እንፈትዎን እነኽብሮን ሓውና ተቓላሳይ ኣለም ኣሰፋው (ዕምባባ) ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ሕክምና ብምምልላስን ኣብ መንበሪ ገዝኡን ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ብዕለት 12 ሓምለ 2023 ለይቲ ኣብ መንበሪ ቤቱ ከተማ ፍራንክፎርት ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ተፈልዩ ምህላዉ ክንገልጽ ከለና መሪር ሓዘን ይስማዓና።
ዕምባባ፡ ካብ ቁልዕነቱ ጀሚሩ ኩሉ ዝካኣሎ ዘበለ ንህዝቡን ሃገሩን ዘበርከተ፡ ተባዕን፡ ውፉይን ተቓላሳይን ወናም ሙዚቀኛን እዩ ነይሩ።
ንፍትሓትን ስርዓት ቀብርን ዝምልከት ሓበሬታ ብውዱእ ንዕለትን ቦታን ብዝምልከት ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ምስ ረኸብና ከነስዕብ ኢና።
ፈተውቱን መቓልስቱን።
14.07.2023
ክኢላታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ13 ሓምለ 2023 ብዘውጽእዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ስነ 2023 ዝጀመረቶ ጃምላውን ሃንደበታውን ምስጓግ ኤርትራውያን ከተቋርጽ ጸዊዖም። እቶም ክኢላታት ኣተሓሒዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ ምእሳር ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ደው ከብልዎ ጸዊዖም።
ናይቶም ክኢላታት መግለጺ ከም ዝጠቐሶ፡ ነቶም ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ኤርትራውያን፡ ከጋጥሞም ዝኽል ምስቓይን ምስዋርን ክብደቱ ከይተጸንዐ፡ ስድተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣገዲድካ ምስጓግ ብዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ክልኩል ምዃኑ ኣስፊሩ። ኣብቲ ምስጓግ ገለ ናብ ኤርትራ ከይዶም ገሊኦም ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ስለ ዝተረፉ ናይ ስድራቤታት ምብትታን ኣስዒቡ ከም ዘሎ እውን እቶም ክኢላታት ጠቒሶም።
ነቶም ተገዲዶም ናብ ኤርትራ ዝምለሱ፡ ከጋጥሞም ካብ ዝኽል ጸገማት፡ ግዱድ ምስዋር፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር፡ ግዱድ ውትህድርን ምስቓይን፡ ምዃኑ ቅድሚ ሕጂ ብዝምልከቶም ሰብኣዊ ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ፍሉይ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዘጽንዕ ኣካልን ዝተመዝገበ ምዃኑ ተፈሊጡ። እቶም ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ናይቶም ቅድሚ ሕጂ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኤርትራ ዝተሰጉ ሃላዋት ከምዘይተፈልጠ ከኣ ኣብቲ መግለጺኦም ኣስፊሮም።
ኢትዮጵያዊ ትካል ምምሕዳር ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተሰጉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣይነበርዎም ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ። ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ግና እሙናት ምንጭታቶም ብምጥቃስ፡ ካብቶም ዝተሰጉ ዝተመዝገቡን ዘይተመዝገቡን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ከም ዝርከብዎም ኣረጋጊጾም።
እቶም ክኢላታት ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከቶም ትካላትን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ምስቲ ዝምልከቶ ኢትዮጵያዊ ትካል ተሓባቢሮም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ስደተኛታት ኣድላይ ምምሕዳራውን ምዝገባን ዝረኽብሉ ኩነታት ንክፈጥሩ ጸዊዖም።
ፖለቲካዊ ከመይነት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ “ከምዚ እዩ” ዝብል መግልጺ ክትህበሉ ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ተግባራቱ ክግመት ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ክትኣሞ ዘጸግም ጨካንን ጠላምን ስለ ዝኾነ። ብዙሓት ወገናት፡ ዲክታተር፡ መላኺ፡ ኣንባገነን፡ ጨቋኒ፡ ርእሰ-ፋሺስትን ቶታሊታርያንን ይብልዎ እዮም። ምስዚ ኩሉ ግና እቲ ዝወሃቦ መግለጺ ንእኩይ ተግባራቱ ዝምጥን ኣይኮነን። ምናልባት ናብቲ ሓቀኛ መንነቱ እንተቐረበ “ሕሉፍ ዲክታተር” ምባሉ ገላጺ ከም ዝኸውን ናይ ብዙሓት ግንዛበ እዩ። በዚ ዝተገረሙ ኤርትራውያን ከኣ “ነዚ ሰብ’ዚሲ ምስ መን ኣወዳዲርካ ኢኻ እሞ ክትገልጾ ትኽእል?” ኢሎም ክግረሙ ምስማዕ ልሙድ እዩ።
