ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ትሕቲ “ትግራይ እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት/ኤፈርት) ዝመሓደራ ዝነበራ 21 ትካላት ትግራይ፡ ብሰንኪ ውግእ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ክልል ትግራይን ምኽፋቱ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ፡ ብውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈደራል ኢትዮጵያ ብ28 ሓምለ 2023 ከም ዝተሳዕረ፡ መርበብ ሓበሬታ ኢትዮጵያን ኢንሳይደር/ETHIOPIAN INSIDER ሓቢራ። ነዘን ትካላት ብግዝያውነት ከመሓድር ዝጸንሕ ኣካል፡ “ኮመርሻል ኖሚንንስ” ሓላፍነቱ ከረክብ’ውን በቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተኣዚዙ። እዚ ውሳነ ነቲ ጠቕላሊ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ድሕሪ ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እዘን ትካላት ብኻልእ ኣካል ካብ ምምሕዳር ናጻ ኮይነን ናብ ዋናአን ንክምለሳ ዝሃቦ ውሳነ ተኸቲሉ ምዃኑ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
ካብዘን ኣብ ብ1995 ኣብ ትግራይ ዝነበረ ድርቂ ንምክልኻልን ቁጠባ ንምዕባይን ዝቖማ ትካላት፡ ሱር ኮንስትራክሽን፡ መስፍን ኢንጂነሪንግ፡ ጉና ትራይዲንግ፡ መሰቦ ስሚንቶ፡ ኣልመዳ ፋብሪካ ዓለባ፡ ሳባ እምነበረድ፡ መስከረም ሜካናይዘሽን ሕርሻ፡ ደጀና ኬሚካል፡ ዝኣመሰላ ይርከበአን። ናይዘን ትካላት ናይ ባንክ ሕሳብ ኣብ ትግራይ ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ “ንፈጠርቲ ራዕዲ ገንዘባዊ ሓገዝ ትገብራ ኣለኽን” ብዝብል ተዕጽዩ ከም ዝነበረ እውን እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ።
እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ እቲ ነዘን ናይ ትግራይ ትካላት ብውክልና ከመሓድር ዝጸንሐ ኮመርሻል ኖሚንስ፡ ኣብቲ ነተን ትካላት ዘመሓደረሉ ዝነበረ ግዜ ብዛዕባ ዝነበረ ምዕብልና ምሉእ ጸብጻብ ከቕርብ ኣዚዝዎ ኣሎ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣባልነታ ከም ውድብ ንክሕደሰላን ንብረታ ንክምለሰላን ናብ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ጥርዓት ጌና መልሲ ኣይረኸበን። እንተኾነ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንክርከበሉ መራሕታ ተስፋኦም ክገልጹ ጸኒሖም።
ብኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን ዝተዳለወ፣ ብኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ድማ ዝተሰላሰለ ፈስቲቫል ኤርትራ 2023 ብ28 ሓምለ 2023 ጀሚሩ ቀንዲ መዳባቱ ድማ ንጽባሒቱ ሓምለ እዩ ብዝግባእ ኣካይዱ። ኣብ ምጅማር እቲ ፈስቲቫል፡ ሰንኪ ኮቪድ-19 ዝነበረ ዕጽዋ ተሰይሩ ተሳተፍቲ 4ይ ጉባኤ ሰዲህቱን መሓዙት ንሰለስተ ዓመታት ዝኣክል በዂርዎም ዝጸንሐ ኣካል ምርኻን ምዝንጋዕን ዘረጋገጽሉ ናይ እሂም ምሂንን ወግዕን ምሸት እዩ ነይሩ።
ብዘይካዚ ኣብ ራባዓይ ጉባኤ ሰልፊ ዝተመርጸ ማእከላይ፣ እቲ ዝበዝሔ ብኣካል ዝተረኽበሉ እቲ ክርከብ ዘይካኣለ ድማ ብሳይበ ፈላሚ ርክብ ዘካየደሉን ኣቦ መንበርን ፈጻሚ ሽማግለን ዝተመጸሉ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣብ ቦታ ፈስቲቫልዩ ተኻይዱ።
ካብ ቀንዲ መደባት ናይዚ ዓመት ፈስቲቫል ማሕበራውንን ፖለቲካውን ጉዳያት ኮይኑ፣ 29 ሓምለ ዝተኻየደ እዩ፣ ብመራሕቲ መድረኽ ሓውቲ ኣድያም ተፈራን ሓው ግርማይ ዘምኪኤልን ብዝቐረበ ሰናይ ትምኒትን ምስጋናን ተኸፊቱ። መራሕቲ መድረኽ ብዓረብኛን ትግርኛን እቲ ብመንገዲ ፈስቲቭላትን ኣኼባታትን ህዝቢ ንኸይራከብ ዓንቂጹ ዝጸንሐ ቀንዲ ምኽንያታት ምእላዩን ዳግም ንክንራከብ ምኽኣልናን ሓጎሶም ድሕሪ ምግላጽ፣ ፈስቲቫል ንዝኽሪ ሰማእታት ብናይ ሓደ ደቂቕ ጽሞና ክኽፈት ድሕሪ ምሕባሮም፣ ንሓው ዶክተር ኣኽሊሉ ግርማይ ቃል ኤርትራዊ ማሕበር ንኸስምዕ ዕድል ሂቦም።
ሓው ኣኽሊሉ ግርማይ ኣብ መግለጺኡ ተወከልቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ምንቅስቃሳትን ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ብሓፈሻ ኣድናቆቱ ብምግላጽ ምስጋንኡ ኣቕሪቡ። ፈስቲቫል ንኽዕወትን ንተሳተፍቲ ጽቡቕ ግዜ ክኾነሎምን ተመንዩ።
ቀጺሉ፡ ቃል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብኣቦ መንበር ሽማግለ ሓው ጸሃየ ቀለታ ብሰፊሕ ቀሪቡ። ሓው ጸሃየ ብሰላምታ ናይቲ ኣብ ሽወደን ዝርከብ ማሕበር ሽወደናውያን ኤርትራውያን ጀሚሩ፣ ሕማም ኮሮና ቫይረስን ህዝቢ ንኸይራኸብ ዝነበሮ ኣሉታዊ ግደን ሳዕብየናቱን ብምጥቓስ፣ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረዶን ዘውርዶ ዘሎን ሕሰም ብሰፊሑ ኣብሪሁ። ይኹን እምበር ደምበ ተቓውሞ እውን ኣብ ምድንጓይ ድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ተራኡ ግዙፍ ብምዃኑ፣ ካብ ተሓታትነት ክድሕን ከምዘይክእል ቅሪታኡ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ዕለተ ናጽነት ግዝያዊ መንግስቲ ህዝባዊ ግንባር ኮነ ህግደፍ ዝተኸተልዎ ጥልመትን ቅትለትን ኣስራትን እናረኣየ ፍኒሕ-ኒሕ ክብል ዘይምኽኣሉን ጠቒሱ። ንምሉእ ትሕዝቶ መግለጺ https://harnnet.org/index.php/articles-corner/tigrina-articles/item/8882-2023-07-31-05-41-00
ድሕሪ ሰፊሕ መግለጺ ሓው ጸሃየ፡ ሓው ክብራ ኣብ ምስግና ንፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ወኪሉ ንዝተገብረሎም ዕድመ ብምምስጋን፣ ንዓውት ፈስቲቫል ኤርትራ ተመንዩ፣ ንመድረኽ ፈስቲቫል ሰዲህኤ ጋሻ ከምዘይኮነን፣ ከም ቤቱ ከምዝርእዮን ድማ ሓቢሩ። ኣስዒቡ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ዘተን ልዝብን ዓመታት፡ ድሕነትን ሓድነትን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ከረጋግጽ ዝኽእል ፖሓኤ፡ ሓባራዊ መሰጋገሪ መሪሕነት ንምቛም ተሰማሚዑ ምህላዉ ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ኣበሲሩ። እቲ ስምምዕ እውንታዊ ነጥበ መቐይሮ ምዃኑውን ጠቂሱ። እዚ ስምምዕ’ዚ ንኽዕወት ግን ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዕማም ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ግዱስ ናይ ለውጢ ሓይሊ ክድግፎን ንምዕዋቱ ክጽዕርን ከም ዝግብኦ ኣመልኪቱ። ብዘይካዚ ገና ኣብዚ ተበጺሑ ዘሎ ሓባራዊ ስምምዕ ዘይተሳተፉ ሓይልታትን ምንቅስቃሳትን እውን ክሳተፍዎ ጽዊዑ።
ስዒቡ፣ ኣቦ መንበር ምምሕዳር ቦርድ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ሓው መስፍን መንግስቱ፣ ኣብ መድረኽ ፈስቲቫል ብዛዕባ መነባብሮ ኣብ መደበር ውጉኣት ሓርነት ኤርትራ ዝርከቡ ኣካለ ጽጉማን ንምሕባር ንዝረኸቦ ዕድል ንኣሳናዳኢት ሽማግለ ኣመስጊኑ። ኣብ ዝገበሮ ዑደት መነባብሮ ናይቶም ምሳና ዝነበሩ ጀጋኑ ብጾትና ግን ከኣ፡ ብሰንኪ ስንክልናኦም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሱዳን ከሰላ ምስ ብዙሕ ስቕያቶምን ሽግሮምን ዝነብሩ ዘለው መብርሂ ኣቕሪቡ። ብምስልን ተንቀሳቓሲ ፊልምን ዝተቐርጸ ምስክርነት ምህላዉ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ሽግርን ስቓይን ንኽቃለል ምሕሳብን ምስራሕን ናይ ውሱናት ሰባት ዕማም ዘይኮነስ ኩሉ ዝካኣሎ ከበርክትን ከወፍን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ኣንነብረሉ ሃገራት ብማሕበራት ደረጃ ተጠርኒፍና ኮነ ኣዘሎ ማሕበራት ኣባልነትና ኣረጋጊጽና ክንድግፎም ብዝተወሃሃደ ዘድልዮም ነገራት ከነማልእ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።
ሓውቲ ትዕበ ተኪኤ ተወካሊት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ብወገና፣ ዓወት ፈስቲቫል ተመንያ፣ ምስጋናን ሰናይ ትምኒትን ንመሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ኮነ መላእ ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ኣቕሪባ። ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣብ 2018 ብወግዒ ተመስሪቱ፣ ኣብ ቤት ፍርዲ መኽሰብ ኣልቦ ነጻ ማሕበራት ኮይኑ ብወግዒ ተመዝጊቡ እዩ። ናይታ ማሕበር ዕላማ ማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋጽ፣ ምስ ኤርትራውያን ኮነ ምስ ኩለን ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝቃለሳ ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ሓቢሩ ክሰርሕ ድልዊ ከምዝኾነ ኣብቲ መግለጺኣ ገሊጻ። ብዘይካዚ ዕብየት ደቂ ኣንስትዮ፡ ዕብየት ጠቕላላ ሕብረተ ሰብን ሃገርን ስለዝኾነ ኩልና ክብገሰሉ ከምዝግባእ ኣመልኪታ።
ይቕጽል
Final Statement of the 4th EPDP Congress
Written by Eritrean People’s Democratic PartyThe 4th Congress of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) was successfully conducted in Wiesbaden, Germany, between 23 and 26 July, 2023 in Wiesbaden, Germany. Organized under the party slogan of “We Struggle for Constitutional Governance, Democracy and Progress”, the Congress was attended by EPDP delegates from many parts of the globe.
