ካብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ዝወጸ ሓጺር ጸብጻብ፡ ኣመሪካውያን ዜጋታት ናብ 8 ሃገራት ክገሹን ኣብኣተን ክነብሩ ክሓስቡ እንከለዉን፡ ቅድሚ ምውሳኖም ምእንቲ ድሕነቶም ምስ ዝምልከቶም ንክላዘቡ ጸዊዑ። ኣብቲ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣመሪካ ካብ ምሕላው ድሕንነት ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኣመሪካውያን ዝዓበየ ዋኒን ከም ዘየብሉ ጠቒሱ። ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝምዕድን ዘዘኻኽርን ጸብጻብ፡ ብዛዕባቶም ናብተን ሃገራት ዝገሹን ኣብኣተን ብቐዋምነትን ብሕግን ዝነብሩን ስግኣት ከም ዘሎ ኣንጸባሪቑ።
እቲ ኣመሪካዊ መንግስታዊ ትካል፡ ነተን ኤርትራ እትርከበን ዜጋታታ ናብኣተን ክገሸ ወይ ኣብኣተን ክነብሩ እንከለዉ ክጥንቀቑ ዝበለተን፡ ኣፍጋኒስታን፡ በርማ፡ ኢራን፡ ኒካራጉዋ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሩሲያን ቬንዙዋላን ንኩነታት ጸጥታአን ደረጃ “ዲ/D” እዩ ሂቡወን።
እቲ ጸብጻብ ነዚ መጠንቀቕታ ንምውጻእ ዘኽኣሎ ንነፍሲ ወከፍ እዘን ሃገራት ዝምልከት ናይ ጸጥታ መምዘኒ ረቛሕታት ዝምልከቱ ዳህሳሳት ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ሓቢሩ። እዚ ጸብጻብ ድሕሪቲ ኢስያስ ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ፡ ምስ ኣሚሪካ እነካይዶ ጽምዶ ኣብ 2026 ኣዕዊትና ናብ ምንቅስቓስ ክንኣቱ ኢና ዝብል ቃል ምእታዉ ምምጽኡ ንደገፈቲ ህግደፍ ከም ዘሰንብዶም ፍሉጥ እዩ። ravel Advisory is a report from the U.S. Departecautions for U.S.