Print this page

ህግደፍ ግዜ ዕዳጋ ይድርት፡ ናብ ሳዋ ዝኸዱ ዋሕስ ከፈርሙ ይግደዱ

2024-04-01 20:17:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 457 times
Rate this item
(0 votes)

ምስሊ ሩባ ዓንሰባ ካብ ማሕበራዊ መዲያ

ሓረስቶት ዞባ ዓንሰባ ኣብ ጀራዲኖም ዘፍረይዎ ፍረታትን ኣሕምልትን ኣብ ሰሙን ክልተ ቀወምቲ መዓልታት ጥራይ ናብ ዕዳጋ ከቕርቡ ብህግደፍ ከም ዝተገደቡ ዝተፈላለያ ማሕበራዊ መራኽብታት ኤርትራ  ምንጭታተን ብምጥቃስ ሓቢረን። ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሰሙን ካብ ክልተ ግዜ ንላዕሊ ምህርቶም ናብ ዕዳጋ ዘውርዱ ሓረስቶት ከቢድ መቕጻዕቲ ከም ዘጋጥሞም ከኣ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እዚ ናይ ዕዳጋ መዓልታት ምድራት ስለምንታይ ከም ዝተወሰደ ኣብቲ ሓበሬታኳ እንተዘይተጠቕሰ፡ ነቲ ዕዳጋ ንናይ ህግደፍ ትካላት ንምሕዛእ ከም ዝኮነ ይግመት።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ጣልያን ዝነበረ መኽዘናትን ካልእ ንብረትን  ገዚእኩም ብዝብል ከም ዝወርስን ካብቶም ግዳያት ምውራስ ዝኾኑ ትካላት ሳቫና ዝተባህለ ሆቴል ከም ዝርከቦ ጠቒሶም፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብቲ ዞባ ኣስታት 22 ትካላት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ከም ዝወረሰ ኣብቲ ዜና ሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈልየ ተገዲዶም ናብ ሳዋ ዝኣትዉ ዕሸላት ብጉዳዮም ብቐረባ ዝሕተት ዋሕስ ንከፈርሙ ዘገድድ ሕጊ ከም ዘውጸአ ንምፍላጥ ተኻኢሉ። ኣብ ርእሲዚ እቲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሰነ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ጉዕዞ ናብ ሳዋ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ ጉንበት ከካይዶ ከም ዝመደበ  ተፈሊጡ።

እቲ ስርዓት ነዚ ሕጊ ዘውጸአ፡ ነቲ ኣብ ሳዋ እናተዓለሙ ኮነ ናብ ኣሃዱታት ምስተመደቡ፡ ዝረአ ምምልጥ ንምዕጋት እዩ። ስለዚ ኣብ ዝኾነ ግዜ ኣብ ዘጋጥም ህድማ እቲ ዝፈረመ ዋሕስ ተሓታታይ ንምግባሩ እዩ። እቶም ምንጭታት ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሳዋ ተዓሊሞም ናብ ሰራዊት ዝተመደቡ መንእሰያት ብብዝሒ ይሃድሙ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዶብ ትግራይ ከባቢ ዛላንበሳ ካብ ዘላ ክፍለ ሰራዊት 58 ብብዝሒ  ናብ ትግራይ ይኣትዉ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

ህግደፍ ቅድሚ ሕጂ እውን ካብ ግዱድ ዕስክርና ንምድሓን ካብ ሃገር ናይ ዝወጹ መንእሰያት ቤተሰብ ክሳብ ሓምሳ ሺሕ ናቕፋ ክኸፍሉ የገድድ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Monday, 01 April 2024 22:38