- Taking place at a crucial time when the situation in Eritrea is worsening by the day under the dictatorial clique of PFDJ (the so-called People’s Front for “Democracy and Justice”);
- While destructive wars are raging in our fraternal neighbors of the Sudan and Ethiopia; and
- While global actors are attempting to reshape world order by alliances,
The 4th EPDP Congress, therefore, had to discuss these developments with all the serious attention they deserved.
During the opening ceremony, warm solidarity speeches were delivered by the newly elected Coordinator of the Eritrean Political Forces (EPF) who is also the Chair of the Eritrean National Council for Democratic Change (ENCDC) and a Representative of the Global Yiakil/Enough/Kifaya Movement. Other fraternal movements, associations and media outlets that could not be present at the venue in Germany sent their heartfelt wishes for the success of the Congress.
After lengthy deliberations over the party’s Political Program, Constitution and report of the EPDP General Auditor, the Congress adopted the drafts as legal party documents. Also scrutinized and finally adopted as party documents were the lengthy four-year reports of the Chairman, reports of the other eight departments of the Executive Committee and Political Resolutions of the Congress.
On the Current Situation of Eritrea:
The 4th Congress expressed full conviction that the relation of the dictatorial regime and the Eritrean people is by now non-existent because of the total betrayal of that clique to the entire nation and to the very flimsy structures it started to establish. Therefore, the Eritrean people are urged to take matters into their own hands and reminded to rally behind this party that vows to continue being at the forefront of the struggle to remove the PFDJ and its system.
On Eritrean Sovereignty:
Encouraged by the treacherous language and policies of the tyranny in Asmara, Ethiopian quarters that never swallowed Eritrea’s attainment to statehood and those misinterpreting the right of access to the sea have lately been engaged in day-dreaming some measures that aim to affect the very unity of the Eritrean people and their sovereign state. The Congress therefore affirms that the territorial integrity of the land, sea and air, and the unity of its people are national issues that shall never be negotiated.
On Process for Joint Work at EPF and other Levels:
The 4th EPDP Congress gave full mandate to the newly elected leadership to take all what is necessary to speed up the now promising stage to agree for joint work with fraternal Eritrean Political Forces (EPF) and also to seriously work on the ongoing dialogues with various other political formations, fronts and movements.
On Mass Uprisings:
In regard to waves of current and future mass uprisings, including the ongoing popular resistance being given the name “Brigade Nhamedu,’ the Congress expressed its full backing and necessary support to such rightful measures that must be conducted within legal frameworks and without earning the dislike of host countries and peoples.
On the Eritrean Defense Forces:
The Congress condemned the unwarranted involvement of the Eritrean Defense Forces (EDF) in the recent Tigrai war although it was well known that the EDF members, themselves victims of the regime, had nothing to gain from such conflicts and invasions imposed on them and the Eritrean people. The EDF is now called upon to save itself and the people from the shackles of the regime and be on guard to resist and future involvement in wars which are likely be rekindled by the war-mongering regime.
On Eritrean Refugees:
The 4th Congress took note of the regime’s misguided policies and failure to welcome back and resettle pre-independence refugees as well as the continued waves of Eritrean refugees, and reiterated its call upon the Eritrean people to coordinate its energies to get rid of this tyrannical regime of Isaias Afeworki. The Congress also paid tribute to all counties and people that have been extending helping hands to our needy refugees.
On Eritrean-Ethiopian Relations:
The Congress reaffirmed the EPDP’s position of continuing the relations between Eritrea and Ethiopia peoples based on policies of non-interference in the internal affairs of the other and the promotion of peace and mutual interests guaranteed by transparent accords and not by those based on the whims of individual leaders. While expressing deep concern about the probability of unnecessary armed conflict between the two because of the renewed chatter over the issues of border and ‘access to the sea’, the Congress condemned PFDJ’s continued meddling to disrupt relations of forces within Ethiopia. At the same time, the Congress called upon Ethiopia to see to it that all relations in regard to Eritrea must make be centered on the Eritrean people.
On Eritrea-Sudan Relations:
Sincerely wishing the fraternal Sudanese people to succeed in their struggle to return to normalcy from the current sad situation, the 4the EPDP Congress strongly appealed on the warring military leaders to cease fighting and settle differences peacefully through dialogue. It also urged the world community to intervene in stopping this war which can severely affect the entire region.
On the Tigrai Region of Ethiopia
The people of Tigrai are not only neighbors but are a fraternal people with many shared traits with the Eritrean people. The 4th Congress, therefore, affirmed EPDP’s resolve to help in healing the wounds afflicted by the war and rebuild normal relations based on cooperation and promotion of mutual interests by fighting and failing the harmful schemes of Eritrea’s belligerent dictator, Isaias Afeworki.
On Human Rights in Eritrea:
The Congress expressed its strong wish to see soon actions being taken by those concerned to bring to full accountability the Eritrean tyrant and his accomplices for the egregious crimes they have been committing against Eritrean religious leaders, journalists and political actors in complete violation of international calls and fundamental human rights rules and norms.
Concluding its deliberations, the 4th EPDP Congress democratically elected 35 persons from among candidates submitted by the Nominating Committee to serve as Central Council members for the next four years. Other five reserve members were also elected.
The Congress also expressed deep gratitude to party members and sympathizers for their devotion and generosity in making the 4th EPDP Congress a resounding success.
Victory to the Just Struggle of the Eritrean People!!
Victory to Joint Work of Eritrean Political Formations and Movements!!
Down with the Tyrant PFDJ Regime in Eritrea!!
26 July, 2023, Wiesbaden, Germany
መግለጺ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብ ፈስቲቫል ሰደህኤ 2023
Written by ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያንዝኸበርካ ክቡር ኣቦ መንበር ሰ. ዲ. ህ. ኤ.
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ጽኑዓት መትከላውያን ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ.
