ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያን

ካለኣይ ርክብ ኣፍሪቃን ኢጣልያን ብ13 ለካቲት 2026 ብናይ ክልቲኦም ምትሕብባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተቃነዐ፡ ካብ ኢጣልያ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ። ናይቲ ርክብ ሸቶ ኢጣልያ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ እስትራተጅያዊ ምሕዝነት ከተግብር ዝኽእል ኩነታት ምጥጣሕ ምዃኑ ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተሓሓዘ እቲ ርክብ ኢጣልያ ኣብ መዳያት ቁጠባን ፖለቲካን  ምስ ኣፍሪቃ ንምዝማድ ናይ ዘውጸኣቶ ትልሚ ማቲ (Mattei Plan) ንምትግባር ዝተወደበ ምዃኑ እውን ተነጊሩ።

ናይዚ ኣብ ኣፍሪቃ ንመጀመርያ ግዜ ዝጋበአ ርክብ ተሳተፍቲ፡ መራሕቲ ሃገራት ወይ ድማ ኣብ ዝለዓለ ሃገራዊ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝርከቡ ሰብ መዚ እዮም። ነዚ ዝገለጸት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጂያ ሜሎኒ ኣብ ናይ ዓመተ 2026 ናይ መጀመርያ ጋዜጣዊ መግለጺኣ ምንባሩ ድማ ተፈሊጡ። እዚ ርክብዚ ኣብ ድሮ ሓፈሻዊ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪካ ዝተኻየደ እዩ።

እዚ ርክብ ኣፍሪቃ-ኢጣልያ፡ መቐጸልታ ናይት ብ2024 ዝተኻየደ ቀዳማይ ካለኣይ ናይ ሓባር ኣኼባ ኮይኑ፡ ዕላምኡ ከኣ እቲ ሽዑ ዝተበጽሐ ናይ ምሕዝነት ስምምዕ ዝትግበረሉ መንገዲ ምትላም እዩ። ናይቲ መሰረታዊ ናይ ሓባር ትልሚ ቀዳምነታት፡ ቀጻልነት ዘለዎ ዕቤት ኣብ መዳያት፡ ምዝርጋሕ ትሕተ-ቅርጻ ጸዓት፡ ትምህርቲ፡ ክኢላዊ ስልጠና፡ ሕርሻን ጥዕናን ምዃኑ ኣብቲ ናይ ቅድመ-ኣኼባ መግለጺ ዝተመልከት እዩ።

ከምኡ እውን እቲ ኣኼባ በቲ ናይ 1ይ ርክብ ስምምዕ መሰረት፡ ዝተተግበረ እንታይ ከም ዝመስል  ዝገምገመን ንቀጻሊ ኣተገባብራ ኣብ ዛዕባታት፡ ምምዕባል ሓድሽ ምሕዝነት፡ ፖለቲካዊ ዘተን ዝተወሃሃደ መደባትን ዝምልከት ትልሚ ከም ዝሰኣለ ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ሜሎኒ፡ ናይቲ ብ14ን 15ን ለካቲት 2026 ዝካየድ ዘሎ መበል 39 ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣኼባ ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይና ኣብ መኽፈቲ ቃል ኣስሚዓ።

ጨንፈር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዓዲ እንግሊዝ፡ ብ12 ለካቲት 2026 ኣኼባ ከም ዘካየደ ናይቲ ኣኼባ ተሳተፍቲ ሓቢሮም። እቲ ኣኼባ ናይ ዝሓለፉ ምንቅስቓስ ጨንፈር ብምግምጋም፡ ዝጸንሖ ሕጽረታት ብምእራም፥ ኣብ መጻኢ ቃልሱ ክቕጽል ከም ዝወሰነ ኣረጋጊጹ። ነቲ ዝተበጸሓ ምርድዳእ ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓል ከኣ፡ ኣቦመንበር ጨንፈር ምስ ኣባላት መሪሕነት ጨንፈር ንክተሓባበር መምርሒ ከም ዝሃበ  ሓቢሩ።

