Print this page

ካብ ህግደፍ ዝያዳ፡  ህግደፍ ንምምሳል

2022-02-23 09:56:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1053 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ሓቢእካዮ ዝሕባእ ኣይኮነን። ኣብታ ሃገር ሕገ-መንግስቲ የለን፡ ዝመስለካ ምዝራብ ኣይፍቀድን፡ ምርጫ ኣይካየድን፡ ቁጠባ ባይታ ዝዘበጠ እዩ፡ ጉዳይ ትምህርትን ጥዕናን እሞኸኣ ዝገደደ እዩ፡ ክታበት ኣንጻር ኮረና ብመንግስቲ ኣይፍቀድን እዩ፡ ሕጽረት ጸዓትን ኤለክትሪክን ገዲዱ እቲ እንኮ ምርጫ ምስ ጸልማት ምልምማድ ግድን ኮይኑ….. ወዘተ፡ እንዳበልካ ንምዝርዛር ርኡይ ስለ ዝኾነ ምርምር ምክያድ ወይ ምስክር ምጽዋዕ ኣየድልን።

እቲ ኣብ ኤርትራ “የመሓድር ድዩ  ይገዝእ ዘሎ” ምፍላዩ ዘጸግም ጉጅለ፡ ነዚ ኩነታት ቅድም ክሓብኦ እዩ ዝፍትን ነይሩ። ደሓር ምሕባኡ ዘጸገም ምስ ኮኖ ግና ክእመን ተገዲዱስ  ናይቲ ኩሉ ጸገማት ጠንቂ ባዕሉ እንከሎ፡ ኣስማት ባዕሉ ዝፈጠሮም ጸላእቲ እናዘርዘረ ንካለኦት ከላግበሎም ዘይፈንቀሎ እምኒ ኣይነበረን። መዓልቲ እንዳነወሐ እቲ ዘቕርቦ ምኽንያታትን ተሓተትቲ ዝብሎምን እንዳተዳኸሞ ምስ ከደ፡ ግና ናብ ካልእ ከላግቦ ከምዘይክእል ፈሊጡ እቲ ጠንቂ ባዕሉ ምዃኑ ካብ ዝእመን ሓያሎ ኮይኑ። ምኽንያቱ ከምቲ “እነሀ ዝብል ኣይሓሱ” ዝበሃል፡ ንሃለዋት ኤርትራ ብመርተዖታት ኣሰኒኻ  ክቐርቦ ዝጸንሐ ሓያል ተቓውሞ ዝሕበል ስለ ዘይኮነ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቅ ንገዛእ ርእሱ ኣይኮነንዶ ኣብ ግዜ ህግደፍ ዝተሰርሐ ክህሉ፡ እቲ ቅድም ዝነበረ ምስሊ ኤርትራ እውን ኣሰሩ ከም ዘየለ ንፋብሪካታትን ከተማታትን ከም ኣብነት እንዳጠቐሰ ተኣሚንዎ እዩ። ስለዚ ናይ ሎሚ ኤርትራ ነዚ ዘለናዮ ዘመን ዝምጥን ሓድሽ ትሕተ-ቅርጻ ዘይተሃንጸላ ጥራይ ዘይኮነት፡ ዝነበራ ዘጥፈአት ሃገር ምዃና ብሩህ እዩ። እዚ ከኣ ናይ ስእነት፡ ድኽነትን ጭንቅን እምበር ናይ ራህዋ፡ ርግኣትን ብልጽግናን መግለጺ ተርእዮ ኣይኮነን። ምናልባት ንሰላም ኣብ ውሽጢ ከተማታት  ድምጺ ጥይት ብዘይምስማዕ ጥራይ ንዝርድእዎ ግና ኤርትራ ዓዲ ደሓን ዘላ ይመስሎም ይኸውን። ግን እዚ እውን ምስቲ ኤርትራውያን፡ ኣብ ትግራይ፡ ዓፋርን ወልቃይትን ምናልባት እውን ኣብ ከባቢ ኦሮሞ ይወድቁ ምህላዎም እታ “ኤርትራ ሰላም እያ”  እትብል መነየቲት እውን ደቃ ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ እንዳሃለቑ ትርጉም የብላን።