“ንኢሳያስ ሕሉፍ ዲክታተር ምባሉ፡ እንተዘይውሒድዎስ ኣይበዝሖን’ዩ” ወገናት፡ ዘቕርብዎ ዝርዝር መግለጺ፡ ዲክታተርነት ኣብኡ ጥራይ ዝተራእየ ተግባርኳ እንተዘይኮነ፡ ናቱ ተግባርሲ ካብ ናይ ካለኦት መለኽቲ ዝተፈልየ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ። ገሊኦም ዲክታተራት፡ ኣብ ገለ መዳያት ንህዝቦም ቁሩብ ትንፋስ ዝህቡ ክኾኑ እንከለዉ፡ ኢሳያስ ግና ከምኡ ዝኣመሰለ ባህሪ የብሉን። ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ክዓጽዉን መሰል ምሕሳብን ሓሳብካ ምግላጽን ዓጽዮም፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣቲኻ ገለ ፍልጠት ክትቀስም ዘይከልኡ ዲክታተራት ኣለዉ። ኢሳያስ ግና ኣብ ልዕሊቲ ኩሉ መሰላት ዝገፍፍ ምዃኑ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝዓጽዩ ድንቁርናን ድሕረትን ዘሳዕርር እዩ። ኢሳያስ ካብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ይውክሎ እዩ ዝበሃል መራሒ ሰሜን ኮርያ እውን ዝኸፈአ ምዃኑ ናይ ብዙሓት ተረድኦ እዩ። ምስ ዝሓለፉን ዘለዉን ደቂ መዛምርቱ ዲክታተራት መራሕቲ፡ ጀርመን፡ ሊቢያ፡ ዒራቕ፡ ሱሪያ፡ ቻይናን ሩሲያን ክወዳደር እንከሎ ናይ ኢሳያስ ዝኸፈአ ምዃኑ ናይተን ሃገራት ህዝቢ መነባብሮ መስካሪ እዩ።
ከምኡ ዲክታተራት ኣንጻር ኣተሓሳስባኦም ንዝሓሰብ ይኣስሩን ግቡእ ፍርዲ ይነፍጉን። ኢሳያስ ከኣ ካብኦም ብዝገደደ ቤተሰብ እሱራት ቤተሰቦም ዝተኣስረሉ ቦታ ክፈልጡኳ ኣየፍቅድን። ካለኦት ዲክታተራት ዋሕዚ ሓበሬታ ካብ ህዝቢ ንምዕጋት፡ ንናይ ብሕቲ መድያታት ብኣዝዩ ዘጻብብ ሕግታት ይቆጻጸሩ፡ ብጥሕሰት ሕጊ ኣመሳሚሶም ጋዜጠኛታት ምእሳርን ምፍታሕን ከም ንቡር መንግስታዊ ተግባሮም ይወስድዎ። ኢሳያስ ግና ሓንሳብን ንሓዋሩን ናይ ብሕቲ መዲያ ምስ ዓጸወን ጋዜጣኛታተን ምስ ኣሰረን ድሕሪኡ ድሃዮም የለን። ብዘይካዚ ዜጋታት ንመሰሎም ሰላማዊ ሰልፍታት ከካይዱ ምስ ዝፍትኑ ዲክታተራት ክኣስርዎምን ከካላብትዎምን ይረኣዩ። ኢሳያስ ግና ዜጋታት ተሰሊፎም መሰሎ ክሓቱ ምኽላእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕማቕ እንከለዉ “ደሓን ኣለና ንክብሉ እዩ ተጽዕኖ ዝፈጥር። ካለኦት ዲክታተራት ናይ ብሕቲ ሰብ ሃብቲ ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ከይወዳደርዎም ብዘይፍትሓዊ ግብርን ቀረጽን የዳኽምዎም። ኢሳያስ ግና ውጥናቶም ይምንዝዕ ኣብያተ-ንግዶም ዓጽዩ ካብ ሜዳ ውድድር ኣውጺኡ ሃገሮም ገዲፎም ከም ዝስደዱ ይገብር። ከምዚ እናበልካ ናይ ኢሳያስ ሕሉፍ ዲክታተርነት ንምርዳእ ዝቐርብ መወዳደሪ ዝርዝር ነዊሕ እዩ። ብሓጺሩ ሕሉፍ ዲክታተርነት ኢሳያስ፡ ኩሉ ጸገማት ክኢልካ ኣብ ሃገርካ ምንባር ዘየኽእል እዩ።
እቲ ካልእ፡ ፍሉይ ዲክታተርነት ኢሳያስ ዝረኣየሉ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ሕዱር ንዕቀት እዩ። እምብዛ ንዕቀቱ ኣብ ጉዳይ ሃገር ብዛዕባ ዝሓስቦን ዝገብሮን ብዝምልከት ኣይኮነንዶ “ከምዚ እንተገበርና ከመይ ይመስለኩም?” ኢሉ ህዝቢ ክውከስ፡ “ከምዚ ጌርና ኣለና” ኢሉ እውን ኣይሕብርን እዩ። ብመሰረቱ እውን ነዚ ዘኽእል ትካላት የብሉን። ንኣብነት ብኢደወነኑ ብትዕቢት ተሰንዲሑ ውግእ ይኸፍት እሞ፡ ነቲ ብዛዕባቲ ዝኣጐዶ ሓዊ ዝኾነይኹን ሓበሬታ ዘየብሉ ኤርትራዊ መንእሰይ ክተት ይብሎ። እምቢ እንተበለ የገድዶ። ንህዝቢ ድማ ንሱ ንዝጸልኦ ንክጸልእን ከጸልምን ይጉስጉሶን የፈራርሖን። እቲ ዘሕዝን ድማ ነዚ ትዕቢተኛ ኣካይድኡ ዝምርቕሉን ምሂዙ ዘቕረበሎም ጸላእቲ ክጸልኡ ዘይሓፍሩን ኤርትራውያን ዝረክብ ምዃኑ እዩ። እዚ ናይ ኢሳያስ ተግባር ንዕቀት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቶም ተዓሚቶም ዘጣቕዕሉ ስንፍናን ተሓታትነትን እውን ዘርኢ እዩ።
ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ናይ እገለ መራሕ ሃገር ተመኩሮ እዩ ብዘይበሃል፡ ኣብ ኣዳራሻት ኢትዮጵያ ዘስመዖም መደረታት ካልእ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘለዎ ንዕቀት ዘርኣየ፡ ክትርሰዖ እንተደለኻ’ውን ዘይርሳዕ፡ ሃላልነት እዩ። ከይሓፈረ፡ ናይ ስኽራን ድዩ ናይ ጽላለ ምልላዩ ብዘገርም “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ እዮም ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም” ምስ በለ፡ በቲ ኩነታት ተገሪሞም ኣእዛኖም ምእማን ዝሰኣኑ ውሑዳት ኣይነበሩን። በዚ ከየብቅዐ ድማ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ “ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና። ኣነ ድማ ምሳኻ ኣለኹ። እዚ ዝብሎ ዘለኹ ንቐላዓለም ዘይኮነ ሓሲበሉ እየ” ወሲኽሉ።
