Print this page

ጐድናዊ መድረኽ ሕቡራት ሃገራት ጀነቫ ንፍትሒ ኣብ ኤርትራ መማረጺ መድረኽ ይድህስስ

2017-06-19 21:50:23 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3912 times
Rate this item
(0 votes)

ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ናይ 14 ሰነ 2017 ስሩዕ ኣጀንዳኡ ቅድሚ ምጅማሩ ሒደት ሰዓታት፡ ኤርትራዊ ማሕበረሰ ሕግን ኣሓት ማሕበራት ሰብኣዊ መሰልን ብዘይካቲ ዓለም ለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርድን ዞባዊ መስርሕን ካልእ መማረጺ ንምድህሳስ ጐናዊ ኣኼባ ኣካይዶም። ዕላማ እቲ ምድህሳስ መማረጺ መድረኽ ኣብ ኤርትራ ካብ 1991 ክሳብ 2016 ብዝፈጸምዎ ገበን ዝኽሰሱ ሰባት ተሓተቲ ዝኾንሉ ኩነታት ንምፍጣር እዩ።

 

ኣብቲ ሓያሎ ዝተሳተፍዎ ብዶ/ር ዳንኤል ረዘነ መኮነን ካብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ሕጊ ዝተኣልየ መድረኽ፡ ሱዙኩ ሉንጉ ናይ ሕጊ ክኢላ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣቶ ኣዳም ክንፉ ካብ ግዳይ ኤርትራዊ ቤተሰብን ወ/ሮ ሪታ ማዙቺ ኣብ ናይሮቢ ካብ ዝመደበሩ ሲቪላዊ መድረኽ ቅርኒ ኣፍሪቃን ከም ተዛረብቲ ተሳቲፎም።

 

ዶ/ር ዳንኤል መኮነን ኣብ ዝሃቦ መእተዊ ቃል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብመርማሪ ኮሚሽ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራ ዝተበጽሓ ውሳነታትን መፍትሒ ሓሳባትን ብመንግዲ ዓለም ለኻውን ዞባውን መድረኻት ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ነዊሕ ግዜ ከም ዝወስድ ጠቒሱ። በዚ መሰረት ብኤርትራውያንን ግዱሳት ሲቪላዊ ማሕበራትን ካልእ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ዝረጋገጸሉ መንገዲ ምንዳይ እዋናዊ ዕማም ምዃኑ ኣነጺሩ።

 

ዶ/ር ዳንኤል እቲ  መማረጺ መድረኻት፡ ነቶም  ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፈጸሙ ጥርጡራት ሰባት ብደረጃ ዞባ ወይ ሃገር ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ቤት ፍርዲ ምቕራቦም ከም ዘጠቓልል ጠቒሱ። ወ/ሮ ሱዝኮ ብወገነን ንኣድላይነት ብኣካል ምቕራብ ገበነኛታት ብዝምልከት ኣብ ዝገለጸኦ ኣብ ዘየለውሉ ምጽራይ ከም ዝከኣል ሓቢረን። እቲ ምጽራይ ካብ ኤርትራ ወጻኢ እውን ክካየድ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ ኤርትራውያን እኹል መርተዖ ክሕዙ ይግባእ ኢለን።

 

መንእሰይ ኣዳም ክንፉ ብወገኑ ብዛዕባ ብ2002 ምስዋር ኣቡኡን ብዙሓት ነበርቲ ሰንዓፈን ብዝርዝር ሓቢሩ፡ ቤተሰብ እቶም ግዳያት ብሰንኪ ተግባራት ስርዓት ኤርትራ ከም ዝተሳቐዩ ከኣ ኣብሪሁ። ወ/ሮ ሪታ ማዞቺ’ውን ናይ ሲቪላዊ መድረኽ ቅርኒ ኣፍሪቃ ዕላማ ብዝርዝር ጠቒሰን ናይቲ መድረኽ ጽልዋ ኣብተን ዝንቀሳቐሰለን ሃገራት ብዝምልከት ዓሚቝ መግለጺ ሂበን።

 

ኣብቲ ምይይጥ ተሳተፍቲ ነቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ግደ ሲቪላዊ ማሕበራት ግቡእ ግምት ሂቦም፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ምትግባር እቲ ብመርማሪ ኮሚሽ ሕቡራት ሃገራት ዝተወሰነ እንታይ ክገብር ከም ዝኽል ብቆላሕታ ርእየምዎ።

 

ቅድሚኡ ሓደ መዓልቲ ብ13 ሰነ 2017 ጨቋኒ መንግስቲ ኤርትራ ብተስፋሚካኤል ገራህቱ ብዝተመርሐ ልኡኽ ነቲ ብኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝቐርቦ ዘሎ ብደሆ ዝምልከት ባዕላዊ መከላኸሊ ኣቕሪቡ

Last modified on Tuesday, 20 June 2017 00:02