ኣኼባ ጨንፈር ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍን ተለዋዋጥን ፖለቲካዊ ኣሰላልፋታት ብምድህሳ፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ብምግሃስ፡ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ብሓይሊ ንምውሳድ ከቃልሖ  ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ኣዋጃት ኣዝዩ ከም ዘሻቕሎ ተገንዚቡ። ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ኣዋጅ ሓሊፉ፡ ናይ ውግእ ምቅርራብ ዝመስል ምንቅስቓስ ይረአ ምህላዉ ብምርዳእ፡  ውግእ እንተ ጀሚሩ ውጽኢቱ ኣዝዩ ሓደገኛ ከም ዝኸውን ድማ፥ ኣኼባ ጨንፈር ዓዲ እንግሊዝ ስግኣቱ ኣንቢሩ።

ኣብ መወዳእታ ኣኼባ፡ ተሳተፍቲ ኣንጻር ግህሰት ልኡላውነት ኤርትራ ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ህዝቢ ኤርትራን ማሕብረሰብ ዓለምን  ብዛዕባቲ ዝፍራሕ ዘሎ ሓደገኛ ሳዕቤን ምግሃስ ልኡላውነት ኤርትራ ዝፈልጥሉ ኩነታት ንክጣጥሕ ብምትሕስሳብ  ምዝዛሙ እቲ ምንጪ ሓቢሩ።  

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ስዑዲ ዓረብ፡ ልኡል ፋይሳል ቢን ፋርሓን ኣል ሳዑድን  ምክትሉ ኢንጅነር ወሊድ ዓብደልከሪም ኣልኸርጂን ኣብ ተኸታታሊ መዓልታት ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምጋሾም ናይ ክልቲአን ሃገራት ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

በዚ መሰረት ምክትል ወጻኢ ጉዳይ ሱዕዲ ዓረቢያ ብ12 ለካቲት 2026 ኣብ ኣስመራ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ተዘራሪቡ። ኣብቲ ርክቦም ብዛዕባ ታሪኻዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራትን ቅልጡፍ ምዕባለታት ዝረኣየሉ ዘሎ ቀይሕ ባሕርን ብዝምልከት ዓሚቕ ዘተ ምክያዶም ናይ ህግደፍ ማዕከናት ዜና ጠቒሰን። ከምኡ እውን ብዛዕባ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት  ዝተበጽሑ ስምምዓት ምምይያጦም ተጠቒሱ።

ብኻልእ ወገን ድማ ሚኒስተር ወጻይ ጉዳይ ሱዕድያ፡ ብ11 ለካቲት 2026 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቡ ምዝርራቡ ማዕከናት ዜና ብልጽግና ጸብጺበን። ናይቲ ርክቦም መመያየጢ ዛዕባታት፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራትን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ምንባሩ እተን ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ብናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ ሚዛን፡ ናይቲ ሚኒስተርን ምክትሉን በብጽባሕ፡ ናብተን ኣብ ዝለዓለ ምትፍናን  ኣትየን ዘለዋ ጐረባብቲ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን መገሻ፡ ቀንዲ ምኽንያት ኣትየንኦ ዘለዋ ወጥሪ ናይ ምህዳእ ፈተነ እዩ ዝብል’ዩ።

እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኢትዮጵያ ብውሳነን ገንዘብን ኢማራት ኣብ መሬታ ነቲ ብጀነራል ኣሕመድ ደጋሎ ንዝምራሕ ወገን ሱዳን ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ከም ዝኸፈተት ሮይተርስ ኣብ ዘቃለዓሉ ዝተኻየደ ምዃኑ ኢትዮጵያ ካብ ኢማራት ንክትርሕቕ ንምትሕስሳብዩ ዝተኻየደ መገሻ’ዩ ክብሉ ዝስምዑ’ውን ኣለዉ።

ብዘይካዚ ሱዕድያ ኣብ መስከረም 2018 ንኢሳያስን ኣብይን በዓል 7 ዓንቀጻት ስምም ዘፈራረመት ምንባራ’ውን ምስዚ ኣተሓሒዝካ ዝረአ እዩ ዝብል ከኣ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

