Print this page

ገበናት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ፡ ከኣ ከይዝንጋዕ

2021-03-09 09:13:25 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1402 times
Rate this item
(0 votes)

ጉጅለ ህግደፍ “ሌባሌባ እንተበልዋስ፡ ሉዋሉዋ ዝበልዋ ይመስላ”  ከም ዝበሃል፡ እነሆ በቲ ሓንሳብ ዝመረጾ ዘይጥዑይ መንገዲ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ በብዓይነቱ ገበናት ዝፍጽመሉ ሜዳ ጸቢብዎስ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ከስፍሖ ብዙሕ ግዜ ብብዙሕ ኣገባባት ፈቲኑ። ሎሚ ከኣ ከም መቐጸልታ ናይዚ ግጉይ ኣተሓሳስባ ናይ ምስፋሕ ተግባራቱ፡ ኣብቲ ዓይኒ መፍተሉ ዘይፍለጥ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ከም ዝኣተወ ጸሓይ ዝወቐዖ ሓቂ ኮይኑ ኣሉ።

ህግደፍ ካብ ኤርትራ ናብ ደገ ዘመዓዱ ጥዑይ ንምዝራእ ዘይኮነ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ገበናት  ንምስፍሕፋሕ እዩ። እንተኾነ ብብዙሓት ወገናት እዚ ስግረ-ዶባዊ ምህዞኡ ከም ትጽቢቱ ተቐባልነት ኣይረኸበን። እዚ እከይ ሓሳቡ ከምቲ ዝተመነዮ ተቐባልነት ዘይረኽበሉን ቀንዲ ምኽንያት ከኣ እቶም ሓሳቡ ክሸይጥ ዝኸዶም ኣካላት ስለ ዘይገዝእሉ እዩ። ናይ ዘይምግዘኦም ምኽንያት ከኣ ኣተሓሳስባ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ ንኻልእ ከምዘይበቅዕ ስለ ዝግንዘቡ እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ግና “እንተስ ብገርሂ እንተስ ብጉርሒ” ጸረ ህዝቢ ተግባር ኢሳያስ ኣብቲ ብብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕዳጋ ረኺቡ። ኣተሓሳስባ ኢሳያስ ኣብ ኢትዮጵያ ዕዳጋ ምርካቡ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያውያን ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ። እንተኾነ ናይቶም “ብሰንኪ ኣብ ዓዱ ዝመኸነን ዝተፈንፈነን ኣተሓሳስባ ኢሳያስ ምቕባልና ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ዲፕሎማስያዊ መድረኻት ዋጋ የኽፍለና ኣሎ” ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ቁጽሪ ይበዝሕ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ዘለና እዩ።

ናይ ጉጅለ ኢሳያስ ኣብ ዘይንጹርን ዘይብሩህን ኩነታት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ምዝማድ፡ ኣብቲ እዋኑ ኣዝዩ ኣዛራቢ ነይሩ። ኣዛራብነቱ ኣብ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውናንን ጥራይ ከይተደረተ ናይ ግዳም ሓይልታት ኣጀንዳ  እውን ኮይኑ ነይሩ። ዝያዳ ኣዛራቢ ዝኾነ ከኣ ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሃንደበት ዝመጸ ስለ ዝነበረ እዩ። ይኹን እምበር በቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ከም በዓል ጉንበት 7 ዝኣመሰሉ፡ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ  ብውሽጢ ውሽጢ ይስራሓሉ ምጽንሑ በዓል ኣንዳርጋቸው ጽጌ ኣቃሊዐምዎ እዮም። ንሕና እዚ ብብዙሕ ተንኮላትን ውዲታትን ዝተላዕጠጠ ዝምድና እንታይ ከም ዝወልድ ኣብ ምግማት፡ ከምዚ ንርእዮ ዘለና ከም ዝኸውን ናይ ምርዳእ ጸገም ኣይነበረናን። መረጋገጺና ከኣ ጨካንን ደረቐኛን ኣተሓሳስባ ኢሳያስ ንኤርትራን ህዝባን ዘይኮነ ንኢትዮጵያ’ውን ከምዘይጠቅም ስለ እንርዳእ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና በቶም ብጉጅለ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ይፍጸም ዝነበረ በደል ብግቡእ ዘይተረድኡ ወይ ከኣ ተረዲእዎም ክኑሱ ዘይተገደስሉ ኣካላት፡ እዚ ዝምድና እዞም መራሕቲ ናብ ራህዋ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ይወስድ ይኸውን ዝብል እምነት ኣንቢረምሉ ነይሮም። እቲ ብግብሪ ዝኸውን ዘሎ ግና እቲ ንሕና እቶም ነቲ ጉዳይ ብደቂቕ ክንከታተሎ ዝጸናሕና ዝገመትናዮ  እዩ።