ነዚ ኣበሃህላ ኢሳያስ ዝደንደነ ኣብይ ኣሕመድ ብግደኡ “ኢሳያስ ናይ ኤርትራ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፊ ኮይነ ክሰርሕ ሓላፍነት ሂቡኒ ኣሎ። ስለዚ ንኣቶ ዑስማን ሳልሕ ተኪአ እንተሰራሕኩ ከይሕደሰኩም” ዝብል መለኣሉ። እዚ ጥራይ ኣይኮነ። ኣብይ ኣሕመድ ሆየ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዘይተሓጐሱ ኢትዮጵያውያን ንምኽሳብ ብዝመልስ፡ “ኣነን ኢሱን ተደሚርና እንካፈሎ ዓሰብ ይኸውን” ምስበል፡ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ኣርእይዎ ዘይፈልጥ ሕጉስ ገጽን ሰሓቕን መራሕቲ ካብ ዝኽተልዎ ፕሮቶኮል ወጻኢ ጠጠው ኢሉ ኣፍልቡ እናወቐዐን ርእሱ እናነቕነቐን ሓጐሱ ገሊጹ። በዚ ብደዐ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዋላ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ህግደፍ ብጽጽ ዘይምባሉ ከኣ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀሰብ ምውዳቓ ዘርኣየ ተረኽቦ እዩ።
ካልእ ንዲክታተርነት ኢሳያስ ሕሉፍ ዝገብሮ፡ ተግባራቱ ብጥልመት ዝተላዕጠጠ ምዃኑ እዩ። ኣብቲ ኤርትራውያን መንእሰያት ንናጽነት ዝስውእሉ ዝነበሩ መሪር ግዜ ቃልሲ እውን፡ እዚ ዲክታተር ብድሕሪ መጋረጃ፡ ብዛዕባ ምምራሕ ዓባይ ኢትዮጵያ የንባሁቕ ከም ዝነበረ ናይ ቅድም ፈለጥቱ ብተደጋጋሚ ዘዝንተዉዎ እዩ። ናይዚ ቀረባ መዓልታት ምስክርነት ኢትዮጵያዊ ሻለቃ ዳዊት ወ/ጊዮርግስ ብዛዕባ ግደ ኢሳያስ ኣብ ሃቐነ ዕልዋ ኣንጻር መንግስቱ ሃይለማርያም ዝምልከት ዝጠቐሶ ህያውን ኣብነት እዩ። መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ “ድሕሪ ደጊም ንኣፍደገ ባሕሪ ኢና ንዋጋእ ምባሎምን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ግዜ ጉባአ ኢጋድ ኣብ ጅቡቲ ንመረሒ ሶማሊያ ቀዳምነትና ወደብ ምርካብ እዩ ኢሉ ምሕባሩን፡” ብዝምልከት ምምሕዳር ኢሳያስ ምጽቃጡ እንታይ የመልክት። ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ናይ 6 ሓምለ 2023 ናይ ፓርላማ ውዕሎኡ ብዛዕባ ህልዊ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን መብርሂ ክህበሉ ተሓቲቱ፡ “ንግዜኡ ብዛዕባዚ ኣይዛረብን እየ” ምባሉኸ፡ ሳዕቤን ንዕቀትን ፍሉይ ዲክታተርነንት ኢሳያስ እንታይ ክወልድ ከም ዝኽእል ኣመልካቲ እዩ።
Handling of the Giessen protests: Mayor demands a review
Written by Martin Plaut
|
Martin Plaut posted: " Mayor Frank-Tilo Becher (SPD), who had previously tried in vain to ban the festival, is calling for a reappraisal of the decision to allow the "festival" that must go beyond his city. Source: taz [Note: computer translation from German] After " Martin Plaut |
Mayor Frank-Tilo Becher (SPD), who had previously tried in vain to ban the festival, is calling for a reappraisal of the decision to allow the "festival" that must go beyond his city. Source: taz [Note: computer translation from German] After the riots at the Eritrea Festival in Giessen, city politicians are demanding consequences. 26 police officers were injured in the riots. Giessen on July 8th, 2003, counter-demonstrators in front of the Eritrea Festival are being guarded by the policePhoto: Helmut Fricke/dpa BERLIN taz | After the riots in Giessen at the weekend, state and local politicians called for consequences. Around 1,700 Eritreans from half of Europe had come together there, like almost every year since 2011, to celebrate the Eritrean dictatorship. About 150 Eritrean counter-demonstrators tried violently to prevent the festival by throwing stones and bottles . 26 police officers were injured, some seriously. It is not known whether there were also injured Eritreans. 