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣጋይሽ ፈስቲቫል ኤርትራ 2023 :
እንሆ ጽቡቅ ዕድል ረኺብና ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመታት ዕጽዋን ተነጽሎን ጸላኣይና መተንፈሲ ኣፍጫኡን ኣፉን ይሸፈን ከቢድ ኣሰንባዲ እዋናት ኣሕሊፍና ሎሚ ከም ንቡር ክነብርን ክዋሳእን ኣብቅዓና እናበአልኩ ብስም ኣሳናዳኢት ሽማገለ ፈስቲቫል ኤርትራ : ሙዉቅ ናይ ቃልሲ ሰላምታን ናፍቆትን የቅርበልኩም ። እዘን 3ተ ግናያት ዓመታት 2020 – 2021-2022 ሙሉእ ዓለም ራዕድን ፍርሕን ተዋሒጥና ዝነበርናሉ : እዚ ግናይ ኮቪድ 19 ልዕሊ 20 ሚልዮን ቀዚፉልና ጌና እውን 100 ብ100 እውን ኣይጠፋኤን ዘሎ። ወዮ ሙጹዕ መከረኛ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ከኣ ብሰንኪ ንቅጽናን ሙኩሕ ዲክታቶራዊ ወተሃደራዊ ምሕደራኡ ብኣብያ ተነጺሉ ክንደይ ከም ዝመቱ ክሳብ ሎሚ ኣይተሓበረን። እቲ ዝገርም እዚ ግናይ ኮቪድ ንኩሉ ፍጡር ወዲ ሰብ ብኣልማማ ሓያሉ ድኹሙ ሃብታሙ ድኹኡ ዓቢኡ ንኡሱ : ብግዲ ኣፉን ኣፍንጯኡን ተሓቲሙ ኣሕሊፍዎ ኣሕፍናዮን ። ኮይኑ ሎሚ ልዑል ምስጋና ንኣምላክን ንረብን ይኹን ገጸ ገጽን ብኣካልን ኣራኸበና እኔና እንቃዕ ደስ በለክን በለና ።
መትከላውያን ጽኑዓት ዉፍያት ብጾት ኣባላት ሰ. ዲ. ህ. ኤ. እንቃዕ ደስ በለኩም ደስ በለና !!!! ዮሃና ዮሃና ዕዉት ታሪኻዊ 4ይ ጉባኤ መርሓባ ሓዳስ መሪሕነት : መርሓባ ሓዲሽ ኣቦ መንበር ብጻይ ገብረእዝጊኣቢሔር ተወልደ !!! ብልቢ እየ ዘፍቅረኩም ዝኣምነኩም ኣጀና ኣጆኹም !!!
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ በዓል :
በዓልና በዓልኩም ኣብ ትሕቲ ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስን ምዕባሌን ንቃለስ !!! ዝብል ጭርሖ ክንኸፍቶ ከሎና እቲ መሪር ዕንወትን ብርሰትን ዝወርዶን ዝሳቀን ዘሎ ህዝብናን ሃገርናን ቀዳምነት ሰሪዕና ንድሕነቱ ዕጥቂ ሓበራዊ ቃልሲ ሕጂ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ክትግበር ዘሎዎ ህጹጽ ጸዊዒትና ንምቅራብ እዩ።
ጽቡቅ ዕድልን ተስፋ ዝህብን እቲ እንምነዮን ትጽቢት ዉጹዕ ህዝብናን ዝኾነ : ምውህሃድ ፖሊቲካ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ሓባራዊ ቃልሲ ተሳማሚዖም ብምስማዕና ድርብ ዮናን ዮሃና ንብል።
እዚ ታሪኻዊ ፈስቲቫል ስለምንታይ ክዳሎ ተወሲኑ ንምታይ ዕላማ ዝብል : ንኣብ መሪር ስደት ዓዲ ጋና ፋሕ ብትን ኢልና ካብ ስደራናን ካብ ባህልና ካብ ፍትውቲ ሃገርና ተነጺልና ስለ ዘሎና : መራኸቢ መደዓዓሲ ዶ ይኾነና ዝበል ቅዱስ ዕላም ኮይኑ ዓመት ዓመት ብዘይሕለሉ ኣባላት ተ. ሓ. ኤ. መሰረታት ጀርመን ዝተወስደ ተበግሶ ሎሚ መበል ብልክዕ መበል 34 ዓመትና ኮይኑ ፥ ማለት ብ1986 ኣብ ድራይ ኣይሽ ክብርቲ ሃገረ ጀርመን እዪ ተጀሚሩ። ገለ ካብኣቶም ከኣ ኣብ መንጎና ስለ ዘሎው ልቢ ከኣ ነምስግናም።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፊቲ በዓልና !!!
ሎሚ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ብጨካን ኣረመናዊ ኢሰብኣዊ ግፍዕታት ኣርዒዱን ዲሂሉን : ብመሪር ወተሃደራዊ ምምሕዳራት ጨቂኑ ዝጭፍጭፎ ዘሎ : ምንጩ ካብ ንግሆ ኣብ ሳሕል ከሎ ዝትግበሮ ዝነበረ : ብዝኸበደ እከይ ኣረሜናዊ ግፍዕታት ከኣ ሎሚ ኣብ ሳዋ ይትግበር ኣሎ ። ሳዋ እታ ግናይ ዓባይ ጥፋት ጸያቅት መንእሰይ መደበር ግፍዕታት ኣብ ሰዊት ዕድሜኦም ካብ ስድራ ቤቶምን ባህሎምን መንጢልካ ፈልያ : ኣብ ሕሉፍ ጨካን ጭኮና ዉልቀ ጥቅሚ ፡ ሕጽቦ ሓንጎል ኣብ ጽልእን ቅርሕንትን ዝተመርኮሰ ጉጉይ ታሪክ ኣንጻር ጀብሃን : ኣንጻር ወያነን ዝምልመሉላ ጠንቃም መደበር ሳዋ እያ። ኣብኡ ዝፍጸም ግናይ ተግባራት ግፍዕታት ከምቲ ንሕና ኣብ ኣጻምእ ሳሕል ዘሕለፍና ክትፍትኑ ኣሎኩም ተባሂሎም ኣብ ጎቦታትን ስንጭሪታትን ሃኪክ ቀትሪን ለይትን ኣብ ጸጸር ኣዝሓፍ እናበሉ ብፈፈው ከርተት ኣቢሎም ሓንጎሎም ዝሰሓቱ ኣሽሓት መንእሰይ ፡ ክሳብ ኣብ ዕሸላት ደቂ ኣንስትዮ ዝወረደ ሓደገኛ ሕማም ንድሕሪት ዘኽይድ እውን ተራእዩ ። እንሆ ከኣ ካባኡ ዝነፈጸ መንእሰይ ስድራኡ ባህሉ ልውህናኡ ኣጥፊኡ ንነብሱ ጥራሕ ከድሕን : ኣብ ሰሃራን ሲናይን ሊብያ ባሕርን ይሃልቕ። ብሓቂ ዘገርም እዩ ተማሃራይ ኣብ 11 ክፍሊ ሓንጎሉ ንፍልጠት ዝኽፈተሉ መንጢልካ ፡ ንዝነበረ ተስፋ ጽባሕ እንኮ ዩኒቨርሲቲ ዓጺኻ : ብቅዓት ትምህርቲ ኣልቦ ጀነራላት ዝመሓደራ ኮሎጃት ምብታን ምርማስን መደበራት እየን ። እዚ ገባቲ ህግደፍ ብመደብ እዩ ነቲ ዩኒቨርሲቲ ዓጽዩዎ ብመደብ ናይ ሳሕል ኣርዒዱ ዲሂሉ ኣደንቂሩ ባርያ ናቱ ንምግባር ክምችኣሉ ብመጽናዕቲ ዝገበሮ እዩ ። መንእሰይ እንተተማሂሩ ዲሞክራሲ ሕጊ ክፈልጥ እዩ ኽሓተኒ እዩ ዝብል ዓቢ ራዕድን ፍርሕን ስለ ዘሎዎ እዩ ። ስለዚ ሳዋን መደባታን ደው ክብል ኣሎዎ ።
ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋት !!! ንዓይ ዝድንጽወኒ ንዓለም እውን ዘሰንበደ --- እዋእ እቲ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝብና እዚ ኩሉ እናረኣየን እናሰምዔን እንታይ እዩ ዓዚምዎ ? ? ? ከመይሲ ኣብ ናይ ብሓቂ ከሓዲ ቅብጸት ካብዚ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ጥልመቱን ደጋጊሙ ተገቲሩ ዓው ኢሉ ሓቢሩና እዩ ፡ ንኣብነት ብ1991 ናይ ዉድባት ሓሸውየ ክብል ከሎ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ዋእ እቶም ደቅና ኸ ኣይበለን። ብ12 ሓምለ 1994 ንሃገር ነጻ ምዉጻእ ኣካላሎም ዝጎደሉ ደቁ ኣብ ቅድሚ ዓ ይኑ ብጥይት ክርሽረሹ ከሎዉ ደቀይ ዘይበለ ። ብ2001 11 ሚኒስተራት 26 ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ዒራርዒሮ ክዳጎኑ ከለዉ ህዝቢ ይኹን ስድራቤታቶም ክሳብ ሕጂ ትም ፡ ጸኒሑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ብታሕጋስ ተፈንጪሑ ኣፍልቡ እናሃረመ ድሕሪ ሕጂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ሃገር እየን ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ እዩ ፡ ኣይከሰርናን ንኣቢ ኣሕመድ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ሙሉእ ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ ወዘተ ። ኣብዚ ብዕሊ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከም ዝሓወሳ ክሕብር ከሎ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ክሳብ ሎሚ ጥርቅም ኢሉ ኣሎ። ቀጺሉ ብክቱር ንዕቀት ኣብታ እንኮ ቲቪ ቀሪቡ ብተደጋጋሚ ዝሃቦ መግለጺ ሃብቲ ፋብሪካ ባሕሪ ዓሳ ሉል ወደብ ድሕሪ 32 ዓመት ከም ዘየለዉ ብምድግጋም ሓቢሩ እሞ መን እየ ዝሕተተ ዝብል ክሳብ ሎሚ ህዝቢ ናይ መን በደል ኣይበለን ። መዓስ እዩ ዕሕሕ ዝበል ? ? ? ንዓለም ገረሞ ዶ ክንብሎ ?
ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን-
ዉጹዕ ህዝብና ረዳኢ ኣልቦ ኮይኑ ይጸንት : ዉቅብቲ ሃገርና ረዳኢ ኣልቦ ኮይና ንግሆ ንግሆ ትፈርስ ትዓኑ እንሃ !!! ንሕና ደቃ ብሂወትና ከሎና እናረኤና እናሰምዕና እንታይ ንገብር ኣሎና ? ? ? ልክዕ ከምቲ ጨቃኒ ስርዓት 32 ዓመት ንሃገርናን ህዝብናን ዝሕቅቅ ዘዕኑን ዘሎ ንሕናውን ብታሪኽ ተሓተቲ ካብ ምኻን ኣይነምልጠ ኢና : እቲ ምንታይ ሲ ኣብ ክንዲ ሰሚርና ብሓደ ኢድ ንሓደ ጸላኢና እንቃለሶ ንግሆ ንግሆ ሙቁራት ኣስማት እናመረጽና ክንፋናጨል ንርከብ እኔና ። እንታይ እዩ ዝግበሮ ? ? ? ምብዛሕ ማሕበራት ዉድባት ደው ይበል !!! ብግብሪ ብሓደ ንበገስ !!! ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዉሽጥን ኣብ ወጻኢን ዘሎ ይጽዉዕ የእዊ ኣሎ !!!
ሕጂ እውን !!!
ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስን ምዕባሌን ንቃለስ !!!
ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና !!!
ዊድቀት ንጨቃኒ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ
መልእኽቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2023
ክቡር ኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል
ክቡራት ኣባላት መሪሕነትን ወከልቲ ውድባትን ህዝባዊ ምንቅስቓስን
ክቡራንን ክቡራትን ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2023
ክቡራት ተሳተፍቲ ፈስቲቫል
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተቓለስቲ ደቂ ሃገር
ካብ’ዚ ኣኻኻቢ መድረኽ ፈስቲቫል ኤርትራ፡ ንብመላእኩም ተሳተፈቲ፡ ብኣኹም ኣቢለ ድማ ንመላእ ተቓለስቲ ደቂ ሃገር እንቋዕ ነቲ ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል ኣቋሪጹ ዘጽነሐ ፈስቲቫል ምክያድ ኣብቅዓና እናበልኩ፡ ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ: መሪሕነቱን መላእ መሰረታቱን ናይ ቃልሲ ሰላምታን ሰናይ ምንዮትን አመሓላልፈልኩም። እዚ ፈስቲቫል’ዚ ሰልፍና ዘአንግዶ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዋንነትን ኣስተንግዶን ኩሎም ኣካላት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንመጻኢ መደረኻት ብዝሰፍሐን ብዝዓዘዘን ክካየድ ባህግን ትጽቢትን ከም ዘሎና ከኣ ኣቐዲመ ክሕብር እፈቱ።
እዚ እንካይዶ ዘሎና ፈስቲቫል፡ ድሕሪ ሓያሎ ጸገማትን ብድሆታትን ከነካይዶ ምብቃዕና፡ ዓቢ ትርጉም ሓዚሉ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ብሓደ ሸነኽ ናይ ንህላዌን ቀጻልነትን ጸረ ምልካዊ ቃልሲ ዘንጸባርቕ ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ሸነኩ ከኣ ንሓድነት ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ኣዕኲኹ፡ ንግዝኣተ ምልኪ ኣሕጺሩ ንዝለዓለ ዓወታት ዲሞክራስን ሰላምን ዘማዕድወሉ መነሃርያ ንቖጽሮ።
ናብዚ መድረኽ’ዚ ምብቃዕ ግን ቀሊል ጉዕዞ ኣይነብረን። ድሕር’ቲ ብ2019 ዝተኻየደ ፈስቲቫል ነዊሕ ከይጸንሐ፡ መላእ ዓለም ብቀታሊ ዝኾነ ለበዳ ሕማም ኮርና ቫይሩስ ተጠቂዓ። ማሕበራዊ መነባብሮ ናብ ሓድሽ ሕሞት ኣትዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጥቓ 7 ሚልዮን ኣህዛብ ብሰሪ እዚ ለበዳ ሞይቶም። ኩሉ ምንቅስቓሳት ወዲ ሰብ ንነዊሕ እዋን ተዓጽዩ። ህይወት ከምቲ እንፈልጦን ዝለመድናዮን ዘይኮነ፡ ተነጽሎታት ዝወረሮ ዓበይቲ ለውጥታት ኣግሂዱ። እዚ ክሳብ ክንደይ ከም ዝዓንቀፈና፡ መግለጺ ዘድልዮ ኣይኮነን። ምቁራጽ ፈስቲቫላትና ንባዕሉ ህያው ምስክሩ እዩ።
ኣብ መወዳእታ 2020 ከኣ ዞባና ኣብ ኣዕናዊ ውግእ ናይ ኢትዮጵያ ኣትያ። ናይ ኣማእት ኣሽሓት ህይወት ናይ ምልዮናት ምዝንባልን ዕንወት ዝመግለጺኡ ውግኣት ተኻይዱ። ስርዓት ኤርትራ ኣብዚ ውግእዚ ጣልቃ ብምእታው ንህዝብና ናብ ኲናት ሸሚሙ፡ ንመናውሒ ስልጣኑ ክጥቀመሉ ኣብ ልዕሊ ምፍታኑ፡ ምስ ጎረባባቲ ኣህዛብ መሪር ጽልእን ቅርሕንትን ክፍጠር፡ ከቢድ ክሳራታት ክስዕብ ገይሩ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ’ውን ንኤርትራዊ ልዑላውነትን ሃገራዊ ክብርን ዝህድድ ናይ ጥልመት ወስታታት፡ ብጋህዲ ኣርእዩና እዩ። ስለዚ ከኣ ኣብ ሃገርና ቅሳነት ተሳኢኑ፡ ግፍዒታት በዚሑ፡ ጥሜትንን ስእነተ ስራሕን ትምህርትን ሳዕሪሩ፡ ብፍላይ መንእሰያትና ከኣ ናብ ስደትን ከርተትን ከምርሑ ይግደዱ ኣለዉ።
ብተወሳኺ ኣብ ሃገር ሱዳን እውን ዘይሓላፍነታዊ ኣህላቂ ኲናት ኣብ ማእከል ርእሰ ከተማ ሱዳን ብምውላዑ፡ እቲ ሃገር ኣብ ዝወርዶ ዘሎ ክሳራ፡ ንዓና ኤርትራውያን እውን መዕቆቢትን መዐንገሊትን ዝጸንሐት ሃገር ተሳኢና፡ ኤርትራዊ ናብ ሓድሽ ከርተት ኣትዩ ኣሎ። እዚ ጸገማት’ዚ ክሳብ ክንደይ ክብደት ከም ዝጸንሖ ምግምጋም ከቢድ ኣይኮነን። ምስ’ዚ ኩሉ ጸገማት፡ ግን ከም ተቓልስቲ መጠን ክንቅጽል ነይሩና። ኣብ ልዕሊ ኣሻዅ ባይታ ክንስጉም ነይሩና። ሓድነትና ዓቂብና፡ ጽንዓት ተቐኒትና፡ ተስፋ ተዓጢቕና ስለ ዝቐጸልና፡ እንሆ እቲ ዝተዓጸወና ከነርሑ፡ እቲ ዝተነፍገና ንምምልላስ ከኣ ዳግማይ ክንእከብ ክኢልና ኣሎና። ነዚ ዕድል ብምጥቃም እምበኣር ነቲ መሪር ውሒጥናዮ፡ ነቲ መጻብቦ ሓሊፍናዮ እቲ ዕንቅፋት ሰጊርናዮ ኣሎና እንበልኩ፡ ዮሃና ንቀጻልነት ጸረምልካዊ ፍታሓዊ ቃልሲኹም እብል።
