ዞባ ኤውሮጳ ሰ. ዲ. ህ. ኤ. ነቲ መሰረት ቅዋም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ዝካየድ ጉባኤ እተዳሉ ኣሳናዳኢትን ሓጻይትን ሽማገለን ብዕለት 28/03/2020 ብ5ተ ዝኣባላታ (ማለት ክልተ ካብ ዓዲ እንሊዝ፡ ሓደ ካብ ጀርመን፡ ሓደ ካብ ደንማርክ፡ ሓደ ካብ ሽወደን) ሽማገለ ኣቊማ። ብምቅጻል ዝተመርጹ ኣባላት ኣሳናዳኢት ሽማገለ ብዕለት 04/04/2020 ብኤለትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን ፡ ቀዳማይ ኣኼባኣ ብምክያድ ነብሳ ሰሪዓ ስራሓታ ኣብ ምጅማር ትርከብ ። ከምቲ ልሙድ ሰውራዊ ስጡም ኣሳሪ መሪሕ ጭርሖና ከኣ ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስን ምዕባሌን ንቃለስ !!! ክኸውን ኣስሚራትሉ ። ኣባላት ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ 9 ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከቡ ኮይኖም፡ ብሓደ ንኡስ ዞባን፡ ልዕሊ 13 ጨናፍርን ዝሓቆፈ ሰፊሕ ዞባ እዩ።