዳን ነዚ ሓደጋ ኣብ ግምት ከእትዉ ኣዘኻኺሩ።
ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ህዝቢ ሱዳን ሓውን ጐረቤትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ መስርሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዝነበሮ ልግስን ኣበርክቶን ግቡእ ክብሪ ከም ዝህብ ኣረጋጊጹ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ምእንቲ ራህዋኡን መሰሉን ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ኣብ ጐድኑ ከም ዝስለፍ ኣረጋጊጹ።
27 ሚያዝያ 2023
ኣባላት እቲ ልኡኽ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦለ ኣዲስ ኣበባ
እቲ ልኡኽ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ መቐለ
ርእሰ-ምምሕዳራት 11 ክልላት ኢትዮጵያ፡ ከንቲባታት ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ካለኦት ዘብ መዚ ፈደራላዊ መንግስት ኢትዮጵያን ዝርከብዎ ላዕለዋይ ልኡኽ፡ ብ27 ማዝያ 2023 ኣብ ሰዓታት ንግሆ ብምክትል ፕረሲደንት ሰልፊ ብልጽግና ኣቶ ኣደም ፋራሕ ተመሪሑ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ኣትዩ። ነቲ ልኡኽ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ካለኦት ናይቲ ክልል ሓለፍትንን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ መቐለ ተቐቢለምዎም።
ዕላማ ናይዚ ምብጻሕ እቶም ሓለፍቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ንምዕዛብን ስምምዕ ፕረቶርያ ብግሪ ይትርጐም ከም ዘሎ ንምርግጋጽን ምዃኑ ተገሊጹ። ብዘይካዚ በቲ ሓደ ወገን ክልላት ኣብ መጻኢ ኣብ ዳግመ-ህንጻ ትግራይ ዝተሓባበራሉ መንገዲ ንምድህሳስ ዝሕግዝ ኮይኑ፡ ክልላት ሓገዝ ንምሃብ ቃል ክኣትዋ ድማ ትጽቢት ኣሎ። ኣብዚ ምብጸሖም ዝተመዛበሉ ዝተዓቖብሉ ቦታታትን ካልእ በቲ ውግእ ዝተጐድአ ቦታታን ክበጽሑ እዮም።
ኣብዚ መገሻ ናይቶም ምስ ትግራይ ኣብ ሓያል ምስሕሓብ ዝጸንሑ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምህላዎም፡ ናይ ብዙሓት ስምዒት ዝሰሓበን ትግራይ ኣብ ቀረባ ግዜ ምስ ጐረባብታ ክልላት ሰላም ክትገብር ተስፋ ዝህብን ኮይኑ’ሎ።
ብ26 ማዝያ 2023 እውን ዝተፈላለዩ ሓገዛት ዝሓዘ ፍሉይ ልኡኽ ክልል ኦሮሞ ናብ መቐለ በጺሑ ምስ ዝተፈላለዩ ኽፍሊ ሕብረተሰብ ናይታ ከተማ ተራኺቡ ከም ዝተመያየጠ ዝዝከር እዩ።
ባህግና Bahgna 131: ኣገደስቲ ዜናታት ሃገርናን ከባቢናን፣ ዋላ ግዜ ይንዋሕ፣ ኣይንርሰዓኩምን ኢና! ዝኽሪ 31 ዓመታት ማእሰርቲ ተጋደልቲ 26.04.2023
Written by Bahgna MediaMedia
ካብቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ብሰንክቲ ውግእ ኣጋጢሙ ዘሎ ወጥሪ፡ ካብ ካርቱም ንወገን ምብራቕ ዝሃደሙ ኤርትራውያን ኣብ ከባቢ ከሰላ ምስ በጽሑ፡ ብሓይሊ ተገዲዶም ናብ ኤርትራ ይውሰዱ ከም ዘለዉ ቢቢሲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዘለዉ ምንጭታታ ብምጥቃ ሓቢራ።
ወተሃደራት ሱዳን እውን ነቶም ምስ ሱዳናውያን ተሓዊሶም ካብ ካርቱም ዝሃደሙ ኤርትራውያን፡ ኣብ ከባቢ ከሰላ ምስ በጽሑ፥ ፈልዮም ናብ ተላታ ዓሸር ገጾም ንክኸዱ እናገደዱ፡ ነቶም ብሓይሊ ዝወስዱዎም ናይ ኤርትራ ኣባላት ስለያ፡ ከም ዝተሓጋገዝዎም እቶም ምንጭታ ጠቒሶም። እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ከም ዝሕብርዎ እተን ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዝጸዓና መካይን ካብ ካርቱም ከተማ ከሰላ ቅድሚ ምእታወን ኣብ ዘሎ መቆጻጸሪ ነቑጣ ይፍተሻ’ሞ፡ እቶም ኤርትራውያን በተን ዝመጽወን መካይን ናብ ተላታ ዓሸር ክቕንዑ ከም ዝግደዱን ካብኡ ድማ ኣባላት ህግደፍ ከም ዝርከብዎም ይገልጹ።
