Print this page

ናይ ሓባር መግለጺ፥ ንህልዊ ኲነት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኢትዮጵያ

2026-03-06 10:01:25 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 275 times
Rate this item
(0 votes)

ኤውሮጳዊ ልኡኽ ኣብ ጀነቫ ኣብ መጀመርያ ወርሒ መጋቢት 2026 ዝተኻየደ መበል 61 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ንህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ብስም 40 ሃገራት ናይ ሓባር መግለጺ ምውጽኡ ናይቲ ልኡኽ ክፍሊ ፕረስን ሓበሬታን ኣፍሊጡ።

እቲ መግለጺ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣብ ርክባት ሰብኣዊ መሰል፡ ብፍላይ ድማ ኰነታታ ኣብ ኣተሓሓዛ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ከመይ ደርጃ ከም ዝርከብ ንምግምጋም ኣብ ዝተከፍተ መድረኽ ምስታፋ ኣመስጊኑ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ቀጻሊ ነዚ ዛዕባ ኣብ ዝምልከት መድረኻት ክትሳተፍ ከም ዝጽበ ገሊጹ።.

ኣብ መስርሕ እቲ ኣብ መጻኢ ወርሒ ስነ 2026 ከተካይዶ መዲባቶ ዘላ 7ይ ዙርያ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ መሰል ሓስብካ ምግላጽን ነጻነት ናይ ማሕበራትን ምእካብን ክወሓስ ትጽቢትና እዩ ኢሉ እቲ መግለጺ። እንተኾነ በቲ ኣብታ ሃገር ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ጃምላዊ ምእሳርን ምክልባትን ምእንቲ ሲቪላዊ መሰል ዝቃለሱ ወገናት ወሲኽካ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ መሰል ተጣበቕትን ናይ ብሕቲ መዲያታትን ዝፍጸም ዘሎ ቀጻሊ ምትዕንቓፋት ነተን መግለጺ ዝውጽኣ ሃገራት ከም ዘሻቕለን ዘርዚሩ። ብሰንክ’ዚ ተግባራት ብዙሓት ካብ ሃገሮም ክወጹ ከም ዝተገደዱ’ውን ጠቒሱ።

መሰል ሲቪላዊ ኣካላት ምሕላውን ንመዲያታት ምቹእ ኩነታት ምፍጣርን ፍትሓዊ ምርጫ ንምክያድ ኣገዳሲ ቀድመ-ኩነት እዩ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ብዓለም-ለኻዊ ሕግታት ሰብኣዊ መሰላት ክትቅየድ ድማ ብትሪ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ፥ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ወተሃደራዊ ምፍጣጥ ከም ዝከታተሎ ኣብቲ መግለጺ ኣስፊሩ። ነቲ ኩነታት ብኹሎም ዝምከቶም ኣካላት ምህዳኡ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሕብረተሰብን ዞባዊ ምርግጋእን ሓደገኛ ሳዕቤን ከኸትል ዝኽእል ሓዲሽ ውግእ ከይፍጠር ዝዓግት ወሳኒ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ካለኦት ተዋሳእቲ ኣካላትን እቲ ኣብ ክልላት ኦሮሞ፡ ኣምሓራን ትግራይን ዝረአ ዘሎ ወጥርን ምግሃስ መሰላትን ንክቋረጽ ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ንክወስዱ ንጽውዕ እውን ኢሉ እቲ መግለጺ። ኣተሓሒዙ ድማ ውዕል ፕሪቶርያ እምነ-ኩርናዕ ሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያን እቲ ዞባን ምዃኑ ኣዘኻኺሩ፡ ከም ኣገዳሲ መንጠሪ ናብ ሰላማዊ ዘተ  ንክውሰድ ከኣ ጸዊዑ።

ኩሎም ወገናት ካብ ጥሕሰትን ዓመጽን ክዕቀቡ ይግበኦም ብምባል፡ ሰብኣዊ መሰል ምኽባር ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕባቶም ዝፍጸአሙ ጥሕሰታት ተሓታትነትን ፍትሕን ከረጋግጹ’ውን ተማሕጺኑ። ብምትሕሓዝ ከኣ ንግደ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ካለኦት ዞባዊ ትካላትን ኣብ ዘተን ምርግጋእን ኣፍልጦ ከም ዝህብ እቲ ብስም 40 ሃገራት ኣብ መበል 61 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ መግለጺ ጠቒሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ እውን ኣስታት 42 ሃገራት ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ መግለጺ ኣውጺአን ከም ዝነበራ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Friday, 06 March 2026 11:18