ሎሚ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትዩ ኣብ ትግራይ ይዋጋእ ከም  ዘሎ ድሕሪ ክንደይ  ናይ ሓሳባት ሓጐጽጐጽን ኣተሓባባእን ተረጋጊጹ እዩ። መራሕቲ ህግደፍን ብልጽግናን’ውን “ሓቢእካዮ ዘይሕባእ” ምስ ኮኖም ብዘይተወደን ብሓላፍዘላፍ ኣገባብን ክእመንሉ ተገዲዶም እዮም። “እቲ ሰራዊት ኣብኡ ኣትዩኸ እንታይ ይገብር ኣሎ?” ዝብል ከኣ ውዑይ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ። ኤርትራውያን ብዛዕባ ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ፡ ነቲ ዋና ኣሳሳይ ኢሳያስን ጉጅለኡን ገዲፍካ፡ እቶም ዝተረፍና እውን ኣብ ሓደ ዕቱብ ናይ ሓባር ሚዛን የለናን። ካብቲ ነዚ ተርእዮ መሚና ኣብ ናይ ሓባር ሚዛን ከይንበጽሕ ኣጸጊሙና ዘሎ ምኽንያታት ሓደ ንኤርትራን ህዝባን በቲ ሓደ ወገን፡ ንኢሳያስን ጉጅለኡን ከኣ በቲ ካልእ ወገን ዝተፈላለዩ ምዃኖም ኣብ ክንዲ ምርኣይ ደዋዊስካ ምርኣዮም እዩ። እዚ ከኣ ንኢሳያስ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ይምልስ ከም ዘሎ መሲሉ ገበናት ክፍጽም ዕድል ዝህቦ ዘሎ ናይ ሓሳብ በዓቲ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ብዙሓት ወገናት ቦታታት እንዳጠቐሱ፡ ገበን ከም ዝፈጸመ ይኸስዎ ኣለዉ። ኣብ ኣብያተ-ክርስትያን ማርያም ኣኽሱምን ድንገላን ዝተፈጸመ ቅትለት ከኣ ንኣብነት ዝጥቀሳ እዩ። ካብዚ ነቒሎም ኢሳያስ ኣብ ቅድሚ  ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ቀሪቡ ክኽሰስ ዝጽውዑ ኣለዉ። “ሰራዊት ኤርትራ ነዚ ገበናትዚ ውዒልዎ ድዩ ኣይወዓሎን?” ኣብ መስርሕ ምጽራይ ስለ ዘሎ ውጽኢቱ  ክንርኣዮ ኢና። ናብቲ ሓቂ ክንመጽእ እንተኮይና ግና፡ ኢሳያስ ንክኽሰሲ ናብዚ ኣብ ትግራይ ፈጺምዎ ዝበሃል ዘሎ ጥራሕ ከይተቛመትካ እቲ ኣብ ኤርትራ፡ “ብዘይሕገመንግስቲ ዝመርሕ። ንዜጋታት መወዳእታኡ ኣብ ዘይፍለጥ ወትሃደራዊ ባርነት ዝጸምድ፡ ዜጋታት ንክስደዱ ምኽንያታት ፈጢሩ ዝደፋፍእ፡ መሰል ምእማን፡ ምዝራብ፡ ምውዳብ፡ ምጽሓፍን ምንቅስቓስን ዜጋታት ዝኸልእ፡ ብዘይ ፍርዲ ዝኣስር፡ ዝስውርን ዝቐትልን ……ወዘተ” እንዳበልካ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ገበናቱኸ ኣየኽስሶን ማለት ድዩ። ዘኽስስን ዘፍርድን ስለዝኮነ ኢና  ከኣ፡ “ገበናት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ፡ ከይዝንጋዕ” ንብል ዘለና።

ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ንዘሎ ገበናት ህግደፍ ዝኹንኖ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝፍጸም በደላት እውን ከምዘይድግፎን ከምይዘይሕተተሉን ፍሉጥ እዩ። ኣብዚ እቶም ንጉጅለ ኢሳያስ ዝረግሙን ዝኸሱን ሓይልታትን ህዝብን ትግራይ እውን ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይወዓሎ ከይልክምዎ ከስተብህሉ  ይግበኦም። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ዓቕምን ዕድልን እንተዝረክብ ነቲ ኢድ ኣእታውነት ጉጅለ ህግዲፍ ዓው ኢሉ ከምዝኹንኖ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ሰራዊት ኤርትራ ዝተወደበን ነብሱ ዝከላኸለሉን ኣድላይ እንተኮይኑ ከኣ ዘጥቀዓሉ መሳርሒ ዝወነነ ካብቲ ህዝቢ ዝሓሸ ነቲ ዘይከውን “ኣይከውንን እዩ” ናይ ምባል ተኽእሎ  ነይርዎ። እንተኾነ ዋልታን ኲናትን ኮይኑ ብቐዳምነት ህዝቡ መድሓነ። ካብኡ ሓሊፉ ንገዛእ ርእሱ “ወራርን ሰራቕን” ካብ ዘብል ተግባር ናጻ ክኸውን መተገብኦ። ነቲ “ሰራዊት ኤርትራ ብጉጅለ ህግዲፍ ዝውጻዕ ዘሎ ቀንዲ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ እዩ። ህልውና ሃገር ናይ ምውሕስ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ኢሳያስ ሰላም ናይ ምውሓስ ሓላፍነት ክስከም’ዩ።”  ዝበሃሎ  ዝምጥን ስጉምቲ ክወስድ ካብ ሎሚ ዝጥዕም ግዜ ኣይነበሮን። ብኣንጻሩ ንብዓት ህዝቢ ኤርትራ ዘይሓበሰ ሰራዊት፡ ስለምንታይ ናብ ትግራይ ከም ዝኸይድ ንህዝቢ ብሩህ ኣይኮነን። “ከይፈተወ ብህግደፍ ስለ ዝተገደድ እዩ” ዝብል ኣበሃህላ ከኣ ፈጺሙ ምኽኑይ ኣይኮነን።

ሕብረተሰብ ዓለም ንኢሳያስን ጉጅለኡን ክምርቕ ኮነ ክረግም እንከሎ፡ መበገሲኡ ህልዊ ኰነታት ኤርትራ ክኸውን ይግበኦ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ እገዳ ክውሰን እንከሎ፡ እቲ ኣብ ግምት ዝኣተወ ርክቡ ምስ ኣልሸባብ እምበር፡ ዘቤታዊ ጉዳይ ኤርትራውን ኣይነበረን። ሎሚ ከኣ እዚ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ  ዝወጣወጥ ዘሎ መቕጻዕቲ  ንገበናት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ፡ ከይዝንግዕ ነዘኻኽር።

Last modified on Tuesday, 09 March 2021 10:15