ክቡራት ተሳተፍቲ ፈስቲቫል፡
እወ ከምዚ ዝተባህለ ድሕሪ ስለስተ ዓመት ምርኻብና ጸጋ እዩ። ከይዘከርናዮ ክንሓልፍ ዘይንኽእል ግን፡ ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ ፈጺምና ክንመልሶ ዘይንኽእል ዓበይቲ ክሳራታት ገጢሙና እዩ። ኣብዘን ቁሩብ መዓልታት እቲ እንፈትዎ ብጻይና፡ እቲ ትሕተ ዕድመ እንክሎ ንቃልሲ ኤርትራ ዝተጸንበሮ፡ እቲ ፈስቲቫል መጸ በቲ ጥዑም ድምጺ ሳክስፎን መጋባእያታትና ክኸፍት ዝለመድናዮ ሓውና ተቓላሳይ ኣለም ኣሰፋዉ (ዕምባባ) ኣብዚ ከተመ ፍራንክፈርት፡ ብሞት ተፍልዩና። እንተዝህሉ ሕጂ ኣብ መንጎና ምሃለወ ዝብል ዕግበት ኣሎኒ። ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ውራይ’ዚ ዘይፍለያናን ዘይፍለዩናን ክቡራት ብጾት ከሲርና ኣሎና። ከም ኣብነት ንምጥቃስ ጥራይ፡ ሓፍትና ኣልጋነሽ ያዕቆብ፡ እሓዋትና ፍስሓ ገብረማርያም (ሓወቦይ)ን፡ ኣልኣዛር ቀለታን ሕጂ ምጽብጻቦም ዝጸግም ሓያሎ ካልኦትን ኣፋኒና። ኮታ ኣብ መላእ ዓለም ዝኽሰርናዮም መቓልስቲ ኣለዉና። ብሕማም ምኽንያት ኣብ መንጎና ክርከቡ ዘይከኣሉ ወፉያት ኣብ ዘለዉዎ ኮይኖም ዝከታተሉና ብጾት እውን ኣለዉና። ብዘይካዚ፡ እንፈትዎም ደቅና፡ መሓዙትናን ፈተውትናን፡ ወለድና፡ ኣሓትናን ኣሕዋትናን፡ ኣዝማድና ዘኸፈልና ኣሎና። ንኩሎም’ዞም ዝሓለፉ እምበኣር ቅሰኑ፡ እቲ ዝጀመርኩሞ ንቕጽሎ ኣሎና ብማለት ካብ’ዚ መድረኽ’ዚ መንግስተ ሰማያት የዋርስኩም ዝብል ትምኒትና ነመሓላልፍ። ነቶም ብቐረባ ይኹን ብርሑቕ፡ ዝሓለፉ ወገናትና ኣፋኒና፡ ብህይወት ነዚ ክንርኢ ዝበቓዕና ድማ ጽንዓት፡ ዘይቀብጽ ተስፋ፡ ከምኡ’ውን ዛዛሚ ዓወት ይሃበና።
ክቡራትን ክቡራንን ደቂ ሃገር፡
እዚ ዝሓለፈ እዋን ምስቲ ኩሉ’ቲ ዝተገልጸ ብድሆታቱ፡ ናይ ዘተን ናይ ልዝብን እዋን ነይሩ ክብል እደፍር። ርግጽ’ዩ ሽቶ ምምስራት ሓደ ጠራናፊ ስፊሕ ሃገራዊ ጽላል ኣይሃረምናዮን። ግንከ ኣብ መንጎ ውድባትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኣወንታዊ ምቅርራብ ዝተራእየሉ መድረኽ ነይሩ። ኣብ 2020 ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ምውህሃዳዊ ስራሕ ጀሚሩ፡ ኣብ 2021 ምስ ዓለምለኻዊ ምስንቅስቓስ ይኣክል ንምቛም ሰፊሕ ጽላል ዝዓለመ ሓባራዊ ዘተ ጀሚሩ። እዚ ተበግሶታት’ዚ ነቲ ትጽቢት ዝተነብረሉ ሽቶ እኳ እንተዘይሃረመ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ተቓውሞ ዝነበረ ምትፍናን ኣዝሒሉ፡ ንምክብባር ኣበሪኹ፡ ንዝያዳ ልዝብን ዘተን ዘስተናግድ መድረኽ ክኸፍት በቂዑ ኣሎ።
ብፍላይ ኣብ መንጎ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ድሕሪ’ቲ ተፈጢሩ ዝጸንሐ ፍልልያትን ደውታን፡ ብምርድዳእን ብእንካን ሃባን፡ ሓደ ንኩሎም ኣካላት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ዝጥርንፍ ግዜያዊ መሪሕነት ፖሓኤ ክቐውም ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ምህላዉ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ዓቢ ፍርያት እዩ። ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ዝተበታተነ ሃለዋት ወጺኡ፡ ግዜያዊ መሪሕነት ብምምስራት ብሓደ ድምጺ ክዋሳእን ናብ ሓደ ጠራናፊ ጽላል ክሰግርን፡ ምውሳኑ ዓቢ ዝላ እዩ’ሞ፡ ካብ ኩሎም ደቂ ሃገር፡ ደገፍን ምትብባዕን ከስንዮ ንጽውዕ። ብዘይካ’ዚ ዝተፈላለዩ ወገናት ደለይቲ ፍትሒ ብዛዕባ ሓድነትን ምምእካል ጸረ ምልካዊ ምንቅስቓሳትን ዝነጥፉ ኣካላት ምህላዎም ኣፍልጦ ከይሃብና ክንሰግር ኣይንኽእልን። እዚ ከም’ዚ ዝበለ ምንቅስቓሳት ከይዱ ከይዱ ናብ ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ስራሕ ክምዕብልን ኣብ መንጎ ዝቀራረቡ ሸነካት ውሁድ ስራሕ ክካየድን ንትምነ።
እቲ ሓቂ ኣብ ኤርትራና ሓደ ዓማጺ ጸረ ህዝቢ ምልካዊ ስርዓት ምህላዉ እዩ። ኣብ ምፍልላይ ክንነብር ዝደልየና ንሱ ሓደ ጸላኢ ጥራሕ’ዩ ዘሎ። ጸረ ህዝቢን ምዕባሌኡን ንሱ ጥራይ እዩ። ስለ’ዚ ኣብ ቅድሚ ምልኪ፡ ኩሎም ካልኦት ሃገራውያን ሓይልታት መሓዙትን መሻርኽትን እዮም። ሃይማኖታት፡ ብሄራት ኣውራጃታት ከምኡ’ውን ጾታን ዕድመን ደቂ ሰባት፡ ክፈላለ ይኽእል’ዩ ግን ንሕድሕዶም ዝከባበሩ መላፍንቲ እምበር ተጻረርቲ ኣይኰኑን። ምልካዊ ጸላኢ ጥራሕ’ዩ ከም ተጻረርትን ዘይራኸቡን ክነብሩ ዝምነን ዝደልዮምን። ምኽንያቱ ምልኪ ብባህሪኡ፡ ኣብ ሕብረተሳባዊ ሕማምን ምፍልላይን፡ ኣብ ናይ ሕድሕድ ምንቛት እዩ ዝነብርን ዝዓኩኽን። በዚ መሰረት ፍታሕ ጸገማት ኤርትራ፡ ምልጋስ ምልካዊ ስርዓት ምዃኑ ኣለሊና፡ ኩልና ኣካላት ደምበ ተቓውሞ፡ ብልሒ ቃልስና ነቲ ሓባርዊ ዕዮ ናብ ምዕዛዝን፡ ነቲ ስርዓት ኣብ ምስዓርን ክጽመድ ኣለዎ። ምልጋስ ምልኪ ምስ ዝሳለጥ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ጉዕዞ ዝትክእ ኩነት፡ ጉዕዞ ሰላም፡ ጉዕዞ ፍትሒ፡ ጉዕዞ ምዕባሌን ብልጽግናን፡ ክኸውን እዩ። ኣድህቦና ምልጋስ ምልካዊ ስርዓት ይኹን !
