Print this page

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ካርቱም ቤት ጽሕፈቱ ከፊቱ

2026-04-04 21:35:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 78 times
Rate this item
(0 votes)

ሱዳናዊ ሚኒስተርን ወከልቲ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ መኽፈቲ እቲ ስነ-ስርዓት

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪቲ 3ይ ዓመቱ ገይሩ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ሱዳን ኣብ ፖርት ሱዳን ዝጸንሐ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዋና ከተማ ናይታ ሃገር ካርቱም ከም ብሓድሽ ከፊቱ። ኣብ ስነ ስርዓት ናይቲ ዳግመ-ምኽፋት፡ ሚኒስተር  ወጻኢ ጉዳይን ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን ሱዳን ሞሓዲን ሳልምን ኣመሓዳሪ  ካርቱም ኣሕመድ ዑስማን ሓምዛን ወሲኽካ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ወከልቲ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ከም ዝተሳተፉ እውን እቲ ካብ ሱዳን ትሪቡን ዝተረኽበ ዜና ሓሓቢሩ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሱዳን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ስጉምቲ ምውሳዱ ኣመስጊኑ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ንሱዳን ታሪኻዊ ዕለት እዩ ኢልዎ። ብቲ ኣጋጣሚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወኪሎም ኣብ ጐኒ ህዝቢ ሱዳን ናብ ዝሰርሑ ኣካላት መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ሚኒስተር ሳልም ብተወሳኺ ዳርፉርን ኮርዱፉንን እውን ካብቲ በስንኪ እቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ዝበጽሖም ዘሎ በደል ክድሕኑ እዮም ዝብል ተስፋኡ ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ሚኒስተር ከም መንግስቲ፡ ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስለ ዝኾና፡ እቲ ውድብ ምእንቲ ሰላም ሱዳን ኣብ ዝወስዶም ተበግሶታት ክንተሓባበር ኢና ክብል ቃል ኣትዩ። ኣተሓሒዙ ድማ መንግስቲ ሱዳን ዝኾነ ኣካል ከገድዶ ከም ዘይፈቅድ ጠቒሱ፡ በቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ኣብ ቅድሚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ እማመ ሰላም ከም ዝምእዘዙ ኣረጋጊጹ። ካብዚ ሓሊፉ ንሚሊሻ ቦታ ከምዘይህቡ ጠቒሱ፡ ኣብ ጉዳዮም ናይ ወጻኢ ኢድ ኣእታውነት ከምዘይፈቕዱ ድማ ኣረጋጊጹ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሱዳን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባልነት ሱዳን ኣብ ናይ ምንጥልጣል ውሳነኡ ዳግመ ርኢቶ ንክገብር ኣተሓሳሲቡ። ኢጋድ ብወገኑ ዝጭበጥ ንከባቢያዊ ምርግጋእ ዝሕግዝ ስጉምቲ ንክወስድ ኣዘኻኺሩ። ብሓፈሻ ንኣስተዋጸኦ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ ንኣበርክቶ ደኒስ ብራውን ኣተሓባባሪት ሰብኣዊ ስረሓት ኣብ ሱዳን ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ብዝያዳ ድማ ነቲ ምስ ኩሉቲ ኣብ ሱዳን ዝጸንሐ ውግእ፡ እንኮ ካብ ሱዳን ንዘይወጸ ኣንበሳድር ዝንባብወ ብፍሉይ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።

Last modified on Saturday, 04 April 2026 23:43