Print this page

ኣብ ኢትዮጵያ እሳተ-ጐመራ ነቲጉ

2025-11-25 17:32:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 119 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር፡ ብ23 ሕዳር 2025 ኣብ ዝሓለፈ 12 ሺሕ ዓመታት ዘይተረእየ ዝተባህለ እሳተ-ጐመራ ከም ዘጋጠመ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣፍሊጠን። እቲ “ሃይሊ ጉቢ” ኣብ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ ዘጋጠመ ነትጒ፡ ካብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሓሊፉ ናብ የመንን ዑማንን ዝውርወር ከቢድ ሓሙሑሽቲ ከም ዘኸተለ ተሓቢሩ። ናይቲ ሓሙኹሽቲ ብናን ጸሊም ሕብሪ ክሳብ ሰሜናዊ ቀላይ ዓረቢያ ከም ዝተራእየ እውን እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኣብ ጥቓ ኣፍዴራ ዝርከባ ዓድታት፡ እቲ  ነትጒ እሳተ-ጐመራ ብዘኸተሎ ሓያል ደሮና  ተሸፊነን ከም ዝነበራ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፡  ናይቲ ነትጒ ድምጺ ክሳብ ከባቢ ኣርታዕለን ኣፍዴራን ከም ዝተሰምዐ እውን ተገሊጽ። እቲ ነትጒ ካብ ኣርታዕለ ንወገን ደቡባዊ ምብራቕ ኣስታት 15 ኪሎ ሜትር ስፍሓት ዝሸፈነ ምዃኑ ድማ ተፈሊጡ።

ከም ገምጋም ቪምለንዱ ጅሃ ዝተባህለ ፈላጥ ስነ-ከባቢያዊ ጉዳያት፡ ካብዚ ናይ ኢትዮጵያ እሳተ-ጐመራ ዝበነነ ሓሙኽሽቲ  ኣብ ልዕሊ ከም ጉጅራት፡ ራጃስዛንን ደልሂን ዝኣመሰሉ ከባብታት ህንዲ ዘንብዩ ነይሩ። ኣብቲ ዝንሳፈፍ ደሮና ከም ሳልፈር ኦክሳይድን መስትያትን ዝኣመሰሉ ንጥረ ነገራት ኣብ ደበና ብብዝሒ ከም ዝተራእዩ እቲ ናይ ከባቢያዊ ኩነታት ክኢላ ኣፍሊጡ። ኣብ ቀረባ ግዜ ዘኸተሎ ጉድኣት’ኳ እንተዘየለ ንቀጻሊ ግና ምክትታል ከም ዘድልዮ  እቲ ክኢላ ምኽሩ ለጊሱ። 

እቲ ብናን ኣብ ህንዲ ናይ ነፈርቲ በረራ ዕንቅፋት’ኳ ፈጢሩ እንተነበረ፡ ደሓር ግና ካብ ሰሜን ህንዲ  ንወገን ቻይናን ፓስፊክን ተጓዒዙ ከም ዝተበተነ ተፈሊጡ። እዚ ካብ ዶብ ኤርትራ ብዙሕ ዘይርሕቕ ቦታታት ክልል ዓፋር ተደጋጋሚ  ምንቅጥቃት መሬት እውን ካብ ዘይፍለዮ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ።

Last modified on Tuesday, 25 November 2025 18:38