ዝከበርክንን ዝኸብርኩምን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል
እዚ ፈስቲቫል፡ ኣብ ጽባሕ ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እነካይዶ ብምህላውና፡ ንባዕሉ ጽምብል ናይ ዕዉት ጉባኤና ኮይኑ ኣሎ። ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ፡ ንፖሊቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ዳግማይ ብምድህሳስ ምስ መድረኽ ዘምጽኦ ምዕባሌታትን ናይ መጻኢ ጠለባት ቃልስን ብዘሳኒ፡ ኣድላዪ ዝተባህለ ምምሕያሻት ኣተኣታትዩ ኣጽዲቑ ኣሎ።
ንህልዊ ፖሊቲካዊ ኩነታት ኤርትራ፣ ንኣህጉራውን ዞባውን ምዕባሌታት፣ ንጉዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን ደምበ ተቓውሞ ብምጽናዕ፡ ናይ ፖሊሲ ሕቶታት መሊሱ ፖሊቲካዊ ውሳኔታት ኣሕሊፉ ኣሎ። እዚ ፖሊቲካዊ ውሳኔታት ናብ ህዝቢ ንምዝርጋሑ ኣብ ምድላው ይርከብ።
ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ፡ ኣብ ምዝዛም ዕዮታቱ ንመጻኢ መድረኽ ዝመርሕ ብ35 ቀወምቲ ኣባላትን 5 ተጠባባቕትን ዝቖመ መሪሕነት ማእከላይ ባይቶ መሪጹ ናብ ስራሕ ኣዋፊሩ ኣሎ። ከምኡ’ውን ናይ ሰልፊ ጠቕላል ኦዲተር ብማእከላይ ባይቶ ክምረጽ ሰልፋዊ ሓላፍነት ኣሰኪምዎ ኣሎ።
እዚ ዝመጸና ዘሎ መድረኽ ከምቲ ዝሓለፈ ናይ ገዛእ ርእሱ ብድሆታትን ዕድላትን ሒዙልና ከም ዝመጽእ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ ቅድሜና ዓበይቲ ናይ ተጋድሎ ጸዋዒት ከቐምጥ እዩ። ካብ ጉባኤ ዝወጽእ ዘሎ መሪሕነት ሰልፊ፡ ነቲ ብድሆታት ብቓልስን ብተዓጻጻፍነትን ክሰግሮ፡ ነቲ ዕድላት ድማ ካብ ኢድ ከየምለጠ ብዓቢ ሃገራዊ ወኒ ኣብ ግዜኡ ክጥቀመሉ እምነየሉ።
ኣሓትን ኣሕዋትን ደቂ ሃገር!
ሕጂ’ውን ምልካዊ ስርዓት ሓይሉ ከደልድል፡ ህላዌኡ ከስፍሕ፡ ብሓይሊ ብረትን ገንዘብን ንኽገዝእ ክጽዕር እዩ። ከምቲ ዝለመድናዮ ግዜያዊ፡ ተገላባጢ፡ ሰረት ዘይሕዝ ብሓሶት ዝተላዕጠጠ፡ ፖሊቲካ እናተጠቐመ ኣብ ኣህጉራዊ መዳይ፡ ሎሚ ናብ ቻይና ጽባሕ ናብ ሩስያ፡ ዕንክሊል ምባል ክቕጽል እዩ። ግን’ከ ኣብ ኣህጉራዊ መዳይ ከም ምልካዊ ስርዓት ተፈሊጡ መተካእታ ናይ ምንዳይ ፋሕተርተር ከም ዘሎ ንግንዘብ ኣሎና። ዝሰፍሐ ክፍሊ ህዝብና ከኣ ፖሊሲ ምልኪ ናይ ዓቕሊ ጽበት ፖሊሲ ምዃኑ ኣለልዩ፡ ከም ቅቡጽ ስርዓት መዋጽኦ ይፍትሽን ፍታሕ የናዲን ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። እምበኣርከስ ነዚ ኣብ ደንደስ ውድቀቱ ዘሎ ስርዓት ንምዕላው፡ ሓድሽ መሪሕነት ሰልፊ ምስ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ነዚ ዝእከብ ዘሎ ቁጥዐ ህዝቢ ቀንዲ ሓይሉ ምዃኑ ኣለልዩ ናብ መሬት ኣማን ከብጽሓና ንምነየሉ።
ኣብዚ ታሪካዊ መድረኽ፡ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ተዋፊሮም ንምልኪ ዘገልገሉ፡ ምስ ህዝቦም ጠጠው ክብሉን ኣብ ጐድኒ ህዝቦም ክዓርዱን፤ እቶም ብጉልበትን ብገንዘብን ንምልኪ ከሐይሉ ዝጸንሑ፡ ዓቕምታቶም ስሒቦም ኣብ ጥቕሚ ህዝቢ ከውዕልዎ፤ ካብዚ መድረኽ’ዚ ጸዋዒትና ነመሓላልፍ። ውዒሉ ሓዲሩ ሃገርና ኤርትራ፡ ናጽነታ ዓቂባ፡ ልዑላውነታ ኣኽቢራ ብሰላም ናብ መስርሕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ክትኣቱ እያ። ካብ ሕጂ ነዚ ተርእዮ’ዚ ንዳሎ።
ኣሓትን ኣሕዋትን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል!
በቲ እንኽእሎን ብዘሎና ዓቕምታትን ጉዳይና ንምዕዋት ንውፈር። ኣይንድከም፡ ኣይንዛነ፡ ውራይና ከነዕውት፡ ክሰልጠና፡ መንፈስ ምትሕብባር፡ ኣስሪጽና መንገዲ ዓወት ንሓዝ። ንዘይልህልህ ስራሕ፡ ንበገስ።
እምበኣርከስ ነዚ ዕድል’ዚ ተጠቒመ፡ ከምቲ ኣነ ብ2019 ናይ ኣቦ መንበርነት ቦታ ክሕዝ እንክለኹ ብኽልተ ዝጸንሑ ኣቦ መንበራት መንግስተኣብ ኣስመሮምን ክፍለዝጊ ገብረመድህንን፡ ዝተገብረለይ ምልላይ፡ እንሆ ድማ ሎሚ ተራይ ኮይኑ፡ ልሙጽ ናይ መሪሕነታዊ ሓላፍነት ከካይድ ምዃነይ ቃል እናኣተኹ ንዝተመርጸ ሓድሽ ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ንኣኼበኛታት፡ ብኡ ኣቢለ ከኣ ንመላኣ ህዝቢ አላሊ። ርሑስ ምስግጋር ሓላፍነታት ይኹነልና!
መኸተና ይቐጽል፡ ኣድንነትንና ይድደልድል፡ሕሓ ሓድነትና ይደልድል ጽንዓትና፡ ቅኑዕ ንምስራሕ ዓመት ትብዓት ይግበረልና!
ንሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ሓድሽ ኣቦ መንበር ሰልፊ፡ ብጣቓዒት ኣናሰነኹ ናብ መድረኽ! እጽውዕ
ስለ ዝሰማዕኩምኒ ብልቢ የመስግን
ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ
ኣቦ መንበር ሰልፊ
29 ሓምለ 2023
ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ‘’ንቅዋማዊ ምሕደራ፣ ንደሞክርስን ምዕባለን ንቃለስ’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ካብ 23-26 ሓምለ 2023 ብተሳትፎ ወከልቲ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ኣባላቱ ኣብ ከተማ ቪስባደን፣ ሃገረ ጀርመን ተጋቢኡ 4ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ብዓውት ኣቃኒዑ።
4ይ ጉባኤ ሰዲህኤ፡ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ገባቲ ስርዓት ህግዲፍ ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ኣብ ትኸደሉ፣ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ናይ ውግእ ሃለዋት ኣብ ዝተባርዓሉ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዓለምና ሓድሽ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ኣብ ዝተቐላቐለሉ ኩነታት ይካየድ ምንባሩ ነዚ ክውነታት’ዚ ጉባኤ ዕዙዝ ኣትኩሮ ሂቡ ዘትይሉ።
ጉባኤ ብዕሊ ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ካብ መሓዙት ፖለቲካዊ ውድባትን ምንቅስቓሳትን፡ ኣወሃሃዲ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣቦመንበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን፣ ወኪል ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክልን ብኣካል ኣብ ቦታ ጉባኤ ተረኺቦም ናይ ምሕዝነትን ደገፍን ቃሎም ኣስሚዖም። እቶም ክመጹ ዘይከኣሉ መሓዙት ምንቅስቓሳት፣ ማሕበራትን ናይ ሚድያ ትካላትን ናይ ሰናይ ድሌት መልእኽቶም ብጽሑፍ ሰዲዶም።
ጉባኤ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰልፊ፣ ቁዋም ሰልፊን ጸብጻባት ጠቅላላ ተቆጻጻርን ዓሚቊ ምይይጥ ኣካይዱ፣ ኣብ መወዳእታ እውን ከም ሕጋዊ ሰነዳት ሰልፊ ኮይኑ ንኽስረሓሉ ኣጽዲቑ።
ኣብ 4 ዓመታት ዝተኻየደ ስራሓት ዝጠርነፈ ስኑድ ጸብጻባት ናይ ኣቦመንበርን ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማገለን ንጉባኤ ቀሪቡ። ኣብቲ ሰነዳት ንዝቐረቡ ሕቶታት፡ መልስን መብርህን ካብ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ተዋሂቡ። ከም ሰነድ ጉባኤ ድማ ብድምጺ ጸዲቑ።
ጉባኤ፡ ኣስዒቡ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገርና፣ ዞባናን ዓለምን ኣትኲሩ ዓሚቕ ዘተ ብምክያድ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉድያት ፖለቲካዊ ውሳኔታት ኣሕሊፉ።