ካብቶም ኤርትራውያን ስድራ-ቤታት፡ ካብ ካርቱም በበይኖም ወጺኦም፡ ኣብ ከሰላ ክራኸቡ እሞ ኣብኡ ኮይኖም እንታይ ከም ዝገብሩ ክውስኑ እንዳተጸባበዩ፡ ከይተራኸቡ እቶም ኣቐዲሞም ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑ ተገዲዶም ከም ዝተወሰዱ ዝሓበሩ ኣለዉ። ካብዚ ኩነታት ክሃድሙ ፈቲኖም ጉድኣት ዘጋጠሞም ኤርትራውያን ከም ዘለዉ እውን ይሕበር።
ምምሕዳር ህግደፍ ብዙሓት ሃገራት ዜጋታተን ካብ ካርቱም ከውጸኣ ክጽዕራን ክሻቐላን እንከለዋ፡ ንሳቶም ግና ነቶም ውሱናት ኣብ ስለላ ኣዋፊረምዎም ዝጸንሑ መሳርሒኦም ጥራይ፡ ብምስጢር ከበግስዎም ከም ዝተራእዩ ምንጭታት ሰዲህኤ ብወገኖም ካብ ካርቱም ኣረጋጊጾም።
እዞም ዝጋፍዑ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ስደተኛታት፡ ንሕክምና ናብ ሱዳን ዝኸዱ፡ ኣብ መርዓ ደቆም ናይ ምስታፍ መደብ ዝነበሮም ስድራ-ቤታትን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ካርቱም ዝገሹን ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትርውያን ካብ ካርቱም ናብ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ቻድን ገጾም ይኸዱ ከም ዘለዉ’ውን ተፈሊጡ።
(ኣብ መርበብ ሓርነት ወጺኡ ካብ ዝነበረ መዘከርታ)
ሰላሳን ሓደን ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ፡ ብገበን ነይሩ እንተዝኸውን፡ ፍርዲ እንተዘሰንዮ፡ መሰል እሱራት ብዝተኸብረሉ መንገዲ እንተዝኸውን ግዲ ኣይምበለን። እቲ ዘደንጹን ዘሕዝንን ግን እዚ ኢዩ በደልኩም ከይተባህሉ ብዘይ ክሲን ፍርድን፡ ናይ ቀረባ ይኹን ናይ ርሑቕ ቤተ-ሰብ ዝበጽሖምን ዝርእዮምን ዘይብሎም ጩራ ብርሃን ኣብ ዘይብሉ ጸልማት ን31 ዓመታት ክነብሩ እንከለው፡ ኣዚዩ መሪርን ኣቐንዛውን ኢዩ። እዚ፡ ኣብዚ ዘመንዚ ብዘይካ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዓለም ዘጋጠመ ተግባር ኣይኮነን።
ብዘይካ ኣብያተ-ማእሰርቲ፡ ካልእ ናይ ልምዓት ህንጻታት፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ይኹን ኣብያተ-ሕክምና ኣብ ዘይህነጻ ኤርትራ ብዘይ ክስን ብዘይ ፍርድን ተኣሲሮም ዘለዉ፡ ብዝኸፍአ ድማ፡ ብህሉው ስርዓት ሂወቶም ዝጠፍኡ ቁጽሮም ዝፍለጥ ኣይኮነን። ኣብ ትሕቲ ምልኪ ኣብ እትነብር ዘላ ኤርትራ ዜጋኣ ዘይተሰዋኣላ፡ ዘይትኣሰረላ፡ ዘይተቐተለላን ዘይተሰጐላን መዓልቲ የለን። ሎሚ መበል ሰላሳን ሓደን ዓመት ማእሰርቲ ናይ ክልተ ብጾት ተቓለስቲ ንዝክር ኣሎና። ንብጾትና ከኣ ብኣድናቖትን ብኣኽብሮትን ኢና ንዝክሮም።
ቅድሚ ሰላሳን ሓደን ዓመታት ብ26 ሚያዝያ 1992፡ ድሕሪ ሃገራዊ ናጽነት ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልአ ግዜ ማለት ኢዩ፡ ሃገር በቲ ዝተረኽበ ዓወት ናጽነት ገና ኣብ ሓጎስን ፈንጠዝያን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እዮም ተጋደልቲ ወልደማርያም ባህልቢን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ምስ ጸጥታ ሱዳን ብምትሕብባር ካብ ከሰላ ተኣሲሮም ዝተወስዱ። ክልቲኦም፡ ነባራት ተጋደልቲ ኣባላት ላዕለዋይ መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝነበሩ ኢዮም። እቲ ናይ ኩሉ ሃሚ፡ ቀልብን ተስፋን ዝነበረ ከመይ ጌርካ ነዛ ብነዊሕ ናይ ቃልሲ ዓመታትን ክቡር መስዋእትን ናጻ ዝወጸት ሓዳስ ሃገር ኢደይ ኢደይ ኢልካ ትሃንጻ ኢዩ ነይሩ። ከመይ ገይሩ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ታሪኹ ከም ናጻ ህዝቢ ዝኣትዎ ዘሎ ታሪኻዊ ምዕራፍ፡ ወሳኒ ኣብ ጉዳዩ ኮይኑ ዝኸደሉ መንገዲ እንዳተሓስበ ኢዩ ነይሩ። ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዝቃለስ ዝነበረ፡ መሪሑ ናጽነት ዘምጽአ ውድብ፡ ካብ ጸላኢ ዝማረኾም ከይተረፈ ብምሕረት ዘፋነወ ውድብ ኩሉ ህዝቢ ኣፈናዊ ተስፋታቱ ኣንቢርሉ ዝነበረ ውድብ፡ ኣብ ናጽነት ሃገሮም ግደኦም ዘበርከቱ፡ ኣብ ምህናጻ እጃሞም ከበርከቱ ንዝኽእሉን ኤርትራውያን ምእሳርን ድሃዮም ምህጣምን ናይ ዕብዳን፡ ዕብዳን ጥራይ ኢዩ ነይሩ ክበሃል ዝከኣል።
እቲ ነቲ ጉዳይ ዝያዳ ኣደንጻዊ ዝገብሮን ነቲ ጠላምን ከሓድን ኣሰራርሓ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ዘቃልዖን ታሪኽ ዘለዎ ምዃኑ ኢዩ። ኣብ መንጎ መሪሕነታት ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ንዓመታት ዝጸንሐ ናይ ምዝርራብ ዝምድና ነይሩ። መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ነቲ ዝምድና ብናቱ ኩነት ክዛዝሞኳ ዝደሊ እንተነበረ፡ ንውድብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ብዝነበሮ ተቐባልነትን ኣጽቂጡ ክሰግሮ ዘይከኣል ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ኣብ እንካን ሃባን ንምብጻሕ ብዝተፈላለየ ጽፍሒታት ውድብ ሰውራዊ ባይቶ ምስ ልኡኻት ህዝባዊ ግንባር ጽዑቕ ርኽክባት ይካየድ ነይሩ። ነቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት ብወድዕነት ምምዛን ከም መእተዊ ናይቲ ዝስዕብ መድረኻት ስለዝነበረ ክልቲኦም ሸነኻት ኣብኡ ኣተኲሮም ይዝትዩ ነይሮም። ብ30 ሰነ1991 ብኣቦ መንበር ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝተዳለወት መዘክር ናብ ዋና ጽሓፊ ህዝባዊ ግንባር ኤርትራ (መራሒ ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ) ብኢድ ወኪሎም ኣብ ከሰላ ንክትበጽሕ እውን ተዋሂባ።
እቲ ዝተኻየደ ዘተታት ሓልዮትን ሓላፍነትን ዝመልኦ ናብ ዝሓሸ መንገዲ ንምብጻሕ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ስልጣን ንምክፋል ጠለብ ኣይነበሮን። ናይ ግዚያዊ መንግስቲ ዕማማት ክሳብ መሰጋገሪ መንግስት ዝቐውም ብህዝባዊ ግንባር ክካየድ ሰውራዊ ባይቶ ድሉው ነይሩ። ውድባዊ ሃለዋቱ ከየፍረሰ ንግዚያዊ ኣመራርሓ ህዝባዊ ግንባር ተቐቢሉ ኣብ ህንጻ ሃገርን ምትካል ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ምስ ኩሎም ሓይልታት ኮይኑ እጃሙ ከበርክት ቅሩብ ነይሩ። ሓድነት ሓይልታት ሰውራ ኤርትራ ካብ ቅድም ብዝለዓለ ተጠላቢ ምንባሩ፡ ብሓዲሽ መንፈስ ንምርግጋጹ ጻዕሪ ክካየድ ከምዝግብኦ ይርኢ ነይሩ። ብኣንጻሩ ህዝባዊ ግንባር ህላወ ካለኦት ውድባት ብምኽሓድ ብዉልቀ ደረጃ ንዝገብርዎ መጸዋዕታ ከም ሓሳብውን ይቕበሎ ኣይነበረን። ኣብቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ንኣብዝሓ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ከም መሳርሒ ንርጉእን ስልጡንን ሕብረተሰብ ምህናጽ’ምበር ከም ዕላማ ይውሰድ ኣይነበረን።
ብወከልቲ ህዝባዊ ግንባር ዝቐርብ ዝነበረ፡ ኤርትራ ከም ዝተዓወተት፡ እቲ ሽዑ ዝነበረ ስራሕ ምህናጽ ሃገር ምዃኑ፡ ህዝባዊ ግንባር ናይ ቃልሲ ባይታ ስለዝኾነ ኣብ ውሽጡ ምእታው ከምዘድሊ፡ ናይ ውድባት ጉዳይ ምስቲ ክትከል ዝምረጽ ፖለቲካዊ ስርዓት ዝተኣሳሰር ከም ዝኾነ ይገልጹ ነይሮም።