131 people were temporarily taken into custody. You are free again. At the political level, the events triggered a heated debate. The Hessian Interior Minister Peter Beuth (CDU) called on the federal government to summon the Eritrean ambassador. "Our police officers are not the buffer stop for conflicts in third countries," he said. A spokesman for the Foreign Office said on Monday at the government press conference that there had been talks with the chargé d'affaires of the Eritrean embassy in advance. It had been made clear to him that inter-Eitrean conflicts should not be fought on German soil. There hasn't been an Eritrean ambassador in Germany for nine years, nor have there been fully-fledged diplomatic relations. The organizer of the festival is the Central Council of Eritreans in Germany. He is controversial for his proximity to the one-party dictatorship in the small Horn of Africa country, dubbed the "North Korea of Africa." Spokespersons for the association had rejected the accusation that the event was used to promote the regime in Eritrea. Rather, it would have been a cultural and family festival. Minister of Propaganda praises the festivalHowever, the statement is contradicted by the fact that the governors of all six provinces in Eritrea were flown in to the “culture and family festival”, performed and celebrated. Even Eritrea's information minister - the term "propaganda minister" would be more appropriate - had tweeted about the festival from the capital Asmara and spoke of a "lively event" that was enriched by the presence of "the governors of all six provinces of the home country". He did not mention riots. A participant reports to the taz that flags from Eritrea and the sole governing party PFDJ were shown and sold. According to an observer, a song was also sung calling for the murder of residents in the neighboring Ethiopian province of Tigray. This cannot be verified independently. Representatives of the organizer could not be reached on Monday. The relationship between the Central Council of Eritreans in Germany and the PFDJ itself is also difficult. According to the register of associations at the responsible district court in Wiesbaden, the association, which was registered in 2018, consists of four pillars. One of them is the Eritrean governing party PFDJ itself, the other three are organizations from Eritrea and Germany. According to indirect information from the register of associations, the association is said to be non-profit, but the taz does not have a certificate from the tax office. The picture reports that a German branch of the PFDJ was founded in Frankfurt/Main in February. The taz has minutes of a meeting of the PFDJ youth organization in Germany in May. Gießen Mayor Frank-Tilo Becher (SPD), who had previously tried in vain to ban the festival , is calling for a reappraisal that must go beyond his city. In addition to the incidents surrounding the festival, there was openly racist hate speech on social media that mocked the rule of law, said Becher. For him, the question is whether such a festival should be allowed to take place again in the next few years. |
ምክትል ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን፡ ማሊክ ኣጋር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዞባውን ዓለምለኻውን ተበግሶታት ፖለቲካዊ ፍታሕ ሱዳን ከም ዝነጸገ ኣፍሊጡ። ኣጋር ነዚ ዝገለጸ ብ8 ሓምለ 2023 ከም ኣካል ዞባዊ ዑደቱ ኣብ ኣስመራ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ምርኻቡ እዩ።