Thursday, 12 February 2026 21:02

Dimtsi Harnnet Kassel 12.02.2026

Written by

ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ቮልከር ቱርክ ብ10 ለካቲት 2026 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኩሎም ኣካላት ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ወጥሪ ካብቲ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ከይገድድ ኣብ ምህዳእ ንክሰርሑ ጸዊዑ። ኣብዚ  ቀረባ ግዜ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይ ክልል ትግራይ ዕጡቓትን ዝተኻየደ ውግእ፡ ነቲ ወጥሪ ኣዕሪጉ ቅልውላው  ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከም ዘጋደደ ኣብቲ መግለጺኡ ጠቒሱ። ኣስዒቡ ድማ እቲ ኩነታት ናብ ዝያዳ ኣስጋኢ ከይከድይብ ንሻቐል ኢና  ኢሉ።

ኩሎም እቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ምስ ዓለም ለኻዊ ትካላት ብምትሕብባር፡ ካብኣቶም ትጽቢት ዝግበር ጻዕሪ ንክገብሩ ኣዘኻኺሩ፡ ዓለም ለኻዊ ትካላት እውን ኣብ ክንዲ ናብ ውግእ ምምላስ፡ ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ዝወስድ ምይይጥ ክካየድ ንክሕግዙ ጸዊዑ።

ብ26 ጥሪ 2026 ኣብ ጸለምቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያን ሓይልታት ጸጥታ ክልል ትግራይን ብዝተፈላለዩ ከበድቲ ኣጽዋር ዝተሰነየ  ውግእ ተኸፊቱ ከም ዝነበረ ዘዘኻኸረ እቲ ኮሚሽነር፡ ድሕሪኡ ግና ዕጡቕ ሓይሊ ትግራይ ብ1 ለካቲት 2026 ካብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ቦታ ከም ዝሰሓበ  ሓቢሩ።

ብሰንክ’ቲ ትግራይን ዓፍርን ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ዝተፈጥረ ወጥሪ እውን ብኹሎም ወገናት ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ነይርዎም ብዝብል፡ ሲቪል ሰባት ግዳይ ማእሰርትን ካልእ ሰብኣዊ ግህሰትን ይኾኑ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ ሚልዮናት ሰባት ካብቲ ናይ 2000-2002 ውግእ ጀሚሮም ናይ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ ኮይኖም፡ ኣብ ልዑል ሰብኣዊ ጸገም  ወዲቖም ከም ዘለዉን ቁጽሪ ብሰንኪ’ቲ ኩነታት ናይ ዝሞቱ ከምዘፍለጥን ኣብቲ መግለጺኡ ኣስፊሩ።

እቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል፡ ኩሎም ናይ ቀረባን ርሑቕን ዝምልከቶም ወገናት ኣብ ክንዲ ህውከት ምጽሕታር፡ ናብ ሰላምን ዘተን ከድህቡ ብምዝኽኻር፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጐረቤታ ኤርትራን መመሊሱ ዝዓርግ ዘሎ ወጥርን ከኸትሎ ዝኽእል ሰብኣዊ ቅልውላውን ከም ዘሻቕሎ’ውን ኣዘኻኺሩ።

በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ኣብ ልምዓት (IGAD ኢጋድ)፡ መንግስቲ ሱዳን ምሉእ ተሳታፍነቱን ኣባልነቱን ኣብቲ ትካል ንምሕዳስ ምውሳኑ በሓጐስ ከም ዝቕበሎ ብ9 ለካቲት 2026 ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ናይቲ ትካል ፈጻሚ ኣካል ጸሓፊ ኢትዮጵያዊ ዶር ወርቅነህ ገበየሁ፡ ናይ ሱዳን ኣባልነት ምምላስ ናይ ዞባዊ ምትሕግጋዝን ምሕዝነትን መግለጺ እዩ ከም ዝጠቐሶ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ካብተን መስረቲ ናይ ኢጋድ ናይ ዝኾነት ሱዳን ኣባልነት ናብ ንቡር ምምላስ፡ ናይት ኢጋድ ሓድነት፡ ጽልዋን ቀዳምነታት ሰሪዕካ  ምዕዋትን ከም ዘሕይል ኣፍሊጡ።

እቲ ጸሓፊ ኢጋድ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ፕረሲደንት ጅቡቲ ዑመር ገሌ ከም እውናዊ ኣቦመንበር ኢጋድ፡  ኣብ መስርሕ ንዘርኣዮ ብቑዕ ኣመራርሓን ሃናጺ ተሳትፎን ኣመስጊንዎ። ከምኡ እውን ኣብ ኣገዳስነት ዘተን ዞባዊ ውህግደትን ንዘርኣዮ ውሕልነት ንኢድዎ።