እቲ ኣብ ከሰላ ዝካየድ ዝነበረ ዝርርብ፡ ኣብ ኣስመራ ንክቕጽል ስምምዕ ተበጺሑ። ብወገን ውድብና፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ሰውራዊ ባይቶ ኣሕመድ ናስር ዝመርሖ ዝለዓለ ናይ ዘተ ልኡኽ ቆይሙ። ካብ ካርቱም መገሽኡ ናብ ኣስመራ ኣብ ዘምርሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ካርቱም ብዝነበረ ወኪሎም እቲ መገሻ ከምዝተሰረዘ ተሓቢሩ። እቲ ምኽንያት ናይቲ መሰረዚ ግን ኣይተገለጸን። ብወገን ሰውራዊ ባይቶ እዚ ምውሳእ ናይዚ ክልተ ኣካላት ምድልላይን ኣወንታዊ ዝምድናን ዘመልክት ኢዩ ዝብል ግምት ነይሩ። ናይ ተጋደልቲ ወልደማርያምን ተኽለብርሃን (ወዲ ባሻይ)ን ተራ ኣብዚ መዳይዚ ዕዙዝ ነይሩ። መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ነዚ እንኮ መድሕን ፖለቲካዊ መስርሕ ኤርትራ ዝነበረ ጽምዶ፡ ምስ ካልኦት ሓይልታት ውን ክገብሮ ዝነበሮ ጠሊምዎ ኢዩ። ነዚ ኣሳታፊ መርገጽ ነጺጉ ከኣ ናብ ጨዋዪ፡ ኣሳርን ረሻንን መርገጻት ተሰጋጊሩ። ምስ መንግስቲ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ተሻሪኹ ውድባት ንምድምሳስ ኣብ ውግእ ሕድሕድ ኣትዩ።
መዓስ ኢዩ ውድብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ካብ መዛቲይቲ ናብ ኣስጋኢ ተቖጺሩስ፡ ንምቕንጻሉን ንምድምሳሱን ዝወሰነ? ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ቂምን ቅርሕንትን ዘይነብር፡ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተሻሪኹ ኣብ ልዕሊኡ ንዝፈጸሞ ሃገራዊ ገበን ንታሪኽ ገዲፉ ኣብ ምትሕግጋዝ ዝኣተወ ኢዩ። ኣብ ፍሉይ እዋን ክጥቀመሉ ንዘይከኣለ ከበድቲ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ኣብ ጠቕሚ ሰውራ ንክውዕል ንመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ኣረኪቡ። ኩሉ ግዜ ቀዳምነት ዝህቦ ህዝብን ሃገርን ስለ ዝነበረ፡ ህዝባዊ ግንባር ከምኡ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዝግደስ ነይሩ እንተዝኸውን ስግኣት ኣይምኾኖን። ትጽቢት መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር፡ ሰውራዊ ባይቶ ወይ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትዩ ክእሰር ወይ’ውን ኣብ ግዳም ኮይኑ ሓንቲ ዘይገብር፡ ለሚሱ ንክነብር ኢዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ሰውራዊ ባይቶ፡ ብዘይካ ነቲ ዝተሰለፈሉ ህዝባዊ ዕላማን መትከላትን ጽኑዕ ኮይኑ ምቕጻል ካልእ ምርጫ ኣይነበሮን።
ስለዚ ሰውራዊ ባይቶ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝተንፍጎ ናይ ቃልሲ ባይታ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኮይኑ ክቕጽሎ መደብ ኣውጽአ። ክልተ ኣብ ሜዳ መሻርኽቲ ዝነበሩ፡ ተመሓዝዮም ንተሓኤ ዝሃረሙ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን መንግስታት ኮይኖም። ብኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣቢልካ ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ዝመስል ኣይነበረን። እንተኾነ ግን ኢትዮጵያ ብዙሓት ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝዋስኡላ ሃገር ስለዝነበረት፡ በቲ ሓደ ሓይሊ እንተተዓጸኻ በቲ ካልእ ሓይሊ ክኽፈተልካ ስለዝኽእል መሪሕነት ሰውራዊ ባይቶ ንኹሉ ዕድላት ዳህሰሰ። ኣብቲ ድህሰሳ ግን ዋላ እቲ ናይ ህዝባዊ ግምባር መንገዲ ክኽተል ኢዩ ተባሂሉ ዝተፈርሐ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቲና ክንንቀሳቐስ ከም እንኽእል ፈቐደ። እዚ እዋንዚ ቅድሚ ረፈረንደም ስለ ዝነበረ ኤርትራዊ ክነስኻ ኢትዮጵያዊ መሰል ተጠቒምካ ምንቅስቓስ ዘጸግም ብዘይ ምንባሩ ኢዩ።