እዋናዊ ኩነታት ኤርትራ፣ ስርዓት ህግዲፍ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፣ ባዕሉ ንዘቖሞም ትካላቱ’ውን ጠሊሙ ናብ ክቱር ክሕደት ስለዝጠሓለ ምስ ህዝቢ ዘለዎ ኩሉ መዳያዊ ዝምድናታት ኣብ ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ ደረጃ ከምዝበጽሐ 4ይ ጉባኤ ሰዲህኤ ገምጊሙ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ጉባኤ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓሳቡ ንኽገብር ኣጠንቂቑ፡ ሰደህኤ ከም ቀደሙ ህግዲፍ ንምውጋድ ኣብ ዘካይዶ ቃልሲ ቅድሚት ከምዝስለፍ ብምርግጋጽ፣ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ ጐኑ ንኽስለፍ ጸዊዑ።
ኤርትራዊ ልኡላውነት፣ ኣብ ሃገርነት ኤርትራ እሙን ዘይኮነ ስርዓት ህግዲፍ ብዝኽተሎ ፖሊሲ ናጽነት ኤርትራ ዘይተወሕጠሎምን ንባሕሪ ኣፍደገ ምስምስ ብምግባር፡ ንልዑላውነትናን ሓድነት ህዝብናን ትርጉም ዝኸልኡ ወስታታት ኣብ ዝስምዑሉ፤ ሰዲህኤ ልዑላውነትን ሓድነት ህዝብን መሬትን፣ ባሕርን ኣየርን ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይቀርብ ምዃኑ የረጋግጽ።
መስሪሕ ሓባራዊ ስራሕ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት፣ ሰዲህኤ ንተዳላይነት ሓቢርካ ምስራሕ ካብ ምርዳእ ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውዳቤታት፣ ግንባራትን ምንቅስቃሳትን ተጀሚሩ ንዘሎ መስሪሕ ዘተ ክቅጽል ብዕቱብ ክቃለሰሉ ምዃኑ፣ ብፍላይ ድማ ምስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ተበጺሑ ዘሎ ትስፉው መስርሕ ምቅርራብ ንኽቀላጠፍ ንሓድሽ መሪሕነት ኣድላዪ ስጉምቲ ክወስድ ከምዘለዎ ሓላፍነት ኣሰኪሙ።
ህዝባዊ ናዕቢ፣ 4ይ ጉባኤ፣ህዝባዊ ማዕበል ብሓፈሽኡ ማዕበል ህዝቢ ብብርጌድ ንሓመዱ ዝግለጽ ምንቅስቃስ ህዝቢ ድማ ብፍላይ ንመጻኢ እውን ብቀንዱ መሰረቱ ሕጋዊ ኣገባብ ዝኽተል መኸተኡ፣ ንህግዲፍ ካብተን መንግስታትን ህዝብን ብዝንጽልን ብዘይምዝምዝን ኣገባብ ክቅጽሎ ኣተባቢዑ። ኣብ ርእሲዚ ሰዲህኤ ኣብ ጐኒ ሕጋውን ትካላውን መኸተ ብርጌድ ንሓመዱ ኮይኑ፣ ዘድሊ ምትሕብባር ከም ዝገብር ኣረጋጊጹ።
ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ 4ይ ጉባኤ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣካል ጭቁን ህዝቢ ክነሱ፣ ህዝቢ ኤርትራን ንሱን ኣብ ዘይፈልጥዎን ዘይረብሑሉን ውግእን ወራርን ትግራይ ምእታዉ ኮኒኑ። ገባቲ ስርዓት ህግዲፍ ሎሚውን ዝኾነ ምኽንያት ፈጢሩ ካልእ ኣዕናዊ ውግእ ካብ ምኽፋትን ኣብ ጉዳይ ካልኦት ኢድ ካብ ምእታውን ስለዘይዓርፍ፣ ሰራዊት ኤርትራ ንገዛእ ርእሱ ካብ መቑሕ ህግዲፍ ክወጽእን መድሕን ህዝቡ ክኸውንን ጉባኤ ጸዊዑ።
ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ኣደዳ ስደት ኮይኖም ከምዘለዉ፡ ከምኡ’ውን ብምኽንያት መግዛእቲ ንዓሰርታት ዓመታት ኣብ ስደት ዝጸንሑ፣ ብሰንኪ ምልካዊ ምሕደራ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዘይከኣሉ ጉባኤ ተገንዚቡ።
ህዝብና ካብዚ ኣስቃቒ ሃለዋት መታን ክገላገል፣ ሓይሉ ኣወሃሂዱ ንገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ንምልጋስ ክቃለስ ጉባኤ ደጊሙ ጸዊዑ። ንሕሰም ህዝብና ተረዲኦም ካብ ሰብኣዊ ርህራሄ ተበጊሶምን ዓቕሞም ብዘፍቅዶ መጠን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ክቕበሉን ክናብዩን ንዝጸንሑ ሃገራትን ህዝብታትን ኣመስጊኑ።
ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራ ኢትዮጵያን ክህሉ ዝግብኦ መሰረታዊ ረብሓን ሰላምን ኣብ ግምት ዘእተወ ብድልየት ውልቀ መራሕቲ ዘይኮነ ብትካላዊ ኣሰራርሓን ግሉጽ ስምምዓትን ዝተዋሕሰ፣ ኣብ ፖሊሲ ሕድሕድ ጣልቃ ዘይምትእትታውን ዝተሰረተ ዝምድና ክህሉ መትከላዊ እምነቱ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ኣብዚ እዋንዚ ብዝተፈላለዩ ኢትዮጵያዊ ኣካላት ከም ሓዲሽ ዝዋዕዋዕ ዘሎ ጉዳይ ዶብን ኣፍደገ ባሕርን ናብ ዘየድሊ ውግእ ንኸይእቱ ዝሓደሮ ሻቅሎት ገሊጹ። ነቲ ህግዲፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉድያትን ዝምድናን ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣትዩ ዘካይዶ ዘሎ ሓደገኛ ዝርጋን ድማ ይዂንን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩሉ ንኤርትራ ዝምልከት ዝኸዶ መንገዲ ህዝቢ ኤርትራ ማእከሉ ዝገበረ ክኸውን ድማ ጉባኤ ጸዊዑ።
ርክብ ኤርትራን ሱዳንን፣ 4ይ ጉባኤ ሰዲህኤ ህዝቢ ሱዳን ኩነታቱ ተቐይሩ ናብ ዝሓሸ ህይወት ንምምላስ ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ኣብ ጐኑ ከምዘሎ እናረጋግጸ፣ ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ሱዳናውያን ወተሃደራዊ መራሕቲ ካብ ዓውዲ ውግእ ናብ መኣዲ ዘተ ተመሊሶም ባህጊ ህዝቦም ከውሕሱ ይጽውዕ። ሕብረተሰብ ዓለም እውን ነቲ ኣብ ዞባና ክህውኽ ዝኽእል ጉዳይ ሱዳን ግቡእ ኣቓልቦ ክገብረሉ ጉባኤ ተማሕጺኑ።
ብዛዕባ ክልል ትግራይ፣ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ጎረባብቲ ጥራይ ዘይኮነ፣ ብብዙሓት መምዘኒታት ዝቀራርብ ጎረባብቲ ኣሕዋት እዮም። ዝተፈጥረ ግዝያዊ ቁስሊ ሓውዩ ሕውነት ናይቲ ነባሪ ህዝብታት ልዑላውነት ሓድሕድ ኣኽቢሩ፣ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ምትሕግጋዝን ዝተመስረተ ዝምድናኡ ናብ ንቡር ምምላስን፣ ሽርሕታት ኢሳያስ ንምፍሻልን ሰዲህኤ ቃልሱ ከምዘሐይል 4ይ ጉባኤ ኣረጋጊጹ።
ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራን፡ ገባቲ ስርዓት ህግዲፍ ንብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝወጸ ሕግታት ብምጥሓስ፣ ንኤርትራውያን መራሕቲ ሃይማኖታት፣ ጋዜጠኛታትን ሃገራውያን ተቓለስትን ከውርዶ ዝጸንሐን ዘሎን ግፍዕታት ከይኣኸሎ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ሊዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘውረዶ ዘይተኣደነ ግፍዕታት ተሓታቲኡ ውልቀ መላኺ ኢሰያስን ልኡኻቱን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ግቡእ መቅጻዕቶም ክስከሙ ከምዝግባእ ጉባኤ ርእዩ።
ኣብ መወዳእታ ከይዲ ናይቲ ጉባኤ ሓጻዪት ሽማገለ ካብ ዘቕረበቶም ሕጹያት መሪሕነት ንመጻኢ ኣርባዕተ ዓመታት ሰልፊ ዝመርሑ 35 ቀውምትን 5 ተጠባበቕትን ዘለዎ ማእከላይ ባይቶ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ።
ራብዓይ ጉባኤ ክውን ንምግባር ከይተሓለሉ ኩሉ መዳያዊ ወፈያ ዝገበሩ መላእ ኣባላት ሰልፊ ዕዙዝ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ከምኡውን ንኹሎም ደገፍቲ ሰልፊ ኣብ ምዕዋት እዚ ጉባኤ’ዚ ዘበርከትዎ ገንዘባዊ ሓገዛት ኣምስጊኑ።
ዓወት ንፍትሓዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!