ዶር ወርቅነህ ገበየሁ ከም ጸሓፊ ምስ መንግስቲ ረፑብሊክ ሱዳን፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ብደሆታት ኣብ ምፍታሕ፡ ተቐራሪቡ ክሰርሕ ቅሩብ ምህላዉ ኣረጋጊጹ። ከምኡ እውን ኣብ ሱዳን ኮነ ብሰፊሑ ኣብቲ ዞባ ውሑስን ምዕቡልን መጻኢ ኣብ ምርግጋጽ ከም ዝጽዕር ቃል ምእታዉ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።

ኤርትራ ብወገና ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣባልነታ ኣብ ኢጋድ ከም ዝሰሓበት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣባል ኢጋድ ሃገራት ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሱዳን፡ ሶማሊያ፡ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን እየን።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡  ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዶር ካሚል ኢድሪስ ካብ መገሻኡ ናብ ሃገሩ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዘሎ ኣንበሳደር ሱዳን ኣብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ጸዊዑ ብዛዕባ ንመጻኢ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝገብሮ ዘሎ ምድላው ከም ዘዘራረቦ ተሓቢሩ።

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ጌደዎን ጢመቴዎስ፡ ብ7 ለካቲት 2026 ብቐጥታ ናብ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ደብዳበ ጽሒፉ። ኣብ ደብዳበኡ ኤርትራ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኢትዮጵያ መሬት ሒዛ ከም ዘላን ጠቒሱ፡ ብወገን ሰሜናዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ከኣ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዝኾኑ ዓመጸኛታት ትተሓጋገዝ ከም ዘላ ከሲሱ። ቀጺሉ ተግባራት ኤርትራ ምስሕሓብ ምግዳድ  ጥራይ ዘይኮነ፡ ወራር ኣብ ልዕሊ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ካብዚ ተግባራ ከተቋርጽ ብተደጋጋሚ ሓቲትናያ ፈቓደኛ ኣይኮነትን ከኣ ኢሉ።

እቲ ደብዳበ ንልዕሊ 50 ዓመታት ምስሕሓብ መግለጺ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኮይኑ ምጽንሑ ጠቒሱ፡ እቲ ተፈጢሩ ዝጸንሐ ዘይምትእምማን ብዘተን ዲፕሎማስያዊ መስርሕን ክፍታሕ ከም ዝኽእል እምነት ኣለና ኢሉ። ኣስዒቡ ድማ ካብ ኤርትራ ንመጸዋዕታና፡ ልኡላውነትናን ግዝኣታዊ ሓድነትናን ዘኽብር መልሲ እንተደአ ረኺብና፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ  ኩሉ ሓቆፍን ሓቀኛ እምነትንብ ዘሰንዮ ናይ ሓባር ረብሓ ናብ ምፍትሑ  ክኣቱ ቅሩብ ምዃኑ ኣስፊሩ። ካብቶም በቲ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ክውገኑ ዝበሎም ዛዕባታት ከኣ፡ ተጠቃምነት ሓይሊ ባሕርን  ኣገልግሎት ወደብ ዓሰብን ኢትዮጵያ ምርግጋጽ ክብል ዘርዚሩ።

ብምቕጻል ከኣ  ሓባራዊ ተጠቃምነትን ምክብባርን፡ ከምኡ እውን ምትሕብባር ንምርግጋጽ ሰላምን ብልጽግናን ኣብ  ክልቲኡ ብዙሕ ተመሳሳልነት ዘለዎ  ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝረጋገጸሉ ኩነታት ንምፍጣር ድልዋት ኢና ይብል። ኣብ መወዳእታ ድማ ነዚ ደብዳበ ኣብ ክንዲ ህውከትን ዕግርግርን፡ ምእንቲ  ሰላምን ዕቤትን ሃገራትናን ዞባናን ብምሕላይ   ዝነቐለ ጌርካ ክትረደአ ተስፋ ንገብር ክብል ደምዲሙ። ህግደፍ ነዚ ዝምልከት ቅልጡፍ መልሲ ኣይሃበን።

