ጨንፈር ሰዲህኤ ዓባይ ብሪጣንያ ብሰኑይ ዕለት 16 ሕዳር 2020 ወራሓዊ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ። ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣባላት ሰልፊ ዓበይቲ ጨንፈራውን ሰልፋውን ሃገራውን ጉዳያት ብስፍሓት ንምዝርራብ ነዞም ዝስዕቡ ኣጀንዳታት መምዩ ብዕቱብ ዘቲዩ።
ሀ - ንጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ብዝምልከት
1 - ውደባን ሰልፋዊ ጎስጓስን
2 -ምጣኔ ሃብታዊ ጉቡኣትን ወፈያን
3 - ተራ ኣባል ኣብ ሰልፋዊ ጉዳያትን ምስ መሓሱት ደምበ ተቓውሞን ብፍላይ ህዝባዊ
ምንቅስቓስ ይኣክልን
ለ - ሰልፍናን ደምበ ተቓውሞ ብመንጽረ ፓለቲካዊ ውድባትን ኤርትራ ብሰፊሑ
ሓፈሻዊ ሓበሬታ ምስ ዝተኻየደ ስርርዕ (ታስክ ፎርሳት) ብምትሕሓዝ መብሪሂ ተዋሂቡ ዝተረፈ
ድማ ንዝመጽእ ናይ ምሉእ ኣባል ኣኼባ ክንጽበየሉ ተሰማሚዕና።
ሐ - ኣብ ኤርትራን ከባቢኣን ዝኸይድ ዘሎ ምዕብልናታትን፡ ዘሕዝን ውግእን ብዕቱብን ሓላፍነት
ብዝመልኦ ተረድኦን ዘቲናልሉን ኮኒንናዮን።
ብሰንኪ ጠላሚ ሰርዓት፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርታት ዓመታት ኣደዳ ውግእን ኣደራዕ ዘይውዳእ ዕስክርናን ኮይኑ ምህላዉ እንደገና ኣስሚርናሉ።
*ንምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ብፍላይ ንህዝብና ድማ ብሓፈሻ እምቢ ንውግእ ክብል ጻዊዕትና ቀጻሊ ክኸውን ኣስሚርናሉ።
ብኩሉ መሳሪሒና ንህዝቢ ዓለምን ኣሎዋ ዝበሃላ ዓለም-ለኻዊ ውድባት ጸረ ኣዕናዊ ዝኾነ: ንስልጣኖም ጥራይ ዝጠመተ ኩናት ድው ክብል ግዴኦም ክበርክቱ ጻዊዒትና ክንደጋግሞ ወሲንና።
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራን፡ ዝኽሪ ንምእንቲ ዝገሃስ ዘሎ ልዑላውነት ክቡር ሂወቶም ዝኸፈሉ ደቁን።