ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ዝደሓነት ኤርትራዊት ነፍሰጾር፣ ኣብ ጃልባ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ሓሪሳ

2014-12-18 02:43:19 Written by  Erena,org Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3584 times

 

Radio Erena: 17 December 2014

Babyatsea

ኤርትራውያን ዝርከብዎም430 ሰደተኛታት ጽዒና ትማሊ ሰሉስ 16 ታሕሳስ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣብ ዝደሓነት ጃልባ ዝነበረት ኤርትራዊት ነፍሰጾር፣ ኣብ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ከምዝሓረሰት ማዕከን ዜና ዘ ሎካል ኣፍሊጡ።

ኣብታ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ዝደሓኑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ናይ ኢጣልያ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ድሕሪ ምግዓዞም'ያ እታ ኤርትዊት ነፍሰጾር ሕማም ሕርሲ ተታሒዛ።

ብሓገዝ እቶም ህወይት ኣብ ምድሓን ተዋፊሮም ዝነበሩ ኢጣልያውያን ከኣ ብሰላም ክትሓርስ ከምዝኸኣለት ዝሓበረ ማዕከን ዜና ዘ ሎካል፣ እቲ ውጻእ መዓት ዝኾነ ኣብ መርከብ ዝተወልደ ኤርትራዊ ህጻን ኣሎኒኣብ ናሃም ከምዝተሰምየ ጠቒሱ።

ኣሎኒኣብ ናሆም፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ናይ ምድሓን ስርሒት ካብ ዝጀመርሉ እዋን፣ ኣብ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ዝተወልደ ካልኣይ ህጻን'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፣ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ዝደሓነት ጃልባ ናይ ጋምብያ ዜግነት ዝነበራ ነፍሰጾር ብሰላም ምግልጋላ ጸብጻባት ኢጣልያ የመልክቱ።

ብመንገዲ'ዚ ሓደገኛ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ጉዕዞ ኣዝየን ብዙሓት ነፍሰጾራት ናብ ኢጣልያ ዝሰግራ እኳ እንተኾና፣ ኣብ ላምፔዱሳ ኣብ ዘጋጠመ ህይወት 360 ኤርትራውያን ዘህለቀ ሓደጋ ባሕሪ ግና ሓንቲ ኤርትራውያን ነፍሰ ጾር ኣብ ባሕሪ ድሕሪ ምጥሓላ ከምዝሓረሰተን ንሳን እቲ ዝተወልደ ህጻን ብዕትብቲ ተላጊቦም ሞይቶም ከምዝተረኽቡን ኣይርሳዕን።

ኢጣልያ ነቲ ድሕሪ ሓደጋ ላምፔዱሳ ዝጀመረቶ 'ባሕርና' ዝሰመየቶ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ምድሓን ስርሒት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብወግዒ ደው ካብ ዘበለትሉ ክሳብ እዚ እዋን'ዚ ልዕሊ 1500 ስደተኛታት ከተድሕን ክኢላ ኣላ።

Source = erena.org

Last modified on Friday, 19 December 2014 04:16