ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ድሕሪ 41 መዓልታት ዝወሰደ ኣኼባ ምክያድ፡ ብ31 ጥሪ 2024 ሰፊሕ መግለጺ ኣውጺኡ። ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚተ፡ ብዘይካቶም ህሉዋት ኣባላቱ፡ ኣብ ሓላፍነት ዘይጸንሑ ነባራት ኣባላት መሪሕነትን ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይን ተሳተፍቲ ምንባሮም እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
ኣብዚ ኣኼባኡ ብዛዕባ ውድባውን ከባብያውን ምዕባለታት ብሰፊሑ ከም ዝገምገመ ኣብቲ መግለጺ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ኣብዞም ዝስዕቡ ዛዕባታት ፍሉይ ቆላሕታ ሂቡ ዓሚቕ ሚዛን ከም ዘንበረ ኣብቲ መግለጺ ጠቒሱ። በዚ መሰረት፡
እቲ መግለጺ ናብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ናይ ቃልሲ መጸዋዕታ ዘውጸአ ኮይኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝምልከት ድማ፡ “ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብሓባር ኣንጻር ጸላኢ ተቓሊስና ተዓዊትና። ደሓር ግና እቲ መስርሕ ተኾሊፉስ ክሳራውን ኣስዒቡልና። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይቕረ ዘይበሃሎ በደል ተፈጺሙ። ስለዚ እቲ ጸረ ሰላም ተግባራት ከይቅጽልን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዝሓዞ መሬት ትግራይ ክወጽእን ቃልስኻ ቀጽል። ነቶም ኣብ ጸገም ህዝቢ ትግራይ ደገፍን ምትሕብባርን ዝገብሩ ዘለዉ ኤርትራውያ ከኣ ነመጉሶም” ዝብል መልእኽቲ ኣስፊሩ።
ማእከላይ ኮሚተ ህወሓት፡ ኣብዚ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቅልውላው ዝርከበሉ ዘሎ ግዜ፡ ንክንድዚ መዓልታት ኣብ ኣኼባ ምጽንሑ ብዝተፈላለዩ ወገናት ተቓውሞ ከጋጥሞ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።