ህላወ ኢድ ህግደፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ከምቲ ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዝምልከት ዛዕባ፡ ብብዙሕ እምነትን ክሕደትን ተሰንዩ ክጐዓዝ ዝጸንሐ እዩ። ወዮ ኣቶ ኢሳያስ ዋና ምዃኑ ኣብ 2018 “ጉዳይ ወያን ጸወታ ተወዲኡ (weyane game over) ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድና ኣጣሚርና ኣይንርእን“   ክብል ዓለም ሰሚዓቶስ፡ ድሕሪ ውግእ ብ4 ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ምብራዑ “ህግደፍ ኣብቲ ውግእ ኣትዩ ኣይኣተወን” ዘካትዕ ኣይምኾነን። ህግደፍ ባዕሉ እውን ኣጽቂጡ እምበር “ኣይኣተናን” ኣይበለን። እቶም ኤርትራ ምንም ዕቤት ከም ዘየርኣየት ኢሳያስ ባዕሉ እንዳመስከረ እንከሎ፡ ካብ ህግደፍ ዝያዳ ህግደፍ ክኾኑ ዝፍትኑ፡ ንኤርትራ ዓዲ ብርሃን፡ ሓጐስ፡ ጽጋብን ጥዕናን ገይሮም ክስእልዋ ዝፍትኑ፡ ኣብ ጉዳይ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ እውን፡ ንሓንሳብ ምስቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣዋዲቕዎ ዝነበረ፡ ትግባረ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንሓንሳብ ድማ ምስ ምትኳስ ሚሳይል ናብ ኣስመራ ኣተሓሒዞም ከመላኽዕዎ ፈቲኖም እዮም። ሚሳይል ዝተተኮሰ ድሕሪ 14 መዓልታት ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ውግእ ምንባሩ ብሩህ እዩ።  ኢሳያስ ግና ኣብ ርእሲቲ ናይ ቅድሙ “ጉዳይ ወያን ጸወታ ተወዲኡ (weyane game over) ዝበሎ፡ መመሊሱ “ውግእ ኢትዮጵያ ጉዳይና ኢዩ፡ ተዓዘብቲ ንኾነሉ ኣይኮነን” እንዳበለ ኣረጋጊጽሎም እዩ። እቶም “ካብ ህግደፍ፡ ዝያዳ  ህግደፍ ንምምሳል” ዝተግሁ እንብሎም ዘለና ኣካላት ከኣ እቲ ህግደፍ ዘዝበሎ ብዘይምምዝዛን ተተቐቢሎም ምቅላሕ ከይኣኽሎም፡  ነዚ ባዕሉ “ኣብዚ ኣለኹ” ዝብል እቲ መወከሲኦም ጉጅለ እውን ዝተኣመነሉ ዓይኑ ዘፍጠጠ  ሓቂ ጓስዮም ካብ ዘይጭበጥ ሓበሬታ እናተበገሱ ዝህውትቱ  ዘለዉ ኢዮም።

እቲ ዘገርም ግና እቲ ህውተታ ናብ ተጋሩ እውን ይልሕም ምህላዉ እዩ። ገለ ካብ ህወሓት ዝያዳ ሓለይቲ  መጻኢት ትግራይ መሲሎም ክረኣዩ ዝደልዩ፡ ትግራይ ንኤርትራ ብምንእኣስ እትዓቢ ዝመስሎም ንዕዘብ ኢና። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሓደ ኣብ ህልዊ ውግእ ትግራይ ጽልዋ ኣለኒ በሃላይን ንኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣምሪሩ ዝቃወምን፡ ንታሪኻ፡ ሕጋውነታ፡ ናይ ህዝባ ቃልስን ርእሰ-ውሳነ  ብመንገዲ ረፈረንደምን ኣህጉራዊ ሕግን ዓይኑ ኣዕሚቱ ክሒዱ፡ “ድሕሪ 4 ሕዳር 2020 ውግእ ኣብ ትግራይ ምጅማሩ እሞ ህግደፍ ኢዱ ምእታዉ፡ ኤርትራ ልኡላዊ ኣይኮነትን” ክብል ተሰሚዑ። ከምቲ “ወሓጥዮ እንተበልኩዋስ ትጐስሞ” ዝበሃል ከኣ፡ እዚ ርኢቶኡ  ንብዙሓት ተጋሩን ገለ ኤርትራውያንን ከም ዝውክል ኣምሲሉ ይጠቅስ። እሞ ከኣ“ትግራይ ጽባሕ ልኡላዊት ሃገር ክትከውን እያ” ኢሎም ካብ ዝኣምኑ ባእታታት ሓደ ምዃኑ እዩ። ነዚ ባእታዚ “ናብ ልብኻ ተመለሰ፡ ህድእ ኢልካ ሕሰብ” ኢልናዮ ኢና ክንሓልፍ። ርኢቶ ናይዚ ባእታ፡ ንህዝቢ ትግራይ ከምዘይውክል ግና እምነትና ምሉእ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ጽባሕ እንታይ ይውስን ድማ ንዓኡ ዝምልከት እዩ።

ናብቲ ቀንዲ ዘንቀለና ጉዳይና ክንምለስ፡ ደገፍቲ ህግደፍ  ምስቶም ንህግደፍ ካብ ርኡይ ኩነታት ነቒሎም ዝቃወሙን ምእንቲ ዝሓሸት መጻኢት ኤርትራ ዝቃለሱን ተሃላሊኾም ንህግደፍ ምስቲ ኩሉ ሓጥያቱ ክድግፉ እንከለዉ፡ ልዕሊ ኩሉ ምስ ሓቂ ይላተሙ ከም ዘለዉ ክርድኡ ይግበኦም። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ምርጫ የለን፡ ክታበት ኮቪድ-19 ኣይፍቀድን፡ ዘመናዊ ማሕበራዊ መራኸብታት የለን፡ ኤርትራዊ ዜጋ እናሃለኻ፡ ፈቓድ ህግደፍ ክትመልእ 2% እንተዘይከፊልካ ወይ ወተሃደር ኰንካ እንተዘየገልጊልካ ብዜግነትካ ክትረኽቦ ዝግበኣካ ኣገልግሎታት ትሕረም እንተ በልካ፡ ነቲ ሓደ ንምሕጓስ ወይ ነቲ ካልእ ንምጉሃይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ርኡይ ሓቂ ንሱ ስለ ዝኾነ እዩ። ስለዚ ነዚ ክሒድካ ንህግደፍ ልዕሊኡ ህግደፍ ኮይንካ ከተመላኽዖ ምፍታን ልዕሊ ኩሉ ምስ ህዝብን ሓቅን ምብኣስ እዩ።

Last modified on Wednesday, 23 February 2022 11:03