ማሊክ ኣጋር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ርክቦም፡ ንኢሳያስ ንህልዊ ኩነታት ውግእ ሱዳን ብመንጽር መዳያት ፖለቲካን ቁጠባን ዘሕደሮ ሰብኣዊ ሳዕቤንን ብዝርዝር ከም ዝሓበሮ ኣረጋጊጹ። ኣተሓሒዙ ድማ ኢሳያስ ብዛዕባ ምሕዝነቱ ምስ ህዝቢ ሱዳንኳ እንተ ኣረጋገጸ፡ ነቲ ብዝተፈላለዩ ወገናት ውግእ ሱዳን ብሰላም ንምፍታሕ ዝግበር ዘሎ ተበግሶታት ግና ናይ ፖለቲካዊ ንግዲ ምርኢት እዩ ከም ዝበሎ ጠቒሱ።
እቲ ማሊክ ኣጋር ዘለዎ ወገን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ነቲ ብኣቦመንበርነት ኬኒያ ብኢጋድ ተጀሚሩ ዘሎ፡ ኤርትራ ኣባል ዘይኮነትሉ ተበግሶ ሰላም፡ ኣይደገፎን። በዚ መሰረት ነቲ ብኣቦመንበርነት ኬንያ ዝግበር ተበግሶ ብምቅዋም ኢሳያስ ክፈርስ ምድላዩ ኣይጸልኦን።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ንኢጋድ ወኪሉ ንጉዳይ ሱዳን ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምርካብ ዝተመዘ ኮሚተ ኢጋድ ብ10 ሓምለ 2023 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ከም ዘካየደን ምስቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሱዕዲ ዕረቢያ ኣቐዲሙ ዝተጀመረ ጻዕሪ ንምውህሃዱ ተመያይጡ። ኣብ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ሓላፊት ኣፍሪቃዊ ጉዳያት ሞሊ ፊ ድማ ኣብቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ርክብ ከም ዝተሳተፋ ተፈሊጡ።
እተን ኣሜሪካዊት ዲፕሎማት ምስ ሲቪላዊ ኮሚተ ሱዳን ተራኺበን፡ ብዛዕባ ኣብ ሱዳን ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ዝትከለሉ ከም ዝተዘራረባ ተሓቢሩ።
ኢሳያስ ኣብዚ እዋንዚ “ሱዳናውያን ባዕላቶም ጸገሞም ይፍትሑ” ዝብል ዘሎ፡ ሓጋዚ ከም ዘድልዮም ጠፊእዎ ዘይኮነ፡ ንሱ ካብቲ ተበግሶታት ብምንጻሉ ስግኣት ስለ ዝሓደሮ እዩ።
ኤርትራውያን ብ8 ሓምለ 2023 ኣብ ሃገር ጀርመን ከተማ ጊሰን፡ ብሪገድ ንሓመዱ ዝወደቦን ኣሸሓት መንእሰያት ዝተሳተፍዎን፡ ኣንጻር ፈስቲቫል ህግደፍ ሓያል ተቓውሞ ከም ዘካየዱ ዝተፈላለያ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለወን ማዕከናት ዜና ገሊጸን። እተን ማዕከናት ዜና ብዘቕረበኦ ጸብጻብ መሰረት ኤርትራውያን ዝተቓወምዎ እቲ ፈስቲቫል ባህላዊ ዘይኮነ መንግስቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ መርዛምን ፈላላይን ምልዕዓላት ዘካይደሉን ገንዘብ ዝእክበሉን ብምዃኑ እዩ።
ኣብዚ ቅድም ብጸጥታዊ ምኽንያታት ብምምሕዳር ከተማ ጊሰን ንኸይካየድ ዝተኣገደ፡ ደሓር ግና ብቤት ፍርዲ ክካየድ ዝተፈቕደ ፈስቲቫልን ኤርትራውያን መንእሰያት ሓያል ተቓውሞ ዘርኣይሉን ሰላማዊ ሰልፊ፡ ንሓለዋ ብግቡእ ዝተዓጥቁን ብሄሊኮፕተራት ከይተረፈ ዝተሰነዩን ኣሸሓት ኣባላት ፖሊሲ ጀርመን ዝተመደቡ ኮይኖም፡ ኣብቲ ሰልፊ ብዝተፈጥረ ግብግብ፡ ካብቶም ኣባላት ፖሊስ 26 ከም ዝቖሰሉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ከባቢ 100 ኤርትራውያን ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱ ድማ ከም ዝተኣስሩ ተፈሊጡ።
ዋላኳ ጓይላ ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ፖሊስን ፍርሕን እንተተኻየደ፡ እቲ ዝተፈጥረ ኩነታት፡ ጨቋኒ ባህርያት ህግደፍ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ጀርመንን ሕብረተሰብ ዓለምን ዝተቓለዓሉ ምንባሩ ተራእዩ። በዚ ድማ ከምቲ “ክረኣያ ክብላ ይእረያ” ዝበሃል፡ ህግደፍ መኽሰብ ዘይኮነ ክሳራ ዝሓፈሰሉ ምዃኑ ብዙሓት ተዓዘብቲ ዝተረዳድእሉ ኮይኑ ኣሎ። ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ጀርመን ብወገኖም ሃገሮም ብሰንክቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭቋኒ ምምሕዳር ናይ ዕግርግር ቦታ ምዃና ከም ዘሕዘኖምን፡ ብዛዕባዚ ጉዳይ መንግስቶም ንኣንበሳደር ኤርትራ ተጸዊዑ ክሓቶ ክሳብ ምትሕስሳብ ዝበጽሑ፡ ናይቲ ከባቢ ሓለፊት ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
እዚ ኣብ ጀርመን ከተማ ጊሰን ዝተራእየ መኸተ ኤርትራውያን ኣባላት ብሪገድ ንሓመዱ፡ ንካለኦት ሃገራት ኤውሮጳ እውን ትምህርቲ ከም ዝኸውንን ድሕሪ ሕጂ ህግደፍ ብጉልባብ ባህላዊ ፈስቲቫል ናይ ጽልኢ ምልዕዓል ናይ ምክያድን ገንዘብ ናይ ምዝማትን ዕድሉ ከም ዝጸብብ ዝግመት እዩ።
ፈስቲቫል ህግደፍ ሓያልን ተደጋጋምን ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ናብ ምምሕዳር ከተማ ፍራንክፎርት ይቐርብ ብዝነበረ መዘክራት ደለይቲ ለውጥን ካልእ ምኽንያታትን እዩ ካብ 2009 ጀሚሩ ካብ ፍራንክፎርት ወጺኡ ኣብ ጊስን ክካየድ ዝጀመረ።
More...