ገለ ኣባላት መሪሕነትን ላዕለዎት ካድራትን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ሚያዝያ 1992 ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣተዉ። እዚ ንመሪሕነት ህዝባዊ ግምባር መንጸሮር ዘትሕዝ ዜና ኮነ። ድሕሪ'ዚ ድማ፡ መራሕትን ካድራትን ናይዚ ውድብ ክጨውዩ፡ ክኣስሩን ክቕንጽሉን ከም መደብ ሓዙዎ። ቀለስትን ኣዋፈርትን ዝነበሩ ኣባላት ላዕለዋይ መሪሕነት ሰውራዊ ባይቶ ተጋደልቲ ወልደማርያምን ተኽለብርሃንን ኣብታ ወርሒ ብ26ሚያዝያ 1992 ኣብ ከሰላ ምስ ጸጥታ ሱዳን ብምትሕብባር ካብ ገዛ ናይ ዘመዶም ጨወይዎም። ሽዑ ምስ ወሰድዎም ኣበይ ኣለዉ ዘይበሃሉ እነሆ ንሰላሳን ሓደ ዓመታት ኩነታቶም ስዉር ኣሎ።
መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ናይ ምእሳርን ምቕንጻልን መደባቶም ብምቕጻል፡ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ፡ ብዝገበርዎ ሓያል ድፍኢት 26 ተቃለስቲ ብ28 ሚያዝያ 1994 ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐይዶም። እንተኾነ ግን፡ ውድብ ሰውራዊ ባይቶ ብዝገበሮ ሓያል ጻዕርን ተጽዕኖን ማእሰርቶም ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ስለዝተጋውሐን መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓደኛ ስለዘይኮነን “ኣረኩብኒ” ዝብል ጠለብ መንግስቲ ኤርትራ ኣይተዓወተን። መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያን ኤውሮጳን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከለዉ ፖለቲካዊ ዑቕባ ብምሃብ ከኣ ነናብ ሃገረን ወሲደንኦም። ዝተረፉውን ብሜላ ናብ ድሕነት ዝረኽብሉ ሃገራት ተሰዲዶም።
መሪሕነት ናይዚ ክሳብ 1994 ህግሓኤ ካብ 1994 ንደሓር ድማ ህግደፍ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዘሎ ግንባር፡ ናይ ኣስማት ፍልልይ እንተዘይኮይኑ ናይ ተግባርን ባህሪን ፍልልይ የብሉን። ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላቶም ንዘዘውተሩ ብቐጻሊ ብውልቀ ይኹን ብእኩብ ኣሲሮም ኩነታቶም ኣብ ዘይፍለጥ ደርብዮሞም ሃለዋቶም የጥፍእዎም። መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ልዕሊቲ ዘርዚርናዮ ዘሎና እከይ ስራሓቶም፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1992 መሻይኽን መምሃራንን ዝርከብዎ፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ታሕሳስ 1994 ብርክት ዝበሉ ንጹሃት ዜጋታት ካብ ከረንን ከባቢኡን ኣቑርደትን ጨውዮም ብምውሳድ ኣበይ ከምዘእተዉዎም ዘይፍለጥ ኣጥፊኦሞም ኢዮም።
ስም ውድቦም ናብ ህግደፍ ምስ ቀየሩ ድማ፡ ኣብ መስከረም 2001 ኣብ መንግስቲ ዝነበሩ ላዕለዎት ሰብ ስልጣንን ጋዜጠኛታትን ብብዝሒ ኣሲሮም የሳቕይዎም ኣለዉ።
ነዚ ከም ኣብነታት ድኣ ንጠቕሶ ኣለና እምበር ብፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኦምን ሃይማኖታዊ እምነቶምን ንዓመታት ተኣሲሮም ዝማሰኑ ብዝሓት ኢዮም። ህዝቢ ኤርትር ንገዛእ ርእሱ እታ ዝነኣሰት ሰብኣዊ መሰሉ ከተኽብረሉ ዘይከኣለት ሃገሩ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ኮይናቶ ኣላ።