ሓባራዊ ስራሕ ፖሊቲካዊ ውድባትን ምንቅሳቓሳትን ይዓንብብ!!
ውድቀት ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ!!
26 ሓምለ 2023
መራሒ ሩሲያ ፕረሲደንት ቪላድሚር ፑቲን ኤርትራ ንእትርከበን 6 ሃገራት ኣፍሪቃ 50 ሺሕ ቶን ስርናይ ብናጻ ከም ዝልግሰለን ገሊጹ። እተን ምስ ኤርትራ ናይቲ ልግሲ ተጠቀምቲ ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ዚምባብወ፡ ማሊ፡ ሶማልያን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን እየን።
ፑቲን ነዚ ዝገለጸ ኣብቲ ብ27ን 28ን ሓምለ 2023 ዝተኻየደ 2ይ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃን ሩሲያን እዩ። ኣብዚ “ንሰላም፡ ጸጥታን ልምዓትን” ብዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ፐተርስበርግ ዝተኻየደ ኣኼባ 17 መራሕቲ ሃገራትን 4 መራሕቲ መንግስታትን ዝርከብዎም 49 ተወከልቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዝተረኽቡ ተፈሊጡ።
ኣብቲ መድረኽ ቃል ካብ ዘስምዑ ሓደ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዩ። ንሱ ኣብቲ ዘስመዖ ቃል ንብዙሓት ብዘገረመ፡ ካብ ፑቲን ንላዕሊ ብሓፈሻ ኣንጻር ሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ከኣ ኣንጻር ኔቶን ሕብረት ኤውሮጳን ዘራይ ሩሲያ ኮይኑ ቀሪቡ። ነቲ ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩኩረይንን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ድማ ውግእ ምዕራባውያን ኣንጻር ሩሲያ እዩ ኢልዎ።
ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝተዓዘቡ ከም ዝገለጽዎን ህዝቢ ኤርትራ እውን ከምዘይዝንገዖ፡ ኢሳያስ “ናይ ገናዞ” ብዝብል ሕጫጨ፡ ኣብ ግዜ ለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተፈላለያ ሃገራት ንህዝቢ ኤርትራ ዝተለገሰ ክታበትን ካልእ መከላኸሊ ናውትን ተሓሲሙ፡ ሎሚ ትኳቦ ስርናይ ሩሲያ ምቕባሉ፡ ንውግእ የዳልዎ ንዘሎ ሰራዊት ክቕልበሉ እንተዘይኮይኑ፡ ስኡን ኤርትራዊ ከዕንግል ሓልዮትን ይኹን ሓሳብ ከምዘይብሉ ርዱእ እዩ።
ቀንዲ ዝምድና ጉጅለ ህግደፍ ምስ ሩሲያ፡ በመንጽርቲ ኣብ ከባቢና ዝምዕብል ዘሎ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ህልውናኡ ንምዕቃብን ሓያል ጸግዒ ንምርካብን እንተዘይኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝረብሓሉ ዝምድና ንምፍጣር ኣይኮነን። ሩሲያ ብወገና ንኢሳያስ ትሕብሕበሉን ስርናይ ተስንቐሉን ዘላ ምኽንያት ማእከሉ ህዝቢ ኤርትራ ንምጥቃም ዘይኮነ፡ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ እሙን ተለኣኣኺ ንምጥራይ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣስታት 20 ሚልዮን ረዲአት ዝጽበን ዝተመዛባለን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ናይቲ ብሩሲያ ዝተለገሰ ስርናይ ተጠቃሚት ዘይምዃና ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።
More...
ሓድሽ ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ኣብቲ ካብ 23-26 ሓምለ 2023 ዝተቓንዐ 4ይ ጉባአ ዝተመርጸ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ28 ሓምለ 2023 ኣብ ዘካየዶ ቀዳማይ ኣኼባ ንብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦመንበር ፈጻሚ ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን ክኸውን ብምሉእ ድምጺ ተሳተፍቲ መሪጹ። ከምኡ’ውን ኣቦመንበር ዝረቑሖም ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ባይቶ ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቕዎ። ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ ልኡል እጃም ዘበርከተን ሃብታም ተመኩሮ ዘለዎን ዘይሕለል ተቓላሳይ እዩ።
ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ 6፡1፡7፡ እቲ ብዕድመ ብዝዓብየ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ብጻይ ወልደየሱስ ዓማር ነቲ ኣቦመንበር ዝተመርጸሉ ኣኼባ መሪሕዎ። ብጻይ ወልደየሱስ ነቲ ኣኼባ ክኸፍት እንከሎ፡ ኣብ ዘስመዖ ቃል 4ይ ጉባአ ኣገደስቲ ሰነዳት ኣጽዲቑን እዋናዊ ውሳነታት ወሲኑን ብዓወት ተዛዚሙ፡ ኣብ ምምራጽ ኣቦመንበርን ፈጻሚ ሽማግለን ምብጻሑ ዝተሰመዖ ሓጐስ ገሊጹ። ኣባላት ባይቶ ዕላማ ሰልፊ ንምዕዋት ከይተሓለሉ ክሰርሑ ከኣ ኣተሓሳሲቡ።
ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦመንበርነት ምስ ተረከበ፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ናይ ምውኽኻስ ግዜ፡ ናብ ማእከላይ ባይቶ ዘቕረቦ ዝርዝር ኣባላት 9 ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ብምሉእ ድምጺ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ እዩ ጸዲቑ።
ኣቦመንበር ገረዝጊሄር ድሕሪቲ መስርሕ ምርጫ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ነቶም ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ንክኾኑ ቅሩብነቶም ዘርኣዩ ኣመስጊኑ፡ መጻኢ ግዜ ብሓባር ተቓሊስካ ዓወት ዝምዝግበሉ ክኸውን ዘለዎ ቅሩብነትን እምነትን ዝለዓለ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣባላት ባይቶ መስርሕ ጉባአ ንመጻኢ እንመሃረሉ ምእንቲ ክኸውን ከም ሓደ ኣገዳሲ ተመኩሮ፡ ተገምጊሙ ክሰነድ ከም ዝግበኦ ተላብዮም።
ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት፡ ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለ ኮይኑ ብዝለዐል ብቕዓትን ተወፋይነት ሰዲህኤ ክመርሕ ዝጸንሐ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚክኤል (ደጊጋ) እዩ።
ኣምራጺት ሽማገለ ስረሓታ እናካየደት
ራብዓይ ጉባአ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቲ 26 ሓምለ 2023፡ 35 ቀወምትን 5 ተጠባበቕትን ኣባላት ዘለዉዎ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣባላት መሪሕነት ዘይነበሩ መንእሰያት ዘሳተፈ ማእከላይ ባይቶ መሪጹ። እዞም ኣባላት ማእከላይ ዝተመርጹ፡ ሓጻይት ሽማግለ ኣቐዲማ ኣጻርያ ካብ ዘቕረበቶምን ጉባአ ኣገዳስነቶም ርእዩ ካብ ዝወሰኾምን ሕጹያት እዮም። ብቅዋም ሰዲህኤ መሰረት፡ ማእከላይ ባይቶ ኣቦመንበር ክመርጽን ደሕሪኡ ድማ ኣቦመንበር ዝሓጽዮም ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ክስይም ትጽቢት ይግበረሉ።
እዚ ከም ከምዚ እንከሎ ኣብዚ ናይ መወዳእታ መዓልቲ፡ መስርሕ ጉባአ ከመይ ከም ዝነብረን ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ግዜ ከም ዝተኻየደን ዝዳህሰሰ፡ ጉባአ ዝፈጸሞም ኣገደስቲ ስረሓት ዘመላኸተን መጻኢ መደባት ሰልፊ ዝእምትን ደምዳሚ መግለጺ ኣውጺኡ። ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ደምዳሚ መግለጺ ከኣ ከይደንጐየ ክስዕብ እዩ።
ኣብ 4ይ ጉባአ ካብ ዝተመርጹ ኣባላት ማ/ባይቶ ብኸፊል
4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ሰለስተ መዓልታት ውዕሎኡ፡ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ኣጽዲቑ፡ ሰልፊ ኣብ መጻኢ ዝምረሓሎም ሰነዳትን ኣገዳሲ ውሳነታትን ከም ዝወሰነ ዝገልጽ ጸብጻባት ከነቕርብ ምጽናሕና ዝዝከር እዩ።
ብኻልእ ወገን ከኣ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ፍራንክፈርት 2023 ካብ 28 ክሳብ 30 ሓምለ ከም ዝጋባእን ውጽኢት 4ይ ጉባአ ኣብኡ ከም ዝሕበርን ነዘኻኸር።