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ8 ሓምለ 2023 ዓመታዊ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ነቲ ኣኼባ ዝመረሐ ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶ፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣብ መኽፈቲ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ለበዳ ኮቪድ-19ን ካልእ ዕንቅፋታትን ብምብዳህ ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ብሓፈሻ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ብፍላይ ከኣ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ንዘርኣይዎ ዕዙዝ አበርክቶን ተሳትፎን ኣመልኪቱ መርሂ ሂቡ። ኣብቲ መብርሂኡ ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት ካብ ዝተዓሙ ኣገደስቲ ስረሓት ንኣብነት ዝኾኑ ጠቒሱ።
ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብዚ ኣኼባኡ ብኣቦመንበር ንዝቐረበሉ ናይ 4ተ ዓመታት ጸብጻብ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለን ክፍሊ ምቁጽጻር ገንዘብን ንብረትን (ኦዲት) ሰዲህኤ ብዝርዝር ምይይጥ ኣካይዱ። ኣብቲ ምይይጥ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈትን ክፍሊ ኦዲትን ንዝመርሕዎ ቤት ጽሕፈት ዝምልከቱ ሕቶታት መሊሶም። ብምቕጻል እቲ ጸብጻባት ናብ 4ይ ጉባአ ዝቐርብ ውዱእ ሰነድ ባይቶ ኮይኑ ጸዲቑ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ምድላው 4ይ ጉባአ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፡ ተሳተፍቲ ናይቲ 23 ሓምለ 2023 ዝጅመር ጉባአ፡ ካብ ጉዕዘኦም ጀሚሮም ክሳብ ቦታን ግዜን ጉባአ ክኽተልዎ ብዛዕባ ዝግበኦም ኣገባብ ብኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብጸይቲ ኣድያም ተፈራ መብርሂ ተዋሂቡ። ብጸይቲ ኣስገደት ምሕረተኣብ ኣደመንበር ሓጻይቲ ሽማግለ ብወገናውን ናይታ ዕማማታ ኣብ ምስልሳል ዘላ ሽማግለ ስረሓት በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ብዝምልከት ነቲ ኣኼባ መግለጺ ኣቕሪባ።
ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ሓደሓደ ኣገደስቲ ዝበሎም ጉዳያት ርእዩ፡ መደባት ሰልፎም ንምዕዋት ኣብ ኩሉ መዳያት ብትግሃት ክነጥፉ ንዝጸንሑ ኣባላትን ኣካላትን ሰልፊ ከምኡውን ጉባኤ ሰልፊ ንምዕዋት ተሓባበርቲ ሰልፊ ንዘበርከትዎ ግደ መጎሱ ገሊጹ ኣብ መጻኢ ንክቕጽልዎ ድማ ኣተባቢዑ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብ 2018 ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን፡ “ሓድሽ ዝምድና ፈጢርና” ኣብ ዝበልሉ ብዝተፈላለዩ እቲ ጉዳይ ሃንደበት ዝኾኖም ወገናት ብዙሓት ሕቶታት ዝተላዕልሉ እዋን ምንባሩ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ እዩ። ካብቶም ሽዑ ዝቐርቡ ዝነበሩ ክሳብ ሎሚ’ውን ዕቱብ መልሲ ዘይረኸቡ ሕቶታት ንኣብነት እዞም ዝስዕቡ ይጥቀሱ።
“ክልቲአ ሃገራት ክምረሓሉ ዝጸንሓ ፖሊሲታት ዝተፈላለየ ክነሱ፡ ኣበየናይ መራኸቢ ነጥቢ ኣቲክሎም እዮም ተሰማሚዖም?፡ ከዕውትዎ ዝተለምዎ ናይ ቀረባን ርሑቕን፡ ውጥኖም እንታይ እዩ?፡ ዝምድናኦም ግሉጽን ወግዓዊ መስርሕ ዝተኸተለን ናይ ዘምዃኑ ምስጢርከ እንታይ እዩ?፡ እዚ ዝምድና በቲ ሽዑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቀላቐል ዝነበረ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ኣውንታዊ ጽልዋዶ የሕድር ወይ ብናይ ኢሳያስ ሕዱር ምልኪ ይኹለፍ?” ዝብሉ ካብቶም ብዙሓት ሒደት እዮም።