ግዝያዊ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ሱዳን፡ ዑመር ኣል በሺር ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጻኢ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜናሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብዘካየደቶ ጽዑቕ ምይይጥን ሓያል ተጽዕኖን፡ ኣብ ውግእ ሱዳን ተጸሚዶም ዝቐነዩ ተቓናቐንቲ ወገናት ካብ 24 ማዝያ 2023 ዝጅመረ ን72 ሰዓታት ዝጸንሕ ግዝያዊ ምቁራጽ ተኹሲ ከም ዝተሰማምዑ፡ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። ሱዳን ፖስት ዝተባህለት ማዕከን ብወገና፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሺርን ምስኡ ዝተኣስሩ ናይ ቅድም ላዕለዎት ሓለፍትን ካብቲ ዝነበርዎ ቤት ማእሰርቲ ኮበር ናብ ካልእ ቦታ ከም ዝተወስዱ ሓቢራ።
እቲ ግዝያዊ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ድሕሪ ንትሻዕተ መዓልታት ኣብ ደማዊ ውግእ ምጽናሕ ዝተበጽሐ ኮይኑ፡ በቲ ውግእ ልዕሊ 400 ሲቪል ሰባት ሞይቶም ኣስታት 4000 ክቖስሉ እንከለዉ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኣገደስቲ ትሕተ-ቅርጻ ከተማ ካርቱም ድማ ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዱ። ኣሜሪካ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ግዝያዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ምብጽሖም ሓጐሳ ብምግላጽ፡ በቲ ስምምዕ ክጸንዑ ተማሕጺና።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሱዳን እቲ ግዝያዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል፡ ምእንቲ ሰብኣዊ ምኽንያታት ዝተበጽሐ ምዃኑ ጠቒሶም ንህዝቢ ሱዳን ካብቲ ዝጸንሖ ጨንቂ ከቃልለሉ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎም ሓቢሮም። ኣገዳስነት ቀጻልነት እቲ ስምምዕ ዕዙዝ ምዃኑ ድማ ኣስሚረምሉ። ወገን ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ ብወገኑ፡ ነቲ ግዝያዊ ምቑራጽ ተኹሲ ምእዙዝ ምዃኑ ብምጥቃስ ሰብኣዊ መተሓላለፊ ክኸፍት ቅሩብ ምዃኑ ሓቢሩ።
ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ነቲ ግዝያዊ ስምምዕ ብዝምልከት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ቀጻሊ ዘተ እተካይድ ኮሚተ ኣብ ምምዛ፡ ምስ ዞባውን ዓለም ለኻውን ኣካላትን እቲ ጉዳይ ምስ ዝምልከቶም ሱዳናውያን ሲቪል ኣካላት ከም ዝተሓባበሩ ቃል ኣትዮም። በዚ ኣቢልካ ቀጻሊ ህውከት ጠጠው ናብ ምባልን ኣብ ሱዳን ሰብኣዊ ኩነታት ናብ ምጥጣሕ ንክብጻሕን ከም ዝሰርሑ ከኣ ቃል ኣትዮም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሺርን ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ናይ ቅድም ላዕለዎት ሓለፍትን ካብ ቤት ማእሰርቲ ኮበር ወጺኦም፡ “ልጉስ” ናብ ዝተባህለ ከባቢ ከም ዝተወሰዱ ሱዳን ፖስት ሓቢራ። እዚ ዝኾነሉ ኣባላት ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ ምዃኖም ዝግመቱ ዕጡቓት ንቤት ማእሰርቲ ኮበር ብሓይሊ ኣጥቂዖም ምስ ከፈትዎ እዩ።
ኣባላት ፖሊስ ብወገኖም ንሱዳን ፖስት ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ ስጉምቲ ዝተወስደ በቲ ሓደ ወገን ንድሕነት ናይቶም ናይ ቅድም ሓለፍቲ ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ንከይሃድሙ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ዑመር ኣልበሺር ኣብ ከባቢ ኡምዱርማን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ተዓቚቡ ከም’ሎ ዝብሉ ኣካላት’ውን ኣለዉ።
More...
