Print this page

ህግደፍ ሎሚ’ውን እቶት ሓረስቶት ክግብት’ዩ

2016-11-16 19:31:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3098 times
Rate this item
(0 votes)

ህግደፍ ሎሚ’ውን እቶት ሓረስቶት ክግብት’ዩ

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ናይ ሎሚ ዘበን እቶት ሓረስቶት ዝግምግማ ብእሙናቱ ዝቖማ ሽማግለታት የቕውም ከም ዘሎ ምንጭታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። በቲ ጨቋኒ ስርዓት ኣውጺእዎ ዘሎ ዓመጸኛ ሕጊ መሰረት፡ህዝቢ እዘን ሽማግለታት እዚኣተን ከይገምገማሉ ምህርቱ ክሓፍስ፡ክሸይጥን ክልውጥን ኣይክእልን እዩ።

ኣብቲ መምርሒ ቀንዲ ቆላሕታ ተዋሂብዎ ዘሎ ሕጊ፡ ሓደ ሓረስታይ ካብ እቶቱ ንዓኡ ዝጥቀመሉ 10 ኩንታል ጥራይ ኣትሪፉ፡ ነቲ ዝተረፈ መንግስቲ ብዘውጸኦ ናይ ዋጋ ተመን 600 ናቕፋ ንኹንታል ናብ መንግስቲ ጥራይ ክሸይጥ ዘገድድ እዩ።

መንግስቲ ህግደፍ ከምዚ ዓይነት ዓመጽ ዘካይድ ዘሎ ሎሚ ጥራይ ዘይኮነ ቅድሚ ሕጂ እውን “ጥሙር ሕርሻ” ብዝብል መምርሒ ለቖታኡ ሒዙ ፈቐዶ ዓውዲ ይጉለት ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Wednesday, 16 November 2016 20:36