ነዚ ዝተጠቕሰን ካልእ ተዛማድን ሕቶታት ዝምልስ ምናልባታት ኣብ ምቕራብ ብዙሓት ፍልልያት ነይሮም። “ብፍላይ በቶም ንመናውን ጠላምን ተመኩሮ ኢሳያስ ኣብ ግምት ዘእትዉ፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ዝተወሰነ ዛዕባታት ንሓጺር ግዜ ዘይቅዱስ ውጽኢት ይህልዎ ይኸውን እምበር ፈራሲ እዩ” ዝብል ነይሩ። ብኻልእ ወገን ድማ “ክልቲኦም ወገናት ነንህልውናኦም ክብሉ ነቲ ዝምድና ኣጽኒዖም ሒዞም ከቕጽልዎ እዮም” ዝበሉ’ውን ኣይተሳእኑን። ዕድመ ናይቲ ስምምዕ እናነወሐ ምስ ከደን ዳንኬራ በዓል ኢሳያስ በብቑሩብ ምስ በርሀን ግና “እዚ ስምምዕ ኪኖ ሓቢርካ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ምውቃዕ ካልእ ዕላማ ዘየብሉ ሓጺር ዝዕድሚኡ እዩ” ዝብል ብዙሓት ዝተሰማምዕሉ ግምት ኮይኑ ቀሪቡ። ክልቲኦም ናብዚ ንምብጻሕ ዝኽተልዎ ቅኒት በበይኑ ከም ዝነበረ ከኣ ካልእ ከሎ ጌና ዝተቀልቀለ ምልክት ነይሩ ።
እቲ ዝምድና ንድሕሪት ዘይምለስ ብዘምስል ወደኽደኽን ብዘይትግበር መብጸዓታትን ዝተሰነየንኳ እንተነበረ፡ ኣድቂቑ ንዝከታተሎ ግና ካብ ምንዕዓቕን ሕቡእ ጉርሕን ናጻ ኣይነበረን። እዚ ዘይብሱልን ኣብ “ኣጥፊካ ምጥፋእ” ዘትከለን ዝምድና ዝወለዶ ኣዕናዊ ውግእ ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ድሕሪ ምክያዱ፡ ህዝቢ ትግራይ ብዘርኣዮ መኸተን ብናይ ዝተፈላለዩ ወገናት ጻዕርን ተጽዕኖን ኣብ ናይ ሰላም ስምምዕ ተበጺሑ። ድሕሪ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ወዮ ተጐልቢቡ ዝነበረ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ጽኑዕ ባይታ ዘይተመስረተ ዝምድና፡ እቲ ሓቀኛ ዘይምትእምማኑ ባህሪኡ ተጋሂዱ። ኢሳያስ በቲ ሓደ ወገን ኣካል እቲ ውዕል ሰላም ኮይኑ ናይ ምዝራግ ዕድል ዘይምርካቡ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብቲ ውግእ ብዘይምቕጻሉ ሓሪቑን ኣንጸርጺሩን “ኣሜሪካ ኣግሊላትናን ኮሊፋትናን” ብዝብል ቁጠዓኡን ሕርቃኑን ኣብ ኣደባባያት ገሊጹ። ብኣንጻሩ ዶ/ር ኣብይ ቀንዲ ናይ ሰላማዊ መፍትሒ ሰባኺ ኮይኑ ቀሪቡ። እዚ ድማ ኣንጻር ህወሓት ናብ ውግእ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ከምቲ “ክልተ ጐረሓትሲ ሓሙኽሽቲ ስንቆም” ዝበሃል፡ በበይኑ ሕሳብ ከም ዝነበሮም ተነጺሩ። ኣብዚ ጠጠው ከይበሉ ክልቲኦም እንተ ተፋቲሖም፡ ድሕሪኡ፡ ሓደ ኣንጻርቲ ካልእ ኣብ ዘካይድዎ ህልኽን ምውጣጥን ዝሕግዞም ናይ ርሑቕን ቀረባን ኣሰላልፋ ሃሰስ ኣብ ምባል ኣትዮም።
ናይ ቀረባ ኣብነት ንምጥቃ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ዘይስሩዕ” ዝበሎ ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራ ፋኖ ክተዓራረኽ እንከሎ፡ መንግስቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ድማ ዝምድናኡ ምስቲ ኢሳያስ ከጥፈኦ ሓሊኑ ዘይሰመረሉ ብህወሓት ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝምድናኡ ናብ ንቡር ንምምላስ ብወግዒ ክሰርሕ ተራእዩ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኤርትራዊ ቀዳምነቱ ረጥሪጡ፡ ኣብ ዘይጉዳዩ ኣትዩ ኣብ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ሓይልታት ኢትዮጵያ ተሰላፊ ምዃኑ ከኣ ዘገርም ኣነዋሪ ተግባር እዩ። ርሕቕ ኢልካ ካብ ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ክሳብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ጉዳይ ሱዳን ክሳብ ዩክረይን ክልቲኦም ወገናት ሒዘምዎ ዘለዉ ኣሰላልፋ እውን ተጸራሪ እዩ። ኢሳያስ ሓድሽ ክልተ ቀጽራዊ ኣሰላልፋ ከም ዝተጋህደ እናጠቐሰ፡ ደድሕሪ ሩሲያን ቻይናን ዞኽዞኽ ክብል እንከሎ፡ ዶ/ር ኣብይ ናብ ኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን ምዝንባሉ ከኣ ካልእ ኣብ ግምት ዝኣትው ኮይኑ’ሎ።