ሰክረታር ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ሰዲህኤ፡ ኣብ 24 ሚያዝያ 2023 ኣኼባ ብምክያድ፡ በቲ ቤት ጽሕፈት ዝተኻየዱ ዕማማት ገምጊሙ። ኣብቲ ገምጋሙ፡ ተበግሶታትን ምቅርራብን ንምምስራት ናይ ሓባር ጽላልን፡ ርክባት ምስ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባት በተናጸልን ብሓባርን ዝምልከቱ ዛዕባታት ዳህሲሱን ሓፈሻዊ ሚዛን ኣንቢሩ።
ብዘይካዚ ኣብ ምርካብ ናብ 4ይ ጉባኤ ሰዲህኤ ዝቐርቡ ናይ 4ተ ዓመታት ጸብጻባት ናይ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለን ድሕሪኡ ናይ ዝካየዱ ኣኼባታት ፈጻሚ ሽማግለ፡ ማእከላይ ባይቶን ሰክረታር ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበርን ከምኡ እውን ኮንፈረንስ መላእ ኣባላት ሰዲህኤ ዝምልከት ናይ ግዜ ሰሌዳ ሰሪዑ።
ሰክረታርያት ቤት ጽሕፈት ኣቦመንበር፡ ኣብ ምድላው ኤርትራዊ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2023 ካብኡ ንዝድለ ሓገዝ ከበርክት ድሉውነቱ ኣረጋጊጹ። ንኣተዓዳድማ ወከልቲ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ከምኡ እውን ዘይኤርትራዊ ሰልፍታት፡ በርገሳዊ ማሕበራትን መድያታትን ኣገደስቲ ባእታታትን ብዝምልከት ድማ ሓፈሻዊ ምይይጥ ኣካይዱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ፡ ምስቲ መንግስቶም “ሸኔ” ዝብሎ፡ ንሱግና “መጸውዕየይ ሸኔ ዘይኮነ፡ ሰራዊ ሓርነት ኦሮሞ እዩ” ዝብል፡ ውድብ ክዛተዩ ምዃኖም ብ23 ማዝያ 2023 ኣብ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣስተዋጸኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ኣፍልጦ ንምሃብ ዝተዳለወ ስነ ስርዓት ኣፍሊጦም።
ናይ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣዛዚ ኦዳ ተርቢ ብወገኑ እቲ ዘተ ሳልሳይ ኣካል ኣብ ዘለዎ ኣብ ሃገር ታንዛንያ ብ25 ማዝያ 2023 ከም ዝካየድ ብምጥቃስ፡ ነቲ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ መግለጺ ኣረጋጊጽዎ። ካብዚ ሓሊፎም ክልቲኦም ወገናት ዘተ ዝካየደሉ ቦታ ታንዛንያ ምዃኑ እምበር፡ እቲ ኣዛታዪ ሳልሳይ ኣካል መን ምዃኑ ብዝምልከት ዝሃብዎ ሓበሬታ የለን። እንተኾነ መንነቶም ክጥቀስ ዘይደለዩ ምንጭታት፡ ኣብቲ ዘተ ተወከልቲ ስዊድን፡ ነርወይ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኣሚሪካን ከም ዝሳተፉ ንቢቢሲ ገሊጸምሉ።
ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ክልል ኦሮሞ ብፍላይ ኣብ ምዕራብን ደቡብ ወለጋ ሰፊሕ ቦታ ተቖጻጺሩ ዘመሓድር ዘሎ ኮይኑ፡ ክሳብ ምዕራብ ሃረርጌን ሰሜን ሸዋን ብሰፊሑ ተንቀሳቒሱ ዝተፈላለዩ ስርሒታት ዝፍጽም፡ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ 2021 ጀሚሩ “ፈጣሪ ራዕዲ” ተሰይሙ ዘሎ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ግዜ ምስዚ ውድብዚ ከምዘይዛተኳ ይገልጽ እንተነበረ፡ ካብዚ ቀረባ ግዜ ግና ክዛተ ቅሩብነት ምዃኑ ኣርእዩ። እንተኾና ብዛዕባ እቲ ዘተ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ምክያዱን ሳልሳይ ኣካል ምስታፍን መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለ ዘይተቐበሎ ምስምማዕ ስኢኖም ጸኒሖም። ሎሚ ግና ብመግለጺ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ናብ ዘተ ዝኣትዉ ዘለዉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ሰሓኦ ዘቕረቦ ቅድመ-ኩነት ስለ ዝተቐበሎ እዩ ዝብል እምነቱ ኣንጸባሪቑ።