እዚ ደብዳበ ኣብቲ መጀመርያ ናይ ሓሶት ከይከውንኳ ምጥርጣር ፈጢሩ እንተነበረ፡ ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣንበሳደር ነበያት ግና ሓቀኛ ምዃኑ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ተልኦ ናይቲ ደብዳበ ብዝምልከት፡ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜናን ፍሉጣት ፖለቲከኛታትን ናይ ሰላም ዘይኮነ፡ “ውግእ ንምጅማር ከም መመሳመሲ ዝቐርብ ዘሎ ከይከውን” ዝብል ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።

ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሸውየ የእትዉ ካብ ዘለዉ ጉዳያት ሓደ፡ ህግደፍ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መወዳእታኡ ከብጽሕ ፈቓደኛ ዘይምዃኑ፡ ምዃኑ ኤርትራውያን ክዝንግዕዎ ኣይግባእን።

 

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር የመን፡ ሻያ ህሰን ኣል ዚንዳኒ

ብራሺድ ኣል ኣሚኒ ዝምራሕ ባይቶ  የመን፡ ሻያ ህሰን ኣል ዚንዳኒ፡ ብቀዳማይ ሚኒስተርነት ዝመርሖ ሓድሽ መንግስቲ ከም ዝመስረተ ኣገልግሎት ዜና ሳባ (Saba News Agency) ኣፍሊጣ። እቲ ሓዲሽ መንግስቲ 34 ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ዘለዉዎ ኮይኑ፡ 3 ደቀ ኣንስትዮ ባኣባላነት ከም ዝርከቦ’ውን ተገሊጹ።  እቲ ዝተመዘ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፍነት ደሪቡ ከም ዝሕዝ ከኣ ተሓቢሩ።

ካብቶም ኣባላት ካቢነት፡ ማማር ሞታሃር ኣል ኢሪያኒ ሚኒስተ ዜና፡ ጀነራል ኢብራሂም ዓሊ ኣሕመድ ሃኢዳን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ጀነራል ጣሂር ዓሊ ኦበይዳህ ኣል ኦቈሊ፡ ሚኒስተር ምክልኻልን ከም ዝርከብዎም ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። እተን ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ኣፍራሕ ዓብደልዓዚዝ ኣል ዘውባ ሚኒስተር ትልምን ዓለም ለኻዊ ምትሕብባርን፡ ኣሓድ ሓመድ ሰላም ሚኒስተር ሃገራዊ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ኢሽራቅ ፋድል ኣል መርቃኒ ሚኒስተር ፍትሕን ኮይነን ከም ዝተመዛ ተመልኪቱ።

ምምስራት ናይዚ ሓደሽ መንግስቲ የመን፡ ብመሰረት ሕገመንግስቲ ናይታ ሃገር፡ ተበግሶ ባይቶ ሃገራት ወሽመጥን ንኣተገባብራ ብዝምልከት ኣብ 2011ከምኡ እውን ኣብ 2022 ዝተወሰነ ፕረሲደንታዊ ስልጣን ናብ ፕረሲደንታዊ መሪሕነት ምስግጋር ዝምልከት ሕጊ ምዃኑ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ጠቒሱ።

እቲ ባይቶ ሓድሽ መንግስቲ ንክምስረት ዝወሰነ ናይታ ሃገር ረብሓ ንምሕላው ምዃኑ ምፍላጡ ከኣ ተሓቢሩ። እዚ ስጉምቲ ናይ ቅድም ቀደማይ ሚኒስተር የመን ኣሕመድ ኣዋድ፡ ብ3 ጉንበት 2025 ብድሌቱ ካብ ስልጣን ምልቃቕ ተኸቲሉ ዝተወስደ እዩ።

ምምስራት ናይዚ ሓድሽ መንግስቲ ነቲ ኣብ ሪያድ ንነዊሕ ግዜ ኣብ መንጎ መንግስቲ የመንን ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ናይታ ሃገር ዘሎ መሰጋገሪ ባይቶን ዝነበረ ወጥሪ ንምህዳእ ክካየድ ዝጸንሐ ምምኽኻር ስዒቡ ምዃኑ ድማ ተሓቢሩ።

Page 1 of 634