Print this page

ኤርትራውያን ኣብ ዶብ ኬንያን ኡጋንዳን ተዓጊቶም

2025-07-09 07:54:54 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 377 times
Rate this item
(0 votes)

ካብቶም ግዳያት ብኸፊል

ካብ ኬንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኡጋንዳ ክኣትዉ ፈቲኖም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 218 ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብሓይልታት ጸጥታ ክልቲአን ተዳወብቲ ሃገራት ከም ዝተዓገቱ ቢቢሲ ሓቢራ። ጸብጻብ ፖሊስ ናይተን ሃገራት ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ግዳያት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጉጅለታት ተኸፋፊሎም እንከለዉ እዮም ኣብ ዶባዊት ከተማ ኡጋንዳ ሞሮቶ ተታሒዞም።

ኣብታ ብ2 ሓምለ 2025 ዝታሕዘት ጀልባ፡ 74 ኤርትራውያን ክተሓዙ እንከለዉ፡ ንጽባሒቱ ኣብ ናይ ሓንቲ ቁሸት ኣጓዱ ተሓቢኦም እንከለዉ ዝተታሕዙ ከኣ 13 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 36 ምዃኖም እቲ ዜና ኣስፊሩ። ብተመሳሳሊ ኩነታት ብ5 ሓምለ ሎኪቶንያለ ኣብ ዝበሃል ቦታ ኣብ ከባቢ ዶብ ኣሰጋገርቶም ገዲፈምዎም ዝሃደሙ 13 ህጻናት ዝርከብዎም 108 ኤርትራውያን ካብቶም ብፖሊስ ዝተታሕዙ ግዳያት ምዃኖም ቢቢሲ ፖለስ ኬንያ ብምጥቃስ ኣብቲ’ቲ ዜና ኣስፊራ።

ኢንደፐንደት ዝተባህለት ጋዜጣ ኬንያ ብወገና፡ ብፍላይ ነቶም 108 ብምጥቃስ፡ ናይዞምም ህጽናትን ኣደታትን ዝርከብዎም ኤርትራውያን ግዳያትን ኣሰጋገርቶምን ጉዳይ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣላለ ኣብ ዝተባህለ መደበር ፖሊስ ኣብ ትሕቲ መርመራ ከም ዝርከብ ሓቢራ።

እዚ ናይ ኤርትራውያን ብኬንያ ኣቢልካ ናብ ኡጋንዳ ምእታው፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ዝተለምደ መስመርኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ምስቲ ኤርትራውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያን ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ ዘጋጥሞም ዘሎ ተጽዕኖን ማእሰርትን ከምኡ እውን ተገዲድካ ናብ ኤርትራ ምምላስ ዝያዳ ዝጋደድ ዘሎ እዩ።

Last modified on Wednesday, 09 July 2025 10:06