ኢሳያስ ዝመርጾ ርቡጽ ኣሰላልፋ ካብ ቀደሙ እንቃወሞ፡ ሳዕቤኑ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ዘኸትሎ ሓደጋ ከም ዘለዎ ስለ እንግንዘብ ኢና። እቲ ሳዕቤን ፈልዩ ንኢሳያስን ጉጅለኡን ጥራይ ዘረኻኽበሎም ነይሩ እንተዝኸውን ግና ኣይመሻቐለናን ጥራይ ዘይኮነ ኢድና ሓዊስና’ውን መራጐድናዮ። ብመጽርዚ ኣብዚ እዋንዚ ክጻረዩ ዝግበኦም፡ ነቲ “ኢሳያስን ኣብይን ሎሚኸ ናበይ ገጾም?” ዝብል ሕቶ ኣብ ምምላስ ጽልዋ ዘለዎም ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ዝለዓሉ ሓያሎ ዛዕባታት ኣለዉ። “ኢትዮጵያ ሓድሽ ኮማንዶ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪቓ ናይ ውግእ ጀላቡኣ ኣሕዲሳ፡ ነፈርቲ ውግእ ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዘንብየን፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሓደ ዕጽዊ ኣኼባ ድሕሪ ሕጂ ነካይዶ ውግእ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውናን እዩ ኢሎም፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይእሰሩን ናብ ሃገሮም ይስጐጉን ኣለዉ፡ ሓይልታት ፋኖ ኣምሓራ ኣብ ኤርትራ ይዕለሙ ኣለዉ፡ ኣመርካ ንመንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ዝርዝር ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰሳ መንግስታት ኣውጺኣ ካብ ኢሳያስ ክርሕቕ ቃል ኣእትያቶ…… ወዘተ” ካብቶም እዋናዊ ኣጀንዳታት ኮይኖም ዘለዉ እዮም።
እዚ ትንዕምንዕ ነቲ ኣብ ጽኑዕ ባይታ ተደኲኑ ዘሎ ልኡላውነት ኤርትራ ንድሕሪት ዘይመልሶኳ እንተኾነ፡ “ኣንታ እዚ ዕቡድ ዲክታተር በቲ ሓደ ወገን ኣብ መድረኻት ኢትዮጵያ ኣፍልቡ እንዳወቕዐን ዘይውርዙይን ዘይሓላፍነታውን መደረታትት እናስመዐን በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከይዱ መዳልያታት እናተሸለመን ገለ ጸይቑ ከይከውን?” ኢልካ ምጥርጣርን ምስጋእን ግቡእ እዩ። እንተ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ካብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጽቡቕ ዘይተፈድየ፡ ምስ ኣብይ ኮነ ናይ ካልእ ሃገር መራሒ ተዓራሪኹ “ካብ ጸባ ዘይተረኽበስ ካብ ማይጨባ” ከም ዝበሃል ከኽስሮ እንተዘይኮኑ ከርበሖ ክጽበ ኣይግበኦን። ብግብሪ ከኣ ትርጉም ኣብ ዘይብሉ ህይወት መላምል ደቁ ኣብ ዝኸፈለሉ ከቢድ ክሳራ ወዲቑ ኣሎ። እቲ ክሳራ በዚ ዝውሰን ዘይኮነ፡ እቲ ብሃውኽ ሃወኽ ጠፋጢፍካ ዝተሰርሐ ዝምድና ኢስያስን ኣብይን ኣብ ልዕሊኡ ፈሪሱ ከይጸቕጦ’ውን ኣዝዩ ዘስግእ እዩ።
ሲቪላዊ ልኡኽ ሱዳን ምስ ፕረሲደንት ዩወሪ ሞሶቪኒ
ሱዳናውያን መራሕቲ ሓይልታት ናጽነትን ለውጥን (FFC) ብ3 ሓምለ 2023 ኣብ ካምፓላ ምስ መራሒ ኡጋንዳ ዩወሪ ሞሶቪኒ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብ ሱዳን ውግእ ጠጠው ክብልን ሓደ ሰራዊት ጥራይ ክህሉን ዝብል ኣተሓሳስባኦም ከም ዘሕደሱ ማዕከናት ዜና ሱዳን ኣፍሊጠን። እዚ ልኡኽ ቅድሚ ሓደ ሰሙን እዩ ብዝለዓለ ምስጢር ካብ ሱዳን ወጺኡ።
እቲ ሃዲ እድሪስ፡ ጣህር ሓጃር፡ መሓመድ ኣልፋቒ፡ መሓመድ ሓሰን ናስር ኣል ዲኢን ዝተባህሉ ሱዳናውያን ፖለቲከኛታት ዝርከብዎ ልኡኽ፡ ኣብ ቤተመንግስቲ ኢንተበ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ድሕሪ ውግእ 15 ማዝያ 2023 ሰብኣዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ካርቱም ኣዝዩ የንቆልቁል ከም ዘሎ ገሊጾም።
ኣባላት እቲ ልኡኽ ኣብቲ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ውግእ ተቛሪጹ፡ ኣብ ሱዳን ኩሉ ሓቛፍን ሞያውን ሰራዊት፡ ሲቪላዊ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ቀጻሊ ሰላምን ዝረጋገጸሉ ሃዋህው ክፍጠር ጸዊዖም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብቲ መስርሕ ግደ ኣፍሪቃዊ መፍትሒ ወሳኒ ምዃኑ ጠቒሶም።
ነቲ መግለጺ ብጽሞና ዝተኸታተሉ ፕረሲደንት ኡጋንዳ ዩወሪ ሞሶቪኒ፡ ጸገም ሱዳን ንክፍታሕ ዝኽእልዎ ዘበለ ከበርክቱ ቅሩብ ምዃኖም ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ድማ፡ ምስ ወተሃደራዊ መራሕቲ ሱዳን ቀጻሊ ርክብ ከም ዘለዎም ብምሕባር፡ ሱዳናውያን ተዛትዮም ኣብ ፍታሕ ንክበጽሑ ንምዕጋቦም ይጽዕሩ ከም ዘለዉ ኣረዲኦም። እቲ መፍትሒ፡ ኣብ ህጹጽ ምቁራጽ ውግእ፡ ምምስራት ሲቪላዊ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ስሙር ሰራዊትን ዘትከለ ክኸውን ከም ዝግበኦ ገሊጾም።