ብኻልእ ወገን ድማ ፕረሲደንትታት ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብምክትል ፕረሲደንት ሰልፊ ብልጽግና ተመሪሖም ናብ ትግራይ ከም ዝጐዓዙ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሓቢሮም። እቲ መገሻ ናብ ትግራይ፡ እቶም መራሕቲ ክልላት ኣብታ ክልል ዘሎ ኩነታት ተዓዚቦም ኣብ ህንጸት ዝሕግዝሉ ኩነታት ንምፍጣር ምዃኑ እውን ተሓቢሩ ።
ባህግና Bahgna 130፣ ሰሙናዊ ዜንታት ሃገርናን ዞናናን፣ ቃልሲ ኣብ ስደት ከቢድ እዩ፣ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ 23.04.2023
Written by Bahgna MediaMedia
ኣሜሪካ ልዕሊ 800 ኣባላት ሓለዋ ብ15 ማዝያ 2023 ናብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ከም ዘዋፈረት ተሓቢሩ። እቶም ኣባላት ሓለዋ ቅድሚ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምብጋሶም ኦክለሃማ ኣብ ዝርከብ መደበሮም ኣፈናንዋ ከም ዝተገብረሎም ኣዘዝቲ እቲ ትካል ኣፍሊጦም። እዞም ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተፋነዉ ኣባላት ሓላዋ፡ ኣካል ሓይሊ ዕማም ቶምሃውክ መበል 45 ኣጋር ብርጌድ ምዃኖም እውን ተሓቢሩ።
እዞም ኣካል ሓይሊ ዕማም ቶምሃውክ ኮይኖም ዝዋፈሩ ኣባላት ሓለዋ ኣሜሪካ፡ ምስቲ ኣብ ሓሙሽተ ቦታታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰፊሩ ዘሎ ጸጥታዊ ኣሃዱታት ከም ዝተሓጋገዙን፡ ኣካልቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘሎ ናይ ግብረ-መልሲ ሓይሊ ኣሜሪካ ኮይኖም ዝሰፍሩን እዮም። እቶም ሓሙሽተ ቦታታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተባህሉ ኣብቲ ዜና ግና ኣይተረቑሑን።
ሌተናል ኮለኔል ብረንት ዊቸ ዝተባህሉ ኣዛዚ ሓይሊ ዕማም ቶምሃውክ፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣፈናንዋ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ናይቶም ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝወፈሩ ወተሃደራት፡ ቤተሰቦም ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ከም ዝግበረሎም ቃል ኣትዮም። ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተሳተፉ ቤተሰብ፡ ነቶም ወተሃደራት ሰናይ ትምኒቶም ገሊጾም ኣፋንየምዎም።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ናይዞም ተወሰኽቲ ኣሜሪካውያን ወተሃደራት ናብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ምውፋር፡ ምስቲ ኣሜሪካ አቶም ኣሱዳን ኣብ ወጥሪ ዘለዉ ዜጋታታ ናብ ውሑስ ቦታ ከተውጽእ ኣብ ጅቡቲ ትገብሮ ዘላ ምድላዋት ዘተሓሕዝዎ ኣካላት ኣለዉ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣሜሪካ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጅቡቲ 360 ሺሕ ትርቢዒት ሜትሮ ኣብ ዝስፍሓቱ መደበር፡ ልዕሊ 4500 ቀወምቲ ወተሃደራት ከም ዘለዉዋ ይፍለጥ። ኣብ ርእሲዚ ተንቀሳቐስቲ ሓይልታት ባሕርን ኣየርን ከም እተዋፍር እውን ይንገር።